ትምህርቲ ድሕነት

t     Mahbere Abune Selama- self help association, support those in need, Spiritual gatherings, youth and adult counselling

አፍ ደገ
ኦርቶዶክስ ተዋህዶ
ማሕበር አቡነ ሰላማ
ስእልን ቪድዮን
መደባት
ሃፍተ ገነት
ዜና
ተኣምረ ኣቡነ ሰላማ

| Print |
ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ሃይማኖት

ኦርቶዶክስ ዝብል ቃል ናይ ግሪክ ቃል አዩ። ኦርቶ ማለት ርቱኦ ዝቕንዕ ማለት ክከውን  ኽሎ ዶክስ ድማ ክብሪ ማለት እዩ።ስለዚ ኦርቶዶክስ ማለት ብጠቕላላ ዝቐንዕ ክቡር ሃይማኖት ማለት ኣዩ።

ተዋሀዶ ዝብል ቃል ናይ ግእዝ ቃል እዩ።ተዋህዶ ሓደ ኾነ ተሓባበረ ተባሂሉ ይትርጎም።ተዋህዶ ዝበል ቃል ካኣ ሓደ ሙኻኑን ምውህሃዱን የርእይ ስለዚ ኦርቶዶክስተዋሀዶ ዝብል ቃል ክትርጎም ከሎ ዝጸነዕ፡ዝቕንዕ ሃይማኖት ማለት ኣዩ። ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ጎይታና  ኢየሱስ ክርስቶስ ንሃዋርያት ከም ዝመሃሮምን ከምዝገለጸሎመን አነን አብን ሃደ ኢና ናኣይ ዝራኣየ ንእብ ራኣየ ዝብል ናቱ ቃል መሰረት ብምግባር ናይ ሃዋርያት ትምህርተ ሃይማኖት ብምርዳእን ብመፍላጥን ንዘላዕለም ጽኒዓ ትነብር።ትምህርተ ሃይማኖት ናብ እግዚኣብሄር ዘብጽሕ ፍኖተ እግዚኣብሄር ንፈልጠሉን ዘለኣለማዊ ሂወት ንጎናጽፈሉ ርትእት ሃይማኖት ንግንዘበሉ ኢዩ። ናይ ኦርቶዶክስ ሊቃውንቲ  ቤተ_ክርስትያን ንትምርተ ሃይማኖት ‘‘ዶግማን ቅኖናን’’ብዝብሃሉ ክልተ ክፍልታት ይኸፍልዎ።ዶግማ ዝብል ቃል ካብ ግሪክ ቓንቓ ዝተረኸበ ክከውን ከሎ ትርጉሙ ካኣ መሰረተ እምነት ማለት’ዩ።ቀኖና ማለት ከኣ ሕገ -ቤተ ክርስትያን ማለት አዩ።ብናይ ወጻኢ ቓንቓ ካኖን (canon) ይብሃል ኣብ ኑዛዜ ጊዜ ብንስሀ ኣቦ ትእዛዝ ዝውሃብ ሰግደትወይ ጸሎት፣ጾም ከምኡ’ውን ካሊእ መንፈሳዊ ክጻኣት ቀኖና ይብሃል። ናይ ስርዓተ ቅዳሴን ናይ ቅዱሳት መጽሃፍቲን ትርጉምን ቁጽሪ ዝምልከት ሕጊ ኩሉ ናይ ኣጽዋማት ውሳኔ ዝምልከት ህጊ ውን ቀኖና ይብሃል።ቀኖና በሲኖዶስ ምልእት ጉባኣኤ ኽቕየር ይክእል አዩ ዶግማ ግን ዘይቅየር ዘይልወጥ ሕጊ’ዩ።

ዶግማ መሰርት እምነት ኢልና ኢና ነኣምን ስለዚ ናይ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤ/ክ’ውን ናይ ሃይማኖት መሰረት ከምዝኾነ ትኣምንን ተምህርን ንሓሙሸተ ኣእማደ ሚስጥር ኢዩ። ኣእማድ ማለት ዓምድታት ማለት ኢዩ። ሚስጥር ማለት ድማ ሽሽግ ሕቡእ ማለት’ዩ።እዞም ክልት ቃላት ተጠቓሊሎም ክንበቡ ከለዉ ናይ ሚስጥራት ዓምድታት ዝብል ትርጉም ይሕዙ። እዚ ኻኣ  ገዛ ብ ዓምዲ ከምዝቐውም ትምህርት ሃይማኖት ኽኣ በዞም ሚስጥራት ጸኒዑ ስለዝነብር ኢዩ። ቁጽሮም ክኣ ሃሙሽት’ዩ።

“ነገር ግን ንኻልኦት ክኣ ንኽምህር ኣብ ማሕበር ኣእላፍ ቃላትብልሳን ካብ ምዝራብ ሓሙስት ቃላት ብኣእሙሮይ ክዛረብ ይፈቱ።”ከም ዝበለ 1ይ ቆሮ 14፡19 ሓዋርያ ቅዱስ ጵውሎስ ሓሙስተ ቃላት ዝበሎም ብትርጉም፡ እዞም ዝስዕቡ ሓሙሽት ኣእምደ ሚስጥራት እዮም።ንሳቶም ከኣ፡

