ቤት መቅደስ እግዚኣቢሄር

MONDAY, APRIL 2, 2012
ቤተ መቅደስ እግዚኣብሔር (6)

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሃዱ አምላክ አሜን!

ቁጽሪ 7  ኒቆዲሞስ መጋቢት ፳፫/ ሚያዝያ 1  (2004)/2012 ዓ.ም
ኣምላከ ቅዱሳን እግዚአብሔር ጾምና ይባርኸልና።

ናይዚ ሰሙን ጽሑፍ <> ትብል እያ። ሠናይ ንባብ።

ካብ ዝሓለፈ ዝቐጸለ

መ. ኣብ ዙርያ ቤተመቅደስ ዘለዉ ቅዱሳት ሥዕላት ብኽብሪ ምስጋድ።

ኣብ ዙርያ ቤትመቅደስ ኅልናና ናብ እግዚአብሔር ዝመላለሱ ዝተፈላለዩ ቅዱሳት ሥዕላት ኣለዉ። እዚኦም ቅዱሳት ሥዕላት እንተ ኣኽቢርናዮም ወናኒ ናይቲ ሥዕሊ ብምሕሳብ ዝግባእ ክብሪ እንተሂብናዮም ካብ እግዚአብሔርን ቅዱሳኑን ካብ ቅድስቲ ቤተክርስቲያን በረከት ንቅበል።

1. ቅዱሳት ሥዕላት ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ

ቅዱሳት ሥዕላት ኣብ ቤተ መቅደስ ክስኣሉ ክቅመጡን ክንሰግደሎም ዝፈቀደ እግዚአብሔር እዩ።

ዘጻ.25፣19 > ሊቀ ነብያት ሙሴ ኣብ ልዕሊ  መሕደሪ ታቦት  መኽደን መተዓረቒ  ንኽሰርሕ ዝተኣዘዘ ናይ ኪሩቤል ( ናይ ቅዱሳን መልኣኽቲ) ሥዕሊ እዩ። ህዝበ እስራኤል ኣብ ፊት ቅድሚ ታቦቱ ዘለዎ ድንኳን ክሰግዱ እግዚአብሔር  ኣብቲ መኽደን መተዓረቒ  ኣብ መንጎ እቶም ኣብ ልዕሊ ታቦት ምስክር ዘለዎ ክልተ ኣሳእል ኪሩቤል ተገሊጹ የዘራርቦ ኔሩ።

<>   ዘጻ.25፣22።
> 1ይነገ.6፣23።

1ይነገ.6፣29።  >

ንጉሥ ሰለሙን ቤተ መቅደስ ክሰርሕ ኣብ ውሽጥን ደገን ናይ ቅዱሳን መልኣኽቲ ሥዕሊ ከምዘቅረጸ ኣብ ወርቒ ከምዝለበጦምን ከምዘጌጾምን ንርኢ። እቲ ህዝቢ ናብ ቤተመቅደስ እግዚአብሔር ክሰግድ ከሎ ኣብቲ ቤተመቅደስ ዘለዉ ቅዱሳን ሥዕላትውን  ናይ ጸጋ ስግደት ከምዝሰገደውን ንርኢ።

> ብምባል እግዚአብሔር  ብቅዱሳን ሥዕላቱ ኣቢሉ ክብሩ ይገልጽ ከምዝነበረ ተገሊጹ እዩ።

2. > ዝበል እንዳንበብና ከመይ ንቅዱሳን ሥዕላት ንሰግድ?

