ማርቆስ

Menu

ዘኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ መድሃኔ ኣለም ቤ/ክ ማኀበረ ማርያም እስራኤል
POSTED IN ነገረ ቅዱሳን

30/፴ ሚያዝያ ዕረፍቱ ለማርቆስ ወንጌላዊ
በስመኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን!

ማርቆስ ማለት ማሳ፡ ንህቢ፡ ኣንበሳ፡ ካህን፡ ልኡኽ ማለት እዩ።

ቅዱስ ማርቆስ ቁጽሩ ካብቶም 72 ኣርድእቲ ኮይኑ፡ ሃገር ስብከቱ ድማ ግብጺ እዩ። ዝሰብከሉ ዝነበረ ቋንቋ ድማ ሮማይስጥ እዩ።

 ቅዱስ ማርቆስ ናብታ ሃገረ ስብከቱ ዝኾነት ግብጺ ምስከደ፡ ኣብታ  ዝኸዳ ሃገር ማለት  ግብጺ ዝቕመጡ ዝነበሩ ሰባት ኣብቶም ኣፍ እንከለዎም ዘይዛረቡ፡ እዝኒ እንከለዎም ዘይሰምዑ፡ ኣፍንጫ እንከለዎም ዘይሽትቱ፡ ኢድ እንከለዎም ከኣ ዘይድህስሱ፡ ስርሓት ኣእዳው ደቂ ሰባት ዝኾኑ ጣኦታት ከምልኹ ምስረኣየ ኣዝዩ ጎሃየ። ናብቲ ህያው ዝኾነ  ቅዱስ እግዚኣብሔር ኣምላኽ ሓይልን ጥበብን ክህቦ ጸልዩ ከኣ፡ ነቶም ኣምለኽቲ ጣኦት ብትብዓት  ቃል ወንጌል ሰበኸሎም። ኣብ ቕድሚኦም’ውን  ብዙሕ ተኣምራት ገበረ፡ ንብዙሓት ሕሙማት ፈወሰ፡ ንብዙሓት ኣጋንንቲ ዝሓደርዎም ሰባት’ውን ብስም እግዚኣብሔር ነቶም ኣጋንንቲ ብምግሳጽ ኣሕወየ።  በዚ መንክራት እዚ ድማ እቶም ንጣኦት ዘምልኹ ዝነበሩ ምስልታቶም እናሰባበሩ ብጎይታናን ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣሚኖም ብኢድ ቅዱስ ማርቆስ ተጠመቑ።  መንፈስ ቅዱስ ድማ ካብታ ኣቐዲሙ ወንጌል ዝሰበኸላ ባርቃ እተባህለት ዓዲ ናብ እስክንድርያ ከይዱ ውንጌል ክሰብኽ ሓበሮ። ንሱ ድማ ከምቲ መንፈስ ቅዱስ ዝገለጸሉ ገበረ። ናብ እስክንድርያ ምስከደ ንቕድም ሓደ ሰፋይ ኣሳእን ሰብ ረኺቡ ምሂሩ ምስ ኩሎም ቤተሰቡ ኣእሚኑ ኣጠመቖም። ኣመንቲ ስለዝበዝሑ ከኣ እቶም ሰብ እታ ሃገር “እዚ ናብ ዓድና መጺኡ ዘሎ ገሊላዊ ነዞም ኣማልኽትና ሞባእ ከይወሃቡ ይኽልክል፡ ንኸይምለኹ’ውን እምህር ኣሎ” ኢሎም ክሲ መስረትሉ። ቅዱስ ማርቆስ ግና ምኽሮም ፈሊጡ ንኣትያናስ ዝተባህለ ኤጲስቆጶስ፡ ንምልዮስን ቆርዮስን ሞሪስን ዝተባህሉ ድማ ካህናት ሸይሙ ካልኦት 7 መዓርገ ዲቁና ሂቡ 12 ኣገልገልቲ ቤተ ክርስቲያን ሸመሎም እሞ ናብታ ቅድም ዝነበራ በርቃ እትበሃል ዓዲ ተመሊሱ ኤጲስቆጶሳት ሸመሎም። እንደገና ንእስክንድርያ ምስ ተመልሰ ኣመንቲ በዚሖምን በርቲዖምን  ጸንሕዎ እሞ፡ ኣብ ወሰን ባሕሪ ቤተ ክርስቲያን ኣስርሓሎም። እቶም መመለኽቲ ጣኦት ድማ ቅዱስ ማርቆስ ናብ እስክንድርያ ምምላሱ ሰሚዖም ሓዝዎ ፈቀዶ መንገዲ ከም ሰራው ኣጓሰስዎ። መሊሶም ከኣ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣእተውዎ፡ ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ ከኣ መልኣከ እግዚኣብሔር እንዳመጽአ የጸናንዖ ነበረ። ቤት ማእሰርቲ ከምዘየዳኸሞ ዝረኣዩ መምለኽቲ ጣኦት፡ ከም እንደገና ካብ ቤት ማእሰርቲ ኣውጺኦም ፈቐዶ መንገዲ ኣጓሰስዎ እሞ ደሙ ወዲኡ ብ30 ሚያዝያ ኣዕረፈ።እቶም ዝጓስስዎ ዝነበሩ ከኣ ሙማቱ ምስፈለጡ “ምእመናን መጺኦም መታን ከይቀብርዎ (ኣሰሩ ከይርከብ) ሓዊ ነንድዶ” ኢሎም መደብ ምስ ኣውጽኡ፡ ካብ እታ ዝዓረፈላ ሰዓት ጀሚሩ ወጊሓ ክሳብ እትዓርብ ብርቱዕ ቁርን በረድን ነጉድን ክወርድ ወዓለ። በቲ ዝወረደ መዓት ድማ ብዙሓት ዓበይቲ ዓዲ ዝርከብዎም ኣዝዮም ብዙሓት ሰባት ሞቱ፡ እቶም ካብ ሞት ዝተረፉ ከኣ ተበታቲኖም ጠፍኡ። እዚ ኩሉ መንክራት ክግበር ከሎ ብወሰን ኮይኖም ዝርእዩ ዝነበሩ ምእመናን ግና ንስጋ ቅዱስ ማርቆስ ግቡእ ጸሎት ገይሮም ብንጹህ ዓለባ ገኒዞም ኣብ መቓብር እታ ዓዲ ቀበርዎ።

