Menu

ዘኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ መድሃኔ ኣለም ቤ/ክ ማኀበረ ማርያም እስራኤል
ነገረ ማርያም
ነገረ ማርያም.

ዮም ፍስሃ ኮነ በእንተ ልደታ ለማርያም!!!

በስመ  ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ  ኣምላኽ ኣሜን።

ቅድስት ድንግል ማርያም ካብ ኣቡኣ ኢያቄም (ካብ ወገን ይሁዳ ዝተወልደ ) ካብ ኣዲኣ ሃና( ካብ ወገን ካህናት ) እያ ተወሊዳ ።ብዛዕባ ልደታ ኣብ እንሓስበሉ ግዜ ንድሪት ምልስ ኢልና ምርኣይ የድልየና።እንሆ ኣቡኣ ኢያቄምን ኣዲኣ ሃናን  ብሕጊ እግዚኣብሔር ዝምርሑ፡ሕያዎትን ርህሩሃትን ነበሩ ፡፥እንተኾነ ሃና መኻን ነበረት እሞ ውላድ ኣይነበሮምን። ውላድ እኳ እንተ ዘይነበሮም ንዕኡ ካብ ምምስጋንን ንድኻታት ካብ ምሕጋዝን ግን ዓዲ ውዒሎም ኣይፈልጡን።ከምዚ ኢሎም ንብዙሕ ግዜ ቀጸሉ። ኩሉ ግዜ መባእን መስዋዕትን ናብ ቤተ እግዚኣብሔር የቕርቡ፡ ብተስፋ ካኣ ይነብሩ ነበሩ እንተኾነ  መኻናት ብምንባሮም ህዝቢ ኣይሁድ ኩሉ ግዜ የባጭውሎም ነበሩ።

ሓደ ግዜ ኢያቄም ምስ ሰበይቱ ሃና ካብ ቤት ወጺኦም ከዱ እሞ ኣብ ሓደ ኣታኽልቲ ዝነበሮ ስፍራ ኮይኖም ክጽልዩ ከለዉ እንሆ ርግቢት ምስ ውላደን ክጻወታ ረኣዩ፡ደስ ምባለን ካኣ ተዓዘቡ ፡በዚ ሰዓት እዚ ኣዝዮም ተከዙ “ነዘን ርግቢት ውላድ ዝሃብካ ንዓና ውላድ ዘይብልና” ኢሎም ኣዝዮም ሓዘኑ፡ ካብ ብዝሒ ሓዘኖም ዝተላዕለ ካኣ ኣብቲ ዝነበርዎ ቦታ ድቃስ ወሰዶም እሞ ደቀሱ።

ሃና ደቂሳ ከላ  ኣብ ኢድ ኢያቄም ሰብኣያ በትሪ ተታሒዛ ፡እታ በትሪ ድማ ዓምቢባን ፈርያን ርኣየት።ኢያቄም እውን ብወገኑ  ኣብ ሕቑፊ ሃና ፡ካብ ኩሉ ፍረ ዝበለጸ   ሰናይ ጥዑም ፍረ ረኣየ።

ካብ ድቃሶም ምስ ነቕሑ ድማ ደስ በሎም ።ነቲ ዝረኣይዎ ካኣ ንሓድሕዶም ተነጋገሩ።በዚ ኩሉ ነገር ንእግዚኣብሔር ኣዝዮም እና ኣመስገኑ ካኣ ናብ ቤቶም ተመልሱ።በቲ ግዜ ሃና ጠነሰት።ስለቲ እግዚኣብሔር ዝገበረላ ዓቢ ውዕለት ካኣ ኩሉ ግዜ ንእግዚኣብሔር እና ኣመስገነት ካብ ርኹስ ዘበለ መግቢ እውን እና ተሓለወት ትነብር ነበረት።