> ዝተባህለ <> ንምባል እዩ እምበር ንዝተቐደሰ ሥዕለ ኣድኅኖ ናይ ጸጋ ስግደት ኣይትስገድ ማለት ኣይኮነን። ቅዱሳት ሥዕላት ኣብ ቤት መቅደስ ክሰኣሉ ዝገብረ እግዚአብሔር እዩ። እዚኦም ሥዕለ ኣድኅኖ ኣብ ቤተመቅደሱ ክሰኣሉ ዝገበረ እግዚአብሔር እዩ። እዚኦምሥዕለ ኣድኅኖ ከም ጣዖት ዝቁጸሩ እንተኾይኖም ሊቐ ነብያት ሙሴ  ።  ዘጻ.25፣22።  ጠቢበ  ንጉሥ ሰለሙን 1ይነገ.6፣23-28።  ኣብ ቤተ  መቅደሱ  ውሽጢ ከቅርጾም  ከሎ  እግዚአብሔርዶ  ስቅ ኣይምበለን። ክብሩ ኣብ ልዕሊ ቅዱሳን ሥዕላትውን ኣይምገለጸን ኔሩ። እግዚአብሔር ኣምላኽና ፍቓዱ ስለ ዝኾነ ኣዚዝዎም። ክብሩ’ውን ገሊጽሎም።

ስለዚ ቅዱሳን ሥዕላት ምስቶም ኣይትስገድሎም ካብ ዝተባህሉ ዝድመር ኣይኮነን።   ዝተቀረጹ ምስሊ (ምስ ጣዖታት) ምስ ቅዱሳን ሥዕላት ርክብ ዝበሃል የብሎምን።

3. ዘይዛረቡ ዘይንቀሳቀሱ ሥዕላት ከመይ ከድኅኑ ወይ ክፍውሱ ይኽእሉ?

እግዚአብሔር ንሰባት ንምድኃን እንካን ኣብ ቤቱ ዝተሳእሉ ቅዱሳን ሥዕላት ካልኦት ግዑዛን ፍጥረታት ክጥቐመሎም ይኽእል እዩ።

ህዝበ እስራኤል ኣብ በረኻ ክጎዓዙ ከለዉ ብበደሎም ምኽንያት መቕሰፍቲ ምስ ረኸቦም ንሊቐ ነብያት ሙሴ  >  ኢሎሞ። ሙሴ’ውን ንእግዚአብሔር ለሚንሎም። እግዚአብሔር ናይ ሙሴ ልመና ሰሚዑ ፣ ንሙሴ > ዘኁ.21፣8-9። ኢሉ እግዚአብሔር ኣዚዝዎ። ሙሴ’ውን ከምዝተኣዘዞ ገበረ ህዝበ እስራኤል ካብቲ ዝተኣዘዘሎም መቅሰፍቲ ደሓኑ።

ህዝበ እስራኤል ካብ ግብጺ ወጺኦም ናብ ከንኣን ክጎዓዙ ከለዉ ኣብ መገዶም ባሕረ ኤርትራ ክሳገሩ ነበሮም ።  እቲ ህዝቢ ካብ ፍርሕት ዝተላዕለ ኣግሮምረመ፣ ብድሕሪት ካብ ዝመጾም ናይ ፈርኦን ሰራዊት  ፈርሑ። ኣብቲ እዋን ሙሴ ናብ እግዚአብሔር ምስ ጸለየ  <> ። ዘጻ.14፣15። እስራኤላውያን ብእምነት ባሕረ ኤርትራ ንቑጽ መሬት ኮይንሎም ተሳገሩ።

ሙሴ ብዝተሰቅለ ናይ ኣስራዚ ተመን ህዝበ እስራኤል ካብ መቕሰፍቲ ካብ ደኃኑ፣ ኣብ ኢድ ሙሴ ብዝነበረት ግዑዝ በትሪ ባሕሪ ኤርትራ ኣብ ክልተ ካብ ተኸፍለ። ኣብ ውሽጢ ቤተመቅደስ ዘለዉ ቅዱሳን ሥዕላት ካብ በትርን ብኣምሳል ተመን ዝተሰርሐ ናይ ኣስራዚ ተመን ንላዕሊ ክብሪ ከምዘለዎም ከነስተውዕል ይግበኣና። ብኣስራዚ ተመንም ብናይ ሙሴ በትሪ ተኣምራት ዝገበረ እግዚአብሔር ኣብ ልዕሊ ቅዱሳን ሥዕላት ሓዲሩ ዘደንቅ ስርሑ ንኸይገልጽ ዝኽልክሎ መን እዩ።

