ታሪኽ ኣቡነ ሳላማ

Menu

ዘኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ መድሃኔ ኣለም ቤ/ክ ማኀበረ ማርያም እስራኤል
POSTED IN ነገረ ቅዱሳን

፳፮/26 ሓምለ ዕረፍቱ ለኣቡነ ሰላማ ከሳቴ ብርሃን/26th july the death of st.Aba Selama Kesatiebrhan
በስመኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን!

፳፮/26 ሓምለ ዕረፍቱ ለኣቡነ ሰላማ ከሳቴ ብርሃን

ኣቡነ ሰላማ (ፈረሚናጦስ) መበቆል ዓዶም ሶርያ ካብ ዝኾኑ ምናጦስን ማርያም ሰናይትን ዝተባህሉ ስድራቤት ብ፳፮/26 ሕዳር ኣብ ሃገር ጢሮስ(ግሪኽ) ተወልደ። ኣብቲ ዝተወልደሉ ግዜ ዓቢ ብርሃን፡ ካብ ብርሃን ጸሓይን፡ ወርሕን፡ ኮዋኽብትን ዝበርህ በርሀ። መዓልትን  ለይት ብዘይፍለጥ ከኣ ምድሪ ፈጺማ በርሀት። ምእንቲ ዕብየት ክቡር ልደቱ ሸውዓተ መዓልቲ ንፈጣሪኡ ከምዚ እና በለ ኣመስገነ። “ንኣብ ስግደት፡ ንወልድ ስግደት፡ ንመንፈስ ቅዱስ ስግደት ይግባእ። ንኣብ ምስጋና፡ ንወልድ ምስጋና፡ ንመንፈስ ቅዱስ ምስጋና ንኣብ ሃሌሉያ ንወልድ ሃሌሉያ ንመንፈስ ቅዱስ ሃሌሉያ ካብ ጸልማት ናብ ብርሃን ዘውጽኣኒ” እንዳ በለ ኣመስገነ።

ብግዜ ልደቱ ጎይታናን ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ምስ ኣእላፍ መላእክቲ ናብኡ መጸ  እቶም መላእኽቲ’ውን ንኽርእይዎ  ይጨናነቑ ነበሩ፡ ኣዝዮም’ውን ፈተውዎ ሰዓምዎ ድማ። ጎይታ’ውን ሰዒሙ ሓቖፎ ኣዝዩ ‘ውን ፈተዎ በዚ ድማ ጎይታ “እዚ ቁጽሩ ምስቶም ማሕበረ መላእክቲ፡ ምስ ሓይልታት ሰማይ ሚካኤል፡ ገብርኤል፡ ኪሩቤል፡ ሱራፌልን ምስ ኩሎም ሊቃነ መላእክትን ምስ ኣርባዕቱ እንስሳን ምስ ፳፬/24 ካህናተ ሰማይን  ክኸውን እዩ።  ከመይ ኣነ ፈትየዮን ሓርየዮን እየ፡ ንቡዙሓት ኣመንቲ ድማ ብጸሎቱን ብኣማላድነቱን ከድሕን ኢዩ” በለ።

ብድሕሪ’ዚ ኣብ ኣርብዓ መዓልቱ ብማይ ዮርዳኖስ ብኢድ ሊቀ ጳጳሳት ኣባ ጢሜትዎስ ተጠመቐ፡ ቅብኣ ሜሮን’ውን ተቐብአ ስሙ ድማ ሰላማ ኢሎም ሰመይዎ። ሰላማ ማለት ትርጓሜ ስሙ ኣብ መንጎ ሰብን እግዚኣብሔርን ኮይኑ ሰላም ዝገብር ማለት ኢዩ። ኣቡነ ጢሜትዎስ ድማ እዚ ህጻን እዚ ነዞም ሰብ ኣግኣዚት ብርሃንን መድሃኒትን ክኾኖም ኢዩ እና በሉ ተነበይሉ። ወዲ ሸውዓተ ዓመት ምስ ኮነ መዝሙር ዳዊትን  ኩሉ መጻሕፍቲ ቤተ ክርስቲያንን ብሉይን ሓድሽን ምስ ሕጎምን ትእዛዞምን ተማህረ። ክመሃር ከሎ መንፈስ ቅዱስ ብኣፉ ገይሩ ይዛረብ ነበረ። ብድሕሪ’ዚ ብጾምን ብጸሎትን ብፍቕርን ትሕትናን ተጸሚዱ ምግዳል ጀመረ። ወዲ ፲፪/12 ዓመት ምስ ኮነ ድሕሪ ልደት ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ብ፪፻፶፯/257 ዓመተ ምሕረት  ካብ ግሪኽ ናብ ብሔረ ኣግኣዚት ምስ ሓደ ሜሮጰስ ዝባሃል ነጋዲን ኣድስዩስን መጹ።  መልኣከ እግዚኣብሔር እንዳ መርሖም ኣብ ብባሕሪ ብሔረ ኣግኣዚት ብድሓንን ብሰላምን በጽሑ። ኣብኡ ጽቡቕ ርእዮም ከኣ ንሽዱሽተ ወርሒ  ነበሩ። ሜሮጰስ ንዓዱ ክምለስ ምስ ተንስኤ ኣብቲ በረኻ ዝነብሩ ዝነበሩ ሸፋቱ ኣብ ልዕሊኡ ተንስኡ። ሽዑ ምስቶም ምስኡ ዝነበሩ ኩሎም ቀተልዎም እዞም ናእሽቱ ቆልዑ ግና ብናይ እግዚኣብሔር ጥበብን ሓይልን  ተረፉ። እቶም ደቂ ዓዲ ድማ ማረኽዎም ነቲ ናይ ኣክሱም ንጉስ ዝነበረ ንጉስ ኣልዓሜዳ ድማ ገጸ በረኸት ሃብዎ። እቲ ንጉስ ከኣ ንኣድስዩስ ሓላዊ ቤቱ ቀጠንን(ቤተ መንግስቲ)ንፈረሚናጦስ ሓላዊ ቤት ሕግን ቤተ ክርስቲያንን ሸሞም።እዚ ከኣ ስርዓት ቤተ ክርስቲያን ኣጎልጉሎታን  ይፈልጥ ስለ ዘይነበረ ኢዩ።

