ሰሙናት ሕማማት ቀዳም

Menu

ዘኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ መድሃኔ ኣለም ቤ/ክ ማኀበረ ማርያም እስራኤል
ሰሙነ ሕማማት (ቀዳም)
በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን።

ሰሙነሕማማት

ቀዳም

ቀዳም ስዑር፦እዛ ዕለት እዚኣ  ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ከርሰ መቓብር ዝወዓለላ መዓልቲ እያ። እዚ ከኣ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያምን ቅዱሳን ሓዋርያትን ተስፋ ዝገበሩሉ ኣምላኾም ብኣይሁድ ካብ ዝተታሕዘሉ ዕለተ ሓሙስ ክሳብ ብርሃነ ትንሣኤኡ ዝርእዩ ንሞቱ ብምዝካር፡ንትንሣኤኡ እና ናፈቑ ዝጽበይሉ ዝነበሩ መዓልቲ እዩ። እዛ ቀዳም እዚኣ ዲያብሎስ ብመስቀል ክርስቶስ እተሳዕረላ፡  ነፍሳት ካብ ሲዖል ዝተበርበሩላን ዕለት ስለ ዝዝከረላ ስዑር ተባሂላ ትጽዋዕ።

እዛ መዓልቲ እዚኣ ኣብ ቤተክርስቲያን ሰቲ ዝዕደለሉ ዕለት እዩ። ካብ ሰኑይ ክሳብ ዓርቢ ስቕለት ኣብ ስግደትን ጾምን ዝቀነዩ ምእመናን፡ ብዕለተ ቀዳም ናይ ንግሆ ጸሎት ምስ ተፈጸመ ካህናት  “ገብረሰላምብመስቀሉ” (ብመስቀሉሰላምገበረ) እናበሉ ነቶም ኣብ ቤተክርስቲያን ዝተኣከቡ ምእመናን ሰቲይዕድሉ። ሰቲ ናይ ብስራት ምልክት እዩ። እቲ ምሳሌኡ ድማ ከምዚ ዝስዕብ እዩ።
ኣብ  ግዜ ኖህ ዝነበረ ሕዝቢ ካብ ሕገ እግዚአብሔር ወጺኡ ትእዛዝ ኣፍሪሱ ምድሪ ብዓመጻ መሊእዋ ነበረ። ምድሪ ድማ ብኃጢኣት ወዲ ሰብ ተጸይቃ ነበረት። እግዚአብሔር ከኣ ንምድሪ ብማይ ኣይሂ ከጥፍኣ ንጻድቕ ኖኅን ስድርኡን ዝድኅነሉ መርከብ ክሰርሕ ኣዘዞ። ኖኅ ድማ ከምቲ ዝተባህሎ ገበረ። እቶም ሕዝቢ ትምህርተ ንስሓ ኖኅ ክሰምዑን ክቕበሉን ስለ ዘይደለዩ፡ እቲ ግዜ ምስ ኣኸለ ኖህ ሸሞንተ ነፍሳት ሒዙ ናብ መርከብ ኣተወ። ብድኅሪ’ዚ ከኣ ምድሪ ብማየ ኣይሂ የዕለቕለቐት። ጻድቕ ኖህ ግዚኡ ምስ ኣኸለ ካብቶም ሒዝዎም ዝኣተወ እንስሳ ናይቲ ማይ ምጉዳል ክትርኢ ንርግቢት ሰደዳ፡ንሳ’ውን እቲ ማይ ከም ዝጎደለ ምልክት ልሙዕ ቖጽሊ ኣውሊዕ ሒዛ ተመልሰቶ። ኖህ’ውን በቲ ቖጽሊ ኣውሊዕ እቲ ማይ ከም ዝጐደለ ተረዲኡ ተሓጐሰ (ዘፍ8፡1-29) ከምቲ ሰቲ፡ ምንቓጽ ጥፍኣት ማይ መበሰሪ ዝኾነ ሕጂ’ውን ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ብሞት ክርስቶስ፡ ሞተ ነፍስ ካብ ደቂ ኣዳም ከም ዝረሓቐ ክተበስር ብካህናት ኣቦታትና ኣቢላ ሰቲ ትዕድል፡ ምእመናን ከኣ ነቲ ናይ ድሕነት ምልክት ዝኾነ ሰቲ ኸኣ ኣብ ግንባሮም ይኣስርዎ።

