Menu
Home
ሓበሬታ
መልሲ ንሕቶታትኩም
መዝሙር
ስብከት
ስብከት ብመልክዕ ቪድዮን ድምጽን
ብሂል ኣበው
ትምህርቲ ሃይማኖት
ነገረ ማርያም
ነገረ ቅዱሳን
ቅዱሳን ቦታታት
ነገረ ክርስቶስ
ኪነ-ጥበብ
ዓምዲ ህጻናት
ዜና

ዘኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ መድሃኔ ኣለም ቤ/ክ ማኀበረ ማርያም እስራኤል
ስብከት
ስብከት.

ካብ  ሰሙነ  ሕማማት ክሳዕ  ዕርገት

ድሕሪ ትንሳኤ ዘሎ ሰሙን

በሰመ  ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ  ኣምላኽ ኣሜን።

ቅዱስ  እግዚኣብሔር ኣምላኽና ካብቲ ዝሓለፈ ናይ ጾም ግዜ ብሰላም ብጥዕና  ናብዚ ቅዱስ ዕለት ፡ቅዱስ ሰሙን ስለ ዝብጽሕና ክብርን ምስጋናን ንዕኡ ይኹን።ኣሜን!

ከምቲ  ኣብ ዝሓለፈ ሰሙነ ሕማማት ክንቕርበልኩም ዝቐነና ናይ ዕለቱ ጽሑፋት፡ሎሚ እውን ሕጽር ዝበለ ጽሑፍ ብዛዕባ እዘን ካብ ሰኑይ ክሳዕ  ሰንበት ዘለዋ   መዓልታት ክነቕርብ ኢና ። ኣምላኽና እግዚኣብሔር ምኽሩን ጥበቡን ይግለጸልና።ኣሜን፡

ሰኑይ- —ማዕዶት ተባሂላ ትጽዋዕ።

ማዕዶት ማለት ምሕላፍ፡ምስጋር ማለት እዩ።በዚ ዕለት እዚ ብናይ ክርስቶስ ሞት ፡ስለና ክብል ብዝረኸቦ መከራ መስቀል ፡ዘፍሰሶ ደምን ዝተቖርሰ ስጋን ካብ ሞት ናብ ሂወት  ካብ   ጸልማት ናብ ብርሃን ፡ካብ ባርነት ናብ ናጽነት ካብ ሲኦል ናብ ገነት  ምስጋርና ይስበኽን ይንገርን።

ሰሉስ–-ቶማስ ተባሂላ ትጽዋዕ።

ሓደ ካብቶም ዓሰርተ ክልተ ሓዋርያት -ቶማስ ሃዋርያ ቅዱሳን ሃዋርያት ንጎይታና ረኺንብና ዮ  ካብ ምዉታን ተንሲኡ ኣብ ዝበልዎ ግዜ ዘይምእማኑን  ፡ጎይታ  ካብ ትንሳኤ ሰሙን  ኣብ ዘላ ዕለት ሰንበት ምስ ኩሎም ሃዋርያት ከሎ ብዕጹው ማዕጾ ኣትዩ ምግላጹን ነቲ ዝተፈጸመ ነገር ርእዩ  ቶማስ ምእማኑን ዝንገረሉ ዕለት እዩ።(ዮሓ20፡27-29)

ሮቡዕ-—ኣልኣዛር  ተባሂላ ትጽዋዕ።

 በዚ ዕለት እዚ ትንሳኤን ሕይወትን ዝኾነ ጎይታ ንኣልኣዛር ካብ ሞት ብስልጣኑ ከም ዘተንስኦ ዝዝከረሉ መዓልቲ እዩ።9(ዮሓ11፡1-44)

