Menu

ዘኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ መድሃኔ ኣለም ቤ/ክ ማኀበረ ማርያም እስራኤል
ቅዱሳን ቦታታት
 

በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ  ኣሃዱ ኣምላኽ ኣሜን፣፣

ክበልዑ  ከለዉ ኢየሱስ እንጌራ ኣልዓለ።ኣመስጊኑ ቆሪሱ ነቶም ደቀ መዛሙርቱ “እዚ ስጋይ ኢዩ እንኩ ብልዑ” እናበለ ሃቦም።ጽዋእ ኣልዒሉ ድማ ኣመስጊኑ እዚ ምእንቲ ብዝሓት ንድሕነት ሓጥያት ዝፈስስ ዘሎ ናይ ሓድሽ ኪዳን ደመይ እዩ’ሞ ካብዚ ኩሉኹም ስተዩ”እናበለ ሃቦም። መዝሙር ምስጋና ምስዘመሩ ከኣ ናብ ደብረ ዘይቲ ደየቡ። ድሕሪ’ዚ ኢየሱስ ምሰኣቶም  ጌተሴማኒ ናብ እትበሃል ቦታ ከደ።ንደቀ መዛሙርቱ ድማ “ናብቲ ከይደ ክሳዕ ዝጽሊ ኣብዚ ተቐመጡ”በሎም። ሓዲግዎም ከም ብሓድሽ ከይዱ’ውን ከምቲ ቕድም ኢልዎ ዝነበረ ቃል ሳልሳይ ግዜ ጸለየ።ሽዑ ናብቶም ደቀ መዛሙርቱ ተመሊሱ “ሕጂ’ውን ጌና ደቂስኩምን ኣዕሪፍኩምን ኣሎኹም፣እምበኣር እቲ ንወዲ ሰብ ናብ ኢድ ሓጥኣን ኣሕሊፎም ዝህቡሉ እዋን በጺሑ ኢዩ።ተንስኡ ንኺድ እቲ ኣሕሊፉ ዝህበኒ እነሆ ቀሪቡ ኣሎ”በሎም።

 ጌና እዚ ክዛረብ ከሎ እነሆ ይሁዳ ሓደ ካብቶም 12 መጸ።በታ ሰዓት እቲኣ ኢየሱስ ነቶም ህዝቢ “እዚ ኩሉ ዝኾነ ግና መጻሕፍቲ ነቢያት ምእንቲ ክፍጸሙ ኢዩ” በሎም።ሽዑ ደቀ መዛምርቱ ኩሎም ሓዲጎምዎ ሃደሙ።እቶም ንኢየሱስ ዝሓዝዎ ናብ መምሃራን ሕግን ሽማግለታትን ተኣኪቦምሉ ዝነበሩ ናብ እንዳ ቀያፋ ሊቀ ካህናት ወሰድዎ።ሽዑ ኣብ ገጹ ጡፍ በሉሉ ገሊኦም ድማ ወቕዕዎ። “ኦ መሲሕ መን ኢዩ ዝወቕዓካ እስከ ተነበየልና” እናበሉ ኸኣ ይደፍእዎ ነበሩ።(ማቴ26፣1-68)

ፍኖተ መስቀል

ምስ ወገሐ (ብዕለተ ዓርቢ)ኩሎም ሊቀ ካህናትን ሽማግለታትን ህዝብን ንኢየሱስ ክቕትልዎ ተማኸሩ።ኣሲሮም ወሰድዎ’ሞ ንጲላጦስ ነቲ ገዛኢ ኣሕሊፎም ሃብዎ።ማቴ፦27፣1-2 ካብ ጲላጦስ ኣደባባይ (ሊቶስጥራ) ክሳዕ ጎልጎታ(ቀራንዮ) ዘሎ መንገዲ፣ናይ መከራ(ስቓይ) መንገዲ (ፍኖተ-መስቀል) ይበሃል።እዚ መንገዲ ኣብ ከተማ ኢየሩሳሌም፣ኣብ ውሽጢ ጥንታዊት ከተማ(OLD CITY) ካብ ዝርከባ ኣርባዕተ ክፋላት(quarter) (ናይ ኣርመን፣ናይ ሞስሊም፣ናይ ክርስቲያን፣ናይ ኣይሁድ ክፋላት) ኣብ ናይ ክርስቲያንን ኣብ ናይ ሞስሊምን ክፋል ዝርከብ ኮይኑ ፣ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንድሕነት ደቂ ሰባት ነቲ ዝሃበና ተስፋ ምእንቲ ክፍጸም፣መስቀል ተሰኪሙ እንዳ ወደቐን እንዳ ተንሰአን ዝኸደሉ መንገድን ተሰቒሉ ሞይቱ ዝተቐብረሉን ዝተንሰኣሉን ቅዱስ ቦታን ኢዩ።

ብቋንቋ እንግሊዝ way of the cross (way of sorrow),ብላቲን(ሮማን) via crucis(via dolorosa),ብእብራይስጥ ሃየሱር ይበሃል።ትርጉሙ ብኹሉ ቋንቋታት ሓደ ኮይኑ መንገዲ መከራ(ስቓይ) ፍኖተ መስቀል ማለት ኢዩ።