በረኸቱን ረድኤቱን ምስ ኩልና ህዝበ ክርስቲያን ይኹን ። ኣሜን!!

          ስብሃት ለእግዚኣብሔር

          ወለወላዲቱ ድንግል’

         ወለመስቀሉ ክቡር

          ኣሜን!

 

Share this:
TwitterFacebook18

May 8, 2014Leave a reply
17/፲፯ ሚያዝያ ዕረፉቱ ለያዕቆብ ወልደ ዘብዴዎስ
 በስመኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን!! 

  17/፲፯ ሚያዝያ ዕረፉቱ ለያዕቆብ ወልደ ዘብዴዎስ

     ያዕቆብ ማለት ተሓዚ ሸኾና (ኣሰናኻሊ) ማለት እዩ። ነገዱ ካብ ነገደ ይሁዳ ፡ሃገረ ስብከቱ እስያ ፡ ቁጽሩ ድማ ካብ 12 ሃዋርያት እዩ።

 ሃዋርያ ያዕቆብ  ኣብ ኤስያ ወንጌል ድሕሪ ምስትምሃሩ ናብቶም  እምነት ዘይነበሮም ካብ 12 ነገድ ዝውለዱ ዝርዋን ዝበሃሉ ከይዱ ጎይታ ዝገበሮ ኩሉ ካብ ጽንሰቱ ጀሚሩ ዝገበሮ  ኩሉ ትእምርትን ተኣምራትን  መሃሮም። ንሳቶም ነፍሲ ወከፎም ዘምልኽዎም ጣኦታት  ነበርዎም። ምስ ካልእ ዘየራኽብ  ቛንቛ’ውን ነበሮም።  ቅዱስ ሓዋርያ ያዕቆብ ድማ ብዘይካ ምስቶም ብጾቱ ሓዋርያት ዝተቐበሎ 72 ቋንቋታት ናይ እንስሳን ኣራዊትን ኣዕዋፍ ሰማይን  ከይተረፈ ፍሉይ ውህብቶ  ስለዝነበሮ  በብቋንቋኦም ቃለ ሃይማኖት ኣረድኦም።  ወንጌል ክሰብከሎም ከሎ ከኣ “ዝወሃብ እንተደኣ ረኺብኩም ንምድራውያን ነገስታት ዘይኮነ፡ ንድኻታት ደኣ  መጽውቱ፡ ምኽንያቱ ንዳሕራይ ንሳቶም እዮም ዝቕበሉኹም  እምበር ነገስታት እዛ ዓለም ኣይኮኑን። ንነገስታት መሃብ ከም ዘየድሕነኹም ፍለጡ” ኢሉ ምስ ኣረድኦም፡ ኣሚኖም ተጠመቑ። ሄሮድስ ግና ነዚ ምስ ሰምዐ “ሎምስ ከኣ  ንኔሮን ንጉሰ ነገስትን  ነኣይ ንሄሮድስ ንጉስን ኣይትሃብዎም  ዝብል ሰባኺ መጺኡና፡ ሕጂ ኣምጽኡለይ” ኢሉ  ንሓዋርያ ቅዱስ ያዕቆብ ከምጽእሉ ኣዘዘ፡ ንሳቶም ውን ኣምጽኡሉ። ኣብ ቅድሚኡ ጠጠው ኣቢሉ ድማ፡ “እንታይ እዩ ፍጥረትካ፧ ብመን ከ ትኣምን፧” ኢሉ ሓተቶ። ቅዱስ ሓዋርያ ያዕቆብ ድማ ” ኣነ በቲ ኣብ ልዕሊ  ኹሉ ፍጥረታት ስልጣን  ዘለዎ እግዚኣብሔር እየ ዝኣምን፡ ከምኡ’ውን ንስኻ ኮነ ኔሮን ካብቲ ፍጥረት ስለዘይትፍለዩ ናባኻትኩም’ውን ከይተረፈ ስልጣን ዘለዎ ኣምላኽ እየ ዝኣምን” ኢሉ መለሰሉ።  ሄሮድስ ነዚ ምስ ሰምዐ  ኣዝዩ ተቖጢዑ ” ካብዛ ሕጂ ዝተዛረብካያ ዘረባ ንላዕሊ ኣብ ምድጋም ኣየብጽሓካን እየ” ኢሉ ሰይፉ መዚዙ ክሳዱ ቆረጾ። ነፍሱ ካብ ስግኡ ተፈልየት። ምእመናን  ድማ ናብቲ በጥቂ ዘማማርቂ እትበሃል ቦታ ጸግዒ ቤተመቕደስ ቀበርዎ። ዕለቱ 17 ሚያዝያ 44ዓ. ም ነበረ።

 በረኸቱን ኣማላድነቱን  ምስ ኩላትና ህዝበ ክርስቲያን ይኹን!

