ጋብር መንፈስ ቅዱስ

Menu

ዘኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ መድሃኔ ኣለም ቤ/ክ ማኀበረ ማርያም እስራኤል
POSTED IN ነገረ ቅዱሳን

30/፴ ሚያዝያ ዕረፍቱ ለማርቆስ ወንጌላዊ
በስመኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን!

ማርቆስ ማለት ማሳ፡ ንህቢ፡ ኣንበሳ፡ ካህን፡ ልኡኽ ማለት እዩ።

ቅዱስ ማርቆስ ቁጽሩ ካብቶም 72 ኣርድእቲ ኮይኑ፡ ሃገር ስብከቱ ድማ ግብጺ እዩ። ዝሰብከሉ ዝነበረ ቋንቋ ድማ ሮማይስጥ እዩ።

 ቅዱስ ማርቆስ ናብታ ሃገረ ስብከቱ ዝኾነት ግብጺ ምስከደ፡ ኣብታ  ዝኸዳ ሃገር ማለት  ግብጺ ዝቕመጡ ዝነበሩ ሰባት ኣብቶም ኣፍ እንከለዎም ዘይዛረቡ፡ እዝኒ እንከለዎም ዘይሰምዑ፡ ኣፍንጫ እንከለዎም ዘይሽትቱ፡ ኢድ እንከለዎም ከኣ ዘይድህስሱ፡ ስርሓት ኣእዳው ደቂ ሰባት ዝኾኑ ጣኦታት ከምልኹ ምስረኣየ ኣዝዩ ጎሃየ። ናብቲ ህያው ዝኾነ  ቅዱስ እግዚኣብሔር ኣምላኽ ሓይልን ጥበብን ክህቦ ጸልዩ ከኣ፡ ነቶም ኣምለኽቲ ጣኦት ብትብዓት  ቃል ወንጌል ሰበኸሎም። ኣብ ቕድሚኦም’ውን  ብዙሕ ተኣምራት ገበረ፡ ንብዙሓት ሕሙማት ፈወሰ፡ ንብዙሓት ኣጋንንቲ ዝሓደርዎም ሰባት’ውን ብስም እግዚኣብሔር ነቶም ኣጋንንቲ ብምግሳጽ ኣሕወየ።  በዚ መንክራት እዚ ድማ እቶም ንጣኦት ዘምልኹ ዝነበሩ ምስልታቶም እናሰባበሩ ብጎይታናን ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣሚኖም ብኢድ ቅዱስ ማርቆስ ተጠመቑ።  መንፈስ ቅዱስ ድማ ካብታ ኣቐዲሙ ወንጌል ዝሰበኸላ ባርቃ እተባህለት ዓዲ ናብ እስክንድርያ ከይዱ ውንጌል ክሰብኽ ሓበሮ። ንሱ ድማ ከምቲ መንፈስ ቅዱስ ዝገለጸሉ ገበረ። ናብ እስክንድርያ ምስከደ ንቕድም ሓደ ሰፋይ ኣሳእን ሰብ ረኺቡ ምሂሩ ምስ ኩሎም ቤተሰቡ ኣእሚኑ ኣጠመቖም። ኣመንቲ ስለዝበዝሑ ከኣ እቶም ሰብ እታ ሃገር “እዚ ናብ ዓድና መጺኡ ዘሎ ገሊላዊ ነዞም ኣማልኽትና ሞባእ ከይወሃቡ ይኽልክል፡ ንኸይምለኹ’ውን እምህር ኣሎ” ኢሎም ክሲ መስረትሉ። ቅዱስ ማርቆስ ግና ምኽሮም ፈሊጡ ንኣትያናስ ዝተባህለ ኤጲስቆጶስ፡ ንምልዮስን ቆርዮስን ሞሪስን ዝተባህሉ ድማ ካህናት ሸይሙ ካልኦት 7 መዓርገ ዲቁና ሂቡ 12 ኣገልገልቲ ቤተ ክርስቲያን ሸመሎም እሞ ናብታ ቅድም ዝነበራ በርቃ እትበሃል ዓዲ ተመሊሱ ኤጲስቆጶሳት ሸመሎም። እንደገና ንእስክንድርያ ምስ ተመልሰ ኣመንቲ በዚሖምን በርቲዖምን  ጸንሕዎ እሞ፡ ኣብ ወሰን ባሕሪ ቤተ ክርስቲያን ኣስርሓሎም። እቶም መመለኽቲ ጣኦት ድማ ቅዱስ ማርቆስ ናብ እስክንድርያ ምምላሱ ሰሚዖም ሓዝዎ ፈቀዶ መንገዲ ከም ሰራው ኣጓሰስዎ። መሊሶም ከኣ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣእተውዎ፡ ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ ከኣ መልኣከ እግዚኣብሔር እንዳመጽአ የጸናንዖ ነበረ። ቤት ማእሰርቲ ከምዘየዳኸሞ ዝረኣዩ መምለኽቲ ጣኦት፡ ከም እንደገና ካብ ቤት ማእሰርቲ ኣውጺኦም ፈቐዶ መንገዲ ኣጓሰስዎ እሞ ደሙ ወዲኡ ብ30 ሚያዝያ ኣዕረፈ።እቶም ዝጓስስዎ ዝነበሩ ከኣ ሙማቱ ምስፈለጡ “ምእመናን መጺኦም መታን ከይቀብርዎ (ኣሰሩ ከይርከብ) ሓዊ ነንድዶ” ኢሎም መደብ ምስ ኣውጽኡ፡ ካብ እታ ዝዓረፈላ ሰዓት ጀሚሩ ወጊሓ ክሳብ እትዓርብ ብርቱዕ ቁርን በረድን ነጉድን ክወርድ ወዓለ። በቲ ዝወረደ መዓት ድማ ብዙሓት ዓበይቲ ዓዲ ዝርከብዎም ኣዝዮም ብዙሓት ሰባት ሞቱ፡ እቶም ካብ ሞት ዝተረፉ ከኣ ተበታቲኖም ጠፍኡ። እዚ ኩሉ መንክራት ክግበር ከሎ ብወሰን ኮይኖም ዝርእዩ ዝነበሩ ምእመናን ግና ንስጋ ቅዱስ ማርቆስ ግቡእ ጸሎት ገይሮም ብንጹህ ዓለባ ገኒዞም ኣብ መቓብር እታ ዓዲ ቀበርዎ።

በረኸቱን ረድኤቱን ምስ ኩልና ህዝበ ክርስቲያን ይኹን ። ኣሜን!!