እዛ ቀዳም እዚኣ ቅድስት መዓልቲ እያ። ቅዱስ ዝኾነ እግዚአብሔር ንፍጥረታት ኵሉ ምስ ፈጠረ በዚኣ ዕለት እዚኣ ካብ ኵሉ ስርሑ ዝዓረፈሉ ክኸውን ከሎ፡ ኣብ ሓዲሽ ኪዳን ከኣ ንኵሉ ናይ ምድሓን ስርሑ ፈጺሙ ብስግኡ ኣብ መቓብር ከዕርፍ ከሎ፡ ብነፍሲ ከኣ ንሲዖል ዘሚቱ ጥርሓ ዘትረፈሉ ዕለት ዝዝከረሉ እዩ። ኣብ ሲዖል ዝነበሩ ነፍሳት ናይ ዘለዓለም ዕረፍቲ ዘውረሰላ ዕለት ስለ ዝኾነት ካብ ካልኦት መዓልትታት ብዝተፈልየ ቅዱስ ቀዳም ተባሂላ ትጽዋዕ።

እዚ ዕለት እዚ እምበኣር ነቲ ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ምእንታና ክብል ሰለስተ መዓልትን ሰለስተ ለይትን ኣብ ከርሰ መቓብር ዝገበሮ ዘዘካክረና ዕለት ስለዝኾነ፡ ንትንሳኤ ክርስቶስ እንተጸበና  ብጾም እንውዕለሉ ዕለት እዩ።

እግዚእብሔር ኣምላኽና ብሰላም ናብ ብርሃነ ትንሳኤኡ የብጽሓና ኣሜን!!

ስብ  ለእግዚኣብሔር

ወለወላዲቱ ድንግል

ወለመስቀሉ ክቡር

ኣሜን!!

Share this:
TwitterFacebook11

Related
ሰሙነ ሕማማት (ሓሙስ)
In “ስብከት”
ስብከት
In “ስብከት”
መጻጉዕ
In “ስብከት”
April 19, 2014Leave a reply
« Previous
Next »
Leave a Reply
Your email address will not be published. Required fields are marked *
Name *
Email *
Website
Comment

Notify me of new comments via email.

Recent Posts

፳፮/26 ሓምለ ዕረፍቱ ለኣቡነ ሰላማ ከሳቴ ብርሃን/26th july the death of st.Aba Selama Kesatiebrhan August 2, 2014
፳፭/25 ዕረፍቱ ለሓዋርያ ይሁዳ July 2, 2014
፲፯/17 ዕለተ ዝክሩ ለኣባገሪማ/ 17th June The Commemoration Day of Aba Gerima June 24, 2014
፳፭/25 ግንቦት ዕረፍታ ለቅድስት ሰሎሜ June 2, 2014
ዕርገት እግዚእነ ወመድኃኒነ ኢየሱስ ክርስቶ (ቀዳማይ ክፋል) May 28, 2014
ዓውደ ኣዋርኅ

APRIL 2014
M T W T F S S
« Mar   May »
1 2 3 4 5 6
7 8 9 10 11 12 13
14 15 16 17 18 19 20
21 22 23 24 25 26 27
28 29 30
Archives

August 2014
July 2014
June 2014
May 2014
April 2014
March 2014
February 2014
January 2014
December 2013
November 2013
October 2013
September 2013
August 2013
July 2013
June 2013
May 2013
April 2013
March 2013
February 2013
January 2013
Categories

ስብከት
ትምህርቲ ሃይማኖት
ነገረ ማርያም
ነገረ ቅዱሳን
ነገረ ክርስቶስ
ኪነ-ጥበብ
Uncategorized
View Full Site

Blog at WordPress.com.

Now Available! Download WordPress for Android

Advertisements

Leave a Reply

Fill in your details below or click an icon to log in:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out / Change )

Twitter picture

You are commenting using your Twitter account. Log Out / Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out / Change )

Google+ photo

You are commenting using your Google+ account. Log Out / Change )

Connecting to %s