ኣቡነ ሰላማ(ፈረሚናጦስ) ኣብዚ ከሎ ጽቡቕ ገድሊ ተጋደለ ብብዙሕ ድኻም ነፍስን ስጋኡን ብትእዛዝ ወንጌል ክርስቶስን፡ ሓዋርያትን፡ መማህራንን ተጸምደ። ከም መላእክት ትጉህ ኮነ፡ ብዘይካ ሰንበት ዝኾነ ይኹን ኣይበልዕን ኣይሰትን ነበረ።  ከም ዓንዲ ተተኺሉ ካብ 40,0750–60,000 ይሰግድ ነበረ። ብድሕሪ’ዚ ለውሃት ኣብርሃን ኣጽብሃን ኣብ ዝነገስሉ ግዜ  ንኣቡነ ሰላማ ኣዝዮም ፈተውዎ። ዘወትር ድማ ናብኡ ይምሕጸኑ ነበሩ። ካብ ዕለታት ሓደ መዓልቲ ኣቡነ ሰላማ(ፈረሚናጦስ) ምስ ቅዱስ ሚናስ ድሕሪ ምርኻቡ  ብዛዕባ ኣብ ብሔረ ኣግኣዚት ዝነበረ እምነት ክርስቶስን ግዝረትን ድሕሪ ምድናቕ ብዛዕባ ጥምቀትን ግዝረትን ተዘራሪቡ በዚ ድማ ቅዱስ ሚናስ ንኣቡነ ሰላማ ናብ ግብጺ ከይዱ ጵጵስና ከምጽእ ሓተቶ። ኣቡነ ሰላማ እዚ ሓሳብ’ዚ ሰናይ ምዃኑ ድሕሪ ምሕሳብ ንመንገዲ ተዳለወ። ደቂሱ እንከሎ ድማ እግዝእትነ ማርያም ብሕልሚ ተገልጸትሉ እሞ  “ቅስናን ዲቁናን ተቐቢልካ ኢኻ ንጵጵስና ክትዳሎ ዝግብኣካ ኢዩ ከመይ ነዘን ዓበይቲ ማዕርጋት እግዚኣብሔር ሂቡካ ኢዩ፡ ፍቁር ወደይ ብጸሎትካን ብኣማላድነትካን ከኣ ብሔረ ኣግኣዚት ክድሕኑ ኢዮም። ብቃልካ’ውን ንክርስቶስ ክኣምኑን፡ ክጥመቑን ቁርባን በተን ቅዱሳትን ንጹሃትን ርስሓት ዘይብለን  ኣእዳውካ  ክቕበሉ ኢዮም” በለቶ። እዚ ነጊራቶ ድማ ካብኡ ተሰወረት። ከምኡ ድማ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ተራእዩ “ናብ እስክንድርያ ናብ ሊቀ ጳጳሳት  ኣትናትዎስ ኪድ፡  ኣብኡ ከኣ ልዑላት ማዕርጋት ተቐቢልካ ነዞም ሰብ ኣግኣዚት ነዞም ዘፍቁሩኒ ከይረኣዩኒ ዝኣምኑኒ ንወላዲተይ’ውን ዘፍቅርዋ ኣጥምቅ” በሎ። ብድሕሪ’ዚ ኣባ ሰላማ (ፈረሚናጦስ) ካብ ምድቃሶም ነቒሖም ናብቶም ለውሃት ነገስታት ኣብርሃን ኣጽብሃን  ብምኻድ ኩሉ ዝረኣዮ ገለጸሎም። እቶም ለውሃት ነገስታት ድማ ኣዝዮም ተገረሙን ተሓጎሱን ብጣዕሚ ዘረብኡ ድማ ተደነቑ’ሞ ካብ ቃልካ ኣይነውጽእን ኢና ከመይ ንስኻ ናይ እግዚኣብሔር ቅዱስ ኢኻ ብምባል ካብ እስክንድርያ ጵጳስና ከምጽኣሎም ስልጣን ሃብዎ። ንስንቁ ዝኸውን ወርቅን ብሩርን መጠን ትሽዓተ ዕዳጋ ዝኣኽሉ ሰራዊት’ውን ምስኡ ልኢኾም ኣፋነውዎ። ድሕሪ ነዊሕ ጉዕዞ ኣባ ሰላማ ኣብ እስክንድርያ በጽሐ። ናይ እስክንድርያ ሊቀ ጳጳሳት ኣባ ኣትናትዎስ ድማ ምምጽኡ ፈሊጡ  ብዓቢ ክብርን ምስጋናን ተቐቢሉ እግሩ ሓጸቦ። ለዋህ ስለ ዝነበረ ድማ ልዑል መንበሩ ሃቦ ኣቡነ ኣትናትዎስ ድማ ኣብ ትሕቲኡ ተቐመጠ። ኣቤት ትሕትና!!!

ኣቡነ ኣትናትዎስ ካብ ብሔረ ኣግኣዚት ከም ዝመጸ ምስ ፈለጠ ስሙ  ካብ ፈረሚናጦስ ናብ ሰላማ ከሳቴ ብርሃን  ቀየሮ። ትርጉሙ ድማ ከሳቴ ሃይማኖት ማለት ኢዩ። ብድሕሪ’ዚ መጽሓፈ ስሜት ክህነት ሓዘ ቅብኣ ሜሮን’ውን ቀብኦ። ኣብ እስክንድርያ ድማ ኣዋጅ ኣወጀ “ኣነ ኣትናትዎስ ንቡጹእ ኣባ ሰላማ ከሳቴ ብርሃን ኣብ ብሔረ ኣግኣዚት ጳጳስ ሸይመዮ ኣለኹ”” ኣቡነ ኣትናትዎስ ንብጹእን ቅዱስን ኣቡነ ሰላማ ከሳቴ ብርሃን ኣመስገኖ ከምዚ ኢሉ ድማ ኣልባሰ ጵጵስና ኣልበሶ ኣብ ክቡር መንበር ጵጵስና ከኣ ኣቐመጦ። ብድሕሪ’ዚ ኣልባሰ ቤተ ክርስቲያን ንዋየ ቅዱሳት፡ብዙሓት መጻሕፍቲ ተግሳጽን፡ ስፍሪ ቁጽሪ ዘይብሎም መጻሕፍቲ፡ ታቦት፡ ሜሮን፡ ጽውኣት፡ ናይ ወርቂ ኩስኩስቲ፡ ስልማት ቤተ ክርስቲያን፡ ጽንሃህ፡ መስቀል ሃቦ።

ሊቀ ጳጳሳት ኣቡነ ኣትናትዎስ ንብጹእን ቅዱስን ሊቅ ኣባ ሰላማ ሕሩይ ከሳቴ ብርሃን ኣወፈዮ። እንሆ ንዋያተ ቅዱሳን ሂበካ ኣለኹ። እዛ ታቦት ሕጊ ንቅድስት ጽዮን ዘሃገረ ኣግኣዚት  ዘበሰማያት ኣወፊ ኣለኹ። ከመይ ንሳ ካብ ንእስነተይ ተሰፋይን ጸግዐይን  እያ ኢሉ ሰዓሞ፡ ኣእዳዉ ኣብ ርእሱ ኣቐሚጡ ባረኾ። ብድሕሪ’ዚ ጵጵስና ሃቦ። ኢድ ኣቡነ ሰላማ ካኣ ተሳለመ።ሊቀ ጳጳሳት ኣትናትዎስ ካብኡ ተባረኸ ካብኡ ተባሪኹ ብድሕሪ’ዚ ንምኻድ ተንስኤ ብመንፈሳዊ ሰላምታ ክፋነዉ ከለዉ ብዛዕባ ምፍልላዮም ሓዘኑን ንሓድሕዶም በኸዩን። ኣቡነ ኣትናትዎስ’ውን እና በኸየ ናብ ቤቱ ተመልሰ ዝኾነ መግቢ’ውን ኣይጠዓመን።

