THURSDAY, JULY 12, 2012
ሰማዕተ ጽድቅ ጴጥሮስ ወጳውሎስ
በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሃዱ አምላክ አሜን።
እንቋዕ ናብ በዓለ ቅዱሳን ሓዋርያት ሰማዕተ ጽድቅ ጴጥሮስ ወጳውሎስ ኣብጽሓና።

ሰላም እብል ብርሃናተ ክልኤተ።
በዐጸደ ንጉሥ ኔሮን እለ ፈጸሙ ሩጸተ።
ጳውሎስ ወጴጥሮስ እንዘ ይጸውሩ ፀበርተ።
አሐዱ በመስቀል ተሰቅለ ቁልቁሊተ።
ወአሐዱ ተመትረ ክሳዶ ክብርተ።
መልክአ ጴጥሮስ ወጳውሎስ

ሰላም ለዝክረ ስምኩም ዘአልባስጥሮስ አፈው።
ወለሥዕርትክሙ ጸሊም ዘድላሌሁ ፍትው።
ምቱረ ክሳድ ጳውሎስ ወጴጥሮስ ቅንው።
ተራወጸ ውስተ ልብየ ምስለ መዓዛሁ ቅድው።
ቃለ ደምክሙ ሐዋርያ ዘእግሩ ከዋው።
መልክአ ጴጥሮስ ወጳውሎስ

ምስባክ
አልቦ ነገር ወአልቦ ነቢብ ዘኢተስምዐ ቃሎም
ውስተ ኩሉ ምድር ወጸአ ነገሮሙ
ወእስከ አጽናፈ ዓለም በጽሐ ነቢቦም።
መዝ. 08-3 (19-4)
ወንጌል ሉቃ 6፡1-20። ግ.ሓ. 23፡10- 2ይጢሞ 4፡1 2ይ ጴጥ 1፡1-19

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሃዱ አምላክ አሜን፣
ሰማዕተ ጽድቅ ጴጥሮስ ወጳውሎስ

ናይ ቤተክርስቲያን ጉዕዞ ኩሉ ግዜ ኣብ መስቀል እዩ። እዚ ናይ መስቀል ጉዕዞ ድማ መሥዋእትነት ( መከራ ምቅባል) ይሓትት። ካብዚ ብምብጋስ ዝተመትሩ፣ ብመጋዝ ዝተተርተሩ፣ ኣብ እቶን ሓዊ ዝተደርበዩ ፣ ንኣናብስት ዝተዋህቡ ብሓፈሻዊ ብብዙሕ ዓይነት ፈተና ዝተፈተኑ ቅዱሳን ሓዋርያት ኣለዉ። ካብዚኦም ሓዋርያት ድማ ብቀንዲ ዝጥቀሱ ቅዱስ ጴጥሮስን ቅዱስ ጳውሎስን እዮም። <>  ዝብል ናይ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ቃል መምርሒ ብምግባር ንቤተክርስቲያን ኩሉ ጌሮም፣ ኩሉ ኮይኖም ናይ ሰማእትነት ጽዋእ ተቀቢሎም እዮም።

ቅዱስ ጴጥሮስን ቅዱስ ጳውሎስን ናይ ቅድስቲ ቤተክርስቲያና ኣእማድ እዮም። ኣብ ቅድስቲ ቤተክርስቲያና ከኣ ዓቢ ቦታ ኣለዎም። እዚ ከኣ ዝኾነ ንቤተክርስቲያና ኣብ ቤተክርስቲያናን ዝፈጸምዎ  ኣገልግሎትን ዝተቀበልዎ ሰማእትነትን እዩ። ቅዱሳት መጽሓፍቲ ከኣ እቲ ኣብነታዊ ዝኽሪ ታሪኾም ንዓና ንኣብነት ክኸወን ኣስፊሮሙልና እዮም። ታሪኾምን ፍልጠቶምን መንፈሳዊ ኣገልግሎቶምን ንዕና ከኣ ዓቢ ኣብነት እዩ። ከም እግዚአብሔር ኣምላኽ ፍቓድ ናይዞም ክልተ ቅዱሳን ኣቦታት ታሪኽ ፍልጠትን መንፈሳዊ ኣገልግሎት ካብዚ ብምቅጻል ንርአ።

