Menu

ዘኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ መድሃኔ ኣለም ቤ/ክ ማኀበረ ማርያም እስራኤል
ነገረ ማርያም
ነገረ ማርያም.

፪) ለውሃት ኣቤል 

 

 ካብ  ዝሓለፈ ዝቐጸለ,,,,,,,,,,

በስመ  ኣብ ወወልድ  ወመንፈስ ቅዱስ  ኣሃዱ ኣምላኽ ኣሜን።

ቃኤል ርስሓት ዝበዝሖ መስዋዕቲ ካብ ፍረ ምድሪ ንእግዚኣብሔር  ኣቕረበ።ኣቤል ካኣ ካብ በኹራት  ኣባጊዕን ካብ ስብሔንን ኣቕረበ።በዚ ምኽንያት ቃኤል ኣዝዩ ኮረየ  ገጹ ድማ ጸለመ። እግዚኣብሔር ንቃኤል “ስለምንታይ  ኮሪኻ ስለምንታይከ ገጽካ  ጸለመ  ጽቡቕ እንተትገብርሲ  ገጽካ ዶ ትኽ ኣይምበለን።ጽቡቕ እንተዘይገበርካ ድማ ሓጢኣት  ኣብ  ኣፍ ደገ  ትቃጸወካ ኣላ።ሃረርትኣ እውን ናባኻ እዩ ግናኸ ንስኻ  ክትገዝኣ ይግብኣካ እዩ” በሎ።ኣብ መወዳእታ ንሓዊ ኣቤል ቀተሎ።ዘይግባእ መስዋዕቲ  ብዘይካ ምቕራቡ  ዘይግባእ ስራሕ እውን ሰርሐ።(ዘፍ4፡2-8)

እግዚኣብሔር ብባህሪኡ ንጹሕ ብምዃኑ  ንዕኡ ዝቐርብ ኩሉ ንጹሕ(ጽሩይ)ክኸውን ኣለዎ ።ቃኤል ነዚ ብዘይ ምስትውዓል  ካብቲ ምህርቲ ነቲ ዘይጽሩይ  ብምቕራብ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ክብለጽን  ተፈታውነት  ክረክብ ፈተነ።ይኹን ድኣ እምበር  ኲሉ ዝፈልጥ እግዚኣብሔር  ኣይተቐበሎን ንናይ ኣቤል ግና ተቐበለሉ።ብንጽሕና ዝቐረበ ናይ ኣቤል መስዋዕቲ ተቐባልነት ረኸበ፡፡ እግዚኣብሔር  ዝፈትዎ  ነዚ ብምዃኑ  ከም ኣቤል  ኬና ንረኸብ።ንናይ ኣቤል ንጹሕ መስዋዕቲ  ዝረኣየ ንዓና’ውን  ክርእየና እዩ።ኣቤል  ብለውሃቱ  ንጹሕ መስዋዕቲ  ብምቕራቡ  ጥራሕ ኣይኮነን  ዝፍለጥ እንታይ ድኣ ብለውሓቱ ክሳዕ ሞት እውን ብምብጽሑ’ውን  እዩ።

እግዚኣብሔር  ዝረኣያን ዝመረጻን ንጽሕት ቅድስት  ድንግል ማርያም  ብናይ ኣቤል ለውሃት ትመስል።ናይ ኣቤል መስዋዕቲ  ዝተቐበለ ንለውሃቱ  ርእዩ እዩ እሞ ድንግል ማርያም ኣደ ኣምላኽ  ክትከውን  ዝተመርጸት  ብለውሃታ እዩ።ኣቤል ንለውሃት ሒዙ  ከም ዝተጠቕመ  ንሕና እውን ብናይ ኣቤል ለውሃት  ንዝተመሰለት ቅድስት ድንግል ማርያም  ሒዝና ብምርካብና ንጥቀም  ንናይ ኣቤል መስዋዕቲ ዘዕረገሉ ለውሃቱ እዩ።በዚ ምስላ እውን  ናይ ኣቤል ለውሃት ዝኾነት ቅድስት ድንግል ማርያም  ንጸሎትና ተዕርገልና እያ።  

 

ወስብሃት ለእግዚኣብሔር

ወለወላዲቱ ድንግል

ወለመስቀሉ ክቡር

ኣሜን!!!

ይ  ቕ   ጽ  ል  ,,,,,,,,,

Share this:
TwitterFacebook11

Related
ነገረ ማርያም
ነገረ ማርያም
ነገረ ማርያም
July 8, 2013Leave a reply
« Previous
Next »
Leave a Reply
Your email address will not be published. Required fields are marked *
Name *
Email *
Website
Comment

Notify me of new comments via email.

Recent Posts

፳፮/26 ሓምለ ዕረፍቱ ለኣቡነ ሰላማ ከሳቴ ብርሃን/26th july the death of st.Aba Selama Kesatiebrhan August 2, 2014
፳፭/25 ዕረፍቱ ለሓዋርያ ይሁዳ July 2, 2014
፲፯/17 ዕለተ ዝክሩ ለኣባገሪማ/ 17th June The Commemoration Day of Aba Gerima June 24, 2014
፳፭/25 ግንቦት ዕረፍታ ለቅድስት ሰሎሜ June 2, 2014
ዕርገት እግዚእነ ወመድኃኒነ ኢየሱስ ክርስቶ (ቀዳማይ ክፋል) May 28, 2014
ዓውደ ኣዋርኅ

JULY 2013
M T W T F S S
« Jun   Aug »
1 2 3 4 5 6 7
8 9 10 11 12 13 14
15 16 17 18 19 20 21
22 23 24 25 26 27 28
29 30 31  
Archives

August 2014
July 2014
June 2014
May 2014
April 2014
March 2014
February 2014
January 2014
December 2013
November 2013
October 2013
September 2013
August 2013
July 2013
June 2013
May 2013
April 2013
March 2013
February 2013
January 2013
Categories

ስብከት
ትምህርቲ ሃይማኖት
ነገረ ማርያም
ነገረ ቅዱሳን
ነገረ ክርስቶስ
ኪነ-ጥበብ
Uncategorized
View Full Site

Blog at WordPress.com.

Now Available! Download WordPress for Android

Advertisements

Leave a Reply

Fill in your details below or click an icon to log in:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out / Change )

Twitter picture

You are commenting using your Twitter account. Log Out / Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out / Change )

Google+ photo

You are commenting using your Google+ account. Log Out / Change )

Connecting to %s