Menu

ዘኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ መድሃኔ ኣለም ቤ/ክ ማኀበረ ማርያም እስራኤል
ነገረ ቅዱሳን
ነገረ ቅዱሳን.

ጥቅምቲ ፳፭- ዕረፍቱ ለአባ ቡላ/ኣቢብ/

በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣኃዱ ኣምላኽ ኣሜን።

ቡላ ማለት ናይ ሃይማኖት ፍረ ማለት ኢዩ። ኣቦኦም ኣብርሃም ኣዲኦም ከኣ ሐሪክ ይበሃሉ። ሃገሮም ኣብ ሮም ኮይኑ ሉፊ ዝበሃል ቦታ ኢዩ። ኣብርሃምን ሐሪክን ውላድ ብምስኣኖም ይሓዝኑን ይጭነቑን ነበሩ። እንሆ ካብ መዓልታት ሓደ መዓልቲ  ቅዱስ መልኣኽ ተገሊጹ ብሕልሚ  ዝበሰለ ፍረ ክህቦም ከሎ ተራእዮም። በዚ ግዜ እዚ ከኣ ኣባ ቡላ ተጠንሱ። ኣባ ቡላ ኣብ ዝተወልድሉ ግዜ  ኣብ ደግኦም ሓደ ዓቢ ገረብ በቖለ ኣብ ቆጽሉ ከኣ “ቡላ ገብሩ ለእግዚኣብሔር ወቅድሱ ለኣምለከ ያዕቆብ ዘይሐድር ውስተ ጽዮን” ዝብል ጽሑፍ ብሮማይስጥ ቋንቋ ተጻሒፉ ተረኽበ።  በቲ ዝረኣይዎ ነገር እና ተደነቑ ዓመት ዝኣክል ከየጠመቕዎም ስቕ በሉ። ብድሕሪ’ዚ  ቅድስት ድንግል ማርያም ነቲ ኣብቲ ግዜቲ ሊቀ ጳጳስ ዝነበረ  ኣልብስትርዮስ ዝተባህለ ሊቀ ጳጳስ ተገሊጻ ነቲ ህጻን ከጠምቖ ከም ዘለዎ ነገረቶ። ንሱ ከኣ ነቲ ህጻን ተቐቢሉ ኣጠመቖ። እንሆ ክጥመቕ ከሎ ከኣ ” ኣኃዱ ኣብ ቅዱስ ኣኃዱ ወልድ ቅዱስ ኣኃዱ ውእቱ መንፈስ ቅዱስ ” ኢሎም  ኣመስገኑ። ቡላ ኢሉ ከኣ ሰመዮ። ኣቡኡን ኣዲኡን ነቲ ኣቐዲሞም ዝረኣይዎ ” ቡላ ገብሩ ለእግዚኣብሔር ,,,,” ዝብል ጽሑፍ ከይነገርዎ ከለዉ ” ቡላ” ኢሉ ምስማዮ ኣዝዩ ገረሞም።