                     ስብሃት ለእግዚኣብሔር

                     ወወላዲቱ ድንግል

                    ወለመስቀሉ ክቡር

                     ኣሜን!!       

 

Share this:
TwitterFacebook26

April 25, 2014Leave a reply
፴/30 መጋቢት ዕረፍቱ ለሳምሶን
      በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላኽ ኣሜን።

           ማኑሄ ዝስሙ  በዓል ጾርዓ ካብ ዓሌት ዳን ነበረ። ሰበይቱ ከኣ መኻን ነበረት። እዞም ክልተ ሰብ ሓዳር  እግዚኣብሔር ብዝሃቦም ጸጋ እና  ኣመስገኑ ኩሉ ግዜ ሕጉሳት ኮይኖም ብፍጹም ፍቕሪ ይነብሩ ነበሩ። ኣዴና ሳራ ምስ ኣቦ እምነት ዝተሰምየ ኣቦና ኣብርሃም፡ ቅድስት ኤልሳቤጥ ምስ ካህን ዘካርያስ፡  ቅድስት ሃና  ኣደ ነቢይ ሳሙኤል ምስ ሕልቃና፡ ቅድስት ሃና ምስ ቅዱስ ኢያቄም  ንኣምላኽ እና ኣመስገኑ፡ እግዚኣብሔር ድማ  ንዕኡ ዘገልግሉ ውላድ ክህቦም እና ለመኑ ብእምነት ይነብሩ ከም ዝነበሩ፡ ማኑሄ እውን  ምስ ሰበይቱ  ከምኡ ነበረ።

እግዚኣብሔር ነቶም ብሕጉ ዝምርሑ፡ ንስርዓቱ ዝሕልዉ፡ ብእኡ ዝምዕቆቡ ስለ ዘይሓድጎም፡ እንሆ ቅዱስ  መልኣኹ ናብዞም ቅዱሳን ስድራቤት ለኣኸ። እቲ ንብስራት ዝተላእከ  ቅዱስ መልኣኽ፡ ኣቐዲሙ ነታ መኻን ኮይና ውላድ ዘይሓቖፈት፡ ውላድ ብዘይ ምርካብ እውን ንእግዚኣብሔር  ውላድ ምእንቲ ክህባ ኩሉ ግዜ ብዘይ ተስፋ ምቑራጽ እትልምኖ፡ ሰበይቲ ማኑሄ እዩ  መጺኡ። ሽዑ  እቲ ብርሃናዊ መልኣኽ  ደስ ብዘብል፡ ልቢ ብዘረስርስ ዘረባ ገይሩ ነታ ሰበይቲ ከምዚ ክብል ተዛረባ፡“እንሆ መኻን ስለ ዝኾንኪ ኣይወለድክን፡ብግናኸ ክትጠንሲ ወዲ እውን ክትወልዲ ኢኺ” በላ። እወ!  ከመይ ደስ ዘብል ዘረባ እዩ። እግዚኣብሔር ንቅዱስ መልኣኹ ልኢኹ ነዛ ኣደ ኣበሰራ። መሊሱ እቲ ቅዱስ መልኣኽ “እምበኣር ሕጂ ወይንን ካልእ ዘስክር መስተን ከይተስትዪ፡ ርኹስ ዘበለ እውን ከይትበልዒ ተጠንቀቒ። ምስ ወለድኪ እቲ ቆልዓ ካብ ዝውለድ ጀሚሩ  ናይ ኣምላኽ ናዝራዊ ኺኸውን እዩ እሞ፡ ርእሱ ከይላጸ  ተጠንቀቒ፡ ንሱ ንደቂ   እስራኤል ካብ  ኢድ  ፍልስጤማውያን  ምድሓኖም ክጅምር እዩ።” በላ።እዚ ዝሰምዔት ሰበይቲ ማኑሄ ናብ ሰብኣያ ከይዳ እቲ ዝረኣየቶ ኩሉ ነገረቶ። ማኑሄ ምስ ሰበይቱ በቲ ዝኾነ ነገር እና ተገረመ  ብዛዕባ እቲ  እግዚኣብሔር ዝህቦም ውላድ  ከመይ ዝበለ ከም ዝኾነ  ክሓስብ ድሕሪ ምጽናሕ፡ እንሆ ምስ ሰበይቱ ናብ ወፍሪ(በረኻ) ምስ  ከዱ ደጊሙ እቲ ቅዱስ መልኣኽ ተራእዮም። እቲ ቅዱስ መልኣኽ መሊሱ እቲ ኣቐዲሙ ተዛሪብዎ ዝነበረ ዘረባ ደገመሎም እሞ፡ ማኑሄ ምስ  ሰበይቱ ኮይኖም ንእግዚኣብሔር  ኣመስገኑ፡ ነቲ ቅዱስ  መልኣኽ ከኣ ናይ ጸጋ ስግደት ብግንባሮም ፍግም ኢሎም ሰገድሉ።