ድሕሪ ሽዱሽተ ወርሒ ናይ ሃና ጥንሲ  እና ተፈልጠ ከደ።ነዚ ዝሰምዑ ቤተሰባ እቲ ዝኾነ ነገር ንምርኣይ ኩሎም ብሓባር ናብ ቤት ኢያቄምን ሃናን መጹ።እዚ ነገር እዚ ከመይ እዩ ኣብ እርግናኺ ብሓቂ ጠኒስኪ !! እና በሉ ካኣ ተገረሙ።ንምርግጋጽ ዝኣክል ካኣ ከብዳ ይድህስሱ ነበሩ።ሓንቲ ካብ ኣዝማድ ኣዲኣ ንቅድስት ሃና ጓል ኣርሳባን ፡ዓይና ዝዓወረት ነበረት እሞ ከብዳ ምስ ዳህሰሰት ፡ብቅጽበት ሓወየት፡ንብጽእት ሃና ድማ ብጽዓን ይግብኣኪ ፡ዓለም ካብ ዝፍጠር ከማኺ ብማሕጸኑ ናይ ዕዉራት ዓይኒ ዘብርህ የለን በለታ።ኩሎም ኣዝማዳ ድማ ሰገዱላ።ጸሓይ ካብ ኮኾብ ከም እትኸብር  ኣብ ቅድሚ ኩላቶም ኣዝያ ከበረት።ንብዙሓት ሕሙማትን ድኑሳትን ካኣ በታ ኣብ ማሕጸና ተጸይራ ዝነበረት ልዕሊ ኩሉ ፍጥረት ዝኾነት ቅድስት ድንግል ማርያም ተፈወሱ።

ነዚ ዝሰምዑ እስራኤላውያን፡ እንሆ ሃና  ሰበይቲ ኢያቄም ጠኒሳ ፡ብጥንሳ ጌይራ ካኣ ብዙሓት ሕሙማት ትፍውስ ኣላ ስለዚ ኣብ ልዕሌና ክነግሱ መንግስቲ እስራኤል ካኣ ከፍርሱዶ እዮም፧ ብምባል ኣዝዮም ተረበሹ ።ኣብ መወዳእታ ካኣ ብዳርባ እምኒ ክቐትልዋ ተቛጸሩ።እንተኾነ ቅዱስ እግዚኣብሔር ኣምላኽ እቲ ፈጣን መልኣኽ ቅዱስ ገብሪኤል ናብ ሃናን ኢያቄምን ንረዲኤት ለኣኾ።ሒዝዎም ካኣ ናብ ደብረሊባኖስ ከደ።እቲ ብጥበበኛ ሰሎሞን ዝተባህለ ቃል መታን ክፍጸም ካኣ ቅድስት ድንግል ማርያም ብሓደ ግንቦት ኣብ ደብረ ሊባኖስ ተወልደት።

“” ኣቲ ፍትውተይ ኩሉንትናኺ  ጽብቕቲ ኢኺ ሕፍቲ’ውን  የብልኪን፡ካብ እምባ ሊባኖስ ምሳይ ንዒ ፡ኣቲ መርዓተየ ካብ ሊባኖስ ምሳይ ንዒ ፡ካብ እምባ ኣማናን  ካብ እምባ ሰኒርን ሄርሞንን ካብ ማህደር ኣናብስን ካብ ኣኽራን ኣናብርን  ንዒ ውረዲ።””(መሃ 4፡7-8)

ብልደት ቅድስት ድንግል ማርያም ጩራ ድሕነት ተጀመረ ።ነዚ ርእዮም ኩሎም ኣዝማዳ ተሓጎሱ ከምኣ ዝኣመሰለት ጽብቕት ውላድ ርእዮም  ስለዘይፈልጡ ካኣ ኣዝዮም ባህ በሎም።ንሸውዓተ መዓልቲ ዝኣክል ካኣ ብሓብር ንኣምላኽ ኣመስጊኖም ናብ ዓዶም ተመልሱ።

ብድሕሪ እዚ ስድራቤታ ብጽቡቕ እና ተኻናኸኑ ክሳዕ ሰለስተ ዓመት ኣዕበይዋ።ልክዕ ሰለስተ ዓመታ ምስ  መልኤት ግና ከምቲ ኣቐዲሞም ዝኣተውዎ መብጽዓ ብሰለስተ ታሕሳስ  ናብ ቤተ መቕደስ ኣምላኽ ወሰድዋ።ኣብ ቤተ መቐደሰ ኣምላኽ ብንጽህናን ብቕድስናን ካኣ ነበረት።

