Menu

ዘኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ መድሃኔ ኣለም ቤ/ክ ማኀበረ ማርያም እስራኤል
ነገረ ማርያም
 

ሞት ብጥሪ ብነሓሰ ቀብሪ

              በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ  ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላኽ ኣሜን።

   ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ኣብዚ ምድሪ ሰለስተ ዓመት ምስ ስድርኣ፡ ዓሰርተ ክልተ ዓመት ኣብ ቤት መቕደስ፡ ትሽዓተ ወርሕን ሓሙሽተ መዓልትን ንጎይታ ጠኒሳቶ ከላ ሰላሳን ሰለስተን ዓመትን ሰለስተ ወርሕን  ምስ ጎይታ ፡ ዓሰርተ ሓሙሽተ ዓመት ኣብ ቤት ዮሓንስ ወንጌላዊ ድሕሪ ምንባራ ኣብ ስሳን ኣርባዕተን(64) ዓመታ፡  ብዕለት  ፳፩/21 ጥሪ ኣብ ከባቢ ፵፱/49 ዓመተ  ምሕረት ዓሪፋ።

ብዛዕባ ዕረፍታን ትንሳኤኣን ከኣ ኣብ ቅዱስ መጽሓፍ ብምስጢር ተነጊሩ ኢዩ።እቲ ዝተነግረ ምስጢራዊ ቃል ክትርጎም ከሎ ብዛዕብኣ ከም ዝተነግረ ነስተውዕል።”ተንሥእ እግዚኦ ውስተ ዕረፍትከ ኣንተ ወታቦተ መቅደስከ፡ኦ ጎይታ ናብ ዕረፍትኻ ተንስእ ንስኻን ናይ መቕደስካ ታቦትን “ይብል።(መዝ፻፴፪፡፰/132፡8)

ነቢይ ዳዊት ነዚ ቃል ትንቢት እዚ ዝተዛረበ ኦ ፈጣርየይ ንምእመናን ናብ እተዕርፈሉ ናብ መንግስተ ሰማያት ንናይ መቕድስካ ንድንግል ማርያም  ሒዝካ ተንስእ ክብል ኢዩ።እዚከኣ ኣዴና ከም ትንሳኤ ወዳ ከምዝተንስአት ዘመልክት ኢዩ።ታቦት ዝበላ ከኣ መሕደሪቱ ስለ ዝኾነት ኢዩ።

ጥበበኛ ሰሎሞን “ኣቲ ፍትውተይ ተንስኢ  ጽብቕተየ ንዒ እንሆ ክረምቲ ሓሊፉ ዝናብ ዛርዩ ተወዲኡ። ዕንባባታት ኣብ ምድሪ ተራእየ ግዜ ዜማ በጽሐ። ድምጺ ባሬቶ ከኣ ኣብ ምድርና ተሰምዐ። በለስ ፍሬኡ ግጎብ ኮነ ተኽሊ ወይኒ ዓንቢቡ ስመዓዝኡ የውጽእ ኣሎ። ኣቲ ፍትውተይ ተንስኢ ጽብቕተየ ንዒ””(መኃ፪፡፲/2፡10)

