Menu

ዘኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ መድሃኔ ኣለም ቤ/ክ ማኀበረ ማርያም እስራኤል
ስብከት
ስብከት.

ቤተ   ክርስቲያና

በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ  ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን።

ቤተ ክርስቲያና እወ ቤት ሕይወት መርዓት ክርስቶስ። ቤተ ክርስቲያን ማለት ናይ ክርስቶስ ገዛ፣ ክርስቲያን ተኣኪቦም ጉባኤ ማሕበር ዘካይዱላ ማለት እዩ። ሕዝበ እግዚኣብሔር (ክርስቲያን) ቃል ወንጌል ዝመሃሩላን ተኣኪቦም ናይ ሕብረት ጸሎት ንፈጣሪ ዘዕሩጉላን ኣማናዊ ናይ ዘልኣለም ሕይወት ዝህብ መግቢ ክቡር ስግኡን ደሙን መስዋእቲ ዝዓርገላ ኣብ ከውሒ ዝተሰረተት ዋጋ ዝተኸፍላ ርእሳ ኢየሱስ ክርስቶስ ዝኾነት ኣማናዊት ቤት እያ።

እስከ ህላዌ ቤተክርቲያን ቅድመ ታሪኽ ኣብ መጽሓፍ ንርአ፣- ቤተክርስቲያን ክትርአ ከላ ብምስጢር ኣምላኽ ኣብ ሰለስተ ከፊልካ ትርአ። እታ ቐዳመይቲ፣ ሰብ ቅድሚ ምፍጣሩ ዝነበረት ኣብ ዓለመ መላእኽቲ ዝነበረት ሓድነት እያ። እታ ካልአይቲ ድማ  ካብ ኣቤል ክሳዕ ዘካርያስ ካህን ዝነበረት እያ። እታ ሳልሰይትን መወዳእታን ድማ ብደም ክርስቶስ ዝተመስረተት ኣማናዊት ሓድነት ሕዝበ ክርስቲያን ናይ ምሕረት ዓውዲ (ኣውደምሕረት) እያ።

እምብኣርከስ እዛ ምንጪ ጸጋን ጽድቅን ዝኾነት ቤተ ክርስቲያን ኣመጻጽኣኣን ስማን ንርአ፣ ኣብ ዘመነ ብሉይ እግዚኣብሔር ምስ ሰብ ዘለዎ ርክብ  ዝግለጸሉ ዝተፈላለየ ኣስማት ነበረ  ንኣብነት ከኣ ኣብ ዘዳግም ተገሊጹ ከም ዘሎ በዓላት እግዚኣብሔር ንምኽባር ዝእከቡ ዝነበሩ ሕዝቢ እስራኤል ”ከሃል” ወይ ኤክለስያ  ይበሃሉ ነበሩ። ንብሉይ ኪዳን ናብ ጽርኢ ዝተርጎሙ70(ሰብዓ) ሊቃውንቲ  እዮም። ከሃል ንዝብል ቃል እብራይስጢ ኤክለስያ ኢሎም ተርጊሞሞ ኣለዉ። እዚ ቃል እዚ ኣብ ብሉይ ኪዳን ልዕሊ 90 ግዜ ተጻሒፉ ከምዘሎ ኣብ ዛንታ ቤተ ክርስቲያን ተገሊጹ ከምዘሎ የረድእ። ዋና ትርጉሙ ድማ ኣብ ዘመነ ኦሪት ንዝነበረ ጉባኤ ሑሩያት ሕዝቢ እግዚኣብሔር  ንዝኾኑ እስራኤላውያን ማለት እዩ። ኣብ ሓዲሽ ውን “ጽውዓት-ሑሩያት” ይብል (ማቴ 22፥14)።

ቤተ ክርስቲያን ማለት እምበኣር ኣብ ዘመነ ሓዲሽ ኪዳን ንሰማያዊ ክብሪ ዝተጸውዑ ዝተሓርዩ ምእመናን ሕዝበ ክርስቲያን ዝእከብሉ ቤት እዩ። መሰረት እዛ ቤተ ክርስቲያን ከኣ ጎይታናን ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ምዃኑ ባዕሉ ኣብ ቅዱስ ወንጌሉ ገሊጽዎ ኣሎ። “ንቅዱስ ጴጥሮስ ሓደራ ጉስነት(ኖላውነት) ኣብ ዝሃቦ’ውን ከምዚ ይብል፣ “ንስኻ ከውሒ ኢኻ ንቤተ ክርስትያነይ ኣብዛ ከውሒ ክሃንጻ እየ ደጌታት ሲኦል ድማ ኣይከናውጽዋን እዮም” ብናይ ሓደራ ቃል ዝመስረታ ባዕሉ ሙዃኑ ገሊጽዎ ንረኢ (ማቴ 16፦18)። ካብ’ዚ ጥቕሲ እንርድኦ እንተሃለወ መስራቲኣ ኢየሱስ ክርስቶስ ምዃኑ ጥራሕ ዘይኮነስ ደጌታት ሲኦል ክሕይልዋ ከምዘይክእሉን እዩ ዘረደኣና።