1. ቅዱሳን ሓዋርያት ጴጥሮስ ወጳውሎስ ክጽውዑ ከለዉ ዝነበርዎ ሕይወት

ሓዋርያት ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ባሕሪ ገሊላ ማዕዶ ትርከብ ቤተሳይዳ ክውልድ ከሎ። ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ግና ኣብ ጤርሰስ ከተማ ተወሊዱ። ሓዋርያ ቅዱስ ጴጥሮስ ምስ ሓዉ እንድርያስ ከሎ ኣብ ባሕረ ገሊላ ዓሳ እንዳገፈፈ ከሎ እዩ ተጸዊዑ። ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ድማ ኣብ መብል 15 ዓመቱ ኣብ ምስ መምህረ ኦሪት ገማልያ ትምህርቲ ተማሂሩ ናይ ኣይሁድ ሕግን ሥርዓትን ከኣ ተማሂሩ።  ኣብ መበል 30 ዓመቱ  ከኣ ኣባል ባይቶ ኮይኑ፣ 1ይቆረ. 1፣ 17- ግ.ሓዋ.22-3።

2. ናይ እግዚአብሔር መጸዋዕታን ናይ ክልቲኦም ቅዱሳን ሓዋርያት መልሲ

እግዚአብሔር ኣምላኽ ንኹሉ ወዲ ሰብ ንቅድስና ንምግባረ ትሩፋትን ንሰማእትነት ኣብ ዝተፈላለየ ዘመናት ጸዊዑ እዩ።መጸዋዕታ ኡ ሰሚዖም ንዝተጸወዕሉ ዓላማ ተረዲኦም፣ ከም ናቱ ፍቓድ ዝተጋዕዙ ውሑዳት ኣይኮኑን። ማቴ. 22፣14። ካብ ዚኣቶም ከኣ ቅዱስ ጴጥሮስን ቅዱስ ጴጥሮስን እቶም ቀንዲ እዮም።
እዚኦም ናይ ቅድስቲ ቤተክርስቲያና ሓዋርያት ን ኣገልግሎት ዝተጸውዕሉ መገዲ ከምዚ ዝስዕብ እዩ። ቅዱስ ጴጥሮስ ምስ ሓዉ እንድርያስ ኣብ ባሕረ ገሊላ ጌንሴሬጥ ኣብ ትበሃል ዓዲ ዓሳ ይገፍፍ ኔሩ። ኣብዚ እዋን ኣምላኽና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ < ብምባል ሓዋርያ ቅዱስ ጴጥሮስ ምስ ሓዉ እንድርያስ ጸዊዕዎም። ማቴ.4፣18። በዚ መሰረት ነተን ዝነበርኦ ንብረት መነባበሪኡ መርበብን ጃልባን ከሙኡ ከኣ ንኣቡኡ ገዲፉ ንጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ሲዒብዎ። ንሓዋርያዊ ኣገልግሎት ክሕጸ ከሎ ወዲ 55 ዓመት ከም ዝነበረ ቅዱሳት ናይ ቤተክርስቲያና መጽሓፍቲ ይነግሩና።

ዋላ እኳ ቅዱስ ጳውሎስ ምስ ቅዱስ ጴጥሮስ ዝተጸውዕሉ ኣገልግሎት ዓላምኡ ዋላ ሓደ እንተኾነ ዝተጸውዓሉ መገዲ ግና ካብ ናይ ቅዱስ ጴጥሮስ ብጣዕሚ እዩ ዝፍለ። እዚ ከኣ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ዘምህረሉ ዘመን ቅዱስ ጳውሎስ ከም ቅዱስ ጴጥሮስ ምስ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ  ክርስቶስ ኣይነበረን። ብቀጥታውን ካብ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ  ክርስቶስ ኣይተመሃረን። ኣብቲ እዋን ግን ኣብ ኢዮርሳሌም ስለ ዝነበረ ናይ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ  ክርስቶስ ኣገልግሎት ይፈልጥ ኔሩ እዩ። ንኦሪትውን ኣዝዩ ቀናኢ ብምዃኑ ንክርስቲያን ኣብ ዝኾነ ኣጋጣሚ ይቓወሞም ኔሩ። ኣብ መበል 32 ዓመቱ ካብ ኢዮርሳሌም 123 ኪሎሜትር ርሕቀት ብወገን ሰሜን ትርከብ ናይ ደማስቆ ከተማ ብዙሓት ክርስቲያናት ምንባሮም ምስ ሰምዐ፣ ንክርስቲያን ከሳድድ ከሳጉጎም ዝኽእል  ናይ ፍቓድ ደብዳቤ  ካብቶም ሰበ ሥልጣን ረኸበ። እሱ’ውን ንክርስቲያን ከሳድድ ናብ ደማስቆ ገጹ ኣምርሐ ። ኣብ መግዲ እንዳኸደ ከሎ ካብ ሰማይ ብርሃን ወረደ ኣብ ዙርያኡ ኣንጸባረቐ ። ቲ’ዝወረደ ብርሃን ነጸብራቅ ንቅዱስ ጳውሎስ ናብ መሬት  ኣውደቖ ። ኣብቲ ብርሃን ውሽጢ <> ዝብል ኣምላኻዊ ድምጺ ሰምዐ። ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስውን <> ኢሉ ሓተተ። ንዝሓተቶ ሕቶ <>  ዝብል መልሲ ረኸበ። ቅዱስ ጳውሎስ እንዳተንቀጥቐጠ ኣብቲ ዝወደቐሉ ኮይኑ <> ኢሉ እሱ ክገብሮ ዝግባእ ነገር ሓተተ። ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ  ክርስቶስ ከኣ ተሢእካ ናብ ደማስቆ ኪድ ኢሉ ናብ ካህኑ ኃናንያ ለኣኾ። ግ.ሓዋ.  9፣1።