ሓሙስ —–ሓሙስ ኣዳም ትብሃል።ንኣቦና ኣዳም ዝተዋህቦ ተስፋን ዝተኣተወሉ ቃል ኪዳንን ምፍጻሙ እና  ዘከርና እነብዕሎ እዩ።

ዓርቢ -——ቅድስት ቤተ ክርስቲያን  ተባሂላ ትጽዋዕ።

ክርስቶስ ኣምላኽና ንቤተ ክርስቲያን ብሞቱን ብትንሳኤኡን ምምስራቱ፡ኣብ ክንድኣ ሂወቱ ኣሕሊፉ ምሃቡን ፡ዕጣርን ርኽሰትን ዘይብላ  ንጽህትን ቅድስት  ምግባሩ እዩ።ኣብዚ ክፍሊ እዚ ቤተ ክርስቲያን ክበሃል ከሎ ንህንጻ ወይ መንደቕ  ኣይኮነን ከመይ ክርስቶስ  ንህንጻዊ ቤተ መቕደስ ኣይሞተን ።

ቀዳም——-ቅዱሳት  ኣንስት ።

በዚ ዕለት ቅዱሳት ኣንስቲ ጸልማት ከይበላ ብድኻምን ብጻዕርን  ናብ  መቓብር ጎይታ  ሽቱ ክገብራ ምኻዳንን ቅድሚ ኩሎም ናይ ትንሳኤ ብመላእኽት ምብሳረንን ዝስበኸሉ ዕለት እዩ።(ማቴ28፡1-110)

ሰንበት(እሁድ)—-ዳግማይ ትንሳኤ ተባሂላ ትጽዋዕ።

በዚ ዕለት ክርስቶስ ኣምላኽና ንቅዱሳን ሃዋርያት ንሳልሳይ ግዜ ምግላጹን ስልጣን ምሃቡን ዝዝከረሉ ዕለት እዩ።(ሉቃ24፡36,ዮሓ20፡19-23)

ወስብሃት ለእግዚኣብሔር

ወለወላዲቱ ድንግል

ወለመስቀሉ ክቡር

ኣሜን።

Share this:
TwitterFacebook5

Related
ስብከት
ስብከት
ስብከት
May 9, 2013Leave a reply
« Previous
Next »
Leave a Reply
Your email address will not be published. Required fields are marked *
Name *
Email *
Website
Comment

Notify me of new comments via email.

Recent Posts

፳፮/26 ሓምለ ዕረፍቱ ለኣቡነ ሰላማ ከሳቴ ብርሃን/26th july the death of st.Aba Selama Kesatiebrhan August 2, 2014
፳፭/25 ዕረፍቱ ለሓዋርያ ይሁዳ July 2, 2014
፲፯/17 ዕለተ ዝክሩ ለኣባገሪማ/ 17th June The Commemoration Day of Aba Gerima June 24, 2014
፳፭/25 ግንቦት ዕረፍታ ለቅድስት ሰሎሜ June 2, 2014
ዕርገት እግዚእነ ወመድኃኒነ ኢየሱስ ክርስቶ (ቀዳማይ ክፋል) May 28, 2014
ዓውደ ኣዋርኅ

MAY 2013
M T W T F S S
« Apr   Jun »
  1 2 3 4 5
6 7 8 9 10 11 12
13 14 15 16 17 18 19
20 21 22 23 24 25 26
27 28 29 30 31  
Archives

August 2014
July 2014
June 2014
May 2014
April 2014
March 2014
February 2014
January 2014
December 2013
November 2013
October 2013
September 2013
August 2013
July 2013
June 2013
May 2013
April 2013
March 2013
February 2013
January 2013
Categories

ስብከት
ትምህርቲ ሃይማኖት
ነገረ ማርያም
ነገረ ቅዱሳን
ነገረ ክርስቶስ
ኪነ-ጥበብ
Uncategorized
View Full Site

Blog at WordPress.com.

Now Available! Download WordPress for Android

Advertisements

Leave a Reply

Fill in your details below or click an icon to log in:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out / Change )

Twitter picture

You are commenting using your Twitter account. Log Out / Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out / Change )

Google+ photo

You are commenting using your Google+ account. Log Out / Change )

Connecting to %s