Menu

ዘኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ መድሃኔ ኣለም ቤ/ክ ማኀበረ ማርያም እስራኤል
ስብከት
ስብከት.

ጉባኤ ኤፌሶን

በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላኽ ኣሜን።

 ጉባኤ ኤፌሶን ጉባኤ ኒቅያ  ድሕሪ ምክያዱ ኣብ መበል ፻፮/ 106 ካብ ጉባኤ ቁስጥንጥንያ ድማ ኣብ መበል ፶፩/51 ዓመት ብ፬፻፴፩/431 ዓመተ ምሕረት ዝተኻየደ ዓለም ለኻዊ ጉባኤ ናይ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ኢዩ።

ጉባኤ ኒቅያ ንኽካየድ ምኽንያት ዝኾነ ኣርዮስ ኮይኑ ክሕደቱ ካኣ “ወልድ ፍጡር” ዝብል ኢዩ ነይሩ።በዚ ግዜ ንእለስክንድሮስ ኣምሪሖም ኣብቲ ጉባኤ ዝተረኽቡ ፫፻፲፰/318 ሊቃውንቲ ቤተ ክርስቲያን ” ወልድ-ኢየሱስ ክርስቶስ ኣምላኽ እምበር ፍጡር ከም ዘይኮነ መጽሓፍ ቅዱስ መሰረት ገይሮም ገሊጾም ተዛረብዎ እንተኾነ ሓንሳብ ብናይ ዲያብሎስ ሓሳባት ልቡ ስለ ዝተጠወየ ነቲ ዝሃብዎ ኣምላኻዊ ቃል ክርድኦን ብፍቓዱ ክቕበሎን ኣይተራእየን።በዚ ካኣ ንዕኡን ንትምህርቱን ከም ሓደ ልቢ ሓሰብቲ ብሓንቲ ቃል ተዛረብቲ ኮይኖም ወገዝዎ።ጉባኤ ዝተኻየደሉ ብ፫፻፳፭/325 ዓመተ ምሕረት ኢዩ።

ዲያብሎስ ብናይ ኣርዮስ ክሕደት ስለ ዘይዓረፈ ቀጺሉ መቅደንዮስ ዝተባህለ መናፍቕ ናይ መንፈስ ቅዱስ ህልውናን ኣምላኽነት ክሒዱ ተበገሰ።በዚ ግዜ እዚ እውን ኣብ ቁስጥንጥንያ ብ፫፻፹፩/381 ጉባኤ ተኻይዱ።ብመርሒነት ጢሞቴዎስ ዘኣልቦጥሪት ፻፶/150 ሊቃውንቲ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ተኣኪቦም መንፈስ ቅዱስ ፍጹም ኣካል ፍጹም መልክዕ ዘለዎ ብስልጣንን  ብህልውናን ምስ ኣብን ወልድን ማዕረ ፡ዘልኣለማዊ ኣምላኽ ከምዝኾነ መጽሓፍ ቅዱስ መሰረት ገይሮም ከረድእዎ ጸዓሩ እንተኾነ ዘይምለስ መናፍቕ ስለ ዝነበረ ከምቲ ቅድሚኡ ክሕደት ዝጀመረ ኣርዮስ ፡ንመቅደንዮስ’ውን ንዕኡን ንትምህርቱን ወጊዞም ንሃይማኖት ኣጽኒዖም ነናብ ሃገረ ስብከቶም ተመልሱ።