ቅዱስ ጳውሎስ ብኸምዚ መልክዕ ናይ እግዚአብሔር መጸዋዕታ ተቀቢሉ ብኢደ ካህኑ ኃናንያ ተጠሚቑ ናብ ማኅበር ሓዋርያት ተጸንበረ። ኣቐዲምና ከምዘረኣናዮ ቅዱስ ጴጥሮስ ናይ ቀደም ግብሩ ኩሉ ገዲፉ ንኣምላኽና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ከምዝሰዓቦ ቅዱስ ጳውሎስ’ውን ናይ ቅድም ኩሉ ግብሩ ገዲፉ ናይ ኣምላኽና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ሰዓብቲ ምስ ዝኾኑ ቅዱሳን ሓዋርያት ተጸንበረ። ከም ቅዱሳን ሓዋርያት ንናይ ኣምላኽና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ መጸዋዕታ መልሲ ሃበ። 

ቅዱስ ጳውሎስ ዝተጸውዐ ሰለስተ ግዜ እዩ። ዝተጸውዐውን ብአብ ብወልድ ብመንፈስ ቅዱስ ስም እዩ። ናቱ መጸዋዕታ ናይ አብ መጸዋዕታ ኣብ ማህጸን ኣዲኡ ከሎ እዩ። እዚውን ባዕሉ ቅዱስ ጳውሎስ ክገልጾ ከሎ<> ብምባል ኣብ ገላ. 1፣15-16። በዚ ከኣ አብ እግዚአብሔር ብዝብል ኣምላኻዊ ስሙ ከምዝጸውዖ ብምሥጢር ንርዳእ። እቲ ካልኣይ መጸዋዕታ ብእግዚአብሔር ወልድ እዩ። ኣቐዲሙ ከም ዝተገልጸ ኣብ ደማስቆ ኣምላኽና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ንምንታይ እትሰጎኒ ኢሉ ብጸዳለ ብርሃን ዝተገልጸሉ ዳሕራይ ናብ ካህኑ ኃናንያ ዝለኣኾ። ኣብቲ እዋን ኣምላኽና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ንቅዱስ ጳውሎስ ከመይ ከምዝመረጾ ንካህኑ ኃናንያ ከረድኦ ከሎ > ብምባል እዩ። ግ.ሓዋ.9፣15።  

ቅዱስ ጳውሎስ ብአብን ወልድን ጥራይ ዘይኮነ ብመንፈስ ቅዱስ’ውን ንኣገልግሎት ዝተመርጸ እዩ። እዚ ዝኾነ ከኣ መንፈስ ቅዱስ ንኣቦታትና < ግ,ሓዋ.13-1። ኣብ ዝበለሉ እዋን እዩ። ኣብቲ እዋን  <> ብዝብል ኣምላኻዊ ቃል መሠረት እዩ። ግ.ሓዋ. 13፣3-4።  ናይ ቅዱስ ጳውሎስ መጸዋዕቱኡ መጸዋዕታ ጥራሕ ዘይኮነ ምሥጢረ ሥላሴ ዝተገልጸሉ እዩ። ብናቱ ምምራጽ ውሽጢ ናይ ቅድስት ሥላሴ ሓድነትን ሰለስትነትን ተገሊጹን ተመኪሩን እዩ።

