Monthly Archives: January 2015

ክሕደት

SATURDAY, APRIL 30, 2011
ክሕደት
+በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሓዱ ኣምላክ ኣሜን!!!

“ነታ ናይ መጀመርያ እምነትና ኣጽኒዕና እንተ ሓዝናያ መማቅልቲ ክርስቶስ ንኸውን” (ዕብ 3፡14) ። መጀመርያ ቤተ ክርስትያን ሓድነት መላእክት ዝተመስከረላ እያ ነይራ። እግዚኣብሔር ቅዱስ ስሙ ንመላእክት ምስ ፈጠረ ካብኦም ተሰወረ። ኣብ መንጎ መላእክት ሓደ ሕቶ ተላዕለ። ንሱ ኸኣ “መን’ዩ ፈጣሪና፤” ዝብል እዩ። ዲያብሎስ ካብኦም ብስልጣን ልዕል ዝበለ ስለዝነበረ ብትዕቢት ተወጢሩ “ኣነ እየ ፈጣሪኹም” በለ። ሊቀ መላእክት ቅዱስ ሚካኤልን ካልኦት ቅድሳን መላእክት ግን ነዚ ኣይተቀበልዎን። ክሳብ ፈጣሪና ንፈልጥ ኣብ ዘለናዮ ደኣ ንጽናዕ በሉ። እግዚኣብሔር ምስ ተገልጸ ከኣ ንዲያብሎስ “ኣቡሃ ለሓሶት” ኢሉ ናብ ናይ ዘለዓለም ጸልማትን ስቅያትን ደርበዮ።

 ኣርዮስ፡ ብ257 ዓ.ም ኣብ ሊብያ ሰሜን ኣፍሪቃ ዝተወልደ ኮይኑ ወዲ መዝሙር ተፍጻሜተ ሰማእት ቅዱስ ጴጥሮስ ከም ዝነበረ ታሪኽ ቤተ ክርስትያንና ይሕብር። ኣርዮስ ሓያል ተውህቦ ናይ ግጥምን ዜማን ስብከትን ዝነበሮ ካህን እዩ ዝነበረ። ፍልስፍናዊ ትምህርቲ ተማሂሩ ስለ ዝነበረ ነቲ ስርዓትን ሕግን ቤተ ክርስተያን ዝተተርጎመ መጻሕፍቲ ሓዲጉ እናተፈላሰፈ ንመጽሓፍ ቅዱስ ክትርጉም ጀመረ። ብሰንኪዚ ኸኣ “ወልድ ብመለኮቱ ፍጡር እዩ” እንዳበለ ብግሁድ መሃረ።

ኣርዮስ ዝብል ኣጸዋውዓ ኣብ ሕብረተሰብና ፍሉጥ እዩ። ንሓደ ርጉም፡ ናይ ሰብ ተፈጥሮ ዘይብሉ መለከዒ እዩ።
መምህሩ ቅዱስ ጴጥሮስ ንኽምለስ ብዙሕ እኳ እንተ መኸሮ ንሱ ግና ኣበዮ። ኣብዚ እዋን ጎይታ ንቅዱስ ጴጥሮስ ብራእይ ክም ሓደ ክዳኑ ኣብ ክልተ ዝተቀደ ሕጻን ኮይኑ ተራእዮ። “ንስኻ ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ’ዶ ኣይኮነካን” እሉ ምስ ሓተቶ፡ “እወ ኣነ እየ” ክብል ከኣ መለሰሉ። “ክዳንካ ድኣ መን ቀደደልካ” ኸኣ በሎ፡ “ኣርዮስ ክዳነይ ቀዲዱለይ፡ ካብ ናይ ባህርይ አቦይ ኣብ፡ ካብ ናይ ባህርይ ሕወተይ መንፈስ ቅዱስ ፈልዩ ፍጡር ኢሉኒ፡ ካብ ሕጂ ኸኣ ዘይምለስ ስለ ዝኾነ፡ ወጊዝካ ካብ ሓድነት ቤተ ክርስትያን ፍለዮ” በሎ። ቅዱስ ጴጥሮስ ትፍጻሜተ ሰማእት ኸኣ ከምቲ ዝተባህሎ ንኣርዮስ ወገዞ። ቅዱስ ጴጥሮስ ኣኪላስን እለስክንዲሮስን ምስ ኣርዮስ ኮይኖም ኣብ ትሕቲኡ ይመሃሩ ስለ ዝነበሩ ምስ ዓረፈ ካብ ውግዘቱ ክየፈትሕዎ ነገሮም። ኣኪላስ ግና ቓል መምህሩ ጥሒሱ ንኣርዮስ ካብ ውግዘቱ ፈትሖ። ኣብ ሓድነት ቤተ ክርሰትያን ኸኣ ጸንበሮ። ኣኪላስ ቃል ስለ ዘስተንዓቀን ዘይሰምዐን እግዚኣብሔር ቀዘፎ።

ትምህርቲ ኣርዮስ ካብ ዕለት ናብ ዕለት እናሰፍሐን ሓደገኛ እነዳኾነን ከደ። ብሰንኪዚ ኸኣ ብ325 ዓ.ም ጉባኤ ተኻየደ። ካብ ዓለም ምሉእ ልዕሊ 2300 ዝኣኽሉ ጳጳሳት ኣብ ኒቅያ ተኣከቡ። 318 ካብኣቶም ከም ሓደ ልቢ መኻሪ ከም ሓደ ቃል ተዛራቢ ኮይኖም ጸሎት ሃይማኖት ዝጸሓፉ እዮም።  ዘመኑ ቆስጠንጥኖስ ነጊሱሉ ኣብ ዝነበረ እዩ። ኣርዮስ ኣብቲ ጉባኤ ትምህርቲ ክሕደቱ ክገልጽ ተፈቕደሉ። ናቱ ክሕደት “ወልድ ብመለኮቱ ፍጡር እዩ። ግናኸ ካብ ካልኦት ፍጡራን ልዕል ዝበለ እዩ። ወልድ ዝይነበረሉ ዘመን ነይሩ እዩ። ንኣብ ወዱ ደኣ ይኹን እምበር ፍጡር እዩ፡ ብዝርኣዮ ገድሊ ከም ኩሎም ሰማእታትን ጻድቓንን በረኸትን ጸጋን ተቐቢሉ ሱታፈ ኣምላኽነት ረኸበ። ዝብል ነበረ።”
እዚ ናይ ኣርዮስ ትምህርቲ ኮንቱ ምዃኑ ኣፈ ጉባኤ ኾይኑ ብመሰረት መጽሓፍ ቅዱስ ዝመለሰ ቅዱስ ኣትናቴዎስ እዩ። ሕጽር ብዝበለ ከኣ ከምዚ እሉ ኣብረሃሉ፡
1. ወልድ ፈጣሪ እምበር ፍጡር ከም ዘይኮነ
2. ምስ ኣብኡ ማዕረ ስግደትን ኣምልኾን ከም ዝግብኦ
3. ስጋ ለቢሱ ብመልክዕ ባርያ(ሰብ) እኳ እንተ ተራእየ ካብ ኣምላኽነቱ ዝኾነ ይኹን ዝጎድሎ ከም ዘይብሉ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ብምጥቃስ መለሰሉ። መልሲ ቅዱስ ኣትናቴዎስ ብመሰረት መጽሓፍ ቅዱስ ስለ ዝነበረ ጉባኤኛታት ተቀበልዎ። ንኣርዮስ ካብ ክሕደቱ ክምለስ ሓተትዎ ስለዝኣበየ ኸኣ ወጊዞም ፈለይዎ።

“ጥበብ እዛ ዓለም ዚኣ ኣብ ኣምላኽ ዕሽነት እያ” (1 ቆረ 3፡20) ። ንምንታይ ኣብ እግዚኣብሔር ኣምላኽና ጥበብ እዛ ዓለም ዚኣ ዕሽነት ኮነት፤ ምኽንያቱ እቲ ፈላጥ እግዚኣብሔር እዩ። ሰብ ነቲ እግዚኣብሔር ዝገለጸሉ ጥራይ ክፈልጥ ዝኽእል። ኣርዮስ ከኣ ተፈላሲፉ ተባሂሉስ ኣብ ዘይፈልጦ ኣትዩ ተመራመረ። ኣርዮስ ከኣ ብናይ ገዛእ ርእሱ ፍልጠት ተወጢሩ ከምዚ ኣብ ላዕሊ ዝተገልጸ ክሕደት ዘርገሐ። እዚ ኣብ ዘመነ ሊቃውንቲ ብዝፍለጥ ግዜ እዩ። ቤተ ክርስትያን ሰላም ረኺባ መሰላ ተሓልዩ ትኸደሉ ዝነበረት እዩ።

ክሕደት/መናፍቅነት ኣብ ዳሕራይ ዘመን እምነት ምኽሓድ ከም ዝመጽእ ተነጊሩ እዩ(1 ጢሞ 4፡1)፡ ቅዱስ ጳውሎስ ንሰብ ቆረንቶስ ዝበሎ ቃል “ስለዚ ኣሕዋተየ ጻዕርኹም ብጎይታ ኸንቱ ኸም ዘይኮነ ፈሊጥኩም ብዕዮ ጎይታ ጽኑዓት ዘይትናቓነቑ ኩሉ ጊዜ ዕዙዛተ ኩኑ።” (1ቆረ 15፡58) ዝብል ኣብ ኣእምሮናን ሕልናናን ንደጋግሞ። ንምስክርነት ስላሴ ብመንፈስ ቅሩባት ንኹን። ምኽንያቱ 1 ጴጥ 3፡15 “ንጎይታና ክርስቶስ ብልብኹም ቀድስዎ እምበር፡ ብዛዕባ እታ ኣባኻትኩም ዘላ ተስፋ ምኽንያታ ዝሓተኩም ዘበለስ ምላሽ ንምሃብ ኩሉ ሳዕ እተዳሎኹም ኩኑ” ይብለና። ኩሉ ሳዕ ድልዋት ንኹን። መልክዑ እና ቀያየረ ክመጽእ እዩ ንሓና ግና ንቑሓት ንኹን። ብሓቂ ኣምላኽ ደገፉ ክህበና እዩ። ፍቕሪ ኣምላኽን ጸጋ ጎይታናን ሕብረት መንፈስ ቅዱስ ምስ ኩልና ይኹን።

ስብሓት ለእግዚኣብሔር ልዑል
ወለወላዲቱ ድንግል
ወለመስቀሉ ክቡር። ኣሜን!!!
አዘክሪ ድንግል at 7:28 PM
Share


Home
View web version
ERITREAN ORTHODOX TEWAHIDO CHURCH
Kana Zegelila
አዘክሪ ድንግል
Powered by Blogger.

Advertisements

ምስላ ብእንስሳ

THURSDAY, MAY 26, 2011
ምስላ ብእንስሳ
+ በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሓዱ ኣምላክ ኣሜን!!!

ጎይታናን መድሓኒናን ንሃዋርያት ክልእኾም እንከሎ ማቴ 10፡16-*እንሆ ከም ኣባጊዕ ኣብ ማእከል ተዃሉ እሰደኩም ኣሎኹ፡ለዋሃት ከም ርግቢ ጎርሓት ከም ተመን ኩኑ በሎም*። ጎይታናን መድሓኒናን ኣብዘን ሓጸርቲ ቃላት ብዙሕ ትምህርቲ ምሂሩና’ዩ፡ ንሎሚ ኽኣ እግዚኣብሔር ብዝፈቐዶ ቁሩብ መብርሂ ክንጽሕፍ፡ እግዚኣብሄር ይሓግዘና!!
 
ከም ኣባጊዕ ኣብ ማእከል ተዃሉ ፡- በጊዕ ለዋህ እዩ፡ ቶኽላ ኽኣ ጨካን፡ ንሃዋርያት ናብ ዓለም ክልእኮም እንከሎ ኸኣ ዓለም ከም ቶኽላ መሲልዋ። ቶኽላ ኣብ መንጎ ኣባጊዕ ክሃድን እንተ ደልዩ በጊዕ መሲሉ፡ ሳዕሪ ዝበልዕ እናመሰለ ይቐርበን፡ ሳዕሪ ዝበልዕ መሲሉወን ከይፈርሃ ሃዲአን ከለዋ ይሕወሰን፡ ምስደለዎ ኽኣ ሓንቲ ይወስድ’ሞ እተን ካሌኦት ፋሕ ይብላ፡ ዓለም ክኣ ግብራ ነዚ ስለትመስል ጎይታና ብቶኽላ መሲሉዋ (ክሳብ ተውድቐካ ንዓኻ መሲላ ትጽግዒካ’ሞ ብሕማቕ ኣዋድቓ ተውድቐካ)
መብዚሕትኡ ግዜ ኣብ ክሕደት ኣምላኽካ ፣ ኣብ ትዕቢት፣ ኣብ ሃብቲ ፣ ኣብ ስልጣን። በዚ ዝወድቑ ኽኣ ማእለያ የብልምን!!

ቶኽላ ንሃድን ክወጹ እንከለዉ ነታ ግዳይ እናተባራረዩ ኣድኪሞም ከምዘውድቕዋ ዓለምና ኽኣ ዜተፈላለየ ሽግራት እናምጽአት እቲ ወዲአ ኽትብል እቲ ሓደ አና’ስዓበት ፈጣሪኻ ክሳብ እትኽሕድ’ያ ትፈታትነካ ብኹለ እንተሰነፍካያ ኽኣ ንዓኻ ንምውዳቕ ዕረፍቲ የብላን! ክንፈሌጦ ዘለና ግን ዓለም ትብሃል ዘላ እቶም መሳርሒ ሰይጣን ዝኾኑ ደቂ ሰባት ምዃኖም’ዩ!!   

ጎይታና ኽኣ ክፋእ ቶኽላ ክገልጽ እንከሎ ማቴ 7፡15 ካብ ነብያት ሓሶት ተጠንቀቑ ብውሽጦም ዚምንጥሉ ኽንሶምሲ ክዳን በኣባጊዕ ተኸዲኖም እዮም ዝመጽኹም ይብለና!! ቶኽላ ሕጺር ብዝበለ ዘይጸዓረሉ ዝበልዕ፡ ክሳብ ዜጥዕሞ ንኣኻ መሲሉ ዜጓዓዝ፡ኢልካ ኽትጠቕሶ ትኽእል። በጊዕ ኽኣ ጓስኣ ብዝመርሓ ትጓዓዝ፡ ንጓስኣ ዘይተሸግር፡ ካብ ድልየት ጓስኣ ወጺኣ በትሪ ጓስኣ እንተ ወረዳውን ዘይተማርር (ተመሊሳ ቦትኣ ትሕዝ’ምበር ክፍለ ክጠፍእ ዘይትብል)። ብዓቕሚ ደቂ ሰብ ክትግምቶ እንከለኻ ከቢድን ዘይውጻእን’ዩ!! ኣባጊዕ ኣብ ማእኸል ተዃሉ፧ ዘገርምዩ! ጎይታ ግን እታ መገዲ ኽኣ ሓቢርዎም ለውሃት ከም ርግቢ ጎርሓት ከም ተመን ኩኑ! ርግቢ ለዋህ’ያ፡ ኣብ ደቅሰብ እተውርዶ ጉድኣት ክኣ የለን፡ ርግቢ ዝወረደ እንተ ወረዳ ገዝኣ ሓዲጋ ኣይትኸይድን’ያ፡ ገዜኣ እናጸገነትያ ትነብር! ናትና ቤት ከኣ ቤተክርስትያና’ያ ጎይታና ኽኣ ብዜኾነ ኣጋጣሚታት ክንገድፋ ከም ዘይብልና ንኽሕብረናዩ ርግቢ ብምሳል ኣቕሪብዋ፡ ርግቢ ውሊዳ ካብ ኣፋ ብትህቦም ፍረ ከም’ተዕብይ ፣ መጀመርያ ንሃዋርያት መቐጸልታ ኽኣ ንኹሉ ክርስትያን ካብ ኣፉ ሂወት ዜህብ ቃላት ንኸነውጽእ’ዩ! ብምሳለ ኣቕሪቡሌና!! 

ጎርሓት ከም ተመን ኩኑ፡ እዚ ኣበሃህላ ክትሰምዖ ከለኻ ተመን ከብሃል ከሎ ነብስኻ ከምገለ ይገብረካ፡ ክፉእ ምዃኑ ስለ ንፈልጦ፡ ካብ ክፉእውን ነቲ ጽቡቕ ጎኑ መርሚርካ ክትጥቀመሉ ጽቡቕ ሰለ ዝኾነ ጎይታ ጎርሓት ከም ተመን ኩኑ ኢሉና!! ተመን ማይ ኽሰቲ እንከሎ መርዙ ኣውጺኡ እዩ ዜሰቲ ንዒና ኽኣ ቃል ኣምላኽ ክትሰምዑ እንከለኹም ስጋሁ ወ ደምሁ ክትቅበሉ እንከለኹም ኣብ ሽጥኹም ዘሎ ቂምታ ከፋእ ኣንጺህኩም ተቐበሉ!

እንተ ዘይኮነ ከምቲ እቲ ተመን ምስቲ ዘዳለዎ መርዙ ማይ እንተ ሰተየ ንሞት ዜኾኖ ንዓኹምውን ንሂወት ኣይኮነኩምንዩ ማለቱ’ዩ!! ተመን ብጽሓይ (ብ ብርሃን) ይንቀሳቐስ፡ ንሕና ኽኣ ከምቲ ጎይታና ኣነ ብርሃን ዓለም’የ ከምዝበሎ ብጎይታና ጸኒዕና ክንመላለስ፡ ማለት ከምቲ እቶም ከፉኣት ግብሮም ከፉእ ሰለዝኾነ ግብሮም ንኸይፍለጥ ብሕቡእ ብጸላም ክገብርዎ እፈትዉ! እቶም ደቂ ብርሃን ግን ግብሮም ቅኑዕ ስለ ዝኾነ ብብርሃን’ዮም ዜገብርዎ ዝበለና ብብርሃን፡ ብቕንዕና፡ብፍቕሪ፡ ብሓድሕዳዊ ሓሌዮት ኮታ ኩሉ ጽቡቕ መገድና ጌርና ክንጕጓዝ ከምዝግብኣና ንኽምህረና ’ዩ። ተመን ጸላኢ (ሰብ) ምስዝረኽቦ ቀዲሙ መጸግዒ ሒዙ’ዩ ዝጽበ ጎይታና ኽኣ ጸላኢኹም ንኽትስዕርዎ መጸግዒ ይሃልኹም ይብለና፡ እግዙኣብሄር ክኣ ብዙሕ ጸላኢና ክንስዕረሉ እንኽእል መጸግዒ ሂቡናዩ! እታ ቐንዲ ኽኣ አዴና ድንግል ማርያም እያ! ሕጽር ብዝበለ ጽዮን ማለት መጸግዒ ማለት እዩ፡ ካብ ሰብ ክኣ እታ ኣምላኽና ዜሓረያ መዕረፊቱን መጸግዒቱን ኣዴና ድንግሌ ማርያም’ያ!! ጸግዒን ጽላልን የብዝሓልና ኣሜን!!

ተመን መጸግዒ ኣብዘይብሉ ምስ’ትረኽቦ ግን ርእሱ ይሓብእ’ሞ ጸላኢ ወቒዑ ርእሱ ከይረኸቦ ምስዝገድፎ ርእሱ ስለ ዘይተረኽበ ይትንስእ፡ ጎይታና ካብዚ ክምህረና እንከሎ ዝወረደ አንተ ወረደኩም ክርስትናኹም ኣሕሉፍኩም ኣይትሃቡ ማለቱ’ዩ! ሃዋርያ ጳውልስ ኣብ መልእኽቱ ርእሲ ሰበይቲ ሰብኣይ፡ርእሲ ሰብኣይ ክርስቶስ፡ ርእሲ ኽርስቶስ ኣምላኽ ይብለና፡ ስለዚ ርእስኹም ኣይትሃቡ ማለቱ ክርስትናኹም ኣይትሃቡ ማለቱ እዩ!!

