Menu

ዘኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ መድሃኔ ኣለም ቤ/ክ ማኀበረ ማርያም እስራኤል
ነገረ ቅዱሳን
ነገረ ቅዱሳን.

ጥቅምቲ ፲፬-ዕረፍቱ ለፊልጶስ ሐዋርያ

በስመ  ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላኽ ኣሜን።

ፊልጶስ ማለት  ስዉር ቦታ ማለት ኢዩ።ቁጽሩ ካብ ፸፪ ኣርድእቲ ናይ ክርስቶስ ኢዩ።ድዉይ ናይ ምፍዋስ ምዉት ናይ ምትንሳእ ስልጣን ዝተዋህቦ  ኢዩ።ከምኡ ካኣ ካብቶም ሸውዓተ ዲያቆናት ብኣገልግለቱ ፡ኣብ ወንጌል ስብከት ብዝነበሮ ዕዮ ካኣ ሃዋርያ ኢዩ።(ግ.ሃዋ፳፩፡፰/21፡8,፣ ግ,ሃዋ፮፡፭/6፡5)

ድሕሪ ቅትለት እስጢፋኖስ ክርስቲያናት በቲ ዝወርዶም ዝነበረ ሽግርን መከራን ናብ ብዙሕ ቦታታት ፋሕ ኢሎም ነበሩ።ጸኒሑ ብርሃን ዓለም ዝተሰምየ ሳውል ንብዙሓት ናብ ቤት ማእሰርቲ ኣእተወ  ብኸምኡ ካኣ ኣመንቲ ናብ ብዙሕ ቦታታት ፋሕ ክብሉ ግዲ ኮኖም። እንተኾነ በቲ ክርስቶስ ዝሃቦም ጸጋ ኣብ ዝኸድዎ  ዘበለ ኩሉ ቃል ወንጌል እና ሰበኹ ይኸዱ ነበሩ።ብዙሓት ምእመናን ካኣ ኣፍረዩ።

በዚ ግዜ እዚ ኢዩ እምበኣር እዚ ሓደ ካብቶም ሸውዓተ ዲያቆናት ዝኾነ ፊልጶስ ኣብ ከባቢ ከተማ ኢየሩሳሌም ክሰብኽ ድሕሪ ምጽናሕ ናይ እግዚኣብሔር ቅዱስ መልኣኽ መጺኡ “ናብ ጋዛ ኪድ ኣብኡ ካኣ ስለ ወንጌልን ጥምቀትን እትምህሮም ህዝቢ ኣለዉ” ክብል ዝተዛረቦ።(ግ.ሃዋ፰፡፳፮/8፡26)።ኣቐዲሙ ግና ናብ ሰማርያ ብምኻድ ስለ ክርስቶስ ነቶም ህዝቢ ሰበኸሎም።በዚ ካኣ እቶም ዝሰምዕዎ ዝነበሩ ኩላቶም ኣመኑ።እንሆ እቲ “ኣነ ዓቢይ ኢየ” እና በለ ንብዙሓት ሰብ እታ ከተማ ብጥንቁልንኡ ዘገርሞም ዝነበረ ሲሞን ዝበሃል ጠንቋሊ ከይተረፈ ብስከት ፊልጶስ ኣመነ።(ግ.ሃዋ፰፡፬-፲፬/8፡4-14)