3. ናይ ኣገልግሎት መደቦም

ግብረ ሓዋርያት ዝጅምር ብቅዱስ ጴጥሮስ ክኸውን ከሎ ናይ ምዕራፉ መፈጸምታ ድማ ብቅዱስ ጳውሎስ ኣገልግሎት እዩ። በዚ መሠረት ቅዱስ ጴጥሮስ ንኣይሁድ (ንዝተገዘሩ) ብኣቦነት ክሕልዎም ክሽየም ከሎ። ብተመሳሳሊ ድማ ቅዱስ ጳውሎስ ንኣህዛብ (ዘይተገዝሩ) ክሕልዎምን ከምህሮምን ተሸይሙ። ብዛዕባ እዚ ነገር ቅዱስ ጳውሎስ ንሰብአ ገላትያ ኣብ ዝጸሓፎ መልእኽቲ <> ብምባል እዩ ዝገለጾ። ገላ.2፣7-9። 

በዚ መደቦም መሰረት ሓዋርያ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ኢዮርሳሌም ፣ ኣንጾክያ ፣ ይሁዳን ሰማርያን ከምእ’ውን ኣብ ስደት ዝነበሩ ኣይሁድ መንግሥተ እግዚአብሔር ክሰብክ ቅዱስ ጳውሎስ ድማ፣ ኣብ ቆጵሮስ፣ መቅዶንያ፣ ግሪኽ ፣ተሰሎንቄ፣ ፊሊጰስዮስ ፣ቆሮንጦስን ኤፊሶንን ሮማን ኣብ ካልኦት ቦታታት ሰቢኹ እዩ። ቅዱስ ጴጥሮስን ቅዱስ ጳውሎስን ኣብዚኦም ከባቢታት ዝነብሩ ህዝብን ኣህዛብን ተኸፋፊሎም ከምህሩ ናይ ገዛእርእሶም ከባቢያዊ ተጨባጢ ኩነታት ይጥቀሙ ኔሮም እዮም።

ቅዱስ ጴጥሮስ ናይ ኣይሁድ መምህር ከም ምዃኑ መጠን ኣብ ስብከቱን መልእኽቱን ኣዘውቲሩ ካብ ብሉይ ኪዳንን ካብ መዝሙር ዳዊት ዝተፈላለዩ ጥቅስታት ይጥቀም ኔሩ። ሓዋርያት መተካእታ ኣስቆሮታዊ ይሁዳ መተካእታ ሰብ ክመርጹ ከለዉ ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ብዛዕባ እሱ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ መዝሙር መጽሓፍ <> ብምባል ነብየ እግዚአብሔር ቅዱስ ዳዊት ዝተዛረቦ ጠቒሱ እዩ ተዛሪቡ። ግ.ሓዋ. 1፣20-22። መዝ. 69-25። መዝ.109-8።

ካብዚ ተወሳኺ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ በዓለ ሃምሳ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ልዕሊ ሓዋርያት ድሕሪ ምውራዱ ነበየ እግዚአብሔር ዩኤል ብዛዕባ እግዚአብሔር መንፈስ ቅዱስ ኣብ ምዕራፍ 2፣2-32። ዘሎ ብምጥቓስ እዩ ጺሒፉ። እዚ ከኣ <> ዝብል እዩ። ግ,ሓዋ.2፣17-21። ከሙኡ ከኣ ብተመሳሳሊ መልክዕ ቅዱስ ጴጥሮስ ካብ መዝሙረ ዳዊት ጠቒሱ ተዛሪቡ እዩ።

እዚ ከኣ ቅዱስ ዳዊት <> ዝብል ኣብ መዝ.16፣8። ዝርከብ ኪኸውን ከሎ፣ እዚ ከኣ ብጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ምፍጻሙ ንኸረጋግጹልና ዝተጠቐሰ እዩ።

ካብዚ ብዝተወሳኺ ቅዱስ ጴጥሮስ ካብ ብሉይ ኪዳን ብምጥቃስ ዝተፈላለዩ ጥቅስታት ኣብ ክልቲኡ መልእኽታቱ ተጠቒሙ እዩ። ብኻልእ መልክዕ ድማ ቅዱስ ጳውሎስ ከም ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ መልእኽታቱ ውሽጢ ናይ ብሉይ ኪዳን ጥቅሲ ብዙሕ ኣይጠቀሰን። ጠቂሱ ዝበሃል ኣብ እብራውያን መልእኽቱ ጥራሕ እዩ።እዚ ካብ ብሉይ ኪዳን ጥቅሲ ምጣቃስ ዘይምጥቃስን ዝተፈጥረ ናይ ትምህርቶም ኣተኩሮ ኣንፈት ምስ ዝኾኑ ኣህዛብን ህዝብን ምኽንያቱ ምዃኑ ንርዳእ።

