ኩሉ ተፈቂዱለይ እዩ፡ግናኸ ኩሉ ኣይጠቅምን እዩ፡፡

SUNDAY, JUNE 16, 2013
ኩሉ ተፈቂዱለይ እዩ፡ ግናኸ ኩሉ ኣይጠቅምን እዩ:: 1 ቆሮ 6፡12

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሃዱ አምላክ አሜን!!!
> (1 ቆሮ 6፡12)


(Click to in PDF)ብኣርብዓን ብሰማንያን ውሉድነት ሥላሴ ዝተቀበልኩም ደቂ ቅድስትን ጽንዕትን ዝኾነት ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ እምነት፡ ናይ ኣዴና ቅድስት ቅዱሳን ድንግል ማርያም ናይ ቃል ኪዳን ደቃ ዝኾንኩም፡ ሰላም እግዚኣብሔር ንዓኹም ይኹን። ከም ፍቓድ እግዚኣብሔር ነዚ ኣብ ላዕሊ ተጠቂሱ ዘሎ ሓይለ ቃል መሰረት ብምግባር፡ ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ናብ ሰብአ ቆሮንጦስ ኣብ 1ይ መልእኽቱ ዝጸሓፎ ሓይለ ቃል ወሲድና፡ ካብኡ በረኸት ካብኡ ድማ ዘልአለማዊ ህይወት ንኽንረክብ ቅዱስ ፍቃድ ናይ እግዚኣብሔር ኣምላኽ ይኹነልና።


ከተማ ቆሮንጦስ ኣብ ግሪኽ እትርከብ ኮይና ካብ ከተማ ኣቴንስ 78 ኪ.ሜ. ርሒቃ ትርከብ። ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ሰማየ ሰማያት ወሪዱ ኣብ ቅድስት ቅዱሳን ኣዴና ድንግል ማርያም ሓዲሩ ንድሕነት ደቂ ሰባት፡ ሰብ ኣብ ዝኾነሉ እዋን፡ ከተማ ቆሮንጦስ 6,000 ተቀማጦ ህዝቢ ነበራ።


ኣብ ገምገም ባሕሪ ስለእትድኮን ድማ ካብ ዝተፈላለዩ ኩርናዓት ዓለም ነጋዶ መርከበኛታት ከም መዕረፊ ማእከል ይጥቀሙላ ነበሩ። በዚ መሰረት ድማ እቶም ነጋዶ ከካብ ሃገሮም፡ ባህልን ሃይማኖትን ሒዞምላ ምስ መጹ፡ ሕማቕ ዘበለ ንህዝባ ክምህርዎ ጀመሩ። ኣቀድም ኣቢሎም ነበርቲ እታ ከተማ “ኣፍሮዲት” ዝተባህለ ባዕድ ኣምልኾ ነበሮም። ሕሉፍ ሓሊፉ፡ ንሓደ ሰብ ቆሮንጦሳዊ ተባሂሉ ክጽዋዕ እንከሎ ከም ጸርፊ ይቁጸር ነበረ። ካብ’ዚ ብምብጋስ ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ “ኩሉ ተፈቂዱለይ እዩ፡ ግናኸ ኩሉ ኣይጠቅምን እዩ” ዝበለ። ብዛዕባ ከተማ ቆሮንጦስ ኣስፊሕና ንምግላጽ ዘይኮነ፡ እቲቀንዲ ንዓና ዘድልየና ዘሎ፡ ደቂ ቅድስትን ንጽህትን ተዋህዶ እምነት ኣብ ዝተፈላለየ ኩርናዓት ዓለም ፋሕ ኢልና ዘለና፡ ንኣሽቱን ዓበይትን፡ ብዙሕ ሪእና ብዙሕ’ውን ሕማቕን ጽቡቕን ተማሂርና ኢና። ስለዚ ኣምላከ ቅዱሳን ካብ ንፍጠር ኣትሒዙ ዝዓደለና ዓቢ ጸጋ፡ > ኣብ ህይወትና ከመይ ኮን ንጥቀመሉ ንህሉ፤ ብምባል ንዳህስሶ ንውሽጥና። ምስጢሩን ጥበቡን ንቅዱሳኑ ዝገለጸ እግዚኣብሔር ንዓና’ውን ምስጢሩን ጥበቡን ምስትውዓሉን ንኽገልጸልና ቅዱስ ፍቃዱ ይኹነልና።