1፥ ሚስጢረ ስላሴ

2፥ ሚስጢረ ስጋዊ

3፥ ሚስጢረ ጥምቀት

4፥ ሚስጢረ ቁርባን

5፥ ሚስጢረ ትንሳኤ ሙታን ኢዮም።

1-ሚስጢረ ስላሴ

ስላሴ ማለት ሰለስትነት ማለት’ዩ። ሰለስተነቱ ከኣ ኣብ ሓድነት’ዩ።ሚስጥር ዝተባህለሉ ምክንያት ከኣ ሓደ ክኾኑ ሰለስተ ፡ሰለስተ ክኾኑ ከኣ ሓደ ምኻኖም’ዩ።እዚ ኽኣ ሓድነቶም ንሰለስትነቶም ክይጠቕለለ ሰለስትነቶም ከኣ ንሓድነቶም ክይፈላለየ’ዩ።

ዘይረኣይን ዘይምርመርን ኩሉ ክገበር ዝኽእልን ንኹሉ ዝፈጠረ መጅመርያኡን መወዳእታኡን ዘይፍለጥ ናይ ዘልኣለም ኣምላኽ ምህላው ንኣምን።እሱ ክኣ ብኣካላት ሰለስተ ብመለኾት ሓደ’ዩ።ብኣካላት ኣብ ወልድ መንፈስ ቅዱስ ይብሃል።ብመለኮት ግን ሓደ ኣምላኽ ይብሃል።(ማቴ8፡19)(1ይ የው4፡7-8)(የው14፡9-10)

2-ሚስጢረ ስጋዌ

ኣምላኽ ብተዋህዶ ሰብ ዝኾነሉ ሚስጥር ሚስጠረ ስጋዌ ይብሃል።እዚኻኣ ኻብቶም ሰልስተ ኣካላት ካብ ኣብ ካብ ወልድ ካብ መንፈስ ቅዱስ እቲ ሐደ አካል ወልድ ካብ ሰማየ ሰማያት ወሪዱ ካብ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ካብ ስጋኣ ስጋ ካብ ነፍሳ ነፍሲ ወሲዱ ብተዋህዶ ሰብ ኮይኑ ምግላጹ ዘመልክት ኢዩ።ብሓጺሩ ጎይታና መድሓኒና እየሱስ ክርስቶስ ሰብ ናይ ምኻኑ ሚስጥር ማለት’ዩ።ካብቶም ሰለስተ ኣካላት ሓደ ኣካል ወልድ ንዓና ን ደቂ ሰባት ካብ መርገም ካብ ኩነኔ ከድሕነና ኣብቲ ዳሕራይ ዘመን ስጋ ለበሰ።ካብ ድንግል ማርያም ተወለድ ብጀካ ሓጥያት  ሰብ ዝሰርሖ ኩሉ እንዳሰርሐ ዐበየ።

ምእንታና ሕጊ ኩሉ ፈጸመ ገላ 4፡4-7 ምእንታና ተገርፈ ፡ሓመመ፡ተሰቐለ፡ሞተ፡ተቐብረ ኣብ ሳልሳይ መዓልቲ ኻኣ ካብ ሙታን ተፈልዩ ተሰኣ።ድሕሪ ትንሳኤ ኣብ ዝተፈላለዩ ጊዜታት ንደቀ-መዛሙርቱ እንዳተገለጸ ንኣርብዓ መዓልቲ ኣብ ምድሪ ጽነሓ ኣብ መበል ኣርብዓ መዓልቲ ኸኣ ናብ ሰማይ ዓረገ ኣብ ኣብኡ የማን ካኣ ተቐመጠ መላኽቲ ውን ተገዟኡሉ 1ይ ጵጥ3፡22 ኣብቲ ዳሕራይ ዘመን ብጌትነትን ብምስጋናን ክመጽእ’ዩ ኣብ ህያዋንን ኣብ ሙታንን ክፈርድ ኢዩ ንመንገስቱ ካ ፍጻሜ የብሉን።(ዳን 7፡13-1

3-ምስጢረ-ጥምቀት

ናይ መጀመርያ ኣቦና  ኣዳም ናይ እግዚኣብሄር ትእዛዝ ስለዘፍረሰ ኣብ ትሕቲ መርገምን ኩነኔን ኮይኑ ይነበር ኔሩ።እቲ መርገምን ኩነኔን ናብ ደቁው’ን ሓለፈ።ስለዚ ሰብ ኩሉ ካላኣይ ካብ ማይን ካብ መንፈስን እንተዘይተወሊዱ ናብ እግዚኣብሄር መንግስቲ ክኣቱ ዘይካኣል ኮነ፣ካብ ስጋ ዝተውልደ ስጋ’ዩ ካብ መንፈስ ዝተወልደ ግን መንፈስ’ዩ።ስለዚ ውልድነትንረኽበሉ ጥምቀት ብጥምቅት ባሪኩን ቀዲሱን ጎይታና ናይ ጥምቅት ስርዓት ሰሪዑልና።ማቴ 28፡19 የው3፡3-7 1ይየው4፡8 ማር 16፡16