ብዕለተ ዓርቢ ስቕለት ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ በጻሕቲ ካብ ኣደባባይ ጲላጦስ(ሊቶስጥራ)መስቀል ተሸኪሞም ነቲ ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዝወረዶ ከቢድ መከራን ስቓይን እንዳ ዘከሩ፣ነቲ ካብ 15-20 ደቓይቕ ኣቢሉ ዝወስድ መንገዲ ብምኽንያት ጻዕቂ ህዝቢ ኣብ ውሽጢ 2 ሰዓት ጎልጎታ ይበጽሑ። እዚ ናይ መከራ መንገዲ (ፍኖተ መስቀል)ርሕቀቱ 1.5 ኪ.ሜ ክኸውን ከሎ 14 ምዕራፋት ድማ ኣጠቓሊሉ ይርከብ።

 

14(ዓሰርተ ኣርባዕተ) ምዕራፋተ መስቀል(the station of the cross)

v  ብዕለተ ዓርቢ ክርስቶስ መስቀል ተሰኪሙ ኣብ መንገዲ ዝተፈጸሙ(ዝተገብሩ)ነገራትእዮም።

v  ካብ ምዕራፍ 1-9 ዘሎ ምዕራፋት ኣብ መንገዲመከራ(way of sorrw) ዝርከብ ኮይኑ ኣብ መንደቕ ዝተለጠፈ ጸሊም ከቢብሓጺን ነቲ ምዕራፋት መለለዪ በብምዕራፉ ከከም ደረጅኡ ብላቲን ዝተጻሕፈ ቁጽርን፣ኣብ እግሪ’ቲ ቁጽሪ  ምዕራፋት ኣብ መሬት ብፍሉይ ዝተሰርሐ ፍርቂ ክቢ ቅርጺ ኣለዎ።እቲ ዝተረፈ ሓሙሽተ ምዕራፋት ድማ ኣብ ውሽጢ ጎልጎታ ኣብ ቤተክርስቲያን ቅዱስ መቓብር (the church of holy sepulcher) ይርከብ።

v  ካብ ምዕራፍ 1-6 ኣብ ናይ ሞስሊም ክፋል፣ካብ 7-14 ምዕራፍ ድማ ኣብ ናይ ክርስቲያን ክፋል ይርከብ።

v  እዘን 14 ምዕራፋት መጽሓፍ ቅዱሳውን ትውፊታውን ክኾና ከለዋ፣ምዕራፍ 3,4,6,7,9 ትውፊታዊ እተን ዝተረፋ 9 ትሸዓተ ምዕራፋት ድማ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ኢየን።

ወንጌላውያን ከም ዝጸሓፍዎ (ዮሃ 19፣20 ማቴ 28፣11 ዕብ 13፣12) ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተሰቕለሉ ቦታ ካብ ጥንታዊት ከተማ ኢየሩሳሌም ወጻኢ ምዃኑ ይነግር።ይኹን ደኣ እምበር ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ውሽጢ ጥንታዊ ከተማ ኢየሩሳሌም(old city)ይርከብ።እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ከኣ ቀጽሪ ጥንታዊት ከተማ ኢየሩሳሌም ድሕሪ ዕርገት ናይ ጎይታ ፈሪሱ ዳግማይ ክህነጽ ከሎ ካብቲ ዝነበረ ኣስፊሖም ብምስራሕ ኣብ ውሽጢ ቀጽሪ ጥንታዊት ከተማ ኢየሩሳሌም ከም ዝኸውን ተጌሩ ኢዩ።

ዝርዝር ናይ 14 (ዓሰርተ ኣርባዕተ) ምዕራፋት መስቀል

1ይ ምዕራፍ፦

ጲላጦስ ብእብራይስጥ ገበታ ዝበሃል ጸፍጻፍ፣ኣብ መንበረ ፍርዲ ተቐሚጡ፣ንጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፣እነሆ ንጉስኩም ኢሉ ንኣይሁድ ክሰቕልዎ ኣሕሊፉ ዝሃቦ ኣብዚ ቦታ ኢዩ።ሎሚ እዚ ቦታ ካብተን ኣብ ጥንታዊት ከተማ ኢየሩሳሌም ዝርከባ 8 (ሸሞንተ)ኣፍደጌታት(ኣፍደገ፣ጽዮን፣ሃድሽ፣ደማስቆስ፣ጃፋ፣ሄሮድስ፣ወርቃዊ፣ዳንግ፣ኣናብስ) ካብ ኣፍደገ ኣናብስ(lion gate) 300ሜ ርሕቀት ንምዕራብ፣ጠቢብ ሰሎሞን ቤት መቕደስ ሰሪሕሉ ካብ ዝነበረ ቦታ(ኣብዚ ሕጂ ግና መስጊድ ተሰሪሕሉ ኣሎ)ብሰሜናዊ ሸነኽ ዝርከብ ኮይኑ፣ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣልዑምሪያ ዝበሃል ናይ ኣዕራብ ቤት ትምህርቲ ተሰሪሕሉ ኣሎ።ኣብ 326-327 ዓ.ም ንግስቲ ኢለኒ ናብ ኢየሩሳሌም ኣብ ዝመጸትሉ እዋን ጐይታ ብዕለት ዓርቢ ዝኸደለን 28 ደርብታት(ኣስካላ) ናብ ሮም ወሲዳ ቤተክርስቲያን ሰሪሓ ብኽብሪ ኣቐሚጣቶ ኢያ።እዚ ደርቢ ብጣልያን scala santa ብእንግሊዥ ድማ the holy stair way (stair case)ይበሃል።

