Menu

ዘኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ መድሃኔ ኣለም ቤ/ክ ማኀበረ ማርያም እስራኤል
ነገረ ቅዱሳን
ነገረ ቅዱሳን.

በስመ  ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ  ፩ዱ ኣምላኽ ኣሜን።

ኣመ ፭ ለሓምሌ በዛቲ ዕለት  ኮነ ስምዖሙ ለ፪ ሓዋርያት  ኣቢያን ሊቃናት ጴጥሮስ ወጳውሎስ;;

 ሊቀ ሃዋርያት ቅዱስ ጴጥሮስ

ጴጥሮስ ማለት ከውሒ፡መሰረት ፡ማለት እዩ።ቀዳማይ ስሙ ስምኦን ክኸውን ከሎ ጴጥሮስ ኢሉ ዝሰመዮ ግና ኣምላኽና ኢየሱስ ክርስቶስ ኢዩ ።እዚ  ክርስቶስ ኣምላኽና ኣብ ቂሳርያ ናይ ፍሊጶስ ሃዋርያ ዓዲ ንወዲ ሰብ መን ይብልዎ ኢሉ ሕቶ ኣብ ዘቕረበሎም  ግዜ   ቅዱሳን ሃዋርያት  ሰባት ዝብልዎ ሓሳባት ክነግርዎ ከለዉ   ቅዱስ ጴጥሮስ ግን ሱቕ በለ ፡ ከመይ ንሱ ዝብሎ ድኣ እምበር ዓለምን መሳሰይታን ዝብልዎ ክዛረብ ኣይደለየን።ኣብ መወዳእታ ግና ንስኻትኩም ከ  መን ትብሉኒ ዝብል ሓቶ ኣብ ዘቕረበሎም ግዜ  ቅድሚ ኩሎም  ቅዱሳን ሃዋርያት  ተንሲኡ ንስኻ ክርስቶስ  ወዲ ሕያው እግዚኣብሔር ኢኻ ብምባል ክርስቶስ ፍጹም ኣምላኽ ፍጹም ሰብ ፡ብተዋህዶ ሓደ ኣካል ሓደ ባሕርይ ከም ዝኾነ መንፈስ ቅዱስ ብዝገለጸሉ ምስጢር ናይ ተዋህዶ ተዛረበ ።በዚ’ዩ  ኢኻ ቅዱስ ኣምላኽና ኢየሱስ ክርስቶስ ንስኻ ከውሒ ኢኻ ጴጥሮስ ተባሂልካ ካኣ ክትስመ ኢኻ ኢሉ ነዚ ስም እዚ ዝሃቦን ብእኡ ክጽዋዕ ዝገበረን።ልዒሊ ኩሎም ሃዋርያት ገይሩ ካኣ ናይ መንግስተ ሰማያት መፍትሕ ሃቦ፡(ማቴ16፡13-20/፲፮፡፲፫-፳)

 ቅዱስ ሃዋርያ ጴጥሮስ ነገዱ ካብ ነገደ  ሮቤል ኮይኑ  ቁጽሩ ካብ 12/፲፪ ሃዋርያት ፡ሃገረ ስብከቱ ሮሜ ፡ዕረፍቱ 5/፭ ሓምለ -67 / ፷፯ ዓመተ ምሕረት ኢዩ።

ኣምላኽና ኢየሱስ ክርስቶስ  ንቅዱስ ሃዋርያት ካብ ዓለም ፈልዩ ንሃዋርያነት ክልእኮም ከሎ  ካብ ብዙህ ዝዓይነቱ ናብራን መድረኽን ኣተንሲኡ እዩ  ናቱ ሰዓብትን ናይ ቃላቱ መገብትን ገይርዎም ፡፥ሓደ ካብኣቶም ዝኾነ ቅዱስ ጴጥሮስ እውን  ኣብ ዓዱ ኣብ ቤተ ሳይዳ  ካብቲ ዕለታዊ  ናብርኡ ንኽኣሊ ዝሰርሖ ዝነበረ ምግፋፍ ዓሳ ጸዊዑ እዩ ካብ ምግፋፍ ዓሳ ገፋፊ ሰብ ከም ዝኸውን ዝገበረ።ነዚ ዝሰምዔ ቅዱስ ጴጥሮስ ‘ውን  ነቲ ዝነበሮ ናይ ዓሳ ምግፋፍ ስራሕ ገዲፉ ምስ ክርስቶስ ክኸይድ ኣሰር ኣሰሩ ክረግጽ  ብእምነት ተበጊሱ ሰዓቦ።

ከም ኩሎም  ሓዋርያት ካኣ ደድሕሪ ክርስቶስ እናኸደ ክሳዕ ዕርገት ጎይታ ብዙሕ ትምህርቲ ተማህረ።ከምቲ ዝተኣዘዝዎ  መሰረት ካኣ ድሕሪ ዕርገት ናይ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ  ብትብዓት ንወንጌል ክርስቶስ ሰቢኹ ኣብ ኣደባብያት ኣብ ዕጸ መስቀል ቁልቁል ኣፉ ተሰቒሉ  ኣብ ቅድሚ ኣምላኹ ክቡር ዝኾነ ሞት እዩ ሞይቱ ።

 

ቅድሚ  ኣብ ዘመኑ ስብከቱ ዝፈጸሞም  ቅድሚ ምርኣይና  ግና ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብሰፊሑ ተገሊጹ ወይ ድማ ተጻሒፉ ካብ ዝርከብ ትንክፍ ክነብል ።ንሱኻ ከምቲ ቅድስት ቤተክርስቲያና እትምህረና፡ሊቀ ሃዋርያት  ቅዱስ ጴጥሮስ  ዝያዳ ኩሎም ሃዋርያት ቅልጡፍ ከም ዝነብረ  ይፍለጥ።ኣብ ቂሳርያ ናይ ፍሊጶስ ዓዲ  ንየማን ንጸጋም ከይ በለ ብቕልጡፍ “ንስኻ  ክርስቶስ ወዲ ሕያው እግዚኣብሔር ኢኻ-  ንስኻ ሰብ ዝኾንካ ኣምላኽ -ንእግዚኣብሔር ናይ ባህርይ ወዱ እቲ ዝነበረ እቲ ዘሎ እቲ ዝነበር ሓደ ወልድ  ስጋ ሰብ ዝለበስካ ክርስቶስ ተባሂልካ ዝተጸዋዕካ -ወልድ ዋኅድ  ንስኻ ኢኻ” ብምባል ብዘይካኡ ካልእ ወልድ ከምዘየለን እቲ ሰብዝኾነ ወልደ እግዚኣብሔር ንሱ ኢየሱስ ክርስቶስ ምዃኑ  መስከረ።እዚ ስለ ዝመስከረ ካኣ  ብጹዕ ተባህለ ልዕሊ ኩሎም ሃዋርያት ካኣ ኮነ።(ማቴ16፡13-20/፲፮፡፲፫-፳)

