Menu

ዘኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ መድሃኔ ኣለም ቤ/ክ ማኀበረ ማርያም እስራኤል
ነገረ ቅዱሳን
ነገረ ቅዱሳን.

ጥቅምቲ፳፪-ዕረፍቱ ለሉቃስ ወንጌላዊ

በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣኃዱ ኣምላኽ ኣሜን።

ሉቃስ ማለት መበሰሪ፡ ብስራተ መልኣኽ ስለ ዝጸሓፈ(ሉቃ፩፡፳፮/1፡26) ኣንድም—ዐቃቤ ሥራይ ዘሥጋ ክኸውን ከሎ ዐቃቤ ሥራይ ዘነፍስ ክትከውን ኢኻ  ኢሉ ጎይታ ጸውዖ

(ቆላ፭፡፲፬/5፡14) ቁጽሩ ካብ ፸፪ ኣርድእቲ ኢዩ።

ንኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ኣዝዩ የፍቅራ ስለ ዝነበረ፡ ካብ ፍቕራ ዝተላዕለ ስእላ ሰኣለ።ናይ ኣዴና ሥእሊ  መጀመርታ ዝሠኣለ ወንጌላዊ  ሉቃስ ኢዩ። ኣብ ቤተ ክርስቲያን’ውን  ዝርከቡ ናይ ጸሎትን መዝሙርን  መጻሕፍቲ  ሥእሊ  ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም  ዝሰኣሎም ኢዮም።

“ሰላም ለሥእልኪ እንተ ሠዐላ በእዱ ፡ሉቃስ እምወንጌላውያን  ኣሓዱ (መልክዐ ሥዕል  ስንክሳር 22/፳፪ ጥቅምቲ) ከም ዝብል።

ነቲ ዝሰኣሎ ስእሊ እና ሸጠ ከኣ ዕለታዊ መግቡን ክዳኑን ኣትሪፉ ብስም ቅድስት ድንግል ማርያም ይምጽውቶ ነበረ።

ብመንፈስ ቅዱስ መሪሕነት ዝሰኣሎ ስእሊ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ምስ ፍቁር ወዳ ልክዕ ብኣከለ ስጋ ከም ዘላ ገይሩ ይስእላ ነበረ፡ “ወይእቲ ሥዕል ትመስል ልብስተ ሥጋ ወያንጸፋጽፍ ሐፍ እምኔሃ” ከም ዝብል መቅድም።

ቅዱሳን ሃዋርያት ነናብ ዝኸድዎ ናይ ትምህርቲ ቦታ ብዕጫ ናብ መላእ ዓለም ክኸዱ ከለዉ ቅዱስ ዮሓንስ ኣብ ጽርዕ በጺሑ ክኸይድ ከሎ ብሓንሳብ ከዱ ካብ ሃገረ ስብከቱ ንመቄዶንያ ከፊሉ ከኣ ኣብኡ ክምህር ገዲፍዎ ከደ። ከም ኩሎም ሃዋርያት ናይ ክርስቶስ ወንጌል ብዝግባእ ማሃረ። ብድሕሪ’ዚ ወንጌል ናብ ዘይበጽሖ ቦታ  ተበገሰ። ናይ  እስክንድርያ መስፍን ዝነበረ ቴዎፍሎስ ዝመሃርካና ምእንቲ  ከይንርስዖ ብጽሑፍ ገርካ ሃበና በሎ። ነቲ ዝማሃሮ ኩሉ ድማ ብጽርዕ ጽሒፉ ሂብዎ ከደ። ግዜኡ ድሕሪ ዕርገት ጎይታ ኣብ መጀመርታ መበል ፳፩ ዓምት ኢዩ ነይሩ። እዚ ከኣ ቀላውዴዎስ ቄሳር ካብ ዝነግስ ኣብ መበል ፲፬ ዓመቱ ኢዩ። ብድሕሪኡ ካኣ ንግብረ ሃዋርያት ጽሒፉ ለኣኸሉ።(ሉቃ፩፡፩/1፡1፡ ግ.ሃዋ፩፡፩-፪/1፡1-2)