2ይ ምዕራፍ፦

ካብ ቀዳማይ ምዕራፍ ፊትንፊት ዝርከብ ኮይኑ ጲላጦስ ንጐይታ ንሞት ኣሕሊፉ ንኣይሁድ ምስ ሃቦም እቶም ወተሃደራት ድማ ናብ ውሽጢ እቲ ኣዳራሽ ማለት ናብቲ ቤት ፍርዲ ኣእትዮም ንብዘሎ እቲ ሰራዊት ኣኪቦም ቀይሕ ክዳን ከዲኖም፣ኣኽሊል እሾኽ ተቲዖም ኣብ ርእሱ ዝደፍኡሉን ጎይታ ንቑሩብ ግዜ ዝተኣሰረሉን ቦታ ኢዩ።ኣብዚ ሕጂ እዋን እዚ ቦታ ብፍራንሲስካውያንን ብግሪኻውያንን ዋንነት ተታሒዙ ይርከብ።

ፍራንሲስካውያን ኣብ ዝሓዝዎ ቦታ ፊት ቀዳማይ ምዕራፍ ኣብ ውሽጢ ሓደ ካንሸሎ ዝርከብ ብየማናይ ሸነኽ መእተዊ ናይ ካንሸሎ flagellation(ናይግርፋት) ብጸጋማይ ድማ condemination(ናይ ፍርዲ) ዝበሃል ክልተ ቤተክርቲያን ተሃኒጹ ኣሎ።

 ናይ ግርፋት ቤተክርስቲያን (Church offlagellation)

ኣብ 12 ክፍለ ዘመን መስቀላውያን ቤተክርስቲያን ዋላኳ እንተነበሩ፣እቶም ድሒሮም ዝመጹ ገዛእቲ ኣፍሪሶሞ ኢዮም።እዚ ሎሚ እንርእዮ ቤተክርስቲያን ሰሪሖምሉ። ኣብ 1838ዓ.ም ፍራንሲስካውያን ነዚ ቦታ ድሕሪ ምርካቦም ዝተሃንጸ ክኸውን ከሎ፣ብ1984 ድማ ተሓዲሱ ኢዩ።ኣብ ውሽጢ እዚ ቤተክርስቲያን፣ታሪኽ ናይቲ ቦታ ዝገልጽ ጎይታ ተኣሲሩ (ኣብ ፊት መእተዊ)ብጸጋም ናይቲ መእተዊ ባርባን ክፍታሕ ከሎ፣ብየማናይ ድማ ጲላጦስ የእዳዉ እናተሓጽበ ከሎ ብዓቢ ሕብራዊ መስቲያት ዝተሳእለ ስእሊ ኣሎ።ኣብጥቓ እዚ ቤተክርስቲያን ቤተ መዘክር ይርከብ።

ናይ ፍርዲ ቤተክርስቲያን (The church of condemination)

  ብ1903-1904ዓ.ም ኣብቲ 13 ክ/ዘመን ቤተክርስቲያን ተሃኒጹ ዝፈረሰሉ ቦታ፣ዝተሃንጸ ቤተክርስቲያን ኢዩ።ኣብ ውሽጡ ድማ፣ጎይታ ኢዱ ተኣሲሩ ኣብ ርእሱ ድማ እሾኽ ኣክሊል ጌሮምሉ ከለዉ፣መስቀል ከሰክምዎ ከለዉን፣ መስቀል ተሰኪሙ ከሎ ዝተጸርበ ሓወልትን ኣሎ።ኣብመእተዊ ናይቲ ቤተክርስቲያን ዝተቐርጸ ኣቀማምጣ ናይ ጥንታዊት ከተማ ኢየሩሳለም ንረክብ።ንምልክት ምዕራፋት ብሮማውያን ቁጽሪ ዝተጻሕፈ ቁጽሪ 2(ምዕራፍ 2)ተጠቂዑ ዘሎ ኣብ ነጸላ መንደቕ ናይዚ ቤተክርስቲያን ኢዩ።ካብ ናይ ፍራንሲስካን ቤተክርስቲያን ወጺና ናብ 3ይ ምዕራፍ ክንከይድ ከለና “እኅትጽዮን” (the sister of sion)ዝተባህለ ናይ ግሪኽ ካቶሊኽ ቤተክርስቲያን ኣሎ።ኣብዚ ውሽጢ ቤተክርስቲያን

 ሀ) ናይ ሮማ ወተሃደራት ዝጻወትሉ ዝነበሩ ከም ዳማ ዓይነት መሳሊ እምኒ ኣሎ።

 ለ)ዝተፈላለዩ ናይ ጥንቲ ቅርስታት ኣብ ቬትሮ ኣትዮም ንምርኢት ዝቐረቡን

 ሐ)ኣብ ትሕቲ መሬት ኣብ ኣኻውሕ ዝዓቖረ ፈልፋሊ ማይ ኣሎ።

ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ክልተ ኣእእጋሩ ኣብ ክልተ ዝነኾላ ኣእማን ኣእትዮም ዝኣሰሩሉ ቦታ ኣሎ።እዚ ቦታ ካብ እኅት ጽዮን ወጺና እንረኽቦ ናይ ግሪኽ ኦርቶዶስ ቤተክርስቲያን ኢዩ።

