THURSDAY, APRIL 12, 2012
ናይ ቁርስና በረኸት

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሃዱ አምላክ አሜን!

ካብ ምቅባልሲ ምሃብ ኣዝዩ ይባረኽ

ኣምላኽና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ መዋእለ ስብከቱ <> ግ.ሓዋ.20-35። ኢሉ ነጊሩናን ኣምሂሩናን እዩ።
ምሃብ ማለት ዓቢ በረከት እዩ። ካብቲ ዘለካ ትንኣስ ትዕበ ዝሃበ ካብ ኣምላኽ ዓቢ በረከት ይረክብ። ንመን ኢና ንህብ ንቤተክርስቲያን ፣ ንድኻታት ንጽጉማት ወዘተረፈ….

እግዚአብሔር ኣምላኽ ደቀይ ንበረከት ኩኑ ኢሉ። እዚ ዓቢ ምንጪ በረኸት ንዓና ሂቡና። ኣቦና ኣብርሃም ድምፂ እግዚአብሔር ሰሚዑ ቀሊጢፉ መልሲ ስለዝሃበ ንበረከት ኮይኑ በረከቱ ከኣ ንዕዑ ተፊሪ ንውሉድ ወለዶ ኮይኑ ዓቢ ክብርን ሞጎስን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽና እግዚአብሔር ረኺቡ አብ ብዙኃን ኣብርሃም ተባሂሉ። ኩሎም ቅዱሳን አበው ጻውዒት ኣምላኽን ብምስማዕ ንበረከት ኮይኖም እዮም። በረኸቶም ከኣ ንዓና ተሪፉ።
ስለዚ ናይ እግዚአብሔር በረከት ኣብ ልዕሊ ፈተውቱን ኣቡኡ ዝእመኑን ኣዝዩ ብዙሕን ሙሉእን እዩ።

ንሕና’ውን ንበረከት ዝተዳለና ክንከውን ይግበኣና ። ኣምላኻን መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ንበረከት ኩኑ ይብለና ኣሎ። ብምንታይ ንብል ንኸውን ፣ ሰኣን ዘይምስማዕናን ዘይምስትውዓልናን ይኸውን እምበር ብዙሓት ነገራት ኣለዉ በረከት ክንረኽበሎም ንኽእል ነገራት።  ኣብ ቅዱስ መጽሓፍ ማቴ.25-35-40። <> ከምዝበልና እዚኦም ኩሉም ምንጪ ንበረከት ኮይኖም፣ ኣብ ዳግማይ ምጽኣት ኣብ ቅድሚ ኣምላኽና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ እንሕተቶም ሕቶ እዮም።

ቁርስና በረኸት

ኣብ እዋን ጾምና ናይ ቁርስና በረኸት ትብል መንፈሳዊት ጹሑፍ ከኣ ቀንዲ መልእኽታ ቃል እግዚአብሔር ምምሃር ኮይኑ ምስኡ ከኣ ኩሉ ህዝበ ክርስቲያን ብምሃብ ናይ ቁርሱ ንበረከት ክትቀመላ ምዝኽኻር እዩ። ምኽንያት ኣብ እዋን ጾም ኩሉ ምእመናን ስጋብ ዓቅሙ ብምጻም ናይ ቁርሱ ሰዓት ኩሉ ይሰግራ እዩ። እታ ንቁርሱ ከጥፍኣ ዝነብሮ ግና ኣብ ምእንታይ የውዕላ ? ስለዚ ንበረከት ክጥቀመላ ይግባእ።
ሓሲቡ ጥቅማ ተረዲኡ ኣብ ቅድሚ እቲ ሰማይን ምድርን ዝፈጠረ ልብን ኩላሊትን ዝምርምር ኣምላክ እተን ዝግብእኦ ንበረከት ክጥቀመለን ይግባእ።

ንቤተክርስቲያን ብምሃብ ፣ንድኻ ብምሕጋዝ፣ ንዝጠመዩ ብምዕንጋል ወዘተረፈ መንፈሳዊ ተግባራት ብምትግባር ንኣምላኽና እግዚአብሔር ከንስምሮ ይግበኣና።
ነታ ድኻ መበለት ንዘክራ። <> ሉቃ.21-4።

ክንህብ ከለና ከምዛ ለባም መበለት ኮይና ክንህብ  ኣምላከ ቅዱሳን ብጸጋኡ ይደግፈና ። በረከቱን ሣህሉን የብዝሓልና። ወላዲተ ኣምላክ ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ብኣማላድነታ ኣይትፈለየና።

ያብጽኃነ ያብጽኅኩም በሰላም እግዚአብሔር አሜን ።

ኣብ ግብረ ሕማማት ውሽጢ ኣብ ዕለት ስግደት ነዘውትሮም ባዕዳዊ ቃላት ትርጉም ኣብ ግብረ ሕማማት ናብ ግእዝ ኮነ ትግርኛ ከይተተርገሙ ዝተቀመጡ እንጥቀመሎም ናይ እብራይስጥ ቅብጢን ግሪኽን ቃላት ኣለዉ ። እዞም ቃላት እዞም ዝስዕቡ እዩም።

ኪርያላይሶን
ቃሉ ናይ ግሪኽ ኮይኑ ትርጉሙ ድማ <> ማለት እዩ።

ናይናን
ቃሉ ናይ ቅብጢ(ጥንታውያን ግብጺ ዝጥቀሙሉ ቋንቋ) ክኸውን ከሎ ትርጉሙ ድማ <> ማለት እዩ።

ዕብኖዲ
ቃሉ ናይ ቅብጢ ክኸውን ከሎ ትርጉሙ ድማ <> ማለት እዩ። <> ክብል <> ማለት እዩ።

ታኦስ
ቃሉ ናይ ግሪኽ ኪኸውን ከሎ ትርጉሙ ድማ <> ማለት እዩ። <> ማለት <> ማለት እዩ።

ማስያስ
ናይ እብያይስጥ ቃል ኪኸውን ከሎ ትርጉሙ ድማ <> ማለት እዩ። <> ክብል ከሎ > ማለት እዩ።

አምነስቲቲ ሙኪርያቱ አንቲ ፋሲልያሱ
Em-nees the-tee mo-ki-riey enti vasilia so
ናይ ቅብጢ ቃል ኪኸውን ከሎ ትርጉሙ ከኣ <> ማለት እዩ።

አምንስቲቲ መዓግያ አንቲ ፋሲልያሱ
Em-nees the-tee mo-a-geh-e enti vasilia so
ቃሉ ናይ ቅብጢ ኪኽውን ከሎ <> ማለት እዩ።

አምንስቲቲ ሙዳሱጣ አንቲ ፋሲልያሱ
Em-nees the-tee mo-zess-pota enti vasilia so
ቃሉ ናይ ቅብጢ ኮይኑ <> ማለት እዩ።

(For those who do not have Geez, please check this link) NAY KURSINA BEREKET
ወስብሐት ለእግዚአብሔር፣
ወለወላዲቱ ድንግል፣
ወለመስቀሉ ክቡር።
አዘክሪ ድንግል at 12:33 PM
Share



Home
View web version
ERITREAN ORTHODOX TEWAHIDO CHURCH
Kana Zegelila
አዘክሪ ድንግል
Powered by Blogger.

Advertisements

Leave a Reply

Fill in your details below or click an icon to log in:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out / Change )

Twitter picture

You are commenting using your Twitter account. Log Out / Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out / Change )

Google+ photo

You are commenting using your Google+ account. Log Out / Change )

Connecting to %s