          ስብሃት ለእግዚኣብሔር

          ወለወላዲቱ ድንግል’

         ወለመስቀሉ ክቡር

          ኣሜን!

 

Share this:
TwitterFacebook18

May 8, 2014Leave a reply
17/፲፯ ሚያዝያ ዕረፉቱ ለያዕቆብ ወልደ ዘብዴዎስ
 በስመኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን!! 

  17/፲፯ ሚያዝያ ዕረፉቱ ለያዕቆብ ወልደ ዘብዴዎስ

     ያዕቆብ ማለት ተሓዚ ሸኾና (ኣሰናኻሊ) ማለት እዩ። ነገዱ ካብ ነገደ ይሁዳ ፡ሃገረ ስብከቱ እስያ ፡ ቁጽሩ ድማ ካብ 12 ሃዋርያት እዩ።

 ሃዋርያ ያዕቆብ  ኣብ ኤስያ ወንጌል ድሕሪ ምስትምሃሩ ናብቶም  እምነት ዘይነበሮም ካብ 12 ነገድ ዝውለዱ ዝርዋን ዝበሃሉ ከይዱ ጎይታ ዝገበሮ ኩሉ ካብ ጽንሰቱ ጀሚሩ ዝገበሮ  ኩሉ ትእምርትን ተኣምራትን  መሃሮም። ንሳቶም ነፍሲ ወከፎም ዘምልኽዎም ጣኦታት  ነበርዎም። ምስ ካልእ ዘየራኽብ  ቛንቛ’ውን ነበሮም።  ቅዱስ ሓዋርያ ያዕቆብ ድማ ብዘይካ ምስቶም ብጾቱ ሓዋርያት ዝተቐበሎ 72 ቋንቋታት ናይ እንስሳን ኣራዊትን ኣዕዋፍ ሰማይን  ከይተረፈ ፍሉይ ውህብቶ  ስለዝነበሮ  በብቋንቋኦም ቃለ ሃይማኖት ኣረድኦም።  ወንጌል ክሰብከሎም ከሎ ከኣ “ዝወሃብ እንተደኣ ረኺብኩም ንምድራውያን ነገስታት ዘይኮነ፡ ንድኻታት ደኣ  መጽውቱ፡ ምኽንያቱ ንዳሕራይ ንሳቶም እዮም ዝቕበሉኹም  እምበር ነገስታት እዛ ዓለም ኣይኮኑን። ንነገስታት መሃብ ከም ዘየድሕነኹም ፍለጡ” ኢሉ ምስ ኣረድኦም፡ ኣሚኖም ተጠመቑ። ሄሮድስ ግና ነዚ ምስ ሰምዐ “ሎምስ ከኣ  ንኔሮን ንጉሰ ነገስትን  ነኣይ ንሄሮድስ ንጉስን ኣይትሃብዎም  ዝብል ሰባኺ መጺኡና፡ ሕጂ ኣምጽኡለይ” ኢሉ  ንሓዋርያ ቅዱስ ያዕቆብ ከምጽእሉ ኣዘዘ፡ ንሳቶም ውን ኣምጽኡሉ። ኣብ ቅድሚኡ ጠጠው ኣቢሉ ድማ፡ “እንታይ እዩ ፍጥረትካ፧ ብመን ከ ትኣምን፧” ኢሉ ሓተቶ። ቅዱስ ሓዋርያ ያዕቆብ ድማ ” ኣነ በቲ ኣብ ልዕሊ  ኹሉ ፍጥረታት ስልጣን  ዘለዎ እግዚኣብሔር እየ ዝኣምን፡ ከምኡ’ውን ንስኻ ኮነ ኔሮን ካብቲ ፍጥረት ስለዘይትፍለዩ ናባኻትኩም’ውን ከይተረፈ ስልጣን ዘለዎ ኣምላኽ እየ ዝኣምን” ኢሉ መለሰሉ።  ሄሮድስ ነዚ ምስ ሰምዐ  ኣዝዩ ተቖጢዑ ” ካብዛ ሕጂ ዝተዛረብካያ ዘረባ ንላዕሊ ኣብ ምድጋም ኣየብጽሓካን እየ” ኢሉ ሰይፉ መዚዙ ክሳዱ ቆረጾ። ነፍሱ ካብ ስግኡ ተፈልየት። ምእመናን  ድማ ናብቲ በጥቂ ዘማማርቂ እትበሃል ቦታ ጸግዒ ቤተመቕደስ ቀበርዎ። ዕለቱ 17 ሚያዝያ 44ዓ. ም ነበረ።

 በረኸቱን ኣማላድነቱን  ምስ ኩላትና ህዝበ ክርስቲያን ይኹን!

                     ስብሃት ለእግዚኣብሔር

                     ወወላዲቱ ድንግል

                    ወለመስቀሉ ክቡር

                     ኣሜን!!       