ኣብ ደብረ ታቦር ኣብቲ ቅዱስ እምባ ኣብ ዝደየበሉ  ግዜ ሊቀ ነብያት ሙሴን ነቢይ ኤልያስን ምስ ጎይታናን ኣምላኽናን ኢየሱስ ክርስቶስ ክዘራረቡ ምስ ረኣየ፡ናይ ክርስቶስ ክብሪ ምስ ኣስተብሃለ  ቅድሚ ቅዱስ ዮሓንስን ቅዱስ ሃዋርያ ያዕቆብን  “ንዓና ኣብዚ ምንባር ጽቡቕ ኢዩ ሰለስተ ዳስ ክንሰርሕ ሓደ  ንዓኻ ፡ሓደ   ንሙሴ ፡ ሓደ  ካኣ ንኤልያስ” ክብል ዝተዛረበ ቅዱስ ሃዋርያ ኢዩ።(ማቴ17፡1-4/፲፯፡፩-፬)

 
ምስ ቅዱሳን ሃዋርያት ናብ ቅፍርናሆም ኣብ ዝምጻሉ ግዜ እቶም ግብሪ  ቤተ መቕደስ ዝቕበሉ ሰባት ናብኡ መጺኦም “መምህርኩምሲ ግብሪ ዶ ኣይከፍልን ኢዩ” ኢሎም ኣብ ዝሓተትዎ ግዜ ይከፍል እባ ክብል መለሰ።ነዚ ፈሊጡ ኣምላኽና  ኢየሱስ ክርስቶስ  ናብ ባሕሪ ከይዱ ብሞቕሎብ  ገይሩ ካብ ዝሓዞ ዓሳ ፡ኣብ ውሽጡ ካብ ዝጸንሐ ሓደ ኣስታቴር(ኣርባዕተ ዲናር ዝሽረፍ) ወሲዱ ኣብ ክንድኡን ኣብ ክንዲ ክርስቶስ  ነቶም ተቐበልቲ ግብሪ ክኸፍሎም ነገሮ ።ቅዱስ ጴጥሮስ ድማ ከምኡ ገበረ።(ማቴ17፡24-27/፲፯፡፳፬-፳፯)

ደድሕሪ ክርስቶስ ምኻዱ፡  ዝገፎ ዝነበረ ዓሳ ምግዳፉ ፡ቤተ ሰቡ  ብሓፈሻ ዝነብሮ ዝነበረ ናብራ ሕዲጉ ንክርስቶስ ምስዓቡ  ኣብ መወዳእታ ክረኽቦ ዘለዎ  እንታይ ምዃኑ መታን ጽቡቕ ገይሩ ክፈልጥ “እንሆ ንኹሉ ጥሪትና ሕዲግና  ስዒብናካ ኣሎና” ክብል ሕቶ ኣቕረበ።መጻኢ ሂወቱን ትርጉም ምጉዓዙን  እንታይ ትጽቢትን ተስፋን ዘለዎ ምዃኑ መታን  ንዕኡን ነቶም ምስኡ ዝነበሩ ቅዱሳን ሃዋርያትን ክበርሃሎምን ግልጺ ክኾነሎምን  ካኣ ” ኣብዚ ዓለም እዚ ብዙሕ ካዕበት ኣብታ  እትመጽዕ  ዓለም ካኣ ናይ ዘልኣለም ሕይወት ዘይረክብ የልቦን”  ዝብል ዓቢይን ዘጸናንዕን ኣምላኻዊ  ቃል  ሰምዔ።(ሉቃ18፡28-30/፲፰፡፳፰-፴)

ብዕለተ ሓሙስ(ቅዱስ ቁርባን ኣብ ዝተሰርዓሉ ምሸት)  ብኣምላኹ ብኢየሱስ ክርስቶስ ምእንቲ ከይሕጸብ ዝተኸራኸረ፡ ናብ ዓርቢ ዘውግሔ ለይቲ ኣይሁድ ምስ ጭፍራ ሰባት ንክርስቶስ  ኣምላኽና  ክሕዙ ኣብ ዝመጽሉ  ግዜ  ናይ ኣምላኹ ፍቕሪ ዘቃጸሎ ቅዱስ ጴጥሮስ በቲ ሒዝዎ ዝነበረ ሴፍ ገይሩ እዚ ናይቲ ኣገልጋሊ ሊቀ ካህናት ቆረጸ።(ማቴ ማቴ26፡50-52/፳፮፡፶-፶፪ )

ኣቐዲሙ  ክርስቶስ ኣምላኽ ስለ ስቕለቱን ሞቱን ኣብ ዝነገሮም ግዜ ” ጎይታይ ! የድሕንካ እባ ድኣ እዚ ኩሉስ ኣባኻ ኣይውረድ ” እና በለ ብታህዋኽ ዝተዛረበ ቅዱስ ጴጥሮስ  ክርስቶስ ገሲጽዎ ኢዩ።(ማቴ16፡21-23/፲፮፡፳፩-፳፫) መሊስ’ውን ቅድሚ ስቕለቱ  ዝነበረ ሰዓታት ደጊሙ ንሱ ክስቀል ምዃኑ፡ነቲ ጓሳ ኣባጊዕ ምስ  ሓዝዎ ድማ ኩላቶም ሃዋርያት  ፋሕ ከም ዝብሉ  ኣብ ዝነገሮም ግዜ ቅዱስ ጴጥሮስ ፥ኩላቶም እኳ እንተኸሓዱኻ ኣነስ  ከቶ ኣይክሓድገካን እየ” ክብል ተዛረበ እንተኾነ በታ ለይቲ እቲኣ ከምቲ ክርስቶስ ዝበሎ ፡እቲ ኣብ ቅድሚ  ጭፍራ ናይ ኣይሁድ ከይፈርሐ ብትብዓት እዝኒ ጊልያ ናይቲ ሊቀካህነት ዝቖረጸ ፡ኣብ ቅድሚ ሰበይቲ ግና ፈርሐ “ወዲ መዝሙሩ ኣይኮንኩን፡ነዚ ሰብ እዚ ኣይፈልጦን ” ካኣ  በለ።እንተኾነ  ነቶም እንጋገ ዘሎና ኣብነትን ክኾነናን ኣሰሩ ምእንቲ ክንስዕብን ኣምሪሩ በኸየ ፡ተነስሐ ። ዝሕዘኖ ሓዘን ዝነብዖ ንብዓት ተመልኪቱ ንንስሓኡ ተቐበለሉ።(ማቴ26፡69-75/፳፮፡፷-፸፭)

