Menu

ዘኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ መድሃኔ ኣለም ቤ/ክ ማኀበረ ማርያም እስራኤል
ነገረ ቅዱሳን
ነገረ ቅዱሳን.

ቅድስቲ ማርታ

በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ  ቅዱስ ኣሃኡዱ ኣምላክ ኣሜን።

ቅድስቲ  ማርታ  ወለድኣ ካብ  ሃገር ምስሪ ( ግብጺ)  ኮይኑ ወለዳ ኣዝዮም ሃብታማት  ነበሩ።ንሳ ካብ ንእስነታ ኣትሒዛ  ዝሙትን ርኽስተን ተፍቅር ነበረት።እቶም  ደቂ እቶም  ሽማሙንቲ  ናይታ ሰብ ሃገር እውን  ብሕቡእ ናብኣ  እና መጹ ምስኣ ይዝምዉ ነበሩ።ግብራ  ምስ ተጋህደ ካኣ  ነቲ ዝሙት ኣጸቢቓ  ኣግሃደቶ ፡

ሓደ መዓልቲ በዓል ልደት ናይ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ   ምስ ኮነ ናብ  ቤተ ክርስቲያን  ከደት ። ናብ ውሽጢ ክትኣቱ እውን ደለየት ።  እቲ ዓቃቢ ቤተ ክርስቲያን ግና ነቲ ኣብ 1ጢሞ5፡20 ዘሎ “ነቶም ሓጥያት ዝገብሩ ካኣ እቶም ካልኦት መታን ክፈርሁ  ኣብ ቅድሚ ኩሉ ግንሓዮም ”  ነዚ ምርኩስ ብምግባር  ንኸይትኣቱ ከምዚ እና በለ ከልከላ  “ንስኺ ናብዚ ቤት እግዚኣብሔር ክትኣትዊ ኣይግብኣክን እዩ ምኽንያቱ ንስኺ ርኽስቲ  ስለ ዝኾንኪ”  በላ። ንሳ’ውን ንኽትኣቱ ለመነቶ  ንሱ ግና ክልኣ። በዚ ምኽንያት እዚ ኣብ ማእከሎም  ባእሲ ኮነ ።እቲ ኤጲስቆጶስ  ናይቲ ቤተክርስቲያን  ጫው ጫው  ምስ ሰምዔ  ነቲ ዝኾነ ክርኢ  ተንስኤ  ኣብቲ ኣፍደገ  ቤተ ክርስቲያን እውን በጽሐ ።እቲ ኤጲስቆጶስ  ንማርታ ምስ ረኣያ ከምዚ በላ  ”  ቤት እግዚኣብሔር ንጹሕን ቅዱስን ምኻኑ ትፈልጢ  ኢኺ ንስኺ ርኽስቲ ካኣ ክትኣትዊ ኣይፍቀደክን እዩ” በላ ።

ማርታ ካኣ  እና በኸየት  “ናብዚ ርኹስ ግብሪ ኣይምለስን  እየ ፡ንስኻ እንድሕሪ ተቐቢልካኒ  ካኣ ተነሲሐ መነኮሳይት  ክኸውን እየ” በለቶ ።እቲ ኤጲስቆጶስ ድማ ኩሉ ሃብትኺ፡  ስልማትክን  ንብረትክን ኣብ ቅድሜኺ ብሓዊ ምእንቲ ክነንድዶ  ናብዚ እንተ ዘይ ኣምጺእክዮ ኣይኣምነክን እየ በላ። ንሱ ድማ ቀልጢፋ ናብ  ቤታ ከይዳ  ኩሉ ንብረታን ብዙሕ ዝዋግኡ ስልማታን  ኣምጺኣ ናብቲ ኤጲስቆጶስ ኣብጽሓቶ ።ንሱ ኣካ ነቲ ኩሉ ንብረታ  ኣብ ቅድሚኣ ከንድድዎ  ኣዘዘ።ንሳቶም እውን  ከምኡ ገበሩ።