 

Share this:
TwitterFacebook26

April 25, 2014Leave a reply
፴/30 መጋቢት ዕረፍቱ ለሳምሶን
      በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላኽ ኣሜን።

           ማኑሄ ዝስሙ  በዓል ጾርዓ ካብ ዓሌት ዳን ነበረ። ሰበይቱ ከኣ መኻን ነበረት። እዞም ክልተ ሰብ ሓዳር  እግዚኣብሔር ብዝሃቦም ጸጋ እና  ኣመስገኑ ኩሉ ግዜ ሕጉሳት ኮይኖም ብፍጹም ፍቕሪ ይነብሩ ነበሩ። ኣዴና ሳራ ምስ ኣቦ እምነት ዝተሰምየ ኣቦና ኣብርሃም፡ ቅድስት ኤልሳቤጥ ምስ ካህን ዘካርያስ፡  ቅድስት ሃና  ኣደ ነቢይ ሳሙኤል ምስ ሕልቃና፡ ቅድስት ሃና ምስ ቅዱስ ኢያቄም  ንኣምላኽ እና ኣመስገኑ፡ እግዚኣብሔር ድማ  ንዕኡ ዘገልግሉ ውላድ ክህቦም እና ለመኑ ብእምነት ይነብሩ ከም ዝነበሩ፡ ማኑሄ እውን  ምስ ሰበይቱ  ከምኡ ነበረ።

እግዚኣብሔር ነቶም ብሕጉ ዝምርሑ፡ ንስርዓቱ ዝሕልዉ፡ ብእኡ ዝምዕቆቡ ስለ ዘይሓድጎም፡ እንሆ ቅዱስ  መልኣኹ ናብዞም ቅዱሳን ስድራቤት ለኣኸ። እቲ ንብስራት ዝተላእከ  ቅዱስ መልኣኽ፡ ኣቐዲሙ ነታ መኻን ኮይና ውላድ ዘይሓቖፈት፡ ውላድ ብዘይ ምርካብ እውን ንእግዚኣብሔር  ውላድ ምእንቲ ክህባ ኩሉ ግዜ ብዘይ ተስፋ ምቑራጽ እትልምኖ፡ ሰበይቲ ማኑሄ እዩ  መጺኡ። ሽዑ  እቲ ብርሃናዊ መልኣኽ  ደስ ብዘብል፡ ልቢ ብዘረስርስ ዘረባ ገይሩ ነታ ሰበይቲ ከምዚ ክብል ተዛረባ፡“እንሆ መኻን ስለ ዝኾንኪ ኣይወለድክን፡ብግናኸ ክትጠንሲ ወዲ እውን ክትወልዲ ኢኺ” በላ። እወ!  ከመይ ደስ ዘብል ዘረባ እዩ። እግዚኣብሔር ንቅዱስ መልኣኹ ልኢኹ ነዛ ኣደ ኣበሰራ። መሊሱ እቲ ቅዱስ መልኣኽ “እምበኣር ሕጂ ወይንን ካልእ ዘስክር መስተን ከይተስትዪ፡ ርኹስ ዘበለ እውን ከይትበልዒ ተጠንቀቒ። ምስ ወለድኪ እቲ ቆልዓ ካብ ዝውለድ ጀሚሩ  ናይ ኣምላኽ ናዝራዊ ኺኸውን እዩ እሞ፡ ርእሱ ከይላጸ  ተጠንቀቒ፡ ንሱ ንደቂ   እስራኤል ካብ  ኢድ  ፍልስጤማውያን  ምድሓኖም ክጅምር እዩ።” በላ።እዚ ዝሰምዔት ሰበይቲ ማኑሄ ናብ ሰብኣያ ከይዳ እቲ ዝረኣየቶ ኩሉ ነገረቶ። ማኑሄ ምስ ሰበይቱ በቲ ዝኾነ ነገር እና ተገረመ  ብዛዕባ እቲ  እግዚኣብሔር ዝህቦም ውላድ  ከመይ ዝበለ ከም ዝኾነ  ክሓስብ ድሕሪ ምጽናሕ፡ እንሆ ምስ ሰበይቱ ናብ ወፍሪ(በረኻ) ምስ  ከዱ ደጊሙ እቲ ቅዱስ መልኣኽ ተራእዮም። እቲ ቅዱስ መልኣኽ መሊሱ እቲ ኣቐዲሙ ተዛሪብዎ ዝነበረ ዘረባ ደገመሎም እሞ፡ ማኑሄ ምስ  ሰበይቱ ኮይኖም ንእግዚኣብሔር  ኣመስገኑ፡ ነቲ ቅዱስ  መልኣኽ ከኣ ናይ ጸጋ ስግደት ብግንባሮም ፍግም ኢሎም ሰገድሉ።

እግዚኣብሔር ኣምላኽ ዝተዛረቦ ቃል ከይተፈጸመ ስለ ዘይተርፍ ፡እንሆ  ነታ ሓዚና ዝነበረት  ስድራቤት ዘጸናንዕ፡ ጸጋ እግዚኣብሔር ዝተዓደለ ውላድ ወለዱ። ሳምሶን ኢሎም ከኣ ሰመይዎ። ከምቲ ኣቐዲሙ ቅዱስ እግዚኣብሔር በቲ ቅዱስ  መልኣኽ ኣቢሉ ዝተዛረቦ ፡ነዚ ህጻን ባረኾ።

