Menu

ዘኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ መድሃኔ ኣለም ቤ/ክ ማኀበረ ማርያም እስራኤል
“ምስላ ዘርእን ዘራእን” (ማቴ፲፫፡፩-፲/13፡1-10)
በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላኽ ኣሜን።

“ወበይእቲ ዕለት ወጺኦ እግዚእ ኢየሱስ ክርስቶስ እምቤት ነበረ መንገለ ሐይቀ ባሕር ወተጋብኡ ኃቤሁ ሰብእ እስከ ሶበ የዐርግ ውስተ ሐመር ወይነብር፡ በታ መዓልቲ እቲኣ ጎይታ ኢየሱስ ካብ ቤት ወጺኡ ኣብ ገምገም ባሕሪ ተቐመጠ፡ ኣብ ጃልባ ኣትዩ ክሳዕ ዝቕመጥ ብዙሕ ሕዝቢ ናብኡ  ተኣከቡ”

ጎይታናን ኣምላኽናን ኢየሱስ ክርስቶስ ሰብ ክበዝሕ ከሎ ንቑጽ መሬት እንተኾይኑ ኣብ እምባ፡ ባሕሪ እንተኾይኑ ድማ ኣብ ጃልባ ኮይኑ ይምህር ነበረ። ምኽንያቱ ድማ መምህር ልዕል ኣብ ዝበለ ቦታ ሰማዕቲ ድማ  ትሕት ኣብ ዝበለ ቦታ እንተኾኑ ትምህርቲ ንምስምዑ ርዱእ ይኸውን። እዚ ከኣ ሊቀ ነቢያት ሙሴ “ትምህርተይ ከም ዝናብ ይኻፊ፡ ዘረባይ ከኣ ከም ዛዕዛዕታ ይወርድ” ከም ዝበሎ ኢዩ (ዘዳ፴፪፡፩-፪/32፡1-2)።

ኣብ ጃልባ ኣብ ዝተቐመጠሉ ግዜ ንትምህርቱ ክሰምዑ ብዙሓት ሰባት ተኣከቡ። ከምዚ እንዳ በለ ድማ ብምስላ መሃሮም።

ጎይታ ዓለም ክርስቶስ ስለምንታይ ኢዩ ብምስላ ዝመሃሮም እንተበልና፡ “ኣፈይ ብምስላ ይኸፍት፡ እቲ ዓለም ካብ ዝፍጠር ተሰዊሩ ዝነበረ ይነግር ዝተባህለ ምእንቲ ክፍጸም ኢዩ (መዝ፸፰፡፩-፪/78፡1-2)። ከምኡ’ውን ንዝፈልጥ ምእንቲ ክግለጸሉ፡ ንዘይፈልጥ ድማ ምእንቲ ክስወሮ ኢዩ።

“እንዘ ይብል ናሁ ወጽአ ይዝራእ ዘይዘርእ፡ ወእንዘ ይዘርእ ቦ ዘወድቀ ውስተ ፍኖት፡ ወመጽኡ አዕዋፈ ሰማይ ወበልዕዎ፡ ወቦ ዘወድቀ ዲበ ኴኲሕ ኅበ ኣልቦ መሬት ብዙኅ ወውእተ ጊዜ ሠረፀ እስመ አልቦ ዕሙቅ ለመሬቱ። ወሶበ ሠረቀ ፀሐይ መጽለወ ወየብስ እስመ አልቦ ሥርው ወቦ ዘወድቀ ውስተ ምድር ሠናይት፡ ወወሀበ ፍሬ ቦ ዘምእት ወቦ ዘስሳ ወቦ ዘሠላሳ፡ እንሆ ዘራኢ ክዘርእ ወፈረ እንዳ በለ ብምስላ መሃረ፡ ክዘርእ ከሎ ገሊኡ ኣብ መንገዲ ወደቐ፡ ኣዕዋፍ ሰማይ  መጺኤን ድማ በልዓዖ፡ ገሊኡ ድማ ብዙሕ መሬት ኣብ ዘይብሉ ከውሒ ወደቐ፡ ዕምቆት መሬት ስለ ዘይብሉ ድማ ቀልጢፉ በቖለ። ጸሓይ ምስ በረቐ ግና ቀምሰለ(ሃጎገ) ሱር ስለ ዘይብሉ ድማ ሓረረ፡ ገሊኡ ከኣ ኣብ ማእከል እሾኽ ወደቐ፡ ምስ በቐለ ድማ እሾኽ ሓኒቑ ሓዞ፡ ገሊኡ ከኣ ኣብ ጽቡቕ(ልስሉስ) መሬት ወደቐ እምሆ ከኣ ገሉኡ ሚእቲ፡ ገሊኡ ስሳ፡ ገሊኡ ሳላሳ ፍረ ድማ ፈረየ”።

ክዘርእ ከሎ ገሊኡ ኣብ መንገዲ ወደቐ፡ ኣዕዋፍ ሰማይ  መጺኤን ድማ በልዓዖ፦ክምህር ከሎ ኣብ ልቢ ዝንጉዓን ዝወደቐ ትምህርቲ ነበረ፡ ኣጋንንቲ ድማ መንጢሎም ወሰድዎ። ብኣዕዋፍ  ዝተመሰሉ ኣጋንንቲ ኢዮም። ዑፍ ብፍጥነት ከም ዝነፍር ኣጋንንቲ ድማ ሰብ ንምስሓት ስለ ዝፈጥኑ ኢዩ። “ንዘረባኻ ዑፍ ሰማይ የውጽኦ ኢዩ እሞ ኣብ ቤትካ ንሰብ ኣይትሕመ”(መክ፲፡፳/10፡20)።