እግዚኣብሔር ኣምላኽ ንኹሉ ክፈጥር ከሎ፡ ብሰለስተ መገዲ ማለት፡ ብኣርምሞ(ብስቕታ)፦ ኣርባዕተ ባህርያት ሥጋ (ሓዊ፡ ንፋስ፡ ማይ፡ ሓመድ ወይ መሬት)፡ ጸልማት፡ መላእክት፡ ሰማያት። ብነቢብ(ብምዝራብ)፡- ብርሃን፡ ጠፈር፡ እንስሳታት፡ እጽዋት። ብገቢር (ብምስራሕ)፦ ብዕለተ ዓርቢ ወጋሕታ፡ ሻዱሸይቲ መዓልቲ ኣጋእዝተ ዓለም ሥላሴ ንሰብ ብመልክዕና ከም ምስልና ሰብ ንፍጠር፡ ሰለስተ ባህርያት ነፍሲ ምስ ኣርባዕተ ባህርያት ሥጋ ኣወሃሂዶም ንኣዳም ወዲ 30 ዓመት ጌሮም ፈጠርዎ። ኣዳም ኩሉ ምስ ተዳለወሉ እዩ ተፈጢሩ። ነጻ ፍቓድ ድማ ተዋሂቡ። እዚ ማይ እዩ፡ እቲ ድማ ሓዊእዩ፡ ብነጻ ፍቓድካ ካብዚኣተን ምረጽ ተባህለ። > (ዘፍ 2፡16-17) ። ኣዳም ግን ነዚ ትእዛዝ ብምጥሓሱ፡ ማለት በቲ ናቱ ፍቓድ ብምኻዱ ናይ ሞት ሞት መቅጻዕቲ ተቀበለ። ናብ ውሉድ ወለዶ’ውን እቲ ሓጢኣት ናይ ደቂ ኣዳም ውርሲ ኮይኑ ተመሓላለፈ። ኩሉ ተፈቂዱለይ እዩ፡ ግናኸ ኩሉ ኣይጠቅምን እዩ!


ኣብ ዘመነ ኖህ፡ 120 ዓመት ናይ ንስሓ ዘመን ተዋሂቡ ነይሩ እዩ። ማለት ብነጻ ፍቓዶም ናብ ኣምላኾም ዝምለሱሉ፡ ንእግዚኣብሔር ከመስግኑሉ ምስኡ ንኽነብሩ፡ መንግስቱ’ውን ንኽወርሱ ዕድል ነይሩዎም እዩ። ግና ደቂ ሰባት ካብ ንሓስቦ ነገራት፡ ጥበብናስ ካብ ጥበብ እግዚኣብሔር ይበልጽ እናበልና ንኸዶ ይበዝሕ። > (መክብብ 2፡14) ከም ዝተባህለ፡ ጥበብ ዝዕድልሲ እግዚኣብሔር እዩ፡ > (ያዕ 1፡5) ። እዞም ሰባት፡ ነቲ ፍርቂ ዕድሚኦም ኣብ ድልየቶም ንሥጋዊ ነገራት፡ እቲ ዝተረፈ ዕድሚኦም ድማ፡ ናብ ኣምላኽ ዝብል ውጥን ገበሩ። እታ መዓልቲ ግና፡ ከምቲ ሰራቂ ይመጽእ ኣለኹ ከይበለ ዝመጽእ፡ ነፍስና እትውሰደላ መዓልቲ’ውን ስለዘይንፈልጣ፡ ነታ ዝመረጽዋ መንገዲ መቕዘፍቲ ኣስዓበትሎም እምበር ኣየድሓነቶምን። እቲ ምንታይሲ፡ ከይተዳለው ስለዝጸንሑ። ንሕና’ውን ካብ’ዚ ክንማሃር ስለዝግባእ፡ እቲ ወርቃዊ ዝኾነ ግዜና ኣብ ኣዝዩ ብሉጽ ህይወት ነሕልፎ። ንእግዚኣብሔር ነስምሮ። እቲ ቀንድን ኣገዳስን ዕላማ ምፍጣርና ምልላይ፡ ንስም እቲ ልዑልን ቅዱስን ቅኑዕን ፍቕሪ ዝኾነ እግዚኣብሔር ኣምላኽና፡ ምምስጋንን ምቅዳስን፡ ክብሩ ንምውራስን ኢና ተፈጢርና። ስለዚ፡ ኩሉ ተፈቂዱለይ እዩ፡ ግናኸ ኩሉ ኣይጠቅምን እዩ!