ሳምሶን ካብ ግዜ ናብ ግዜ እና ዓበየ ከደ። ከምዚ ኢሉ ከሎ ሓደ ግዜ ሳምሶን ናብ ቲምናታ ወረደ እሞ፡ ኣብቲ ቦታ ምስ በጽሐ ካብ  ወገን ፍልስጥኤማውያን ዝኾነት ሓንቲጓል ረኣየ። ነብኡ ከኣ “ኣብ ቲምናታ ሓንቲ ፍልስጥኤማዊት ጓል ርእየ ኣለኹ ኣሞ  ንዓኣ ኣመርዕዉኒ” ኢሉ ነገሮ። ብድሕሪ’ዚ  ሳምሶን ምስ ኣብኡን ኣዲኡን ተተሓሒዞም  ናብ ቲምናታ ወረዱ። እንተኾነ ኣብ መገዲ ሓደ ዓቢይ ሽግር፡ ከቢድ ፈተና ኣጓነፎም።

ሳምሶን ኣብ ኣታኽልቲ ወይኒ ናይ ቲምናታ  ምስ በጽሐ፡ እንሆ ሓደ ሽደን  ኣንበሳ እናጓዘመ ተቐባበሎ። እቲ ሽደን ኣንበሳ ከም ልማዱ  ናብ ሳምሶን እናጓዘመ’ዩ መጺኡ። እቲ ካብ መጀመርታ ኣትሒዙ ዝባረኾ እግዚኣብሔር ግን  መንፈሱ ሰደደ እሞ ኣብ ልዕሊ ሳምሶን ወረደ። ኮነ ከኣ ነቲ ሓያል ፍጥረት፡ ናይ ኩሉ እንስሳታት ንጉስ  ተባሂሉ ዝእመነሉ ኣንበሳ፡ ሳምሶን ግና  ሓይሊ ኣምላኽ  ምስኡ ስለዝነበረ፡ እግዚኣብሔር መንፈሱ ስለዘፍሰሰሉ፡ ነቲ  እናጓዘመ ዝመጸ  ሽደን ኣንበሳ ኣብ ኢዱ ገለ ነገር ዘይብሉ ክንሱ ከምቲ ኣንበሳ ንማሕስእ ዝሰላልዓ፡ ሳምሶን ድማ ነቲ ሓያልን ብርቱዕን ኣንበሳ  ብኢዱ ገይሩ ሰላልዖ።

እዚ ኩሉ ክገብር ከሎ  ግና ንኣቦኡን ኣዲኡን ኣይነገሮምን። ከምዚ ኢሉ  ከሎ ከኣ ናብ ቲምናታ ወረዱ እሞ ናብቲ ቤት ናይታ ጓል ኣተዉ። ንመርዓ ወዲኦም ከኣ ናብ ዓደም ተመልሱ።

ድሕሪ ቅሩብ መዓልቲ ነታ ትምናታዊት ጓል ክምርዓዋ ኢሉ ተመልሰ እሞ፡ ናብ’ቲ ገምቢ ናይቲ ዝሞተ ሽደን ኣንበሳ ኣልገሰ  ዕስለ ንህብን መዓርን ከኣ ኣብኡ ነበረ። በእዳዉ ወሲዱ ከኣ እና በልዐ ኸደ፡ ነቦኡን  ነዲኡን ኣርኪቡ ሃቦም፡ ንሳቶም ድማ በልዑ። ነቲ መዓር  ካብ ገረንገረ(መሰንገለ ዓጽሚ ናይቲ ኣንበሳ) ከም ዝወሰዶ ግና ኣይነገሮምን። ኣቦኡ ድማ ነታ ጓል ክርእያ ከደ  ሳምሶን ከኣ ከም ልማድ መርዓውቲ ኣብኡ ድግስ ገበረ። ምስ ረኣይዎ ድማ ምስኡ ዝኾኑ ሰላሳ ኣዕሩኽ ኣምጽኡሉ። ንሱ ከኣ ሓደ ሕንቅልሕንቅሊተይ ነገሮም’ሞ እንተፈቲሖማ ንሱ 30 ሃሪ ቐምሽን 30 ቅያር ክዳውንትን ክኸፍሎም፡ እንተዘይ ፈሊጦም ድማ ንሳቶም ከምኡ ክከፍሉ ተሰማምዑ እንተኾነ ነታ “ካብ በላዒ ብልዒ ወጽአ ካብቲ ሓያል ድማ ጥዑም ወጽአ” እትብል ሕንቅልሕንቅሊተይ ክፈትሕዋ ስለዘይከኣሉ፡  ነታ ዝተመርዓዋ ሰበይቱ ሓባቢላ ክትነግሮም ከም ዘለዋ ገበሩ እሞ ንሳ’ውን ንሳምሶም ሓባቢላ ነታ ሕንቅልሕንቅሊተይ ከም ዝፈልጥዋ ገበረት። በዚ ድማ ሳምሶን ሓረቐ ናብ ኣስቃሎና ወሪዱ ድማ 30  ሰብኣይ ቀተለ ንክዳውንቶም ገፊፉ ከኣ ነቶም ሕንቅልሕንቅሊተይ ዝፈትሑ ሃቦም።