ኣቡነ ሰላማ ናብ ግብጺ ዝኸደሉ ግዜ ንኣቡነ ኣትናትዎስ ኣብ መጀመርታ ስሜቱ ብ፫፻፳፮/326 ዓመተ ምሕረት ኢዩ። ኣቡነ ሰላማ ንሓሙሽተ ዓመት ዝኣክል ኣብ ግብጺ ተቐሚጡ ስርዓተ ቤተ ክርስቲያን ኣጽኒዑ  ኢዮ። ካብ ግብጺ ሰዓብትን ተሓጋግገዝትን ሒዙ  ብምብጋስ ካብ ኑቡያ (ሱዳን) ጀሚሩ እንዳ ሰበኹ  መጺኦም ማለት ብኑቡያ፡ ብማርሳይ ተኽላይ ኣቢሎም እና ሰበኹ ናብ ናግራን(ሳሕል) በጽሑ። ኣብ ኩሉ መንገዶም ተኽሊ ክርስትና እንዳ ተኸለ  እኹል ግዜ መዲቡ  ሰፊሕ ዕማም  ሒዙ መዓርጋትን ሚስጢራትን ቤተ ክርስቲያን እንዳ ኣመዓራረየ ብቑዕ ፍረ ሃይማኖት ኣፍረየ። ብድሕሪ እዚ ካብ ብሔረ ናግራን  ናብ ብዘላ ዞባ ዓንሰባ ናብዚ ሕጂ ገዳም  ደብረሲና ተባሂሉ ትጽዋዕ ዘላ ደብሪ በጽሐ። ኣብዚ ገዳም’ዚ  ምስ ኣተወ  ናብቶም ለዋሃት ነገስታት ኣብርሃን  ኣጽብሃን ምምጽኡ ኣብ ገዳም ደብረሲና ከምዘዕረፈ  ለኣኽሎም። እቶም ለውሃት ነገስታት እዚ ምስ ሰምዑ ኣዝዮም ተሓጎሱ ንወላዲት ኣምላኽ ድማ ኣመስገንዋ። ንኽቅበልዎ ንገዳም ደብረሲና ተበገሱ። ድሕሪ ፹/80 መዓልቲ ገዳም ደብረሲና  ኣተዉ እሞ ኣብ ትሕቲ ኣቡነ ሰላማ ወዲቖም ድማ ሰገድሎም። ኣቡነ ሰላማ ካብታ ዕለት ጀሚሩ ኣብታ ቦታ ብዘይ ምቁራጽ ንኣርባዓ መዓልቲ ኣጠመቐ። ኣብ መበል ኣርብዓ መዓልቲ ጎይታ ኣብ ልዕሊ ገዳም ደብረሲና ወረደ ኣብ ስጋኡን ደሙን ካህን ኮይኑ ቀደሰ። ኣቡነ ሰላማ ድማ ነቶም ሕሩያት ነገስታት ኣብርሃን ኣጽብሃን ካብ ቅዱስ ስጋኡን ካብ ክቡር ደሙን ሃቦም። ብስም ኣብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን ኣሚኖም ተጠምቑ። ድሕሪ’ዚ ኣቡነ ሰላማ ምስቶም ለውሃት ነገስታት ኣብዚ ቦታ እዚ ፻፷/160 መዓልቲ ጸንሑ። ድሕሪ’ዚ ኣቡነ ሰላማ ምስቶም ነገስታት ናብ ኣኽሱም ንኽኸይድ ተበገሰ  እንተኾነ ግና ጌና ካብ ኤርትራ ከይወጹ ከለዉ እዚ ክሳዕ ሕጂ ኣብ ዛግር ዘሎ ደብረ ኣቡነ ሰላማ ከሰቴ ብርሃን  ምስ በጽሐ ታቦት ናይ ቅዱስ ሚካኤል፡ ሓደ መስቀል፥ ሓደ ኩስኩስቲ መሕጸቢ ኢድ ዝኽውን፡ ጽንሃ፡ ኣልባስ ተክህኖ ሃቦም። እዚ ድማ ክሳዕ ሕጂ ኣብ ዛግር ኣሎ።

ኣቡነ ሰላማ ምስቶም ንሓገዝ ስብከተ ወንጌል ኣሰንየሞም ዝመጹ ሰብ ጽቡቕ ድልየት ግብጻውያን ተማሊኦም ዝመጹን ድሓር ብኣምስሉ ዝተቐረጸን ናይ ኣቡነ ሰላማ ዝበሃል ንዋያተ ቅዱሳን ኣብ ሃገርና ኤርትራ በብኸባቢኡ ብስሞም ዝጽዋዕ ዓድታትን ቦታታትን ቀዳሞት ኣድባራትን ቀወምቲ ኮይኖም ምህላዎም መርኣያ ናይቲ ዓቢ  ኣበርክትኦምን መንፈሳዊ ቁም ነገሮምን እዩ።

ወኣባ ሰላማ ሰበከ በህየ(በድባርዋ) ሃይማኖተ ክርስቲያን

ወኣብርሀ ወኣጽብሐ ነግስታት ኣኃው ፍቁራን ሐነጹ

በድባርዋ ቤተ ክርስቲያን፡ ወይእቲ ቤተ ክርስቲያን ቀዳሚት

ንሱ ምስ ደቂ ሃገር ብምትሕበር መጽሕፍቲ  ሓድሽ ኪዳንን፡ ጸሎተ ቅዳሴ እግዚእ፡ ጸሎተ ቅዳሴ ሓዋርያት፡ ጸሎት ኪዳናትን ካልኦት መጻሕፍቲ ሃይማኖትን ካብ

በምህሮ ወንጌል  ሰይፍ ለጉንደ  ኃጢኣት ይግዝሞ

ኣባ ሰላማ ገንጻሌ መጽሕፍት ዘበተርጉም (መልክዓ ሰላማ)

ኣቡነ ሰላማ ፊደላት ግእዝ ኣናበብቲ(vowels) ወይ መድመጽያን ነጥብታቲ ገበርሎም። ጽሑፍ ግዝእ ብቑጽርን ብድምጽን ነጥብታት ተገይርሎም ተመሓየሸ። ቅዱሳት መጻሕፍቲ ናብ ቋንቋ ግእዝ ካብ ዝተተርጎመሉ ግዜ ጅሚሩ ቋንቋ ግእዝ ወግዓዊ ልሳን ቤተ ክርስቲያን ኮይኑ። ፊደል ግእዝ ካብቲ ዝነበሮ ፊደል ሰባውያን  ዝበሃለሉ ዝነበረ ግዜ ተፈልዩ ብቑጽርን መልክዕን ተመሓይሹ ናይ ቀደም መንገዲ ገዲፉ ካብ ጸጋም ናብ የመን  ክጽሓፍን ክንበብን  ጀሚሩ።

ኣብ ግዜ ምትርጓም መጻሕፍቲ ኣቡነ ሰላማ ሽዱሽተ ተወሰኽቲ ነጥብታት ከም ዝላገብ ገበሩ። እዚ ድማ ካዕብ፡ ሣልስ፡ ራብዕ፡ ሓምስ፡ ሳድስ፡ ሳብዕ ዝብሉ ለወጥቲ ድምጺ ወይ ድማ መድምጻን ተማህዘ።

ወአምጽኣ ለነ ሰላማ ጳጳስ ፊደል አምሕርክትያኑስ ወሜጠሙ

በአሐዱ ልሳን ወእሙንቱ ሰብዓቱ ፊደላት

እዚ ድማ ትርጉሙ ጳጳስ ሰላማ(ምልክት) ኣምሳል ፊደል  ኣምጺኡ ብሓደ ፊደል ናብ ሸውዓተ ፊደላት(መድምጻን) ቀየሮም ይብል። እዚ ድማ ዝነበሮ ዓቢ ኣበርክቶ ዝገልጽ ኢዩ።

