WEDNESDAY, AUGUST 22, 2012
<>

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሃዱ አምላክ አሜን ።

እንቋዕ ናብ በዓለ ዕርገታ ለእግዝእትነ ቅድስት ድንግል ማርያም ብሰላም ኣብጸሓና!

ምስባክ

ቀደሰ ማኅደሮ ልዑል
እግዚኣብሔር ውስተ ማዕከላ ኢትትሐወከ
ወይረድኣ እግዚኣብሔር ፍጽመ። መዝ. ፵፭፡፬-፭/46፡4-5።
ሮሜ. 8፡31-ፍጻሜ። 2ይ ዮሓ. 1፡1-7። ግ.ሓዋ. 1፡12-15 ወንጌል ማቴ. 26፡26-31። 

<>

ጾመ ፍልሰታ ናይ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ዕረፍታን ትንሣኤን ዕርገታን ዝሕሰበሉ እዋን እዩ። ኣብዚ እዋን ናይ ምእመናን ካብ ከባቢኦም ርሕቅ ኢሎም ኣብ ዝተፈላለየ ገዳማት ብምዃድ ወይ ድማ ኣብ ከባቢኦም ዝረከብ ቤተክርስቲያን ተኣኪቦም ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት ንሓዋርያት ተገሊጻ ሞትን ትንሣኤን ዝገለጸትሉ ይዝክሩ። ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ን ኣዲኡ መንበር ጌሩ ቀዲሱ ምቁራቡን ይዝክሩ። ኣብዚ እዋን ብጾምን ጸሎትን ተወሲኖም ናይ ወዳ ለውሃት ናይ ድንግል ማርያም ኣማላድነት ይምኅጸኑ። ኩሉውን ከም ዝግበረሎም ይኣምኑ። ኣብ ናይ መወዳኣታ ሱባኤ ከኣ <> ኢሎም ብደስታን ሓጎስን ጾመ ፍልሰታ ይፍጽሙ።

ታሪኽ

    ኣብ ቅድስቲ ቤተክርስቲያን ዝርከቡ ቅዱሳት መጽሓፍቲ ከምዝነጉርናን ኣብ እዋን ጾመ ፍልሰታ ብብዝኂ ዝነገረሉ ናይ  ኣዴና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ዕረፍታ ከምዚ ይመስል።  ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ዕረፍታ ምስ ኣኸለ ሓዋርያት ናይ  ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ሥጋ ናብ ዝዓርፈሉ ጌቴሰማኒ መካነ ዕረፍቲ ሒዞማ እንዳኸዱ  ከለው፣ ኣይሁድ ብናይ  ቅንኣት መንፈስ ተላዒሎም  <> ኢሎም ብምምሃር ንኹሉ ህዝቢ ወሲዶሞ እዮም። ሕጂ ከኣ ስቕ ኢልና እንተገዲፍናዮም ንኣዲኡ’ውን ከም ወዳ ተንሢኣ ዓሪጋ እንዳበሉ እንዳምኃሩ ከይህውኹና ብምባል ብትዕቢትን ቅንኣትን መንፈስን ተላዒሎም ፣ <> ብምባል ተማኺሮም መጹ። ካብ መንጎኦም ከኣ ታውፋንያ ዝተባህለ ኣይሁዳዊ ጎበዝ መንእሰይ መሪጾም  ከቃጽል ለኣኽዎ። ንሱ ከኣ ነቲ ኣዴና ቅድስቲ  ድንግል ማርያም ሥጋኣ ዝዓረፈትሉ ክሕዝ ኢዱ ምስ ሰደደ ሓዞ ናይ  እግዚአብሔር ቅዱስ መልኣኽ መጺኡ ብሰይፊ ሓዊ ጌሩ ንኽልተ ኣእዳዉ ቆረጸን ። እተን ኣእዳዉ ከኣ ኣብቲ ዓራት ተንጠልጢለን ተረፋ። ታውፋንያ ሽዑ ንሽዑ ብዝገብሮ በደል ኣዝዩ ተጣዒሱ ናብ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ስለዝለመነን ዝተማኅጸነን ብሕቡእ ተኣምር  ነተን ዝተቆርጻ ኣእዳው  ብኢደ ቅዱስ ጴጥሮስ ጌራ ከም ዝነበርኦ ከም ቀደመን ጌራ ፈወሰትሉ።    