በዚ ኮርዩ ከኣ ናብ ቤት ኣብኡ ተመልሰ እታ ሰበቱ ከኣ ንዓርኩ ተዋህበት። ሳምሶን በዚ’ውን ሕጉስ ስለዘይነበረ ንፍልስጤማውያን ሕንኡ እንዳፈደየ ኣሸገሮም።  ሽዑ ፍልስጥኤማውያን ናብ ይሁዳ ደይቦም ኣብኡ ሰፈሩ፡ ሰብ ይሁዳ ድማ  ንሳምሶን ፍልስጥኤማውያን ከየጥፍኡና ንዓኻ እሕሊፍና ክንህበካ እና ብምባል ንሳምሶን ኣሲሮም ኣሕሊፎም ሃብዎ።  እንተኮነ ሳምሶን እግዚኣብሔር ምስኡ ስለዝነበረ ፍልስጥኤማውያም ምስቀረብዎ እቲ ተኣሲርሉ ዝነበረ ገመድ መኸኸ፡ ሳምሶም ድማ ብምንጋጋ ኣድጊ ገይሩ 1000 ሰብኣይ ቀተለ። ብድሕሪ እዚ ሳምሶን ሓንቲ ደሊላ ዝስማ ኣመንዝራ ፈተወ። ሹማምንቲ ፍልስጥኤማውያን ድማ ንደሊላ “ንሳምሶን ሓባቢልኪ ሓይሉ ኣብ ምንታዩ ከምዝኾነ ንገርና እሞ ዓስብኺ ክንህበኪ እና” በልዋ ። ንሳ’ውን ከምኡ ገበረት ድሕሪ ክንደይ ፈተነ ከኣ ተዓወተት፡ ሳምሶን ሓይሉ ኣብ ጸጉሩ ምኳኑ ነገራ፡ ንሳ’ውን ናይ ልቡ ከምዝነገራ ምስረኣየት  ኣብ ኣብራኻ ኣደቀሰቶ ሓደ ሰብኣይ ጸዊዓ ድማ ነቲ ሸብዓተ ሽርበ ርእሱ ኣላጸየቶ፡ ንሱ ከኣ ክደክም ጀመረ፡ ሓይሉ’ውን ካብኡ ከደ። ፍልስጥኤማውያን ከኣ ሒዞም ኣዕይንቱ ጎጥጎጥዎ፡ ኣብ ጋዛ ኣውሪዶም ድማ ብመቑሕ ኣስራዚ ኣሰርዎ ኣብቲ ቤት እሱራት ከኣ ይጥሕን ነበረ።  እቶም ፍልስጥኤማውያን ከኣ “ኣምላኽና ንሳምሶን ኣሕሊፉ ሂቡና እዩ” ኢሎም ንዳጎን ኣምላኾም ብዙሕ መስዋዕቲ ክስውዑን በዓል ክገብሩን ተኣከቡ። ኣዝዮም ምስ ተሓጎሱ ከኣ “ንሳምሶን ከስሕቐና ጸውዕዎ ኢሎም ንሳምሶም ካብ ቤት ማእሰርቲ ኣውጺኦም ናብቲ ተኣኪቦሙሉ ዝነብሩ ስፍራ ወሰድዎ።  ስምሶን ድማ ነቲ ዝመርሖ ዝነበረ ቖልዓ “ነቲ ነዛ ቤት ጸይሩ ዘሎ ኣዕኑድ ሒዘ ክጽጋዕስ  ናብኡ ምርሓኒ” በሎ።  እታ ቤት ድማ ሰብኣይን ሰበይትን እቶም ኩሎም ሹማንትን መሊኣ ነበረት። ሳምሶን ከኣ “ኦ ልዑል እግዚኣብሔር በጃኻ ዘክረኒ። ኦ ኣምላኸይ ንፍልስጥኤማውያን ሓንሳእ  ሕነ እዘን ክልተ ኣዒንተይ ክፈድዮምሲ፡ በጃኻ ነዛ ግዜ እዚኣ ጥራይ ሓይሊ ሃበኒ” ኢሉ ናብ  እግዚኣብሔር ተማህለለ። ሽዑ ሳምሶን ነቲ ቤት ዝጾረ ክልተ ዓንዲ ማእከል ነቲ ሓደ ብየማኑ ነቲ ሓደ ከኣ ብጸጋሙ ሓዞ። ሳምሶን ድማ ነፍሰይ ምስ ፍልስጥኤማውያን ትሙት” ኢሉ ብምሉእ ሓይሉ ነቲ ኣዕኑድ ደፍኦ።

እታ ቤት ድማ ኣብ ልዕሊ እቶም ሹማምንትን ኣብ ልዕሊ እቶም ኩሎም ህዝብን ወደቐት። ካብቶም ብህይወት ከሎ ዝቐተሎም ከኣ ብሞቱ  ዝቐተሎም ምዉታት በዝሑ።  ዕለቱ ከኣ 30 መጋቢት ነበረ። ሳምሶን እምበኣር በዚ ዕለት እዚ  ካብ ዛዓለም እዚኣ ብሞት ተፈልየ። ሽዑ ኣሕዋቱን ብዘለዉ ስድራ ቤቱን ወሪዶን ሬሳኡ ሒዞም ደየቡ፡ ኣብ መቓብር ኣብኡ ማኑሄ ኣብ መንጎ ጾርዓን ኤሽታኦልን ቀበርዎ። ሳንሶን ነደቂ እስራኤል ን 20 ዓመት ዝኣክል ዝመርሖም ሓያል መራሒ ዝነበር እዩ(መጽሓፈ መሳፍንቲ ካብ ምዕራፍ 13 – ምዕራፍ 16)።

 

 

            በረከትን ረድኤትን ናይ ቅዱስ ሳምሶን ምስ ኩላትና ይኹን።  ኣሜን!!

 

 

               ስብሃት ለእግዚኣብሔር

             ወለወላዲቱ ድንግል

             ወለመስቀሉ ክቡር

                    ኣሜን!!