ኣቡነ ሰላማ ካብ ገደም ደብረሲና ተበጊሱ ምስቶም ለውሃት ነገስታት ኣብርሃን ኣጽብሃን ናብ ኢትዮጵያ ተጓዓዙ ብዙሕ ህዝቢ ድማ ከጠምቕ ጀመረ። ካብ መዓልታት ሓደ መዓልቲ ኣዝዩ ብዙሕ ሕዝቢ ክሳዕ 80,000(ሰማንያ ሽሕ) ዝበጽሕ  ምስ ኣጥመቑ ጸሓይ ክትጽልምት ደለየት እሞ ብጸሎቱ ከምቲ ነቢይ ኢያሱ ኣብ ጊብዖን ንጸሓይ ደው ዘበለ ንሱ’ውን ብጸሎቱ ንጸሓይ ደው ኣበላ። ካልእ ግዜ’ውን ኣብ ጎጃም ነቶም ህዝቢ ክምህርዎምን ክገንሕዎምን ከለዉ ምድሪ ስለ ዝመሰየ ብሓይሊ እግዚኣብሔር ነታ ጸሓይ ቁሚ፡ ጽንዒ ኢሉ ብትእምርተ መስቀል ጠቐሳ። ሽዑ እግዚኣብሔር ኣብ ኣርባዕተ ሕብሪ ዘለዋ ደመና ኮይኑ ንብጹእ ኣቡነ ሰላማ ተዛረቦ። ከምዚ ድማ በሎ “ሰላማ ሕሩይ ንሰብ ኣብ ልዕሊ ለውሃቱ ትሓዝነሉ ብለውሃቱ’ውን ተኣዛዚ ከም ኣብርሃም፡ ብትዕግስቱ ከም ኢዮብ፡ መፍቀሪ ኣምላኽ ብሃይማኖቱ ሰላማ፡ ሰላማ፡ሰላማ ሰላማዊ  ስራሕካ ርእየ ተደንቕኩ ግብርኻን ትምህርትኻን ክሳዕ ትፍጽም መሃር ንጸሓይ ግና ካብ ማእሰርቲ ስልጣንካ ፍትሓያ ናብ ምዕራብ ትእቶ ነቶም መዓልቲ ጸልማት ዝኾኖም ድማ ተብርሃሎም ሕደጋ”  በሎ። ነዚ ምስ ተዛረበ ድማ ፈትሓ ጽሓይ’ውን ከደት። ካልእ ግዜ’ውን ሰባት ብኽፉእ ሓሳባት ስለ ዝቐንእሉ ንሓደ ቆልዓ ቀቲሎም ንሱ ኢዩ ቀቲልዎ መታን ክበሃል ምስ ሰባት ምእንቲ ከባእስዎ ንርእሲ ናይቲ ቆልዓ ኣብ ትሕቲ መደቀሲኡ  ኣንበርዋ። እቶም ስድራቤት ድማ ወዶም ደልዮም ሰኣንዎ እቶም ክፉእ ግብሪ ዝገበሩ ሰባት ድማ ግብሮም ፈሊጦም ናብ ቤቱ መጺኦም ነቲ ርእሲ ረኸብዎ በዚ ድማ ቀቲልዎ ኢሎም  ስሙ ከኽፍኡ ሰባት ድማ ኣብ ልዕሊኡ ክለዓሉ ወጠኑ። ኣቡነ ሰላማ ግን ድሓን ኣነ ቀቲለዮ እንተኾይነ ንሱ ይመስክረለይ ብምባል ናብቲ መቓብር ከዱ።ብድሕሪ’ዚ ኣታ ህጻን ምስክር ኩነኒ ብምባል ተዛረብዎ። እቲ ዝሞተ ህጻን ድማ ብቕጽበት ተንሲኡ “ንስኻስ ቅዱስን ጻድቕን ንጹህን ኢኻ  እቶም ዝቐተሉንስ እዚኣቶም ኢዮም” ብምባል ስሞም ጸዊዑ ምስክሩ ሃበ። በዚ ድማ ምርጭኡ ኣብቲ ዝነበሮ ክምለስ ስለ ዝደለየ ንስጉኡ ምድሪ ኣፋ ከፊታ ወሓጠቶ ነፍሱ ግና ናብ ዝነበረቶ ተመልሰት። ኣቡነ ስለማ ብኸምዚ ዓይነት ሕይወት  ገድልን ተጋድሎን የብዝሑ ነበሩ፡ ንዓመትን መንፍቕን ዝኣክል መግቢ ከይበልዑ  ዝገበርሉ  ግዜ ነይሩ ኢዩ። ንስግኦም ብስግደትን ትሜትን፡ ጽምእን፡ ዕርቃንን ዝብጣታት፡ መግረፍትን ኣዕጽምቶም ክሳዕ ዝርአ ኮነ። ንነፍሶም’ውን ካብ ማህደር ስጋኣ ኣወጺኦም ይርእይዎም’ሞ ንጽህትን፡ ጽርይትን ርህርህትን፡ ርስሓት ዘይብላ ጌጋ፡ ኣበሳ፡ መርገም’ውን ከምዘይብላ ምስ ረኣዩ እና ተሓጎሱ ናብ ማሕደራ ይመልስዋ። ካብ መዓልታት ሓደ መዓልቲ  መልኣኽ እግዚኣብሔር ተገሊጹ  “ማሕደርካ ምስ ወንጌላውያን ይኹን። ናይ እግዝእትነ ማርያም ብርሃን ንኽብርኻ ድሉው ይኹን። ኣብቲ መንበር ክብራ ክተቐምጠካ እዚ ድማ ንኻልኦት ዘይተዋህበ ንዓኻ  ዝተዋህበ ኢዩ፡ ኣብ ትሕቲኣ እተዕርፈሉ ግዜ’ውን በጺሑ ኢዩ እሞ ተንስእ ናብ ትግራይ ኪድ” በሎ። ኣቡነ ሰላማ  ንሃገር ኣግኣዚት ፍቕሪ እግዚኣብሔር መሃሮም። ኣጥሚቑ ቤተ ክርስቲያን ሰሪሑ፡ ቀሳውስትን ዲያቆናትን በብዓዱ ሸይሙ ነፍሲ ወከፍ ካህን ድማ ብኣበነፍስነት ዝተቐበሎም ምእመናን ደቁ ትምህርቲ ሃይማኖት ክምህሮምን መንፈሳዊ ጉዳይ ክመኽሮምን ወለዲ ዝፈልጥዎ እምነት ናብ ውላዶም ከመሓላልፉን   ህጻን ክርስትና ንኽመሃርን ኣባ ልገ ሓላፍነት ወሲዱ ክወሓስ እና በለ ሕጊ ሰሪዑ፡ በዚ ምኽንያት ድማ ቅልጡፍ ዕብየት ቤተ ክርስቲያን ተረኽበ። ናብ ኢየሩሳሌም ብምምጻእ ድማ ናብ መቓብር ጎይታን፡ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያምን ሓዋርያትን  ብምምብጻሕ ካብ ኩሉ መቓብር ጸበል እና ወሰደ ነተን ዝሰርሐን  ኣብያተ ክርስቲያን  ይነጽገለን ነበረ። ኣብ ገድሉ ብዙሕ ድኻም ኢዮ ሓሊፉ፡ ብዙሕ ክትኣምኖ  ዘሽግር ብዙሕ  ድንቂ ዝኾነ ትእምርትን ተኣምራትን  ድማ ብፍቓድ እግዚኣብሔር ይገብር ነበረ። ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም’ውን ኣብ መቓብራ  ምስ በጽሐ መጺኣ ባሪኻቶ ኢያ። ካብ መቓብራ ሓመድ ከም  ዝወሰደ ንሳ’ውን ጸጋ ሃበቶ ካብ ዕንባብታት ገነት ኣቕመሰቶ ካብ ያም ዝበሃል ካብ  መዓር ዝጥዕም ኣብ ኣፍንጭኡ ኣሸተቶ። ካብ  ጌታ ሰማኒ መቓብር  ጸበል ከም ዝወሰደ ንሳ’ውን  ካብ ገነት ዝውሕዝ ጸባ ገነት ኣሰተየቶ። ሕብስት ወይንን’ውን በረኸት ዝህብን መጊባቶ። ንጽህና ዘምጽእ ልብሰ ብርሃን ኣልበሰቶ ናይ ሓጎስ  ዘውዲ ድማ ደፍኣትሉ። ሓዋርያት’ውን  ሰላምታ ከም ዝሃቦም ንስሞም’ውን  ኣብ መቓብሮም ኢዱ ከም ዝነስአ ሰላምታ ሃብዎ።