   ሽዑ መልኣኽ እግዚአብሔር ሥጋ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም  ምስ ሓዋርያ ቅዱስ ዮሓንስ ብሓንሳብ  ሒዙ ናብ ገነት ወሰዶም። ኣብ ትሕቲ ዕጸ ሂወት ከኣ ኣቀመጦም። ቅዱስ ዮሓንስ ድሕሪ ቁሩብ ግዜ ናብ ቅዱሳን ሓዋርያት ምስ ተመልሰ፣ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ኣብ ገነት ኣብ ትሕቲ ዕጸ ሕይወት ከምዝዓረፈት ነገሮም። ሓዋርያት’ውን ናይ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ሥጋ ረኺቦም ሓመድ ኣዳም ንምልባስ ካብ ዝነብሮም ክቱር ድሌት ዝተላዕለ ባሕቲ ነሓሰ ሱባኤ ጀሚሮም ክጾሙን ክጽልዩን  ድሕሪ ምቅናይ፣ ኣብ መበል ዓሰርተ ኣርባዕተ መዓልቲ (14) ኣብ መወዳእታ ካልኣይ ሱባኤ ኣምላኽና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ናይ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ሓድሽ ንኸዕርፉዋ ስለዝሃቦም ብዝዓበየ ዝማሬን ውዳሴን ብጽኑዕ ምህልላን ወሲዶም ኣቀዲሙ ኣብ ዝተዳለወላ መካነ ዕረፍቲ ኣብ ጌተሰማኒ ቀበርዋ።

 ናብ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ሥነ ሥርዓት መግነዝታን ቀብራን ኣብ ዝተፈጸመሉ እዋን ካብቶም ዓሰርተ ክልተ (12) ሓዋርያት ዝኾነ ቅዱስ ቶማስ ኣይነበረን ። ቅዱስ ቶማስ ካብ ሃገረ ስብከቱ ህንድኬ ብደመና ተጻዒኑ ናብ ኢዮርሳሌም እንዳመጸ ከሎ፣ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ካብ ዝተቐብረትሉ ኣብ መበል ሣልሳይ መዓልቲ ከም ትንሣኤ ወዳ ተንሢኣ ክትዓርግ ይረኽባ። ኣብቲ እዋን ንትንሣኤኣ ካልኦት ሓዋርያት ርእዮም ንሱ ጥራይ ዝተረፈ መሲልዎ ሓዚኑ <>  ቅድም ናይ ወድኺ ትንሣኤ፣ ሕጂ ድማ ናትኪ ትንሣኤ ከይረኣኹ እዚ ዕድል እዚ ንካልኣይ ግዜ ክስእኖ እንዳበለ ካብቲ ዝተጻዕኖ ደመና ክወድቅ ደለየ። ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ከኣ ብዘይክኡ ካልኦት ሓዋርያት ትንሣኤኣ ከምዘይረኣዩ እሱ ጥራሕ ትንሣኤኣ ከምዝረኣየ ብምንጋር 