Share this:
TwitterFacebook58

April 8, 2014Leave a reply
፲፯/17 መጋቢት ትንሳኤ ኣልኣዛር
በስመኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሓዱ ኣምላክ ኣሜን    

 

 ትንሳኤ ኣልኣዛር                            መቓብር ኣልኣዛር

እዚ ዕለት እዚ ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንኣልኣዛር ካብ ሞት ዘተንስኣሉ ዕለት እዩ ።  (ስንክሳር፲፯ መጋቢት ተመልከት)።

ኣልኣዛር ኣብ ቢታንያ ዝቕመጥ ዝነበረ፡ ሓዊ ማርታን ማርያም እታ ንጎይታ ቅዱይ ሽቱ ዝቐብኣቶን ብጸጉሪ ርእሳ ውን ኣእጋሩ ዝደረዘቶን እዩ።

ኣልኣዛር ምስ ሓመመ እተን ኣሓቱ ” ጎይታ እቲ እተፍቅሮስ እንሆ ሓሚሙ ኣሎ “ኢለን ናብ ጎይታ ሰብ ለኣኻ። ጎይታ ድማ ነዚ ሰሚዑ” እዚ ሕማም እዚ ንኽብሪ ኣምላኽ፥ ወዲ ኣምላኽ ብእኡ ምእንቲ ክኸብር እዩ እምበር ንሞት ኣይኾነን” በለ። ምሕማሙ ሰሚዑ ኸሎ ከኣ ኣብታ ዝነበራ ቦታ ክልተ መዓልቲ ወዓለ። ድሕሪ እዚ ንደቀ መዛሙርቱ” ደጊም ንዑናይ ናብ ምድሪ ይሁዳ ንኺድ፡ ኣልኣዛር ፈታዊና ደቂሱ ኣሎ እሞ ንኺድ” በሎም ንሳቶም ግና ናይ ትኻስ ድቃስ ስለ ዝመሰሎም ” ደቂሱ እንተኾይኑስ ሓንቲ ኣይከውንን እዩ በልዎ”። ሽዑ ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብግህዶ “ኣልኣዛር ሞይቱ፡ ምእንቲ ክትኣምኑ ኣነ ኣብኡ ብዘይ  ምንባረይ ብዛዕባኹም እሕጎስ ኣለኹ። ግናኸ ንዑናይ ናብኡ ንኺድ” በሎም እሞ ተተሓሒዞም ከዱ። ሽዑ ኣልኣዛር ካብ ዝቕበር ኣርባዕተ መዓልቲ ገይሩ ነበረ። ማርታ ምምጻእ ኢየሱስ ሰሚዓ  ክትቅበሎ ወጽአት።ማርያም ግና ኣብ ቤታ ተቐሚጣ ነበረት። ሽዑ ማርታ ንኢየሱስ”ጎይታይ ኣብዚ ነይርካ እንተትኸውንሲ ሓወይ ኣይምሞተን ነይሩ፡ ሕጂ ውን እቲ ካብ ኣምላኽ እትልምኖ ዘበለ ኣምላኽ ከም ዝህበካ እፈልጥ እየ” በለቶ። ኢየሱስ ድማ “ሓውኺ ክትንስእ እዩ” በላ። ማርታ ድማ በታ ዳሕረይቲ መዓልቲ ብትንሳኤ ከም ዝትንስእስ እፈልጥ እየ” በለቶ። ኢየሱስ ከኣ ትንሳኤን ህይወትን ኣነ እየ  እቲ ብኣይ ዝኣምንሲ እንተሞተ እኳ ብህይወት ክነብር እዩ። እቲ ብኣይ ዝኣምን ህያው ዘበለ ኩሉ ንዘለኣለም ኣይክመውትን እዩ፡ እዚ ዶ ትኣምኒ ኢኺ፧”በላ።ንውሳ ድማ “እወ ጎይታይ፡ ንስኻ እቲ ናብ ዓለም ዝመጽእ ክርስቶስ ወዲ ኣምላኽ ከምዝኾንካ እኣምን እየ” በለቶ። ናብ ማርያም ሓብታ ትመሊሳ ውን ጎይታ ከም ዝመጽአ ሓበረታ ንሳ ውን ናብቲ ቦታ ከደት፡ እቶም ከጸናንዕዋ ዝመጽኡ ኣይሁድ ውን  ማርያም ክትበኪ ናብ መቓብር ኣልኣዛር ትኸይድ ዘላ መሲልዎም ሰዓብዋ። ማርያም ናብታ ጎይታ ዝነበራ ምስ በጽሐት ኣብ እግሩ ተደፍዲኣ” ጎይታይ፡ ኣብዚ እንተትነብርሲ ግዲ ሓወይ ኣይምስሞተን ነይሩ” በለቶ፣ ሽዑ ጎይታ ንሳን እቶም ኣሰነይታን ክበክዩ ርእዩ ብመንፈስ ተኪዙ እናሕነቕነቐ ” ኣበይ ቀቢርክምዎ” በለ። “ጎይታ ኣበይ ቀቢርኩምዎ” ዝበለ ቅድሚ ተዋህዶ ኣምላኻዊ ፍልጠት ዘይነበሮ ባሕርየ ሰብ ከም ዝተዋህደ ከረድእ ኢሉ እዩ ። ነቲ ሕቡእ ዘይፈልጥ ዝነበረ ባሕርይ ሰብነቱ ምኽንያት ክህብ ኢሉ እዩ እንበር ሕቡእ ዘይፈልጥ ኮይኑ ኣይኮነን። ከምዝበለ ቅዱስ ቄርሎስ(ሃይ. ኣበው 75፡3)።

  ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ናብቲ መቓብር ምስ ከደ ” ነዚ እምኒ ኣልዕልዎ” በሎም። ማርታ ሓብቲ እቲ ምዉት ድማ ” ጎይታይ ራብዕቲ ስለ ዝገበረ ፈጺሙ ጨንዩ እዩ” በለቶ። ኢየሱስ ከኣ “እንተ ትኣምንስ ክብሪ ኣምላኽ ክትርኢ ኢኺ ዶ ኣይበልኩኽን” በላ። ስለዚ ነቲ እምኒ ኣልዓልዎ ኢየሱስ ድማ ኣዒንቱ ንላዕሊ ቋሕ ኣቢሉ  “ኣቦ፥ ስለ ዝሰማዕካኒ አመስግነካ ኣለኹ። እዞም ኣብ ዙርያይ ደው ኢሎም ዘለዉ ህዝቢ ንስኻ ከም ዝለኣኽካኒ ምእንቲ ክኣምኑ ደኣ እየ እዚ ዝበልኩ እምበር ኣነስ ኩሉ ሳዕ ከም እትሰምዓኒ እፈልጥ እየ”በለ። እዚ ምስ በለ ዓው ኢሉ ብዓቢ ድምጺ “ኣልኣዛር ንዓ ናብ ግዳም ውጻእ” በለ ።እቲ ምዉት ብግኑዙ ኣእዳዉን ኣእጋሩን ብእሱሩ ገጹ’ውን ብዓለባ ተጎንጒኑ ከሎ ወጸ።ኢየሱስ ድማ ፍትሕዎ እሞ ይኺድ ሕደግዎ” በሎም(ዮሓ11፡1-መፈ)።

 እዚ ዝገንበረ ልዑለ ባህሪ እግዚኣብሔር ኣምላኽና ይኽበር ይመስገን። ንኣልኣዛር ካብ ሞተ ከም ዘተንስኦ ንዓና ድማ ካብዚ  ዘለናዮ ናይ ሓጢኣት ዓዘቕቲ ኣተንሲኡ ናብቲ ናይ ጽድቂ መንገዲ ክመልሰና ናቱ ሰናይ ፍቃድ ይግበረልና። ኣሜን!

 

ስብሃት ለእግዚኣብሔር

ወለወላዲቱ ድንግል

ወለመስቀሉ ክቡር

ኣሜን!!!

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

                  

 

 

 

Share this:
TwitterFacebook26

March 26, 2014Leave a reply
መጋቢት ፲፪/12 በዓለ ለቅዱስ ሚካኤል ሊቀ መላእክት
 

በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ  ኣሃዱ ኣምላኽ  ኣሜን።

በዚ ዕለት እዚ ቅዱስ ሚካኤል ሊቀ መላእክት ናብ በልዓም ዝተለእከሉ ዕለት ኢዩ።

እስራኤላውያን  ካብ ምድረ ስደት ካብ ግብጺ  ድሕሪ ምውጽኦም ኣርብዓ  ዓመት ኣብ ምድረ በዳ ድሕሪ ምግባሮም ሞኣብ ድሕሪ ምብጽሖም ናይ ሞኣብ  ንጉስ ባላቅ ወልደ ጺጶር ንግብጻውያን ብትሽዓተ መቕዘፍቲ ብዓስራይ ሞት በኹሪ ብመበል ዓሰርተ ሓደ ድማ ኣብ ባሕሪ ሰጢሞም ከም ዝተርፉ ምኽንያት ዝኾኑ ጸላእቲ መጺኦምኒ ኣለዉ ንዓ ርገሞም ክብል ንበልዓም ጸውዖ። በልዓም  እግዚኣብሔር ዝሃቦ ጸጋ ሃብቲ ምምራቕን ምርጋምን ተዋሂብዎ ነበረ። ነዚ ዘስተውዓለ  ንጉስ ባላቅ “እንሆ እስራኤላውያን ካባይ ዝሕይሉ ኢዮም ንስኻ  ዝረገምካዮ ርጉም፡ ዝመረቕካዮ ድማ ምሩቕ ከም ዝኾነ እፈልጥ ኢየ። ስለዚ ምናልባሽ ክስዕሮምን ካብ ሃገረይ ከውጽኦምን ይኽእል እኸውን ኢየ እሞ ንዓ ርገመለይ” ክብል  ሹማምንቲ ሰደደ። እንተኾነ እግዚኣብሔር “እዞም ህዝቢ እዚኦም ዝተባረኹ ሕዝቢ ኢዮም ከይትረግሞም” ኢሉ ኣዘዞ። ባላቅ ድማ ደጊሙ ካብቶም ቀዳሞት ዝበዝሑን ዝኸበሩን ሹማምንቲ ሰደደ፡፡ እግዚኣብሔር ድማ ብለይቲ ናብ በልዓም መጺኡ “ምስኦም ኪድ ግና እቲ ኣነ ዝብለካ ጥራይ ግበር” በሎ። በልዓም ከኣ ንግሆ ተንሲኡ ኣድጉ ጽዒኑ ምስቶም ሹማምንቲ ሞኣብ ከደ። ንሱ ስለዝኸደ ድማ ኣምላኽ ተቖጥዐ ። ንሱ ኣድጉ ተወጢሑ ክልተ ገላውኡ ከኣ ምስኡ ክኸዱ ከለዉ መልኣኽ እግዚኣብሔር ክኽልክሎ ኣብ መንገዲ ደው በለ። እታ ኣድጊ ድማ መልኣኽ እግዚኣብሔር ምሉሕ ሰይፊ ኣብ ኢዱ ሒዙ ኣብ መገዲ ደው ኢሉ ረኣየት፡ ካብ መንገዲ ኣልጊሳ ናብ ግራት ኣቢላ ኣልገሰት፡ በልዓም ግና ናብ መንገዲ ክመልሳ ወቕዓ፡ እቲ መልኣኽ ድማ እንደገና ሰይፉ መሊሑ ደው ኢሉ ከልከላ ፡ንሳውን እንደገና ሪኣቶ ተመልሰት።  እንተኾነ ተጺዒንዋ  ዝነበረ ኣድጊ ነቲ ቅዱስ መልኣኽ ክትርእዮ እንከላ፡ እቲ ብኣርኣያ እግዚኣብሔር ዝተፈጥረ በልዓም ግና ክርእዮ ኣይከኣለን፡  መመሊሱ ድማ ነታ ኣድጊ ይወቕዓ ነበር። ኣብ መርወዳእታ እግዚኣብሔር  ነታ ኣድጊ ከም እትዛረብ፡  በልዓም’ውን ኣዒንቲ ልቦናኡ ተኸፊቱ ነቲ መልእኽ ከም ዝርእዮ ገበረ። ርእይዎ ውን ፍግም ኢሉ ሰገደሉ። እቲ መልኣክ’ውን እግዚኣብሔር  ዝኣዘዞ ኩሉ ክፍጽም ከም ዘለዎ ነጊሩ ምስቶም ሹማምንቲ ክኸይድ ሓደጎ። ከይዱ ድማ ሰለስተ ግዜ ንሕዝቢ እስራኤል መረቖም። እዚ ክገብር ከሎ ባላቅ ብብዙሕ ነገራት ምኽኒታት እንዳ ኣምጽአ ነቶም ቅዱስ እግዚኣብሔር ዝመረቖም ንኽረግሞም ጸዓረ። እንተኾነ እግዚኣብሔር ኣብቲ ግዜ እቲ ንእስራኤላውያን ንመርገም ኣሕሊፉ ኣይሃቦምን(ዘኅ22፡1- መፈ)።