ጥምቀት፦ማለት ናብ ማይ ኣቲካ ምውጻእ ማለት አዩ።ከማኡ ኻኣ ጥምቀት ማለት ናይ መንግስተ ሰማያት መእተዊ ማዕጾን ውልድነት ንረኽበሉን ሚስጥር’ዩ ብጠቐላላ ጥምቐት ማለት ዳግም ምውላድ ማለት’ዩ።(ሰብ ካብ ማይን ካብ መንፈሰን እንተዝይተወሊዱ ናብ እግዚኣብሄር መንግስቲ ክኣቱ ኣይክእልን)።የው3፡6 ኣብ ሚስጢረ ጥምቅት ንእግዚኣብሄር ንፍልጦ ናይ መንፈስ ቅዱስ መሕደሪ’ውን ንኽውን።

4-ምስጢረ-ቁርባን

ምስጢረ ቁርባን ብመጀመርያ ዝተጀመረ ብ ጎይታና እየሱስ ክርስቶስ ኽከውን ከሎ ቅዱሳን ሃዋርያት ካኣ ካብ ጎይታ ብዝተማህርዎ ትመህርቲ መሰረት ፈጺሞሞ።ናይ ሚስጢረ ቁርባን ናይ ቃል ትርጉም፡ቁርባን ማለት መባእ፣ህያብ፣መስዋቲ ማለት’ዩ።ምስጢራዊ ትርጉሙ ከኣ ስለ ቁርባን ዝዝረብ ምስጢር ማለት ኢዩ።ብኻሊእ ኣዘራረባ ዝቐርቡን ዘቑሩቡን ንሳቶም ድማ ካህናት ባዕሎም ተቐቢሎም{ቆሪቦም}ህዝቢ ዘቐርቡሉ ማለት’ዩ።

ኣብ ሓድሽ ኪዳን ንመጀመርያ ጊዜ ቁርባን ዝተጀመረ መጋቢት 26 34ዓ/ም ብጎይታና ብመድሓኒና ፈጣሪና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ሓሙስ መሸት (ኣብ ጸሎተ ሓሙስ)ኣብ ቤተ ኣላኣዛር’ዩ።ኣብ ብሉይ ኪዳን ዝነበረ ናይ እንስሳታት መስዋእቲ [ደም]ተሳዒሩ ብክርስቶስ ኣማናዊ ስጋን ደምን ተተኪኣኡ ኢዩ።(ሕብስቲ ኣሊዒሉ ባረኸ ቖሪሱ ንደቕመዛሙርቱ ሃቦም እሞ እንኩም ብልዑእዚ ስጋይ ኢዩ ኢሉ፣ነቲ ጽዋዕ ኣልዒሏመስጊኑ ካኣ ሃቦም ከምዚ ውን ብለ ካባኡ ስተዩ ስለ ብዙሓት ንሃጥያት ይቅርታ ዝፈስስ ናይ ሃዲሽ ኪዳን ደመይ እዚ’ዩ)ማቴ 26፡26-29።ቀሳውስቲ ኣብ ቅዳሴ ጊዜ ዘቅርብዎ ሕብስቲ ናይ ክርስቶስ ስጋ ኢዩ።እቲ ወይኒ ካ ኣ ናይ ክርስቶስ ድም ኢዩ።ጎይታና ካኣ ስጋይ ዘይበለዕ ደመይ ዘይሰተየ ናይ ዘልኣለም ሂወት የብሉን ኢሉ ተዛሪቡ’ዩ[የው 6፡53-58] ብጠቕላላ ምስጢረ ቑርባን ብጣዕሚ ጠቓምን ናይ ካላኦት ሚስጥራትመደምደሚ ‘ዩ ።

5-ሚስጥረ-ትንሳኤ ሙታን

ትንሳኤ ሙታን ማለት ኣብ ዝተፍላለየ ስፍራ ተፈላልዮም ዝነብሩ ነፍስን ስጋን እንደገና ተዋሂዶም ምትሳእን ብድህሪ ሞት ብነፍስን ብስጋን ህይወት ምርካብ ማለት’ዩ።ሙታን ካኣ ህያዋን ኩኾኑ’ዮም ሬሳታት ክትሳኡ እዮም [ትን ኢስ 26፡19]።ኣብቲ ዳሕራይ ናይ ፍጻሜ ዘመን ጎይታና ብጎይትነተንብመስጋናን ተመሊሱ ከመጽዕ’ዩ።ኣብቲ ጊዜ ኣቲ ዝሞቱ ሰባት ኩሎም ክትስኡ’ዮም ምስትስኡ ኻኣ ጽቡቅ ዝሰርሑናብ ናይ ዘላኣለም ሂወት ከከዱ’ዮም ሕማቕ[ክጉእ] ዝሰርሑ ግን ናብ ናይ ዘልኣለም ኩነኔ ክከዱ’ዮም።(ካብቶም ኣብ መሬት ምድሪ ድቂሶም ዘለዉስ ቡዙሓት ገሊኦም ናይ ዘላኣለም ሂወት ገሊኦም ከኣ ናብ ሕፍረተን ናብናይ ዘላኣለም ውርደት ክትንስኡ እዮም)[ትን’ዳን 12፡2]