ኣጸናንዓቶ። ከይዱ’ውን ንኹሉም ኣሕዋቱ ሓዋርያት ኩሉ እቲ ዝኾነ ክነግሮም ሓቢራ። ንምልክት ምእንቲ ምስክር ክዀኖ መግነዚ (ሰበን) ሂባቶ ናብ ሰማያት ዓረገት።  
   ቅዱስ ቶማስ’ውን ሓዋርያት ናብ ዘለውዎ ናብ ኢዮርሣሌም ምስ በጽሐ <> ኢሎም ነገርዎ። ንሱ’ውን ፈሊጡ ነቲ ምሥጢር ሓቢኡ። <> በሎም  <> ኢሎም ቅዱስ ጴጥሮስ እንዳመርሖም ናብቲ መካነ ዕረፍቲ ከርእይዎ ሒዞሞ ከዱ። ከርእይዎ ኢሎም መቓብር እንተኸፈቱ ከኣ ንኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም  ሰኣንዎ። በዚ ከኣ ሰንበዱ። ኣብቲ እዋን ቅዱስ ቶማስ <> ኩሉ እዚ ዝኾነ’ውን ብዝርዝር ነግሮም፣ ንምልክት ክኸወን ዝሃበቶ መግነዚኣ’ውን ኣርኣዮም። ኩሎም ሓዋርያት’ውን ነዚ መግነዝ ንበረከት ክኾኖም ቆሪጾም ተማቒሎም ነናብ ሃገረ ስብከቶም ከዱ።

   ኣብ ዓመቱ ድማ ንትንሣኤኺ ቅዱስ ቶማስ ርእዩ፣ ንሕና ንምንታይ ይተርፈና ኢሎም ባሕቲ ነሓሰ ሱባኤ ኣተዉ። ኣብ መበል 16 መዓልቲ ክልተ ሱባኤ ድሕሪ ምፍጻሞም ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ንዝለምንዎ ልመና ተቀቢሉ። ንኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም  መንበር ፣ ንቅዱስ ጴጥሮስ ንፍቀ ካህን፣ ንቅዱስ እስቲፋኖስ ገባሬ ሠናይ ዲያቆን ጌሩ ቀዲሱ ንኹሎም ድሕሪ ምቁራቡ፣ ንናይ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ዕርገት ንምርኣይ ኣብቂዕዎም እዩ።
ካብቲ እዋን እቲ ሓዋርያዊት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስቲያና ሥርዓት ሰሪዓ፣ ካብተን ሸውዓተ ኣጽዋማት ከም ሓደ ጌራ፣ ዓቢ ናይ በረኸትን ምሥጢርን መግለጺ ዝኾነ ጾመ ፍልሰታ ትጸውም።
ብጽኑዕ ንዝደልይዎን ኣኺሉን ተሪፉን ዝወሃብ ጸጋን በረከትን እግዚአብሔር ንምርካብ፣ ሓዋርያት ንዝረኣይዎ ዘደንቅ ምሥጢር ትንሣኤን ዕርገትን ናይ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ንምርኣይ፣ ካብ ናይ ቅዱሳን ሓዋርያት በረከት ንምስታፍ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ <> ይብሎም ዝነበሩ ሓዋርያት ኣብነት ብምግባር ህጻናት፣ መንእሰያት፣ ኣረጋውያን ኣቦታት ኣዴታት ምምጻእ ጾመ ፍልሰታ ብተስፋ እንንዳተጸበዩ በብዓመቱ ብጾምን ጸሎትን ምህለላን ስግደትን የሕልፍዎ።

  ኣብዚ እዋን መዘከርታ ትንሣኤን ዕርገትን ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም  (ጾመ ፍልሰታ) ብዙሓት ካብ ቤቶም ተፈሊዮም ብሱባኤ ተወሲኖም፣ ዓራቶም መንጸፎም ገዲፎም ኣብ መሬት ብምድቃስ፣ ጥረምረ ማይን ጥራሕ እንዳጠዓሙ ብጾምን ብጸሎት ብምትጋህ ብዓቢ ተጋድሎ ብምጻም በረኸት ይረኽቡ።

  ብኣጠቓላሊ ኣብ ሰሙነ ፍልሰታ ኣብ ቅድስቲ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተክርስቲያና ዘሎ ኩነታት ኩሉ ምእመናን ዓቢ ኮነ ንኡስ፣ ህጻን ኮነ ኣረጋዊ፣  ዘርእዮ ሃይማኖታዊን መንፈሳዊን ተግባራት ንኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ዘሎዎ ጽኑዕን ዓሙቅን ፍቕሪ ዘረጋግጽ እዩ።