ድሕሪ እዚ ጸጉሪ ርእሳ ብምልጻይ ካኣ ኣልባስ ምንኩስና  ኣልበሳ።ኣመንኪሱ ካኣ ናብ ደብረ ደናግል ለኣኻ።   ንሳ ድማ ኣብቲ ደብሪ   ዓቢይ  ገድሊ ተጋደለት ።ንሳ ንነፍሳ ከምዚ እና በለት  ትግስጻ ነበረት  ” ኣብዚ ብኣእማንን ዕንጸይትን ጭቃን ዝተሰርሐ ቦታ እንተ ዘይተጋዲልኪ  ኣብቲ ናይ ማሕደር ብርሃን ሰማያት ድኣ  ከመይ ክትኮኒ ኢኺ ፧ መን እዩ ኸ ኣብኡ ዝወሓሰኪ፧ እንታይ ክገብሩኺ እዮም፧ መን’ዩኸ  ምእንታኺ ዝልምን ፧ ኦ ጎይታይ ካብቲ ዓቃቢ ቤተ ክርስቲያን እካ ሕፍረት ክጸውር እንተ ዘይተኻእለኒ ፡ኣነ ግና ኣብ ቅድሚ መላእኽትኻን  ቅዱሳንካን  ከይተሕፍረኒ ይልምነካ ኣለኹ ” ኢላ ትልምን ነበረት።

እዛ ቅድስት ኣደ ን25 ዓመታት ዝኣክል ንሰይጣን ክሳዕ ትስዕሮ ተጋደለት ።ካብቲ ኣፍደገ ናይቲ ደብሪ እውን  ኣይወጸትን ።እዛ ንጽሕትን ተጋዳሊትን ዝኾነት  ቅድስቲ  ማርታ ሰለስተ(3( ሰነ) ዝዓረፈትላ መዓልቲ እያ ።

ጸሎታን በረኸታን ምስ ኩላትና ህዝበ ክርስቲያን ይኹን።ኣሜን!!!

ምንጪ __መድሓኒት  መጽሔት ቁ፣1 (ት/ሰ/ደ/መ/ኣቡነ ኣዎስጣቴዎስ ኣስመራ ግንቦት 2002/ 2010)

ወስብሃት ለእግዚኣብሔር

ወለወላዲቱ ድንግል

ወለመስቀሉ ክቡር

ኣሜን።

Share this:
TwitterFacebook14

Related
ነገረ ማርያም
ነገረ ቅዱሳን
In “ነገረ ቅዱሳን”
ነገረ ቅዱሳን
May 22, 2013Leave a reply
« Previous
Next »
Leave a Reply
Your email address will not be published. Required fields are marked *
Name *
Email *
Website
Comment

Notify me of new comments via email.

Recent Posts

፳፮/26 ሓምለ ዕረፍቱ ለኣቡነ ሰላማ ከሳቴ ብርሃን/26th july the death of st.Aba Selama Kesatiebrhan August 2, 2014
፳፭/25 ዕረፍቱ ለሓዋርያ ይሁዳ July 2, 2014
፲፯/17 ዕለተ ዝክሩ ለኣባገሪማ/ 17th June The Commemoration Day of Aba Gerima June 24, 2014
፳፭/25 ግንቦት ዕረፍታ ለቅድስት ሰሎሜ June 2, 2014
ዕርገት እግዚእነ ወመድኃኒነ ኢየሱስ ክርስቶ (ቀዳማይ ክፋል) May 28, 2014
ዓውደ ኣዋርኅ

MAY 2013
M T W T F S S
« Apr   Jun »
  1 2 3 4 5
6 7 8 9 10 11 12
13 14 15 16 17 18 19
20 21 22 23 24 25 26
27 28 29 30 31  
Archives

August 2014
July 2014
June 2014
May 2014
April 2014
March 2014
February 2014
January 2014
December 2013
November 2013
October 2013
September 2013
August 2013
July 2013
June 2013
May 2013
April 2013
March 2013
February 2013
January 2013
Categories

ስብከት
ትምህርቲ ሃይማኖት
ነገረ ማርያም
ነገረ ቅዱሳን
ነገረ ክርስቶስ
ኪነ-ጥበብ
Uncategorized
View Full Site

Blog at WordPress.com.

Now Available! Download WordPress for Android

Advertisements

Leave a Reply

Fill in your details below or click an icon to log in:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out / Change )

Twitter picture

You are commenting using your Twitter account. Log Out / Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out / Change )

Google+ photo

You are commenting using your Google+ account. Log Out / Change )

Connecting to %s