MONDAY, MAY 21, 2012
ብሂል ኣበው፡ ቅዱስ ኣንጦንዮስ (2)

6. ተግሳጽ ንጽቡቕና እዩ።

ቅዱስ ኣንጦንዮስ ኣብ ዝርከበሉ ብዛዕባ ሓደ ኣቦ ጽቡቕ ተዛረቡ (ሞጐሱዎ)።  ቅዱስ ኣንጦንዮስ ከኣ ተግሳጽ ክጻወር ይኽእል’ዶ ብምባል ነቲ ባሕታዊ ኣቦ ገሰጾ። ካብቲ ዝፈርሖ ከይወጸ እቲ ባሕታዊ ኣቦ ነቲ ተግሳጽ ክጻወሮ ኣይከኣለን። ቅዱስ ኣንጦንዮስ፡ “ብደገ ስልምቲ ከተማ ትመስል ብውሽጢ ግና ሰረቕቲ ዝዘመቱዋ ኢኻ”።

7. ይፈልጥ’የ ዘይምባል።
ቅዱሳን ኣቦታት ንቅዱስ ኣንጦንዮስ ክበጽሑ ኢሎም ኣብ ዝመጹሉ እዋን፡ ቅዱስ ኣንጦንዮስ  ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ሕቶታት ይሓቶም ነበረ። መልሲ ምስ ዝምልሱ ድማ “እታ መልሲ ኣይመለስካያን” ይብሎም ነበረ። ኣብ መወዳእታ ንቅዱስ ዮሴፍ ምስቶም ኣቦታት ዝነበረ፡ “እዚ ሓይለ ቃል’ዚ እንታይ እዩ ትርጉሙ” ኢሉ ሓተቶ። ቅዱስ ዮሴፍ ከኣ “ኣቦና ኣነ እንታይ ይፈልጥ” ኢሉ መለሰ። “ሓቂ መለስካ፡ ዮሴፍ እታ ቅንዕቲ መልስን ቅኑዕ መንገድን ረኺቡወን ኣሎ፡ ኣይፈለጥኩን ብምባሉ።”

8. ምፍዳይ ሕነ ንእግዚኣብሔር ንግደፎ።
ኣሕዋት ንቅዱስ ኣንጦንዮስ ቃል ኣምላኽ ንገረና ኢሎም ሓተቱዎ። ንሱ ኸኣ “መጽሓፍ ቅዱስ ተነብቡ እንተኾንኩም ንሱ ይኣኽለኩም” በሎም። “እወ ግና ካባኻ ክንማሃር ደሊና” በሉዎ። ቅዱስ ኣንጦንዮስ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ሓንቲ ጥቕሲ ኣውጺኡ “የማናይ መትልሕካ ንዝጸፍዓካ እታ ካልአይቲ ምለሰሉ”። እቶም ኣሕዋት “ኣቦና፡ ነዝስ ክነተግብሮ ኣይንኽእልን ኢና”። እታ ካልኣይቲ መትልሕኩም ክትመልሱ እንተዘይከኣልኩም ነታ ቀዳመይቲ ጸፍዓት ተጸመሙዋ። “ነዚኣ’ውን ኣይንኽእላን ኢና” በሉዎ። ነዚ ኩሉ ክተተግብሩዎ እንተዘይከኣልኩም ደኣ “ጽፍዒት ብጽፍዒት ኣይትፍደዩ”። “ነዚኣ’ውን ኣይንኽእላን ኢና” ኢሎም። ንተማሃራዩ ጸዊዑ “መግቢ ግበረሎም ሓሚሞም እዮም ዘለው”። “እዚ ኩሉ ከትገብሩን ክትጻወሩን ዘይትኽእሉ እንተኾይንኩም ኣነ’ሞ እንታይ ክገብረልኩም፤ ጸሎት    የድልየኩም ኣሎ”።
ከም ተግባርና ዘይኮነ ከም ምሕረቱ ይግበረልና።
(For those who do not have Geez, please visit this link) BHIL ABEW: KIDUS ANTHONIOS (2)
ወስብሐት ለ እግዚኣብሔር።

አዘክሪ ድንግል at 10:51 AM
Share



Home
View web version
ERITREAN ORTHODOX TEWAHIDO CHURCH
Kana Zegelila
አዘክሪ ድንግል
Powered by Blogger.

Advertisements

Leave a Reply

Fill in your details below or click an icon to log in:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out / Change )

Twitter picture

You are commenting using your Twitter account. Log Out / Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out / Change )

Google+ photo

You are commenting using your Google+ account. Log Out / Change )

Connecting to %s