ሞታን ትንሣኤኣን ከመይ እዩ ኢልና ምስ ንርኢ።

ናይ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ሞትን ትንሣኤን ነገረ ማርያም፣ ስንክሳርን ተኣምረ ማርያም ግልጺ ጌሮም ከምዘረድኡና ኣብ ጥሪ 21 ዓሪፋ። ብዛዕባ ቦታ ድማ ቅዱስ ያሬድ <> ብምባል ገሊጽዎ።

ናይ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም፣ ዕርገት ፍሉይ ዝኾነሉ ምሥጢር

ብመሠረት ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ትንሣኤ ጊዚያውን ዘልዓለማዊን ብምባል ይፍለጥ። ጊዚያዊ ትንሣኤ ዝብሃል ናይ እግዚአብሔር ከኃሊነት ዝግለጸሉ ተኣምራታዊ ስራሕ ኰይኑ ኣብ ዝተወሰኑ ሰባት ዝፍጸም እሞ ዳግማይ ሞት ዘስዕብ እዩ። ንኣብነት ኤልያስ ዘተሥአ ወዲ’ታ መበለት 1ይነገ.17.8-24።  ዓጽመ ኢልያስ ዘተሥኦ ሰብኣይ 2ይነገ. 13-21-21። ትንሣኤ ወለተ ኢያኢሮስን ማቴ. 9፣8-26። ኣብ ዕለተ ሥቅለት ካብ መቓብር ወጺኡ ኣብ ቅድስተ ከተማ ዝተረኣዩ ሙታን ማቴ.27፣52-53። ብናይ ቅዱስ ጴጥሮስ ጸሎትን ኣማላድነትን  ዝተንሥአት ጣቢታ ግ.ሓዋ.9፣36-41። ከሙኡ ከኣ ትንሣኤ ኣልኣዛር ምጥቃስ ይከኣል እዩ። 

ኣልኣዛር ድሕሪ ሙማቱ ኣብ መበል ራብዓይ መዓልቲ ከምዝተንሥአ ወንጌላዊ ቅዱስ ሉቃስ ጺሒፉ እዩ። <> ዮሓ.11፣43-44። ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ከተንሥኦ ከሎ ንኽሪእዩ ኣብቲ ከባቢ መቓብር ዝነበሩ ኣይሁድ ድሕሪ ሙማቱ ኣብ መበል ራብዓይ  መዓልቱ ምትሥኡ ብምርኣይ ተደኒቆም፣ ኣሓት ኣልኣዛር  ብጣዕሚ ተሓጎሳ። ሞተ ኣልኣዛር ግና ጊዚያዊ እዩ ኔሩ ኣብዛ ምድሪ ክነብረሉ ዝተዋህቦ ዕድመ ምስ ወደኣ ዳግማይ ዓሪፉ እዩ። ንመጻኢ ትንሣኤ ዘጉባኤ ይጽበ።

