Menu

ዘኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ መድሃኔ ኣለም ቤ/ክ ማኀበረ ማርያም እስራኤል
ነገረ ማርያም
ነገረ ማርያም.

ድንግል ማርያም ብምስላ

ካብ ዝሓለፈ ዝቐጸለ,,,,,,

፫)መርከብ ኖኅ

በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላኽ ኣሜን።

ኖኅ ብትእዛዝ እግዚኣብሔር  ክመጽእ ካብ ዘለዎ ጥፍኣት ንምድሓን መርከብ ኣዳለወ።ንሱ፡ሰበይቱ ፡ሴም፡ካም፡ያፌት ዝተባህሉ ደቁን ኣንስቶምን  ካብ ኩሉ ዝተመርጹ እንስሳታት  ናብ መርከብ ኣተዉ ።በዚ ካኣ ካብ ማይ ኣይሂ ደሓኑ።(ዘፍ7፡2-23/፯፡፪-፳፫) ።ናኅ ብዛዕባ እቲ  ዘይርኤ ተረዲኡ ንእግዚኣብሔር እና ፈርሐ ንስድርኡ ንምድሓን  መርከብ ብእምነት ኣዳለወ ።በዚ ካኣ ንዓለም ኮኒኑ ብእምነት ካኣ ናይ ዝርከብ ጽድቂ ወራሲ ኮነ(እብ11፡7/፲፩፡፯)።

በቲ ዘመን  እቲ እግዚኣብሔር ሰብ ብምፍጣሩ  ተጣዕሰ።ወዲ ሰብ እውን ንፍቓድ እግዚኣብሔር ዘይኮነ ንፍቓድ ስጋ  ንምፍጻም ክጎዩ ተረኽበ።እዚ ጉያ እዚ ብመቕዘፍቲ ተዛዘመ።በቲ ግዜ እቲ ዝነበረ ትውልዲ ብማይ ኣይሂ ተቐጽዔ።ኖኅ ግና ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ሞጎስ ዝረኸበ ብትውልዱ ጻድቕ ፍጹም ሰብ ነበረ።፡መገዱ ድማ እግዚኣብሔር ብምግባሩ ፈጣሪኡ ዝድሕነሉ  መንገዲ ኣርኣዮ።ብእኡ ተጠቒሙ ብዝሰርሖ መርከብ ካኣ  ክድሕን በቕዔ።ብኖህ ዘላገጹን በታ ዝተዳለወት መርከብ ክንድሕን ኢና ኢሎም ዘይኣመኑን  ካኣ ጠፍኡ።

እታ ኖኅ ዝሰርሓ መርከብ ሰለስተ ክፍሊ  ነይርዋ።መርከብ ናይ ድንግል ማርያም፡ኖኅ ናይ  ጎይታ ፡እታ መርከብ ሰለስተ ክፍሊ ዘለዋ ምዃና ድንግል ማርያም ናይ ሥላሴ መሕደሪ ናይ ምዃና ምሳሌ ኢዩ።ናይ ኣብ መርዓቱ፡ናይ ወልድ ወላዲቱ ፡ናይ መንፈስ ቅዱስ ኣዳራሹ ኢያ እሞ ብሓደ ወገን ንጽሓ ሥጋ ፡ንጽሓ ነፍስ፡ ንጽሓ ልቦና ኣለዋ  እሞ ናቱ ምሳሌ ኢያ።እቲ ማይ ኣይሂ ናይ ምልኣተ ሓጢኣት ምሳሌ ኢዩ። ካብታ መርከብ ወጻኢ ዝተረፉን ዝጠፍኡን  ብናይ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም  ቃል ኪዳንን ኣማላድነትን  ከይኣመኑ  ብሓያት ኣብ ዝሓለፈ ዝጠፍኡን በቲ ዳሕራይ ዘመን እውን  ናይ ዝጠፍኡ ነፍሳት ምሳሌታት  እዮም።ናብታ መርከብ ኣትዮም ዝደሓኑ ብቓል ኪዳና ዝኣመኑን ንኣማላድነታ ጽላል ዝገበሩን ብናታ ኣማላድነት ካኣ ዝደሓኑን ነፍሳት ምሳሌታት ኢዮም።