ብድሕሪ እዚ ንቅዱስ ጴጥሮስን ቅዱስ ጳውሎስን ተኸቲሉ ኣብ ሮማ ዝነበሩ ህዝቢ ንኽምህር ከደ። ንሮማውያን  ከኣ ካብ ኣምልኾ ጣዖት ናብ ኣምልኾተ እግዚኣብሔር መለሶም። ናይ ጣዖት ካህናትን እቲ ናይቲ ዘመን ገዛኢ ዝነበረ ጨካን ዓላዊ ንጉስ ኔሮንን ሉቃስ ዝተባህለ መሰርይ ንኣምልኽትና ሰባበረልና ንህዝብና ከኣ ኣስሓተልና እና በሉ ንሰባት ከናዕቡ ጀመሩ። ኣብ መወዳእታ ከኣ በቲ ቅዱስ ሉቃስ ዝገብሮ ዝነበረ ንሕሙማት ምፍዋስ፡ ንሙዉታት ምትንሳእ ንዝተደነሱ ምፍዋስን ኔሮን ንጉስ ኣዝዩ ስለ ዝተቖጥዐ ወተሃደራት ልኢኹ ናብ ቤቱ ኣምጽኦ። ነታ ኢየሱስ እና በለት እጥጽሕፍ ዘላ የመነይቲ ኢዱ ትቆረጽ ኢሉ ከኣ ኣቕረጻ። እንተኾነ ቅዱስ ሉቃስ ” ኦ! እግዚኣብሔር እቶም ንምቑራጽ ኢደይ ዝረኣዩ ሰባት እቲ ዘድሕን ዝብልዎ ኣምላኾም ድኣ ኣበይ ኣሎ፧ እንተድኣ ኣልዩስ ስልጣኑ ድኣ ንመዓስ  ክኾኖም ኢዩ፧ ምእንቲ ከይብሉስ እዛ ኢደይ ናብታ ዝነበረታ ምለሳ” እና በለ ጸለየ። ቅዱስ እግዚኣሔር ከኣ ንኢዱ ከምታ ዝነበረታ ገበራ። ነዚ ተኣምር እዚ ዝረኣዩ ብዙሓት ሰባት ብእግዚኣብሔር ኣመኑ።

በቲ ዝተፈጸመ ነገር ኣብ ክንዲ ነቲ ሓያል ኣምላኽ ምእማን ከም ፎርዖን ልቡ ዘትረረ ኔሮን ንኹላቶም ብስሕለት ሴፍ ክሞቱ ኣዘዘ። ቅዱስ ሉቃስ’ውን ክሳዱ ብስሕለት ሴፍ ስጋኡ ሰባት ምእንቲ ከይረኽብዎ ናብ ባሕሪ ደርበዮ።እንተኾነ ምእመናን ረኺቦም ቀበርዎ። ጸሎቱን በረኸቱን ናይ ቅዱስ ሉቃስ ምስ ኩላትና ይኹን። ናይ ኩሎም ናይዛ ዕለት እዚኣ ሰማእታት በረኸቶም ኣይፈለየና።ኣሜን።

ወስብሃት ለእግዚኣብሔር

ወለወላዲቱ ድንግል

ወለመስቀሉ ክቡር

ኣሜን!!

 

               

Share this:
TwitterFacebook25

Related
ነገረ ማርያም
In “ነገረ ማርያም”
ባእታ ማርያም
In “ነገረ ማርያም”
ነገረ ማርያም
In “ነገረ ማርያም”
November 1, 2013Leave a reply
« Previous
Next »
Leave a Reply
Your email address will not be published. Required fields are marked *
Name *
Email *
Website
Comment

Notify me of new comments via email.

Recent Posts

፳፮/26 ሓምለ ዕረፍቱ ለኣቡነ ሰላማ ከሳቴ ብርሃን/26th july the death of st.Aba Selama Kesatiebrhan August 2, 2014
፳፭/25 ዕረፍቱ ለሓዋርያ ይሁዳ July 2, 2014
፲፯/17 ዕለተ ዝክሩ ለኣባገሪማ/ 17th June The Commemoration Day of Aba Gerima June 24, 2014
፳፭/25 ግንቦት ዕረፍታ ለቅድስት ሰሎሜ June 2, 2014
ዕርገት እግዚእነ ወመድኃኒነ ኢየሱስ ክርስቶ (ቀዳማይ ክፋል) May 28, 2014
ዓውደ ኣዋርኅ

NOVEMBER 2013
M T W T F S S
« Oct   Dec »
  1 2 3
4 5 6 7 8 9 10
11 12 13 14 15 16 17
18 19 20 21 22 23 24
25 26 27 28 29 30  
Archives

August 2014
July 2014
June 2014
May 2014
April 2014
March 2014
February 2014
January 2014
December 2013
November 2013
October 2013
September 2013
August 2013
July 2013
June 2013
May 2013
April 2013
March 2013
February 2013
January 2013
Categories

ስብከት
ትምህርቲ ሃይማኖት
ነገረ ማርያም
ነገረ ቅዱሳን
ነገረ ክርስቶስ
ኪነ-ጥበብ
Uncategorized
View Full Site

Blog at WordPress.com.

Now Available! Download WordPress for Android

Advertisements

Leave a Reply

Fill in your details below or click an icon to log in:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out / Change )

Twitter picture

You are commenting using your Twitter account. Log Out / Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out / Change )

Google+ photo

You are commenting using your Google+ account. Log Out / Change )

Connecting to %s