ኩሉ ኣብ ቅድሜና ዜግበር ዘሎ ክርስትና ነምጥፋእ’ዩ፡ በቲ ዘጋጥም ፈተነታት ወዲቖም ዘለዉ ብዘሓትዮም፡ ድሕነት ይፍጠረሎም!  እዚ ጽሑፍ እዚ ኽኣ እቶም ዘይወደቕና ንኸይንወድቕ እቶም ዚወደቑ ኽኣ ናብ ድሕነት ንኽምለሱ ይጽሓፍ አሎ’ሞ ነስተውዕል ካብዚ ንላዕሊ ትምህርቲ ምስ’ንደሊ ኽኣ ኣብ ቀረባና ዘለዉ ኣቦታት ንወከስ!  

ክቡራን ህዝበ ክርስትያን እግዚኣብሄር ንሰብ ብመሌክዑ ክፈጥሮ እንከሎ ካብ ግብሪ ኣምላኽ ተማሂሩ እቲ ዝተመደበሉ ሃብቲ መንግስተሰማያት ክወርስ’ዩ ነይሩ፡ ሰብ ግን ናይርእሱ መንገዲ ስሰዘመረጸ ብእንስሳ ክሳብ ዝምሃር ደንቆሮ ኾነ። 
ዘለናዮ ግዜ ምሉእ ኣገልግሎት ክትረኽበሉ’ትኽእል ስለዝኾነ ኣብ ኢንተርነት ወይ ካሌእ ሃይማኖታዊ ኣገልግሎት ዘሕልፋ ማዕከናት እና ሰማዕና ኣቦታት እናሓተትና ንጠቐመሉ፡ መኽንያቱ ኩሉ ብዛዕባ ሃይማኖት ዝዛረብ ሃይማኖታዊ ማለት ኣይኮነን ኩሉ ብፍሪኡ’ዩ ዝልለ!! ኣቦታትና ብዘዳልዉልና ትርጓሜ መጻሕፍቲ እናተጠቐምና ሚስጥር መንግስቲ ኣምላኽ ፈሊጥና በታ ጸባብ በገዲ እናተጓዓዝና ኣብቲ ጎይታና ዘዳለወልና መንግስተ ሰማያት ዘብጽሓና ፍረ ንግበር። 

ወስብሓት ለእግዚኣብሔር ልዑል 
ወለወላዲቱ ድንግል
ወለመስቀሉ ክቡር
ኣሜን!!! 
አዘክሪ ድንግል at 6:32 PM
Share



Home
View web version
ERITREAN ORTHODOX TEWAHIDO CHURCH
Kana Zegelila
አዘክሪ ድንግል
Powered by Blogger.

ብጌጋኻ ዘይምእማን

SATURDAY, JUNE 4, 2011
ብጌጋኻ ዘይምእማን
+ በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሓዱ ኣምላክ ኣሜን!!!

ትሕትና ክበሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፤

ኣብዚ ዓቢን ኣገዳስን ኣርእስቲ’ዚ ክንዛተ እንተ ኮና ትሑትነት’ውን ምግላጽ ከድልየና እዩ። “ኣነ መን እየ፤” ዝብል ናይ ትሑትነት ስምዒት (Inferiority) ሒዙካ ትሕትና ተተግብር መሲሉካ ናይ እግዚኣብሔር ክብርን ሓቅን ክድፈርን እናረኣኻ ከምዘይረኣኻ ከተጽቅጥ ግቡእ ኣይኮነን። ንትሕትና ዝምልከት ንኣብነት ሓደ ቅዱስ ኣቦ “ከልቢ!!!” ኢሎም ምስ ተጸርፉ “ኣውሒድካለይ ዝሓወይ ከልቢ ደኣ ንጎይትኡ ክሳብ መቃብር ይሕልዎ እዩ፡ ኣነ ግና ክሳብ’ዛ ዕለት’ዚኣ  ንጎይታይ ብግቡእ ኣይየገልገልኩዎን” በሎ። እዚ ቅዱስ ኣቦ ንነፍሱ ተከላካኺሉላ’ዶ፤ ኣይፋሉን። ኣይተኸላኸለላን። መን ደኣ ይከላኸለሉ፤ እግዚኣብሔር ጥራይ እዩ ክከላኸለሉ። ትሕትና ነዚ ይመስል። እዚ ትሑት ኣብነታዊ ቅዱስ ኣቦ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ትሑት ኮይኑ ይነብር፡ ኣብ ቅድሚ ሰባት ትሑት እዩ፡ ኣብ ቅድሚ ገዛእ ርእሱ’ውን ትሑት እዩ።

እቲ ብጌግኡ ዘይኣምን ሰብ እሞ ኸኣ ኣነ ቅኑዕ እየ ኢሉ ዝካታዕ ዓቢ በደል ኣለዎ። እዚ ሰብ’ዚ ጣዕሳ ኣይፈልጣን’ዩ፡ ናብ ንስሓ ክኣቱ’ውን ኣይክእልን። ምኽንያቱ ኣይተጋገኹን ኢሉ ስለዝሓስብ።
ኢዮብ 10፡2 ”ኦ ኣምላኽ ኣይትኾንነኒ ብምንታይ ትኸሰኒ ኸም ዘሎኻ ንገረኒ” 

ሺምዒ ንዳዊት ምስ ረገሞ ዳዊት እንታይ ኢሉ መለሰሉ፤
2 ሳሙ 16፡10 “ ንጉስ ግና ኣቱም ደቂ ጽሩያ ምሳኻትኩም ዚራኽብ እንታይ ኣሎኒ፤ እቲ ዚረግመኒ ዘሎስ፡ እግዚኣብሔር ‘ንዳዊት ርገሞ’ ኢሉ ኣዚዝዎ እዩ እሞ ‘ስለምንታይ ከምዚ ትገብር ዝብሎ መን እዩ፤ በሎ።”
ቅኑዕ ከሎ ዝማጎት ኣሎ። በዲሉ ከሎ ከኣ ዝማጎት ኣሎ።

ጌጋ የብለይን ዝብል ሰብ ንጎይታ ምድሕን ህይወተይ ክብሎ ኣይበቅዕን እዩ። ዘይጋገ እንድዩ ካብ ምንታይ’ሞ ከድሕኖ። “ንሓኪም ሕሙማት እምበር ጥዑያት ኣየድልይዎን እዮም” ይብል እግዚኣብሔር ወልድ። ብሓቂ መዓልታዊ ኣብ ኣእምሮና ክመላለስ ዝግብኦ ዓቢ ህያው ቃል እዩ። ስለዚ ኣብዚ ትዕቢት ንስሓ ካብዘይሃለወት መዓስ ደኣ ክንምለስ፤ ድርቅና ምስዝውሰኾ ከኣ ካብ ሓንቲ ጌጋ ናብ ብዙሕ ተለዊጣ ጠጠው መበሊ/መዕረፊ ትስእን። ብኣንጻሩ እቲ ንሰማያዊ ህይወት ዝናፍቅ ሰብ ኩሉ ግዜ ተጋጊየ እና በለ ይነብር። ብስቡር ልቢ ንኣምላኹ ስለዝምለስ ኩሉ ግዜ ኣምላኽ እሕልዎን ይረድኦን። ንኣብነት ኣብ ሉቃስ ወንጌል 18፡11-13 ዘሎ ቅዱስ ቃል እቲ ፋርሳውን ተቀባል ቀረጽን፡ ተቀባል ቀረጽ ሓጥያቱ ተኣሚኑ ኣፍልቡ እናወቀዐ ናብ ኣምላኽ ጸለየ ሓጥያቱ ከኣ ተሓድገሉ። እቲ ፋርሳዊ ግን “ከምቲ ተቀባል ቀረጽ ዘይኮንኩ ኣብ ሰሙን ክልተ ግዜ ይጸውም እናበለ ጽድቁ ይቆጽር ነበረ፡ በሰንኪ ትዕቢቱ ከኣ ጸሎቱ ክዕንቀፍ ይርአ። ንጎይታና ጎይታ ኹሉ ኣሚና ካብ ዝገበርናዮ ኩሉ በደል ይቅረ ክብለልና ብስቡር ልቢ ንለምን። ኣምላኽ ከኣ ምሕረቱ ኣብ ቀረባ እያ። ብካልእ ወገን ውን እታ ኣመንዝራ ንጎይታና ብንብዓታ ቅዱሳን ኣእሩ ዝሓጸበት ስርየት ሓጥያት ካበይ ምዃኑ ስለዝተረደአት ካብቲ ዝገበረቶ ኩሉ ነጺሃ ክትመላለስ እግዚኣብሔር ወልድ ብርህራሀ ሓደገላ።

በደለኛ ከሎኻ በደል ይብለይን ኢልካ ንሰባት ከተእምን ምፍታን ተወሳኺ ዕንቅፋት እዩ። ከምኡ’ውን ክብርኻ የነኪ። ሰማያዊ ሃብቲ ዘማዕዱ ግን ተበዲሉ ከሎ ተበዲለ ኣይብልን ብሕልንኡ’ውን ከይተረፈ ከምዘይተበደለ ይኣምን። ካብዚ ዝለዓለ እቲ ወሪዱዎ ዘሎ ናቱ ይቆጽሮ። ንኣብነት ንዝጸረፈካ ወይ ጌጋኻ ንዝነገረካ ካብ ትኹርየሉ ወይ ትምልሰሉ ዓርክኻ ትገብሮ። ምኽንያቱ ቅድሚ ምጽኣት ዓለም ጉድለትካ ኣብዛ ምድሪ ከሎኻ ስለዝነገረካ። ክትሕጎስ’ውን ይግበኣካ።    

ምሳሌ 20፡22 “እከይ ክፈዲ ኣይትበል ንእግዚኣብሔር ተጸበዮ እሞ ንሱ ኼድሕነካ እዩ” በዚ ምኽንያት ትሑታት ንገዛእ ርእሶም ኣይፈደዩን። ንኣብነት ሙሴ ጸሊም ብዛዕባ ዮሴፍ ክዛረብ ከሎ” ዮሴፍ ትሕትንኡ እምበር ኣሕዋቱ ኣይኮኑን ሸይጦሞ”። ዮሴፍ ብሰበይቲ ጳጢፋር (ኣዛዚ ቤት ፈርዖን) ምስ ተኸሰ ሓንቲ ኣይገበርኩን ኣይበለን። ተኣስረ። ኣምላኽ ብዝሓሰቦ ዓቢ ኽብሪ ከኣ ረኸበ።
ቅዱስ መቃርዮስ ተጋሲሱኒ ኢላ ሓንቲ ሰበይቲ ምስ ከሰሰቶ ኣፉ ኣይከፈተን። ተጻዒራ ክትሓርስ ከላ ከኣ ተናዘዘት። ይቅረታ ክሓትዎ ክመጽዎ ምስ ሓሰቡ ቅዱስ መቃርዮስ ነዚ ነገር’ዚ ፈሊጡ ናብ ካልእ ዓዲ ሃደመ። ምኽንያቱ ትዕቢት ከይሓድሮ።

ቅድስቲ ማሪና’ውን ናብ ብሕትውና ክትኣቱ ኸላ ሰብኣይ ኮይና ኣተወተ። ቅድስቲ ማሪና ሓንቲ ሰበይቲ ተጋሲስኪ ኢሎም ምስ ከሰሱዋ’ውን ኣነ ሰበይቲ እየ ኣይበለትን። ነቲ ገበን ለቢሳ ኪሳብ ሞት’ውን በጸሐት። ኪሓጽብዋ ምስ መጹ ጓል ኣንስተይቲ ምዃና ተፈልጠት።
ብርቱዕ ሰብ ዝበሃል ከመይ ዝበለ እዩ፤ ነገዛእ ርእሱ ዝሓሊ ወይ ጌጋ የብለይን ዝብል ድዩ፤ ኣይኮነን። ኣርኣያ ኩሉ ዓለም ጎይታናን ምድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንገዛእ ርእሱ ምእንታና በጃ ኮነ። ከምቲ ናብ መሕረዲ ዝኸይድ ገንሸል ኣፉ ኣይከፈተን። ተጸርፈ፡ ጡፍ ተባህለሉ፡ ተገርፈ፡ አረ ክሳብ መስቀል’ኳ ተሰቅለ። ስቅታኡ ካብ ዝኾነ ቃል ትዓቢ ነበረት።

ካብ ዘገርም ግን ብዙሓት ኣብ ጌጋ ከለዉ ጌገኛታት ኣይኮናን ይብሉ። ትሑታት ግን ተጋጊየ ንኽብሉ ግዜ ኣይወስደሎምን እዩ። ካብ ውሽጢ ዝፈልፈለ ሕልናኡ ዝደረኾ እዩ። ፈታዉ ነፍሱ ግን ክውንነት ዘይብሉ ሓበን ይብርትዖ። እዚ ከኣ ጌጋ እዩ። ክናሳሕ ዕድል የብሉን፡ ነቲ ጌጋኻ ካልእ ጌጋ ትውስኸሉ ትሽፍኖ’ውን። “ሓባእ ቅስሉስ ሓባእ ፈውሱ” ‘ኳ ዝበሃል። ንኣብነት ሃናንያን ሰጲራ ሰበይቱን ንመንፈስ ቅዱስ ጌግኦም ክሽፍኑ ክብሉ ናብ ዘይተደልየ ካልእ ዝገደደ ሓሶት ኣተው ዓስቦም ከኣ ሞት ኮነ። ኣብ ዓይኒ ሰብ ንጹህ ምዃን ኣይንጸሃካን እዩ።
ብዛዕባ ነፍስኻ ጥራይ ትዛርብ እንተኸንካ እቲ ዝሰምዓካ ዘሎ ሰብ ናባኻ ክቀርብ ኣይትዕድሞን ኣለኻ። ካባኻ በዝተኻእለ መጠን ክርሕቅ ይደሊ። ያዕ 1፡19 “ኩራ ሰብኣይ ጽድቂ ኣምላኽ ኣይገብርን እዩ” ስለዚ ኣብ ንቁጠዓሉ ንስምዒትና ንቆጻጸር። ሕያዋይ ሰብ ክትቀርቦ ደስ ይብለካ። ምኽንያቱ ስለዝሰምዓካ ከይትኹርዮ ይከናኸነካ። ተሪር ሰብ ግን ፍጹም ስለዘይሰምዓካ ሸለል ትብሎ። ኩሉ ሰብ’ውን ኣነ በሃላይ ምዃንካ ምስ ፈለጠ ይገድፈካ።

ናትካ ጌጋ ናብ ካልእ ምልጋብ                                         
ንኣብነት ኣቦና ኣዳም ጌግኡ ናብ ሄዋን ሄዋን ከኣ ናብቲ ተመን ምልጋብ ማለት እዩ። ኣዳም ብዛዕባ ንፍሱ ክከላኽል ዝመሰሎ “እዛ ምሳይ ክተከውን ዝሃብካኒ ሰበይቲ ኻብታ ኦም በለስ ሂባትኒ በላዕኩ” ሓደ ሰብ ንምንታይ ዘይመጻእካ እንተኢልካዮ ዝሓበረኒ የለን ይብለካ። ወይ ናብ ቤተ ክርስትያን ንምንታይ ዘይከድካ እንተበልካዮ መዛሙር ወይ ቅዳሴ የብዝሑ ኮይኖም ይብለካ። ቅዳሴ ይብዛሕ መዛሙር ይደጋገም ግቡእካ ቃል ኣምላኽ ምስማዕ’ዶ ኣይኮነን፤
ኣብ ገሊኡ’ውን ጌጋኻ ናብ እግዚኣብሔር ምድርባይ ኣሎ። ዝሓሰብካዮ ውጥንካ ምስ ዘይቀንዓካ “ኣንታ ኣምላኽ ንምንታይ ከምዚ ጌርካኒ፤” ፍቁር ሓው ጌጋ’ኮ ናትካ እዩ። ኣበርቲዕካ ሰለዘይጸዓርካ ወይ ሜላኻ ብጽቡቕ ኣይተጠቀምካሉን ማለት እዩ። ቃኤል እግዚኣብሔር ብዛዕባ ሓው ምስ ሓተቶ እንታይ ኢሉ መለሰሉ ንርአ፡ ዘፍ 4፡9 “ሓውካ ኣቤል ኣበይ ኣሎ፤….ኣይፈልጥን ኣነ’ዶ ሓላው ሓወይ እየ” እዚ ከኣ ድፍረት ዝተሓወሶ እዩ።

ፍልስፍና ምሕዋስ ከኣ ኣሎ። ንኣብነት ኣርዮስ ካብ ጌግኡ ክንዲ ዝምለስ ፍልስፍና ሓዊሱ ነታ ሕብረት መእመናን ብደም ክርስቶስ ዝተቀደሰት ቅድስት ቤተ ክርስትያና ክፈላሊ ባህ በሎ። እቲ ዝገደደ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ነቲ ጌጋ ምሽፋን ካብ ቃላት እግዚኣብሔር ጥቅስታት ኣውጺእካ ናትካ ድልየታት ክትረክብ ሒዂ ምባል። እግዚኣብሔር ክህሉ ይብሉን ምባል ይሕሸካ። ብሓቂ ንሰብ ቅንዕቲ እትመስሎ መገዲ ኣላ መወዳእታ ግና መገዲ ሞት እያ። ነዓጹም! እንተበልካዮ ካብ ኣፍ ብዝወጽእ እምበር ብኣፍ ዝኣቱ ኣይጎድእን ኢልካ ናትካ ፍልስፍና ካብ ቃል ኣምላኽ ቁንጭል ኣቢልካ ድላይካ ክትገብር ጌጋን ዓቢ በደልን እዩ። ስለዚ ህዝበ ክርስትያን ኩልና በደል ኣሎና፡ ፈሊጥናን ከይፈለጥናን ንጋገ ኢና። ስለዚ“ኣብዚ ዘመን ግሽነትኩም ብፍርሃት ንበሩ” (1 ጴጥ 1፡17) ዝብለና ቃል ህይወት ከም ማዕተብ ንልበሶ። “እቲ ውግእሲ ናይ እግዚኣብሔር እዩ” (1 ሳሙ 17፡47) ኢልና ንእግዚኣብሔር ብዝግባእ ነገልግሎ። በደልና ከይረኣየ ሓጥያትና ከይተመልከተ ብብዝሒ ምሕረቱ ይደግፈና።

ምንጪ፡ ስብከት ካብ ልሳን ዓረበኛ ብፖፕ ሽኖዳ 3ይ. 

ወስብሓት ለእግዚኣብሔር
ወለወላዲቱ ድንግል
ወለመስቀሉ ክቡር ኣሜን!!!

አዘክሪ ድንግል at 4:56 PM
Share



Home
View web version
ERITREAN ORTHODOX TEWAHIDO CHURCH
Kana Zegelila
አዘክሪ ድንግል
Powered by Blogger.