ኣቡነ ሰላማ ድሕሪ’ዚ ኩሉ ገድልን ተጋድሎን ዘዕርፈሉ ግዜ ስለ ዝቐረበ፡ እልፍ ኣእላፍ መላእክት ብኹሉ ወገናት ኣብ ዝነበርሉ ግዜ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ብገጾም ወደቑ፡ ደንገጹ ዓቢ ፍርሓት ድማ ሓዞም። እዚ ድማ ካብ ግርማ መለኮት ጎይታና  ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተላዕለ ኢዩ። ጎይታ ድማ “ኦ! ፍቁረይን ኣገልጋሊየይን   ሰላማ ካብዚ ምድሪ ተንስእ ነዛ ሓላፊት ሞት ኣይትፍርሃያ ኣነ ናብ ዘለኣለማዊ ሕይወት ክወስደካ እንተኾነ ግና ተሓጎስ ደስ’ውን ይበልካ ኣብ ሰማያት ዓስብኻ ብዙሕ ኢዩ” በሎ። በዚ ድማ ጎይታ ዝደለዮ ክሓትት ፈቐደሉ። ኣቡነ ሰላማ ድማ “ጎይታይን ኣምላኸይን መድሓኒየይን ኣነ ትውክልተይ ኣባኻ ኢዩ ዝኽረይ’ውን ንስኻ ኢኻ እሞ ሓጢኣተይ ኣስተሰርየለይ ዝክረይ ዝገበረ፡ ስመይ ዝጸውዐ፡ ብስመይ ጥሙይ ዘብልዐ፡ ዕሩቕ ዝኸደነ፡ ጽሙእ ዘስተየ፡ ቤተ ክርስቲያን ዝሰርሐ፡ ምእንቲ ወላዲትካ ድንግል ማርያምን  ምእንቲ ፍቁርካ ኣብርሃም፡ ይስሃቅ፡ ያዕቆብ፡ ምእንቲ ፍቁርካ ዮሓንስ መጥምቕ ምእንቲ ኩሎም ቅዱሳን፡ ኣብ ቤተ ክርስቲያነይ ኮይኑ ዝጸለየ፡ ዝለመነ፡ ዓይኒ ዘይርኣየቶ፡ እዝኒ ዘይሰምዓቶ፡ ልቢ ወዲሰብ ዘይሓለኖ ኣውርሰለይ” በሎ። ጎይታ ድማ “ይኹነልካ እቲ ዝበልካዮ ኩሉ ዝገበረ ክሳዕ ፲፭/15 ወለዶ ክምሕሮ ኢየ። ንኹሉ መጽሓፍ ገድልኻ ደው ኢሉ ዝሰምዐ ናይ ፹/80 ዓመት ሓጢኣት ይስረየሉ። ኮፍ ኢሉ ዝሰምዐ ድማ  ናይ ኣርባዓ ዓመት ሓጢኣት ይስረየሉ” ብምባል ኪዳን ኣተወሉ ።

ኣባ ሰላማ ፳፬/24 ሓምለ ንእሽቶ ሕማም ሓሚሙ እዚ ድማ ነፍሱ ካብ ስጋ ናይ ምፍልላይ ምኽንያት ኢዩ።  ሽዑ ሰባት ብዙሓት መነኮሳትን ባሕታውያንን ክበጽሕዎም መጹ። ተስዓቱ ቅዱሳን’ውን ብሰረገላ መንፈስ ናብኦም መጺኦም  በኸዩን ሓዘኑን። ጎይታ’ውን ክብሪ ንዕኡ ይኹን ንኸናዝዞን ከሐጉሶን ናብኡ መጸ “ካብዛ ሓላፊት ምድራዊት ሞት ስጋ ኣይትፍራሕ እዚ  ናትካ ሞት ሞት ኣይኮነን” ኢሉ ሓቖፎ ኣዝዩ ድማ ኣፍቀሮን ሰዓሞን። ብድሕሪዚ ኣብ ወለጋ ዝበሃል ምድሪ ተንቤን ኣብ ደብረ መድኃኒት ብ፳፮/26 ሓምለ ፫፻፺፱/399 ዓመተ ምሕረት ፍርቂ ለይቲ  ነፍሱ  ካብ ስግኡ ወጸት። ነፍሱ ካብ ስግኡ ክትፍለ ከላ  ምድሪ ኣንቀጥቀጠት እንባታትን፡ ከረቢታትን ተጨነቑ፡ ኣኻውሕ  ተገማጠሉ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ድማ ብርሃን ተጓናጺፋ ኣብ ሕቑፍኣ ድማ ነቲ ኩሉ ዝኽእል ወዳ  ሒዛ ብዙሓት መላእኽትን`ውን ካብ ሰማይ ብምውራድ ብዓቢ ክብርን ምስግናን  ንነፍሱ ናብ ሰማይ ኣዕረግዋ። ኣብ ሕቑፊ ኣብርሃምን ይስሃቅን ያዕቆብን ድማ ኣዕረፈት። መቓብሩ ድማ ክሳዕ ሕጂ ኣብ ወለጋ ተምቤን ኣብ ማእከል ኣጻድፍ  ብምብራቕ ናይ ወርቅ እምባ ዝተባህለ ጎቦ ብስሞም ኣብ ዝጽዋዕ ገዳም ይርከብ ሰብ ድማ ክኣትዎ ኣይክእልን ኢዩ።

እምበኣር ኣቡነ ሰላማ ንልዕሊ ፼፮፻/1600 ዓመት ካብ ኣፍ ኣመንትን ካብ ታሪኽ ቤተ ክርስቲያን ኣግኣዚትን ተፈልዮም ዘይፈልጡ ብርሃን ምድሪ ሓበሻ ዝተሰምዩ ቅዱስ ኣቦ ኢዮም። ኣብ ልቢ ኣመንቲ ድማ ዘወትር ምስ ተዘከሩ ኢዮም። ቅድስት ቤተክርስቲያን ንቅዱስ ኣቦና ኣቡነ ሰላማ  ኩሉ ግዜ ትዝክሮም፡ ብስሞም ቤተክርስትያን ትሃንጽ፡ ብስሞም ማይ ጸሎታት ትሰሚ፡ ገድሎም ትጽሕፍ። ገለ ካብቲ ብስሞም ዝጽውዑ ቤተክርስቲያን ኣብ  ዞባ ማእከል ንኡስ ዞባ ሰረጀቓ ኣብ ዛግር ዝርከብ ቤተክርስቲያን፡ ኣብ ድባርዋ፡ ከምእ’ውን ኣብ ከባቢ ዓዲ ቀይሕ ዝርከብ ማይጸሎት ምጥቃስ ይከኣል።

ጸሎትን በረኸትን ናይ ቅዱስ ኣቦና ኣቡነ ሰላማ ምስ ኩላትና ይኹን።

ኣሜን!!!

ምንጪ፥   – ስንክሳር 26 ሓምለ

– መጽሔት ጽርሃ ጽዮን ቁ. 5 (ብምኽንያት 6ይ ዓመት ምምስራት ናይ ኤርትራኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤ/ት/ሰ/ቅ/ድ/ማርያም ቤተክርስቲያን መድሃኔ ኣለም 20014 ዝተዳለወት)

ስብሃት ለእግዚኣብሔር

ወለወላዲቱ ድንግል

ወለመስቀሉ ክቡር

ኣሜን!

Share this:
TwitterFacebook66

August 2, 2014Leave a reply
፳፭/25 ዕረፍቱ ለሓዋርያ ይሁዳ
በስመኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን!