ድሕሪ እዞም ክልተ ጸረ ሃይማኖት ኮይኖም ዝተንስኡ ሰባት ዝመጸ እምበኣር ጉባኤ ኤፌሶን ንኽግበር ምኽንያት ዝኾነ ንስጥሮስ ዝተባህለ ሰብ ኢዩ።እዚ’ውን ከም ኣርዮስን መቅደንዮስ ብግብረ ክህነት ዘገልግል ፡ልብሰ ተክህኖ ለቢሱ ዝኸይድ ኣብ ቅድስተ ቅዱሳን ኣብ ቅድሚ እቲ ክብሪ እግዚኣብሔር ዝግለጸሉ ታቦት ሕጉ ቆይሙ ዘገልግል ዝነበረ ሰብ ኢዩ።እንተኾነ ንሱ’ውን ከምቲ ሳጥናኤል ካብ ማሕበር ቅዱሳን መላእክቲ ዝተፈልየን ዝወጸን ንስጥሮስ’ውን ብገዛእ ፍቓዱ ካብ ማሕበር ምእመናን ካብ መንጎ ሊቃውንቲ ቤተ ክርስቲያን ተፈልየ።ትምህርቱ ዝምልከት እንሆ ነታ ብኽልተ ወገና ድንግል ዝኾነት ፡ቀደም ትንቢት ዝተነግረላ፡ነቲ ብፍቓዱ ሰጋ ሰብ ተዋሂዱ ናብዚ ዓለም ክመጽእ ፡ብስቕለቱ ፡ብሞቱ  ንደቂ ሰባት ካብ ሞት ናብ ሂይወት ካብ ጸልማት ናብ ብርሃን ከውጽእ ዝመደበ ወልደ እግዚኣብሔር ኢየሱስ ክርስቶስ ብድንግልና ጠኒሳ ብድንግልና ዝወለደት ቅድስት ድንግል ማርያም ” ወላዲት ሰብ እምበር ወላዲት ኣምላኽ ክትብሃል ኣይትኽእልን ኢያ” ኢሉ ክኽሕድ ከሎ ነቲ ብተዋህዶ ሓደ ኣካል ሓደ ባህርይ ዝኾነ ኢየሱስ ክርስቶስ ድማ ” ክልተ ኣካል ክልተ ባህርይ” ክብል ተሰምዐ።ነዚ ቃል ክሕደት እዚ ምስ ተዛረበ ብዙሓት ናይ ቤተ ክርስቲያን ሊቃውንቲ ምዓድዎን መኸርዎን እንተኾነ ካብ ክሕደቱ ክምለስ ስለ ዘይክኣለ ፡ብደረጃ ዓለም ዝርከቡ ደቂ ተዋህዶ ንክሕደቱን ንትምህርቱን ክፈልጡ ስለ ዘለዎም ካብ ዓለም ምሉእ ዝተኣከቡ ፪፻/200 ሊቃውንቲ ቤተ ክርስቲያን ብመርሒነት ሊቀ ጳጳሳት ቅዱስ ቄርሎስ ኣብ ኤፌሶን ተኣከቡ።እቲ ብገዛእ ስልጣኑ ሰብ ዝኾነ ኣምላኽና ኢየሱስ ክርስቶስ ንሱ ካብ ዘልኣለም ዝነብር ሰብ ንምድሓን ብገዛእ ፍቓዱ ሰብ ዝኾነ ዘይልውጥን ዘይቅየርን ሓደ ወልድ ዝነበረን ዘሎን ዝነብርን ኢዩ ብምባል መጽሓፍ ቅዱስ መሰረት ገይሮም ከረድእዎን ፈተኑ።እንተኾነ ንሱ ከምቶም ዝሓለፉ ኣርዮስን መቅደንዮስን  ዘይምለስ መናፍቕ ኮይኑ ስለ ዝተረኽበ፡”” ኢየሱስ ክርስቶስ ብተዋህዶ ሓደ ኣካል ሓደ ባህርይ ፡ንሱ ሰብ ዝኾነ ኣምላኽ ምዃኑን ድንግል ማርያም ድማ ንኣምላኽ ዝወለደት ኣደ ኣምላኽ ንወዲ እግዚኣብሔር ዝወለደት ኣደ ወዲ እግዚኣብሔር ንፈጣሪ ዝወለደት ኣደ ፈጣሪ ፡ንእግዚኣብሔር ዝወለደት ኣደ እግዚኣብሔር ” ብምባል ካብ መጽሓፍ ቅዱስ መረዳእታ እና ኣቕረቡ ከረድእዎ ፈቲኖም ክምለስ ስለ ዘይክኣላ ንዕኡ ወጊዞም ሃይማኖት ኣጽኒዖም ናብ ሃገሮም ተመልሱ።(ዮሃ1፡1-14,1ዮሃ1፡1 ፣ግ.ሃዋ20፡28 ፣መዝ22፡2-8, ማቴ3፡17 ፣ኢሳ7፡14,ራእ22፡14 ፣ሉቃ1፡26-36)

ቅዱስ እግዚኣብሔር ኣብ ሃይማኖትና የጽንዓና።ኣሜን!!!

ወስብሃት ለእግዚኣብሔር

ወለወላዲቱ ድንግል

ወለመስቀሉ ክቡር

ኣሜን።

Share this:
TwitterFacebook19

Related
ዜና
ነገረ ቅዱሳን
In “ነገረ ክርስቶስ”
ስብከት
September 22, 2013Leave a reply
« Previous
Next »
Leave a Reply
Your email address will not be published. Required fields are marked *
Name *
Email *
Website
Comment

Notify me of new comments via email.

Recent Posts

፳፮/26 ሓምለ ዕረፍቱ ለኣቡነ ሰላማ ከሳቴ ብርሃን/26th july the death of st.Aba Selama Kesatiebrhan August 2, 2014
፳፭/25 ዕረፍቱ ለሓዋርያ ይሁዳ July 2, 2014
፲፯/17 ዕለተ ዝክሩ ለኣባገሪማ/ 17th June The Commemoration Day of Aba Gerima June 24, 2014
፳፭/25 ግንቦት ዕረፍታ ለቅድስት ሰሎሜ June 2, 2014
ዕርገት እግዚእነ ወመድኃኒነ ኢየሱስ ክርስቶ (ቀዳማይ ክፋል) May 28, 2014
ዓውደ ኣዋርኅ

SEPTEMBER 2013
M T W T F S S
« Aug   Oct »
  1
2 3 4 5 6 7 8
9 10 11 12 13 14 15
16 17 18 19 20 21 22
23 24 25 26 27 28 29
30  
Archives

August 2014
July 2014
June 2014
May 2014
April 2014
March 2014
February 2014
January 2014
December 2013
November 2013
October 2013
September 2013
August 2013
July 2013
June 2013
May 2013
April 2013
March 2013
February 2013
January 2013
Categories

ስብከት
ትምህርቲ ሃይማኖት
ነገረ ማርያም
ነገረ ቅዱሳን
ነገረ ክርስቶስ
ኪነ-ጥበብ
Uncategorized
View Full Site

Blog at WordPress.com.

Now Available! Download WordPress for Android

Advertisements

Leave a Reply

Fill in your details below or click an icon to log in:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out / Change )

Twitter picture

You are commenting using your Twitter account. Log Out / Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out / Change )

Google+ photo

You are commenting using your Google+ account. Log Out / Change )

Connecting to %s