ነታ ፈታዊቱ ጽብቕተየ ተንሥኢ ንዒ እንዳበለ ዝጸውዓ ኢየሱስ ክርስቶስ ኢዩ።ዝተጸውዐት ከኣ ቅድስት ድንግል ማርያም ኢያ።እንሆ ክረምቲ ሓሊፉ ብስደት፡ ብጽልኢ ኣይሁድ ፡ብመከራን ስቕለትን ወዳ ስምዖን ኣብ ቤተ መቕደስ ከምዝተዛረቦ  ልባ ብናይ ሓዘን  ኲናት ዝተወግኣሉ ናይ መከራ እዋን/ክረምቲ/ ሓሊፉ ናይ ክርስቶስ ሕማሙ፡ ሞቱ፡ በጃ ምዃኑ ተፈጺሙ’ዩ። ዕንባታት ኣብ ምድሪ ተራእየ ማለት ድምጺ ሓዋርያት ኣብ ኩሉ ምድሪ  በጺሑ ኢዩ ማለት ኢዩ። ነቢይ  ዳዊት ናይ ሓዋርያት ድምጺ “ቃሎም’ውን ክሳዕ ወሰን ምድሪ ተሰዐ”(መዝ፲፱፡፬/19፡4) ዝበሎ ነዚ ኢዩ። ጎይታ’ውን ኣብ ወንጌል ዝነገሮም “ናብ ኩሉ ዓለም ኪዱ ንኹሉ ፍጥረት ከኣ ወንጌል ስበኹ” ዝብል ኢዩ ነይሩ።(ማር፲፮፡፲፭/16፡15) ናይ ዜማ ግዜ በጽሐ ዝበሎ ናይ ቀውዒ እዋን ኢዩ።”ለሴታት’ውን እኽሊ ይጉልበቡን ዕልል ይብሉን ይዝምሩን” ተባሂሉ ኢዩ(መዝ፷፭፡፲፫/65፡13)። እምበኣር እዋን ቀአዒ በጽሐ ዝተባህለ ቀውዒ እዋን ፍረ ብምዃኑ  ክርስትና ኣፍርዩ ማለት ኢዩ። በለስ ፍረኡ ጎጎበ ማለት ከኣ ጽቡቕ ምግባር ዘይ ነበሮም ፍረ ዘየፍርዩ ዝነበሩ ጽቡቕ ስራሕ ምጅማሮም  ዘርኢ ኢዩ። ኣብ መወዳእታ’ውን ተኽሊ ወይኒ ዓንቢቡስ መኣዝኡ የውጽእ ኣሎ ከም ዝተባህለ ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ኣብያተ ክርስቲያን ብሃይማኖት ክዕንብቡን ምዑዝ ዝኾነ ምግባር ከቕርቡ ድሕሪ ምጅማሮም ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ዓረፈት። ኣብ ቅድስት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያና  ከም ታሪኽ ዝንገር ናይ ቅድስት ድንግል ማርያም ዕረፍቲ ኣብ ዝኾነሉ ዕለት ሓዋርያት ንናይ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ኣስከሬን ንኸዕርፉ ናብ ጌቴ ሰማኒ መካነ ዕረፍቲ ሒዞማ ክኸዱ ከለዉ ኣይሁድ ብኽፍኣት መንፈስ ተላዒሎም “ኣቐዲሙ ንወዳ ብሳልሳይ መዓልቲ ካብ  ምዉታን  ተንሲኡ በርብዓ መዓልቱ ናብ ሰማይ ዓረገ ዳሕራይ’ውን ነዛ ዓለም ንምሕላፍ ክመጽእ ኢዩ እና በሉ ብምምሃር ነቲ ህዝቢ ፈጺሞም ወሲደሞ ኢዮም።ሕጂ ከኣ ስቕ ኢልና እንተ ገደፍናያ ንዓኣ’ውን ከም ወዳ ተንሲኣ ዓሪጋ እና በሉ ብምምሃር ክህውኹና ዶ ኣይኮኑን፧ ንዑ ተኣከቡ እሞ  ብሓዊ ነቃጽላ ” ኢሎም ተማኺሮም መጺኦም ኣብ መንጉኦም  ታውፈንያ ዝተባህለ ኣይሁዳዊ ጎበዝ ተመሪጹ ከይዱ  ናይ ኣዴና ኣስከሬን ዝተሰከመሉ ዓራት ሓዘ። ነቲ ዓራት ምስ ሓዘ ናይ እግዚኣብሔር መልኣኽ ብናይ ሓዊ ሰይፊ  ንኽልቲኤን ኣእዳዉ ስለ ዝቖረጸን ምስቲ ዓራት ጠልጠል ኢለን ተረፋ። ይኹን እምበር ተውፋንያ ብዝፈጸሞ ድፍረት ናብኣ ስለ ዝተማሕጸነ ብሕቡእ ተኣምር ነተን ዝተቖርጻ ኣእዳዉ ከም ቀደመን ጌይራ ፈዊሳቶ ኢያ።

ሽዑ መልኣከ እግዚኣብሔር ንናይ ኣዴና ኣስከሬን ምስ ሓዋርያ ዮሓንስ ወሲዱ ኣብ ገነት ኣብ ትሕቲ ዕጸ ሕይወት ኣቐመጦ። ቅዱስ ዮሓንስ’ውን ድሕሪ ቅሩብ ግዜ ናብ ሓዋርያት ምስ ተመልሰ ናይ ኣዴና ኣስከሬን ኣብገነት ምህላዉ ነገሮም፡፡ ሓዋርያት’ውን ንናይ ኣዴና ኣስከሬን ረኺቦም ንምቕባር ካብ  ዝነበሮም ድልየት ዝተላዕለ ባሕቲ ነሓሰ ሱባኤ ጀሚሮም ክጾሙን ክጽልዩን ድሕሪ ምቕናይ ኣብ መበል ዓሰርተ ኣርባዕተ መዓልቲ/መወዳእታ ካልኣይ ሱባኤ/ ጎይታና ንናይ ኣዴና ሓድሽ ኣስከሬን ገይሩ ስለ ዝሃበም ብዓቢ ዝማሬን ብውዳሴን ብጽኑዕ ምህልላን ወሲዶም ኣቐዲሙ ኣብ ዝተዳለወ መካነ ዕረፍቲ ኣብ ጌተኤሴማኒ ቀበርዋ።