ብድሕርዚ ማርያም መግደላዊት ናይ ክርስቶስ ትንሳኤ ኣብ ዘበሰረቶም ሰዓትን ግዜን ካኣ ምስቲ ጎይታ ዘፍቅሮ ወደ መዝሙር ማለት ዮሓንስ  ኮይኑ ኣብ ናይ ክርስቶስ መቓብር በጽሐ ኣብቲ መቓብር ኣትዩ ካኣ ናይ ክርቶስ ትንሳኤ  ኣረጋገጸ።( ዮሃ20፡1-10/፳፡፩-፲)

ድሕሪ እውን እንተኾነ  ንህዝቢ ኣምላኽ ኣኪቡ ብማእከልነት ዝመርሕ ዝነበረ ንሱ ባዕሉ እቲ ርእሲ  ናይ ሃዋርያት ዝተሰምየ ቅዱስ ጴጥሮስ ኢዩ።(ግ፣ሃዋ5፡1-10/፭፡፩-፲)

መበል ዓሰርተ ክልተ ዝነበረ ይሁዳ ኣስቆሮታዊ ብገዛእ ፍቓድ ካብ ሃዋርያዊ ኣገልጉለት ወጺኡ ንኣምላኹ ኣሕሊፉ ኣብ ምሃብ ስለ ዝበጽሔ ንዕኡ መተካእታ ዝኸውን ሰብ ብመርሕነት መንፈስ ቅዱስ ክትክኡ ከምዘሎዎም ዝገበረ ኣብ በዓለ መንፈስ ቅዱስ ብሓደ ግዜ 3000/ ፫፼ ሰባት ዘእመነ ሊቀ ሃዋርያት ቅዱስ ጴጥሮስ ኢዩ።(ግ፣ሃዋ1፡12-መፈ/፩፡፲፪-መፈ ፣ 2፡1-መፈ/፪፡፩-መፈ)

ስለዚ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ዘመነ ሕይወት ብዙሕ ትሩፋትን ትምህርቲ  ዘለዎ ዓቢ  ናይ ሃይማኖት ኣቦ እዩ።

ድሕሪ ዕርገት ጎይታ ቅዱስ ሃዋርያ ጴጥሮስ ናብ ሮሜ (ኢጣልያ) ናብ ናይ መኳንንቲ ስፍራ ኣትዩ  ዓው ብዝበለ ድምጺ “መሓርቲ ምሕረት ክረኽቡ እዮም እሞ ብጹዓን እዮም” እና በለ  ሰበኸ።ነዚ ዝሰምዑ ኣብቲ ቤት ተተኺሎም ነቲ ቤት ኣቑሞም ዝነበሩ ኣርባዕተ ኣዕኑድ  ብሓባር “ኣሜን” ዝብል ድምጺ ኣስምዑ።

ኣብቲ ቤት ሓደ 70/፸ ዓመት ዘውድቕ  ጋኔን ዝሓዞ ሰብኣይ ነበረ እሞ  ነቲ ቅዱስ  ጴጥሮስ ዝተዛረቦ ቃል ሰሚዖም  እቶም ኣርባዕተ ኣዕኑድ “ኣሜን ”  ክብሉ ምስ ሰምዔ  ብስንባዴ እቲ ጋኔን ካብቲ ሰብ ወጸ። ነዚ ዝረኣዩ ናይ ሮማ መኳንንቲን ዓበይቲ ዓድን ኣዝዮም ፈርሑን ተሸበሩን በቲ ዝኾነ ነገር ካኣ እና ተደንቑ ነናብ ቤቶም ከዱ።

ኣብቲ ጉባኤ ዝወዓለ ቀውስጦስ ዝስሙ ሓደ ሰብኣይ ነበረ እሞ ናብ ቤቱ ከይዱ ንኣክሮስያ ሰበይቱ  እቲ ኩሉ ዝኾነን ቅዱስ ጴጥሮስ ዝሰበኾ ሰብከት ነገራ።ንሳ ድማ ብልባ ደስ እና በላ ብሓቂ ናይ ዓለም ነገር ኮንቱ ምዃኑን  ሃብትኻ ንድኻታት ንጽጉማት  ምሃብ ከም ዝግባእ ኣሚና ፡ እዚ ኣዝዩ ጽቡቕ ነገር እዩ እሞ እቲ ጴጥሮስ ዝበሎ ክንገብሮ ይግባኣና እዩ ክትብል ንሰብኣያ መለሰትሉ።ብድሕርዚ ከምቲ ቅዱስ ጴጥሮስ  ዝመሃሮም ገበሩ ንኹሉ ሃብቶምን ንብረቶምን ካኣ ንድኻታትን ንጽጉማትን ሂቦም ወድእዎ።

ናይቲ ሃገር ዝነበረ ንጉስ  ብዛዕባ ናይ መንግስቲ ግብሪ ክማኻር  ንቀውስጦስ  ናብኡ ክመጽእ ጸውዖ እሞ እዚ ዝሰምዔ  ቀውስጦስ ግና  ናብ ንጉስ ሒዝዎ ዝኸይድ ገጸ በረኸት ብዘይ  ምንባሩ ብልቡ ኣዝዩ ሓዘነ።ብብዙሕ መገዲ ካኣ ምስ ሰበይቱ ተማኸረ ።ኣብ መጨረሽታ ሰበይቱ “ኣይትሸገር ኣምላከ ቅዱስ ጴጥሮስ ክረድኣካ እዩ ስቕ ኢልካ ድኣ ኪድ ” ኢሉ  ኣፋነወቶ።ብድሕሪ እዚ ቀውስጦስ ንሰበይቱ ተፋንዩ ናብ ንጉስ ከደ ፡እቲ ንጉስ ካኣ ብሓጎስን ብደስታን ተቐበሎ፡

ቀውስጦስ ንሰለስተ ዓመታት ዝኣክል ምስ ንጉስ ድሕሪ ምጽናሕ ናብ ዓዱ ተመልሰ እንተኾነ ገዲፍዎ ዝኸደ ክልተ ደቁ ሞይቶም ጸንሕዎ  ሰበይቱ ከመይ ገይራ ከም እትነግሮ ካኣ ዓቕላ ጸበባ ድሕሪ ብዙሕ ምሳሌታት ካኣ እቲ ዝኾነ ንሰብኣያ ነገረቶ እሞ ቀውስጦስ ሰብኣያ  ኣዝዩ ሓዘነ ተከዘ ካኣ ንሳ ግን  “ኦ! እግዚእየ ንስእሎ ለእግዚኣብሔር ኣምላከ ጴጥሮስ  ኦ! ጎይታ ንእግዚኣብሔር ንናይ ጴጥሮስ ኣምላኽ ንለምኖ” በለቶ።