እግዚኣብሔር ኣምላኽ ዝተዛረቦ ቃል ከይተፈጸመ ስለ ዘይተርፍ ፡እንሆ  ነታ ሓዚና ዝነበረት  ስድራቤት ዘጸናንዕ፡ ጸጋ እግዚኣብሔር ዝተዓደለ ውላድ ወለዱ። ሳምሶን ኢሎም ከኣ ሰመይዎ። ከምቲ ኣቐዲሙ ቅዱስ እግዚኣብሔር በቲ ቅዱስ  መልኣኽ ኣቢሉ ዝተዛረቦ ፡ነዚ ህጻን ባረኾ።

ሳምሶን ካብ ግዜ ናብ ግዜ እና ዓበየ ከደ። ከምዚ ኢሉ ከሎ ሓደ ግዜ ሳምሶን ናብ ቲምናታ ወረደ እሞ፡ ኣብቲ ቦታ ምስ በጽሐ ካብ  ወገን ፍልስጥኤማውያን ዝኾነት ሓንቲጓል ረኣየ። ነብኡ ከኣ “ኣብ ቲምናታ ሓንቲ ፍልስጥኤማዊት ጓል ርእየ ኣለኹ ኣሞ  ንዓኣ ኣመርዕዉኒ” ኢሉ ነገሮ። ብድሕሪ’ዚ  ሳምሶን ምስ ኣብኡን ኣዲኡን ተተሓሒዞም  ናብ ቲምናታ ወረዱ። እንተኾነ ኣብ መገዲ ሓደ ዓቢይ ሽግር፡ ከቢድ ፈተና ኣጓነፎም።

ሳምሶን ኣብ ኣታኽልቲ ወይኒ ናይ ቲምናታ  ምስ በጽሐ፡ እንሆ ሓደ ሽደን  ኣንበሳ እናጓዘመ ተቐባበሎ። እቲ ሽደን ኣንበሳ ከም ልማዱ  ናብ ሳምሶን እናጓዘመ’ዩ መጺኡ። እቲ ካብ መጀመርታ ኣትሒዙ ዝባረኾ እግዚኣብሔር ግን  መንፈሱ ሰደደ እሞ ኣብ ልዕሊ ሳምሶን ወረደ። ኮነ ከኣ ነቲ ሓያል ፍጥረት፡ ናይ ኩሉ እንስሳታት ንጉስ  ተባሂሉ ዝእመነሉ ኣንበሳ፡ ሳምሶን ግና  ሓይሊ ኣምላኽ  ምስኡ ስለዝነበረ፡ እግዚኣብሔር መንፈሱ ስለዘፍሰሰሉ፡ ነቲ  እናጓዘመ ዝመጸ  ሽደን ኣንበሳ ኣብ ኢዱ ገለ ነገር ዘይብሉ ክንሱ ከምቲ ኣንበሳ ንማሕስእ ዝሰላልዓ፡ ሳምሶን ድማ ነቲ ሓያልን ብርቱዕን ኣንበሳ  ብኢዱ ገይሩ ሰላልዖ።

እዚ ኩሉ ክገብር ከሎ  ግና ንኣቦኡን ኣዲኡን ኣይነገሮምን። ከምዚ ኢሉ  ከሎ ከኣ ናብ ቲምናታ ወረዱ እሞ ናብቲ ቤት ናይታ ጓል ኣተዉ። ንመርዓ ወዲኦም ከኣ ናብ ዓደም ተመልሱ።

ድሕሪ ቅሩብ መዓልቲ ነታ ትምናታዊት ጓል ክምርዓዋ ኢሉ ተመልሰ እሞ፡ ናብ’ቲ ገምቢ ናይቲ ዝሞተ ሽደን ኣንበሳ ኣልገሰ  ዕስለ ንህብን መዓርን ከኣ ኣብኡ ነበረ። በእዳዉ ወሲዱ ከኣ እና በልዐ ኸደ፡ ነቦኡን  ነዲኡን ኣርኪቡ ሃቦም፡ ንሳቶም ድማ በልዑ። ነቲ መዓር  ካብ ገረንገረ(መሰንገለ ዓጽሚ ናይቲ ኣንበሳ) ከም ዝወሰዶ ግና ኣይነገሮምን። ኣቦኡ ድማ ነታ ጓል ክርእያ ከደ  ሳምሶን ከኣ ከም ልማድ መርዓውቲ ኣብኡ ድግስ ገበረ። ምስ ረኣይዎ ድማ ምስኡ ዝኾኑ ሰላሳ ኣዕሩኽ ኣምጽኡሉ። ንሱ ከኣ ሓደ ሕንቅልሕንቅሊተይ ነገሮም’ሞ እንተፈቲሖማ ንሱ 30 ሃሪ ቐምሽን 30 ቅያር ክዳውንትን ክኸፍሎም፡ እንተዘይ ፈሊጦም ድማ ንሳቶም ከምኡ ክከፍሉ ተሰማምዑ እንተኾነ ነታ “ካብ በላዒ ብልዒ ወጽአ ካብቲ ሓያል ድማ ጥዑም ወጽአ” እትብል ሕንቅልሕንቅሊተይ ክፈትሕዋ ስለዘይከኣሉ፡  ነታ ዝተመርዓዋ ሰበይቱ ሓባቢላ ክትነግሮም ከም ዘለዋ ገበሩ እሞ ንሳ’ውን ንሳምሶም ሓባቢላ ነታ ሕንቅልሕንቅሊተይ ከም ዝፈልጥዋ ገበረት። በዚ ድማ ሳምሶን ሓረቐ ናብ ኣስቃሎና ወሪዱ ድማ 30  ሰብኣይ ቀተለ ንክዳውንቶም ገፊፉ ከኣ ነቶም ሕንቅልሕንቅሊተይ ዝፈትሑ ሃቦም።