ወዲሰብ ሞይቱ ፈሪሱን በስቢሱን ኣይተርፍን’ዩ ምኽንያቱ ጎይታና ብሞቱ ሞትን ሙስና መቓብርን ስለዘጥፋሉ።ካብ ኩሉ ፍጥረት ትንሳኤ ሙታን ዘለዎ ፍጡር ወዲ ሰብ ጥራሕ’ዩ።ስለዝኮነ ካኣ ብጥቓ ሞት ሂወት በጥቓ መቓብር ካኣ ትንሳኤ ኣለዎ።እዚውን ንጎይታናን ኣምላክናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ መቓብር ዘለዉ ኩሎም ድምጹ ዝሰምዑሉ ስዓት ክመጽእ’ዩ።ጽቡቕ ዝገበሩ ንናይ ሂወት ትንሳኤ ክፉእ ዝገበሩ ንፍርዲ ትንሳኤ ክመጹ’ዮም።ዮሃ 28 ኢሉ ተዛሪቡ’ዩ ነገር ግን እዚዝኾነሉ ዘመኑ ውርሑን ሰዓቱን ክፈለጥ ዝኽእል የሎን[ማቴ24፡36-42]።

ሸውዓተ ሚስጢራተ ቤተ ክርስቲያን

ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ብሸውዓተ ዓበይቲ ሚስጥራት ንመእመናን ተገልግል። ሚስጥራት ዝተባሃለሉ ምክንያት ንዓይንና ክንርእዮም ቢኢድና ክንድህስሰኦም ዝይንኽእል ዝተፈላለዩ ናይ መንፈስ ቅዱስ ውህብቶታት በዚኦም ሚስጥራት  መንገዲ ስለዝውሃቡና’ዩ። ሸውዓቲኦም ሚስጥራት

-ጥምቅት

-ቅብኣት ሜሮን

-ቁርባን

-ክህነት

-ተክሊል

-ንስሃ

-ቀንዴል እዮም።

ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ብናይ ኣዕማድ ኣብነት ሰሎሙን ብዝተዛረቦ መንገዲ ብምግባር ሚስጥራት ሸውዓተ ሙኻኖም ትቕበል።(ምስ 9፡1)እዚኦም ሸውዓተ ምስጢራት ብዝረኣን ብዝድሕሰስን ብግዙፍ ኣካለ መንገዲ ረቂቕ ዝኾነ ዝረኣይን ዘይረኣይን ናይ ናይ እግዛብሄር ጸጋ ንመእመናን ተሳትፈሉ’ዩ።ካብዞም ሸውዓት ሚስጥራት እቶም ሽድሽተ ዋላ ብጳጳስ ዋላ ብቕሺ ይፍጸሙ’ዮም፡ናይ ክህነት ስልጣን ምሃብ ግን ዝፍጽም ጳጳስ ጥራይ’ዩ።

1-ስርዓተ ጥምቀት

ካብ ሸውዓቲኦም እቲ ናይ መጀመርያ ጥምቀት’ዩ።ጥምቀት ካልኣይ ተወሊድና ናብ እግዛብሄር መንግስቲ ንኣተወሉ ሚስጥር’ዩ(ዮሓ 3፡5)።ጥምቀት መጽሓፍ ቁድሳዊ ትእዛዝ ኢዩ(ማቴ 28፡19-20)።ብጥምቀት ሓጥያት ይሰርይ’ዩ(ግብ’ሓዋ2፡8)።ምንጻህን ምቕዳስን ብጥምቀት’ዩ(1ይጵጥ 3፡21፣ቲቶ 3፡5-6)።ብቤተ ክርስትያን ህጻናት ነጥምቕ ኣብ ብሉይ ኪዳን ህጻናት ኣብ እግዛብሄር ተቐባለነት ዝህልዎም ምስ ተገረዙ እዩ ኔሩ።