ሓንትን ቅንዕትን ኣምናዊትን ቤት ስለ ዝኾነት ካብ’ቲ ናይ ጥንቲ ጸላኢ  ዝኾነ ዲያብሎስን ሉኡኻቱን ዝኾኑ ዝተፈላለዩ፣ ሓይልታት ክስዕሩዋ ዘይክእሉ ምኽንያቱ ርእሳ ክርስቶስ ስለዝኾነ። ክርስቶስ ሓንሳእ ንሓዋሩን ንሞት ከም ዝሰዓረ ንሳ’ውን ሓንሳእ ንሓዋሩን ብደም ክርስቶስ ተሓጺባ ዝተሃንጸት ኣማንዊት ቤት እያ። ብዙሓት እኳ ብስማ እንተ ሸቀጣን ንከሕቅቓኣ ኣውታረን እንተገተራ ናብ ሓዊ ከም ዝቐረበ ጅማት ሓሪረን ተኾምቲረን እየን ዝወድቃ። “ዝናብ ዘነመ፣ ወሓይዝ ወሓዘ፣ ንፋሳት ነፈሱ፣  ነቲ ቤት ደፍእዎ  ኣብ ከውሒ ስለዝተመስረተ ድማ ኣይወደቐን” (ማቴ 7፥25)። እቲ ኣብ’ዚ ከውሒ እዚ ንቤተ ክርስትያነይ ክምስርታ እየ ዝበለ ክርስቶስ መሰረታ ስለዝኾነ።

ዝናም ዝተባህሉ፦ ዲያብሎስ ጭፍረኡን ኣጋንንትን እዮም።

ወሓዚ ዘተባህሉ፦ ኣረማውያን ከሓድያን መምለኽቲ ጣኦት ዝኾኑ ነገስታት ከም  በዓል ዲዮልቅልጥያኖን ብርክያል ዲድያኖስ ዝኣመሰሉ ኢዮም።

ንፋሳት ዝተባህሉ፦ መናፍቃን መሊካውያንን ብስም ጎይታ ዝሽቅጡ ካብ ሸያጥ መምህሩ ይሁዳ ጀሚሮም እኒ ኣርዮስ፣ ንስጥሮስ፣ ልዮን ክሳብ ናይ ዘመና ተዃሉ መንጠልቲ ኣባጊዕ እዮም።

መሰረታ ኢየሱስ ክርስቶስ ሙዃኑ ዘራጋግጽ ጥቕሲ እስኪ ንመልከት፣ “ንርእስኩምን ነታ ብገዛእ ደሙ ዘጥረያ ናይ ጎይታ ቤተ ክርስቲያን ክትጓስዩ መንፈስ ቅዱስ ኤጵስቆጶሳት ገይሩ ኣብኣ ሸመኩም፣ ኩሉ መጓሰ ሓልዉ” (ግብ 20፥28)። በዚ ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ገሊጽዎ ዘሎ ጥቅሲ ንርድኦ እንተ ሃልዩ፣ ቤተ ክርስቲያን ዝብል ቃል “ጉባኤ ምእመናን” ደኣምበር እቲ ህንጻ ጥራይ ከምዘይኮነ ክንርዳእ  ንኽእል። ስለምንታይ ደኣ ነዛ ሓዋርያት ሓደራ ተቐቢሎም ብዕርፈ መስቐል ዝሓረስዋን ሓንትን ሓዋርያዊትን ኣጽናፋዊትን ቤት ዝኾነት፣ እሞኸኣ ሕጊ ቡሉይን ሕጊ ሓድሽ ኪዳንን ስርዓት ወንጌልን እትምህርን ኣብ ከርሳ ዝጸረትን መግቢ ሕይወት ንምእመናና እንዳ መገበት እትጓዓዝ ኣጽናፋዊት ሕጂ ውን ሓደራ ሓዋርያት ዝተቐበሉ ጨው ዓለም ብዝተሰምዩ ካህናታ ኣዒንቲ እግዚኣብሔር፣ መዓልታዊ ሰማእትነት ብምጉዓዝ ካብ ጽንፊ ክሳብ ጽንፊ እትነብር ዘላ ሓንትን ኣማናዊትን ብደም ክርስቶስ ዝተሓጽበት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስትያን ኣላትና (ማቴ 5፥13-16)።