ገሊኡ ድማ ብዙሕ መሬት ኣብ ዘይብሉ ከውሒ ወደቐ፡ ዕምቆት መሬት ስለ ዘይብሉ ድማ ቀልጢፉ በቖለ። ጸሓይ ምስ በረቐ ግና ቀምሰለ(ሃጎገ) ሱር ስለ ዘይብሉ ድማ ሓረረ፦ ካብቲ ዝመሃሮ ትምህርቲ ዕምቀት ኣእምሮ ኣብ ዘይብሉ ሰብ ዝሓደረ ነበረ። መከራ ምስ ረኸቦ ግና ዕምቆት ስለ ዘይብሉ ቀልጢፉ ከሓደ።

ገሊኡ ከኣ ኣብ ማእከል እሾኽ ወደቐ፡ ምስ በቖለ ድማ እሾኽ ሓኒቑ ሓዞ፦ ኣብ ማእከል እሾኽ ዝወደቐ ዝተባህለ ከኣ ኣፍኣዊ ምግባር ትሩፋት ፈጺሙ ውሽጣዊ ምግባር ትሩፋት ከይፈጸመ ዝተረፈ ኢዩ። ሓልዮት እዛ ዓለም እዚኣን ምዕሳው ሃብትን ድማ ነቲ ዝተማሃሮ ቃል ይሓንቆን ከየፍረየ’ውን ይተርፍ።

ገሊኡ ከኣ ኣብ ጽቡቕ(ልስሉስ) መሬት ወደቐ እምሆ ከኣ ገሉኡ ሚእቲ፡ ገሊኡ ስሳ፡ ገሊኡ ሳላሳ ፍረ ድማ ፈረየ፦ ኣብ ሰናይ ልቦና(ሕልና) ዝሓደረ ትምህርቲ ነበረ፡ ንሱ ነቲ ቃል ብምስትውዓል ሰሚዑ ብሓቂ ፍረ ዝፈሪ ገሊኡ ሚእቲ፡ ገሊኡ ስሳ፡ ገሊኡ ድማ ሰላሳ ዝህብ ኢዩ። ኣብዚ

1) በዓል ሚእቲ ፍጹም ላዕላዋይ ደረጃ፡ በዓል ስሳ ማእከላይ ደረጃ፡ በዓል ሰላሳ መጠኒ(ጀማሪ) ኢዩ።

2) ካብ ሰማዕታት ዝለዓለ በዓል ሚእቲ ከም እኒ ቅዱስ ጊዮርግስ፡ ማእከላይ በዓል ስሳ ካብኡ ዝተሓተ በዓል ሰላሳ።

3) ካብ መነኮሳት ዝለዓለ በዓል ሚእቲ ከም እንጦንስን መቃርስን፡ ማእክላይ በዓል ስሳ ካብኡ ዝተሓተ በዓል ሰላሳ።

4) ካብ ስጋውያን ዝለዓለ በዓል ሚእቲ  ከም ኣብርሃምን ኢዮብን፡ ማእከላይ በዓል ስሳ ካብኡ ዝተሓተ በዓል ሰላሳ ኢዩ።

እትሰምዕ እዝኒ ዘላቶ ይስማዕ ማለት እዝነ ልቦና ዘለዎ የስተውዕል

                 ስብሃት ለእግዚኣብሔር

                  ወለወላዲቱ  ድንግል

                  ወለመስቀሉ ክቡር

                     ኣሜን።

 

 

 

Share this:
TwitterFacebook9

Related
፱/9 ግንቦት ዕረፍታ ለቅድስት ኢሌኒ
In “ነገረ ቅዱሳን”
፲፯/17 መጋቢት ትንሳኤ ኣልኣዛር
In “ነገረ ቅዱሳን”
ስብከት
May 5, 2014Leave a reply
« Previous
Next »
Leave a Reply
Your email address will not be published. Required fields are marked *
Name *
Email *
Website
Comment

Notify me of new comments via email.

Recent Posts

፳፮/26 ሓምለ ዕረፍቱ ለኣቡነ ሰላማ ከሳቴ ብርሃን/26th july the death of st.Aba Selama Kesatiebrhan August 2, 2014
፳፭/25 ዕረፍቱ ለሓዋርያ ይሁዳ July 2, 2014
፲፯/17 ዕለተ ዝክሩ ለኣባገሪማ/ 17th June The Commemoration Day of Aba Gerima June 24, 2014
፳፭/25 ግንቦት ዕረፍታ ለቅድስት ሰሎሜ June 2, 2014
ዕርገት እግዚእነ ወመድኃኒነ ኢየሱስ ክርስቶ (ቀዳማይ ክፋል) May 28, 2014
ዓውደ ኣዋርኅ

MAY 2014
M T W T F S S
« Apr   Jun »
  1 2 3 4
5 6 7 8 9 10 11
12 13 14 15 16 17 18
19 20 21 22 23 24 25
26 27 28 29 30 31  
Archives

August 2014
July 2014
June 2014
May 2014
April 2014
March 2014
February 2014
January 2014
December 2013
November 2013
October 2013
September 2013
August 2013
July 2013
June 2013
May 2013
April 2013
March 2013
February 2013
January 2013
Categories

ስብከት
ትምህርቲ ሃይማኖት
ነገረ ማርያም
ነገረ ቅዱሳን
ነገረ ክርስቶስ
ኪነ-ጥበብ
Uncategorized
View Full Site

Blog at WordPress.com.

Now Available! Download WordPress for Android

Advertisements

Leave a Reply

Fill in your details below or click an icon to log in:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out / Change )

Twitter picture

You are commenting using your Twitter account. Log Out / Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out / Change )

Google+ photo

You are commenting using your Google+ account. Log Out / Change )

Connecting to %s