በዚ ዕለት እዚ ሓዋርያ ይሁዳ ብሰማእትነት ዝዓረፈሉ ዕለት እዩ።

ይሁዳ ማለት እሙን፡ተኣማኒ ማለት እዩ።ቁጽሩ ካብ 72 ኣርድእቲ ኮይኑ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ “መልእኽቲ ይሁዳ” ዝብል ዝጸሓፈ  ቅዱስ ሓዋርያ እዩ። ንሱ ሓዊ ያዕቆብ ወዲ ዮሴፍ እቲ ጸራቢ እዩ። ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ “ሑሩ ወመሃሩ ውስተ ኩሉ ኣጽናፈ ምድር” (ማቴ 28፡19-20) ኢሉ ንደቀመዛሙርቱ ወንጌል ናብ ምሉእ ዓለም ከብጽሑ ንሓዋርያት ዝኣዘዞም ዘኪሩ ንሓዋርያት መሲሉ፡ ከም ሓዋርያት  ዘይሩ ብምምሃር ንብዙሓት ኣይሁዳውያን ይኹኑ ኣረማውያን  ናብ ክርስትና መሊሱ እዩ። ቅዱስ ሓውርያ ይሁዳ ኣብ ብዙሕ ሃገራት እናሰበኸ እንከሎ  ኣብ ሓንቲ ደሴት ብምእታው  ንሰብ እታ ደሴት ሰበኸሎም እሞ ብምልኦም ኣመኑ፡ ተጠሚቖም ድማ ናብ ጎይታ ቀረቡ። ቅዱስ ሓዋርያ ይሁዳ ከኣ ቤተ ክርስቲያን ሰርሓሎም፡ ንሳቶም ድማ ብጎይታ ጸኒዖም ነበሩ። ቅዱስ ሓዋርያ ይሁዳ ካብዚ ሓሊፉ ናብ ሮሃ እትበሃል ሃገር ከይዱ ነታ ኣብታ ሃገር ነጊሱ ዝነብረ ንጉስ ካብ ደዌኡ ኣሕወዮ እሞ ንሱ’ውን ብጎይታ ኣሚኑ ተጠመቐ። ብድሕሪ እዚ`ውን ናብ ሓራፒ እትበሃል ሃገር ከይዱ ሰበኸ፡ ንብዙሓት ኣጥሚቑድማቤተክርስቲያን ሰርሓሎም። እንተኾነ ኣብታ ሃገር ዝገዝእ ዝነበረ ንጉስ፡ እቲ ኩሉ ሓዋርያ ይሁዳ ዝገብሮ ዝነበረ ስብከትን ትእምርትን ርእዩ እዝዩ ተቖጥዐ’ሞ  “ነዚ ሰብ እዚ ሒዘ ክቐትሎ ኣለኒ”ብምባል፡ ሒዙ ከስቕዮ ጀመረ። ሽንካር ዘለዎ ጫማ ከምዝወዲ ብምግባር የጉይዮ ነበረ። እቲ ሽንካር ግን ንሓርያ ይሁዳ ገለ ይገብሮ ኣይነበረን ። ነዚ ዝረኣየ ጨካን ንጉስ ድማ  ኣብ መስቀል ሰቒሉ ጨፍጪፉ ቀተሎ።

ቅዱስ ሓዋርያ ይሁዳ ቅድሚ ሙማቱ፡ እቲ ጨካን ንጉስ  ኣብ እሱር ቤት ምስ ኣእተዎ፡ ነቶም ዝመሃሮም ምእመናን፡ በቲ ኣምላኽ ሓንሳእን ንሓዋሩን ንህዝቡ ዝሃቦ እምነት ጸኒዖም ምእንቲ ክጋደሉ  መልእኽቲ ሰዲዱ ኣጸናኒዕዎም እዩ።

ከምቲ ቅዱስ ሓዋርያ ይሁዳ “ሕጂ ግና ሓንሳእ ንሓዋሩ ንቕዱሳን ዝተዋህበት እምነት ጸኒዕኩም ክትጋደሉ ጽሒፈ ክመኽረኩም ናይ ግዲ ኮይንኒ ኣሎ”(ይሁ1፡3) ዝበሎ ንሕና’ውን ኣብ ሃይማኖትና ጸኒዕና ክንነብር ናይ እግዚኣብሔር ቅዱስ ፍቓዱ ይኹነልና።

በረኸትን ኣማላድነትን ናይ ቅዱስ ሓዋርያ ይሁዳ ምስኩላትና ይኹን እሜን!

ስብሃት ለእግዚኣብሔር

ወለወላዲቱ ድንግል

ወለመስቀሉ ክቡር

ኣሜን

Share this:
TwitterFacebook12

July 2, 2014Leave a reply
፲፯/17 ዕለተ ዝክሩ ለኣባገሪማ/ 17th June The Commemoration Day of Aba Gerima
በስመኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን!

ኣባ ገሪማ ኣብኡ ናይ ሮማ ንጉስ ዝነበረ መስፍንያኖስ ኣዲኡ ድማ ሰፍንግያ ይብሃሉ።  ኣዲኡ መኻን ስለዝነበረት ኩሉ ግዜ ንቅድስት ድንግል ማርያም እናተማሕጸነትናብ እግዚኣብሔር እናለመነት ትነብር ነበረት። እግዚእብሔር ድማ ልመንኣ ሰሚዑ ነዚ ቅዱስ ውላድ ሃባ። ይስሓቕ ኢላ ድማ ሰመየቶ። ቅሩብ ምስ ጎበዘ ድማ ናይ ቤተ ክርስቲያን ትምህርቲ ተማሂሩ ብዲቁና ተሸመ።

ኣብኡ ምስ ሞተ ድማ ንኣባ ገሪማ ኣብ ናይ ኣብኡንስነት  ሰቐልዎ። ኣባ ጰንጠሌዎን  ዝተብህሉ ነዚ ምስ ሰምዑ “ምድራዊ  ንግስነት ሓላፍን ጠፋእን እዩ። ነቲ ዘይ ሓልፍን ዘይጠፍእን ሰመያዊ ሃብቲ ምእንቲ ክትወርስ  ናባይ ንዓ” ኢሎም   ናብኦም ማለት ናብ በረኻታት መጺኡ  ምስኦም ንእግዚኣብሔር ከስምር ናብኦም ጸውዕዎ። ሽዑ ቅዱስ ገብርኤል መልኣኽ  ብኽንፉ ተሰኪሙ ናብ ኣባ ጰንጠሌዎን ኣብጽሖ። ማዕርግ ምንኩስና ተቐቢሎም ድማ ብጾምን ብስግደትን ጸኒዖም ይነብሩ ነበሩ። ካብ ብዝሒ ስግዳን ደው ምባል ክሳብ ዝስእኑ ይኾኑ ነበሩ። ሓደ መዓልቲ መግቦም ተቐቢሎም ምስ የሕዋቶም መነኮሳት እንዳኸዱ ከለዉ ቤተ ክርስቲያን ረኣዩ። ክሳለሙ ኢሎም ድማ ናብኡ ከዱ።  እቶም ኣብቲ ቤተ ክርስቲያን ዝጸንሑ ካህናት ድማ  “ቅዳሴ ከነቐድስ ደሊና  እንተኾነ ሰብ ውሒድና ስለዘሎ  ቅዳሴ ምእንቲ ከይተርፍ ካባኹም ሓደ ሰብ ሃቡና” በልዎም ። እቶም ምስ ኣባገሪማ ዝኾዱ መነኮሳት ድማ መግቢ በሊዖም ስለዝነበሩ “ክንቅድስ ኣይንክእልን ኢና” በልዎም። ኣባ ገሪማ ግን እታ ተዋሂባቶም ዝነበረት መቑነን ከይበልዑ ኣብ ሳንጥኦም ቆጺሮማ ስለዝነበሩ፡ ነታ ዝቖጸርዋ መግቦም ኣብ ቀጽሪ እቲ ቤተክርስቲያን ገዲፎም ክቕዱሱ ናብ ውሽጢ ቤተ ክርስቲያን ኣተዉ። እቶም መነኮሳት  ኣባ ገሪማ በሊዖም ዝቐደሱ መሲልዎም ኣዝዮም ተቖጥዑ ንኣባ ጰንጠሌዎን ውን ነገርዎም። ኣባ ጰንጠሌዎን ድማ፡ ኣባ ገሪማ ክመጽኡ ከለዉ ምስረኣይዎም ነቶም መውነኮሳት “ካብዚ ቅሩብ ርሕቕ በሉ” ብምባል ኣዘዝዎም። ነዚ ዝገበሩ ምኽንያት በሊዖም ቀዲሶም እንተኾይኖም ኣብ ቅድሚ መነኮሳት ምእንቲ ከይሓፍሩ ኢሎም እዮም። ኣባ ገሪማ ስለዝተረድኦም “እዞም የሕዋተይ ጥራይ ዘይኮነስ እንተላይ እዞም ኣብ ዙርያይ ዘለዉ ኣእማንን ኣግራብን’ውን ካባይ ይርሓቑ” በሉ። ከምቲ ዝበልዎ ድማ ኣብ ከባቢኦም ዝነረ ኣእምንን ኣግራብን ሰለስተ ምዕራፍ ካብኦም ርሓቁ። ኣባ ጰንጠሌዎን  በቲ ዝረኣይዎን ዝሰሞዎን ገሪምዎም ይስሓቕ ወደይ ኣገሪምካናን ይሑጒስካናን በልዎ። ካብዛ ሰዓት እዚኣ ድማ “ገሪማ”( ኣባ ገሪማ) ተባህሉ። እቶም መነኮሳት ድማ “በዲልና ኢና እሞ ይቕረ በለልና” ኢሎም ለመንዎ። ብድሕሪ እዚ  መደራ ዝተባህለ ቦታ ከይዶም ብዓቲ ሰሪሖም 23  ዓመት ብትሕርምቲ ነብሩ። ጎይታ ድማ ፍሉይ ዝኾነ ሃብተ ተኣምር ሃቦም ስርናይ ንግሆ ዘሪኦም ሽዑ ንሽዑ ንመስዋዕቲ ስጋ ወደሙ ኣብጽሑ። ኣብ ልዕሊ እምኒ ወይኒ ተኺሎም ድማ ኣፍረዩ። ሓደ መዓልቲ’ውን ክጽሕፉ ውዒሎም ከይወድኡ ከለዉ ጸሓይ ክትዓርብ ስለዝደለየት “ዝጀመርክዎ ከይፈጸምኩ ከይትዓርቢ” ኢሎም ጸልዮም ንጽሓይ ኣብ ዘላቶ ደው ከምእትብል ገይሮም እዮም። ኣባ ገሪማ ብዘይካ እዚ’ውን ብዙሕ ተኣምራት ይገብሩ ነይሮም እዮም።ኩሉ ገድሎምምስፈጸሙጎይታ ተገሊጹ “ብስሞምቤተክርስቲያን ዝሰርሐ፡ ገድሎም ዝጽሓፈን ዘንበበን ክምሕረሎምምዃኑ ነገሮም።  ሞት’ውን ከምዘይረኽቦምነጊርዎም ዓረገ።  ቅዱስ ኣባ ገሪማ ድማ ኣዝዮም ትሓጎሱ  ሽዑ ንሽዑ ድማ ብብርሃን ሰረገላ ተወሲዶም ናብ ብሔረ ሕያዋን ኣተው። ዕለቱ 17/፲፯ ሰነ ነበረ።