ብድሕሪ’ዚ ኣብርሃምን ሐሪክን ብ፲፯/17 ሕዳር  ካብዚ ዓለም ብሞት ተፈለይዎም።እንሆ ከኣ ወዲ ዓሰርተ ዓመት ከለዉ  “ሃይማኖትኩም ክሓዱ ንጣዖት ስገዱ” ዝብል ዓላዊ  ንጉስ  ተንሥአ። ኣብዚ ናይ ህጻንነት ዕድመ ከለው ናብቲ ንጉስ ከይዶም ብዛዕባ እቲ ክፉእ ግብሩ ተዛረብዎ፡ ንኣማልኽቱ ድማ ረገሙ። ኣብ ንኡስ ዕድምኦም እዚ ዘረባ እዚ ምዝራቦም እና ተገረመ ብሽንካር ሸንኪሩ፡ ብበላሕቲ ነገራት እና ገበሩ ንኣካላቶም ከሳቕይዎም፡ ኣእዳዎምን ኣእጋሮምን ከኣ ብሴፍ ክቖርጽዎም ትእዛዝ ኣመሓላለፈ። እቶም ልኡዃት እና ኣሳቐዩ ናብቲ ወሰን መገዲ ናይቲ ዓዲ ኣውጽእዎም እቲ ንረድኤት ቅልጡፍ ዝኾነ መልኣከ ምሕረት  ቅዱስ ሚካኤል ግና ብዘንጊ ዝመስል ገይሩ ተንከፎም እሞ ካብቲ ጸበባ እቲ ኣናገፎም ብዘይ ዝኾነ ቁስሊ ከኣ ልክዕ ከም ጥዑይ ሰብ ኮይኖም ጠጠው በሉ። ብድሕሪ’ዚ ናብ ካልእ ዓላዊ ንጉስ ከይዶም ንዕኡን ንኣምልኽቱን ጸረፉ። ብ፲፰/18 ሚያዝያ ብሴፍ ገይሩ ክሳዶም ከም ዝምተሩ ገበረ። ሕጂ’ውን ቅዱስ ሚካኤል ኣተንሲኡ ናብ  በረኻ ወሲዱ ብትእምርተ መስቀል ገይሩ  ልብሲ ምንኩስና ኣልበሶም ኣስኬማ ከኣ ደፍኣሎም። ብድሕሪ’ዚ ኣብ ልዕሊ ንቑጽ ኦም እና ደየቡ ይጽልዩን ናይ ክርስቶስ ስቅያትን ሞትን እና ዘከሩ ከኣ ካብ ልዕሊ እቲ ገረብ ተወርዊሮም ናብ መሬት ይወድቁን ነበሩ። እዚ ዝገበሩ ናይ ክርስቶስ ስቅያትን ሞትን ኣዝዩ ብርቱዕ ከም ምዃኑ፡ በቲ ዝገብርዎ ዝነበሩ ተጋድሎ ንመከርኡ ንምዝካር ኢዩ። ከምዚ ኢሎም ንነዊሕ ግዜ ቀጸሉ።

ካብ መዓልታት ሓደ መዓልቲ ከም ልማዶም ካብቲ ገረብ ተወርዊሮም ክወድቁ ከለዉ ሰይጣን ኣብኡ ጸንሖ እሞ ቀተሎም።ጎይታ ንኣርባዕተ ባህርያተ ሥጋ ምስ ሰለስተ ግብራተ ነፍስ ኣወሃሂዱ ካብ ሞት ኣተንስኦም “እምይእዜሰ ኢይኩን ስምከ ቡላ ኣላ ይኩን አቢብ እስመ አበ ብዙኃን ትከውን—-ካብ ሎሚ ናይ ብዙሓት ኣቦ ክትከውን ኢኻ ስምካ ከኣ ቡላ ዘይኮነ ኣቢብ ይኹን” በሎም። ኣቢብ ማለት ኣቦ ብዙኃን ማለት ኢዩ። ኣብ ልቦም ዝነበረ ናይ ክርስቶስ ፍቕሪ ካብ ዕለት ናብ ዕለት እና ዛየደ ከደ። ዝነበሮም ናይ ተጋድሎ ሕይወት ብዝለዓለ መልክዑ ወሰኸ። ናይ ክርስቶስ ስቅያቱን ሞትን እና ዘከሩ ገጾም ይጸፍዑ፡ ንስጋኦም የሳቕዩ፡ ፯፻/700 ግዜ ንመዓልቲ ድማ ዝባኖም ይገርፉን ይሃርሙን ነበሩ። ክርስቶስ ኣምላኽና ካብ ቅድስት ድንግል ማርያም ምውላዱን መከራ መስቀሉን እና ዘከሩ ከኣ ንኣርባዓን ክልተን ዓመት ማይን መግብን ከይሰተዩን ከይበልዑን ፡ ንሱሳን ሸውዓተን ዓመት ድማ ከይደቀሱ ተቐመጡ። ንዓመትን ሸውዓተ ወርሕን ብርእሶም ተተኺሎም፡ ዝነብሮም ሓይሎም ክሳዕ ዝውዳእን ናብ ሞት ክሳዕ ዝቃረቡን ጸለዩ።