ሕጂ ውን ብልደታ ደስ ክብለና ይግባእ።ከመይ ቅድስት ድንግል ማርያም ንዓና ምኽንያት ድሕነትና እያ።ካብ ሞት ናብ ሂወት ፡ካብ ጸልማት ናብ ብርሃን ዘሰጋገረና ኣምላኽና ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ድንግል ማርያም ብዝወሰዶ ንጹሕ ስጋን ነፍስን ብተዋሃዶ ምስ መለኮት  ሓደ ኣካል ሓደ ባህርይ ብምዃን ኣብ ኣደባባይ ቀራንዮ ጥራሕ ዕራቖቱ ተሰቒሉ ፡ደሙ ኣፍሲሱ ፡ስጋኡ ቆሪሱ እዩ። ስለዚ እግዚኣብሔር ወልድ ፡መለኮታዊ ቃል፡ ንዓና ንምድሓን ፡ሰብ ዝኾነሉ ናይ ተዋህዶ ምስጢር ካብ ቅድስት ድንግል ማርያም ሰብ ዘብሎ መላእ ሰብነት ብምውሳድ እዩ።ነዚ እያ ካኣ ቅድስት ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ንቅድስት ድንግል ማርያም ምኽንያት ድሕነትና  ኢላ እትኣምን።

ደጊምና ቅዱስ እግዚኣብሔር ነዛ ክብርቲ ኣደ ስለ ዝሃበና ዝኸበረን ዝተመስገነን ይኹን።ምኽንያት ድሕነትና ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ብጸሎታ ብረዲኤታ ትሓልወና።ጣዕማ ፡በረኸታ ፡ፍቕራ ካብ ሕጂ ክሳዕ ዘልኣለም ምስኩላትና ናይ ቀራንዮ ደቃ ይኹን ።ኣሜን!!!

ንዓመታ ብሃይማኖትን ብምግባርን  ሓልዩ ከጽንሓና ናይ ኣምላኽና ናይ እግዚኣብሔር ቅዱስ ፍቓዱ ይኹነልና፣ኣሜን!!!

ወስብሃት ለእግዚኣብሔር

ወለወላዲቱ ድንግል

ወለመስቀሉ ክቡር

ኣሜን!!!

Share this:
TwitterFacebook5

Related
ነገረ ቅዱሳን
In “ነገረ ቅዱሳን”
ነገረ ማርያም
In “ነገረ ማርያም”
ነገረ ቅዱሳን
May 10, 2013Leave a reply
« Previous
Next »
Leave a Reply
Your email address will not be published. Required fields are marked *
Name *
Email *
Website
Comment

Notify me of new comments via email.

Recent Posts

፳፮/26 ሓምለ ዕረፍቱ ለኣቡነ ሰላማ ከሳቴ ብርሃን/26th july the death of st.Aba Selama Kesatiebrhan August 2, 2014
፳፭/25 ዕረፍቱ ለሓዋርያ ይሁዳ July 2, 2014
፲፯/17 ዕለተ ዝክሩ ለኣባገሪማ/ 17th June The Commemoration Day of Aba Gerima June 24, 2014
፳፭/25 ግንቦት ዕረፍታ ለቅድስት ሰሎሜ June 2, 2014
ዕርገት እግዚእነ ወመድኃኒነ ኢየሱስ ክርስቶ (ቀዳማይ ክፋል) May 28, 2014
ዓውደ ኣዋርኅ

MAY 2013
M T W T F S S
« Apr   Jun »
  1 2 3 4 5
6 7 8 9 10 11 12
13 14 15 16 17 18 19
20 21 22 23 24 25 26
27 28 29 30 31  
Archives

August 2014
July 2014
June 2014
May 2014
April 2014
March 2014
February 2014
January 2014
December 2013
November 2013
October 2013
September 2013
August 2013
July 2013
June 2013
May 2013
April 2013
March 2013
February 2013
January 2013
Categories

ስብከት
ትምህርቲ ሃይማኖት
ነገረ ማርያም
ነገረ ቅዱሳን
ነገረ ክርስቶስ
ኪነ-ጥበብ
Uncategorized
View Full Site

Blog at WordPress.com.

Now Available! Download WordPress for Android

Advertisements

Leave a Reply

Fill in your details below or click an icon to log in:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out / Change )

Twitter picture

You are commenting using your Twitter account. Log Out / Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out / Change )

Google+ photo

You are commenting using your Google+ account. Log Out / Change )

Connecting to %s