Menu

ዘኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ መድሃኔ ኣለም ቤ/ክ ማኀበረ ማርያም እስራኤል
ሰሙነ ሕማማት (ሓሙስ)
በስመአብወወልድወመንፈስቅዱስአሃዱአምላክአሜን! 

ሰሙነሕማማት

ሓሙስ 

 ኣብ ስነ-ፍጥረት ሓሙስ ስጋውያን ኣዕዋፍን እንስሳታትን ዝተፈጥሩላ ሓሙሸይቲ መዓልቲ እያ። ጎይታናን መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ቅድስት ድንግል ማርያም ካብ ስጋኣ ስጋ ካብ ነፍሳ ነፍሲ ወሲዱ ተዋሃሂዱ ሰብ ኮይኑ ናብዛ ዓለም ምስ መጽአ ድማ “እዚ ስጋይ እንኩ ብልዑ፡ እዚ  ድማ ደመይ  እዩ እንኩ ስተዩ” ኢሉ ስግኡ ፈቲቱ ደሙ  ኣፍሲሱ ዘለኣለማዊ መግቢ ህይወት ዝሃበና፡  ቅዱስ ቁርባን ዝሰርዓልና መዓልቲ እያ።  እዛ መዓልቲ እዚኣ ብዙሕ ፍጻመታት ዝተፈጸመላ መዓልቲ እያ ገለ ካብኡ ንምይቃስ፥

   1) ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብተዋሕዶ ፍጹም ኣምላኽ ፍጹም ሰብ ምዃኑ ንምግላጽን ንምርዳእን ከምኡ’ውን ኣርኣያ ንምዃንን ክጽሊ ዝሓደረሉ ዕለት እዩ። ጎይታ ሕብስትን ወይንን ባሪኹ ንደቂ መዛሙርቱ ክህበም ከሎ ጸለየ፡ ምእንቲ ደቂ መዛሙርቱ ጸለየ(ዮሓ17)፡   ስለዝኾነ እዛ  መዓልቲ እዚኣ መዓልቲ ጸሎት(ጸሎተ ሓሙስ)ተባሂላ ትጽዋዕ (ማቴ26፡36-46, ማር14፡32-42, ሉቃ22፡39-46, ዮሓ17፡1-መፈ)።

2)  ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንዓና ትሕትናን ፍቕርን ኣብ ኣገልግሎትና ድማ ትጉሃትን ጽኑዓትን ክንከውን ከም ዘለና ንኽምህረና፡ እግሪደቀመዛሙርቱትሕትኢሉተንበርኪኹዝሓጸበሉዕለትእዩ። ጎይታ ሓጺብዎም ጥራይ ስቕ ኣይበለን፡ “ንስኻትኩም’ውን ከምዚ ኣነ ዝገበርክዎ ግበሩ” ኢሉ’ውን ኣዚዝዎም እዩ(ዮሓ13፡1-)።  ነዚ መሰረት ብምግባር  ድማ ኣቦታትና ካህናት በዚ ዕለት እዚ ኣብ ቤተክርስቲያን ንዝተረኽቡ  ምእመናን ብቖጽሊ ኣውሊዕ፡ ሳዕሪ፡ ወዘተ ገይሮም ተንበርኪኾም ኣእጋሮም  ብማይ ይሓጽቡ። 

  ብኻልእ ድማ እዚ መዓልቲ እዚ ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ  ንሓዋርያት ምስጢረ ጥምቀት ዝፈጸመሉን፡ ቅዱስ ቁርባን ዝሰርዓሉን ዕለት እዩ። “ተጠምቁ አርድእት በምሴተ ሓሙስ ለጸቢሐ ዓርብ እም ቅድመ ይንስኡ ስጋሁ ቅዱሰ ወደሞ ክቡረ ወወደየ ማየ ውስተ ምንዛህ ወአጥመቆሙ ለኵሎሙ አርዳኢሁ” ከም ዝበለ (ተስእሎተ ባስልዮስ)።

 

3) ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ስርዓተ ቁርባን ዝሰርዓሉ ዕለት እዩ።“ክበልዑኸለዉኢየሱስእንጌራኣልዐለ፡ባሪኹቘሩሱነቶምደቀመዛሙርቱ”እዚስጋይእዩውሰዱብልዑ”እናበለ ሃቦም።ጽዋእኣልዒሉኣመስጊኑድማ”እዚምእንቲብዙኃትንሕድገትሓጢኣትዚፈስስዘሎ ናይሓድሽኪዳንደመይእዩእሞካብዚዅልኹምስተዩ”(ማቴ26፡26-28,ማር14፡22-26, ሉቃ22፡14-20, 1ቆሮ 11፡23-25 )እናበለሃቦም። በዚ ድማ ኩላትና ስግኡን ደሙን ተቐቢልና ህይወት ክንረክብ ዝሰርዓልና ናይ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ምስጢር እዩ።