3ይ ምዕራፍ፦

ኣብ ልዕሊ መእተዊ ናይዚ ቤተክርስቲያን፣ጎይታ መስቀል ተሰኪሙ ክወድቕ ከሎ ዝተሳእለ ስእሊ ኣለዎ። ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ መስቀል ምስ ኣሰከምዎ ንመጀመርያ ግዜ  መስቀል ተሰኪሙ ዝወደቐሉ ቦታ ኢዩ።እዚ ቤተክርስቲያን ብናይ ኣርሜንያ ካቶሊክ ዝውነን ኮይኑ ኣብ 1947-1948 ናይ ፖላንድ ወተሃደራት ዝሃነጽዎ ቤተክርስቲያን ኮይኑ ኣብ ውሽጡ ምስ ኣተና ጎይታ ዓቢ መስቀል ተሰኪሙ ክወድቕ ከሎ መላእኽቲ ብተርታ ተሰሪዖም ብምግራም ገሊኦም ርእሶም ገሊኦም ኣፎም ሒዞም ንጎይታ እንዳ ጠመትዎ ዝተሳእለ ስእሊ ኣሎ።ብጸጋማይ ወገን ናይዚ ስእሊ ንታሕቲ ምስ ወረድና ኣብ ዕሙቕ ዝበለ መሬት ብዙሕ ጥንታዊ ቅርስታት ኣሎ።

4ይ ምዕራፍ፦

እዚ ምዕራፍ እዚ ብዋንነት ናይ ኣርሜንያ ካቶሊክ ዝተታሕዘ ኮይኑ፣ጎይታ መስቀል ተሰኪሙ ካብታ ዝወደቐላ 3ይቲ ምዕራፍ ተንሲኡ ቁሩብ ምስ ከደ ምስ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ዝተራኸበሉ ቅዱስ ስፍራ ኢዩ።ኣብቲ ቦታ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ምስ ወዳ ምስ ተራኸበት ብዙሕ ሓዘንን መሪር ብኽያትን በኽያ ኢያ።

ኣብ ውሽጢ እዚ ቤተ ክርስቲያን ጎይታ መስቀል ተሰኪሙ ምስ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ክራኸብ ከሎ ዝተቐርጸ ሓወልቲን ናይ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም እግሪ ርጋጽ ኣሰር ይርከብ።

5ይምዕራፍ፦

ንሓደ ሓላፊ መንገዲ ስምኦን ቀሬናዊ ካብ ወፍሪ ክኣቱ ከሎ ጎይታ ተሰኪምዎ ንዝነበረ መስቀል ክጸረሉ ዘገደድዎ ቦታ ኢዩ (ማር፦15፣21)።ኣብዚ ሕጂ እዋን ካብ ራብዓይ ምዕራፍ ናብ ቤተመቕደስ ናይ ሰሎሞን ካብ ዝወስድ መንገዲ ኣብ መጀመርያ የማናይ ኣንጎሎ(ኩርናዕ) ዝርከብ ቦታ ኮይኑ፣ፍራንሲስካውያን ብሽም ስምኦን ቀሬናዊ ቤተክርስቲያን ኣስሪሖምሉ ኣለዉ።ኣብ ኣፍደገ ናይዚ ቤተክርስቲያን ጎይታ መስቀል ተሰኪሙ ምስ ደኸመ ዝተደገፎ ዝጎድጎደ እምኒ ኣሎ።

6ይ ምዕራፍ ፦

ኣብ ጎደና 5ይ ምዕራፍ ,ካብ 5ይ ምዕራፍ ልዕል ኢልካ ዝርከብ ኮይኑ ጎይታ ገጹ ብደምን ብርሃጽን መሊኡ ከሎ ቨሮኒካ ( ብግእዝ አብሮቅላ ) ዝተባህለት ብዝሓዘቶ ጨርቂ ገጹ ምስ ደረዝትሉ ኣብ’ቲ ጨርቂ ምስሊ ናይ ጎይታ ተሪፉ እዩ። ኣብ’ዚ ቦታ ናይ ግሪክ ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ሰሪሖሙሉ ኣለዉ። ቨራ(vera)  ብላቲን ሓቂ ክኸውን ከሎ ኢኮን( icon)  ማለት ድማ ምስሊ ማለት እዩ ። ስለዚ ቬሮኒካ ማሌት ሓቐኛ ምስሊ ማለት እዩ።

7ይ ምዕራፍ ፦

ጎይታ ኣብ ዝተሰቕለሉ ዘመን  ምዕራባዊ  ኣፍደገ ናይ ጥንታዊት ከተማ ዝነበረ ፣ ኣብ’ዚ ሕጂ እዋን ኣብ ውሽጢ ጥንታዊት ከተማ ኣብ መወዳእታ ናይ ሞስሊም ክፋልን ኣብ መጀመርያ  ናይ ክርስቲያን  ክፋል ዘሎ ካብ 6ይ ምዕራፍ ንላዕሊ ፣ናብ ጽርሃ ጽዮን ናብ ዝወስድ መንገዲ ይርከብ። ጎይታናን መድሓኒትናን ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ክብደት ናይ’ቲ ዝተሰከሞ መስቀል፣ ዝተላዕለ ንመበል 2ይ ግዜ ዝወደቐሉ ቦታ እዩ። ናይ ሮማን ካቶሊክ ኣብ’ዚ ቦታ  ቤተክርስቲያን ኣስሪሖም ኣለዉ።