ናይ ኣዴና ስነ ስርዓት ቀብሪ ኣብ ዝተፈጸመሉ እዋን ካብቶም ዓሰርተ ክልተ ሓዋርያት ሓደ ዝኾነ ቅዱስ ቶማስ ኣይነበረን እሞ ካብ ሃገረ ስብከቱ ብደመና ተጻዒኑ ናብ  ኢየሩሳሌም ክመጽእ ከሎ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ብዝተቐብረት ኣብ ሳልሳይ  መዓልታ ከም ትንሳኤ ወዳ ተንሲኣ ክትዓርግ ከላ ረኸባ። በዚ ግዜ እዚ ትንሳኤኣ ካልኦት ሓዋርያት ርእዮም ንሱ ጥራይ ዝተረፈ መሲልዎ  ተበሳጭዩ “ወፈቀደ ይደቅ እም ደበናሁ” ይብሎ ማለት ቅድም ናይ ወድኺ ትንሳኤ ሕጂ ከኣ ናትኪ ትንሳኤ ከይ ረኣኹ ተሪፈ ኢሉ ካብ ምሕዛኑ ዝተላዕለ ካብቲ ተጻዒንዎ ዝነበረ ደመና ክወድቕ ደለየ። በዚ ግዜ እዚ ኣዴና ብዘይካኡ ካልኦት ሓዋርያት ንትንሳኤኣ ከም ዘይረኣዩ ነጊራ ንቅዱስ ቶማስ ኣጸናኒዓቶ። ከይዱ እውን ንኣሕዋቱ ሓዋርያት እቲ ዝኾነ ኩሉ ክነግሮም ኣዚዛ፡ ንምልክት ምእንቲ ምስክር ክኾኖ መግነዛ ሂባቶ ፈጺማ ናብ ሰማይ ዓሪጋ ኢያ።

ቅዱስ ቶማስ’ውን ሓዋርያት ናብ ዘለውዎ ኢየሩሳሌም ምስ በጽሐ “ንኣዴና ቀቢርናያ ኢሎም ነገርዎ። ንሱ’ውን ፈሊጡ ነቲ ምስጢር ሓቢኡ “ሞት ብጥሪ ብነሃሰ ቀብሪ ከመይ ገይሩ  ይኸውን” ንስኻ ብቐደሙ’ውን  ንናይ ጎይታ ትንሳኤ ተጠራጢርካ ሕጂ እውን ኣይትኣምንን ኢኻ” ኢሎም ብቕዱስ ጴጥሮስ መሪሕነት ናብ መቓብር ኣዴና ሒዘምዎ ከዱ። ከርእይዎ መቓብር እንተኸፈቱ ናይ ኣዴና ሬሳ ሰኣንዎ በዚ ከኣ ሰንበዱ። በዚ ግዜ እዚ ድማ ቅዱስ ቶሞስ “ኣይትኣምኑን ኢኹም ኢለ ኢየ እምበር ኣዴናስ ተንሲኣ ዓሪጋ ኢያ ” ኢሉ ንዝኾነ ዘበለ ኩሉ ምስ ነገሮም ንመረጋገጺ ምልክት ንኽኸውን ንዝሃበቶ መግነዛ ኣርኣዮም ንበረኸት ንኽኸውን ከኣ ቆራሪጾም ተማቒሎም ነናብ ሃገረ ስብከቶም ከዱ። ኣብ ዓመቱ  “ንትንሳኤኺ ቶማስ ርእዩ ንሕና ንምንታይ ይተርፈና ኣሎ ኢሎም” ባሕቲ ነሓሰ ሱባኤ ኣትዮም በቲ መወዳእታ  ሱባኤ ዓሰርተ ሽዱስተ ነሓሰ ጎይታ ንዝለመንዎ ልመና ተቐቢሉ ንቅድስት ድንግል ማርያም መንበር፡ ንቅዱስ ጴጥሮስ ንፍቅ ካህን ፡ ንቅዱስ እስጢፋኖስ ገባሬ ሰናይ ዲያቆን ገይሩ ቀዲሱ ንኹሎም ድሕሪ ምቑራቡ ንናይ ኣዴና ዕርገት ንምርኣይ ኣብቅዒዎም ኢዩ።