ሎጥ ኣብ መንጎ ሰዶማውያን ኣብ ዝነብረሉ ዝነበረ ጊዜ፡ እታ ጻድቕ ነፍሱ ትሳቀ ነበረት (2 ጴጥ 2፡8) ። ሎጥ ብነጻ ፍቓዱ ንኣምላኽ መረጸ፡ ሰብ ሰዶም ግና ሕሰም ንነፍሶም ዓደጕ። ሎጥ ንእግዚኣብሔር ኣብ ዝጽበየሉ ዝነበረ፡ ሰብአ ሰዶም ንዝፈጠሮም ኣምላኽ ረሰዑ። ብሓውን ዲንን ድማ ጠፍኡ። ኩሉ ተፈቂዱለይ እዩ፡ ግናኸ ኩሉ ኣይጠቅምን እዩ ነገሩ እሞ ካብ ርኽሰት ንፈለ።


ነጻ ፍቓድ ንእስራኤላውያን ዝሃበ እግዚኣብሔር ኣምላኽ፡ > (ዘዳ 30፡19-21) ፡ ይብል ኣሎ። ብህይወት ምንባር ማዕረ ክንደይ ዓቢ ምዃኑ፡ ኣብ ዓለም ብህይወት ምንባር ጥራይ ዘይኮነ፡ ንዘልኣለም ምንባር ዘኽእለና ሥራሕ ምስራሕ እዩ። ኩሉ ተፈቂዱለይ እዩ፡ ግናኸ ኩሉ ኣይጠቅምን እዩ።


እያሱ ወዲ ነዌ እውን እስራኤላውያን ካብ ግብጺ ኣብ ዘውጸኣሉ ዝነበረ ግዜ፡ > (ኢያ 24፡15)፡ ብምባል፡ ካብቶም ካብ ግብጺ ዝተበገሱ 600,000 ህዝቢ፡ ክልተ ጥራይ ምድሪ ርስቲ ኣቦታቶም ረገጹ፡ እያሱን ካሌብን።


ኣብ መክብብ ምዕ 11፡9 ምስ እንርኢ > ይብለና ኣሎ ብቅዱስ ቃሉ።


ንበረኸት ክኾነና ድማ ካብ ስንክሳር 9 የካቲት ናይ ሰማእት ቅዱስ ጳውሎስ ሶርያዊ ታሪኽ ምስ እንወስድ ድማ፡ ወለዱ ሶርያውያን ነጋዶ ኮይኖም ኣብ ሃገረ እስክንድርያ ዝነብሩ ዝነበሩ እዮም። ነዚ ቅዱስ፣ ኣብኡ ስለዝወለድዎ ካብኡ ንንየየው ኣብ ሃገረ እስሙናይን ተቐመጡ። እዚ ቅዱስ ምስ ጐበዘ ወለዱ ብዙኅ ገንዘብ ኃዲጎሙሉ ዓረፉ። እንተኾነ ግና “ዓላውያን ነገሥታት ብጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ምስጋና ንዕኡ ይኹን ንዚኣምኑ ቅዱሳን ምእመናን ከምዚዅንንዎምን ከምዚቐትልዎምን” ስለዝሰምዐ ፣ ብኡ ንብኡ ኵሉ ገንዘቡ ንነዳያንን ምስኪናንን መጽዊቱ፣ ንጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ንሱዚሠምረሉ መገዲ ኪመርሖ ለመኖ እሞ ጐይታ ድማ ሱርያል ዝበሃል መልኣኹ ሰዲዱ ኵሉ ኣብ ልዕሊኡ ብስም ክርስቶስ ዚበጽሕ ኵነኔ ነጊሩ ድማ “እንሆ እግዚኣብሔር ምሳኻ ኮይነ ከይትፈርህ ኬጽነዓካ ኣዚዙኒ ኣሎ” በሎ። ብኡ ንብኡ ተንሥአ እሞ ናብ ሃገረ እንዴናው ከይዱ፣ ኣብ ቅድሚ መኰንን ብስም ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ምስጋና ንዕኡ ይኹን ተኣመነ። እቲ መኰንን ድማ ዕራቑ ኣውጺኦም ብሓለንጊ ኪወቕዕዎ ኣዘዘ እሞ ከምኡ ገይሮም ዘበጥዎ። ሽዑኡ ድማ ናይ ሓዊ ሽግ ኣብ ገቦኡ እኳ እንተገበርሉ ወለሓንቲ ኣይለኸፎን። ደጊሙውን ብዙኅ ገንዘብ ኣምጺኡ እኳ ንክርስቶስ ኪኽሕዶ ኪሓባብሎእንተፈተነ፣ ብፁዕ ጳውሎስ “ወለደይ ኪሞቱ ከለዉ 17 መኽሊት ወርቂ ኃዲጎሙለይ፣ ግና ብፍቕሪ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ምስጋና ንዕኡ ይኹን ነዓቕክዎ እምበሪ ናብኡ ገጸይ እኳ ቝሊሕ ኣይበልኹን፣ ስለዚ ከመይ ገይረኸ ናብ ገንዘብካ ክምለስ ይከኣለኒ” በሎ። ሽዑኡ እቲ መኰንን ኣባትር ሓፂን ኣርሲኖም ኣብ ኣእዛኑን ኣፉን ኬእትዉሉ ኣዘዘ እሞ ፣ ከምኡ ምስ ገበሩ፣ ብኡ ንብኡ ሱርያል መልኣኽ መጺኡ ኣካሉ ዳህሰሶ እሞ ኣሕወዮ። መሊሶምውን ኣትማንን ዕንቕርቢታትን እኳ እንተሰደድሉ ወለሓንቲ ኣይለኽፍዎን። ሽዑኡ ልሳኑ መተሩ እሞ፣ ግና ጐይታ ኣሕወየሉ።