8ይ ምዕራፍ 

ብላቲን 8 ካብ ዝተጻሕፎ ንታሕቲ ኣብ መንደቕ ዕሙቕ ዝበለ ቅርጺ መስቀል ኣለዎ። ኣብ’ዚ ቦታ ጎይታ   “ ብዙሕ ህዝቢ እንዳሰዓቦ ኣዋልድ ድማ ዋይዋይ ይብላሉን ይበኽያሉን ነበራ ኢየሱስ ድማ ናብኣተን ግልጽ ኢሉ “ ኦ ኣዋልድ ኢዮሩሳሌም ምእንቲ ደቅኽንን ነፍስኽንን ደኣ ብኸያ እንበር ምእንታይሲ ኣይትብከያ ምኽንያቱ እተን መኻናትን ዘይወለደት ማህጸንን ዘየጥበዋ ኣጥባትን ብጹኣን እየን። ዝብሉለን መዓልቲ ክመጻ እየን። በቲ ግዜ እቲ እምባታት ኣብ ልዕሌና ውደቑ ንኹርባታት’ውን ከዉልና ምባል ክጅምሩ እዮም። ኣብ ጥሉል ኦም ከም’ዚ ካብ ገበሩስ ኣብቲ ንቑጽ ደኣ ከመይ ክኽውን እዩ” ኢሉ ዝተዛረበሉ ቦታ እዩ።ሉቃ 23፦27-31

9ይ ምዕራፍ ፦

እዚ ኣብ ናይ ግብጻውያን ኮፕቲክ ቤተክርስቲያን መንደቕ ቁጽሪ 9 (1x) ዘሎ ፊት ናይ ኢትዮጵያ ቤተ ክርስቲያን ዝርከብ ኮይኑ ጎይታናን መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስን ንመበል 3ይ ግዜ መስቀል ተሰኪሙ ዝወደቐሉ ቦታ እዩ። ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት ዝመጹ በጻሕቲ ካብ ሊቶስጥራ መስቀል ተሰኪሞም ኣብ’ዚ ምዕራፍ ምስ በጽሑ ብኢትዮጵያውያን ቤተክርስቲያን ኣቢሎም መእተዊ ናይ ጎልጎታ  ስለዝኾነ ኣብዚ ምዕራፍ ደው ኢሎም ናይ መዛዘሚ ጸሎት ይገብሩ ። ብናይ ሮማ ቁጽሪ 9 ኣብ ዝተለጠፈሉ መንደቕ ግብጻውያን ናይ ቅድስት ኢለኒ ቤተክርስቲያን ኣስሪሖሙሉ ኣለዉ። ኣብ’ዚ ውሽጢ ቤተክርስቲያን ዒላ ኣሎ። ነዚ ሓሊፍና ናይ መድሃኔኣለምን ናይ ቅዱስ ሚካኤልን ቤተክርስቲያን ናይ ኢትዮጵያ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ  ምስ ወዳእና ኣብ ጎኑ እንረኽቦ ዓቢ ማዕጾ ዘለዎ መእተዊ ጎልጎታ ናይ ቅዱስ መቓብር ቤተ ክርስቲያን  እዩ። 

ምዕራፍ 10 ፦

“ ንኽዳውንተይ ይማቐሉ ንቐሚሸይ ዕጫ የውድቑሉ ኣለዉ” (መዝ 22፣18) ኢሉ ኣቦና ቅዱስ ዳዊት ከም ዝተነበዮ ፣ክዓቢ ከሎ ምስኡ ትዓቢ ዝነበረት  ተኣምራታዊት ክዳን ናይ ጎይታናን መድሓኒና  ኢየሱስ ክርስቶስ ገፊፎም ዝወሰዱሉ ካብ ቅዱስ ሚካኤል ቤተ ክርስቲያን ወጺና ብየማናይ መንደቕ ኣፍደገ ጎልጎታ ቅድሚ ምብጻሕና ኣብ ኣፍ ደጊኡ ኣስካላ ዘለዎ ቦታ ናይ’ዚ ምዕራፍ እዩ። ወነንቱ ድማ ናይ ፍራንካውያን እዮም።

ምዕራፍ 11፦

እዚ ብዛዕባ ጎይታ ኣብ (መዝ 22፣16) “ ወአሐዙኒ ማሕበሮሙ ለእኩያን ቀነውኒ እደውየ ወእገርየ” ዝብል ትንቢት ኣብ’ዚ ምዕራፍ ተፈጺሙ። እዚ ቦታ ትሕዝቶ ናይ ሮማውያን ኮይኑ ፣ኣብ ደርቢ ናይ የማናይ ሸነኽ መእተዊ ጎልጎታ ኣስካላ ምስ ደየብና ኣብ የማናይ ጸግዒ ይርከብ። ኣብ’ዚ ጸግዒ መንደቕ ልዕሊ መሰውኢ ናይ ሮማውያን ታሪኽ ናይ’ዚ ቦታ ዝገልጽ ወተሃደራት ናይ ሮም መስቀል ኣብ እምኒ ኣተርኢሶም ንጎይታ ኣብ መስቀል ክሽንክርዎ ከለዉ ዝተሳእለ ስእሊ ኣሎ። ትሕቲ እዚ ስእሊ እቶም ወተሃደራት ናይ ሮም ንጎይታ ኣብ መስቀል ክሽንክርዎ ከለዉ ነቲ መስቀል ዘተርኣስሉ እምኒ ኣብ ውሽጢ ቬትሮ ብኽብሪ ተቐሚጡ ይርከብ ።