ብድሕሪ’ዚ ብስቡር ልቢ ናብ ኣምላኽ ናብ እግዚኣብሔር ጸሎቶም ኣቕረቡ እሞ  “ኦ! ቀውስጦስን ኣክሮስያን  ቃል ኣገልጋልየይ ጴጥሮስ ስለ ዝሰማዕኩምን ዝተቐበልኩምን  ንኽልቲኦም ደቅኹም ሕያዋን ገይረ ክህበኩም እየ ” ዝብል ድምጺ ካብ ሰማይ መጸ።ክልቲኦም ደቆም ካኣ ተንስኡ።ሓደ ካብኣቶም  ናይ ቅዱስ ጴጥሮስ  ረድእን ኣገልጋልን ዝኾነ ቀሌምንጦስ እዩ።ጸኒሑ ቅዱስ ጴጥሮስ  ንቀሌምንጦስ ጳጳስ ንሓዉ ካኣ ዲያቆን ሸሞም።

ብድሕሪ’ዚ ኣብ ላዕሊ ናይ ቅድስት ድንግል ማርያም ዕብየታን ክብራን ኣብ ደመና  ብመልክዕ ቀስቲ ኣብቲ ቀስቲ ካኣ ኣብ ማእከል ደብተራ ብርሃን ቅድስት ድንግል ማርያም ፡ቅዱሳን መላእክት ብእሳት ሓዊ ተኸቢቦም ንዓኣ ካኣ ከቢቦም እና ኣመስገንዋን እና ወደስዋን ተራእየቶ።ብዙሕ  ዓበይቲ ዘደንቑ ነገራት ካኣ ሰምዔን ረኣየን።

ብድሕሪ’ዚ  ኣምላኽና ኢየሱስ ክርስቶስ ናብ ኩሉ ቦታታት ከይዱ ክሰብኽ ከም ዘለዎ ኣዘዞ እሞ ካብኡ ተበጊሱ  ብኤማሁስ(11ኪሎ ሜተር ካብ ኢየሩሳሌም) ሓሊፉ ናብ ልድያ(ሉድ -ቅዱስ ጊዮርግስ  ብሰማእትነት ዝዓረፈሉ ) ኣብ መጨርሽታ ናብ ኢዮጴ(ናይ ሎሚ ተል-ኣቪቭ) በጽሐ።

ኣብ ልድያ(ልዳ/ሉድ) ካብ ሸሞንተ ዓመት ኣትሒዙ ኣብ ዓራት ዝደቀሰ ኤንያ ዝስሙ ልሙስ ሰብኣይ ካብ ዓራቱ ኣተንስኦ፡ኣብዚ  ቦታ እዚ ከሎ ካኣ ሓንቲ ጣቢታ(ዶርቃስ)ዝተባህለት  ሠናይ ምግባርን ምጽዋት ምሃብን እተዘውትር ዝነበርት ኣማኒት ሓሚማ ሞተት ብድሕሪ’ዚ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ልዳ ከም ዘሎ ዝፈለጡ ሰብኣ ኢዮጴ ሰባት ልኢኾም ናብኡ ከም ዝመጽእ ገበሩ ንሱ ድማ ሕያው ገይሩ ኣብ ቅድሚኦም ደው ኣበላ።(ግብረ ሃዋርያት9፡32-43/፱፡፴፪-፵፫)

ቅድሱ ጴጥሮስ ኣብ ኢዮጴ እና ጸለየ ከሎ እንሆ ብኣርባዕተ መኣዝኑ  ዝተታሕዘ ዓቢይ ነጸላ ዝመስል ካብ ሰማይ ወሪዱ ናብኡ መጸ ኣብ ውሽጡ ካኣ ኣርባዕተ መሓውር ዘለዎም እንስሳ ቤትን ኣራዊትን  ለመም ዝበሉን ኣዕዋፍ ሰማይን ረኣየ እሞ “ጴጥሮስ ተንስእ ሓሪድካ ብላዕ”  ዝብል ድምጺ ካብ  ሰማይ መጾ ንሱ ግና  “ርኹስ ወይስ  ዘጸይፍ ከቶ ኣብ ኣፈይ ኣትዩ ኣይፈልጥን እዩ እሞ ኣይከውን እዩ” ክብል መለሰ።ካልኣይ ግዜ ካኣ ነቲ ኣምላኽ ዘንጽሖ  ንስኻ ርኹስ እዩ ኣይትበል” ዝብል ድምጺ  ደጊሙ መጾ ከምዚ እና በለ ሰለስተ ግዜ ተደጋገመ ኣብ መጨረሽታ ካኣ ኩሉ እቲ ዝረኣዮ ራእይ ናብ ሰማይ ተወስደ።(ግብረ ሃዋርያት 10፡9-17/፲፡፱-፲፯  ፣11፡5-10/፲፩፡፭-፲) ብዛዕባ እዚ ነገር እዚ እና ተጨነቀ ከሎ እምበኣር እቲ ኣብ ቂሳርያ ዝቕመጥ ዝነበረ  ምስ ኩሉ ስድራቤቱ መንፈሳዊ ሰብ ፡ንህዝቢ እውን ብዙሕ  ምጽዋት ዜዘውትር ቆርኔሌዎስ ዝተባህለ  ነቲ ኣብ ቤት ስምዖን ቆርበት ዘልፍዕ ሰብ ኣብ ኢዮጴ ዝነብር ዝነበረ ስምዖን ዝተባህለ ጴጥሮስ ሰባት ልኢኹ ናብ ቤቱ ጸውዖ ቅዱስ ጴጥሮስ ናብ ቤቱ መጺኡ እቲ ኹሉ ዝኾነንገረ እሞ ኣጠመቖ።ነቶም ኣብቲ ቦታ ዝነበሩ ሰባት ካኣ መንፈስ ቅዱስ ብዝሃቦ ጸጋን ጥበብን ናይ ክርስቶስ ትምህርቲ ምሂሩ ክርስቲያን ክኾኑ ኣብቅዖም።(ግብረሃዋርያት10።44-48/፲፡፵፬-፵፰)

ብድሕር’ዚ ከምቲ ጎይታ ዝኣዘዞም  ቅዱስ ጴጥሮስ ምስ ቅዱስ ዮሓንስ  ናብ ኣንጾኪያ ኣምርሑ።ቅድሚኡ ግና  ቅዱስ  ዮሓንስ ንሃገረ ኣንጾኪያ ኣጽኒዕዋ ክመጽእ ናብ ኣንጾኪያ ከደ።እቲ ሰባት ናይታ ሃገር ግና ሕሱማትን ክፉኣት ኮይኖም ጸንሕዎ ክቐትልዎ’ውን ደለዩ።