እቲ መኰንን ናብ ሃገረ እስክንድርያ ኪኸይድ ተበገሰ እሞ፣ ነዚ ቅዱስ ምስኡ ተማለኦ። ጐይታና ኣብታ ጃልባ ተራእዮ እሞ ናዚዙ ኣጸናንዖ። ንቅዱስ ጳውሎስ ኣባ ኤሲ ዚበሃል፣ ቴክላ እትበሃል ሓፍቲ ዝነበረቶ፣ ዓርኪ ነበሮ እሞ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ሥጋኡ ምስናይ እዞም ቅዱሳን ሥጋ፣ ነፍሱ ድማ ምስነፍሶም ከምዚኸውን ቃል ኣተወሉ።


እዞም ቅዱሳን ኣብ ቤት ሞቕሕ ናይ ሃገረ እስክንድርያ ስለዝነበሩ፣ ምስኦም ተራኸበ እሞ ነንሕድሕዶም ተሰዓዓሙ። ነፍሶም ከኣ ብምርኻቦም ባህ ኢልዎም ተሓጎሱ።


እቲ መኰንን ናብ ሃገረ ኣንዴናው ኪምለስ ኣብ ዝተበገሰሉ ጊዜ ንቅዱስ ጳውሎስ ርእሱ መቲሮም ናብ ገምገም ባሕሪ ደርበይዎ እሞ ናይ ምስክርነት ኣኽሊል ኣብ መንግሥተ ሰማያት ተቐበለ። ምእመናን ድማ ሥጋኡ ወሲዶም ብጽቡቓት ኣልባስ ገኒዞም ምስኦም ኃብእዎ። ካብ ሥጋኡ ድማ ተኣምርን ብዙኅ መንክርን ፈውሲ ንድውያንን ኮነ። በረኸቱ ምስኵልና ሕዝበ ክርስቲያን ይኹን።


ኣምላከ ቅዱሳን ብምሕረቱ፡ ኣዴና ቅድስት ቅዱሳን ድንግል ማርያም ብኣማላድነታ፡ ቅዱሳን እግዚኣብሔር ብጸሎቶም ኣይፈለዩና።


ወስብሐት ለእግዚአብሔር፡ ወለወላዲቱ ድንግል፡ ወለመስቀሉ ክቡር። አሜን!!! 


አዘክሪ ድንግል at 11:16 AM


Share



Home
View web version
ERITREAN ORTHODOX TEWAHIDO CHURCH
Kana Zegelila
አዘክሪ ድንግል
Powered by Blogger.

Advertisements

Leave a Reply

Fill in your details below or click an icon to log in:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out / Change )

Twitter picture

You are commenting using your Twitter account. Log Out / Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out / Change )

Google+ photo

You are commenting using your Google+ account. Log Out / Change )

Connecting to %s