ሰብ ክልተ ልቢ

WEDNESDAY, JULY 6, 2011
ሰብ ክልተ ልቢ

+ በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሓዱ ኣምላክ ኣሜን!!!
ብክርስቶስ ክርስቲያን ዝተሰመኹም “ንኣምላኽ ቅረብዎ ንሱውን ክቀርበኩም እዩ፡ ኣቱም ሓጥኣን ኣእዳውኩም ኣጽርዩ፡ ኣቱም ሰብ ክልተ ልቢ’ውን ልብኹም ኣንጽሁ” (ያዕ 4፡8) ዝብል ሓይለ ቃል ክንምገብ ብቅዱስ ፍቃዱ ልብናን ኣእምሮናን ይኽፈተልና።
ሰባት ኣብ’ዛ ዓለም ከሎኻ “መገዲ እግዚኣብሔር ክትከይድ ኣይትኽእልን ኢኻ እንታይ ደኣ፡ ናብ ገዳም ምስ ተሰቀልካ ትእዛዛት ክትሕሉ ትኽእል” ይብሉ። እቲ ዘሰክፍ ከኣ ከም ዕላማ ኣብ ህይወቶም ወሲዶም ግዳይ ፍልስፍና እዛ ዓለም’ዚኣ ይኾኑ። ማለት ትእዛዛት እግዚኣብሔር ንምሕላው ብርቱዕ እዩ ኢሎም ይድምድሙ። ዘማራይ ዳዊት ደስ ዘብል ቃል ብመንፈስ ተመሊኡ ዝዘመሮ መዝሙር ንውሰድ ”ብምኽሪ ረሲኣን ዘይመላለስ ኣብ መገዲ ሓጥኣን ከኣ ዘይቀውም ኣብ መንበር መላገጽቲ ድማ ዘይቅመጥ ብሕጊ እግዚኣብሔር ደኣ ዚፍሳህ ነቲ ሕጉውን ለይትን መዓልትን ዚመራምሮ ሰብሲ ብጹእ እዩ” (መዝ 1፡1-2) ይብለና። ስለዚ ሕጊ እግዚኣብሔር መዓር ምዃኑ ጽቡቕ ገይሩ ምሂሩና እዩ። ደስ እና በለና ከኣ ክንምገቦ ኣለና። ዓቀበት ኮይኑ ዝረኣየና ግና ክልተ ነገራት ስለዘፍቀርና ጥራሕ እዩ። በቲ እግዚኣብሔር ኣምላኽ ንደሊ በቲ ከኣ ዘብለጭልጭ ነገራት’ዛ ዓለም ንፈቱ። ሓደ ሰብ ካብ ሓደ ወሰን ናይ ጸድፊ ናብቲ ካልኣይ ወሰን ክሰግር፡ ብገመድ ዝተሰርሓ ክልተ መሰጋገሪ (ኳንኳ) ክልተ ኣእጋሩ የቀምጥ። ብገመድ ስለዝተሰርሓ እዘን ክልተ መሰጋገሪ (ኳንኳ) ክልተ ኣእጋሩ ተወጢረን ሓንቲ ናብ የማን እታ ካልአይቲ ከኣ ንጸጋም ኢለን ነዚ ሰብ ጸድፊ (ጸበባ ዓለም ዝመልኦ ሰብ + ድፍረት+ ፈላስፋ ዘመኑ) ይኸውን መፈጸምትኡ። ንምንታይ እንተ ኢልና ዓለም ከም ልማዳ ሰብ ከተውድቅ እምበር ከተጸግን ኣይራእናን። ኣብ መወዳእትኡ ከኣ ጠንጢናትካ ትኸይድ። ምኽንያቱ እግዚኣብሔር’ዩ ነባሪ፡ እግዚኣብሔር’ዩ ዘልኣለማዊ፡ እምበር ዓለም’ደኣ ሓላፊት እንድያ። ህዝበ ክርስቲያን ሎሚ ልብና ልቢ ኩላትና ኣበይ ኣሎ፤ ናብ ሓኪም ክንከይድ ከለና ህርመት ልብና ከመይ ኣሎ ኢሉ ይምርምሮ። ንምንታይ፤ ልቢ፡ ደምና ናብ ኩሉ ህዋሳት ኣካላትና ስለ እትጭንጉዕ ጠጠው እንተ ኢላ ንሕና ጠጠው ንብል፡ ንመውት ማለት እዩ። ዕሽር ክንከፍል ከም ዘለና ንኹልና ተነጊሩና እዩ ሓቀይ! እግዚኣብሔር ኣምላኽ ኣብ ወንጌል ማቴዎስ “ንእግዚኣብሔር ኣምላኽካ ብምሉእ ልብኻን ብምሉእ ነፍስኻን ብኹሉ ኣእምሮኻን ኣፍቕሮ” (ማቴ 22፡37) ዝብል ዓቢ ትእዛዝ ሂቡና። ጽቡቕ! ነዓናን ንኹሉ ፍጥረታት ዝፈጠረ እግዚኣብሔር ልብና ክንህቦ’ስ እንታይ ይእግመና፤ እዚኣ ካብቲ ንስኻ እትብህጎ ንእግዚኣብሔር ኣምላኽካ ዕሽር ምኽፋል ማለት እያ። ንኣብነት፡ ሃና ከናፍራ ጥራይ ይንቀሳቀስ ምህላው ዝተዓዘበ ካህን ኤሊ ዝሰኸረት ኮይና ተሰመዖ። ንሳ ግና ብምሉእ ልባ ምስ እግዚኣብሔር ኔራ። ሃና ብምስትንታን ኩሉ ገዲፋ ምስ እግዚኣብሔር ጥራይ ኔራ። እቲ ክህብን ክኸልእን ዝኽእል እግዚኣብሔር እዩ። ስለዚ ፈጣሪ ኩሉ ዓለም እንኮለኒ ንምንታይ ዝጭነቕ ዝበለት ሃና ጸሎታ ክዕነቀፍ ኣይተራእየን። “እቲ ዝልምን ግና ከይተጠራጠረ ብእምነት ደኣ ይለምን ከመይ እቲ ዝጠራጠር ከምቲ ንፋስ ነው ነጀው ዝደፍኦ ማዕበል ባሕሪ’ዩ ዚመስል” (ያዕ 1፡6)። ብሓቂ ግርም እዩ ዝብለካ ኩሉ ክህብ ዝኽእል እግዚኣብሔር እንከሎና ንምንታይ ኢና ካብ ዓለም ንልምን፤ ሓደ ኣቦ እንከሎና ንምንታይ ባዕልና ንዝኽትም፤ ሕስብ እሞ ነብሎ!
“ስለዚ ኣይምውቕ ኣይዝሑል ልብጥ ዝበለ ስለዝኾንካ ካብ ኣፈይ ጡፍ ከብለካ እየ” (ራኢ 3፡16) ሰብ ክልተ ልቢ ንጠንቀቕ። እንትርፎ ንነፍስና ክንብድል እምበር ንእግዚኣብሔር እንታይ ገይርናሉ ንፈልጥ፤ ላንጋ ላንጋ ኣይንኹን። ካብ ዘይምንባር ናብ ምንባር ዘምጽኣና ኣምላኽ ነመስግኖ። ስሙ ንምምስጋንን ክብሩ ንምውራስን እዩ ዕላማ ምፍጣርና። ካብ መዓሙቕ ልብና ዝነቐለ ወርትግ ምስጋና “ንስሓ እትበቅዕ ዕድመ ስለዝወሰኽካኒ ክብሪ ንዓኻ ይኹን” ንበል። “ካብ ሽሕ መዓልቲ ኣብ ካልእ ሓንቲ መዓልቲ ኣብ ቤት መቕደስካ ምውዓል ይሓይሽ” (መዝ 84፡10) ዝብል ናይ ልቢ እግዚኣብሔር ንጉስ ዳዊት መዝሙር ንደጋግሞ። ተስፋና እንታይ ምዃኑ ንተዓዘብ “ሓድሽ ልቢ ኽህቦም፡ ሓድሽ መንፈስ ድማ ኣብ ውሽጦም ከሕድረሎም እየ። ካብ ሰብነቶም እምኒ ልቢ ኸውጽእ እየ። ናይ ስጋ ልቢውን ክህቦም እየ።” (ሕዝ 11፡19)። ልብና ተቀይሩ ከውሒ ዝነበረ ናብ እግዚኣብሔር ዝለወጦ ልቢ ክኸውን ከመይ ዓቢ ደስታ ኣለዎ ይመስለኩም! ሳኦል ንቤተ-ክርስትያን ከሳጉግ ከሎ ልቡ ከውሒ ኔራ። ጎይታ ምሕረቱ ዘይውዳእ ስለዝኾነ ከኣ ነዚ ኮውሒ ልቢ ናብ መንፈስ ዝመልኦ ልስሉስ ልቢ ብርሃን ቤተ-ክርስቲያን ክኸውን በቂዑ (ግሓ. 9)። ሕጂ ውን ወሃቢ ኩሉ ዝኾነ እግዚኣብሔር ኣምላኽ ንለምኖ “ጽሩይ ልቢ ፍጠረለይ ጽኑዕ መንፈስውን ኣብ ውሽጠይ ሓድስ” (መዝ 51፡10) ንበሎ። ስለዚ ብጾምን ብጸሎትን ኣብ መንፈሳዊ ህይወትና ክንዓቢ ኣሎና። ብናፍቖት ሰማያዊት ኢየሩሳሌም ጌርና ንዓለም ንስዓራ። ሰማያዊ ጥበብ እዩ ናይ ቤተ-ክርስቲያና ጥበብ። ክርስትና ይጅመር እምበር ኣይውዳእን። መስቀልና ኣልዒልና ንክርስቶስ ንስዓቦ። ብቅዱስ መንፈሱ ገይሩ ከኣ ይደግፈና።
ወሰላም ለእግዚኣብሔር
ወለወላዲቱ ድንግል
ወለመስቀሉ ክቡር
ኣሜን!!!
      
አዘክሪ ድንግል at 3:31 PM
Share



Home
View web version
ERITREAN ORTHODOX TEWAHIDO CHURCH
Kana Zegelila
አዘክሪ ድንግል
Powered by Blogger.

ደብረ ታቦር

TUESDAY, AUGUST 16, 2011
ደብረ ታቦር

ኣብ ቤተ ክርስቲያንና ብድምቀትን ክብ ብዝበለ መንፈሳዊ ሥነ ሥርዓትን ካብ ዝኽበሩ ትሽዓተ ዓበይቲ በዓላት ጐይታ ሓደ እዩ። ዓመት መጸ ድማ ፲፫ ነሓሰ ይኽበር። እዚ ዕለት እዚ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ መዋዕለ ስብከቱ ብርሃነ መለኮቱ ክብረ መንግሥቱ ኣብ ደብረ ታቦር ነቶም ኅሩያት ደቀ መዛሙርቱ ዝገለጸሉ እዩ። እግዚአብሔር ብዝፈቐደ ኣስዒብና ብሓጺሩ ምኽንያተ በዓልን ትንቢትን ምስኡ ዝተተሓዙ ፍጽሜታትን ክንርእይ ኢና። እግዚአብሔር አምላኽ ዘስተውዕል ልቦና ይሃበና። 

ስምን ሓጺር ታሪኽን ደብረ ታቦር
ታቦር ኣብ እስራኤል ካብ ባሕረ ገሊላ ብወገን ደቡባዊ ምዕራብ ፲ ኪ.ሜ ርሒቑ ዝርከብ እምባ እዩ። ልዕሊ ጽፍሒ ባሕሪ ኸኣ ፭፻፸፪ ሜትሮ ብራኸ ኣለዎ። ጫፍ ጎቦ ድማ ጽፍሕ ዝበለ ሓውሲ ጎልጎል ዝኾነ ቦታ ኣለዎ። እዚ ደብሪ ኸኣ ኣብ ዘመነ ብሉይ ይኹን ኣብ ዘመነ ሓዲስ እግዚአብሔር ቅድም ብነቢያቱ ኣቢሉ፡ ዳኅራይ ድማ ባዕሉ ሥጋ ለቢሱ ተኣምራት ዝፈጸመሉ ስለዝኾነ ቅዱስ ከረን ተባሂሉ ይፍለጥ። (ካልኣይ ጴጥ ፩፥፲፰)

እዚ ከረን እዚ ኣብ ገሊላ ካብ ዝርከቡ ኣኽራናት ሓደ ኮይኑ ኣብ ክፍሊ ዛብሎን ንዝርከቡ ወገናት ዝተዋህበ እዩ ነይሩ(ቀዳማይ ዜና ፮፥፸፯)። ከም ቦታ ግና ናይ ሠለስቱ ነገዳት እስራኤል ማለት ነገደ ዛብሎን፡ ነገደ ይሳኮር፡ ነገደ ንፍታሌም መራኸቢ ወሰን ዶብ ዝነበረ እዩ። ብሉይ ኪዳን እምበር ሓዲስ ኪዳን ብዝበዘኀ ክፋሉ ነዊሕ ከረን ካብ ምባል ሓሊፉ ብስሙ ኣይጽውዖን እዩ። ኮይኑ ግና ጐይታ ኣብዚ ከረን እዚ ክብሩ ከምዝገለጸን ስም እዚ ከረን’ውን ታቦር ምዃኑ ሓዋርያት ኣብ ሲኖዶሶምን (ዲድስቅልያን) ገሊጾሞ እዮም። ቅዱስ ያሬድ’ውን ኣብ ድጓዑ ነዚ ጠቒሱ ደብረ ታቦር ኢሉ ብሰፊሑ ደጋጊሙ ጸዊዕዎ ኣሎ።
ቅድስት እሌኒ (ኣደ ቈስጠንጢኖስ ንጉሥ) ኣብዚ ደብሪ እዚ ብ፫፻፳፮ ዓ.ም. ቤተ ክርስቲያን ኣስሪሓ ከምዝነበረት ይንገር። ቄርሎስ ዘኢየሩሳሌም’ውን ካብ ሓዋርያት እናተመሓላለፈ ንዝመጸ ትምህርቲ መሠረት ብምግባር ኣብ ፬፻ ዓ.ም. “ክርስቶስ ክብሩ ኣብ ደብረ ታቦር ገለጸ” ክብል ተዛሪቡ ነይሩ። ብ፩ ሺሕን ፩፻፯ ዓ.ም. ክሳዕ ዝፈርስ ኣብ ፯-፰ይ ክፍለ ዘመን ብስም ሙሴን ኤልያስን ዝተሃንጸ ቤተ ክርስቲያን ይርከቦ ኸኣ ነበረ።

ትንቢትን ምሳሌን
ታቦር ኣብ ብሉይ ኪዳን ትንቢት ዝተነግረሉ፡ ምሳሌ ዝተመሰለሉ ደብሪ እዩ።
ብርሃነ መለኮቱ ክብሪ መንግሥቱ ዝገለጸሉ ቅዱስ ቦታ ስለዝኾነ ከም ልበይ ረኸብኩ ዝተባህለሉ ዘማራይ ቅዱስ ዳዊት ከምዚ ኢሉ ተንቢዩሉ ነይሩ። “ታቦር ወአርሞንኤም በስመ ዚአከ ይትፌሥሑ። ወይሴብሑ ለስምከ። መዝራዕትከ ምስለ ኃይል” (ታቦርን አርሞንኤምን ብስምካ ይሕጐሳ፤ ንስምካ ድማ የመስግኑ፤ ቅልጽምካ ምስ ኃይልኻ’ዩ) ብምባል ትንቢት ዝሓዘለ መዝሙር ዘሚሩ ነበረ። አርሞንኤም’ውን ኣስታት ፴ ኪሜ ካብ ታቦር ርሒቑ ዝርከብ እምባ እዩ። እዞም ጎቦታት እዚኦም ኣብ ዳኅራዋይ እዋን ንዝኸውን ብትንቢት ጠቒሱ ዓቢይ ክብሪ እግዚአብሔር ንምርኣይ ስለዘኽኣሎምን ስለዘብቕዖምን ተሓጒሶም ይብል። ኽብሪ እግዚአብሔር ንምርኣይ ዝኅረዩን ነዚ ኽብሪ ዝኣምኑን ኸኣ ክሕጉሱ ድማ ዝግባእ እዩ።

ምሳሌነቱ ኸኣ እዚ ደብሪ እዚ ናይ ዓወት ስፍራ ምዃኑ እዩ። እስራኤላውያን ንእግዚአብሔር ምስ በደሉ ነቶም ኣሕዛብ ኣኅሊፉ ዝሃበሉ ጊዜ እዩ ነይሩ። ንሳቶም ሲሳራ ብዝመርሖ ሽሾ ሠራዊት መከራ ምስ ጸገቡ፡ በደሎም ተፈሊጥዎም ናብ እግዚአብሔር ተማህለሉ። እግዚአብሔር ድማ ጸሎቶም ሰሚዑ ንዲቦራ ነብዪት ኣተንሢኡ ነቲ መስፍን እስራኤል ዝነበረ ባርቅ ክዋጋእን ንእስራኤል ካብቶም ዘጫነቕዎም ሓራ ክገብሮምን ኣዘዞ። ባርቅ ግና ንዲቦራ ንስኺ ምሳይ እንተዘይከድኺ ኣይከይድን ኢሉ ምስኡ ናብቲ ሰልፊ ክትከይድ ለመና። እቲ ቦታ ውግእ ኸኣ ከረን ታቦር ነበረ። እታ መዓልቲ ውግእ ኸኣ ሰልፊ እግዚአብሔር ዝተራእየላ ነበረት። ዓወት ኸኣ ንእግዚአብሔር ጸግኢ ናይ ዝገበረ ሠራዊት ኮነ። ኣብዚ ታሪኽ ውግእ ኃይልን ድንቂ ተኣምራትን እግዚአብሔር ዝተራእየሉ እዩ ነይሩ። ምስኡ ድማ ጸሎት ናይ እግዚአብሔር ዝኾኑ ሰባት ክንደየናይ ዓቢ ምዃኑ ዝተመስከረሉ እዩ። (መሳ ፬፥፮-፲፬) ስለዚ እዩ ደብረ ታቦር ደብሪ ዓወት እዩ ዝበሃል። ምሳሌኡ ኸኣ ኣብዚ ደብሪ ንእስራኤል ዘጫነቑን ዝፈተኑን ጸላእቲ እስራኤል ከምዝተሣዕሩ፤ ኣብ ዘመን ሓዲስ’ውን ልቢ ሓዋርያት ብጥርጥርን ፍቅረ ሲመትን ዝፍትን ዝነበረ ዲያብሎስ ኣብ ደብረ ታቦር ጐይታ ብዝገበሮ ተኣምር ከምዝተሣዕረን ከምዝረሓቐሎምን ዘመልክት እዩ።