” ሰላም፡ ለኣባ ገሪማ ለአርእዮ፡አዚዝ ሓይሉ።

ዘኣስተራከበ፡ዘርዐ፡ወኣስተላጸቀ፡ ምስለ ፍሬ ሰብሉ።

ዝንቱ ጻድቅ እምሃበ ይሄሉ።

እምገጸ ዕበዩ ወእምድምጸ ግሩም ቃሉ።

አዕባን ተግሃሱ ወዕጸዉ ሰሰሉ።”

በረከትን ኣማላድነትን ናይ ኣባ ገሪማ ምስኩላትና ህዝበ ክርስቲያን ይኹን።

ስብሃት ለእግዚኣብሔር

ወለወላዲቱ ድንግል

ወለመስቀሉ ክቡር

ኣሜን!

ምንጪ፥  ስንክሳር ፲፯ ሰነ

Share this:
TwitterFacebook41

June 24, 2014Leave a reply
፲፭/15 ግንቦት ዕረፍቱ ለናትናኤል ሓዋርያ
በስመኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን!

ናትናኤል ማለት ቀናኢ ለሕገ ኣምላኩ፡ ተንኮል ዘይብሉ ማለት እዩ።  ቅዱስ ሃዋርያ ናትናኤል ቁጽሩ ካብ 12 ሃዋርያት ኮይኑ ስምዖን ተባሂሉ’ውን ይጽዋዕ እዩ።

ሃዋርያ ናትናኤል ወዲ ኣውራጃ ገሊላ ብዓል ቃና እዩ። ኦሪትን ነቢያትን ተማሂሩ ስለዝ ዝዓበየ  ከኣ መንፈሳዊ ቅንኢ ነበሮ ስለዚ ከኣ ቀናኢ ተብሂሉ ይጽዋዕ እዩ።

ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ናብ ገሊላ እንዳ ከደ እንከሎ ንፊሊጶስ “ስዓበኒ” በሎ  ንሱ ድማ ናብ ናትናኤል ተመሊሱ “እቲ ሙሴ  ኣብ ሕጊ፡ ነቢያት’ውን ብዛዕንኡ ዝጸሓፉ ኢየሱስ ብዓል ናዝሬት ረኪብናዮ” በሎ። ናትናኤል ድማ “ካብ ናዝሬት ዶ ገለ ሰናይ ክርክርብ ይከኣል እዩ፧”በሎ። ፊልጶስ’ውን ንዓ ርአ በሎ። ኢየሱስ ንናትናኤል ናብኡ ክመጽእ ከሎ ምስ ረኣዮ ” እንሆ ክፍኣት ዘይብሉ እስራኤላዊ “በለ። ናትናኤል ከኣ “ኣበይ ትፈልጠኒ” በሎ። ኢየሱስ ድማ  “ፊሊጶስ ከይጸውዓካ ኣብ ትሕቲ ኦም በለስ ከለኻ ርእየካ” ኢሉ መለሰሉ። ናትናኤል ድማ “መምህር ንስኻ ወዲ ኣምላኽ ኢኻ፡ ንስኻ ንጉስ እስራኤል ኢኻ ” ኢሉ መለሰሉ። ኢየሱስ ድማ “ኣብ ትሕቲ ኦም በለስ ርእየካ ስለዝበልኩኻዶ ኣሚንካ፧ ካብዚ ዝዓቢ ክትርኢ ኢኻ” ኢሉ መለሰሉ። ኣስዒቡ ከኣ ካብ ሕጂ ሰማይ ተኸፊቱ መላእኽቲ ኣምላኽ’ውን ኣብ ልዕሊ ወዲ ሰብ ክድይቡን ክወርዱን ከምትርእዩ፡ ብሓቂ ብሓቂ  እብለኩም ኣለኹ” በሎ።

ጎይታ ኣብ ትሕቲ ኦም በለስ ከለኻ እፈልጠካ ዝበሎ፥

1,ቅዱስ ሃዋርያ ናትናኤል ንእሽቶ እንከሎ ምስ ሓደ ካብ  ወገን ኣህዝብ  ዝኾነ ጎበዝ ተባእሰ እሞ ብሓቲ ህራም ሃሪሙ ቀተሎ፡ ሰብ ከይርኣዮ ኣብ ቀጽሪ ቤቱ ኣብ ዝነበረ ኣታኽልቲ ድማ ኣብ  ትሕቲ ሓንቲ ኦም በለስ  ቀበሮ።

2,ሄሮድስ ህጻናት ኣብ ዘህለቐሉ ግዜ፡ ኣዲኡ ንዕኡ ኣብ ኣገልግል የእትያ ኣብ ልዕሊ ኦም በልሰ ትሰቕሎ፡ ምስ ጸልመተ ኣውሪዳ ኣጥብያ ኣብ ልዕሊ ኦም በለስ ተቐምጦ ነበረት። ከምዚ እናገበረት ክሳብ እቲ ክፉእ ግዜ ዝሓልፍ ኣብ ኦም በለስ ሓቢኣቶ ነበረት።