ምዕራፍ 12 ፦

ካህን መልኬጼድቅ ንዓጽመ ኣዳም ዝሕልወሉ ዝነበረ ቦታ ኮይኑ ኣብ’ቲ ዓጽመ ኣዳም ዝነበረሉ ቦታ “ ወገብረ መድሐኒተ በማእከለ ምድር” ዝብል ትንቢት ንኽፍጸም ካብ’ቲ ባዕሉ ጎይታ ኣብ ምድሪ ልዕል ምስ በልኩ ንኹሉ ክስሕቦ’የ ዝበሎ ጎይታ ኣብ መስቀል ተሰቒሉ ብሓያል ጥበቡ ኣምላኸይ ኣምላኸይ ንምንታይ ሓደግካኒ ኢሉ ንድያብሎስ ብንፋስ ኣውታር ብምእሳር ንኣዳም ዝሃቦ ተስፋ ንምፍጻም ተፈጸመ ኢሉ ኣብ ሲኦል ንዝነበሩ ነፍሳት ክገፍፍ እቲ ዘይመውት ኣምላኽ ነፍሱ ብገዛእ ፍቓዱ ካብ ስግኡ ዝተፈልየሉ ወይ ድማ ዝሞተሉን ንቅድስት ድንግል ማርያም ብኢድ የውሃንስ ካብ ጎይታ ዝተቐበልናሉ ቅዱስ ስፍራ እዩ።

እዚ ምዕራፍ ምስ ምዕራፍ  ዓሰርተ ሓደ( 11) ብጸጋማይ ሸነኽ ለጊቡ ዝርከብ ኮይኑ ምስሊ ስቕለት ናይ ጎይታ ኣብ ልዕሊኡ ብግሪኽ ብኣርመን ብዕብራይስጥ ቋንቋ ኢየሱስ ናዝራዊ ንጉስ ኣይሁድ ዝብል ጽሑፍ ዘለዎ ፣ ቅድስት ድንግል ማርያምን የውሃንስ ኣብ ጎኒ መስቀል ደው ኢሎም ዝተሳእሉ ስእሊ ኣሎ። ኣብ’ዚ እግሪ መስቀል ኣብ ትሕቲ ጠረጴዛ ዝርከብ ንእሽቶ ጉድጓድ ኣሎ ። ነጋድያን ናይ’ዚ ቦታ ናይ ጎይታ ደም ኣብ እግሪ መስቀል ይፈስስ ከም ነበረ እንክዝክሩ ኣእዳዎም ኣብ’ዚ ጉድጓድ ብምእታው ብእምነት ተኻፈልቲ በረኸት ናይ’ዚ ቦታ ይኾኑ።

ምዕራፍ 13 ፦

በቲ ቀንዲ መእተዊ ናይ ጎልጎታ ፊት ንፊት ከይተጠወና ኣብ ባይታ ( መሬት) እንረኽቦ ጸፊሕ ርቡዕ ኩርናዕ ኣብ ጨጫፍ ከቢብ ሓጺን ዘለዎ እምኒ ፣ ዮሴፍ በዓል ኣርማትያን ኒቆዲሞስ ንጲላጦስ ለሚኖም ፍቓድ ብምርካብ ንጎይታናን መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ’ቲ ዝተሰቕለሉ መስቀል ኣውሪዶም ቅብኢ እናቀብኡ  ‘’ቅዱስ እግዚኣብሔር ቅዱስ ሓያል ቅዱስ ህያው ዘኢይመውት” እንዳበሉ ዝገነዝሉ ቦታ እዩ። ኣብ ልዕሊ እዚ እምኒ ካብ ቀዳም ለይትን መዓልትን ብዘይምቁራጽ ዝበርሁ  ሰሞንተ(8) ዝተንጠልጠሉ ቀንዴላት ኣለው። እዚ ምዕራፍ ብዋንነት ናይ ሮማውያን ዝተታሕዘ ኮይኑ ኣብ ቅድሚኡ ኣብ ዝርከብ መንደቕ ብዓቢዩ ንጎይታ ከመይ ኢሎም ካብ መስቀል ከም ዘውረድዎ ካም ዝገነዝዎ ናብ መቓብር ከም ዝወሰድዎን ዘረድእ ስእላዊ መግለጺ ኣሎ።

ምዕራፍ 14 ፦

ዮሴፍ በዓል ኣርማትያስን ኒቆዲሞስን ንጎይታ ገኒዞም ከም ልማድ እስራኤላውያን  ስድርኡ(ቤተሰብ  ቅድስት ድንግል ማርያም) ናብ ዝቕበረሉ ጌቴሴማኒ ዝበሃል ቦታ ወሲዶም ክቐብርዎ ግቡእ እኳ እንተኾነ ምድሪ ጸልሚቱ ዕለት ሰንበት ኣርኪቡ ስለ ዝነበረ ናብ ጌቴሴማኒ ወሲዶም ክቐብርዎ እኹል ግዜ ኣይነበሮምን። ስለዚ ድማ ዮሴፍ ብዓል ኣርማትያስ ኣብ ጎልጎታ ንዕኡን ንስድርኡን ኣዳልይዎ ናብ ዝነበረ ሓዲሽ መቓብር ፣ኣብ’ዚ ሕጂ ግሪኻውያን ቤተ መቕደስ ሰሪሖሙሉ ኣብ ዘለውሉ ቦታ ወሲዶም ንጎይታ ቀበርዎ ። ሓደ ዓቢ እምኒ ኣንከራርዮም  ድማ ነቲ በቓብር ዓጽዮምዎ ከይዶም ።