በዚ ኮርዩ ከኣ ናብ ቤት ኣብኡ ተመልሰ እታ ሰበቱ ከኣ ንዓርኩ ተዋህበት። ሳምሶን በዚ’ውን ሕጉስ ስለዘይነበረ ንፍልስጤማውያን ሕንኡ እንዳፈደየ ኣሸገሮም።  ሽዑ ፍልስጥኤማውያን ናብ ይሁዳ ደይቦም ኣብኡ ሰፈሩ፡ ሰብ ይሁዳ ድማ  ንሳምሶን ፍልስጥኤማውያን ከየጥፍኡና ንዓኻ እሕሊፍና ክንህበካ እና ብምባል ንሳምሶን ኣሲሮም ኣሕሊፎም ሃብዎ።  እንተኮነ ሳምሶን እግዚኣብሔር ምስኡ ስለዝነበረ ፍልስጥኤማውያም ምስቀረብዎ እቲ ተኣሲርሉ ዝነበረ ገመድ መኸኸ፡ ሳምሶም ድማ ብምንጋጋ ኣድጊ ገይሩ 1000 ሰብኣይ ቀተለ። ብድሕሪ እዚ ሳምሶን ሓንቲ ደሊላ ዝስማ ኣመንዝራ ፈተወ። ሹማምንቲ ፍልስጥኤማውያን ድማ ንደሊላ “ንሳምሶን ሓባቢልኪ ሓይሉ ኣብ ምንታዩ ከምዝኾነ ንገርና እሞ ዓስብኺ ክንህበኪ እና” በልዋ ። ንሳ’ውን ከምኡ ገበረት ድሕሪ ክንደይ ፈተነ ከኣ ተዓወተት፡ ሳምሶን ሓይሉ ኣብ ጸጉሩ ምኳኑ ነገራ፡ ንሳ’ውን ናይ ልቡ ከምዝነገራ ምስረኣየት  ኣብ ኣብራኻ ኣደቀሰቶ ሓደ ሰብኣይ ጸዊዓ ድማ ነቲ ሸብዓተ ሽርበ ርእሱ ኣላጸየቶ፡ ንሱ ከኣ ክደክም ጀመረ፡ ሓይሉ’ውን ካብኡ ከደ። ፍልስጥኤማውያን ከኣ ሒዞም ኣዕይንቱ ጎጥጎጥዎ፡ ኣብ ጋዛ ኣውሪዶም ድማ ብመቑሕ ኣስራዚ ኣሰርዎ ኣብቲ ቤት እሱራት ከኣ ይጥሕን ነበረ።  እቶም ፍልስጥኤማውያን ከኣ “ኣምላኽና ንሳምሶን ኣሕሊፉ ሂቡና እዩ” ኢሎም ንዳጎን ኣምላኾም ብዙሕ መስዋዕቲ ክስውዑን በዓል ክገብሩን ተኣከቡ። ኣዝዮም ምስ ተሓጎሱ ከኣ “ንሳምሶን ከስሕቐና ጸውዕዎ ኢሎም ንሳምሶም ካብ ቤት ማእሰርቲ ኣውጺኦም ናብቲ ተኣኪቦሙሉ ዝነብሩ ስፍራ ወሰድዎ።  ስምሶን ድማ ነቲ ዝመርሖ ዝነበረ ቖልዓ “ነቲ ነዛ ቤት ጸይሩ ዘሎ ኣዕኑድ ሒዘ ክጽጋዕስ  ናብኡ ምርሓኒ” በሎ።  እታ ቤት ድማ ሰብኣይን ሰበይትን እቶም ኩሎም ሹማንትን መሊኣ ነበረት። ሳምሶን ከኣ “ኦ ልዑል እግዚኣብሔር በጃኻ ዘክረኒ። ኦ ኣምላኸይ ንፍልስጥኤማውያን ሓንሳእ  ሕነ እዘን ክልተ ኣዒንተይ ክፈድዮምሲ፡ በጃኻ ነዛ ግዜ እዚኣ ጥራይ ሓይሊ ሃበኒ” ኢሉ ናብ  እግዚኣብሔር ተማህለለ። ሽዑ ሳምሶን ነቲ ቤት ዝጾረ ክልተ ዓንዲ ማእከል ነቲ ሓደ ብየማኑ ነቲ ሓደ ከኣ ብጸጋሙ ሓዞ። ሳምሶን ድማ ነፍሰይ ምስ ፍልስጥኤማውያን ትሙት” ኢሉ ብምሉእ ሓይሉ ነቲ ኣዕኑድ ደፍኦ።

እታ ቤት ድማ ኣብ ልዕሊ እቶም ሹማምንትን ኣብ ልዕሊ እቶም ኩሎም ህዝብን ወደቐት። ካብቶም ብህይወት ከሎ ዝቐተሎም ከኣ ብሞቱ  ዝቐተሎም ምዉታት በዝሑ።  ዕለቱ ከኣ 30 መጋቢት ነበረ። ሳምሶን እምበኣር በዚ ዕለት እዚ  ካብ ዛዓለም እዚኣ ብሞት ተፈልየ። ሽዑ ኣሕዋቱን ብዘለዉ ስድራ ቤቱን ወሪዶን ሬሳኡ ሒዞም ደየቡ፡ ኣብ መቓብር ኣብኡ ማኑሄ ኣብ መንጎ ጾርዓን ኤሽታኦልን ቀበርዎ። ሳንሶን ነደቂ እስራኤል ን 20 ዓመት ዝኣክል ዝመርሖም ሓያል መራሒ ዝነበር እዩ(መጽሓፈ መሳፍንቲ ካብ ምዕራፍ 13 – ምዕራፍ 16)።

 

 

            በረከትን ረድኤትን ናይ ቅዱስ ሳምሶን ምስ ኩላትና ይኹን።  ኣሜን!!