 እና ሓዘነ ናብ ቅዱስ ጴጥሮስ ተመሊሱ ካኣ ነግስታትን መኳንንትን ናይዛ ሃገር ክፉኣትን ርጉማትን እዮም ከመይ ኢልና ኢና ድኣ ናይ ክርስቶስ ትምህርቲ ክንሰብኽን ሃይማኖት ክምህሮም !! በሎ።ነዚ ምስ ሰምዔ ቅዱስ ጴጥሮስ  ፍቁረይብዛዕባ ናቶም ነገር  ኣይትሕዘንን ኣይትደንግጽን  ብኣፍራስ ናይ 20/፳ መዓልቲ ዝኾነ እንሆ ንዓና ግና ብሓደ ለይትን መዓልትን ካብ ኢየሩሳሌም ኣብዚ ዘብጽሓና ኣምላኽ ሕጂ እውን ንኹሉ ስራሕና ባዕሉ ክገብረልናን ከሰንየናን እዩ ” በሎ።ናብቲ ሃገር ኣትዮም ካኣ እና ተዛወሩ ናይ ክርስቶስ ወንጌል መሃሩ እንተኾነ እቶም ህዝቢ ኣዝዮም ጨካናትን ርጉማትን ኣብ ኣምልኾ ጣዖት ዝተጸምዱ ስለ ዝነበሩ ብዘሰቕቕ መገረፍቲ ገረፍዎም  መታን ክላገጽሎምን ክስሕቅዎምን ካኣ ሓሓሊፎም (ቦግ ቦግ እና ኣበሉ ) ርእሶም ላጸይዎም ነዚ ገይሮም ካኣ ናብ  ቤት ማእሰርቲ ኣእተውዎም።እዚ ምስ ኮነ ኣብ ውሽጢ እቲ ተኣሲረምሉ ዝነበሩ ስፍራ ኮኖም እግዚኣብሔር መታን ክረድኦም ጸሎት ኣቕረቡ። ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ  ኣብ ዙርያኡ ኪሩቤልን ሱራፌልን ከቢቦም ተራእዮም በሎም  ካኣ          ” ኦ! ኅሩያንየ ጴጥሮስ ወዮሓንስ ኢትፍርሁ ወኢትኅዝኑ እስመ ኣነ ህልው ምስሌክሙ እስከ ለዓለም -ኦ ! ሕሩያተይ ጴጥሮስን  ዮሓንስን ኣይትፍርሑን ኣይትሕዘኑን  ኣነ ክሳዕ ዘልኣለም ምሳኹም ህሉው እየ”

ብዛዕባ እቲ ንኽስሕቁ ኢሎም  ሓሓሊፎም ዝላጸይዎ ጸግሩኹም  ኣይትሕሰቡን ኣይትሕዘኑን እዚ መመክሕን ክብርን ናይ ክህነት ስርዓትን ንኹሉ ነቲ ስጋየይን ደመይን ዘቑርብ ሰብ  ክኸውን እዩ” ክብል ተዛረቦም።

ሎሚ ቅድስት ቤተ ክርስቲያና ናይ ቤተ ክርስቲያን ሰባት ብሕግን ስርዓትን ናይ ቅድስት ኦርቶድክሳዊት ተዋህዶ ሃይማኖት  ዝተማህሩ ሰባት ማዕርገ ዲቁናን ክህነት ኣብ  ዝቕበልሉ ግዜ ከምቲ ጎይታ ንቅዱሳን ሃዋርያት ጴጥሮስን  ዮሃንስን ዝኣተወሎም ቃል ኪዳን መሰረት ፡ኣብዚ  ማዕርግ እዚ ንዝበጽሑ ሰባት ኣብ  ግዜ  ማዕርግ ኣብ ዝዕደልሉ ግዜ  ከምቲ ሰብኣ ቂሳርያ ዝገበርዎ ፡ካብ ጸጉሪ ናይዞም ሰባት ካኣ ሓሓሊፉ(ቦግ ቦግ  የብልሎም) ይውሰደሎም ጎይታ ከም ዘበሎ ናይ ክህነት ስርዓትን ምልክትን  ክኸውን ኢዩ ስለ ዝበለ ብኣምላኻዊ ቃሉ።

ቅዱሳን ሃዋርያት ጴጥሮስን ዮሃንስ ካብ ቤት ማሰርቲ ምስ ወጹ ቅዱስ ሃዋርያ ጳውሎስ ብፍቓድ ኣምላኽ ናብኣቶም መጸ እሞ ንቅዱስ ዮሃንስ ረኸቦ ።እቲ ኮይንዎ ዝነበረ ምስ ረኣየ ካኣ እንታይ ኮንካ ናይ’ዛ ሃገር ሰባት’ከ እንታይ ገበሩኻ ክብል ሓተቶ ።ቅዱስ ዮሓንስ ብወገኑ  “ኢታንክር እምኔየ እስመ ሊቀ ሓዋርያት ካዕበ በዝንቱ ኣርኣያ ሀሎ” ክብል መለሰሉ።

ካብኡ ተንሲኡ ቅዱስ ጳውሎስ ናብቲ ቤተ ጣዖቶም ከዱ ንሱ  ጣዖት ከም ዘምልኽ ኮይኑ ካኣ ቀረቦም። ብድሕሪ’ዚ ናብቲ ቅዱስ ጴጥሮስ ዝነበሮ ስፍራ ወስድዎ  ፡ ንቅዱስ ጴጥርስ ምስ ረኣዮ ካኣ ገጹ ጸፍዖ ቀጺሉ ንስኻ እንታይ  ትእምርቲ ተርእየና ብሓቂ ናይ ጽድቂ ቃላት እንተድኣ ኣለካ ኮይኑ ክብል ተዛረቦ።እዚ ኢሉ ነቶም ኣሕዛብ “ምዉታን እንተድኣ ኣተንሲኡ ክንኣምኖ ኢና” ክብል ነቶም ሰባት ተዛረቦም እሞ ካብ ዝመውት 3/፫ ወርሒ  ዝገበረ ሰብነቱ ፈጺሙ ዝማህመነ ሬሳ ኣምጽእሉ  ብድሕርዚ እዚ ሓቢሮም ናብ እግዚኣብሔር ጸለዩ ፡ነቲ ሞይቱ ዝነበረ ሰብ ካኣ ሕያው ገይሩ ኣተንስኦ።

እዚ ምስ ኮነ ናይታ ሃገር ንጉስን ሰበይቱን ምስ ጳውሎስ ተዘራረቡ እሞ በቲ ዝኾነ ኩሉ ኣመኑ።ሽዑ ቅዱስ ጴጥሮስ ምድሪ ቤት ናይ ዝነበርዎ ገዛ በትሪ ገይሩ ሃረሞ እሞ ጽሩይ ማይ ወጸ በቲ ዝወጸ ጽሩይ ማይ ገይሩ ካኣ ብስም ኣብን ወልድን መንፈስ ቅዱስ  ንንጉስን  ስድራቤቱን ንኹሎም ናይ ኣንጾኪያ ሰባትን ኣጠመቖም ፡ቤተ ክርስቲያን ሃነጹ መሃርዎምን  ኣጽንዕዎምን ካኣ።