ኣብ ሓድሽ ኪዳን’ውን ህጻናት ብህጻንነት ዕድሚኦም ተጠሚቆም ናይ ክርስቶስ ቤተ ሰብ ስለዝኮኑ ብህጻንነቶም ይጥመቁ እግዛብሄር ንህጻናት ካብ ጸግዑ ፈልይዎም ኣይፈልጥን።ናኣብነት ኤርምያስ ዝተቕደሰ ገና ኣብ ኣዲኡ ማህጸን ከሎ’ዩ(ኤር 1፡5)።የውሃንስ መጥመቅ’ውን ኣብ ኣዲኡ መሃጸን ከሎ ብነብፈስ ቁዱስ ተመሊኡ ኔሩ (ሉቃ 1፡15)።ጎይታና መድሓኒና እየሱስ ክርስቶስ ኣብ ዝምህረሉ ዝነበረ ዘመን ንህጻናት ባሪኽዎም’ዩ እዚ ክኣ ህጻናት ዕድሚኦም ናብ እግዝብሄር ካብ ምቕራብ ዝክልክሎም ከም ህይኮነ የርእይ(ማቴ 19፡13-15፣ማር 10፡13-15፣ሉቃ 18፡15-17፣ግብ’ሓዋ 16፡33፣1ይ ቖሮ 1፡16)።ብናይ ቤተ ክርስትያን ስርዓት ወዲ እንተተወሊዱ ኣብ ኣርባዓ መዓልቲ፡ጓል እንተተወሊዳ ኣብ ሰማንያ ምዓልቲ ይጥመቑ። ኣብ ቡሉይ ኪዳን ወዲ ምስ  ተውልደ ኣብ ኣርበዓ መዓልቲ ናብ እግዛብሄር የኣቱ ኔሩ(ዘሌዋ 12፡1-5፣ሉቃ2፡21-24)።ህጻናት ሃይማኖቶም ከምስክሩ ስለ ዝይክእሉ ንህጻን ወዲ ናይ ክርስትና ኣቦ(ኣብልገ) ንህጻን ጓል ናይ ክርስትና ኣደ ይስመየሎም።ጥምቐት ምዝፋቅ’ዩ።ጥምቐት ብስላሴ ስም’ዩ(ማቴ28፡19-20)።ቅድሚ ምጥማቖም ምእንቲ ክርስቶስ ኢሎም ብሰማእትነት ደሞም ዘፍሰሱ ሰመኣታት ብደሞም ከምዝተጠመቁ ይቑጸሩ (ማቴ10፡32፣16፡25)።

2-ቅብኣት ሜሮን

ሜሮን፦እቲ ተጠማቒ ካግቲ መጥመቒ መስወጸ ዝልከዮ ቅዱስ ዘይቲ’ዩ።

-ሜሮን ከም ጥምቐት’ዩ።

-ቅብኣት ሜሮን ልክዕ ከም ጥምቐት ሓደ ግዜ’ዩ ይድገምን’ዩ።

-ብ ቅብኣት ሜሮን እቲ ተጠማቒ ናይ መንፈስ ቁዱስ ጸጋ ይቅብል።

ኣብ ሓዋርያ ዘመን ኣመንቲ ምስ ተጠመቑ ብኣንብሮተ ኢድ መንፈስ ቁዱስ የሃድረሎም ኔሩ(ግብ’ሓዋ20፡14-17)።ቤተ ክርስትያን እንዳተስፋሕፈሐት ብዝከደት ግዜ ኣብ ክንዲ ኣንብሮተ ኢድ ኣብ ሓውርያት መንበር ዝተተክኡ ኤጵስ ቆጶሳት ኣብ ቅዱስ ሲኖዶስ ሜሮን እንዳዳለዉ ዝተጠመቐ ኩሉ ንክሕተመሉ ፈቐዱ።ኣብ ናይ ሜሮን ናይ መንፈስ ቁዱስ ህያብ መጽሓፍ ቁድሳዊ መምርሒ ኣልዎ።

ሜሮን ዝልኸይ እቲ ተጠማቒ ቀጥታ ካብቲ መተመቒ ምስወጸ’ዩ።ሓዋርያት ከጠምቑ ከለዉ ህጻን ኮነ ሽማግለ ቀጥታ ባንብሮተ ኢድ መንፈስ ቁዱስ የሕድርሉ ኒሮም(ግብ’ሓዋ 8፡14-17፣19፡5-6)።ህጻናት ምስ ተጠምቁ መንፈስ ቁዱስ ምእንቲ ክቕበሉ ቐጥታ ብ ሜሮን ይልከዩ።ኣይኮነን’ዶ ተወሊዶም ኣብ ኣዲኦም መሓጸን ከለዉ’ውን ብመንፈስ ቁዱስ ዝከበሩ ህጻናት ከም ዘለዉ መጽሓፍ ቅዱስ ይምስከ’ዩ(ሉቃ 1፡15 ኤር 1፡1-8)።ሜሮን ናይ ምቕባእ ስልጣን ዘለዎም ኣብ ሓዋርያት መንበር ዝተቕመጡ ኤጶስ ቆጶሳት’ዮም።ካህናት’ውን ንኽቕብኡ ተፈቂዱ’ዩ።

3-ሚስጥረ ቁርባን

ኣብ ቤ ተ ክርስትያን ናይ ሚስጥራት ኩሉ መደምደሚ ቅዱስ ቁርባን’ዩ።ቁርባን ማለት መስዋእቲ ማለት’ዩ።እዚ ኸኣ ሰብ ንእግዛብሄር ዘቕርቦ ህይኮነስ እግዛብሄር ስለ ሰብ ዘቕረቦ’ዩ።ኣብ ብሉይ ኪዳን ኣብ ሙኽራብ ዝተስወኣ በጊዕን ጤልን ኣብ ሓዲሽ ኪዳን ኣብ ቤተ ክርስትያን ንዝስዋእ ናይ ክርስቶስ ስጋን ደሙን ኣብነት’ዩ።መልከ ጸዲቅ ናብርሃም ዘበርከቶ ሕብስተ ኦኮቴት ጽዋ በረከት(ዘፍ14፡18)።እስራኤል ናጽነቶም መዓልቲ ዝስውእዎ መስዋእቲ ናይ ፋሲካና ብጊዕ ናይ ክርስቶስ ስጋ ምሳሌ(ኣብነት)ኔሩ።ቁርባን መጽሓፍ ቁድሳዊ መሰርት ኣልዎ(ማቴ26፡26፣1ይቖሮ 11፡23-25)።ክህን እቲ ሕብስቲ ብጻህሊ ወይኒ ከኣ ብጽዋዕ ጌሩ ጸሎተ ቅዳሴ ከብጽሕ ከሎ እቲ ሕብስቲ ተቐይሩ ስጋ መለኮት፣እቲ ወይኒ ከኣ ተለዊጡ ደም መለኮት ይከውን ኣብ ቤ ተ ክርስትያንና ንመእመናን ነቐብሎ ካብቲ ስጋን ደምን’ዩ(ዮሓ5፡54-58፣ማቴ26፡27)።