ካብቲ ግዜ`ቲ ጀሚሩ ሓዋርያዊት ኦርቶዶክሳዊት  ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያና ስርዓት ሰሪዓ ካብተን ሸውዓተ ኣጽዋማት ከም ሓደ ጌይራ ነዚ ዓቢ ናይ በረኸትን ምስጢርን መግለጺ ዝኾነ ጾመ ፍልሰታ ትጸውም። ብጽኑዕ  ንዝደልይዎ ዝወሃብን ንዝግብኦም’ውን ኣኺሉ ተሪፉ ዝወሃብ ጸጋን በረኸትን እግዚኣብሔር ንምርካብን፡ ሓዋርያት ንዝረኣይዎ ዘደንቕ ምስጢር ትንሳኤን ዕርገትን ኣዴና ንምርኣይን፡ ካብ ሓዋርያት በረኸት ንምስታፍን፡ ጎይታና “ደቂቅየ” ደቀይ ይብሎም ብዝነበሩ ሓዋርያት ኣብነት ህጻናትን መንእሰያትን፡ ኣወዳትን ኣዋልድን፡ ከምኡ’ውን ኣረጋውያንን፡ ናይ ጾም ፍልሰታ ምምጻእ ብናፍቖት እና ተጸበዩ በብዓመቱ  ብጾምን ብጸሎትን የሕልፍዎ። ኣብዚ እዋን እዚ መዘከርታ ትንሳኤን ዕርገትን ኣዴና /ጾም ፍልሰታ/ ብዙሓት ካብ ቤቶም ተፈልዮም፡ ብሱባኤ ተወሲኖም፡ ዓራትን መንጸፍን ገዲፎም ኣብ መሬት ደቂሶም፡ ጥረምረን ማይን  እና ጠዓሙ፡ ብጾምን ብጸሎትን ብምትጋህ  ብዓቢ ተጋድሎ ክጸምዎ ይቕንዩ።

ብኣጠቓላሊ ኣብ ሰሙነ ፍልሰታ ኣብ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ዘሎ ኩነታት እቲ ህዝቢ ከኣ  ንእሽቶ ዓቢይ ከይበለ ዘርእዮ ሃይማኖታዊ ንጥፈታት ናይ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ምእመናን ንኣዴና ዘለዎም ጽኑዕን ዓሚቑን ፍቕሪ ዘረጋግጽ ኢዩ።

 

 

 

 

 

(ወላዲት ኣምላኽ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ገጽ 150-156 ዝተወስደ ጽሑፍ))

           ወስብሃት ለእግዚኣሔር

           ወለወላዲቱ ድንግል

           ወለመስቀሉ ክቡር

            ኣሜን።

 

 

Share this:
TwitterFacebook61

Related
ኣስተርእዮ ማርያም (ጥሪ 21)
ባእታ ማርያም
In “ነገረ ማርያም”
፳/20 ሰነ ቅዳሴ ቤታ ለእግዝእትነ ቅድስት ድንግል ማርያም
In “ነገረ ማርያም”
August 22, 2013Leave a reply
« Previous
Next »
Leave a Reply
Your email address will not be published. Required fields are marked *
Name *
Email *
Website
Comment

Notify me of new comments via email.

Recent Posts

፳፮/26 ሓምለ ዕረፍቱ ለኣቡነ ሰላማ ከሳቴ ብርሃን/26th july the death of st.Aba Selama Kesatiebrhan August 2, 2014
፳፭/25 ዕረፍቱ ለሓዋርያ ይሁዳ July 2, 2014
፲፯/17 ዕለተ ዝክሩ ለኣባገሪማ/ 17th June The Commemoration Day of Aba Gerima June 24, 2014
፳፭/25 ግንቦት ዕረፍታ ለቅድስት ሰሎሜ June 2, 2014
ዕርገት እግዚእነ ወመድኃኒነ ኢየሱስ ክርስቶ (ቀዳማይ ክፋል) May 28, 2014
ዓውደ ኣዋርኅ

AUGUST 2013
M T W T F S S
« Jul   Sep »
  1 2 3 4
5 6 7 8 9 10 11
12 13 14 15 16 17 18
19 20 21 22 23 24 25
26 27 28 29 30 31  
Archives

August 2014
July 2014
June 2014
May 2014
April 2014
March 2014
February 2014
January 2014
December 2013
November 2013
October 2013
September 2013
August 2013
July 2013
June 2013
May 2013
April 2013
March 2013
February 2013
January 2013
Categories

ስብከት
ትምህርቲ ሃይማኖት
ነገረ ማርያም
ነገረ ቅዱሳን
ነገረ ክርስቶስ
ኪነ-ጥበብ
Uncategorized
View Full Site

Blog at WordPress.com.

Now Available! Download WordPress for Android

Advertisements

Leave a Reply

Fill in your details below or click an icon to log in:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out / Change )

Twitter picture

You are commenting using your Twitter account. Log Out / Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out / Change )

Google+ photo

You are commenting using your Google+ account. Log Out / Change )

Connecting to %s