MONDAY, APRIL 23, 2012
ሰበካ ትንሣኤ ኣዋልዲኃ ለጽዮን

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሃዱ አምላክ አሜን!

ሰበካ ትንሣኤ ኣዋልዲኃ ለጽዮን

ቅዱሳን ኣንስቲ ንጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ምስ ረኣይኦ መጺኤን ንደቂ መዛሙርቲ ነገርኦም። ንሶም ግና ንኣይሁድ ፈሪሖም ኣብ ዝተዓጽወ ገዛ ውሽጢ ተኣኪቦም ከለዉ በሪ መስኮት ናሕሲ ኮነ መንደቅ ከይተከፍተ ብኣምላኻዊ ሥልጣን  ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ  ክርስቶስ  ኣብ  ማእከሎም  ደው በለ።  > ኢሉ ፣ዘመነ ፍዳ ዘመነ ኩነኔ ኣብቒዑ፣  ዘመነ  ሰላም  ምዃኑ  ኣበሲርዎም።  ደቀ መዛሙርቱ   ግና   ብምትሐት   ርኹስ መንፈስ ዝተራኣይዎም መሲልዎም ብልቦም  ተጠራጠሩ።  ኣብቲ  ግዜ  <> ሉቃ.24፣36-43።    ኣብቲ    እዋን’ውን ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ዝነሥኦ   ሥጋ   ድሕሪ   ትንሣኤኡውን ፍጹም ከምተዋህደ ንርዳእ ።

ቅዱስ ዳዊት <>   ዝብል ቃል ተፈጸመ። መዝ.16፣9-10።

ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ቀሪቡ <> ማቴ. 28-18። ኢልዎም።

> ማለቱ እዩ። ከምዚ ማለቱ ቀዲሙ ዘይነበረ ሕጂ ብትንሣኤ ዝተረኽበ ማለት ኣይኮነን። ምኽንያቱ ቅድሚ ተዋህዶ ሥልጣን ዘይነብሮ ሥጋ ብምሥጢር ተዋህዶ ካብ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ካብ ሥጋኣ ሥጋ ካብ ነፍሳ ነፍሲ ወሲዱ ኣምላኽ ሰብ ሰብ ኣምላኽ ምስ ኰነ እዚ ሥልጣን ረኺቡ።ምኽንያቱ ወልደ አብ ወልድ ማርያም ኢየሱስ ክርስቶስ ብተዋህዶ ካብ ክልተ ኣካላት ሓደ ኣካል ካብ ክልተ ባህርይ ሓደ ባህርይ ኰይኑ እዩ። ኮይኑ ግና ብፍቓዱ ኣብ መልዕልተ መስቀል ተፈላልዮም ዝነብሩ ቅድስቲ ነፍሱን ቅድስቲ ሥጋኡን ዳግማይ ተዋሂዱ ብሥልጣኑ ንሞት ሲዒሩ ሙስና መቓብርን ኣጥፊኡ  ምትሥኡ ከመልክት <> ኢሉ። ምስኡ ኣትሕዝ ኣቢሉ’ውን <> ማቴ.28-20።  እዚ ከኣ ንዕዖም ዝሃቦም ሥልጣን ክህነትን ጸጋን ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ብኣንብሮተ እድ እንዳተመሓላለፈ ስጋብ ዓለም ፍጻሜ ብዝትሥኡ ኣቦታት ካህናት ከምዝስራሕ ክነግሮም ከሎ እዩ። ነፍሲ ወከፍ ከምዝተዋህቦም ጸጋ መጠን ኣብ ኩሉ ይሰርሕ። > ዝበለ ኣምላኽ’ውን ብጸጋ ተዋሂድዎም ኩሉ ግዜ ምስኦም ይነብር። ማለቱ እዩ።

ብምግባር በቂዕና፣ ሃይማኖትና ሓሊና፣ ንመከራ ተዓጊስና ፣ንመንግሥተ ሰማይ ዘብቅዕ ስራሕ ክንሰርሕ ኣምላከ ቅዱሳን እግዚአብሔር ይሓግዘና። በረከቱን ረዲኤቱን የብዝሓልና። ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ብኣማላድነታ ኣይትፈለየና።

ወስብሓት እግዚአብሔር
ወለወላዲቱ ድንግል
ወለመስቀሉ ክቡር።
አዘክሪ ድንግል at 10:09 AM
Share



Home
View web version
ERITREAN ORTHODOX TEWAHIDO CHURCH
Kana Zegelila
አዘክሪ ድንግል
Powered by Blogger.

Advertisements

Leave a Reply

Fill in your details below or click an icon to log in:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out / Change )

Twitter picture

You are commenting using your Twitter account. Log Out / Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out / Change )

Google+ photo

You are commenting using your Google+ account. Log Out / Change )

Connecting to %s