ምስክርነት ኣብ ፊልጶስ ዘቂሣርያ

ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ዘመነ ሓዲስ ብርሃነ መለኮቱ ክብረ መንግሥቱ ንሓዋርያት ዝገለጸሉን፡ ምሥጢር ዘርኣየሉን  ቅዱስ ቦታ ደብረ ታቦር እዩ። ናብዚ ደብሪ ንምድያቡን ምሥጢር ንምርኣዩን መሠረት ዝኾኖ ኣብ ፊልጶስ ዘቂሣርያ ምስ ሓዋርያቱ ዝገበሮ ምዝርራብ እዩ ነይሩ። (ማቴ ፲፮) እዚ ኸኣ ጐይታ ብዛዕባ መንነቱ ኣግሂዱ ንሓዋርያቱ ዝሓተተሉ እዋን እዩ ነይሩ። “ሰባት ንወልደ እጓለ እምሕያው መን ይብልዎ?” ኢሉ ኣብ ዝሓተተሉ ኣብቲ ዘመን እቲ ዝነበሩ ሰባትን ዝተፈላለዩ ክፋላት ኅብረተሰብን በቲ ዝበሃልን ከምኡውን ብዝሰምዕዎ ናይ ቃሉ ትምህርትን ብዝርእይዎ ናይ ኢዱ ተኣምራትን ኣብ መንነት ጐይታ ዝተፈላለየ ኣረኣእያ ከምዘሎዎም ዝገልጽ መልሲ ብሓዋርያት ተዋህበ። “ገሊኦም ዮሐንስ መጥምቕ፡ ካልኦት ድማ ኤልያስ ፡ ገሊኦምውን ኤርምያስ ወይስ ሓደ ኻብ ነብያት ዚብሉ አለዉ፡” ኢሎም መለሱሉ። እቲ ሕቶ መሊሱ ኸኣ ነቶም ኵሉ ዘለዎም ገዲፎም ካብኡ ከይተፈለዩ ንዝስዕብዎ ሓዋርያት ኣቕንዐ። “ንስኻትኩምከ መን እዩ ትብሉኒ አሎኹም ?” ኢሉ ድማ ጐይታ ሓተቶም። በቲ ጊዜ እቲ ቅዱስ ጴጥሮስ “ንስኻ ክርስቶስ ወዲ ሕያው ኣምላኽ ኢኻ” ኢሉ መለሰሉ። (ማቴ ፲፯፥፩-፲፫ ማር. ፱፥ ፪-፲፫ ሉቃ ፱፥፳፰-፴፮) እዚ ኸኣ ንሱ ክርስቶስ አምላኽ ወዲ አምላኽ ምዃኑ፤ ናይ እግዚአብሔር አብ ናይ ባህርይ ወዱ ንሱ ወልደ እግዚአብሔር ምዃኑ መስከረ። እዚ ምስክርነቱ ኸኣ ምሥጢረ ተዋሕዶ ብንጹር ዝገልጽ እዩ። እወ ቅዱስ ጴጥሮስ ነቲ ካብ ሰማያት ሰማያት ወሪዱ ካብ ቅድስት ድንግል ማርያም ብሥጋ ንዝተወልደ ጐይታ ‘ንስኻ’ ኢሉ ክርስቶስ ሓደ ምዃኑን ንሱ ድማ ወልደ አብ ወልደ ማርያም ብተዋሕዶ ዝኸበረ ምዃኑን እዩ መስኪሩ።

በዚ ምስክርነቱ ድማ ተሞጒሱ እዩ። እኳ ደኣ እዚ ዓቢይ ምሥጢር እዚ ንሱ ዘፍለቖ ዘይኮነሲ ባዕሉ አምላኽ ከምዝገለጸሉ ክነግሮ ከሎ  “ስምኦን ወዲ ዮና፡ እዚ እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦይ እምበር፡ ሥጋን ደምን ኣይገለጸልካን እሞ፡ ብጹእ ኢኻ።” በሎ። ኣብዚ መሠረተ ሃይማኖት ክርስትና ዝኾነ ምሥጢረ ተዋሕዶ (ከውሒ) ኸኣ ፍጹም ቤተ ክርስቲያኑ ከምዝሓንጽን ደጌታት ሲኦል ድማ ከምዘይኅይልዋ ኪዳን ሃቦ። መርሖታት መንግሥተ ሰማያት ዝኾነ ሥልጣነ ክህነት ንሓዋርያት ከምዝወሃብ ቃል ተኣትወሉ። “መርሖታት መንግሥተ ሰማያት ክህበካ እየ፡ ኣብ ምድሪ ዝኣሰርካዮ ዅሉ ኣብ ሰማይ እሱር ኪኸውን እዩ። ኣብ ምድሪ ዝፈታሕካዮ ዅሉ ድማ ኣብ ሰማይ ፍቱሕ ኪኸውን እዩ።” ኢሉ ጐይታ ተዛረበ።

ብሓቂ እታ መዓልቲ ዝተባረኸት መዓልቲ እያ። እግዚአብሔር ክሳብ ክንደይ ከምዝኃልየልናን ከምዝፈትወናን ንቤቱን ንደቂ ሰባትን ኸኣ ክሳብ ክንደይ ሥልጣንን ክብርን ከምዝሃበ ዘግሃደላ መዓልቲ እያ። ኣብታ መዓልቲ እቲኣ ሓዋርያት ርቱዕ እምነቶም ፊት ንፊት ዝመስከሩላ መዓልቲ እኳ እንተነበረት፤ ነቲ ኣብ ውሽጦም ዘሎ እምነት ዝያዳ ዘጽንዕን፤ ነቲ ዝኣመነዎ ዘረግጽን ነገር፤ ኣብ ምድሪ ከለዉ ብውሱን መጠን ከርእዮም ጐይታ ፍቓዱ ስለዝኾነ ነቶም ናይ ምሥጢር ሓዋርያት ዝበሃሉ ሠለስተ ሓዋርያቱ  ሒዙ (ከምቲ ነገር ብሠለስተ ምስክር ጸኒዑ ዝርከብ) ናብቲ ነዊሕ ደብሪ ማለት ደብረ ታቦር ሒዝዎም ደየበ። ኣብኡ ኸኣ ድንቂ ነገር ተፈጸመ።

ብርሃነ መለኮቱ ክብረ መንግሥቱ ኣብ ደብረ ታቦር
“ኣብ ቅድሚኦም ድማ ትርኢቱ ተለወጠ። ገጹ ኸም ፀሓይ ኣብርሀ፡ ክዳኑውን ከም ብርሃን ጻዕደወ። እንሆ ኸኣ ሙሴን ኤልያስን ምስኡ እናተዛርረቡ ተራእይዎም ። ጴጥሮስ መሊሱ ንኢየሱስ በሎ፤ ጐይታይ ፡ ንኣና ኣብዚ ምንባር ጽቡቕ እዩ። ትፈቱ እንተ ዄንካስ ፡ ኣብዚ ሠለስተ ዳስ ክንሰርሕ፡ ሓደ ንኣኻ ፡ ሓደ ንሙሴ ሓደውን ንኤልያስ። ገና ኺዛረብ ከሎ፡ እንሆ ብሩህ ደበና ኣጐልበቦም። እንሆ ኸኣ ካብቲ ደበና ዝፈትዎ ወደይ ብእኡ ዝሠመርኩ እዚ እዩ ንእኡ ስምዕዎ ዚብል ድምጺ መጸ።” ደቀ መዛሙርቱ እዚ ሰሚዖም ብግምባሮም ተደፍኡ፡ ብዙኅ ድማ ፈርሁ። ኢየሱስ ቅርብ ኢሉ ተንከዮም፡ ተንሥኡ ኣይትፍርሁውን፡ በሎም። ንላዕሊ ገጾም ቁሊሕ እንተ በሉ፡ ብዘይ ኢየሱስ በይኑ ሓደ እኳ ኣይረኣዩን።” (ማቴ ፲፯፥፪-፰) ይብል።
እዚ ኣብ ደብረ ታቦር ዝተራእየ ብርሃን ጐይታ፡ ምትሓት ወይውን ከምቲ እስራኤላውያን ክርእይዎ ዘይከኣሉ ገጽ ሙሴ ኣጐልቢቡ ዝነበረ ዓይነት ብርሃን ኣይነበረን፤ እንታይ ደኣ ነጸብራቕ መለኮታዊ ክብሩ ዝኾነ ፍሉይ ድንቂ ብርሃን እምበር። እዚ ኸኣ ከም ሙሴ ናይ ጸጋ ዘይኮነስ ናይ ባህርዪኡ እዩ። እቲ ደመና’ውን ከም ካልእ ደመና ኣይኮነን። ልዕልና መለኮታዊ ክብሩ ክገልጽ ዝመጸ ፍሉይ ደመና እምበር።

ሓቂ እዩ ካብ ብሉይ ኣትሒዙ ጐይታ ምሥጢሩ ክገልጸሉ ዝመርጾ ስፍራ ኣብ ነዋሕቲ ኣኽራናት እዩ ነይሩ። እዚ ኸኣ ርእሱ ዝኸኣለ ምሳሌን ትርጉምን ስለዘለዎ እዩ። ኣምላኽ ሥጋና ተዋሓሒዱ ፍጹም ሰብ ኮይኑ ኣብ ሞንጎና ምስ ተረኽበ’ውን ነዚ ዓቢይ ምሥጢር ከግህደሎም ነቶም ኅሩያት ሓዋርያቱ ናብ ነዊሕ ከረን ወሰዶም። ኣብኡ ኸኣ ሙሴን ኤልያስን ምስኡ እናተዘራረቡ ሐዋርያት ረኣይዎም። ክብሪ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኸኣ ተራእየ። ብርሃነ መለኮቱ ክብረ መንግሥቱ ገለጸሎም። ከምቲ ኣብ ፈለገ ዮርዳኖስ ናይ ባህርይ አቡኡ አብ “ዝንቱ ውእቱ ወልድየ” ኢሉ ዝመስከሮ ኣብዚ’ውን ምስክርነቱ ደገመ። ኣብ ዮርዳኖስ ምሥጢረ ሥላሴን፡ ምሥጢረ ተዋሕዶን ከምዝተገልጸ ኣብ ደብረ ታቦር’ውን እዘን አእማድ ምሥጢራት ተገሊጾም እዮም።

ቅድም ዓለም ዘመን ዘይቝጸረሉ ካብ አብ ባህርይ ዘእም ባህርይ አካል ዘእም አካል ከምዝተወልደ፤ ድኅሪ ዓለም ከኣ ንድኅነት ደቂ ሰባት ዘመን ዝቝጸረሉ (ዓለም ድኅሪ ምፍጣሩ ድኅሪ ፭ሺሕ ፭፻ ዓመት) ካብ ቅድስት ድንግል ማርያም ካብ ሥጋኣ ሥጋ ካብ ነፍሳ ነፍስ ተወሓሒዱ ፍጹም ሰብ ኮነ። ወልደ አብ ወልደ ማርያም ብክልተ ልደት ብተዋሕዶ ከበረ። አምላኽ ሰብ ኮነ፤ ሰብ አምላኽ ኮነ። ንሱ ሓደ አካል ሓደ ባህርይ ምዃኑ ብግልጺ ኣርኣየና። እግዚአብሔር አብ፡ ካብ ሰማይ ኮይኑ ነቲ ብሓጺር ቁመት ብጸቢብ ደረት ኣብ ሞንጎ ሓዋርያትን ነቢያትን ንዝነበረ ጐይታ ‘ወደይ’ ኢልዎ። ነቢያት’ውን መስከሩሉ። ሓዋርያት’ውን ምስክርነቶም ኣርጊጾም ፈለጡ። እወ ብተዋሕዶ ዝኸበረ ክርስቶስ ሓደ እምበር ክልተ ኣይኮነን። ንሱ ናይ ጸጋ ዘይኮነስ ናይ ባህርይ ኣምላኽ እዩ።   

ጐይታና ኣብ ደብረ ታቦር ብርሃነ መለኮቱን ክብሩን ምግላጹን ጥራይ ዘይኮነስ ካልእ ድንቂ ነገር ፈጺሙ እዩ። ቅድሚ ነዊሕ ዘመናት ኣብዚ ምድሪ ካብ ዝነበሩ ነቢያት ንሊቀ ነቢያት ሙሴን ነቢዪ ኤልያስን ኣብዚ ቅዱስ ደብሪ ጸዊዑ የዘራርቦም ነበረ። እዞም ናይ እግዚአብሔር ሰባት ኣብ ብሉይ ኪዳን ዓበይቲ ግብርታት ዝፈጸሙን ብዛዕባ መድኅን ክርስቶስ ትንቢት እተዛረቡን፡ ብዛዕባ መንግሥቲ እግዚአብሔር ዘስተምሃሩን ቅዱሳን እዮም ነይሮም። ናቶም ኣብዚ ምምጽኦም ምስቲ ጐይታ ኣብ ፊልጶስ ቂሣርያ ዝሓተቶ ሕቶን ብሓዋርያት ዝተዋህቦ መልሲን ዝዛመድ እዩ።

እቲ ምኽንያት ኸኣ መተርጒማነ መጻሕፍቲ ከምዝብልዎ ጐይታ ከምቲ ሰባት ዝብልዎ ኤልያስ ወይ ሙሴ ወይውን ካብቶም ነቢያት ሓደ ዘይኮነስ ጐይታ ነቢያት አምላከ ነቢያት ምዃኑ ኣርጊጾም ሓዋርያት ምእንቲ ክፈልጡ እዩ። በቲ ካልእ ድማ ሕግን ነቢያትን ብክርስቶስ ዝፍጸም ምዃኑ ካብቶም ንሕግን ነቢያትን ካብ ዝወከሉ ሊቀ ነቢያት ሙሴን ነቢዪ ኤልያስን ምስክርነቶም ክሰምዑ ምእንቲ እዩ። አእማድ ሓዋርያት ኸኣ ነዚ ብግብሪ ርእዮምን፡ ካብቶም ኣፍ ነቢያት ኸኣ በቲ ምስ ጐይታ ዝነበሮም ምዝርራብ ምስክርነቶም ሰሚዖምን። እቲ ኣብ ጐይታ ዘለዎም እምነት ጽኑዕን ርጉጽን ከምዝኸውን ገበሮ። ኵሉ ዝከኣሎ ጐይታ ስለዝኾነ ኸኣ ካብቲ ሥግኡ ነፍሱን ካብ ዝተፈለዩሉ ንሙሴ ካብ መቃብሩ ጸዊዑ፡ ካብቲ ብሰረገላ እሳት ካብ ዝዓረገሉ ብሔረ ሕያዋን ንኤልያስ ጸዊዑ ኣብቲ ቅዱስ ደብሪ ከምዝርከቡ ገበሮም፤ ነቲ ዕፁብ ዝኾነ ምስክርነቶምን ተኣምራት ጐይታን ሓዋርያት ከምዝሰምዕዎን ከምዝርእይዎን ገበረ። እወ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ አምላከ ነቢያት፡ አምላከ ሓዋርያት እዩ። በዚ ድንቂ ግብሩ ኸኣ ንሱ አምላኸ ሕያውን ምዃኑ ኣረኣየና። እቶም ነቢያት ካብዚ ምድሪ ካብ ዝፍለዩ ዘመናት ዘቝጸሩ እኳ እንተነበሩ ምስቶም ኣብዚ ምድሪ ዝነበሩ ሓዋርያት ምርኻቡ ጐይታ ዘመናት ምዃኑን ሰባት ብዘመን ዝውሰኑን ዝሓልፉን ክኾኑ ከለዉ ጐይታ ግና ትማልን ሎሚ ጽባሕን ንሱ ሓደ ዘይልወጥ አልፋ ወ ዖ ዘለዓለማዊ ጐይታ ምዃኑ ኣርኣየና።

ብሓቂ እዛ ቅድስት ደብሪ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን እያ። ጐይታ ማእከላ ዝኾነ ሓዋርያትን ነቢያት ዝርከቡላ፤ ትንቢት ነቢያት ዝንገራን ስብከት ሓዋርያት ዝስበኸላን ክልቲኡ ተሰማሚዑ ዝርከባላ ቅድስት ደብሪ ቅድስት ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን እያ። 

ነየናይ ኣልዒልና ነይናይ ክንገደፍ? ብሓጺሩ ኣብ ደብረ ታቦር ጐይታ ክንመሃሮ ዝሰርዓልና ኣዝዩ ብዙኅ ትምህርቲ ኣሎ፤ ንዝያዳ ምሥጢር ድማ ትርጓሜ መጻሕፍተ ወንጌል ንመልከት፤ ሊቃውንቲ ቤተ ክርስቲያን ንሕተት።

ክብረ በዓል ደብረ ታቦር
ቤተ ክርስቲያን ነዚ ክቡር በዓል ካብ ዋዜማ ኣትሒዙ ብዝተፈላለየ ነዚ በዓል ዝምልከት መዝሙር ብምዝማርን፡ ማኅሌት ብምቋምን ብክቡር ቅዳሴኣን ብዝደመቐ ኣገባብ ተኽብሮ እያ።

እዚ ክብረ በዓል ካብ ካልኦት በዓላት ፍልይ ብዝበለ ናይ ተምሃሮ በዓል ተባሂሉ ብልምዲ ይፍለጥ እዩ። እዝ ኸኣ ብፍላይ ካብ ስድርኦምን ቤተ ሰቦምን ተፈልዮም ቃለ እግዚአብሔር ክምዕርሩ መምህራንን ሊቃውንትን ናብ ዝርከቡሉ ደብሪ ወይውን ገዳም ኣርሒቖም ዝወፍሩ ተምሃሮ (ናይ ‘ቆሎ’ ተምሃሮ) ነዚ በዓል ብፍሉይ ስለዘኽብርዎ እዩ። ጐይታ አብ ደብረ ታቦር ነቶም ሓዋርያቱ ምሥጢሩ ከምዝገለጸሎም፡ ባህጊ ተምሃሮ’ውን አእምሮኦም በሪሁ ቀልጢፎም ቀለም ከጽንዑን ምሥጢሩ ክገልጸሎምን 
ስለዝኾነ ነታ መዓልቲ ብዝደመቐ መገዲ የኽብርዋ። ንሓዋርያት ዝገልጽካ ንዓና’ውን ግለጸልና ብምባል።

ቀደም መምህራን ኣብ ዝርከቡሉ ደብሪ ዝመሃሩ ተምሃሮ በብወገኖም ኮይኖም ነቲ በዓል ዝኸውን ጥረ ምረን ካልእን ካብተን ከባቢኦም ዝርከቡ ዓድታት ክእክቡ ይቕንዩ። ፍርቑ ንዝብላዕ ክኸውን ከሎ እቲ ፍርቁ ድማ ንስዋ ገይሮም ይቐራርብዎ። ኣብቲ መዓልቲ ክብረ በዓል ድማ ንካህናትን መምህራኖምን ካልኦትን ዓዲሞም የብዕልዎ። በቶም ዓበይቲ ካህናት ድማ ይምረቑን ብራኬን ምኽሪን ድማ ይቕበሉ። ኣብ ዞባ ደቡብ ማይ ላሕም ኣብ ዝኣመሰሉ ውሑዳት ናይ ቅኔ ቤት እዚ ጥንታዊ ሥርዓት ተዓቂቡ እኳ እንተሎ፤ ሎሚ ምስ ዘመናዊነትን ምክታም ደብርታትን እቶም ኣብ ከተማ ምስ ወለዶም ኮይኖም ብምቾት ዝመሃሩ ተምሃሩ፤ ምስቲ ከባቢኦምን ናብርኦምን ብዝዛመድ ኣገባብ ነቲ በዓል ዝዝክርዎ ኣለዉ። 

ኣብ ገዳም’ውን ብተመሳሳሊ እቶም ኣርድእትን ተምሃሮን ካብ ኵሎም መነኮሳት ዝዓቕሞም ይእክቡ እሞ ካብ መጋቤ ብዝወሃቦም ደገፍን ወሰኽ ናቶም ገይሮምን ንኵሎም መነኮሳት ድኅሪ ቅዳሴ ኣብ ቤት እግዚአብሔር (ቤት ምርፋቅ) ዓዲሞም ተዓጢቖም የገልግሉን ነቶም ዕዱማት የሰስዩን የስትዩን። ኣብ መወዳእታ ድማ በቶም ዓበይቲ መነኮሳት ስለቲ ርድእንኦምን መጻኢ ኣካይዶኦምን ዝምልከት ልቢ ብዘጥልሉ ቃላት ይምርቑን ቡራኬን ምኽሪን ይወሃቡን።