 

 

               ስብሃት ለእግዚኣብሔር

             ወለወላዲቱ ድንግል

             ወለመስቀሉ ክቡር

                    ኣሜን!!

Share this:
TwitterFacebook58

April 8, 2014Leave a reply
፲፯/17 መጋቢት ትንሳኤ ኣልኣዛር
በስመኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሓዱ ኣምላክ ኣሜን    

 

 ትንሳኤ ኣልኣዛር                            መቓብር ኣልኣዛር

እዚ ዕለት እዚ ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንኣልኣዛር ካብ ሞት ዘተንስኣሉ ዕለት እዩ ።  (ስንክሳር፲፯ መጋቢት ተመልከት)።

ኣልኣዛር ኣብ ቢታንያ ዝቕመጥ ዝነበረ፡ ሓዊ ማርታን ማርያም እታ ንጎይታ ቅዱይ ሽቱ ዝቐብኣቶን ብጸጉሪ ርእሳ ውን ኣእጋሩ ዝደረዘቶን እዩ።

ኣልኣዛር ምስ ሓመመ እተን ኣሓቱ ” ጎይታ እቲ እተፍቅሮስ እንሆ ሓሚሙ ኣሎ “ኢለን ናብ ጎይታ ሰብ ለኣኻ። ጎይታ ድማ ነዚ ሰሚዑ” እዚ ሕማም እዚ ንኽብሪ ኣምላኽ፥ ወዲ ኣምላኽ ብእኡ ምእንቲ ክኸብር እዩ እምበር ንሞት ኣይኾነን” በለ። ምሕማሙ ሰሚዑ ኸሎ ከኣ ኣብታ ዝነበራ ቦታ ክልተ መዓልቲ ወዓለ። ድሕሪ እዚ ንደቀ መዛሙርቱ” ደጊም ንዑናይ ናብ ምድሪ ይሁዳ ንኺድ፡ ኣልኣዛር ፈታዊና ደቂሱ ኣሎ እሞ ንኺድ” በሎም ንሳቶም ግና ናይ ትኻስ ድቃስ ስለ ዝመሰሎም ” ደቂሱ እንተኾይኑስ ሓንቲ ኣይከውንን እዩ በልዎ”። ሽዑ ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብግህዶ “ኣልኣዛር ሞይቱ፡ ምእንቲ ክትኣምኑ ኣነ ኣብኡ ብዘይ  ምንባረይ ብዛዕባኹም እሕጎስ ኣለኹ። ግናኸ ንዑናይ ናብኡ ንኺድ” በሎም እሞ ተተሓሒዞም ከዱ። ሽዑ ኣልኣዛር ካብ ዝቕበር ኣርባዕተ መዓልቲ ገይሩ ነበረ። ማርታ ምምጻእ ኢየሱስ ሰሚዓ  ክትቅበሎ ወጽአት።ማርያም ግና ኣብ ቤታ ተቐሚጣ ነበረት። ሽዑ ማርታ ንኢየሱስ”ጎይታይ ኣብዚ ነይርካ እንተትኸውንሲ ሓወይ ኣይምሞተን ነይሩ፡ ሕጂ ውን እቲ ካብ ኣምላኽ እትልምኖ ዘበለ ኣምላኽ ከም ዝህበካ እፈልጥ እየ” በለቶ። ኢየሱስ ድማ “ሓውኺ ክትንስእ እዩ” በላ። ማርታ ድማ በታ ዳሕረይቲ መዓልቲ ብትንሳኤ ከም ዝትንስእስ እፈልጥ እየ” በለቶ። ኢየሱስ ከኣ ትንሳኤን ህይወትን ኣነ እየ  እቲ ብኣይ ዝኣምንሲ እንተሞተ እኳ ብህይወት ክነብር እዩ። እቲ ብኣይ ዝኣምን ህያው ዘበለ ኩሉ ንዘለኣለም ኣይክመውትን እዩ፡ እዚ ዶ ትኣምኒ ኢኺ፧”በላ።ንውሳ ድማ “እወ ጎይታይ፡ ንስኻ እቲ ናብ ዓለም ዝመጽእ ክርስቶስ ወዲ ኣምላኽ ከምዝኾንካ እኣምን እየ” በለቶ። ናብ ማርያም ሓብታ ትመሊሳ ውን ጎይታ ከም ዝመጽአ ሓበረታ ንሳ ውን ናብቲ ቦታ ከደት፡ እቶም ከጸናንዕዋ ዝመጽኡ ኣይሁድ ውን  ማርያም ክትበኪ ናብ መቓብር ኣልኣዛር ትኸይድ ዘላ መሲልዎም ሰዓብዋ። ማርያም ናብታ ጎይታ ዝነበራ ምስ በጽሐት ኣብ እግሩ ተደፍዲኣ” ጎይታይ፡ ኣብዚ እንተትነብርሲ ግዲ ሓወይ ኣይምስሞተን ነይሩ” በለቶ፣ ሽዑ ጎይታ ንሳን እቶም ኣሰነይታን ክበክዩ ርእዩ ብመንፈስ ተኪዙ እናሕነቕነቐ ” ኣበይ ቀቢርክምዎ” በለ። “ጎይታ ኣበይ ቀቢርኩምዎ” ዝበለ ቅድሚ ተዋህዶ ኣምላኻዊ ፍልጠት ዘይነበሮ ባሕርየ ሰብ ከም ዝተዋህደ ከረድእ ኢሉ እዩ ። ነቲ ሕቡእ ዘይፈልጥ ዝነበረ ባሕርይ ሰብነቱ ምኽንያት ክህብ ኢሉ እዩ እንበር ሕቡእ ዘይፈልጥ ኮይኑ ኣይኮነን። ከምዝበለ ቅዱስ ቄርሎስ(ሃይ. ኣበው 75፡3)።

  ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ናብቲ መቓብር ምስ ከደ ” ነዚ እምኒ ኣልዕልዎ” በሎም። ማርታ ሓብቲ እቲ ምዉት ድማ ” ጎይታይ ራብዕቲ ስለ ዝገበረ ፈጺሙ ጨንዩ እዩ” በለቶ። ኢየሱስ ከኣ “እንተ ትኣምንስ ክብሪ ኣምላኽ ክትርኢ ኢኺ ዶ ኣይበልኩኽን” በላ። ስለዚ ነቲ እምኒ ኣልዓልዎ ኢየሱስ ድማ ኣዒንቱ ንላዕሊ ቋሕ ኣቢሉ  “ኣቦ፥ ስለ ዝሰማዕካኒ አመስግነካ ኣለኹ። እዞም ኣብ ዙርያይ ደው ኢሎም ዘለዉ ህዝቢ ንስኻ ከም ዝለኣኽካኒ ምእንቲ ክኣምኑ ደኣ እየ እዚ ዝበልኩ እምበር ኣነስ ኩሉ ሳዕ ከም እትሰምዓኒ እፈልጥ እየ”በለ። እዚ ምስ በለ ዓው ኢሉ ብዓቢ ድምጺ “ኣልኣዛር ንዓ ናብ ግዳም ውጻእ” በለ ።እቲ ምዉት ብግኑዙ ኣእዳዉን ኣእጋሩን ብእሱሩ ገጹ’ውን ብዓለባ ተጎንጒኑ ከሎ ወጸ።ኢየሱስ ድማ ፍትሕዎ እሞ ይኺድ ሕደግዎ” በሎም(ዮሓ11፡1-መፈ)።

 እዚ ዝገንበረ ልዑለ ባህሪ እግዚኣብሔር ኣምላኽና ይኽበር ይመስገን። ንኣልኣዛር ካብ ሞተ ከም ዘተንስኦ ንዓና ድማ ካብዚ  ዘለናዮ ናይ ሓጢኣት ዓዘቕቲ ኣተንሲኡ ናብቲ ናይ ጽድቂ መንገዲ ክመልሰና ናቱ ሰናይ ፍቃድ ይግበረልና። ኣሜን!

 

ስብሃት ለእግዚኣብሔር

ወለወላዲቱ ድንግል

ወለመስቀሉ ክቡር

ኣሜን!!!

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

                  

 

 

 

