Menu

ዘኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ መድሃኔ ኣለም ቤ/ክ ማኀበረ ማርያም እስራኤል
ነገረ ቅዱሳን
ነገረ ቅዱሳን.

ነሃሰ ፮ ማርያም መግደላዊት

በስመ ኣብ ወወልድ  ወመንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላኽ ኣሜን።

ማርያም መግደላዊት ቁጽራ ምስ ተን ፴፮/36 ቅዱሳት ኣንስቲ ኢያ።ቅዱሳት ኣንስቲ እና ተባህላ ዝጽውዓ ኣምላኽናን  መድሓኒናን  ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብዚ ዘለናዮ ዓለም እና ተዘዋወረ ፡ወንጌል እና መሃረ ንሕሙማት እና ኣሕወየ ንሕዙናት እና ኣጸናንዐ ከሎ  ካብቶም ዝተፈላልየ ጥቕሚ ንምርካብ  ማእለያ ዘይብሎም ዝስዕብዎ ዝነበሩ  ብፍሉይ ምስቶም ፲፪ ሃዋርያትን ፸፪ ኣርድእትን ካብ እግሪ ጎይታ ከይተፈለያ ዝስዕብኦን ብግብሪ ዝሰመርኦን እዘን ፴፮ ቅዱሳት ኣንስቲ እየን። ሓንቲ ካብኣተን ካኣ ማርያም መግደላዊት (ማርያም በዓልቲ መግደላ) ኢያ።ማርያም መግደላዊት ቅድሚ ንክርስቶስ ምስዓባን ምግልጋላን ብብዙህ ዝዓይነቱ ርኽሰት እትሳቐ ዝነበረት ኢያ። ንሳ ብሸውዓተ ናይ ዝተፈለሉ ርኽሰት ዝኾነ ኣጋንንቲ እትሳቐ ዝነበርት ኢያ።እንተኾነ ክርስቶስ ኣምላኽና ነዞም ሸውዓተ ርኹሳት ኣጋንንቲ ኣርሓቐላ።በዚ ካኣ ካብ ኩሉ ግብሪ ሓጥያት ርሒቓ ምስዘን  ቅዱሳት ኣንስቲ ተጸንበረት።(ማር፲፮፡፱/16፡9,ሉቃ፰፡፪/8፡2,ዮሃ፳፡፲፩/20፡11)

መፍቀሬ ንስሓ ዝኾነ ለዋህ ኣምላኽ ንሓዘና ቀንጢጡ ንንብዓታ ደሪዙ ብቅድስና ክትነብር ኣኽኣላ።ብዕለተ ትንሳኤ ናይ ክርስቶስ ቅድሚ ኩሎም ቅዱሳን ሃዋርያት ኮነ ኣርድእቲ ቀዲማ ትንሳኤ ናይ ክርስቶስ ብቅዱሳን መላእክቲ ዝተበሰረት፡ኣምላኽና ተንሲኡ ኪዱ ረኣዩ ኢላ ናይ  ትንሳኤ ብስራት ዝኣወጀት ቅድስት ኣደ ኢያ።(ማተ፳፡፩-፲፰/20፡1-18,ማቴ፳፰፡፩-፰ )

ስርሑ ድንቂ ዝኾነ ኣምላኽና እግዚኣብሔር መፍቀሬ ንስሓ ምዃኑ ከረድእ ነታ ዘመና ምሉእ ብርኽሰት ዝነበረት ማርያም መግደላዊት ናይ ትንሳኤኡ ናይ ናጽነት ኣዋጅ በቶም ቅዱሳን መላእክት ጥራሕ ኣይኮነን ነጊርዋ።፡ባዕሉ እባ ካኣ ብልሳኑ “ማርያም “” ክብል በቲ ኣምላኻዊ ቃሉ ጸውዓ።ንሳ ካብ ርኽሰት ናብ ቅድስና ካብሞት ናብ ሂይወት ዘምጽኣ ኣምላኽ ዝነበራ ፍቕሪ ወሰን ዘይብሉ ብምንባር ኣብቲ ኣፍ መቓብር ኮይና ትበኪ ነበረት እንተኾነ እቲ ኣቐዲሙ ብስልጣኑ ከም ዝትንስእ ዝኣወጀ ኣምላኽ ንሱ ብሓይሊ ስልጣኑ ከም ቃሉ ከም ዝተንስኤ ምነገራ ንሳ ካኣ ብሓጎስ ልባ  መሊኡላ ንቅዱሳን ሃዋርያት ንኽተበስር በቕዐት።ነዚ ዝገበረ ኣምላኽና እግዚኣብሔር ዝኸበረን ዝተመስገንን ይኹን።ኣሜን።