> ግ.ሓዋ.19፣11-12። ቅዱስ ጳውሎስ ብዝለበሶ ልብሲ ብዙሓት ኣጋንንቲ ወጺኦም እዮም።

ቅዱስ ጴጥሮስውን ብጽላሎቱ ይፍውስ ኔሩ እዩ።  << ቅዱስ ጴጥሮስ ኪሓልፍ  ከሎ ጽላሎቱ  ኣብ ገሊኦም ምእንቲ ኺወድቕ ኢሎም።

ንሕሙማት ኣብ ዓራትን ኣብ ቃሬዛን ገይሮም ተሰኪሞም ናብ ኣደባባይ የውጽእዎም ነበሩ ። >> ግ.ሓዋ.5፣15። እሞ ድኣ ብናይ ቅዱሳን ሓዋርያት ቁራጽ ክዳንን ብጽላሎቶምን ከምዚ ዝበለ ተኣምራት ካብ ዝተገብረ ፣ ኣብ ውሽጢ ቤተመቅደስ ዝተሳእሉ ቅዱሳን ሥዕላት ተኣምራት እንተሰርሑ ከመይ ይደንቀናን ይገርመናን ?  ስለዚ ናይ እግዚአብሔር ኃይልን ጥበብን ማዕረ ክንደይ ረቂቕ ምዃኑ ኣብዚ’ውን ንርዳእ ኢና።

ቅድስቲ  ቤተክርስቲያና  ኣምላኽና እግዚአብሔር ብዝኣዘዘና መሰረት ናይ ኣምልኾ ስግደት ንዕኡ ንፈጣሪና ኣምላኽና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ንሰግድ ። ዘወትር ከምቲ ኣብ ጸሎትና ንሰግድ ንአብ ለወልድ ለመንፈስ ቅዱስ አሐዱ ስግደተ ንብል። ናይ ኣምልኾ ስግደት እዩ። እዚ ከኣ ፈጣሪና መጋቢና ሓላዊና ስለዝኾነን ካብ ዘይምንባር ናብ ምንባር ዘምጸኣና፣ ስጋብ ኣብ መስቀል ቀራንዮ ስለና ኢሉ ደሙን ሥጋኡን ዘፍሰሰልና ፍቕሩ ብተግባር ዝገለጸልና ኣምላኽ ስለዝኾነ ንዑኡ ጥራሕ ናይ ኣምላኾ ስግደት ንሰግድ።

ንቅድስቲ ቤተክርስቲያን ንቅዱሳን ሥዕላት ከኣ ናይ ጸጋ ስግደት ፣ ትሰግደሎምን ተኽብሮምን።

ኣምላከ ቅዱሳን እግዚአብሔር በረከቱን ረዲኤቱን የብዝሓልና። ወላዲተ አምላክ ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ብኣማላድነታ ኣይትፈለየና።

For those who do not have Geez, please check this PDF link) BETE MEKDES EGZIABHER (6)

ወስብሐት ለእግዚአብሔር።
ወለወላዲቱ ድንግል።
ወለመስቀሉ ክቡር!
አዘክሪ ድንግል at 8:57 AM
Share



Home
View web version
ERITREAN ORTHODOX TEWAHIDO CHURCH
Kana Zegelila
አዘክሪ ድንግል
Powered by Blogger.

Advertisements

Leave a Reply

Fill in your details below or click an icon to log in:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out / Change )

Twitter picture

You are commenting using your Twitter account. Log Out / Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out / Change )

Google+ photo

You are commenting using your Google+ account. Log Out / Change )

Connecting to %s