ኣብ ጋዛ ከይዱ ንብዙሓት ሰባት ናይ ክርስቶስ ወንጌል ማሃረ።እንሆ ከኣ ሓደ ስሉብ ኢትዮጵያዊ ካብ ሃገሩ ናብ ኢየሩሳሌም ክነግድ ኢሉ መጸ።ብመርሕነት መንፈስ ቅዱስ ካኣ ፍሊጶስን እቲ ስሉብን ተራኸቡ።ካብ መጽሓፍ ኢሳይያስ “መጽአ ከመ በግዕ ይጠባህ  ወከመ በግዕ ዘአይነብብ በቅድመ ዘይቀርጾ ከማሁ ኢከሠቱ ኣፋሁ በሕማሙ” ዝብል ጽሑፍ ከንብብ ጸንሖ(ኢሳ፶፫፡፯/53፡7)።ፊልጶስ ቀሪቡ “ተአምርኑ እንክ ዘታነብብ -እቲ ተንብቦ ዘለኻስ ተስተውዕሎዶ ኣለኻ” ክብል ሓተቶ።ንሱ ድማ “በአይቴ አአምር ለእመአልቦ ዘመሀረኒ-ሓደ እኳ ዝምህረኒ ዘይብለይ ከመይ ጌይረ ከስተውዕሎ” ክብል መለሰሉ። ብድሕሪ’ዚ  ነቲ ዘንብቦ ዝነበረ ጽሑፍ ገሊጹ፡ ምሂሩ ኣጠመቖ። ብድሕሪ’ዚ ነቲ ስሉብ ገዲፍዎ ከደ ፡ንሱ’ውን ክርእዮ ኣይከኣለን። ከምቲ ኣቐዲሙ ዝገብሮ ዝነበረ ከኣ ወንጌል እና መሃረ ጉዕዝኡ ቀጸለ(ግ.ሃዋ፰፡፳፮-፵/8፡26-40) 

ኣምላኽነት ክርስቶስ ንዘይኣምኑ ዝነበሩ ኣይሁድ እና ኣእመነ፡ ንዝኣመኑ እና ኣጥመቐ በዚ ዕለት እዚ ዓረፈ።

ጸሎቱን  በረኸቱን ኣይፈለየና።ኣሜን!!!

ናይ ስላሴ ምሕረት

ናይ ቅድስት ድንግል ማርያም ኣማላድነት

ናይ ቅዱሳን ረድኤትን በረኸትን

ምስ ኩላትና ይኹን። ኣሜን!!!

ወስብሃት ለእግዚኣብሔር

ወለወላዲቱ ድንግል

ወለመስቀሉ ክቡር

ኣሜን።

Share this:
TwitterFacebook5

Related
ነገረ ቅዱሳን
In “ነገረ ቅዱሳን”
ነገረ ቅዱሳን
In “ነገረ ቅዱሳን”
ነገረ ቅዱሳን
In “ነገረ ቅዱሳን”
October 24, 2013Leave a reply
« Previous
Next »
Leave a Reply
Your email address will not be published. Required fields are marked *
Name *
Email *
Website
Comment

Notify me of new comments via email.

Recent Posts

፳፮/26 ሓምለ ዕረፍቱ ለኣቡነ ሰላማ ከሳቴ ብርሃን/26th july the death of st.Aba Selama Kesatiebrhan August 2, 2014
፳፭/25 ዕረፍቱ ለሓዋርያ ይሁዳ July 2, 2014
፲፯/17 ዕለተ ዝክሩ ለኣባገሪማ/ 17th June The Commemoration Day of Aba Gerima June 24, 2014
፳፭/25 ግንቦት ዕረፍታ ለቅድስት ሰሎሜ June 2, 2014
ዕርገት እግዚእነ ወመድኃኒነ ኢየሱስ ክርስቶ (ቀዳማይ ክፋል) May 28, 2014
ዓውደ ኣዋርኅ

OCTOBER 2013
M T W T F S S
« Sep   Nov »
  1 2 3 4 5 6
7 8 9 10 11 12 13
14 15 16 17 18 19 20
21 22 23 24 25 26 27
28 29 30 31  
Archives

August 2014
July 2014
June 2014
May 2014
April 2014
March 2014
February 2014
January 2014
December 2013
November 2013
October 2013
September 2013
August 2013
July 2013
June 2013
May 2013
April 2013
March 2013
February 2013
January 2013
Categories

ስብከት
ትምህርቲ ሃይማኖት
ነገረ ማርያም
ነገረ ቅዱሳን
ነገረ ክርስቶስ
ኪነ-ጥበብ
Uncategorized
View Full Site

Blog at WordPress.com.

Now Available! Download WordPress for Android

Advertisements

Leave a Reply

Fill in your details below or click an icon to log in:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out / Change )

Twitter picture

You are commenting using your Twitter account. Log Out / Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out / Change )

Google+ photo

You are commenting using your Google+ account. Log Out / Change )

Connecting to %s