፦እቲ ካህን ቅዱስ ስጉኡ ከቅበል ከሎ ዲያቆን ድማ ክቡር ደሙ ብዕርፈ መስቀል የቐብል

፦ናብ ቤተ ክርስትያን ክመጹ ዘይክእሉ ሕሙማት ንዕለቱ ተቀዲሱ ኣብ ገዝኦም ክቆርቡ ይክእሉ’ዮም።

፦መስዋእቲ ካብ ዕለቱ ኣይሓልፍን፣ኣይውዕልን፣ይሓድርን።

፦ቁርባን ዝቑረብ ከይበላዕካ ከይሰተካ ንዓሰርተ ሸሞንተ(18)ሰዓታት ብሙጻም’ዩ።

ኣብ ቤተ ክርስትያን  ቅዱስ ቁርባን ፍጹም ናይ ክርስቶስ ስጋን ደሙን’ዩ(ዮሓ 6፡51-55)።ከምቶም ካልኦት ሚስትራት ሚስትረ ቁርባን ዝፍጽሙ ኣብ መንበረ ሃዋርያት ዝተቀመጡ ጳጳሳት’ዮም ኔሮም።ቤተ ክርስትያን እንዳተስፋሕፈሐት ምስ ከደት ግን ንካህናት’ውን ተፈቂድሎም፣ዲያቆናት ነቲ ጳጳስን ነቲ ክህንን ተራዳእቲ’ዮም።ንባዕሎም ብንሰሃ ዘመርመሩን ዘዕረዩን ምእመናን ስጉኡን ደሙን ክቕበሉ ይክእሉ ።ንባዕሎም ብንሰሃ ዘየዳለዉ ግን ዋላ እንተተቐበሉ ዕዳ’ዩ ዝኮኖም(1ይቖሮ 11፡28-29 የው’ኣፍ/ወርቅ ቅዳሴ)።

4-ክህነት

ክህነት፦ናይ ቤተ ክርስትያን ዝለዓለ መዓረግ’ዩ።ክህነት መጽሓፍ ቅዱሳዊ መሰረት’ዩ(ማቴ28፡19-20፣ኤፌ 4፡11፣ግብ’ሃዋ 28፡20)።

ኣብ ቤተ ክርስትያንና ናይ ክህነት መዓረግ ሰለስተ’ዮም ንሳቶም ድማ ዲቑና፥ቅስናና፥ጵጵስና እዮም።

1-ዲያቆን

ሀ-ቅድሚ ምምርዓዉ ዲቁና ይሽወም።

ለ-ኣእትዩ ወይ መንኩሱ ናይ ቅስና መዓርግ የቅበል።

ሐ-ናይ ቀሽን ናይ ጳጳስን ረዳኢ’ዩ።

መ-ዝሽወም ብጰጰስ’ዩ።

ሰ-ኣብ ቤተ ክርስትያን ቅድሚ ሙሉእ ናይ ዲቁና ማዕርግ ንተልእኾ ዘብቅዑ  ሰለስተ ማዓርጋት ዝውሃቡባንብሮተ ኢድ ዘይኮነስ ብቃለ-ቡራኬ ጥራሕ’ዩ።

ረ-ዲያቆናት ብኣንብሮተ ኢድ ጥራይ ይሽወሙ።

ሸ-ስልጣነ ክህነት ንምቅባል ዋጋ ኣይዋህብን(ግብ’ሃዋ 8፡18-26)

ቀ-ክህነት ብዘርኢ ሓረግ ዘይኮነስ ብመንፈስ ቁዱስ ጻዊኢትን ብቤተ ክርስትያን ቁኖና’ዩ።

2-ቀሺ

እቲ ዲያቆን ምስ ኣእተወ (ተመርዓወ)ወይ ምስ መንኮሰ ናይ ቅሽና ስልጣን ይቅብል።ኣገልግሎቱ ድማ ስልጣነ ክህነት ከም ምሃብ ሜሮን ካብ ምድላው ሓድሽ ቤ/ክ ሃድሽ መንብርን ሃድሽ ጽላተን ካልኦት ሓድሽቲ ንዋየ ቁድሳት ካብ ምብራኽ ወጻኢ ኻሊእ ኩሉ ይፍጽም።ብድንልና ዝቀሸሸ እንተኮይኑ ናብ ጵጵስና ምዓርግ ክበጽሕ ይክእል’ዩ ሕጋዊ እንተኮይኑ  ግን ኣብዚ ምዓርግ’ዚ ይውሰን እዚ ከኣ ብኣንብሮተ ኢድን ብንፍሃት ብጳጳስ ይሽወም