ሓደ መዓልቲ ኣብ ቅድሚኦም ሴፍ ተኺሎም እና ጸለዩ ከለዉ ናይ ክርስቶስ ስቅያት ኣብ ዝዘከርሉ እዋን ካብቲ ዝነበርዎ ንቕድሚት ገጾም ተወርዊሮም ወደቑ እሞ፡ በቲ ሴፍ ተወጊኦም ሞቱ። በዚ ሰዓት’ዚ  ቅድስት ድንግል ማርያም ቅዱሳን መላእኽቲ ኣኸቲላ  መጺኣ “ሰላም ለከ ኦ ፍቁርየ ኣቢብ” ኢላ ንረሲኦም ተንከፈቶ። “ሰላም ለኪ ኦ ንግሥተ ሰማያት ወምድር” ኢሉም ከኣ መለሱ። ብድሕሪ’ዚ ካብ ሞት ተንስኡ ጥዑይ ሰብ ኮይኖም ከኣ ጠጠው በሉ። ብድሕሪ’ዚ ዕለተ ዕረፍቶም ምስ ኣኸለ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ  ብናትካ ተስፋ ዝኣመነ  ቃል ኪዳንካ ዝተማሕጸነ፡ ቤተ ክርስቲያንካ ዝሃነጸ፡ ብስምካ ንድኻታት ዝመጽወተ ኩሉ ክሳዕ ዓሰርተ ትውልዲ ክምሕረልካ ኢየ ክብል ቃል ኪዳን ኣተወሎም። በዚ ዕለት ድማ ዓረፉ እንሆ ከኣ ብስብሐተ መላእክትን በቃለ ኣቅርንት ኣዕረጎም።

ጸሎትን  በረኸትን ናይ ኣባ ቡላ/ኣቢብ ምስ ኩላትና ይኹን። ኣሜን!!!

ወስብሃት ለእግዚኣብሔር

ወለወላዲቱ ድንግል

ወለመስቀሉ ክቡር

ኣሜን።

 

Share this:
TwitterFacebook23

Related
ነገረ ቅዱሳን
ነገረ ቅዱሳን
In “ነገረ ክርስቶስ”
ነገረ ቅዱሳን
In “ነገረ ክርስቶስ”
November 4, 2013Leave a reply
« Previous
Next »
Leave a Reply
Your email address will not be published. Required fields are marked *
Name *
Email *
Website
Comment

Notify me of new comments via email.

Recent Posts

፳፮/26 ሓምለ ዕረፍቱ ለኣቡነ ሰላማ ከሳቴ ብርሃን/26th july the death of st.Aba Selama Kesatiebrhan August 2, 2014
፳፭/25 ዕረፍቱ ለሓዋርያ ይሁዳ July 2, 2014
፲፯/17 ዕለተ ዝክሩ ለኣባገሪማ/ 17th June The Commemoration Day of Aba Gerima June 24, 2014
፳፭/25 ግንቦት ዕረፍታ ለቅድስት ሰሎሜ June 2, 2014
ዕርገት እግዚእነ ወመድኃኒነ ኢየሱስ ክርስቶ (ቀዳማይ ክፋል) May 28, 2014
ዓውደ ኣዋርኅ

NOVEMBER 2013
M T W T F S S
« Oct   Dec »
  1 2 3
4 5 6 7 8 9 10
11 12 13 14 15 16 17
18 19 20 21 22 23 24
25 26 27 28 29 30  
Archives

August 2014
July 2014
June 2014
May 2014
April 2014
March 2014
February 2014
January 2014
December 2013
November 2013
October 2013
September 2013
August 2013
July 2013
June 2013
May 2013
April 2013
March 2013
February 2013
January 2013
Categories

ስብከት
ትምህርቲ ሃይማኖት
ነገረ ማርያም
ነገረ ቅዱሳን
ነገረ ክርስቶስ
ኪነ-ጥበብ
Uncategorized
View Full Site

Blog at WordPress.com.

Now Available! Download WordPress for Android

Advertisements

Leave a Reply

Fill in your details below or click an icon to log in:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out / Change )

Twitter picture

You are commenting using your Twitter account. Log Out / Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out / Change )

Google+ photo

You are commenting using your Google+ account. Log Out / Change )

Connecting to %s