4. ኣምላኽና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስን ክልቲኦም ሓዋርያት

 ሓዋርያ ቅዱስ ጴጥሮስ ካብ ዓሰርተ ክልተ ሓዋርያት ሓደ ኪኸውን ከሎ ፣ ቅዱስ ጳውሎስ ድማ ካብ ዓሰርተ ክልተ ሓዋርያትን ካብ ሰብዓን ክልተ ኣርድእቲ ኣይኮነን። ቅዱስ ጴጥሮስ ካብ ዓስርተ ክልተ ሓዋርያት ወገን ምዃኑ ምስ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ንኽራኸብ ጌርዎ እዩ። ምስኡ ከኣ በሊዑን ሰትዩን እዩ። ካብ ዘመነ ሥጋዌ ስጋብ ዕርገቱ ሓቢሩ ብምዃን ናይ ቃሉ ትምህርቲን ስብከቱን ሰሚዑ እዩ። ናይ ኢዱ ተኣምራትውን ርእዩ እዩ።
ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ግና እዚ ዕድል በቲ ግዜ ብእዋኑን ከም ቅዱስ ጴጥሮስ ኣይረኸቦን። እሱ ኣብቲ እዋን ንቤተክርስቲያን የሳድድ ኔሩ። 1ይጢም፣1-። ዳሕራይ ግና ቅዱስ ጳውሎስ ብኣስዳድነቱ ኣይቀጸለን። በዚ ከኣ ንክርስቶስ ፈሊጥዎ፣ ብራእይ’ውን ተራእይዎ ኔሩ። ዋላ እኳ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ከም ቅዱስ ጴጥሮስ ብኣካል እንተዘይረኸቦ ኣብ ደማስቆ ብጸዳለ ብርሃን ተገሊጹ ኣዘራሪብዎ እዩ። ግ.ሓዋ.9፣1። ኣብ ቆረንጦስ’ውን ብራእይ ተገሊጹ ኣዘራሪብዎ እዩ።

ቅዱስ መጽሓፍ > ግ,ሓዋ.18-10። 

ኣምላኽና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ልክዕ ከም ቅዱስ ጴጥሮስ ብኣካለ ሥጋ ረኺቡ ንቅዱስ ጳውሎስ እንተዘይዛራርቦ ካብዚ ተወሳኺ ኣብ ቤተመቅደስ ጸሎት ክገብር ተገሊጹ ኣዘራሪብዎ እዩ። <> ግ.ሓዋ.22፣17-21።

ኣምላኽና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ንቅዱስ ጴጥሮስ ንኣገልግሎት ምስ መረጾ ምስኡ ስለዝነበረ ኩሉ ግዜ የበራትዖ ኔሩ እዩ። ከምእውን ቅዱስ ጳውሎስ ብራእይ ተገሊጹሉ የጸናንዖን የበራትዖን ኔሩ እዩ። ኣብ ሓደ እዋን ኣብ ኢዮርሳሌም ኣብ ካልኣይ መዓልቲ ኣብ ጥቓኡ ደው ኢሉ <> ግ.ሓዋ.23፣11።

5. ቅዱሳን ሓዋርያት ጴጥሮስ ወጳውሎስ ብስም ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝገብርዎ ተኣምራት

እዚኦም  ክልቲኦም ቅዱሳን ሓዋርያት ብዙሕ ተኣምራት ይገብሩ ኔሮም። ዝገበርዎ ተኣምራት ንክርስትና ሃይማኖት ምስፍሕፋሕ ዓቢ ኣስተዋጽኦ ኔርዎ እዩ። ክልቲኦም ብተኣምራት ሙታን ኣተንሢኦም እዮም። ድዉያን ፈዊሶም እዮም ። ነዚ ከም ኣብነት ክንጠቅስ ከለና፡ ቅዱስ ጴጥሮስ ጣቢታ ዝተባህለት ኣብ ዮጴ  ትነብር ጓለንስተይቲ  ተመሃሪት ካብ ሞት ብተኣምራት ኣተሢእዋ እዩ። እዚኣ ሰበይቲ ንኹሉ ሰብ ጽቡቅ ትገብር ፣ ምጽዋት ትምጽውት ፣ ንዝተፈላለዩ ድኻታት ደቀንስትዮ ዝኸውን ኣልባሳት ብምሥራሕ ትልግስ ኔራ እያ።  ነዚ ኩሉ ተኣምራት ትገብር ሰበይቲ ሓሚማ ሞይታ ። ቅዱስ ጴጥሮስ ብተኣምራት ካብ ሞት ኣድኂንዋ። ግ.ሓዋ.9።36-40።