3-ጳጳስ(ኤጵስ ቆጶስ)

ኤጵስ ቆጵስነት ዝሽወም ብድንግልና ዝሞንከሰ ክህን’ዩ ዝሽወም ከኣ ብናይ ኩሎም ሲኖዶስ ኣባላት’ዩ።ኣብ ሽግር ግዜ ግን ካብ ክልተ ዘይንእሱ ኤጵስ ቆጶሳት ብኣንብረተ ኢድን ብንፍሃትን ይሽወም።ኣገልግሎቱ ድማ ሚስጥራት ምስ ምፍጻም ጠቕላላ ናይ ቤ/ክ መራሕን ሓላውን’ዩ።እዞም መዓርጋት ዝቅበሉ ኩሎምዘማልእዎም ግዴታታት ኣለዎም።

ሀ-ጥዕና ዘለዎም

ለ-ሃይማኖቶም ንምስፍሕፋሕ እኹል ትምህርቲ ዘለዎም

ሐ-ብጠባይ ዝተመስገኑ ክኾኑ ኣለዎም።

መ-ናብ ማኣርገ ክህነት ዝቐረቡ ኩሎምብቤተ ክርስትያንና ስራኦኣት ኣወዳት ጥራሕ’ዮም።

ክህነት ኣይድገምን ወይ ኣይሕደስን ክላይ ክህነት ዝቕበል ወይ ዝህብ ክልቲኦም ክህነቶም ይሰዓር(ናይ ሃዋርያት ቅኖና 68)።ክርስቶስ ንቤተ ክርስትያን ዝተወሰኑ ሰባት ንክህነት መሪጹ(ሉቃ 6፡12-13፣ዮሓ 20፡19-25)።ንኻሊእ ዘይተዋሃበ ፍሉይ ስልጣን’ውን ተዋሂብዎም’ዩ(ማቴ 28፡20)ከዓርግ ከሎ’ውን ጠቅላላ ማዓረግ ክህነት ሸይሙዎም ዓሪጉ(ሉቃ 24፡51)።ካብ ናይ ሃዋርያት ሃድነት ንዝወጸ ይሁዳ መተካእታ ን ክመርጹ ብሲኖዶስ ተስብሲቦም ን ቤ/ክ ኣገልግሎት ማትያስ ምምራጾም ናይ ሃዋርያት ኣገልግሎይ ካብዚ ካልእ ህዝባዊ ኣገልግሎት ፍሉይ ሙኳኑ የርዳእና (ግብ’ሓዋ 1፡15-26)።

5-ተክሊል

ናይ ክርስትያናት  መርዓ ብቤ/ክ ምስክርነት ዝፍጸም ጸጋ መንፈስ ቅዱስ’ውን ዘውህቦ ስለዝኮነ ካብ ሸውዓቲኦም ምስጢራት ሓደ’ዩ። መርዓ መጽሓፍ ቁድሳዊ መሰረት ኣለዎ(ዘፍ1፡27-28፣ዘፍ 2፡18፣ማቴ19፡4-6)ብናይ ቤ/ክ ቀኖና መስረት ክርስትያናዊ መርዓ ቅድሚ ምፍጻሙ እዞም ዝስዕቡ ግዴታታት ክማልኡ ኣለዎም።

ሀ-ጸጋ መንፈስ ቁዱስ ብማዕረ ስለዝቕበሉ ክልቲኦም ክርስትያን ክኮኑ ኣለዎም።                                                                                                                                                                        ለ-ክልቲኦም ናይ ኦርቶዶስ ተዋህዶ ቤ/ክ ኣባላት ክኮኑ ኣለዎም።እንተዘይኮይኖም ግና እቲ መርዓ ቅድሚ ምፍጻሙ ናይ ቤ/ክ ኣባላት ክኮኑ ግዴታ’ዩ።

ሐ-ቅድሚ መርዓ ስጋዊ ርክብ ኣይፍቀድን።

መ-ኣብቲ መርዓ ክልቲኦም ፍቃደኛታት ክኮኑ ኣልዎም።

ሰ-ኣብ መንጎ ቤተሰብ ናይ ስጋዊ ኮነ መንፈሳዊ ተዛምዶ ገደብ ብመርዓ ክይፈርስ ስጋዕ ሸውኣተ ትውልዲ ክክበር ኣለዎ(ዘሌ 18፡6-21፣ዘዳ7፡3-4)