 ኣብ’ዚ ዝርከብ ቤተ መቕደስ ክልተ ክፍልታት ኣለዎ፣ እቲ ኣብ ውሽጢ ዘሎ ጎይታ ዝተቐብረሉ ክኽወን ከሎ ቅድሚ ናብ’ዚ ውሽጢ ( ካልኣይ ክፍሊ) ምእታውና እንረኽቦ ፣ እቲ መልኣኽ ነቲ ብዓቢይ እምኒ ዝተዓጽወ መቓብር ገልቢጡ ብምኽፋት ኮፍ ዝበለሉ ፍንጫል እምኒ ኣሎ። ጎይታ ኣብ ዝተቐብረሉ ቦታ ዓመት ዓመት ቅድሚ ፋሲካ ዘሎ ቀዳም ( ቀዳም ስዑር) ብተኣምራት ዝበርህ መብራህቲ ኣሎ ፣ ካብ’ዚ ሓዊ እቲ ዝተኣከበ ህዝቢ ሽምዖኦም ይውልዑ።

     ናይ ቅዱስ መቓብር ቤተክርስቲያን (THE CHURCH OF HOLY SEPVICHRE)

ካብ ምዕራፍ 10 ክሳብ ምዕራፍ 14 ኣብ’ዚ ቤተክርስቲያን ተጠቓሊሉ ዝርከብ ኮይኑ ብተወሳኺ ኣብ -ውሽጡ ካልእ ታሪኻውያን ቅዱሳንን ቦታታት ኣሎ። ንኣብነት

·         ናይ በዓል ዮሴፍ ኣርማትያስ ብእምኒ ዝተጸርበ ናይ መቓብር ቦታ ኣብ ውሽጢ በዓቲ መሳሊ ኣሎ። እዚ ቦታ ብድሕሪ ናይ’ቲ ጎይታ ዝተንስኣሉ ቤተክርስቲያን መእተዊ ወይ ድማ ፊት ናይ ግብጺ ኮፕቲክ ትሕዝቶ ይርከብ።

·         ብ326 ዓ.ም ናይ ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ እጸ መስቀል ብንግስቲ ኢለኒ ኣብ’ዚ ቦታ ተረኺቡ ። እዚ መስቀል ዝተረኽበሉ ቦታ ኣብ’ዚ ሕጂ እዋን ናብ ታሕቲ መሬት ብኣስካላ ምስ ወረድና ብኣርመናውያን ዝውነን ናይ ቅድስት ኢለኒ ቤተ ክርስቲያን  ዝተሰርሐሉ ኮይኑ ኣብ ልዕልኡ ናይ ኢትዮጵያውያን ቤተክርስቲያን ኣሎ። ኣብ’ዚ ውሽጢ ናይ ቅድስት ኢለኒ ቤተክርስቲያን ዝተፈላለየ ታሪኽ ናይ’ዚ ቦታ ዝገልጹ ኣሳእልን ፣ሓወልቲ ናይ ንግስት ኢለኒ መስቀል ሒዛ ኣሎ። ናይ ጎይታ መስቀል ዝተረኽበሉ ቦታ ብየማናይ ሸነኽ ናይ’ዚ ሓወልቲ ኢዩ።

·         ካብ ምዕራፍ 13 ብጸጋማይ ሸነኽ ኣብ ትሕቲ ደርቢ ናይ ምዕራፍ 12 ጎይታ ክስቀል ከሎ ካብ ዝነበሩ 7 ተኣምራት ሓደ ብተኣምራት ዝነቅዕ እምኒ ኣብ መንደቕ ኣብ ውሽጢ ቬትሮ ኣሎ። ካብ’ዚ ቦታ ነየማን ኣቢሉ ቅድሚ ናይ ጎይታ መስቀል ዝተረኽበሉ ቦታ ምብጻሕና ብቬትሮ ዝተኸለለ ኣብ ልዕሊኡ ዝተነጽፈ እምነበረድ ዘለዎ እምኒ ኣሎ። ንጎይታ ቅድሚ ምስቃሎም ኣብ’ዚ እምኒ ኮፍ ኣቢሎም የላግጹሉን የሳቕይዎን ኔሮም ። ኣብ መንደቕ ታሪኽ ናይ’ዚ ቦታ ዝገልጽ ቅዱስ ስእሊ ኣሎ።

·         ማእከል ናይ ዓለም ምዃኑ ዝእመነሉ ኣብ ውሽጢ ቤተ ክርስቲያን ናይ ቅዱስ መቓብር ካብ ዝርከቡ ኣብያተ ክርስቲያናት ዝዓበየ ፣ ኣብ ማእከል ዝርከብ ቤተ ክርስቲያን ናይ ግሪኻውያን ኮይኑ ኣብ ውሽጢ ቤተክርስቲያን ናይ ቅዱስ መቃብር ተጠቒሱ ዘሎ ቅዱሳን ቦታታት ኣብ ዙርያ እዚ ቤተ ክርስቲያን ይርከብ ።