ከምዚ ኢላ እምበኣር ብቕድስና ክሳዕ ዕርገቱ ንክርስቶስ እና ኣገልገለት ድሕሪ ዕርገት እውን ምስ ኩለን ቅዱሳት ኣንስቲ ብኹሉ መገድታት ንቅዱሳን ሃዋርያት እና ረድኤት ብንጽህናን ብቕድስናን በዚ ዕለት እዚ ዓረፈት።ጸሎታን በረኸታን ምስ  ኩላትና ይኹን ኣሜን።

ቅዱስ እግዚኣብሔር  ርኹሳት ኣጋንቲ ካብ ማርያም መግደላዊት ዘውጽኤን ብድሕሪኡን ካብ ርኽሰት ዝሓለዋን ሎሚ እውን ንዓና ነቶም ጸረ ጽድቂ ኮይኖም ብዝተፈላለየ መገዲ ካብ ቅድስና ከርሕቑና መዋርስቶም ክገብሩና ዝቃለሱ ኣጋንንቲ ብመስቀሉ ይእሰረልና ካብ መናፍቕነትን ርኽሰትን ካኣ ሂወትና ምሉእ ይሓልወና።ኣሜን።

 

ወስብሃት ለእግዚኣብሔር

ወለወላዲቱ ድንግል

ወለመስቀሉ ክቡር

ኣሜን።

 

Share this:
TwitterFacebook19

Related
ነገረ ቅዱሳን
፯/7 ነሓሰ ጽንሰታ ለእግዝእትነ ማርያም
ነገረ ማርያም
August 12, 2013Leave a reply
« Previous
Next »
Leave a Reply
Your email address will not be published. Required fields are marked *
Name *
Email *
Website
Comment

Notify me of new comments via email.

Recent Posts

፳፮/26 ሓምለ ዕረፍቱ ለኣቡነ ሰላማ ከሳቴ ብርሃን/26th july the death of st.Aba Selama Kesatiebrhan August 2, 2014
፳፭/25 ዕረፍቱ ለሓዋርያ ይሁዳ July 2, 2014
፲፯/17 ዕለተ ዝክሩ ለኣባገሪማ/ 17th June The Commemoration Day of Aba Gerima June 24, 2014
፳፭/25 ግንቦት ዕረፍታ ለቅድስት ሰሎሜ June 2, 2014
ዕርገት እግዚእነ ወመድኃኒነ ኢየሱስ ክርስቶ (ቀዳማይ ክፋል) May 28, 2014
ዓውደ ኣዋርኅ

AUGUST 2013
M T W T F S S
« Jul   Sep »
  1 2 3 4
5 6 7 8 9 10 11
12 13 14 15 16 17 18
19 20 21 22 23 24 25
26 27 28 29 30 31  
Archives

August 2014
July 2014
June 2014
May 2014
April 2014
March 2014
February 2014
January 2014
December 2013
November 2013
October 2013
September 2013
August 2013
July 2013
June 2013
May 2013
April 2013
March 2013
February 2013
January 2013
Categories

ስብከት
ትምህርቲ ሃይማኖት
ነገረ ማርያም
ነገረ ቅዱሳን
ነገረ ክርስቶስ
ኪነ-ጥበብ
Uncategorized
View Full Site

Blog at WordPress.com.

Now Available! Download WordPress for Android

Advertisements

Leave a Reply

Fill in your details below or click an icon to log in:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out / Change )

Twitter picture

You are commenting using your Twitter account. Log Out / Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out / Change )

Google+ photo

You are commenting using your Google+ account. Log Out / Change )

Connecting to %s