ቤተክርስቲያን ሓንትን ኣማናዊት ጉባኤ ምእመናን ምዃና ቅዱስ ጳውሎስ ከረድእ እንከሎ ከምዚ ይብል፣ “ሓደ ጎይታ ሓንቲ ጥምቀት ሓንቲ እምነትን ይብል” (ኤፌ4፥5)። ሓንቲ ዝተባህለትሉ ድማ ክርስቶስ ዝርእሳ ብክርስቶስ እትኣምን ብክቡር ስግኡን ደሙን መዓልታዊ ኣንዳ ተቀደሰትን ተሓጽበትን እትነብር ሓንቲ ቤተ ክርስቲያን ኦርቶዶክስ ምዃና የረደእ፣ ኦርቶዶክስ ዝብል ቃል ናይ ሓቂ ቤት ማለት’ዩ። ሓዋርያዊት ዘበላ ውን ኣብ ዓለም ከም ትዝርጋሕ ጸኒዓ ከም እትነብር ዝገበርዋ ሓዋርያት ስለ ዝኾኑ ኢያ። “ኣብታ ቤት ኣምላኽ ማለት ኣብታ ናይ ሓቂ ዓንድን መሰረትን ዝኾነት ቤተ ክርስቲያን ሕያው ኣምላኽ ከመይ ጌርና ከም እንነብር ክትፈልጥ ጺሒፈልካ ኣለኹ” (1ይ ጢሞ3፥15)።

ኣጽናፋዊት ዝተባህለትሉ ድማ ኣብ ኣርባዕቲኡ ማእዝናት ዓለም ተዘርጊሓ ስለ እትረክብ እዩ። ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያን እንዳ ተባህለት እትጽዋዕ ውን ቅዱስ ምስጢረ መለኮት (ክቡር ስግኡን፣ ደሙን ናይ ጎይታ) ስለ ዝፍጸመሉን ዝስዋኣሉን ባዕሉ ጎይታ ብስግኡን ደሙን ስለ ዝቕደሳን ዝሓጸባን፣ 150 ቅዱሳን ኣቦታት ዝረከብዎ ጉባኤ ቆስጥንጥንያ ወንኣምን በኣሐቲ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ክብሉ ብውሳኔ ስለ ዝሰመይዋን እያ።

እዛ ቤት እዚኣ ኣማናዊት ቤት ዝብል እኳ ኣብ ዘመነ ብሉይ ገና ክርስቶስ ቅድሚ ምውላዱ ዝነበረት ብኢድ ሰሎሙን ዝተሃንጸት ካብ ድንኳን ናብ ግሩም ህንጻ ምስተቐየረት “ነዛ ቦታ እዚኣ ቤት መስዋእቲ ንክትከውን ሓርየያን መሪጸያን ኣለኹ ፣ ኣብ’ዛ ቦታ እዚኣ ንዝጽለ ጸሎት ኣዒንተይ ክኽፈታ ኣእዛነይ’ውን ጽን ክብላ እየን። ስመይ ድማ ንዘለኣለም ኣብኣ ክኸውን ኣዒንተይን ልበይ ከኣ ኩሉ ግዜ ኣብኣ ክኾና ሓርየያን ቀዲሰያን ኣለኹ በለ(2ይ ዜና 7፦11-16) ።  ነዛ ደም እንስሳታት ዝስዉኡላ ዝነበረት መቕደስ  ብሉይ ክሳዕ ክንድዚ ብመጋረጃ ተሸፊና እትግልገል ዝነበረት ቤት ኣነ ከኣ ኩሉ ጊዜ ክሕላዋን ክሓልየላን ኢየ ዚበላ ቤት (1ይ ነገሰት 9፣1-4)። እዚኣ ከኣ ናይዛ ህዝብን ኣህዛብን እስራኤል ዘስጋን እስራኤል ዘነፍስን ብደም ክርስቶስ ሓደ ዝኾኑላ ናይ ቤተክርስትያ ምሳሌ ኮይኑ የገልግል ነበረ እምበር በዚ መስዋእቲ እዚ በዚ መቕደስ እዚ ሕድገት ሓጢኣት ፍጹም ድሕነት ክርከብ ኣይከኣለን (ሮሜ 9፥24-27፣ እብራ 8፣8፣ እብ 10፣1-5) ነታ ከም ጽላሎት እትሓልፍ ክንድዚ ካብ ኣኽበራ ነዚ ኣብ ከውሒ ክሃንጻ ኢየ ብምባል ገንሸል ፋሲካ ብምዃን ብገዛእ ደሙ ዝዓደጋ ድኣ ክንደይ ዘይኽብራን ዘይሕልዋን። እታ ቀዳመይቲ ከም ጽላሎት ካብ ሓለፈት  ነዛ ኣማናዊትን ሓንትን ኦርቶድክሳዊትን ክንደይ ዘይሕልዋን ዘየኽብራን። እወ እዛ ሓዋርያት ዝሓረስዋን ሰማእታት ብደሞም ዝነደቕዋን ጻድቃን ተጋደልቲ በዕጽምቶም ዝኸለልዋ ክርስቶስ ዝርእሳ ኣማናዊት ቤተክርስቲያን ማሕደረ መለኮት። እሞኸድኣ ኦሪት ዝግራታ ወንጌል ዝፍርኣ ዝኾነት ቤት ህላዌኣ መሰረታ እዚ ካብ ኮነ ከምቲ ዋናኣ ክርስቶስ ህያው ዝኾነ ሕያዊትን ኣማናዊትን ኢያ።