ደብረ ታቦርን ንሕናን ኸ?
ደብረ ታቦር ዓቢይን ድንቅን ሥራሕ ዝተፈጸመሉ እዩ። ብዙኅ ምሥጢር’ውን ዝሓዘለ እዩ። ቅድሚ ኵሉ ግና ርትዕቲ ዝኾነት ተዋሕዶ ሃይማኖትና ኣጽኒዕና ክንሕዝ፤ ምስክርነትና ምስክርነት ሓዋርያት ኮይኑ ክርከብ ዝምዕድ እዩ። የማነ ጸጋም ብዝነፍስ ጋሻ ትምህርቲ ከይተወሰድና ትምህርቲ ደብረ ታቦር ንዘክርን ነስተውዕልን።

ብምቕጻል ኸኣ ሎሚ’ኸ ንሕናን እዚ በዓል’ን ከመይ ኣሎና ኢልና ንርእስና ምሕታት ይግባእና እዩ። እቲ ኣብኡ ንዝተፈጸመ ድንቂ ሥራሕ ምፍላጥን ምስትንታንን ጥራይ ዘይኮነስ ንዓይ ኸ እንታይ መልእኽቲ ኣለዎ ኢልና ክንጥይቕ መንፈሳዊ ግዴታና እዩ።
ሓደ ካብቲ መልእኽቱ ኸኣ ንሕና’ውን ክንሳተፎ ንዝግባእና ምሥጢርን ጸጋን ክንርእይን ክንነብረሉን ነታ ብደብረ ታቦር ናብ እትምሰል ቤተ ክርስቲያን ኣንጊህና ክንግስግስ ዝግባእና ምዃኑ እዩ። መዝገብ ምሥጢር ርቱዕ ሃይማኖት ናብ ዝርከበላን፡ ግምጃ ጸግኡ ናብ ዝኾነት ቤተ ክርስቲያን ምስ እንኸድ ድማ ምስክርነቶም ሓቂ ንዝኾነን ምግቢ ነፍስ ኮይኖም ንዘገልግሉና ነቢያትን ሓዋርያትን (ብሉያትን ሓዲሳትን) ምስ ትርጒሞም ክንረኽቦም ኢና። ብንጽሕናን ንስሓን ናብዚ ደብሪ ምስ እንድይብ ድማ ልዕሊ ኵሉ ዘለዓለማዊ ዝኾነ ሕይወት ዘውህብ ቅዱስ ሥግኡን ክቡር ደሙን ክንረክብ ኢና። ኵሎም ምሥጢራት ጸጋ’ውን ኣብዚኣ ኣማናዊት ደብረ ታቦር ኣብ ቤተ ክርስቲያን ኢና እንረኽቦም። ምኽንያቱ መሥራቲኦምን ዋናኦምን ዝኾነ ልዑል እግዚአብሔር ማኅደሩ አሐቲ ቤተ ክርስቲያን ደብረ ታቦር ስለዝኾነት።

እወ ኣብዚኣ ቤት ሓዋርያት ኣለዉ፤ ነቢያት ኣለዉ። ኵሎም ቅዱሳነ እግዚአብሔር ኣለዉ። ስብሐተ እግዚአብሔር ዝቐርበላ፤ ክብሪ እግዚአብሔር ዝንገረላ ቅድስት ቤት ድማ እያ። ናይ እግዚአብሔር ሓድነትን ሠለስትነትን፤ ናይ ክርስቶስ ኣምላኽና ፍጹም ተዋሕዶ ዝእመነላን ዝስበኸላን ደብሪ እያ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን። ነዚ ክብሪ ንምርኣይ ግና ናብቲ በሪኽ እምባ ንኵሉ ድኻምን መከራን ተጻዊርካ ምድያብ ናይ ግድን እዩ። ኣብ ላዕሊ ከይሓዀርኻ ነዚ ኵሉ ምርኣይ ዝከኣል ኣይኮነን። ግና ናብዚ ነዊሕ ከረን ንምድያብ ንሕና ክሳብ ክንደይ ተቐሪብና ኣሎና? ድሌት ጥራይ ዘይኮነስ ክሳብ ክንደይ ተበጊስና ኣሎና? ምኽንያቱ ከይተበገስካ ዝብጻሕ ስለዘየልቦ! ከይተቐረብካ’ውን ዝወሃብ ስለዘየልቦ። ብኸመይ ኢና ንቐርብ ከ?

ቅዱስ ዳዊት ነዚ ኣመልኪቱ ከምዚ ኢሉ ይሓትት “እግዚኦ መኑ የኃድር ውስተ ጽላሎትከ። ወመኑ ያጸልል ውስተ ደብረ መቅደስከ..” (ኦ  እግዚኣብሄር፡ ኣብ ድንኳንካ ዚሐድር መን እዩ? ኣብቲ ኸረን ቅድስናኻ ዚነብርከ መን እዩ?)። ነዚ ረዚን ሕቶ ድኅሪ ምሕታት ከኣ ከምዚ ኢሉ ምላሹ ይህብ። “እቲ ብቕንዕና ዚመላለስን ጽድቂ ዚገብርን ብልቡ ሓቂ ዚዛረብን፡ ብልሳኑ ዘይሐሚ፡ ንመሓዛኡ ገለ ኽፉእ ዘይገብሮ፡ ንብጻዩ ዘይጸርፎ፡ እቲ ጽዩፍ ንዑቕ ኰይኑ ዚረኣዮ፡ ንፈራህቲ እግዚአብሔር ግና ዜኽብሮም፡ ዚጐድኦ እኳ እንተ ዀነ፡ ነቲ ዝመሓለሉ ዘይልውጦ፡ ገንዘቡ ብሓርጣ ዘይህብ፡ ንጒድኣት ንጹህ ከኣ መማለጃ ዘይቕበል፡ እቲ ኸምዚ ዚገብርሲ ንዘለኣለም ኣይናወጽን እዩ።” ይብል። ብሓፈሻ ቅዱስ ዳዊት ብኵሉ ኣካላቱ ንእግዚአብሔር ዘይብድል፤ ከም ፈቓድ እግዚአብሔር ዝመላለስ ንጹሕ ሰብ ኣብቲ ቅዱስ ከረኑ ጸኒዑ ክነብር ከምዝኽእል ይገልጸልና።
 ንእግዚአብሔር ክርእይ ዝደልይን ዝኽእል’ውን ንጹሕ ዝኾነ ምዃኑ ጐይታ ባዕሉ ኣብ መልዕልተ ደብር ስብከቱ ሓደ ካብ አንቀጸ ብጹዓን ገይሩ ነጊሩና እዩ። “ጽሩያት ልቢ፡ ንኣምላኽ ኪርእይዎ እዮም እሞ፡ ብጹዓን እዮም”። ቅዱስ ጳውሎስ’ውን ነዚ ዝገልጽ ተመሳሳሊ ነገር “ብዘይ ቅድስና ሓደ እኳ ንእግዚአብሔር ኣይኪርእዮን እዩ እሞ፡ ንቕድስናን ንሰላም ምስ ኲሉ ሰብን ስዐብወን።” ብምባል ገሊጽዎ ኣሎ (ዕብ ፲፪፥፬)። ስለዚ ናብዚ ሰማያዊ ክብሪ ዝርከበላ ቅድስቲ ከረን ክንድይብን ብሰናይ ግብርታቱን በረኸቱን ንእግዚአብሔር ክንርእዮ እንተደሊና ከምቲ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ዝብልዎ ብንጽሕና ንመላለስ። ንንጽሕና ኸኣ እንኮ መገዳ ንስሓ እያ።

ብሓቂ ድማ ናብዚኣ ከረን ዝደየበ ሰብ ከም ባራቅ ንኽዕወት ኣብቲ ኣሎኒ ዝብሎ ጠፋእን ኃላፍን ሥጋዊ ነገር ዘይኮነሲ እምነቱን ትውክልቱን ኣብ እግዚአብሔር ይገብር፤ ከምኡ ምስ ዝገብር ድማ ንኵሉ ተጻባኢን ፈታንን ይስዕር። ወራሲ መንግሥቱ ድማ ይኸውን።

ስለዚ ከምቲ ቅዱስ ጴጥሮስ ዝበሎ ኣብዚኣ ቅድስት ደብሪ ምንባር ንዓና ጽቡቕ እዩ እሞ ነቲ ኅርያ ነፍስና ነመዓራሪ።
ምንጪ፡ http://maeadot.blogspot.com

እግዚአብሔር ምሕረቱ የብዝኃልና። በረኸት በዓሉ የሳትፈና።

አዘክሪ ድንግል at 12:24 PM
Share



Home
View web version
ERITREAN ORTHODOX TEWAHIDO CHURCH
Kana Zegelila
አዘክሪ ድንግል
Powered by Blogger.

መንፈሳዊ ምልምማድ

SATURDAY, OCTOBER 8, 2011
መንፈሳዊ ምልምማድ

 በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሓዱ ኣምላክ ኣሜን!!!

ቃል ኣምላኽ ካብ ንሰምዕውሑድ ኣይገበርናን፡ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ክንመላለስ ምኽርን ተግሳጽን ካብ ዝወሃበና ሎሚ ዘይኮነስ ትማሊ ኮይኑ። ከምቲ ሓደ ህጻንተወሊዱ ክሳብ እኹል ዝኾውን ዕብየት ዘርኢ ንሕና’ውን ኣብ መዓልታዊ ህይወትና ዕብየት ከነርኢ ኣሎና። ትእዛዛት እግዚኣብሔር ኣብምሕላው ዝወሰድናዮ ስጉምቲ እንታይ ኣሎ፤

ቅድሚ ዝኾነ ነገር ክንገብሮዝግበኣና ድኽመታትና ምልላይ እዩ። ከመይ እንተ ኢልና፡ ጌጋ የብለይን ዝብል ሰብ ንጎይታ ምድሕን ህይወተይ ክብሎ ኣይበቅዕን እዩ። “ንሓኪምሲሕሙማት እምበር ጥዑያት ኣየድልይዎን” (ማቴ 9፡12) ስለዝብለና። ብሓቂ መዓልታዊ ኣብ ኣእምሮና ክመላለስ ዝግብኦዓቢ ህያው ቃል እዩ። ደጊሙ’ውን ብርሃን ዓለም ቅዱስ ሓዋርያ ጳውሎስ “ምስ ሓጢኣት ብምቅላስኩም ገና ኽሳዕ ኣብ ደም እትበጽሑ ኣይተቓወምኩምን” ዕብ 12፡4 ። ስለዚ ድኽመታትና ኣለሊና ናብ ምውጋዱ ክንጽዕር እንተኾይናመንፈሳዊ ምልምማድ የድልየና። ኣድላይነት መንፈሳዊ ምልምማድ ዓቢ ኣተኩሮ ዘድልዮ ምዃኑ፡ ቅዱሳን እግዚኣብሔር በዚ ልምምድ’ዚ ምሕላፎምእዩ። ንኣብነት “እቲ ሰብኣይ ሙሴ ግና ኣብ ልዕሊ ገጽ ምድሪ ኻብ ዘሎ ሰብ ዓቃል ነበረ” ዘሑ 12፡3።ነዚ ህያብ ክረክብ ዝኸኣለ ሙሴ ድሕሪ ብዙሕ ምልምማድ እዩ። መረጋገጺ ዝኾነና ሙሴ ቅድሚ ናብ በረኻ ምውጽኡ ብሕርቃን ዝኣክል ንሓደግብጻዊ ቀቲሉ ከምዝቀበሮ ዝዝከር እዩ (ዘሑ 2፡12)። ብርሃናት ዓለም ቅዱስ ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብ ቀዳመይቲ መልእኽቱ ንወዱ ጢሞቴዎስኣብ ዝጸሓፎ“እቲ ስጋዊ ምልማድ ንቕሩብ ነገር እዩ ዚጠቅሞ ኣምልኾ ግና ንኹሉ ይጠቅም፡ ነዛ ሕጂ ዘላ ህይወት እዚኣን ነታ እትመጽእን”1 ጢሞ 4፡8  ክብል መኺሩናን ምዒዱናን እዩ። እዚ ከኣ“ብምሉእልብኻ ብእግዚኣብሔር ተኣመን፡ ኣብ ልቦናኻ ኣይትጸጋዕ” ምሳ 3፡5 ። ማለት ኣብ እግዚኣብሔር ምጽጋዕ እንኮ ኣማራጺሒዝና ክንቀርብ ኣሎና።

መንፈሳዊ ምልምማድ ኣብቋሕ ሰም ዝልመድ ኣይኮነን። ንኣብነት ትሕትና ክንማሃር መጀመርያ ብነፍስና ንጅምር። ነፍስና ባዕልና ዘይምንኣድ። ሓደ ምልምማድወዲእካ ናብቲ ካልእ ክትሰግር ጥበብን ዘይምህዋኽን የድሊ። ባዕልኻ ነፍስኻ ከም ዘይትንእዳ ምስ ኮንካ ኣጽኒዕካ’ውን ምስ ኣረጋገጽካናትካ ባህሪ ይኸውን። ናብ ካልእ ልምምድ ድማ ትኣቱ፡ ንሱ ኸኣ ውዳሴ ሰባት። ውዳሴ ሰባት ንትዕቢት ስለዘኸትል ነዚ’ውን ብሜላክኸውን ኣለዎ። ካብኡ ቀጺሉ ዝመጽእ ሰባት ክውድሱኒ ከለው ሓጥኣተይ ዘኪረ ይጥንቀቕ እናበልካ ንሓደ መንፈሳዊ ልምምድ ብዓወት ትዛዝሞ።14 ቀጸላታት ናይ ፍቕሪ ብርሃናት ዓለም ቅዱስ ሓዋርያ ጳውሎስ ንሰብዓ ቆሮንጦስ ኣብ ዝገለጾ ኩሉ ብሓንሳብ ክላመዶ እየ ክትብልወላሓንቲ ከይተላመድካ ግዜኻ ትባኽን (1 ቆሮ 13 )። ስለዚ ኩሉ ብዓቕሊን ዘይምህዋኽን ንግበሮ። 
ንኣብነት ጾም እንተወሲድና፡ ጥልላት ዘይምብላዕ ጥራይ ዘይኮነስ ክሳብ ዝተወሰነ ግዜ ምውዓል ወይ ምውዓልን ምሕዳርን እዩ። ኣርኣያ ኩሉ ዓለም ዝኾነጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ“ኣርብዓ መዓልትን ኣርብዓ ለይትን ምስ ጾመ ድሕርዚ ጠመየ” ማቴ 4፡2ይብለና። ጾም ንጸውም ኣለና ክንብል እንተኾይና መጀመርያ ጥምየት ክስመዓና ኣለዎ። እዚ ከኣ ሎሚ ሓንቲ ሰዓት እንተ ጠሚና ጽባሕከኣ ክልተ ከምኡ ኢና በልና ጾም ሓደ ካብ ባህርያትና ይኸውን።

ምኽሪ መንፈሳዊ ልምምድ፡
ፍሉይንንጹርን ዝኾነ ምልምማድ
ዓቕምኻዝኾነ ከተተግብሮ እትኽእል ልምምድ
ቀጻልነትልምምድ፡ ንኣብነት ህዱእ ክኸውን እየ ኢልካ እንተወሲንካ እሞ ኸኣ ኣብ ጫውጫው ዝመለኣ ዓለም እናነበርካ ነቲ ሒዝካዮ ዘለኻ ዕላማዕንቅፋት ክኾነካ የብሉን። ዘረባይ ከሕጽሮ እየ ኢልካ ትጅምር። ንሓንቲ ቃል ዘድልያ ምሉእ ሓሳብ ክህበላ ኣየድልን፡ ንሓደ ምሉእሓሳብ ዘድልዮ ኣስተምህሮ ክህበሉ የብለይን ምባል። ብዙሕ ቃላት ናይ ዝተጠቀምካ ብዙሕ ይሰምዓካ ማለት ኣይኮነን። ነዚ ምስወዳእካ፡ኣብ ኣድላይ ክዛረብ ኢልካ ምውሳን፡ ዓው ኢልካ ዘይምዝራብ፡ ትሑት ድምጺ ምጥቃም ከምኡ እናበልካ ልሳንካ ትእድባ፡ ነታ እሳት ዝኾነትልሳንካ ንኹሉ ኣካልካ እትምርዝ ልሳን ጌጋታታ ተሕጽሮ።  
ምሳሌ 24፡16 “እቲ ጻድቕ ሾብዓተ ሳዕ ይወድቕ እሞ ይትንስእ” ጻድቕ ከምዚ ካብ ኮነ ኣብ ምውዳቕካ ኣይትተሓለል። ምኽንያቱምውዳቕ ንቡር እዩ እቲ ዘይንቡር ግና ዘይምትንሳእ እዩ። ምውዳቕካ መንፈሳዊ ብስለት እናኣጥረኻ ጸላኢኻ ከመይ ጌሩ ከምዝዋገኣካተለልየሉ ሜላ እዩ። በዚ መሰረት ከኣ ንኻልኦት መወከሲ ትኸውን። ብተወሳኺ ኣብ ምውዳቕ ዝምልከት ቀጻሊ ዕውት ምዃን ናብ ትዕቢትስለዝመርሓካ ትሕት ንኽትብል ይሕግዘካ። ካብቲ ምሕረቱ ዘይውዳእ ልዑል እግዚኣብሔር ኣምላክ ሓይሊን ጽንዓትን መለመኒ ይኾነካ።

ምንጪ፡ (The Spiritual Means:Spiritual Training)
ብብጹዕ ወቅዱስ ኣቡነ ሺኖዳ 3ይ
መበል 117 ፖፕ መንበረ ማርቆስን
ፓትርያርክ እስክንድርያን

ወስብሓት ለእግዚኣብሔር!!!

                                                      
አዘክሪ ድንግል at 11:59 AM
Share



Home
View web version
ERITREAN ORTHODOX TEWAHIDO CHURCH
Kana Zegelila
አዘክሪ ድንግል
Powered by Blogger.

ማዕተብ

FRIDAY, FEBRUARY 3, 2012
ማዕተብ

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሓዱ አምላክ አሜን!!!