ስለዚ ቅዱስ ሓዋርያ ናትናኤል  ጎይታ  ነቲ ሕቡእ ምስጢር ምስ ነገሮ ብሓቂ ኣምላክ ምኳኑ ኣሚኑ ስዓቦ፡  ምስቶም 12 ሃዋርያት ድማ ተቖጽረ።  ቅዱስ ሃዋርያ ናትናኤል መንፈስ ቅዱስ ተቐቢሎ ናብ ሃገረ ስብከቱ ማለት ናብ ኩርጅ ዝተባህለት ሃገር ኣብ ከተማ እልብጅህ  ኣትዩ  ነቶም ኣብኡ ዝነበሩ ከሓድያን ወንጌል ሰበኸሎም ። ብዙሓት ድማ ብስብከቱ ናብ ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ተመልሱ። ካብዚ ሓሊፉ’ውን ናብ ካልእ ኣህዛብ ዝነብሩላ ናብ በራንጥያ ዝተብህለት ደሴት ከይዱ ወንጌል ሰበኸሎም። ንሳቶም ግና ሓድሽ ትምህርቲ ኣምጺኡልና ኢሎም ሒዞም  ኣሳቐይዎ፡ እግዚኣብሔር ግን ሓይልን ብረትዐን ስለዝሃቦ፡ ምውታት የተንስእ ፡ ሕሙማት ይፍውስ ነበረ። ብድሕሪ እዚ እቶም ከሓድያን  ናብ ንጉስ ወሰድዎ እሞ ቅዱስ ሓዋርያ ናትናኤል ድማ “ይእዜሰ እፈቕድ እክዓው ደምየ በእንተ ስሙ ለኢየሱስ” ‘ሎሚ ብስም ኢየሱስ ደመይ ከፍስስ እየ’በለ።  እቲ  ጨካን ንጉስ ከኣ “ካብ ቅድመይ ወሲድኩም ገሪፍኩም ስቀልዎ” ኢሉ ንወታሃደራቱ ኣዘዞም፡ ንሳቶም ድማ ከምቲ ዝተኣዘዝዎ ገሪፎም ሰቐልዎ። በዚ ከኣ ሰማእትነት ተቐበለ።

በረከቱን ረድኤቱን ምስ ኩላትና ህዝበ ክርስቲያን ይኹን ኣሜን!

ስብሃት ለእግዚኣብሔር

ወለወላዲቱ ድንግል

ወለመስቀሉ ክቡር

ኣሜን !!

ምንጪ፥  ስንክሳር 15 ግንቦት

Share this:
TwitterFacebook13

May 23, 20142 Replies
፱/9 ግንቦት ዕረፍታ ለቅድስት ኢሌኒ
በስመኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን!

ቅድስት ኢሌኒ ንናይ ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ቅዱስ መስቀል ብተንኮል ኣይሁድ ተቐቢሩ ምስ ነበረ  ካብቲ ተቀቢሩሉ ዝነበረ ጎቦ ተዃዒቱ ከምዝወጽእ ዝገበረት ቅድስት ኣደ እያ።

እዛ ኣደ እዚኣ ናይ ሓደ ነጋዳይ ብዓልቲቤት ዝነበረት ኮይና፡  ብቅድስና እትነብር ዝነበረት  ቅድስት ኣደ እያ።  እንተኾነ እቲ ነጋዳይ ዝነበረ በዓል ቤታ ብተንኮል ናይ ሰባት ተታሊሉ ነዛ ቅድስት ኣደ እዚኣብዘይፈጸመቶ ነገር  በደላትኒ ብምባል፥ ኣብ ሳንዱቕ ዓጽዩ ናብ ባሕሪ ደርበያ።   እንተኾነ ቅዱስ እግዚኣብሔር ኣምላኽንቅዱሳናቱ ክጠፍኡ ስቕ ኢሉ ስለዘይርኢ፡ ነታ ኣብ ባሕሪ ዝተደርበየት ቅድስት ኣደ ብምሕረቱ ከሊሉ ብፍቃዱብማዕበል ናይ ባሕሪ ተገፊዓ  ናብ ሮሓ  ዝተባህለትሃገር ከም እትበጽሕ ገበረ። ገላዉ ናይቲ ኣብቲ እዋን እቲ ንጉስ ናይ በራንጥያ ዝነበረ ንጉስ ቁንስጣ ረኸብዋ እሞ ናብቲ ንጉስ ወሰድዋ። ንሱ ድማ መልክዓን ቁመንኣን ርእዩ  ሰበይቱ ገበራ፡ንቅዱስ ቁስጠንጢኖስ ድማ ወለደት።ብሃይማኖትን ሰናይ ምግባርን  ብግቡእ ምሂራ ድማ ኣዕበየቶ።  ንሱ’ውን  ብፍቓድ እግዚኣብሔር ናብ ንግስነት በጽሐ።  ወዳ ቁስጠንጢኖስ ኣብ ዝነገሰሉ እዋን ድማ ቅድስት ኢሌኒደቒሳ እንከላ”ናብ ኢየሩሳሌም ከድኺ ናይ ጎይታንን ንመድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ቅዱስ መስቀል ካብቲ ተቐቢርሉ ዘሎ ኣውጽኢ፡ ናይ እግዚኣብሔር መሕደሪ  ቤተክርስቲያን’ውን ህነጺ” ዝብል ሕልሚ ሓለመት። ነቲ ዝሓለመቶ ሕልሚ ድማ ንወዳ ንጉስ ቁስጠንጢኖስ ነገረቶ ንሱ’ውን  ብዙሓት ወታሃደራት  ኣሰንዩ ናብ ኢየሩሳሌም ሰደዳ። ኣብ ኢየሩሳሌም ምስበጽሐት ድማ ነቶም ዓበይቲ ዓዲ መርሚራ፡ እቲ ቅዱስ መስቀል ተሓቢእሉ ዝነበረ ጎቦ ረኺባ ብምኹዓት ነቲ ቅዱስ መስቀል ረኸበቶ። ብድሕሪ’ዚ ድማ ኣብ ዝተፈላለዩ ቦታታት ኣዝዮም ብዙሓት  ኣብያተክርስቲያናት፡ ገዳማት ሃነጸት። ንዝተጸገሙን ዝተሸገሩን ድማ  ትረድእን  ትሕግዝን ነንበረት። ከምዚ ኢላ ብቕድስናን ሰናይ ምግባርን እናነበረት ኣብ መበል 80 ዕድሚኣ ብ፱/9 ግንቦት  ብሰላም ዓረፈት።

በረኸትን ኣማላድነትን  ናይ ቅድስት ኢሌኒ ምስኩላትና  ህዝበክርስቲያን ይኹን ኣሜን!

ስብሃት ለእግዚኣብሔር

ወለወላዲቱ ድንግል

ወለመስቀሉ ክቡር ኣሜን!!!

Share this:
TwitterFacebook32

May 17, 20141 Reply
Older posts
Recent Posts

፳፮/26 ሓምለ ዕረፍቱ ለኣቡነ ሰላማ ከሳቴ ብርሃን/26th july the death of st.Aba Selama Kesatiebrhan August 2, 2014
፳፭/25 ዕረፍቱ ለሓዋርያ ይሁዳ July 2, 2014
፲፯/17 ዕለተ ዝክሩ ለኣባገሪማ/ 17th June The Commemoration Day of Aba Gerima June 24, 2014
፳፭/25 ግንቦት ዕረፍታ ለቅድስት ሰሎሜ June 2, 2014
ዕርገት እግዚእነ ወመድኃኒነ ኢየሱስ ክርስቶ (ቀዳማይ ክፋል) May 28, 2014
ዓውደ ኣዋርኅ

JANUARY 2015
M T W T F S S
« Aug
1 2 3 4
5 6 7 8 9 10 11
12 13 14 15 16 17 18
19 20 21 22 23 24 25
26 27 28 29 30 31
Archives

August 2014
July 2014
June 2014
May 2014
April 2014
March 2014
February 2014
January 2014
December 2013
November 2013
October 2013
September 2013
August 2013
July 2013
June 2013
May 2013
April 2013
March 2013
February 2013
January 2013
Categories

ስብከት
ትምህርቲ ሃይማኖት
ነገረ ማርያም
ነገረ ቅዱሳን
ነገረ ክርስቶስ
ኪነ-ጥበብ
Uncategorized
View Full Site

Blog at WordPress.com.

Now Available! Download WordPress for Android

Advertisements

Leave a Reply

Fill in your details below or click an icon to log in:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out / Change )

Twitter picture

You are commenting using your Twitter account. Log Out / Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out / Change )

Google+ photo

You are commenting using your Google+ account. Log Out / Change )

Connecting to %s