MONDAY, APRIL 23, 2012
ዳግማይ ትንሣኤ

እንቋዕ ናብ ዳግማይ ትንሣኤ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብጽሓና!

ምስባክ

ወተንሥአ እግዚአብሔር ከምዘንቃህ እምንዋም ወከመ ኃይል ወኅዳገ ወይን ወቀተለ ጸሮ በድህሬሁ

ሽዑ እግዚአብሔር ከም ደቂሱ ዝነበረ ። ከምቲ ብወይኒ ሰኺሩ ዝጭድር ጅግና ኮይኑ ተንሥአ፣ ንጸላእቱ ድማ ኣብ ድሕሪኦም ወቅዖም።
መዝ. ፸፯፡፹፭-፹፮ (78፣85-86።)

ዮሓ.20፣1-19። ግ.ሓዋ.2፣22-26። 1ይቆሮ.15-1-20። 1ይጴጥ.1፣1-13።
ወንጌል ማቴ. 28፣1-ፍጻሜ      ማር.16፣1-ፍጻሜ        ሉቃ.24፣1-16

ቅዳሴ ፣ ዲዮስቆሮስ ( እምቅድመ ዓለም)

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሃዱ አምላክ አሜን!

ዳግማይ ትንሣኤ

ኣብዚ ዕለት  ሰንበት ትንሣኤ  ከምዝተጠቅሰ ኣብቲ ዕለት ትንሣኤ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ንቅዱሳን ሓዋርያት ብዕጽው ማዕጾ ኣትዩ <> ኢሉ ትንሣኤኡ ክገልጸሎም ከሎ ሓዋርያ ቶማስ ምስኦም ኣይነበረን። ድሕሪኡ ካብቲ ከይድዎ ዝነበረ ምስ ተመልሰ። ትንሣኤ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ብደስታን ሓጐስን ምስ ነገርዎ።

> ብምባሉ። ናይ ኩሉ ሰብን ናይ ዝመረጾም ፈተውቱ ናይ ልቢ ሓሳብ ምስ ምኽንያቱ ፈልዩ ዝፈልጥ፣ ለውሃቱ ሙሉእ ዝኾነ ናይ ባህርይ ኣምላኽ መድኃኔ ዓለም ኢየሱስ ክርስቶስ ልክዕ ከም ናይ መጀመርታ ዕለተ ትንሣኤ አበው ሓዋርያት ብሓንሳብ ከለዉ ብዕጽው ማዕጾ በሩ ከይተኸፍተ ኣትዩ > ብምባል ኣብ ማእከሎም ቆመ። ንቶማስ’ውን ኣማኒ እምበር ተጠራጣሪ ኣይትኹን ብምባል እቲ ዝተሸንከሮ ኢዱን እግሩን፣ ዝተወግኦ ጎኑ ንዓ ርኣይ ኢሉ ኣርእይዎ። እሱ’ውን ምልክቱ ብምርኣይን ብኢዱ ዳህሲሱ’ውን ትንሣኤኡን ኣምላኽነቱን ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ  ከምቲ ዝደለየ ብዓይኑ ብምርኣይ ተረዲኡ   > ኢሉ መስኪሩ።

ስለዚ እዚ ናይ ትንሣኤ ምሥጢር ካልኣይ ግዜ ንሓዋርያት ዝተገልጸሎም ዕለት ስለዝኾነ > ተባሂሉ እዚ ዕለት ሰንበት ይጽዋዕን ይኽበርን። ዮሓ.20፣24-30።


ኣብ ቅድስቲ ቤተክርስቲያና ከኣ ኣብዚ ዕለት ኩሉ መንፈሳዊ ሓዋርያዊ ኣገልግሎት ከም ዕለተ ትንሣኤ ኮይኑ እዩ ዝፍጸም።

ናይ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ሳህሉን ምሕረቱን ፣ ናይ  ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ኣማላድነት ። ናይ ቅዱሳን ጻድቃን ሰማእታት ተራዳኢነት ኣይፈለየና።

(For those who do not have Geez, please visit this link) DAGMAY TINSAE

ወስብሓት እግዚአብሔር
ወለወላዲቱ ድንግል
ወለመስቀሉ ክቡር።

አዘክሪ ድንግል at 10:03 AM
Share



Home
View web version
ERITREAN ORTHODOX TEWAHIDO CHURCH
Kana Zegelila
አዘክሪ ድንግል
Powered by Blogger.

Advertisements

Leave a Reply

Fill in your details below or click an icon to log in:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out / Change )

Twitter picture

You are commenting using your Twitter account. Log Out / Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out / Change )

Google+ photo

You are commenting using your Google+ account. Log Out / Change )

Connecting to %s