ማዕተብ “ዐተበ” ካብ ዝብል ግእዛዊ ግሲ ዝወጸ ኮይኑ፡ ኣመልከተ፡ ባረኸ፡ ካብ ሸበድበድ ሃድአ፡ ዝብል ትርጉም ዝሐዘ እዩ። ማዕተብ ከኣ ምልክት እምነት ወይ ዕላመት ማለት እዩ። ነዚ ከረድእ ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ “ኣነስ ዕላመት ኢየሱስ ኣብ ስጋይ እጸውር ኣለኹ” በለ፡ (ገላ6፡17) መከራ ክርስቶስ ንኽቕበል ድልው ስለ ዝነበረ እዩ።

ማዕተብ ኣብ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን፡ ምልክት እምነት እዩ። ማዕተብ ኣብ ብሉይ ኪዳን ደቂ እስራኤል ኣብ ክሳዶም ይኣስሩ ከም ዝነበሩ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ይገለጽ። ታሪኽ ይሁዳን ታማርን ምስ እንርኢ፡ ድልየቱ ንምፍጻም ትሕጃ ክህባ ኣብ ዝለመነትሉ፡ ምስ ሰኣነ፡ ቀለቤትካን ማዕተብካን እታ ኣብ ኢድካ ዘላ በትርኻን ሃበኒ በለቶ። ኣብ መወዳእታ ከኣ ብማዕተቡን በትሩን ተረትዐ። (ዘፍ 38፡12-23) ታማር ንማዕተብ ከም ትሕጃ ምቕባላ፡ ኣብዚ ክብሪ ማዕተብ ንግንዘብ። 

ማዕተብ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ንምጀመርያ ግዜ ዘእተወ ኣቦ፡ ኣቡነ ያዕቆብ ዘኣልበረድእ እዩ። ብዘመነ ሰማእታት ክርስቲያን ከቢድ ግፍዒ ኣብ ዝወርዶም ዝነበረ እዋን፡ ከተማ ኣንጾኪያ፡ እታ ዝሓሸት ሰላም ዝለመልአ ከተማ ነበረት እሞ፡ ካብ ዝተፈላለየ መኣዝን ዝመጹ ክርስቲያን ኣብኡ ይእከቡ፡ ዝጥመቑ ሕጻናት ድማ ኣዚዮም ብዙሓት ነበሩ። ኣብዚ እዋን ነቶም ዝተጠምቁን ዘይተጠምቁን ምትሕውዋስ ንኸይከውን፡ ነቶም ዝተጠምቑ ጻዕዳ ፈትሊ ኣብ ክሳዶም ኣሰረሎም፡ በዚ ኸኣ መላለዪ ምልክት ኮነ። ካብ’ዚ እዋን ጀሚሩ ከኣ ኣቦታት ሊቃውንቲ ቤተ ክርስቲያን ንምእመናን ህዝበ ክርስቲያን ካብ ኣህዛብ ፈልዩ መላለዪን፡ ከምኡ’ውን ብጥምቀት ዉሉድነት ስላሴ ዝረኽቡ ምዃኖም ዝምስክር ምልክት ምዃኑ ስለ ዝተገንዘቡ ንኹሉ ውሉድ ጥመቀት ክኣስረሉ ጀመሩ። ኣብ ሃገርና ኤርትራ “ማዕተብ” ምእሳር ምስ ምእታው ኣቡነ ሰላማ ከሳቴ ብርሃን ዝኣተወ እዩ።
 
ትርጉም ማዕተብ ካብ ኣህዛብ ፈልዩ፡ ደቂ መዛሙርቲ ክርስቶስ ምዃና ይምስክር። ክርስቲያን ምኻንካ ዝኾነ ይኹን ሰብ ብማዕተብካ የለልየካ። ብዙሓት ናይ ዘመና እምነት ኣሎና በሃልቲ፡ እምነት ኣብ ልብኻ እምበር ኣብ ክሳድካ ማዕተብ ስለዝገብርካ ኣይኮነን ክብሉ ይስምዑ። እዚ ሓቂ እዩ፡ ግና’ኸ እምነት ዘለዎ ልብስ ንማዕተብ ኣይትጸልእን እያ። እምነት እንተ ዝህልዋ ኔሩስ፡ ዕላመት ክርስቶስ ክትጸውር ኣይምጸልአትን ነይራ። ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ “ቤተ መቕደስ ህያው ኣምላኽ ኢኹም”፡ ድሕሪ ምባል “ስለዚ ብስጋኹም ንኣምላኽ ኣኽብርዎ።” በለ (1 ቆሮ 6፡20)። ስጋና ናይ ክርስቶስ ምልክት ዝኾነ ማዕተብ መስቀል ክትጸውር ኣይግባእን ማለት፡ መሰረት ምልኣት እምነት ኣይኮነን። እምነት ምልኣት ክህልዋ፡ ብውሽጢን ብደገን ምስ ትትግበር እያ። ሓደ ሰብ ብውሽጡ እምነት ኣሎኒ እንተበለ፡ ኣብ ቅድሚ ሰብ፡ ብማዕተብ ክርስቲናኡ ክገልጽ ሓፋርን ፈራህን እንተኾነ፡ ከምቲ ጐይታ ዝበሎ፡ ኣብ ቅድሚ ሰብ እዩ፡ ዝኽሕድ ዘሎ። (ማቴ 10፡32) ስለዚ ብማዕተብ ስቅለት ጐይታና ኣብ ስጋና እዩ ዝገልጽ። (ገላ 6፡17)።

ማዕተብ ንዶግማ ቤተ ክርስቲያን እዩ ዝገልጽ።
ኣብ ክሳድና እንኣስሮ ሓደ ፈትሊ በይኑ ወይ 3ተ ብሓደ ዝፍተል ማለት (ብሰለስተ ሕብሪ) ዝቀውም እዩ። እዚ ጻዕዳ ምስ ዝኸውን፡ ብደም ክርስቶስ ከም ዝነጻህና የመልክት። ክምኡ’ውን ኣዕጽምቱ ክሳዕ ዝርአ ስለና ክብል ከም ዝተገርፈ የመልክት። ቀይሕ ብደሙ ከም ዝደሓነና ከመልክት ከሎ፡ ጸሊም ድማ ስጋ ለቢሱ ኣብዛ ዓለም ከም ዝተገልጸን፡ ስለና ክብል ስጋኡ ክሳዕ ዝርግፉ ከም ዝተሳቀየን፡ ይገልጽ። 3ተ ፈትሊ ኣብ ሓደ ጠምጢምና ኣብ ክሳድና ምእሳርና፡ ናይ ሓድነትን ሰለስትነትን ስላሴ የመልክት። በዚ ኸኣ በቲ ሓደ ንልዑል ብዝኾነን ብጐይታናን መድሓኒናን፡ ብምፍሳስ ደሙን ብምቁራስ ስጋኡን ድሕነት ከም ዝረኸብና ንኣምን። ንእምነትና ኸኣ፡ ኣርማ ክርስቲያን ብዝኾነ፡ ብማዕተብን መስቀልን ንገልጾ። “ወዘልፊ፡ ንጸውር ሞቶ ለክርስቶስ በስጋነ፡ ከመ ይትዓወቅ ሕይወቱ ለክርስቶስ በላዕለ ዝንቱ ነፍሳትነ፡ መዋቲ።” ትርጉም “ህይወት ኢየሱስ ኣብ ስጋና ምእንቲ ኽትግሀድ’ውን፡ ኩሉ ሳዕ ሞት ኢየሱስ ኣብ ስጋና ንጸውር ኣሎና” (2 ቆሮ 4፡10) ከምቲ ቃልና ምስክር ክርስቶስ ክኸውን ዝግብኦ፡ ኩሉ ኣካላትና ንኽብሪ ኣምላኽ እዩ ዝተፈጥረ፡ ክሳድና’ውን ክሳዕ ሞት እሙን ብምዃን ክምስክር ይግባእ እዩ።

ማዕተብ ንኽብሪ ኣምላኽ ኢና ንኣስሮ።
ክርሰቲያን ብቓሉ ብግበሩ፡ በካይድኡ፡ ንኽብሪ ክርስቶስን ምስክሩን ክኸውን ከም ዘለዎ ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ብኸምዚ ይገልጾ “ንኽብሪ ኣምላኽን ምስጋናኡን እቲ ዝሓይሽ ክትምርምሩ፡ እቲ ፍቕርኹም’ውን ብፍልጠትን ብምስትውዓልን ዘበለ ኹሉን ኣዝዩ እናበዝሔ ኪኸይድ፡ እዚ እልምን ኣለኹ።” (ፊል 1፡9-11) ቅዱሳን ኣበው፡ እቲ ቅኑዕ ዝኾነ ስርዓት ኣምልኾ እንታይ ምዃኑ ብመንፈስ ቅዱስ ተመሪሖም ገሊጾምልና እዮም። ማዕተብ ከኣ ሓደ ካብ ናይ እምነት ምስክርን ምልክትን ምዃኑ ፈሊጥና ንመጋየጺ ዘይኮነ፡ ንሓቀኛ ውሽጣዊ እምነትና ዝገልጽ ምዃኑ ተገንዚብና፡ ክንኣስሮ ይግባእ። በታ ቅዱሳን ዘርኣዩና መገዲ ድማ ንመላለስ። “ኣቱም ፍቑራተይ፡ ብዛዕባ ሕብረት ምድሓንና ብኹሉ ቕንኣት ክጽሕፈልኩም ምስደለኹ፡ በታ ሓንሳእ ንቕዱሳን እተዋህበት እምነት ክትጋደሉ ጽሒፈ ክመኽረኩም፡ ናይ ግዲ ኾነኒ። (ይህ 3)።

ምንጪ፡ መሰረት እምነት ብመም. ዘርአ ገብረእግዚኣብሔር
ወስብሓት ለእግዚኣብሔር
ወለወላዲቱ ድንግል
ወለመስቀሉ ክቡር። ኣሜን!!! (Click to read in PDF)
አዘክሪ ድንግል at 10:19 AM
Share



Home
View web version
ERITREAN ORTHODOX TEWAHIDO CHURCH
Kana Zegelila
አዘክሪ ድንግል
Powered by Blogger.

ጾመ ነነዌ

ጾመ ነነዌ
በስመ አብ ወወልዴ ወመንፈስ ቅደስ አሃደ አምላክ አሜን!

እግዚአብሔር ነቲ ዓሳ ኣዘዞ ንሱ̕ውን ንዮናስ ናብ ንቁጽ ምድሪ ተፍኦ። ት.ዮና.2፣11።
ጾመ ነነዌ

ካብ ሰኑይ ጥሪ 28 ስጋብ ጥሪ 30 (Monday, February 6- February 8) ናይ ሠለስተ መዓልቲ ዝጽወም ጾም እዩ።

ኣምላክ ቅደሳን እግዚአብሔር ቡሩኽ ጾም ይግበረልና!

ጾመ ነነዌ
ነነዌ ኣብ መጽሓፍ ቅደስ ካብ ዝተገልጹ ታሪኻ ብሰፊሕ ካብ ዝተጻሕፈላ ሓንቲ ናይ ሜሶፓትያ ከተማ እያ። ብዙሓት ናይ ሥነ መሎኮት ሙሁራት ናይ ሎሚ ሙሱል ከተማ ብኣንጻረ ከተማ ባቅዳድ ብወገን ሰሜን 350 ኪ.ሜ ሪሒቓ  ትርከብ ከተማ ምዃና ይሰማምዑላ። ዋላ እኳ ኣብ 4000 ቅ.ል.ክ ብናምሩዴ ዝተዶኮነት ትኹን፡ (ዘፍ. 10፣11-12) ናይ ኣሶራውያን ዋና ከተማ ዝኾነት ግና ብ1400 ቅ.ል.ክ እዩ። (2ይነገ,19፣36) ኣብታ ከተማ ፍሉጥ ዝኾነ ናይ ጣኦት ቤተ ኣምልኾ ኣስታሮት ይብሃል።

ኣብዛ ከተማ ዝነብሩ ሰባት ብዝሰርሕዎ ክፋትን ሓጥያትን ካብ ምብዛሑ ዝተላዕለ ጽዋእ መሊኡ ንጥፍኣቶም ስለዝበጽሐ፣ ንፍጥረቱ ርህራሄ ዘለዎ ኣምላከ ቅደሳን እግዚአብሔር ግና ንስሓ ክኣትዉ ምእንቲ ነብዩ ዮናስ ሊኢኽሎም። እዚ ነብይ ናብ ናይ ኣህዛብ መንዯር ዝተላእከ እንኮ ነብዩ እዩ። ዝተላእኸሉ ምኽንያት ዴማ ከምቲ ነብያት ናብ ዯቂ እስራኤል ተላኢኾም ዝገብርዎ ንምግሳጽ ዘይኮነ ናብ ንስሓ ክጽውዕዎም ምእንቲ እዩ። ኮይኑ ግና ነብዩ ዮናስ ናብዛ ከተማ ክኸይዴ ብእግዚአብሔር ይተኣዘዝ እምበር ንሱ ግና ናብ ተርሴስ ክኸይዴ ንርእዮ።
ቅደስ ጄሮም ነብዩ ዮናስ ንምንታይ ከምዚ ከምዝገብረ  ክገልጽዎ ከለዉ ፣ ዮናስ ንኣህዛብ ካብ ምጽላእ ዝተላዕለ ዘይኮነ ዴሕነት ካብ ህዝበ እስራኤል እንዳረሓቐ ምዃኑ ብትንቢት መነጽር ስለዝረኣየ ናብ ነነዌ ኣይከይድን ኢሉ። እዚ ከኣ ሙሴ ነዚ ህዝቢ ካብ ተጥፍኦ ንዓይ ካብ መጽሓፍ ሂወት ደምስሰኒ ። ከምዝበሎ ዓይነት ማለት እዩ። ዘጻ.32፣31-32።

ቅዱስ ጳውሎስውን ብዛዕባ እቶም ብሥጋ ኣሕዋቱን  ኣዝማዱን  ክርገም  ዝመረጸ ። ሮሜ፣9-3። ብርግጽ̕ውን ኣብ ዘመነ ሓዲስ ኣህዛብ ብክርስቶስ ኣሚኖም ክጥመቁ ከለዉ ፣ እስራኤል ግና መጽሓፍቲ ጥራሕ ሒዞም ተሪፎም። እስራኤል ነብያት ጥራሕ ሒዞም ክተርፉ ከለዉ ፣ ኣህዛብ ግና ናይ ነብያት ትንቢት ፍጻሜ ሒዞም። ማቴ.12፣42።

ልብን ኩላሊትን ዝምርምር ኣምላከ ቅደሳን እግዚአብሔር ግና ዮናስ ብዘይ ምእዛዙ ኮነ ኢሉ ከምዘይገብሮ ስለዝፈለጠ ብፍሉይ ጥበቡ ክወስዶ ንርኢ። ኣቀዱሙ ዓቢ ንፋስ ኣብታ ልዕሊ መርከብ ኣምጺኡ፣ ንዮናስ ዝውሕጥ ዓቢ ዓሳ ኣዲልዩ፣ ቀጺሉዉን እቲ ነባሪ ዓሳ ንዮናስ ናብ ምድሪ ክተፍኦ ንርኢ። ናይ ኣምላኽና ፍቕሪ ክንደይ ዓብይን ዘደንቅን ምዃኑ ኣብዚ ንርኢ።

ነብዩ ዮናስ  ከምቲ ቃለ እግዚአብሔር ናብ ነነዌ’ውን ከድ ። ነነዌ ግና ኣዝያ ዓባይ ከተማ መገዲ ሰለስተ መዓልቲ እያ ። ዮናስ ናብታ ከተማ ኺኣቱ መገዲ ሓንቲ መዓልቲ ጀመረ እሞ ነነዌ ሰለስተ መዓልቲ ጸኒሓ ክትግምጠል እያ፣ ኢሉ ኣወጀ።
ሰብ ነነዌ ከኣ ንኣምላኽ ኣሚኑ፣ ጾም ድማ ኣወጀ፣ ካብ ዓበይቶም ክሳኦ ናእሽቱኦምውን ኽሻ ተኽድኑ። እዚ ወረ እዚ ናብ ንጉሥ ነነዌ በጽሐ፣ ካብ ዝፋኑ ተንሥአ ባርኖሱ ቐንጠጠ ኽሻ ተኽድነ ኣብ ሓሙኹሽቲ ድማ ተቀመጠ። ኣብ ነነዌ ብትእዛዝ ንጉሥን መኳንንቱን ከምዚ ዝብል ኣዋጅ ተኣወጀ። ሰብ ወይ እንስሳ ወይስ መጓሰ ኣባጊዕ ሓንቲ እኳ ኣይጥዓማ ኣይውፈራ ማይ̕ውን ኣይስተያ። ሰብን እንስሳስ ክሻ ይከደኑ ዓው ኢሎም ድማ ናብ ኣምላኽ የእውዩ። ነፍሲ ወከፍ ከኣ ካብ እኩይ መገደን ካብቲ ኣብ ኢድ ዘሎ ዓመጽን ይመለስ ። ኣምላኽ እንተ ተመልሰን እንተ ተጣዕሰን ንሕና ከይንጠፍእ ከኣ ካብቲ ጒሁር ቊጥዓኡ እንተ ተመልሰ መን ይፈልጥ። እግዚአብሔር ኣምላኽ ከኣ ካብ እኩይ መገዶም ከምእተመልሱ ግብሮም ረኣየ እግዚአብሔርውን ነቲ ኬውርደሎም ኢሉ እተዛረቦ መዓት ተጣዕሰሉ፣ ኣይገበሮን ከኣ። ዮና. 3፣3-10።

ብሓቒ ንእግዚአብሔር ዝፈርሕ ልቡና ዘለዎ ሰብ ብዙሕ ትምህርቲ ኮነ ብዙሕ እዋን ኣየዴልዮን እዩ። ንኽምለስ ናብ እግዚአብሔር ቀረባ እዩ። ንሕና ክርስቲያን’ውን ነዚ ብምዝካር > ብምባል ንጾሞ።

ናይ ሎሚ ዓመት ዓብይ ጾም ለካቲት 12 ስለ ዝኣቱ ካብ ሰኑይ ጥሪ 28 ስጋብ ረቡዕ 30 ጥሪ ንጸውም።

ኣምላከ ቅደሳን እግዚአብሔር ዝመረጽናዮ ዓይነት ጾም ክንጸውም ካብቲ ዝተሓሰበ ዝኾነ ዓይነት ፈተና ክንድሕን ኣምላከ ቅደሳን ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ይሓግዘና። በረከት ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ኣይፈለየና።

ወስብሓት ለእግዚአብሔር
ወለወላዱቱ ዴንግል
ወለመስቀሉ ክቡር::

አዘክሪ ድንግል at 8:04 AM
Share



Home
View web version
ERITREAN ORTHODOX TEWAHIDO CHURCH
Kana Zegelila
አዘክሪ ድንግል
Powered by Blogger.