ረ-ብሞት ብዝሙት እንተዘይኮይኑ ካብ ክልቲኦም ሓዲኦም ተፈልዮም ክምርዓዉ(ከእትዉ)ኣይክእሉን(ማቴ19፡6-9)።

ሸ-ናይ ክርስትያናት መርዓ ናይ ክርስቶስን ናይ ቤ/ክንን ሓድነት ስለዝኮነ ኣይፈርስን(ኤፌ 5፡32)።

ቀ-ናይ ተክሊል ሚስጥር ዝፍጹሙ ጳጳሳትን ቀሳውስትን’ዮም።

በ-ተክሊል ብዝይ ስጋ ወደሙ ኣይፍጸምን (ፍት’መን 24፡899)።

ተ-ኣብ መርዓ ግዜ ናይ ወላዲ ፍቓድ ክሕወሶ ኣለዎ።

6-ንሰሃ

ንሰሃ፥ምጽዋት ምምላስ ካብ ሓጥያት ምንጻህማለት’ዩ።ክርስትያናት ብጥምቀት እንደገና ዝተውለዱ እኳ እንተኮኑ ሰብ ኮይኑ ናብ ሃጥያት ምዝንባል ስለዘይተረፍ ሕድሕድ ክርስትያን መምህረ ንስሃ ክህልዎ ይግባእ።ክርስትያናት ናብ መምህረ ንስህኦም(ኣባት ነብሶም)እንዳከዱ ሓጥያቶም ይናዘዙ(ዘሌ14፡31፣ማቴ8፡4፣ኤድፋንዮስ ሃይማኖተ ኣበው ምዕ 59 ቑ20)።ናብ እግዛብሄር ንምምላስ ዝገብርዎ ፈተነን ሓጥያት ምንዛዞሙን ጸጋ እግዛብሄር ይውሃቦም ስጋ ወደሙ ተቐቢሎምከኣ ናብ ቀደም ከብሮም ይኣትዉ።

ኑዛዜ ምቅባልን ምስትስራይን ዝግኦም ጳጳሳትን ኣቅሸሽትን ጥራይ’ዮምንስሃ መጽሓፍ ቁድሳዊ መሰረት ኣለዎ(ማቴ 8፡4፣16፡19)።ንሰሃ እቲ ተነሳሂ ኣብ ቅድሚ ኣባት ነብሱ ቀሪቡ ሓጥያቱ ብምንዛዝ ዘፍስሶ ንብዓት ናይ ሓጥያት ክብደት እንዳዘከረ ዘርእዮ ጭንቀት ብመንፈስ ቁዱስ እንደገና ንክሕደስ ይገብ(ቅዳሴ ዘ ኣትናቴዎስ)።ንሰሃ ምስቶም ዝደጋገሙ ሚስትራት ዝቁጽር’ዩ።ካብ ነብያት ጀሚሩ ናይ መጥምቐ የውሃንስ፡ናይ ጎይታና እየሱስ ክርስቶስን ተከተልቱን ናይ ሓዋርያትን ትምህርቲ ዋና ዓላማ ሰብ ኩሉ ብንሰሃ ንክመላለስ ናብ እግዝብሄር መንግስቲ ንኽኣቱ መንግስተ ሰማያት ቀሪባ’ላእሞ ንሰሃ እተዉዝብል’ዩ ኔሩ።ሕጅ’ውን ቤተ ክርስትያንና ስለንሰሃ ተምህሮ ነዚ መሰረት ብምግብር’ዩ(ዘካ 1፡3፣ማቴ3፡1-2፣4፡17)።

7-ቀንዴል

ቀንዴል ቤተ ክርስትያን ካብ ትግልገለሎም ሸውዓተ ሚስጥራት ሓደ’ዩ።እዚ ሚስጥረ ቀንዴል ንሕሙማት ዝቅባእ’ዩ።ቀንዴል መጽሓፍ ቁድሳዊ መሰረት ኣለዎ(ማር 6፡13፣ያዕ 5፡13-15)።ሜተ ክርስትያንና ናይ ቀንዴል መድሓኒትነት ንስጋ ጥራይ ዘይኮነንነፍስ’ውን ሰለዝኮነ ብሃጥያት ደዌ ዝተተሓዘ ሰብ ቀንዴል የግበረሉ(ይቅባእ)።ናይ ቀንዴል ሚስትር ዝፍጸም ብጳጳሳተን ብቀሳውስትን’ዩ።ሸውዓቲኦም ሚስጥራት ቤ/ክ ንሕድሕዶም ዝፍጸም ነናቶም ዝኮነ መጽሓፍን ጸሎትን ናይ ኣፈጻጸማ ስርዓትን ኣለዎም።

ኩሎም ሚስጥራት ቤ/ክ ናይ ቤ/ክ ስርዓት ኣምልኮ መፈጽምን ናይ ሃይማኖት መምርሕን እዮም።ኮይኑ ግንከከምኩነታቱ ኣብ ካሊእ ቦታ ክፍጸሙ ይክእሉ’ዮም ውግዘት የብሉን።ናይ ኩሎም ሚስጥራት ዋና ዓላማ ሰብ ንምድሓን’ዩ።

mahbereabuneselama@2012. All Rights Reserved

Advertisements

Leave a Reply

Fill in your details below or click an icon to log in:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out / Change )

Twitter picture

You are commenting using your Twitter account. Log Out / Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out / Change )

Google+ photo

You are commenting using your Google+ account. Log Out / Change )

Connecting to %s