ቅዱስ ጳውሎስውን ከምዚ ዝጥቀስ ተኣምር ኣለዎ። ቅዱስ ጳውሎስ  ቃለ እግዚአብሔር እንዳ ኣስተምኃረ ከሎ ኣውጤክስ ዝተባህለ መንእሰይ ደቂሱ ነበረ። ካብ ክበድ ንዋም ዝተላዕለ ካብቲ ዝነብሮ ቦታ ወዲቁ ይመውት። ቅዱስ ጳውሎስ ነዚ መንእሰይ ብተኣምር ካብ ሞት ኣተንሢእዎ እዩ። ግ.ሓዋ.20፣9፣12።

ካብዚ ተወሳኺ እዚኦም ክልተ ቅዱሳን ሓዋርያት ብልብሶምን ብጽላሎቶምን ብተኣምራት ንሕሙማን እንዳፈወሱ ንሕሙማት ናይ ክርስቶስ ወገናት ይገብርዎም ኔሮም። ተኣምራቶም ንዝተሽገሩ ጸገማቶም ካብ ምእላይ ተወሳኺ ንክርስትና ሃይማኖት ምስፍሕፋሕ ዓቢ ኣስተዋጽኦ እዩ ኔርዎ። ግ.ሓዋ.5፣15-16፣ 19-12።

 ቅዱስ ጴጥሮስ ብዛዕባ ክርስትና ሃይማኖት ንመራሕቲ ኣይሁድን ሊቃነ ካህናትን ይምጉት። ኣብ ቅድሚኦም’ውን ምስክር ይህብ  ኔሩ። ሓዋርያ ቅዱስ ጴጥሮስ ንናይ ኣይሁድ ሊቃነ ካህናት <> እንዳበለ ኣብ ማእከል ባይቶ ይሙጉት ኔሩ። ግ.ሓዋ.5፣29። በዚውን ብዙሕ ግዜ ይግረፍን ይእሰርን ኔሩ።  ብተመሳሳሊ’ውን ቅዱስ ጳውሎስ ዝተፈላለዩ ጸዋእተ መከራ ተቀቢሉ እዩ። ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ እሱን ካልኦት ሓዋርያት ስለ ክርስቶስ መከራ ምቅባሎም ኪገልጽ <> 2ይቆረ.4፣8-10። ብተወሳኺውን <> 2ይቆረ.6፣4-5። 2ይቆረ.11፣22-28።

ብሓፈሽኡ ቅዱስ ጳውሎስ ዝበጽሖ መከራ ብኸምዚ መልክዕ ገሊጽዎ። እዚኦም ክልተ ሓዋርያት በዚ መልክዕ ስለ ወንጌል መከራ ድሕሪ ምቅባሎም ካብዛ ምድሪ ዝሓለፉ ብሰማእትነት እዮም። ክልቲኦም ሰማእትነት ዝሓለፉ ብዘመነ ኔሮን 5 ሓምለ,67 ዓ.ም እዩ።

ቅዱስ ጴጥሮስ ብሰማእትነት ዝዓረፈ ንቁልቁል ተሰቂሉ ክኸወን ከሎ፣ ቅዱስ ጳውሎስ ድማ ክሳዱ ብሰይፊ ተሰይፉ እዩ::

ናይ ቅዱስ ጴጥሮስን ቅዱስ ጳውሎስን ረዴኤቶምን በረከቶምን ኣማላድነቶምን ኣይፈለየና።
(For those who do not have Geez, we invite you to visit this link) SEMAET TSIDK PETROS WE PAULOS
                                                    ወስብሓት ለእግዚአብሔር!
አዘክሪ ድንግል at 11:31 AM
Share



Home
View web version
ERITREAN ORTHODOX TEWAHIDO CHURCH
Kana Zegelila
አዘክሪ ድንግል
Powered by Blogger.

Advertisements

Leave a Reply

Fill in your details below or click an icon to log in:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out / Change )

Twitter picture

You are commenting using your Twitter account. Log Out / Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out / Change )

Google+ photo

You are commenting using your Google+ account. Log Out / Change )

Connecting to %s