ታሪኽ ቅዱስ ገርጊስ


Saturday, April 30, 2011

ቅዱስ ጊዮርጊስ
በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን። 

ካልእ በደል ከይተረኽቦም፡ ሓቀይናን እሙናትን መሰኻኽር ወንጌል ብምዃኖም ጥራይ መሪር ግፍዒን ኣደራዕን ኣብ ልዕሊኦም ካብ ዝተፈጸመሎምን፡ ስለ ወንጌልን ሓቀኛ ኣምልኾተ እግዚአብሔርን ዓቢይ ገድሊ ካብ ዝፈጸሙን ብቃልን ግብርን ብርሃን ኮይኖም ካብ ዝሓለፉ ኣዕናቝ ቤተ ክርስቲያን ሓደ ሊቀ ሰማእታት ቅዱስ ጊዮርጊስ እዩ። ፳፫ ሚያዚያ ድማ ገድሉ ፈጺሙ፤ አክሊላተ ብርሃንን ቃል ኪዳንን ካብ እግዚአብሔር ተቐቢሉ ገና ብንእስነቱ ብሰማእትነት ዝዓረፈሉ ዕለት ስለዝኾነ በረኸቱ ክንሳተፍ ብምባል ኣሕጽር ኣቢልና ታሪኽ ገድሉ ክንድህስስ ኢና። 

ትውልዲ ቅዱስ ጊዮርጊስ 

ኣቦ ቅዱስ ጊዮርጊስ ዘሮንቶስ (ኣንስጣስዮስ) ኣዲኡ ድማ ቴዎብስታ ይበሃሉ። ዓዲ ኣቡኡ ቀጰዶቅይ እንዳ ኣዲኡ ኸኣ ልዳ ነበረ። ኣቡኡ ዘሮንቶስ ብፍቓድ እግዚአብሔር ካብ ቀጰዶቅያ ናብ ልዳ ከይዱ ክቕመጥ ምስ ጀመረ፡ ድኅሪ ዓመታት ምስ ቴዎብስታ ተመርዕዩ ንቅዱስ ጊዮርጊስ ወለደ። ኣቦን ኣደን ቅዱስ ጊዮርጊስ ብሃይማኖቶም ምስጉናት፡ ብሕገ እግዚአብሔር ተወሲኖም ዝነብሩ፤ ብናብርኦምን ጽግዋትን ሃብቲ ዝነበሮም ምንባሮም ታሪኽ ሕይወቶም የረድእ። እዚኦም ንእግዚአብሔር ዘፍቅሩ፤ ለጋሳት ስድራ ቅዱስ ጊዮርጊስ ዝኣመሰለ ውላድ እግዚአብሔር ስለዝሃቦም ባህ ኢልዎም ክነብሩ ከለዉ ዘሮንቶስ ናይታ ዝቕመጠላ ግዝኣት (ኣውራጃ) ገዛኢ ኮይኑ ተሾመ። እታ ናይ ኣቡኡ ግዝኣት ድማ ክርስትና ሃይማኖት ብሕግን ሥርዓት ዝካየደላ ትንበር ደኣ እምበር እቶም ላዕለዎት ነገሥትታት ግና ኣብ ኣምልኾ ጣዖት ዝመላለሱሉ ዘመን ነበረ። 
ኣተዓባብያ ቅዱስ ጊዮርጊስ 

ወለዲ ቅዱስ ጊዮርጊስ ብሥጋ ይኹን ብመንፈስ ብጥንቃቐን ብክንክንን እዮም ንቅዱስ ጊዮርጊስ የዕብዮሞ። ኣብ መበል ፯ ዓመቱ ድማ መንፈሳዊ ይኹን ዓለማዊ ጥበብ ክመሃር ኣብ ቤት ትምህርቲ የእትዮሞ። ብኸምኡ ድማ ንክልቲኡ ኣዛሚዱ ይዓቢ ነበረ። 

ኣቦ ጊዮርጊስ ኣብዛ ሃገር (ሃገረ ልዳ) ገዛኢን ልዕል ዝበለ ወተሃደራዊ ሥልጣን ስለዝነበሮ፡ ቅዱስ ጊዮርጊስ ድማ ኣሰር ኣቡኡ ተኸቲሉ ኣብቲ ዘመን ዝወሃብ ዝነበረ ከም ናይ ፈረስ ውግእ ዝኣመሰለ ወተሃደራዊ ተዓሊም ቐሲሙ እዩ። ጐድኒ ጐድኒ እዚ ሥልጠና ድማ ትምህርተ ክርስትና ብዝግባእ እናተምሃረ ብሕግን ሥነ ሥርዓትን ኣብ ቤት ኣቡኡን ኣዲኡን ዓበየ። ይኹን ደኣ እምበር ገና ኣብ ጕብዝና ከይበጽሐ እንከሎ ኣቦኡ ካብዚ ዓለም ብሞት ስለዝተፈልየ ካልእ ገዛኢ ሃገር ተሾመ። እንተኾነ’ውን እዚ ሓድሽ ገዛኢ ሃገር ንቅዱስ ጊዮርጊስ ስለዝፈተዎ ንኣዲኡ ኣፍቒዱ ካብ ኣኃቱ ፈልዩ ምስኡ እናመሃሮ ኣዕበዮን ኣሰልጠኖን። 

ካብ ወተሃደር ልዳ ናብ ወተሃደር ክርስቶስ – ካብ ሥጋዊ ክብሪ ናብ መንፈሳዊ ክብሪ 

ገና ኣብ ንእስነቱ እቲ ዘደሊ ወተሃደራዊ ትምህርቲ ኣብ መበቆል ዓዱ ድኅሪ ምቕሳሙን፡ ንኡድ ዝኾነ ክእለትን ሞያን ድኅሪ ምጽንብራቑን ድማ ኣብ ዝለዓለ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ከገልግል ተወዘዐ። እቲ ገዛኢ ሃገር ድማ ንቕሓቱን ሞይኡን ርእዩ ክሽየምን ክሽለምን ወተሃደራቱ ኣሰንዩ ናብ ንጉሥ ለኣኾ። ንጉሥ ድማ ታሪኽ ሕይወትን ኣቃውማን ክእለትን ቅዱስ ጊዮርጊስ ተመልኪቱ ኣብ ልዕሊ ሓሙሽተ ሽሕ ወተሃደራት ኣዛዚ ክኸውንን፡ ብዘይካ ኣቡኡ ዝገደፈሉ ሃብቲ በብወርሑ ብርክት ዝበለ ወርቅንን ብሩርን ማሕያ ክወሰድ ኣዚዙን ሸሊሙን ብኽብሪ ናብ ሃገሩ መለሶ። እቲ ዘዕበዮ መስፍን ሃገር ድማ ተሓጒሱ ናብቲ ዝተባህለ መደብ ስራሕን ሓላፍነትን ኣዋፈሮ። ነታ እንኮ ጓሉ ሰበይቱ ኽትኮኖ ድማ ኣሕጸዮ። ይኹን እምበር እቲ መስፍን ሃገር ድንገት ስለዝሓመመመን ክመውትውን ስለዝቐረበ ንኵሉ ሃብቱ ንቅዱስ ጊዮርጊስ ከውርስዎን ንጓሉ ከመርዕውዎን ተላበወ። ድኅሪ ለበውኡውን ከይጸንሐ ሞተ። እዚ ኣብ ዝኾነሉ እዋን ቅዱስ ጊዮርጊስ ዕድሚኡ ጌና ኣብ ፈለማ ፳ታት እዩ ነይሩ። 

ብደረጃ እቲ ሃጸይነት ከኣ ኣብ ሞንጎ ነገሥታት ሮማን (ጋሪስን ጋላስን) ንጉሥ ፋርስ ዱድያኖስ ውግእ ተኻይዱ ዱድያኖስ ስለዝሠዓረ ኣብ ብዙኅ ግዝኣታት ግፍዒን ናይ ጭከና ተግባራትን ይፍጽም ጀመረ። ከም ናቡከደነጾር ድማ ኣጵሎስ ዝበሃል ጣዖት ኣቝሙ ይሰግድን የስግድን ከኣ ነበረ። መንእሰይ ጊዮርጊስ ኣብ ኣገልግሎት ሃገሩ እንከሎ እቶም ገዛእቲ ነገሥታት ሮም ተሣዒሮም፡ ንጉሥ ፋርስ ዝነበረ ዱድያኖስ፡ ብእግዚአብሔር ዘይኣምንን መመለኪ ጣዖት ስለዝነበረ ብክርስቶስ ንዝኣምኑ ክርስቲያናት ብዝተፈላለየ መከራ ከሳቕዮም ጀሚሩ ከኣ ነበረ። 

ቅዱስ ጊዮርጊስ ድማ ነቲ ዝነበረ ኵነታትን ምዕባለታትን ብዕቱብ ይከታተሎን ይምርምሮን ነበረ። በዚ ምኽንያት ድማ ስለቲ ኣብ ዓውደ ውግኣት ስለ ሃገሩ ብዝረኣዮ ዝነበረ ጅግንነትን ዝፍጸሞም ቅያታትን ኣብ ቅድሚ ኣረማዊን ጨካንን ንጉሥ ቀሪቡ ሽልማትን ክብርን ካብ ምርካብ ድማ ምስቶም ስለ እምነቶም ዝሳቐዩ ዝነበሩ ክርስቲያናት መከራ ክጸግብ መረጸ። በዚ መሠረት ድማ ንዝተሓጸያ ጓል መስፍን ከይተመርዓወ ብድንግልንኡን ንጽሕንኡን፤ ንብረቱን ሃብቱን ንኣዲኡን ኣኃቱን ከፋፊሉ ከምኡውን ንድኻታት መጽዊቱ፤ ንሠራዊቱ ተፋንዩ ጻዕዳ ፈረሱ ተወጢሑ ንክርስቶስ ትውክልቱ ገይሩ ነቲ ከሓዲ ንጉሥ ብቃል ወንጌል ክቃወም ተበገሰ። ማእቶተ ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ ጳውሎስ ንናይ መንፈስ ወዱ ጢሞቴዎስ “ከም ንፉዕ ናይ ክርስቶስ ኢየሱስ ዓቀይታይ ምሳይ ኴንካ መከራ ጽገብ።” (ካልኣይ ጢሞ ፪፥፫) ኢሉ ዝመዓዶ መንእሰይ ጊዮርጊስ’ውን ካብ ንጉሥ ልዳ፡ ወተሃደር ክርስቶስ ብምዃን ኣብ ምድረ ልዳን ፋርስን ንዝነበሩ ኵሎም መምህር ወንጌል ኮነ። ቀዳምይ ዝገበሮ ነገር ድማ ናብ ቤይሩት (ወሰናስን ኢያሪኮ) ከይዱ ነቲ ኣምልኾተ ፈጣሪኡ ገዲፉ ኣብ ድራጎን ዝበሃል ገበል ከምልኽ ንዝነበረ ሕዝቢ ናብ ክርስቶስ ምምላስ እዩ ነይሩ። እዚ ኸኣ ታራኣ በጺሑ በቲ ገበል ክትብላዕ ተወፍያ ተቐሪባ ንዝነበረት ጓል እቲ መስፍን ናይቲ ከባቢ (ቢሩታይት) ነቲ ገበል (ድራጎን) ብኃይሊ እግዚአብሔር ቀቲሉ ንዓዓ ኣድኂኑ ነቲ ሕዝቢ ኣእሚኑ ናብ ኣምልኾተ እግዚአብሔር ከምዝምለስ ገበሮ። ኣብኡ’ውን ነቲ ሕዝቢ ዝኸውን ክልተ ኣብያተ ክርስቲያናት ኣስሪሑ። በዚ ከየብቀዐ በብከባቢኡ እናተዛወረ ቃል ወንጌል ክዘርእ ጀመረ። ብዙኃን’ውን ትምህርተ ወንጌል ቅዱስ ጊዮርጊስ ሰሚዖም ካብ ገቢረ ኃጢኣት ናብ ገቢረ ጽድቅ ተመልሱ። ምምላኽ ጣዖትን ባዕድ ኣምልኾን እናገደፉ ድማ ንእግዚአብሔር ምምላኽ ጀመሩ። 

እዚ ኣካይዳ ቅዱስ ጊዮርጊስ ግና ዜናኡ ኣብ ቅድሚ ንጉሥ ምስ በጸሐ ንጉሥ ባህ ኣይበሎን። ቅዱስ ጊዮርጊስ ድማ ክስገደሉ ዝግባእ ሓደ ፈጣሪ እምበር ሰብ ንዘቖሞ ጣዖት ምስጋድ ኣይግባእን እናበለ ብትብዓት ምስክርነቱ ቀጸለ። እቲ ንጉሥ ዋላ ብጅግንነትን ወተሃደራዊ ሞያን ጊዮርጊስ ይሕጐስ እኳ እንተነበረ ሰባት ብትምህርቲ ቅዱስ ጊዮርጊስ ተሳሒቦም ካብ ምምላኽ ጣዖታት ምስሓቦምን ኣብ ኣምልኾተ እግዚአብሔር ምጽንዖምን ከቆጥዖ ጀሚሩ። ሰይጣናዊ ቅንኣት ስለዝሓደሮ ድማ ቅዱስ ጊዮርጊስ ካብዚ ተግባራቱ ክቑጠብ ብመጀመርታ ብጥበብ ገይሩ ክጥብሮ ፈተነ። ሓደ ካብ ፈተንኡ ሡር ኃጢኣትን ውድቀት ብዙኃትን ኮይኑ ንዝርከብ ገንዘብ ማለት ወርቅን ብሩርን ኣብዚኁ ከምዝህቦ ዝተመባጽዓሉ እዩ። ንጉሥ ዱድያኖስ በዚ ከይተወሰነ ቅዱስ ጊዮርጊስ ትምህርተ ወንጌል እንተደኣ ገዲፉን ኣብ ኣምልኾት ጣዖት ኣሚኑን ኣብ ልዕሊ ሹመት ሹመት ከምዝውስኾን ክሳብ ፍርቂ መንግሥቱ እኳ ከምዝውፍየሉን ቃል ኣተወሉ። ጊዮርጊስ መንእሰይ እዩ እሞ ገንዘብን ሽመትን የታልልኦ ይኾና ዝብል ግምት እኳ እንተነበሮ፤ እቲ ፈተንኡ ነቲ ብፍቕሪ ክርስቶስ ንዝነደደ ቅዱስ ጊዮርጊስ ከሰንፎ ኣይከኣለን። መንእሰይ ጊዮርጊስ ሓርበኛ ወንጌል ብምንባሩ ንጥበራን መብጽዓታትን ንጉሥ ዘይረብሕን ዘይጠቅምን ብምባል ብኣሉታ መለሰሉ። ካብኡ ሓሊፉ’ውን ነቲ ንጉሥ ኣብ ልዕሊ እቲ ሕዝቡ ንዝፍጽሞ ግፍዕን ስራሕ ጭካነን ብምቅዋም፡ ነቲ ንጉሥ “ኣብ ልዕሊ ሕዝብኻ ቅኑዕ ፍርዲ ፍረድ ፍትሒ ድማ ግበር” እናበለ ብስም ክርስቶስ ነቲ ንጉሥ ለመኖ። ንጉሥ ግና ተደፈርኩ ብምባል ኣንጸርጸረ። ደጊሙ’ውን ነቲ ንሱ ዘቖሞ ጣዖት ምስ ዘይሰገድን፡ ዳግማይ ነቲ ዘረባ ምስ ዝደግሞን ከቢድ ዘይጽወር ስቓይ ኣብ ልዕሊኡ ከምዘውርድ ብምፍርራሕ፡ ካብ ኢዱ ዘድኅኖ ከምዘየለ ብምዝክኻር ድማ ኣጠንቀቖ። ቅዱስ ጊዮርጊስ ግና ደጊሙ ነቲ ሓቂ ካብ ምዝራብ ከምዘይምለስ፤ ነቲ ጣዖት ከምዘይሰግድን ኣምላኹ ክርስቶስ ኃይልን ጽንዓትን ከምዝህቦ ብምትእምማን ነቲ ንጉሥ ብድፍረት መለሰሉ። 

ቅዱስ ጊዮርጊስን ዝተቐበሎ መከራን 

ቅዱስ ጊዮርጊስ ንሥጋ ብዝምስጥን ብዝማርኽን ኵሉ ጥበራታት ንጉሥ ከይተተዓሻሸወ ተጊሁን ነቒሑን ትምህርቱ ስለዝቐጸለ፡ ተግባራት ጊዮርጊስ ንንጉሥ ዘይጽወር ኮኖ። ስለዚ ድማ ኣብ ልዕሊ ጊዮርጊስ ንነዊሕ እዋን ዝቐጸለ ዝተፈላለየ ዘሰቅቕን ኣዝዮም ከበድቲ ግፍዕታትን መከራታትን በብተራ ክፍጽም ጀመረ። ኮይኑ ግና ቅዱስ ጊዮርጊስ ካብ ሃይማኖቱ ምንቕ ኣየበለን። ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ “ወእፌንወክሙ አነ ማእከለ ተኵላት ከመ አባግዕ” (እንሆ ኣነ ኸም ኣባጊዕ ናብ ማእከል ተዃሉ እሰደኩም ኣሎኹ) ንዝበሎ ቃል ብልቦንኡ ዝተረድኦ ስለዝነበረ፡ እቲ ኣሰካሒ ዝነበረ መከራ በብዓይነቱ ኣብ ልዕሊኡ እንተተበራረየውን ነቲ ዝጀመሮ ወንጌል ብቃል ይኹን ብግብሪ ካብ ምምሃር ንድኅሪት ኣይተመልሰን። እኳ ደኣ እቲ መከራ እናበዘኀ ኣብ ዝኸደሉ ዝያዳ ሰባት ብጽንዓቱ ክግረሙን ብተኣምራቱ ክኣምኑን ስለዝኸኣሉ ንጽቡቕ እዩ ኮይኑሉ። 

ቅዱስ ጊዮርጊስ ዝተቐበሎም መከራ ብዓይነት ይኹን ብብዝኂ ተገሊጾም ዝውድኡ ኣይኮኑን። ካብኣቶም ነቶም ውሑዳት ንምጥቓስ ዝኣክል ብሰንሰለት ተሞቝሑ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣብ እንጨይቲ ተሰቕለ፤ ተገርፈ፤ ተሳቐየ፤ ናብ ሰማይ ከም ኵዕሶ ተቐልዐ፤ ብቍርበት ጠቕሊሎም ኣሠርዎን ገረፍዎን፤ መዓናጡ ዝበታትኽ ብርቱዕ ስሚ ኣስተይዎ፤ ኣብ ልዕሊ መሳምር ብእግሩ ከምዝኸይድ ገበርዎ፤ ኣካላቱ ኣብ ክልተ ክምተርን ክቃጸልን፡ ሓምዅሽቲ ምስ ኮነ ኣብ ደብረ ይድራስ ከምዝዝረው ገበርዎ፤ ብሰበይቲ ፈተንዎ፤ ኣብ ሓዊ ደርበይዎ፤ ሥግኡ ከም እምኒ ብመንኰርኰር ተጠሒኑ ከመ መግቢ እንስሳ ንብዕራይ ሃብዎ፤ ብኲናት ወግእዎ ብማሳ ቀጥቀጥዎ፤ ወዘተ ሰብ ክሰምዖ ዝኸብድ፡ ኣዕይንቲ ክርእይዎ ዘሰቅቕ መከራን ስቓይን ኣብ ልዕሊኡ ኣውረዱ። ይኹን እምበር ንኵሉ ብኃይሊ ኣምላኽ ይስዕሮ ነበረ። ብኸምዚ መገዲ ድማ ንሸውዓተ ዓመታት ወንጌል እናመሃረን መከራ እናተቐበለን ተጋደለ። በዚ ተጋድሎኡ ድማ ብዙኃን ኣሚኖም ጽዋዕ ሰማእትነት ከኣ ኣልዒሎም እዮም። ካብኣቶም ሓንቲ ሰበይቲ እቲ ንጉሥ ዝነበረት እለ እስክንድርያ ንግሥት ትርከቦም እያ። 

ተኣምራት ቅዱስ ጊዮርጊስ 

ቅዱስ ጊዮርጊስ ገድሉ ይፍጽም ኣብ ዝነበረሉ እዋን ኣዝዮም ብዙኃት ተኣምራት የሰንዮ ነበረ። ቅዱስ ጊዮርጊስ ሠለስተ ጊዜ ሞይቱ ፈጣሪኡ ካብ ሞት ኣተንሥኢዎ እዩ። ኣካሉ ብሓዊ ተቓጺሉ ሓሙኽሽቲ ድኅሪ ምቕያሩ ፲፰ ጥሪ ኣብ ደብረ ይድራስ ብነፋስ ድኅሪ ምዝራዉን ምብታኑን እንደገና ብኃይሊ እግዚአብሔር ኣብ ልዕሊ ቖጽሊ ጊዮርጊስ ጊዮርጊስ እናበለ ተረኺቡ እዩ። ነቲ ንጉሥ’ውን ኣርዒዱ እዩ። ኣብ ዝተኣሥረሉ ቤት ድንቂ ሰማያዊ ብርሃን ኣብሪሁ እዩ። 

ተኣሢሩሉ ዝነበረሉ ዝነቐጸ ዓንዲ ጕንዲ’ውን ኣለምሊሙ እዩ። ነቲ መሬት ረጊጹ’ውን ብተኣምር ማይ ኣፈልፊሉ እዩ። ኣእዛኑን ኣፉን እግሩን ድውይ (ስንኩል) ንዝነበረ ኣሕውዩ እዩ። ዝሞተ ኣተንሢኡ እዩ። ንብርቱዕ ስሚ ናብ ዘይጓዳእ መስተ ቐይርዎ እዩ። ወዘተ 

ኣኽሊልን ዕረፍትን ቅዱስ ጊዮርጊስ 

ቅዱስ ጊዮርጊስ ሓቀኛ ምስክር ወንጌል ኮይኑ ኣዝዩ መሪር ዝኾነ መከራ ተዓጊሱ ብምቕባል ንሸውዓተ ዓመት ድኅሪ ምጽናሕ፡ አምላከ ቅዱሳን እግዚአብሔር ይኣኽለካ ስለዝበሎ ሰዓት ተስዓቱ ፳፫ ሚያዚያ ብኢድ እቶም ኣሕዛብ ክሳዱ ብሰይፊ ተሰይፉ ብሰማእትነት ዓሪፉ። 