ሕጂውን ንፋሳት ዝተሰምዩ ሰይጣውንቲ ዝሓደርዎም መናፍቓን ክርስትያን ዘለስም ዝኾኑ ብትዕቢቶም ነዛ ቤት ክደፍእዋን ከነኣእስዋን ንእምኒ ኣይንሰግድን እናበሉ ዘይተርድኦም ኮይኑ እምበር እቲ ንዩሁዳ ንማሕነቕቲ ዝደበርዮ ንኣርዮስ ኣምዕቱ በጽቢጹ ንደገ ዘውጽአ ንንስጥሮስ መልሓሱ ዝተልተለ እንታይ ኢዩ ነይሩ እንተተባህለ ነታ ብደም ክርስቶስ ዝተሓጽበት ቤት ክኸፋፍሉን ከንኣእሱን ናይ ብድዐ ቓል ሕሱም ስለዝውጽኡ’ዶ ኣይኮነን። እዞም ናይ ሎሚ ከብዶም ዝኣምላኾም ደኣ እምበር ሓሳብ ጎይታ ዓለም ክርስቶስ ዘይብሎም መናፍቓን ብስም ኢየሱስ ዝሽቅጡ እዚ ጽዋእ ናይ ኣቦታቶም ኣርዮስን መቕደንዮስን ኣብ ርእሶም በላዒ ኮይኑ ክፈስስ ምዃኑ ምርድእ ይግብኦም (ሮሜ፣16፣17-18)።

ብስም ኢየሱስ እናበሉ ዝሽቅጡ ቅድም እቲ ኢየሱስ ዝመሃሮ ቃል ምስትውዓል ምተገብኦም ነይሩ፣ ምስጋድ ኣብ ቤተክርስቲያን ኣይግባእን ዝብሉስ ሓይለ ቃል ትምህርቱ ከስተውዕሉ ነይርዎም። “ከመይ ኣምላኽ መንፈስ ኢዩ።እቶም ዝሰግድሉ ድማ ብመንፈስን ብሓቅን ክሰግድሉ ይግባእ”( ዮሓ 4፣22-24)። እምበኣር ንሕና ኦርቶደክሳውያን እንሰግደላን ንኣምላኽና እንምብርከኸላን ብመንፈስ፣ መንፈሳዊ መስዋእት ብምዕራግ መንፈሳዊ ኣገልግሎት እንፍጽመላን ህዝበ ክርስቲያን   ናይ ህይወት መግቢ ስጋን ደምን ናይ ክርስቶስ ዝቕደሰሉ ታቦት ሕጊ ኣብ ከርሳ ዝጾረት መስቀል ክርስቶስ ዝዓምዳ ኦሪትን ወንጌልን ዝብርሃናን፣ ልባሳታን ዝኾነት ቤትና ቤተ ክርስቲያን ኢያ።

ቤተክርስቲያና ክስርቶስ ዝመረጻ ቤት፣፡  እግዚኣብሄር ውን እኮ ክመርጽ ከሎ፣- ካብ ሃገራት ንእስራኤል፣ ካብ ከተማታት ንኢዮርሳሌም፣ ካብ ኣዕዋፍ ንርግቢት፣ ካብ እንስሳ ንበጊዕ፣ ካብ ኣእዋም ንኣውሊዕ፣ ካብ ኣዝርእቲ ንስርናይ፣ካብ ኣታኽልቲ ንወይኒ፣ ካብ ኣንስቲ ንቅድስቲ ድንግል ማርያም፣ እዩ መሪጹን ሓርዩን።።እዛ ቤት እዚኣ እያ እምበኣር ኣማናዊት ቤትና – ቤተክርስትያና።