ብድሕሪ’ዚ ናይ ሎዶቅያ ሰባት ባሕሪ ቂሣሮስ  መሊኡ ንኹሉ ገዛውትናን እንስሳናን ሰብናን ኣጥፊኡና ክብሉ ሰባት ናብ ኣንጾኪያ ናብ ቅዱስ ጴጥሮስን ዮሓንስ ለኣኹ።እዚ ምስ ሰምዔ ቅዱስ ጴጥሮስ ዮሓንስ ነቲ ባሕሪ ምእንቲ ከህድኦ ለኣኾ።መልእኽቲ ትቐቢሉ ቅዱስ ዮሓንስ  እና ኸደ ከሎ ካብ ሎዶቅያ ብውሕጅ ዝመጸ በጊዕ  ረኸበ እሞ ” ናብ ፈለገ ቂሣሮስ  ኬድካ ናይ ክርስቶስ ኣገልጋሊ ናባኻ  ልኢኹኒ  ንስኻ ብቃል  እግዚኣብሔር  ዝተኣሰርካ ኢኻ” በሎ ኢሎ ሰደዶ፡እቲ ዝተላእከ በጊዕ ከምቲ ዝበሎ ገበረ ከይዱ ካኣ ነቲ ባሕሪ ኣህድኦ።ከመይ እግዚኣብሔር ድንቂ እዩ !!! ኩሉ ፍጥረት ካኣ ኣብ ትሕቲ ግዝኣቱ እዩ!!!

ነዚ ዘደንቑ  ትእምርቲ ዝረኣዩ ናይታ ሃገር ሰባት ካኣ ብክርስቶስ ኣመኑ ።ቀጺሎም ብሰማርያ ሓለፉ ኣብኡ ካኣ ብዙሕ ትእምርትን ተኣምራትን ገበሩ ።ንብዙሓት ሰባት ካብ ዘይምእማን ናብ  እምነት ኣምጽኡ ።ጸልዮም ናይ መንፈስ ቅዱስ ጸጋን  ውህበትን ኣውረድሎም።ነዚ ዝረኣየ ሲሞን ዝባህል ጠንቋሊ ብኽፍኣቱ ሃብቲ መንፈስ ቅዱስ  ክቕበል ደለዩ ቅዱስ ጴጥሮስ ገሰጾ ድኣ።(ግብረ ሃዋርያት 8፡4-24/፰፡፬-፳፬) ብትምህርቲ  ዝኣመና ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ ንኣዴታተን ገዲፈን ንጽህንኤን  ሓልየን ካብ ስድራቤተን  ተፈላለያ።

በቲ ዝገበሮ ዓቢ ትምህርታትን ዘደንቕ ተኣምራትን ሮማውያን ገዛእቲ ክቐትልዎ ደለዩ።እዚ ዝሰምዑ  ኣመንቲ ኣብ ልዕሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ብዝነበሮም ፍቕሪ ሮማ ገዲፉ ክወጽእ  ሓበርዎ እሞ ቅዱስ ጴጥሮስ ልብሱ ቀይሩ ካልእ  ሰብ መሲሉ  ካብቲ ከተማ ክወጽእ ተበገሰ።ካብቲ ከተማ እና ወጸ ከሎ ጎይታናን ኣምላኽናን ኢየሱስ ክርስቶስ ከምቲ ቀደም ዝፈልጦ ኮይኑ ተጓነፎ ሽዑ ቅዱስ ጴጥሮስ  ናበይ ደሊኻ ጎይታይ ክብል ሓተቶ ”ካልኣይ ግዜ  ክስቀል ናብ ሮማ ይኸይድ ኣለኹ”  በሎ።ሽዑ እቲ ኣቐዲሙ ጎይታ “ንስኻ በጽሒ ከለኻ ባዕልኻ ተዓጢኽካ ናብ ዝደለኻዮ ትኸይድ  ነበርካ  ምስ ኣረግካ ግናኣእዳውካ ከም እተልዕል  እሞ ካልእ ከም ዘዕጥቕካ  ናብ  ዘይደለኻዮ እውን  ከም ዝወስደካ  ብሓቂ  ብሓቂ  ይብለካ ኣለኹ ” ዝበሎ ቃል ዘከረ እሞ ናብ ሮማ ንድሕሪት ተመልሰ።(ዮሃ21፡18-19/፳፩፡፲፰-፲፱)

ከም ኣምላኸይ ንላዕሊ ገጽ ኣይስቀልን ምስኡ ኣይመዓረረን ኢሉ ቁልቁል ኣፋ ተሰቒሉ ብሰማእትነት ዓረፈ።

ጸሎቱን በረኸቱን ምስ ኩላትና ህዝበ ክርስቲያን ይኹን።

ኣሜን።

ብርሃን ዓለም ቅዱስ ጳውሎስ

ቀዳማይ ስሙ ሳውል እዩ። ሳውል ማለት ውሁብ ሃብተ እግዚኣብሔር ዘእውቅ ፈዳየ ዕዳ ማለት እዩ። በዚ ስም እዚ እና ተጸውዔ ካኣ ከምቲ ባዕሉ ኣብ ብዙሕ ክፋላት መልእኽታቱ ገሊጽዎ ዘሎ ብሕጊ ኣቦታቱ ቃናእ ነበረ።እዚ ስለ ዝኾነ እዩ ኣብ ውሽጢ እስራኤል ዘሳድዶም ዝነበረ  ክርስቲያን ሓሊፉ  ናብ ደማስቆ ርእሰ ከተማ ሶርያ ብምኻድ ኣብኡ ዝርከቡ ክርስቲያን ናብ ቤት ማእሰርቲ ኣሕሊፉ መታን ክህቦም  ካብ ሊቀ ካህናት ናይ ፍቓድ ወረቐት ሒዙ ዝኸደ። እዚ ዝኾነ ንሱ ካብ ወገን ኣይሁድ ዝተወልደ ኣይሁዳዊ  እቲ   ስለ ሕጊ ኣቦታቱን ሕጊ ኣይሁድን ኣብ ኢዮሩሳለም ን14/፲፬ ዓመታት ዝኣክል ስለ ዝተማህረ ፡ኣብ ልዕሊ እቲ ኣይሁዳዊ ምዃን ዝያዳ ደፋኢ ነገር ስለ ዝረኸበ ነቲ ኣንጻር ኣይሁድ እዩ ኢሉ ዝሓስቦ ዝነበረ ናይ ክርስትና እምነት ንምጥፋእ ስርሐይ ኢሉ ተተሓሓዞ።