ብኵሉ ግብርታቱ ንንጉሥ ዱድያኖስ ስለዝተቓወመ እቶም ፸ ነገሥታት ንንጉሥ ዱድያኖስ ክሳዱ ሰይፍካ ኣጥፍኣዮ ኢሎም ምኽሪ ብምሃቦም ናይ መወዳእታ ዕረፍቱ ብሰይፊ እዩ ነይሩ። ይኹን ደኣ እምበር ቅድሚ ምስያፉ፡ ኣብ ቅድሚ እታ ዝተሰየፈላ ቦታ ደው ኢሉ ከምዚ ኢሉ ናብ ፈጣሪ ለመነ “ኦ ኣምላኸይ ክርስቶስ ከም ነቢይ ኤልያስ ምስዚ ከሓዲ ንጉሥ ዝተኣከቡ ነገሥታትን ንጉሡ ዱድያኖስን ጣዖቱ ኣጵሎስን ሓዊ ካብ ሰማይ መጺኣ ክትበልዖም ኣዝዝ።” በለ ከምቲ ዝለመኖ ድማ ፸ ነገሥታት ብሓዊ ተበልዑ። 

ክሳዱ ኣብ ዝተሰየፈሉ እዋን ድማ ደምን ጸባን ማይን ተሓዋዊሶም ካብ ክሳዱ ፈሲሶም እዮም። ስለዚ እዩ ድማ “ቅዱስ ጊዮርጊስ ሶበ ተከለለ ደም ወማይ ወሐሊብ እምነ ክሳዱ ፈልፈለ” ተባሂሉ እተጻሕፈሉ። ገድሉ ፈጺሙ ኣብ ዝዓረፈሉ ብጠቕላላ ክንዲ እቲ ዝተጋደለሎም ሸውዓተ ዓመታት ወዲ ሰብ ዘይሰርሖም ሰማያውያን ኣኽሊላት ብርሃን ካብ እግዚአብሔር ከም ዝተዋህብዎ ኣብ ገድሉ ብንጹር ተቐሚጡ ኣሎ። ስለቲ ልዕል ዝበለ ክብሩን ገድሉን ካብ ሰማይ ድማ ፯ አክሊላተ ብርሃን ተቐበለ። ድኅሪ ምስያፉ ድማ መላእክተ ብርሃን መጺኦም ብኽብሪ ነፍሱ ኣዕሪጎማ። ዝተፈላለየ ተኣምራት ድማ ተፈጺሞም። ሰዓብቱ ድማ ኣስከሬኑ ሒዞም ተሸኪሞም ኣብ ዝኸዱሉ ልዳ ኣብ ዝተባህለት ሃገሩ ቤተ ክርስቲያን ኣስሪሖም ቅዳሴ ቤቱ ፯ ሕዳር ኣኽበሩ። ኣጽሙ ድማ ብኽብሪ ኣብ ቤተ መቕደስ ኣንበርዎ። ክሳብ ሎሚውን ኣብ መቓብሩ ንሱ ኣብ ዝረገጾም ቦታታት ተኣምራት ክፍጸም ይነብር ኣሎ። ፈወስቲ ማየ ጸሎታት ድማ ብስሙ ፈልፊሎም እዮም። 

ቃል ኪዳን ቅዱስ ጊዮርጊስ 

ካብዚ ዓለም ቅድሚ ምስንባቱ ካብ እግዚአብሔር ኣምላኽ ቃል ኪዳን ተቐቢሉ እዩ። ስሙ ጸዊዑ ዝምሕጸኖን፡ ብስሙ መከራ ንዝቕበልን ዝኽሩ ንዝዝክርን፤ ብስሙ ቤተ ክርስቲያን ንዝሃንጽን፡ ብስሙ ንድኻ ዝርኅርኅን ፈጣሪኡ ክርስቶስ ኣሥራተ ምሕረት ከምዝገብረሉ ብጸሎት ተራኺቡ ኣሥራት ከምዝተቐበለ ገድሉ ይገልጽ። 

ክብረ በዓላት ፍጡነ ረድኤት ቅዱስ ጊዮርጊስ 

ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ድማ ብገድሎም ካብቶም ብርሃን ዝኾንዋ ደቃ ሓደ እቲ ብሰማእትነት ዝሓለፈ ቅዱስ ጊዮርጊስ እዩ እሞ ስለቲ ዝፈጸሞ ዓቢይ ገድሊ ወትሩ ዕረፍቱ ፳፫ ሚያዚያ ብዓቢ ድምቀት ከተኽብሮን ክብ ብዝበለ ሥነ ሥርዓትን ክትዝክሮ ትነብር ኣላ። ከምኡውን ኣጽሙ ዝተዘርወሉ ፲፰ ጥሪ፤ ቅዳሴ ቤተ ክርስቲያኑ ድማ ፯ ኅዳር ይኸብር። 

ቅዱስ ጊዮርጊስ ናይ ሰማእታት ኾኸብ፤ ናይ ቤተ ክርስቲያንና ብርሃን እዩ። ቅዱስ ጊዮርጊስ ስለቲ ቅኑዕ ነገር ካብ ሰብ ንእግዚአብሔር ምእዛዝ ከም ዝግባእ ከም ሓዋርያት ብግብሪ ዘመስከረ ኣቦ እዩ። ሓቀኛ ናይ ወንጌል መምህር ማለት ብቃል ጥራይ ዘይኮነስ ብግብሪ ምዃኑ’ውን ብሕይወቱ ኣብነት ዝኾነ ዓቢይ መምህር እዩ። ስለ ወንጌል ድማ መከራ ምጽጋብን ንኵሉ ጸዋተወ መከራ ምዕጋስን ከምዝግባእን፡ እቲ ብዝኂ ምረት ብዘየገድስ ኣብ ፍረን ሰማያዊ ክብርን ከምዘበጽሕ ቅዱስ ጊዮርጊስ ብሕይወቱ ዘመስከሮ ናይ ወንጌል ሓቂ እዩ። 

ቅዱስ ጊዮርጊስ ብንእስነቱ ኣነ ሽመት ወይውን ማዕርግ ቤተ ክርስቲያን የብለይን እንታይ ኸ ገደሰኒ ከይበለ፤ ብፍቕሪ ክርስቶስ ተደሪኹ ገና ኣብ ንእስነቱ ስለ ሃይማኖቱ ዝተጋደለ ኣቦ እዩ። ክሳብ ሕጂ’ውን ብቃል ኪዳኑ ፍጡነ ረድኤት ኮይኑ ዝራዳእ ምዃኑ ቤተ ክርስቲያን እትኣምነሉን በረኸቱ ዘስተማቐሩ ድማ ዝያዳ ዝገልጽዎ እዩ። 

ሎሚ’ውን እንተኾነ ከም ቅዱስ ጊዮርጊስ ዝኣመሰሉ መንእሰያት ቤተ ክርስቲያን እምብዛ የድልያ እዩ። ሥጋዊ ፍቓዳቶምን ሓሳባቶምን ንጐኒ ገዲፎም፡ ምኽሪ ዲያብሎስ ከይሠዓሮም ስለ ሃይማኖቶም ብጽንዓት ዝቃለሱ መንእሰያት ብሓቂ ክህልዋ ቤተ ክርስቲያን ትድለየለሉ እቲ ቅኑዕ ጊዜ እዩ። 

በረኸትን ረድኤትን ፍጡነ ረድኤት ሊቀ ሰማእታት ቅዱስ ጊዮርጊስ የሕድረልና። 

እግዚአብሔር አምላኽ ብምሕረቱ ከም ቅዱስ ጊዮርጊስ ዝኣመሰሉ መንእሰያት ንቤተ ክርስቲያን የተሥኣላ። 

Maeadot at 2:38 PM
Share

2 comments:

AnonymousMay 12, 2011 at 1:05 AM
amlak yehagezekum qduse giorgis ayefelekum!

Reply

AnonymousAugust 9, 2011 at 6:42 AM
Tsega,bereketn amaladnetin nay Fitune Rediet Mekbibe Semait Kidus Giorgis mis kulatna yikun!!!

Reply

Load more…


Home
View web version
About Me

Maeadot
Eritrean Orthodox Tewahido Church
View my complete profile
Powered by Blogger.

ኣስተርእዮ ማርያም

ኣስተርእዮ ማርያም (ጥሪ 21)
“ሞትሰ ለመዋቲ ይደሉ ሞታ ለማርያም የዓጽብ ለኩሉ”

“ይትባረክ እግዚአብሔር አምላከ አባዊነ “

ጥር ፳፩ “ዕረፍታ ለእግዝእትነ ማርያም ድንግል”
በ  በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላኽ ኣሜን። እግዚኣብሄር ኣምላኽና ካብ ዕለት ናብ ዕለት  ብሂወት ስለዘጽንሓና ፡ናብ ዚ ቅዱስን ክቡርን በዓል ናይ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ስለዘብጽሓናን ክብርን ምስጋናን  ይብጽሓዮ ኣሜን።ሎሚ ከም ፍቓድ ኣምላኽ እንርእዮ  ሓጺር ጽሑፍ ብዛዕባ ናይ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ዜና ዕረፍታ ክኸውን ኢዩ። ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ካብ ኣቦኣ ኢያቄምን ኣዲኣ ሃናን ድሕሪ ምውላዳ ፡ስድራቤታ  ኣብ ሰለስተ ዓመታ ናብ ቤት መቕደስ ኣእተውዋ፡ከምቲ ቅዱስ ኣባ ሕርያቆስ ገሊጽዎ ዘሎ ካኣ ሕብስቲ ሰማያዊ እና በልዔት ፡ጽዋዕ ሰማያዊ እና ሰተየት ፡ብቅድስናን ብንጽህናን ዓበየት።ከም ኣዋልድ እብራውያን  ክሳዳ ኣየግጀፈትን፡ከማተታን እውን መዳናገርቲ ኣወዳት ኣየጻወትዋን ፡ብኣንጻሩ ግን   ብዘይልማድ ኣንስቲ ብፍጹም ቅድስና ምስ ምሉእ ንጽህና  ንዓሰርተ ክልተ(12) ዓመት ኣብ ቤት መቕደስ ነበረት።

እንተኾነ መንነታ፡ እንታይነታ ዘይፈለጡ ፡ከምተን ደቆምን ድሕሪኣን ቅድሚኣን ኣብ ዘመናን ዝነበራ ደቂ ኣንስትዮ እብራውያን ዝመሰሎም ጸሓፍትን ሊቃውንት ኣይሁድ ካብ ቤት መቅደስ ኣውጽእዋ፡ቅዱስ ዮሴፍ ኣረጋዊ ካኣ ክድግፋ፡ክሕልዋ ፡ክረድኣ፡ብሕድሪ ተቐበላ።ኣብ ዓሰርተ ሓሙሽተ ዕድሜኣ ድማ መለኮታዊ ቃል ብድንግልና ጠኒሳ ብድንግልና ወለደት -ኣምላኽ ሰብ ኮነ ሰብ ካኣ ኣምላኽ ኮነ-“ንጽህናኺ ምስ ረኣየ ገብርኤል ዝበሃል ብርሃንዊ መልኣኽ ናባኺ ለኣኸ  ከምዚ ድማ በለኪ”ጸጋ ዝመኣልኪ ደስ ይበልኪ ክትጥንሲ ወዲ ካኣ ክትወልዲ ኢኺ .”ከምዝበለ ቅዱስ ኣባ ሕርያቆስ ኣብ ቅዳሴ ማርያም ድርሰቱ፡ቅዱስ ገብርኤል መልኣኽ ብኣምላኽ ተላኢኹ ከበስራ ብትሕትና መጸ፡ቅድስት ድንግል ማርያም ድማ ብንጽህና ጠኒሳ  ብንጽህና ወለደቶ፡“ድንግል ንፈጣሪኣ ወሎዳቶ”ከም ዝበለ ቅዱስ ቄርሎስ ኣብ ሃይማኖት ኣበው ድርስተኡ።

ንኣምላኽና ኢየሱስ ክርስቶስ ጠኒሳ ትሽዓተ ወርሕን ሓሙሽተ መዓልትን ፡ካብ ዝውለድ ክሳዕ ስቕለቱ ሳላሳን ሰለስተን ዓመትን ሰለስተ ወርሕን ፡ድሕሪ ስቕለቱ ድማ ብሓደራ ቅዱስ ዮሃንስ ዓሰርተ ሓሙሽተ ዓመት ፡ጠቕላላ ሱሳን ኣርባዕተን(64)  ዓመት ነበረት።

ኣብ መበል ሱሳን ኣርባዕተን ዕድሜኣ እምበኣር ዕስራን ሓደን ጥሪ(21) እግዚኣብሄር 

ኣምላኽ ንቅድስቲ ነፍሳ ካብ ክብርቲ ስጋኣ ፈለየ።እልፊ ኣእላፋት መላእኽቲ እና ዓጀቡ ብመዝሙርን ብስብሃታትን ናብ  ፍቑር ወዳ ነታ  ቅድስት ነፍሳ   ኣዕረግዋ።

በዚ ሰዓት እዚ እቶም ክፋእ ካብ ምሕሳብ ዘየዕርፉ ሊቃውንትን ጸሓፍትን ናይ ኣይሁድ ተንኮል ኣለሙ።ኣቐዲሞ ካብ ቤተመቅደሶም ብኽፍኣት  ልቢ ኣውጸእዋ ፡ጸኒሖም ካኣ “ወዳ  ካብ መቓብር ከይተንስኤ ደቂ መዛሙርቱ ተንሲኡ ኢሎም ብዙሕ ሰብ ኣስሒቶም ሕጂ እውን እዚኣ ከም ወዳ ተንሲኣ ኢሎም ሰብ ከየዳናግሩ እሞ ካብ ቀደማዩ ዳሕራዩ ከይከፍኣናን ንኸይገደናን ፡ስለዚ ሒዝና ብሓዊ ንስጋኣ ነቃጽሎ “ብምባል ተማኸሩ።ከም ቃሎም ካኣ ሓደ ታውፋንያስ ዝተባህለ ሓያልን ጉልቡትን ሰብኣይ ነበረ እሞ ንሱ ናብቲ ሃዋርያት ንሬሳ ኣደና ቅድስት ድንግል ማርያም ተሰኪመምሉ  ዝነበሩ ዓራት ቀሪቡ ብሓይሊ ጉልበት ፈንጺጉ መታን ከሕድጎም ኣእዳዉ ሰደደ። እንተኾነ ግን እግዚኣብሄር ኣምላኽ ሰይፊ ዝሓዘ መልኣኽ  ሰዲዱ ክልቲኤን ኣእዳዉ ቆረጾ።

 

ታውፋንያስ ኣእወየ፡ኣምሪሩ ካኣ በኸየ-ከመይ ካብ ድንግል ማርያም ምርሓቕ፡ጸረ ድንግል ማርያም ምኻድ የብኪ ኢዩ ኣብ መወዳኣታ እውን ኣብ ጋሃንም ከምትውርወር ይገብር።እንተኾነ ታውፈንያስ ከምቲ መጀመርታ ዝጎየዮ ኣይገበረን እንተኾነ በኸየ ድኣ።ድንግል ማርያም ለዋህ ፡ናይ ፍቅሪ ኣደ፡ርህርህተ ሕልና ስለዝኾነት ደንገጸትሉ ናብ ወዳ ለሚና ካኣ ኣእዳዉ ናብ ንቡር ከምዝምለሳ ገበረት።ናይ ኣምልኾ ክብሪ ንወዳ ናይ ጸጋ ክብሪ ንዓኣ ይኹን ኣሜን።ድንግል ማርያም ክብራ ኣጸቢቑ ተጋህደ ፡ተኣምራታ ኣብ ኩሉ ተሰምዔ።እዚ ተኣምር ሰሪሓ እውን ኣምላኽና እግዚኣብሄር ስቕ ኣይበላን ንዓኣን ነቲ ኣዝዩ ዘፍቅሮ ወደ መዝሙሩ ዮሃንስን ካብ ማእከል ሃዋርያት ኣልዒሉ ናብ ገነት ወሰዶም ፡ንሬሳ ቅድስት ድንግል ማርያም ካኣ ኣብ እግሪ ዕጸ ሂወት ኣብ ገነት ኣቕመጦ ፡ከምዚ ኢላ ካኣ ካብዚ ዕለት እዚ ጥሪ 21(ሰንበት) ክሳዕ ነሃሴ14(ሰንበት )ጸንሔት።እግዚኣብሄር ኣምላኽ  ሃዋርያት ሱባኤ ድሕሪ ምእታዎም ብ14 ነሃሴ ሓዲሽን ውዑይን ሬሳ ገይሩ ኣምጻሎም ንሳቶም ካኣ ኣብ ገተሴማኒ ቀበርዋ።ኣብ መበል ሳልስታ ሰሉስ 16 ነሃሴ ካኣ ከም ወዳ ብስልጣን ወዳን ፈጣሪኣን ዓረገት።ናይ ነሃሴ ኣብ ዕለቱ ክነቕርቦ ክንፍትን ኢና። እግዚኣብሄር ብሰላም የጽንሓና።ኣሜን።

እዚ ዕለት እዚ ከምቲ ዝተገልጸ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ዝዓረፈትሉ ኮይኑ ክብራን ተኣምራታን ዝተጋህደሉ መዓልቲ ኢዩ።፡ኣስተርእዮ ዝተባህለሉ ምኽንያት ካኣ ብዓቢኡ ኣብ ቤተክርስቲያና ካብ ዕለተ ልደት ናይ ጎይታናን ኣምላኽናን ኢየሱስ ክርስቶስ (ታሕሳስ 29)ጀሚሩ ክሳዕ ዓቢ ጾም ዝኣትወሉ  ዘሎ መዓልታት ኣስተርእዮ ተባሂሉ ይጽዋዕ።ኣምላኽና ሰብ ዝኾነሉ ፡ዘይርኤ ዝተራእየሉ ፡ ኣምላኽ ሰብ ዝኾነሉ-ዝተጋህደሉ ብልደቱ ኢዩ፡ቀጺሉ እውን ምስጢረ ስላሴ ዝተጋህደሉ ብጥምቀቱ ኢዩ።እዚ ስለዝኾነ እምበኣር ቤተክርስቲያና ነዚ ወርሓት እዚ ኣስተራዮ ኢላ ትጽው ዖ።ኣብዚ ወርሓት እዚ ካኣ ቅድስት ድንግል ማርያም ዝዓረፈትሉን ብእግዚኣብሄር ዝተዋህባ ክብሪ፡ጸጋ ዝተጋህደሉ ፡ተኣምራታ ብጋህዲ ዝተራእየሉ ክብራን ልዕልንኣን ዝተመርስከረሉ ኢዩ፡ስለዝኾነ ካኣ “ኣስተርእዮ ማርያም “ተባሂሉ ይጽዋዕ፡ከመይ ኣስተርእዮ ማሌት ምግላጽ ወይ ድማ ምግሃድ ስለዝኾነ።

ጸሎታን በረኸታን ምስ ኩላትና ይኹን ።

ንዓመታ ብሃይማኖትን ብምግባርን ኣጽኒዑ ነዚ ቅዱስ ዕለት ንምብዓልን በረኸታ ንምስታፍን የብቅዓና ኣሜን።

ወስብሃት ለእግዚኣብሄር

ለወላዲቱ ድንግል

ወለመሰቀሉ ክቡር

ኣሜን።