እምበኣር መከራ ኣብ ዝበዝሓሉ ፡ደቂ ሰባት ብናይ ፍትወት ሥጋ ኣብ ዝተቓጸልሉ ፡ሰብ ካብ እግዚኣብሔር ኣብ ዝተፈላለየሉን ኣምልኮተ እግዚኣብሔር   ኣብ ዝጎደለሉን ዘመን ንኖኅ መሲልናን ኬናን ክንርከብ ኣሎና።ምክንያተ ድኂን መርከብ ተድልየና ኢያ።ሎሚ ህዝቢ ዓለም ንኣማላድነታ ብምንዓቑን  ብናቱ ጥበብ ብምክሑን ብማይ ኣይሂ ብዝምሰል ሓጢኣት ይሳቐ ኣሎ።ኖኅ ንምድሓን መርከብ የድልየካ ኢዩ ኣብ ዝተባህሎ እዋን ብጽድቁን ፍጹምነቱን ብዝተዋህቦ ሞጎስን ኣይተመከሐን።

ንሕና እውን ካብ  ኖኅ  ብምምሃር ቅድስና ብዘይብሉ ምምካሕ ገዲፍና ናብታ መርከብ ንምጻእ።ናብ ድንግል ማርያም ንገሥግሥ።ናይቲ ዘመን ሰባት  ብመርከብ ናይ ኖኅ ነገር ካብ ምጥርጣር ሓሊፎም ከም ዋዛ ከም ዝረኣይዎን ኣብ ልዕሊኖኅ እውን ከም ዘላገጽሉን ሎሚ እውን ዘይተረድኦም ሰባት ንናይ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ይጠራጠር።ስለዚ ንሳቶም ከም ዝተጎድኡ  ንሕና እውን ከይንጉዳእ እቲ ግዜ ከይሓለፈ  ናብ’ታ መርከብ ክንኣቱ የድሊ።

ወስብሃት ለእግዚኣብሔር!!!

ይቕጽል,,,,,,,,,,,,,,,,,,,,,,,,,,,,,,,

Share this:
TwitterFacebook24

Related
ነገረ ማርያም
ነገረ ማርያም
With 1 comment
ነገረ ማርያም
July 15, 2013Leave a reply
« Previous
Next »
Leave a Reply
Your email address will not be published. Required fields are marked *
Name *
Email *
Website
Comment

Notify me of new comments via email.

Recent Posts

፳፮/26 ሓምለ ዕረፍቱ ለኣቡነ ሰላማ ከሳቴ ብርሃን/26th july the death of st.Aba Selama Kesatiebrhan August 2, 2014
፳፭/25 ዕረፍቱ ለሓዋርያ ይሁዳ July 2, 2014
፲፯/17 ዕለተ ዝክሩ ለኣባገሪማ/ 17th June The Commemoration Day of Aba Gerima June 24, 2014
፳፭/25 ግንቦት ዕረፍታ ለቅድስት ሰሎሜ June 2, 2014
ዕርገት እግዚእነ ወመድኃኒነ ኢየሱስ ክርስቶ (ቀዳማይ ክፋል) May 28, 2014
ዓውደ ኣዋርኅ

JULY 2013
M T W T F S S
« Jun   Aug »
1 2 3 4 5 6 7
8 9 10 11 12 13 14
15 16 17 18 19 20 21
22 23 24 25 26 27 28
29 30 31  
Archives

August 2014
July 2014
June 2014
May 2014
April 2014
March 2014
February 2014
January 2014
December 2013
November 2013
October 2013
September 2013
August 2013
July 2013
June 2013
May 2013
April 2013
March 2013
February 2013
January 2013
Categories

ስብከት
ትምህርቲ ሃይማኖት
ነገረ ማርያም
ነገረ ቅዱሳን
ነገረ ክርስቶስ
ኪነ-ጥበብ
Uncategorized
View Full Site

Blog at WordPress.com.

Now Available! Download WordPress for Android

Advertisements

Leave a Reply

Fill in your details below or click an icon to log in:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out / Change )

Twitter picture

You are commenting using your Twitter account. Log Out / Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out / Change )

Google+ photo

You are commenting using your Google+ account. Log Out / Change )

Connecting to %s