Menu

ዘኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ መድሃኔ ኣለም ቤ/ክ ማኀበረ ማርያም እስራኤል
ነገረ ቅዱሳን
ነገረ ቅዱሳን.

ዕረፍቱ ለኣባ ቢሾይ (ብሶይ)

“”ክቡር ሞቱ ለጻድቅ በቅድመ እግዚኣብሔር“”መዝ115፡15/116፡15(፻፲፭/፻፲፮፡፲፭)

በስመ ኣብ  ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ  ኣሃዱ ኣምላኽ ኣሜን፡

ኣዲኦም  ብእመነት ዝጸንዔት ብስነ ምግባር ዝበሰለት ዓባይ ክርስቲያን ነበረት። ብሰናይን ደስ ዘብልን ኣተዓባብያ ካኣ ምስ ሽዱሽተ ኣሓዋቶም ብሓድነት ይነብሩ ነበሩ።ካብ መዓልታት ሓደ መዓልቲ ቅዱስ መልኣኽ ካብ እግዚኣብሔር ተላኢኹ መጸ እሞ “ካብ ሸውዓቲኦም ደቅኺ ሓደ ንእግዚኣብሔር ምእንቲ ከገልግል ሃብኒ ” ክብል ተዛረባ ንሳ ካኣ ዝመረጽካዮ ውሰድ  ክትብል መለሰትሉ።ብድሕሪ’ዚ ናይ ኣቡነ ቢሾይ ርእሲ ሒዙ ” ዝ ውእቱ ኅሩየ  ለእግዚኣብሔር” ክብላ ራእይ ረኣየት እሞ ካብ ሰበይቲ ርሒቃ ንጽህናኻ  ሓሊኻ ንእግዚኣብሔር ኣገልግል  ኢላ ኣፋነወቶም።፡

ኣብ ገዳመ ኣስቄጥስ ኣትዮም ናይ ኣባ ባሞይ ረድእ ኮይኖም  ብጸሞ ፡ብጸሎት ይነብሩ ነበሩ።ካብ ብቕዓቶም ዝተላዕለ ካኣ ኣምላኽና ኢየሱስ ክርስቶስ ብዙሕ ግዜ  ይግለጸሎም ነበረ።እዚ ከም ዝኾነ እውን እቶም ናይቲ ገዳም መኖኮሳት ይፈልጡ ነበሩ።በዚ ኻኣ ሓደ ግዜ ንጎይታ ክንርእዮስ በጃኻ ጸልየልና ፡ክብሉ ተወከስዎም።ኣቡነ ቢሾይ ካኣ ብእምነት ናብ እግዚኣብሔር።እንሆ ካኣ ኣብቲ ጎቦ ይትኣከቡ እሞ ክግለጸልዕም እየ ዝብል ቃል ተዋሂብዎ ተመለሱ ።ብድሕሪዚ ካኣ እቲ ናይ ቆጸሮ ሰዓት ምስ ኣኸለ ኩላቶም እቶም መነኮሳት ንኣምላኽ ኣብ እምባ ክርእይዎ ተበገሱ።ኣብቲ መገዲ ግና ሓደ ኣረጊት ሰብኣይ ኮይኑ ጎይታ ጸንሖም እንተኾነ ኩላቶም ገፍዲፎሞ ደየቡ ፡ኣብ መወዳእታ ካኣ ኣቡነ ቢሾይ መጹ ።ነቲ ኣረጊት ረኣይዎ እሞ ደንገጽሉ።ካብ ሰቡ ምእንቲ ከይተርፍ ካኣ ተሰኪሞሞ ተበገሱ።ኣብ ፈለማ እኳ ፈኺስዎም እንተነብረ ቅሩብ ምስ ተጓዓዚ ግን ኣዝዩ  ከበዶም  ሽዑ  ንሱ ክርስቶስ ምዃኑ  ፈለጡ ናብቶም ተኣኪቦም ንክርስቶስ ክርእዩ ዝጽበዩ ዝነበሩ ሰባት ከይዶም ከኣ እቲ ኣብ መገዲ ገዲፎሞ ዝሓለፉ ንሱ ክርስቶስ ምዃኑ ነገርዎም ፡፡እቶም መነኮሳት ኣዝዮም ጓሃዩ እንተኾነ ኣብ መገዲ ገዲፎሞ ምኻዶም ብሰንኪ ትሪ ልቦም  ከም ዝኾነ ተገንዚቦም ኣብ ቅድሚኦም ይቕረታ ሓተቱ።

ኣቡን አቢሾይ ካልእ ግዜ እውን ካብ ብዝሒ ጸሎቶምን ትሩፋትን ዝተላዕለ ጎይታ ጋሻ መሲሉ ኣብ ቤቶም ኣትዩ እግሩ ንምሕጻብ በቒዖም እዮም።

ድሕሪ ብዙሕ ተጋድሎ ካኣ ኣብ መበል ፺፯ ዕድሚኦም በዛ ዕለት እዚኣ ዓረፉ ።

ጸሎቶምን  በረኸቶምን ኣይፈለየና ።ኣሜን።

ወስብሃት ለእግዚኣብሔር

ወለወላዲቱ ድንግል

ወለመስቀሉ ክቡር

ኣሜን።

 

Share this:
TwitterFacebook16

Related
ነገረ ቅዱሳን
ነገረ ቅዱሳን
ነገረ ቅዱሳን
July 15, 2013Leave a reply
« Previous
Next »
Leave a Reply
Your email address will not be published. Required fields are marked *
Name *
Email *
Website
Comment

Notify me of new comments via email.

Recent Posts

፳፮/26 ሓምለ ዕረፍቱ ለኣቡነ ሰላማ ከሳቴ ብርሃን/26th july the death of st.Aba Selama Kesatiebrhan August 2, 2014
፳፭/25 ዕረፍቱ ለሓዋርያ ይሁዳ July 2, 2014
፲፯/17 ዕለተ ዝክሩ ለኣባገሪማ/ 17th June The Commemoration Day of Aba Gerima June 24, 2014
፳፭/25 ግንቦት ዕረፍታ ለቅድስት ሰሎሜ June 2, 2014
ዕርገት እግዚእነ ወመድኃኒነ ኢየሱስ ክርስቶ (ቀዳማይ ክፋል) May 28, 2014
ዓውደ ኣዋርኅ

JULY 2013
M T W T F S S
« Jun   Aug »
1 2 3 4 5 6 7
8 9 10 11 12 13 14
15 16 17 18 19 20 21
22 23 24 25 26 27 28
29 30 31  
Archives

August 2014
July 2014
June 2014
May 2014
April 2014
March 2014
February 2014
January 2014
December 2013
November 2013
October 2013
September 2013
August 2013
July 2013
June 2013
May 2013
April 2013
March 2013
February 2013
January 2013
Categories

ስብከት
ትምህርቲ ሃይማኖት
ነገረ ማርያም
ነገረ ቅዱሳን
ነገረ ክርስቶስ
ኪነ-ጥበብ
Uncategorized
View Full Site

Blog at WordPress.com.

Now Available! Download WordPress for Android

Advertisements

Leave a Reply

Fill in your details below or click an icon to log in:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out / Change )

Twitter picture

You are commenting using your Twitter account. Log Out / Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out / Change )

Google+ photo

You are commenting using your Google+ account. Log Out / Change )

Connecting to %s