ኣቐዲሙ ኣብ  ቅትለት እስጢፋኖስ ጸኒሑ ካኣ ናብ ደማስቆ ኣምርሐ።እንተ ኾነ እቲ ኣብ ሂወት ኩላትና ዓቢ  ናይ ድሕነት ስራሕ ዝሰርሕ ኣምላኽ ኣብ ልዕሊ ሳውል እውን ድንቂ ዝኾነ ስርሓት ድኣ ሰርሐ።ሳውል ተሃንድዱ ናብ ደማስቆ ኣብ ዝኸደሉ ዝነበረ ግዜ እግዚኣብሔር ኣብ ኣዳባባያት ደማስቆ ተጓነፎ።ክርኢ ብዘይክእል መገዲ ኻኣ ንኽልቲኤን ኣዒንቱ ብዓቢ ብርሃን ገይሩ ኣዕወሮ።

በዚ ዘጋጠሞ ዝሰንበደ ሳውል ጎይታይ ንስኻ መን ኢኻ ዝብል ሕቶ እዩ ኣቕሪቡ። “በሊሕ  እንተ ረገጽካ ንዓኻ እዩ ዝኸፍኣካ ፡ኣነ እቲ እተሳድደኒ ዘለኻ ክርስቶስ እየ”

ንክርስቲያን  ምስጓግ  ንክርስቶስ ምስጓግ  ስለ ዝኾነ።

ብድሕሪ’ዚ እምበር መሪሖም ናብቲ ሃናንያ ዝበሃል ናይ ክርስቶስ ወደ መዝሙር ዝነበሮ ቤት ወሰዶ።ኩነታት ሳውል ኣቐድሙ ዝፈልጥ ሃናንያ  ናባኻ ይመጽእ ኣሎ ተቐበሎ ፡ጸሊኻ ኣሕውዮ ኣጠምቆ ካኣ ምስተባህለ ኣዝዩ ሰንበደ ደንጸዮ ካኣ።እንተኾነ  “እዚ ሰብ እዚ ኣብ ቅድሚ ነገስታት ኣሕዛብን ደቂ እስራኤልን ስመይ ክጸውር ዘለዎ ናተይ  ሕሩይ ኣቕሓ እዩ” ዝብል ምላሽ ካብ ኣምላኽ ተዋህቦ።ኣሜን ኢሉ ካኣ ንሳውል ኣጠመቖ።(ግብረ ሃዋርያት 8–9/፰—-፱ ተመልከት)

ጳውሎስ ኢሉ ዝሰምዮ ግና ሰርግዮስ ጳውሎስ እዩ።እዚ ካኣ ናይ ብርያሱስ  ስጋኡ ብተኣምራት ከጥፍኦ ናቱ ዓይነ ሕልናኡ  ብትምህርቱ ከብርሃሉ ርእዩ ኣነ ናይ ሰብ ኣፍኣዊ ኣእምርኡ ብኣፍኣዊ ጥበብ ብሩህ እንተ ገበርኩ  ኣቦይን ኣደይን  ጳውሎስ ኢሎምኒ ነይሮም ‘።ንስኻ ግን  ናይ ሰብ ውሽጣዊ ኣእምሩኡ  ብውሽጣዊ ጥበብ ብሩህ እትገብር እዚ ጳውሎስ ዝብል ስም ንዓኻ እዩ ዝግባእ ኢሉ ዘወፈዮ እዩ።(ግብረ ሃዋርያት 13፡6-13/፲፫፡፮-፲፫)

ከምኡ እውን ጳውሎስ ማለት ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝተገልጸ ንዋይ ኅሩይ  ማለት እዩ።ንዋይ ኅሩይ  ዝበሃል ካኣ  መዶሻ እዩ።፯(7)ተ መኣድናተ  ቀጥቂጡ ሓደ ከም ዝገብር ንሱ’ውን ቀጥቂጡ  ፯(7)ተ መስተጻርራን (ተጻላእቲ)  ሰብን እግዚኣብሔርን ሰብን መላእኽትን  ሕዝብን ኣሕዛብን  ነፍስን ስጋን ሓደ ገይሩ ኣተዓሪቑ እዩ።”ጳውሎስ ዓረቒ ዘውእቱ ኣምሳሊሁ ለክርስቶስ ” ከም ዝበለ ዮሃንስ ኣፈውርቅ።

ከምኡ ንዋይ ኅሩይ ዝተባህለ ሓጺን እዩ።ሓጺን ዘይኣትዎ ነገር የብሉን ።ንሱ’ውን ኣብ ስጋዊ ፍትሒ ኣብ መንፈሳዊ ፍትሒ እና ኣተወ ይጽሕፍ እዩ።ከምኡ’ውን ንዋይ ሕሩይ ዝተባህለ ወርቂ ፡ብሩር እዩ።ወርቂ ፡ብሩር  ንኹሉ ንዋያት ጌጽ እዩ ።ንሱ እውን ኣእኳቲ ማለት እዩ፡ኣኲቶ ኣኣኲቶ  እና በለ ስለ ዝጽሕፍ ከምኡ’ውን ትፍሥኅት ማለት እውን እዩ ተፈሣህኩ ተፈሥኁ እና በለ ስለ ዝጽሕፍ። 

ስለዚ ቅዱስ ጳውሎስ ቀዳማይ ስሙ ሳውል ኮይኑ ኣብዚ ስም እዚ ከሎ ንክርስቲያን ዘሳጉግን  ዝኣስርን  ዝነበረ እዩ።  ጸኒሑ ግና እቲ  ጸረ ክርስትና  ኮይኑ  ንቡዛሓት ሰባት ዝገፍዕን ዝሳጉግን  ዝነበረ ሳውል ናይ እግዚኣብሔር ምሩጽ ኣቕሓ ኮነ።ብሓቂ ከምቲ እግዚኣብሔር ምሩጽ ኣቕሓ ኢሉ ዝሰመዮ ካኣ ባዕሉ እግዚኣብሔር ብዝፈልጦ ጥበብ  ምሩጽ ኣቕሓ ገይሩ ናብ ማእከል ተዃሉ ፈነዎ።ብዙሕ ግዜ ስለ ወንጌል ክርቶስ ክብል ካብ ዓዲ ናብ ዓዲ ተሰደደ።ኣብ ኣዳባባያት ከሲሶም ኣቕረብዎ።ብዘይ ፍርዲ ካኣ ንብዙሕ ግዜ ኣሰርዎ።

ከምቲ ኣብ ግብረ ሃዋርያትን ናቱ መልእኽታትን ተገሊጹ ዘሎ ካኣ ብዙሕ ሳዕን ብብዙሕ መገዲ ናይ ሂወትን መድረኽን  ብሓይሊ ኣምላኽ ተሰጊሩ ንዕኡ ዝመስሉ ናይ እምነት ጀጋኑ ዝኾኑ በዓል ጢሞትዎስ ፡ፊሎምና፡ቲቶ ዝኣመሰሉ ሰባት ኣፍረየ።