ናይ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ትንሣኤ ፍሉይ ናይ ክብርን ሕይወትን ትንሣኤ ክኸውን ከሎ ካልኣይ ሞት ዘየስዕብ እዩ። ትንሣኤ ዘጉባኤ’ውን ኣይጽበን እዩ። ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ናይ ትንሣኤና ቦኽሪ ኰይኑ ኣብ ሣልሳይ መዓልቲ ተንሢኡ። ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ብናይ ወዳ ሥልጣን ፣ ከም ወዳ ኣብ መበል ሣልሳይ መዓልታ ትንሣኤ ዘጉባኤ ከይተጸበየት ብኽብሪ ዓሪጋ እያ። ከምዚ ዝበለ ትንሣኤ ብጀካ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ካልኦት ቅዱሳን ወይ ነብያት ሓዋርያት ኣይረኸብዎን በዚ ምኽንያት ናይ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ትንሣኤ  ካብ ካልእ ፍሉይ ኰይኑ ንረኽቦ። እዚ ትንሣኤ ዘልዓለማዊ ዝዀነ ካብ ዳግማይ ሞት ነጻ ዝዀነ ትንሣኤ እዩ።
ብዛዕባ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ካብ መቓብር ምትንሥኣ ኣብ ነሓሰ 16 ዝንበብ መጽሓፈ ስንክሳር ከምዘረድኣና ኣቡኣ ዳዊት በገና እንዳደርደረ ፣ ዕዝራ’ውን ብመሰንቆ ፣ቅዱሳን መላእክት ፣ነብያትን ጻድቃንን እንዳመስገንዋ ብቡሩህ ደመና ናብ ሰማይ ዓሪጋ ኣብኡ’ውን ብኽብሪ ምስ ወዳ ኣላ። ኣብቲ ስፍራ ካልኣይ ሞት ወይ ሓዘን ስቕያትን ኣውያትን የለን። ራእ .21፣4-5።

ናይ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ዕርገት ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ከምዝተገልጸ ካብ ናይ ሄኖክን ኤልያስን ዕርገት ዝተፍለየ እዩ። ሄኖክ ናብ ሰማይ ዝዓረገ ኣብ ምድሪ ከሎ ንእግዚአብሔር ብእምነትን ጽቡቅ ምግባርን ስርሑን ደስ ስለዘበሎን ብኹሉ ስርሑ ቅዱስ ኰይኑ ስለዝተረኽበ ሞት ከይረኣየ ዓሪጉ። ንመጻኢ ግና ሞት ይጽበዮ እዩ ሞይቱ’ውን ትንሣኤ ዘጉባኤ ከድልዮ እዩ። > እብ.11፣5።

ነብየ እግዚአብሔር ኤልያስ ብእሳት ሠረገላ ናብ ሰማይ ዓሪጉ እዩ። <> 2ይነገ. 2፣10። ነብየ ኤልያስ ዋላ ብእሳተ ሠረገላ ይዕረግ ንመጻኢ ሞት ይጽበዮ እዩ። ትንሣኤ ዘጉባኤ የድልዮ እዩ።

ቅዱስ ያሬድ ኣብ ድርሰቱ ብዛዕባ ዕርገታ ከምዚ ብምባል ይገልጾ። > ብምባል ኣረዲኡና እዩ።

ናይ ኣቦታትና ተስፋ ዝተፈጸመላ ናይ ድኅነትና ምኽንያት ዝዀነት ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ብረድኤታ ኣይትፈለየና። ብቓል ኪዳና ኣምላከ ቅዱሳን እግዚአብሔር ይሓልወና። እግዚአብሔር ናይ ኣዲኡ ፍቕሪ ኣብ ልብና ውዳሴኣ ድማ ኣብ ልሳንና የሕድረልና። አሜን ። 

ናይ ትንሣኤና ቦኽሪ ዝኾነ ኣምላኽና መድኃኒና ኢየሱስ ምሕረቱን በረኸቱ ይሃበና፣ ናይ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ኣማላድነት ኣይፈለየና። አሜን ።

(For those who do not have Geez, please visit this link) MOTSE LEMEWATI YDELU MOTA LEMARIAM YEHATSIB LEKULU 

ወስብሓት ለእግዚአብሔር፣
ወለወላዲቱ ድንግል፣
ወለመስቀሉ ክቡር።
አዘክሪ ድንግል at 9:59 AM
Share



Home
View web version
ERITREAN ORTHODOX TEWAHIDO CHURCH
Kana Zegelila
አዘክሪ ድንግል
Powered by Blogger.

Advertisements

Leave a Reply

Fill in your details below or click an icon to log in:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out / Change )

Twitter picture

You are commenting using your Twitter account. Log Out / Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out / Change )

Google+ photo

You are commenting using your Google+ account. Log Out / Change )

Connecting to %s