     ቤተ ክርስቲያን ናይ ቅዱስ መቃብር ኣብ 135 ዓ.ም ብሮማውያን ዝተሰርሐ’ኳ እንተነበረ ብድሕሪ’ዚ ንግስት ኢለኒ ኣብ መወዳእታ 3ይ ክፍለ ዘመን እዚ ብጣዕሚ ዓቢይ ጌረ ኣህኒጻቶ ኔራ እያ። ኣብ 614 ዓ.ም እዚ ቤተ ክርስቲያን ተቓጺሉን ኣብ ውሽጡ ዝነበረ ናይ ጎይታ መስቀል ተማሪኹ ተወሲዱ ኔሩ፣ እንተኾነ ግና ኣብ 630 ዓ.ም እቲ ዝተማረኸ መስቀል ናይ ጎይታ ካብ ምርኮ ተመሊሱ ፣ እቲ ቤተ ክርስቲያን ድማ ልክዕ ንግስት ኢለኒ ኣህኒጻቶ ከምዝነበረ ተሃኒጹ እዩ።

እዚ ሎሚ ተሰሪሑ ዘሎ ቤተ ክርስቲያን ንግስት ኢለኒ ኣህኒጻቶ ካብ ዝነበረ ዝንእስ ኮይኑ ብሰንኪ መግዛእትን ዝተፈላለዩ ተፈጥሮኣዊ ጸገማት ( ከም ምቅጻልን ምንቅጥቃጥ ምድርን) እንዳዓነወን እንዳተሓደሰን ፣ ኣብ ጥቅምቲ 18,1009 ዓ.ም ብፋቲሚድ ካሊፍ ( Fatimid kaliph) ድሕሪ ምፍራሱ ብመስቀላውያን ( crusader) ዝተሃንጸ እዩ። ኣብ’ዚ ሕጂ እዋን ዝዓበየ ክፋል ናይ’ዚ ቤተ ክርስቲያን ብግሪኽ ኦርቶዶክስ፣ ብሮማን፣ ብካቶሊክ፣ ብኣርመን ዝውነን ኮይኑ ብደገን ውሽጥን ድማ ሶርያ ፣ ግብጽን ኢትዮጵያን ንእሽቶ ቦታ ኣለዎም። ካብ 12 ክፍለ ዘመንን ጀሚሩ ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ እንዳተማሓላለፈ ማዕጾ ናይ’ዚ ቤተ ክርስቲያን ክኽፈቱን ክዓጽውን መፍትሕ ዝተረከቡ ስድራ ሙስሊም ኢዮም። እዚ ድማ ብሰንኪ እቶም ወነንቲ ናይዚ ቤተክርስቲያን ዘይምስምማዕ ዝተገብረ ኢዩ።

ወስብሃት ለእግዚኣብሄር

ወለወላዲቱ ድንግል

ወለመስቀሉ ክቡር

ኣሜን!!!

 

 ምንጪ- ጽርሃ ጽዮን መጽሔት (ት/ሰ/ማ/ማርያም ቤተ ክርስቲያን መድሃኔኣለም ኣብ ቅድስት ሃገር እስራኤል)ጥሪ 2005/2013

 

Share this:
TwitterFacebook11

Related
ሰሙነ ሕማማት (ሓሙስ)
In “ስብከት”
ዕርገት እግዚእነ ወመድኃኒነ ኢየሱስ ክርስቶ (ቀዳማይ ክፋል)
በእንተ ከብካብ በቃና ዘገሊላ (ዮሃ2፡1-11)
March 15, 2013Leave a reply
« Previous
Next »
Leave a Reply
Your email address will not be published. Required fields are marked *
Name *
Email *
Website
Comment

Notify me of new comments via email.

Recent Posts

፳፮/26 ሓምለ ዕረፍቱ ለኣቡነ ሰላማ ከሳቴ ብርሃን/26th july the death of st.Aba Selama Kesatiebrhan August 2, 2014
፳፭/25 ዕረፍቱ ለሓዋርያ ይሁዳ July 2, 2014
፲፯/17 ዕለተ ዝክሩ ለኣባገሪማ/ 17th June The Commemoration Day of Aba Gerima June 24, 2014
፳፭/25 ግንቦት ዕረፍታ ለቅድስት ሰሎሜ June 2, 2014
ዕርገት እግዚእነ ወመድኃኒነ ኢየሱስ ክርስቶ (ቀዳማይ ክፋል) May 28, 2014
ዓውደ ኣዋርኅ

MARCH 2013
M T W T F S S
« Feb   Apr »
  1 2 3
4 5 6 7 8 9 10
11 12 13 14 15 16 17
18 19 20 21 22 23 24
25 26 27 28 29 30 31
Archives

August 2014
July 2014
June 2014
May 2014
April 2014
March 2014
February 2014
January 2014
December 2013
November 2013
October 2013
September 2013
August 2013
July 2013
June 2013
May 2013
April 2013
March 2013
February 2013
January 2013
Categories

ስብከት
ትምህርቲ ሃይማኖት
ነገረ ማርያም
ነገረ ቅዱሳን
ነገረ ክርስቶስ
ኪነ-ጥበብ
Uncategorized
View Full Site

Blog at WordPress.com.

Now Available! Download WordPress for Android

Advertisements

Leave a Reply

Fill in your details below or click an icon to log in:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out / Change )

Twitter picture

You are commenting using your Twitter account. Log Out / Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out / Change )

Google+ photo

You are commenting using your Google+ account. Log Out / Change )

Connecting to %s