ቅዱስ ጳውሎስ  ከምቲ ኣብ ሕጊ ኣቦታቱ ቀናእ ዝነበረ ኣብ ክርስትና ሂወት እውን  ኣዝዩ ብጥበብ ዝተመልኤ ብልሂ ሃዋርያ እዩ ነይሩ።ኣፍ ነገስታትን መራሕቲ ኣይሁድ ዝዓጸወ ናይ ሃይማኖት ሓርበኛ ።

ኣብ ክርቶስ ዝነበሮ እመነት ዓቢ ስለ ዝነበረ ኻኣ ካብ ጉዕዝኡ ንድሕሪት ዘብሎ ነገር ኣይነበረን።(ሮሜ8፡53-39/፰፡፴፭–፴፰)

ስለዚ እምበኣር ቅዱስ ሃዋርያ ጳውሎስ  ብዙሕ መከራን ሽግርን  ሓሊፉ ብዙሕ  ኣመንቲ ዘፍረየ  14(፲፬) መልእኻታት ዝጸሓፈ  ቅዱስ ኣቦዩ ።ብስፍሕ ዝበለ ኣብ ገድሉ፡ኣብ መልእኽታቱን ኣብግብሪ ሃዋርያትን ዝሓለፎ ሕይወት ብሰፊሑ ተገሊጹ ንረኽቦ።

ምእመናን ኣብ ሃይማኖትን ስነ ምግባርን ጸኒዖም ክነብሩ  ኣብ ኩለን መልእኽታቱ  ቀንዲ ሕመረት ሓሳባቱ እየን።ኣብ ክርስቶስን ኣብ ተዋህዶ ሃይማኖትን ለውጢ ከም ዘየለ ኣጉሊሑ ዝመሃረ  ኣሰር ኣቦታትን  ክንከይድን ክንጓዓዝን ዝመዓደ  ብርሃን ዝኾነ ሃዋርያ እዩ።(እብ13፡7-9/፲፫፡፯-፱)

ደኺመ ከይበለ ብድኻምን ብጻዕርን  ንምእመናን ዝጓሰየ ብገዛእ ኣእዳወ እና ጸዓረ ካኣ ንኹሉ ሰብ ኣርኣያን ናይ ግብሪ መህርን ኮይኑ ዝሓለፈ ሃዋርያ እዩ።

ኣብ መጨረሻታ ዘመን ሂወቱ ካኣ በዚ ዕለት እዚ በቲ ጨካን ንጉስ ኔሮን ኣብ ሮማ ክሳዱ ንስሕለት ሰፍ ኣሕሊፉ ብምሃብ  ካብዛ ድኻምን  ከርተትን ዝመልኣ ዓለም ኣዕሪፉ።

“ኣነስ ድሮ ክስዋዕ ቀሪበ ኣለኹ መዓልቲ ሞተይ’ውን በጺሓ እያ ። ሠናይ ገድሊ  ተጋዲለ  ጉያይ ወዲኤ እየ።ነታ እምነት’ውን ሓልየያ እየ።” ከም ዝበለ ነዛ ቅድስት ሃይማኖት ክሳዕ ሞት እሙን ኮይኑ ከም ስሙ ብርሃን ፡ኣበር ዘይ ብሉ ምሩጽ ኣቕሓ ኮኑ ተረኺቡ ንከሓድያን ብዘሕፍር ፡ንቅድስት ተዋህዶ ኩራዓት ብዝኾነ  ኣማውታ ሞይቱ  ንቅድስት ቤተ ክርስቲያን ብርሃን ኮይኑ ሓሊፉ።

ጸሎቱን በረኸቱን ናይ ቅዱስ ጳውሎስ ካብ  ሕጂ ክሳዕ ዘልኣለም ምሳና ይኹን።ኣሜን።   

ናይዞም ክልተ ቅዱሳን ሃዋርያት ዕረፍቶም ብ5(፭) ሓምለ 67(፷፯) ዓመተ ምሕረት እዩ

ቅዱስ ጴጥሮስ  ኣብ መስቀል ቁልቁል ኣፉ ክሽንከር ከሎ ቅዱስ ሃዋርያ ጳውሎስ ድማ ብስሕለት   ሴፍ  ኣብ ሮማ (ኢጣልያ) ብትእዛዝ ንጉስ ኔሮን እዩ።

ጸሎቶምን ረድኤቶምን ምስ ኩላትና ደቆም ይኹን።ኣብ ኣሰሮም ክንጸንዕ  እግዚኣብሔር ሓይሉን ጥበቡን ይዓድለና ኣሜን፡

ወስብሃት ለእግዚኣብሔር

ወለወላዲቱ ድንግል

ወለመስቀሉ ክቡር

ኣሜን።

 

 

 

Share this:
TwitterFacebook17

Related
፳/20 ሰነ ቅዳሴ ቤታ ለእግዝእትነ ቅድስት ድንግል ማርያም
In “ነገረ ማርያም”
ስብከት
With 2 comments
ነገረ ቅዱሳን
In “ነገረ ቅዱሳን”
July 12, 2013Leave a reply
« Previous
Next »
Leave a Reply
Your email address will not be published. Required fields are marked *
Name *
Email *
Website
Comment

Notify me of new comments via email.

Recent Posts

፳፮/26 ሓምለ ዕረፍቱ ለኣቡነ ሰላማ ከሳቴ ብርሃን/26th july the death of st.Aba Selama Kesatiebrhan August 2, 2014
፳፭/25 ዕረፍቱ ለሓዋርያ ይሁዳ July 2, 2014
፲፯/17 ዕለተ ዝክሩ ለኣባገሪማ/ 17th June The Commemoration Day of Aba Gerima June 24, 2014
፳፭/25 ግንቦት ዕረፍታ ለቅድስት ሰሎሜ June 2, 2014
ዕርገት እግዚእነ ወመድኃኒነ ኢየሱስ ክርስቶ (ቀዳማይ ክፋል) May 28, 2014
ዓውደ ኣዋርኅ

JULY 2013
M T W T F S S
« Jun   Aug »
1 2 3 4 5 6 7
8 9 10 11 12 13 14
15 16 17 18 19 20 21
22 23 24 25 26 27 28
29 30 31  
Archives

August 2014
July 2014
June 2014
May 2014
April 2014
March 2014
February 2014
January 2014
December 2013
November 2013
October 2013
September 2013
August 2013
July 2013
June 2013
May 2013
April 2013
March 2013
February 2013
January 2013
Categories

ስብከት
ትምህርቲ ሃይማኖት
ነገረ ማርያም
ነገረ ቅዱሳን
ነገረ ክርስቶስ
ኪነ-ጥበብ
Uncategorized
View Full Site

Blog at WordPress.com.

Now Available! Download WordPress for Android

Advertisements

Leave a Reply

Fill in your details below or click an icon to log in:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out / Change )

Twitter picture

You are commenting using your Twitter account. Log Out / Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out / Change )

Google+ photo

You are commenting using your Google+ account. Log Out / Change )

Connecting to %s