4) ይሁዳ ንጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብምስዓም ዘትሓዘሉ ዕለት እዩ(ማቴ26፡47-58, ማር 14፡43-52, ሉቃ22፡47-53, ዮሓ18፡3-12,)። 

5) ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ናይ መፋናዊ ነዊሕን ሰፊሕን ትምህርቲ ንደቂ መዛሙርቱ ዝመሃረሉ መዓልቲ እዩ(ዮሃ14፡16)።

   እዚ መዓልቲ እዚ ካብ ካልኦት ኣብ ሰሙነ ሕማማት ካብ ዘለዉ መዓልቲታት ፍልይ ብዝበለ፡ ቅዳሴ ዝቕደሰሉ ዕለት እዩ።ኣብዚ መዓልቲ፡ከምቲ ጐይታ ንሓዋርያት ዝገበሮን ሳቶም’ውን ነንሕድሕዶም ከምኡ ክገብሩ ስለ ዝኣዘዘ፡ቅድስት ቤተክርስቲያን ድማ ብዝምስጥ ስርዓት ንመዘከርትኡን በረኸት ንምውሳድን ሕጽበተ እግር ቅድሚ ቅዳሴ ይፍጸም እዩ።

    ስለዚ ዕለት እዚ ኣዘወቲርና ክንጽልን ኣብ ነንሕድሕድና’ውን ፍቕርን ስኒትን ክህልወና፡ ከምኡ ውን ኩሉ እንገብሮ ነገር ብትግሃትን ብትሕትናን ክንገብሮ ከም ዝግብኣና ዘዘኻኽር ዕለት እዩ።

  ኩሉ ግዚ ኣብ ጸሎት ክንተግህ፡ ፍቕሪ፡ ስኒትን ትዕግስትን ክህልውናን፡ ደሙን ስጋኡን ተቐቢልና ምስኡ ክንነብርን ናይ እግዚኣብሔር ሰናይ ፍቓድ ይኹነልና! ኣሜን!!

 

ስብሃት ለእግዚኣብሔር

ወለወላዲቱ ድንግል

ወለመስቀሉ ክቡር

ኣሜን!!

 

                                                                                                                           ይቕጽል… 

 

Share this:
TwitterFacebook10

Related
፰/8 ግንቦት ጥንተ ዕርገቱ ለእግዚእነ ወመድኃኒነ ኢየሱስ ክርስቶስ
In “ነገረ ክርስቶስ”
ሰሙነ ሕማማት (ቀዳም)
In “ስብከት”
ሰሙነሕማማት (ዓርቢ)
In “ስብከት”
April 17, 2014Leave a reply
« Previous
Next »
Leave a Reply
Your email address will not be published. Required fields are marked *
Name *
Email *
Website
Comment

Notify me of new comments via email.

Recent Posts

፳፮/26 ሓምለ ዕረፍቱ ለኣቡነ ሰላማ ከሳቴ ብርሃን/26th july the death of st.Aba Selama Kesatiebrhan August 2, 2014
፳፭/25 ዕረፍቱ ለሓዋርያ ይሁዳ July 2, 2014
፲፯/17 ዕለተ ዝክሩ ለኣባገሪማ/ 17th June The Commemoration Day of Aba Gerima June 24, 2014
፳፭/25 ግንቦት ዕረፍታ ለቅድስት ሰሎሜ June 2, 2014
ዕርገት እግዚእነ ወመድኃኒነ ኢየሱስ ክርስቶ (ቀዳማይ ክፋል) May 28, 2014
ዓውደ ኣዋርኅ

APRIL 2014
M T W T F S S
« Mar   May »
  1 2 3 4 5 6
7 8 9 10 11 12 13
14 15 16 17 18 19 20
21 22 23 24 25 26 27
28 29 30  
Archives

August 2014
July 2014
June 2014
May 2014
April 2014
March 2014
February 2014
January 2014
December 2013
November 2013
October 2013
September 2013
August 2013
July 2013
June 2013
May 2013
April 2013
March 2013
February 2013
January 2013
Categories

ስብከት
ትምህርቲ ሃይማኖት
ነገረ ማርያም
ነገረ ቅዱሳን
ነገረ ክርስቶስ
ኪነ-ጥበብ
Uncategorized
View Full Site

Blog at WordPress.com.

Now Available! Download WordPress for Android

Advertisements

Leave a Reply

Fill in your details below or click an icon to log in:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out / Change )

Twitter picture

You are commenting using your Twitter account. Log Out / Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out / Change )

Google+ photo

You are commenting using your Google+ account. Log Out / Change )

Connecting to %s