“ኣብ ቀራና ጎደናታት እሞ ደው ኢልኩም ተመልከቱ እቲ ጥንታዊ መገድታት እቲ ጽቡቕ ጎደና ኣየናይ ምዃኑ ሕተቱ እሞ ብእኡ ተመላለሱ ሽዑ ንነፍስኹም ዕረፍቲ ክትረኽቡ ኢኹም” በሎም (ኤርም 6፣16)።

እሞ ንሕና ህዝበ ክርስቲያን ናብ ዕረፍቲ ክትረኽቡላ ዝተባህለት ቤት ንምምጻእ እሞ ዕረፍቲ ስጋን ነፍስን ክንረክብ። እምበኣር ሓቀኛታት ሰገድቲ ኮይና ክንርከብ የድሊ።  ብመንፈስ ናብታ ብመንፈስ ዝተመልአት ቤት መጺእና ንስገድ። እዛ ቤት እዚኣ እኳ እያ በቲ እትገብሮን እትህቦን ኣማናዊ መንፈሳዊ ኣገልግሎት መንፈሳዊት ቤት ተባሂላ እትስመ። እወ ኣማናዊት ቤት ቤትና ኦርቶዶክሳዊት  “ቤተክርስትያና ኢያ።

እምበኣር ክቡራን ህዝበ እግዚኣሔር ብክርስቶስ ክርስቲያን ዝተሰመኹም  ክርስቲያን በዚ ኣብ ላዕሊ ተገሊጹ ዘሎ ሓጺር ጽሑፍ ቤተክርስቲያና ተረዲእና ቤትና ቤተክርስቲያና ከነለሊ ይግባእ።

ወስብሃት ለእግዚኣብሄር

ወለወላዲቱ ድንግል

ወለመስቀሉ ክቡር

ኣሜን

ምንጪ-ጽርሃጽዮን 2011/2003 ት/ሰ/ቅ/ድ/ማርያም-ቤተክርስቲያን  መድሃኔኣለም ኣብ ቅድስት ሃገር እስራኤል

 

Share this:
TwitterFacebook12

Related
ዜና
መጋቢት ፰- ዕረፍቱ ለማትያስ ሓዋርያ
In “ነገረ ቅዱሳን”
ነገረ ቅዱሳን
In “ነገረ ቅዱሳን”
March 11, 2013Leave a reply
« Previous
Next »
Leave a Reply
Your email address will not be published. Required fields are marked *
Name *
Email *
Website
Comment

Notify me of new comments via email.

Recent Posts

፳፮/26 ሓምለ ዕረፍቱ ለኣቡነ ሰላማ ከሳቴ ብርሃን/26th july the death of st.Aba Selama Kesatiebrhan August 2, 2014
፳፭/25 ዕረፍቱ ለሓዋርያ ይሁዳ July 2, 2014
፲፯/17 ዕለተ ዝክሩ ለኣባገሪማ/ 17th June The Commemoration Day of Aba Gerima June 24, 2014
፳፭/25 ግንቦት ዕረፍታ ለቅድስት ሰሎሜ June 2, 2014
ዕርገት እግዚእነ ወመድኃኒነ ኢየሱስ ክርስቶ (ቀዳማይ ክፋል) May 28, 2014
ዓውደ ኣዋርኅ

MARCH 2013
M T W T F S S
« Feb   Apr »
  1 2 3
4 5 6 7 8 9 10
11 12 13 14 15 16 17
18 19 20 21 22 23 24
25 26 27 28 29 30 31
Archives

August 2014
July 2014
June 2014
May 2014
April 2014
March 2014
February 2014
January 2014
December 2013
November 2013
October 2013
September 2013
August 2013
July 2013
June 2013
May 2013
April 2013
March 2013
February 2013
January 2013
Categories

ስብከት
ትምህርቲ ሃይማኖት
ነገረ ማርያም
ነገረ ቅዱሳን
ነገረ ክርስቶስ
ኪነ-ጥበብ
Uncategorized
View Full Site

Blog at WordPress.com.

Now Available! Download WordPress for Android

Advertisements

Leave a Reply

Fill in your details below or click an icon to log in:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out / Change )

Twitter picture

You are commenting using your Twitter account. Log Out / Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out / Change )

Google+ photo

You are commenting using your Google+ account. Log Out / Change )

Connecting to %s