Share this:
TwitterFacebook26

March 26, 2014Leave a reply
መጋቢት ፲፪/12 በዓለ ለቅዱስ ሚካኤል ሊቀ መላእክት
 

በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ  ኣሃዱ ኣምላኽ  ኣሜን።

በዚ ዕለት እዚ ቅዱስ ሚካኤል ሊቀ መላእክት ናብ በልዓም ዝተለእከሉ ዕለት ኢዩ።

እስራኤላውያን  ካብ ምድረ ስደት ካብ ግብጺ  ድሕሪ ምውጽኦም ኣርብዓ  ዓመት ኣብ ምድረ በዳ ድሕሪ ምግባሮም ሞኣብ ድሕሪ ምብጽሖም ናይ ሞኣብ  ንጉስ ባላቅ ወልደ ጺጶር ንግብጻውያን ብትሽዓተ መቕዘፍቲ ብዓስራይ ሞት በኹሪ ብመበል ዓሰርተ ሓደ ድማ ኣብ ባሕሪ ሰጢሞም ከም ዝተርፉ ምኽንያት ዝኾኑ ጸላእቲ መጺኦምኒ ኣለዉ ንዓ ርገሞም ክብል ንበልዓም ጸውዖ። በልዓም  እግዚኣብሔር ዝሃቦ ጸጋ ሃብቲ ምምራቕን ምርጋምን ተዋሂብዎ ነበረ። ነዚ ዘስተውዓለ  ንጉስ ባላቅ “እንሆ እስራኤላውያን ካባይ ዝሕይሉ ኢዮም ንስኻ  ዝረገምካዮ ርጉም፡ ዝመረቕካዮ ድማ ምሩቕ ከም ዝኾነ እፈልጥ ኢየ። ስለዚ ምናልባሽ ክስዕሮምን ካብ ሃገረይ ከውጽኦምን ይኽእል እኸውን ኢየ እሞ ንዓ ርገመለይ” ክብል  ሹማምንቲ ሰደደ። እንተኾነ እግዚኣብሔር “እዞም ህዝቢ እዚኦም ዝተባረኹ ሕዝቢ ኢዮም ከይትረግሞም” ኢሉ ኣዘዞ። ባላቅ ድማ ደጊሙ ካብቶም ቀዳሞት ዝበዝሑን ዝኸበሩን ሹማምንቲ ሰደደ፡፡ እግዚኣብሔር ድማ ብለይቲ ናብ በልዓም መጺኡ “ምስኦም ኪድ ግና እቲ ኣነ ዝብለካ ጥራይ ግበር” በሎ። በልዓም ከኣ ንግሆ ተንሲኡ ኣድጉ ጽዒኑ ምስቶም ሹማምንቲ ሞኣብ ከደ። ንሱ ስለዝኸደ ድማ ኣምላኽ ተቖጥዐ ። ንሱ ኣድጉ ተወጢሑ ክልተ ገላውኡ ከኣ ምስኡ ክኸዱ ከለዉ መልኣኽ እግዚኣብሔር ክኽልክሎ ኣብ መንገዲ ደው በለ። እታ ኣድጊ ድማ መልኣኽ እግዚኣብሔር ምሉሕ ሰይፊ ኣብ ኢዱ ሒዙ ኣብ መገዲ ደው ኢሉ ረኣየት፡ ካብ መንገዲ ኣልጊሳ ናብ ግራት ኣቢላ ኣልገሰት፡ በልዓም ግና ናብ መንገዲ ክመልሳ ወቕዓ፡ እቲ መልኣኽ ድማ እንደገና ሰይፉ መሊሑ ደው ኢሉ ከልከላ ፡ንሳውን እንደገና ሪኣቶ ተመልሰት።  እንተኾነ ተጺዒንዋ  ዝነበረ ኣድጊ ነቲ ቅዱስ መልኣኽ ክትርእዮ እንከላ፡ እቲ ብኣርኣያ እግዚኣብሔር ዝተፈጥረ በልዓም ግና ክርእዮ ኣይከኣለን፡  መመሊሱ ድማ ነታ ኣድጊ ይወቕዓ ነበር። ኣብ መርወዳእታ እግዚኣብሔር  ነታ ኣድጊ ከም እትዛረብ፡  በልዓም’ውን ኣዒንቲ ልቦናኡ ተኸፊቱ ነቲ መልእኽ ከም ዝርእዮ ገበረ። ርእይዎ ውን ፍግም ኢሉ ሰገደሉ። እቲ መልኣክ’ውን እግዚኣብሔር  ዝኣዘዞ ኩሉ ክፍጽም ከም ዘለዎ ነጊሩ ምስቶም ሹማምንቲ ክኸይድ ሓደጎ። ከይዱ ድማ ሰለስተ ግዜ ንሕዝቢ እስራኤል መረቖም። እዚ ክገብር ከሎ ባላቅ ብብዙሕ ነገራት ምኽኒታት እንዳ ኣምጽአ ነቶም ቅዱስ እግዚኣብሔር ዝመረቖም ንኽረግሞም ጸዓረ። እንተኾነ እግዚኣብሔር ኣብቲ ግዜ እቲ ንእስራኤላውያን ንመርገም ኣሕሊፉ ኣይሃቦምን(ዘኅ22፡1- መፈ)።

ስለዚ እዚ ዕለት እዚ መልኣከ እግዚኣብሔር  ሊቀ መላእኽት ቅዱስ ሚካኤል ናብ በልዓም ዝተላእኸሉ ዕለት እዩ።

በረከትን ኣማላድነትና ናይ ሊቀ መላእክት ቅዱስ ሚካኤል ምስኩላትና ይኹን ኣሜን!!!

ስብሃት ለእግዚኣብሔር

ወለወላዲቱ ድንግል

ወለመስቀሉ ክቡር

ኣሜን

 

Share this:
TwitterFacebook28

March 21, 20141 Reply
Older posts
Recent Posts

፳፮/26 ሓምለ ዕረፍቱ ለኣቡነ ሰላማ ከሳቴ ብርሃን/26th july the death of st.Aba Selama Kesatiebrhan August 2, 2014
፳፭/25 ዕረፍቱ ለሓዋርያ ይሁዳ July 2, 2014
፲፯/17 ዕለተ ዝክሩ ለኣባገሪማ/ 17th June The Commemoration Day of Aba Gerima June 24, 2014
፳፭/25 ግንቦት ዕረፍታ ለቅድስት ሰሎሜ June 2, 2014
ዕርገት እግዚእነ ወመድኃኒነ ኢየሱስ ክርስቶ (ቀዳማይ ክፋል) May 28, 2014
ዓውደ ኣዋርኅ

JANUARY 2015
M T W T F S S
« Aug    
  1 2 3 4
5 6 7 8 9 10 11
12 13 14 15 16 17 18
19 20 21 22 23 24 25
26 27 28 29 30 31  
Archives

August 2014
July 2014
June 2014
May 2014
April 2014
March 2014
February 2014
January 2014
December 2013
November 2013
October 2013
September 2013
August 2013
July 2013
June 2013
May 2013
April 2013
March 2013
February 2013
January 2013
Categories

ስብከት
ትምህርቲ ሃይማኖት
ነገረ ማርያም
ነገረ ቅዱሳን
ነገረ ክርስቶስ
ኪነ-ጥበብ
Uncategorized
View Full Site

Blog at WordPress.com.

Now Available! Download WordPress for Android

Advertisements

Leave a Reply

Fill in your details below or click an icon to log in:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out / Change )

Twitter picture

You are commenting using your Twitter account. Log Out / Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out / Change )

Google+ photo

You are commenting using your Google+ account. Log Out / Change )

Connecting to %s