ስለዚ እዚ ዕለት እዚ መልኣከ እግዚኣብሔር  ሊቀ መላእኽት ቅዱስ ሚካኤል ናብ በልዓም ዝተላእኸሉ ዕለት እዩ።

በረከትን ኣማላድነትና ናይ ሊቀ መላእክት ቅዱስ ሚካኤል ምስኩላትና ይኹን ኣሜን!!!

ስብሃት ለእግዚኣብሔር

ወለወላዲቱ ድንግል

ወለመስቀሉ ክቡር

ኣሜን

 

Share this:
TwitterFacebook28

March 21, 20141 Reply
መጋቢት ፰- ዕረፍቱ ለማትያስ ሓዋርያ
መጋቢት ፰- ዕረፍቱ ለማትያስ ሓዋርያ

በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላኽ ዝሜን።

    ማትያስ  ማለት መተካእታ ማለት ኢዩ። ድሕሪ ናይ ጎይታናን ኣምላኽናን ኢየሱስ ክርስቶስ  ዕርገት ፻፳ ቤተ ሰብ ኣምላኽ ኣብ ጸርሓ ጽዮን ኣብ ቤተ ማርያም(ናይ ማርቆስ ገዛ) ብጸሎት ይተግሁ ነበሩ። ሓደ መዓልቲ ሓዋርያ ቅዱስ ጴጥሮስ፡ “……..ገዝኡ ትዕኖ ኣብኣ ዝነብር ከኣ ኣይረኸብ ከምኡ ከኣ ሽመቱ ካልእ ይውሰዳ”(መዝ፻፱፡፰/109፡8) ዝበሎ ናይ ዳዊት ቃል ኣልዒሉ፡ ካብዞም ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ጥምቀት ዮሓንስ ጀሚሩ ክሳዕ እታ ካባና ናብ ሰማይ ዝዓረገላ መዓልቲ ምሳና ዝነበረለን ኩለን መዓልታት ዝሰዓቡና ሰባት፡ ካብዚኣቶም ሓደ ብዛዕባ ትንሳኤኡ ምሳና ምስክር ክኸውን ይግባእ ኢዩ” ክብል ነቶም ተኣኪቦም ዝነበሩ ተዛረቦም። ቃል ቅዱስ ሓዋርያ ጴጥሮስ ሰሚዖም ድማ ኢዩስጦስ(በርሰባስ ዝብልዎ ዮሴፍ)ን ማትያስን ሓረዩ። ሽዑ “ኦ ልቢ ኩሉ እትፈልጥ ጎይታ! እዛ ይሁዳናብ ናይ ገዛእ ስፍርኡ ክኸይድ ዝሓደጋ ስፍራ ኣገልግሎትን ሓዋርያነትን ክቕበልሲ ካብዞም ክልተ እዚኣቶም ንመኖም ከም ዝሓሬኻ ኣርኢ” እንዳ በሉ ጸለዩ። ዕጫ ድማ ኣውደቕሎም፡ እታ ዕጫ ከኣ ናብ ማትያስ በጽሐት፡ ምስቶም ዓሰርተ ሓደ ሓዋርያት’ውን ተቖጽረ(ግ.ሓዋ ፩፡፳-፳፮/1፡20-26)።

ቅዱሳን ሓዋርያት ንዓለም ናይ ክርስቶስ ወንጌል ከብጽሑላ ብዕጫ ናብ ኩሉ ዓለም ፋሕ በሉ። ማትያስ ከኣ ሃገረ ስብከቱ ኣብ በላዕቲ ሰብ ዘለውዎ በጽሖ። ሰብ እታ ሃገር ልክዕ ከም ኣራዊት ስጋ ናይ ሰብ ዝበልዑ ነበሩ። ማትያስ ኣብታ ሃገር በጺሑ ኣብ ኣደባባይ ናይታ ሃገር ኮይኑ ክምህር ከሎ ሒዞም ዓይኑ ጎጥጒጦም ኣውጽእዎ ልክዕ ከም ሳዕሪ ከም እትበልዕ ላም ሳዕሪ ቀሪቦም ኣብ ዑጽው ቤት ኣቐመጥዎ። ከኣሊ ኩሉ ዝኾነ ኣምላኽና እግዚኣብሔር ግና ድሕሪ ኣርብዓ መዓልቲ ኣዒንቱ ናብ ንቡር መለሰሉ፡ካብ ማእሰርቱ ፈቲሑ ድማ ዳግማይ ከም ዝምህር ገበሮ። ናብ ጎይታ ለመነ ከኣ ካብ ሰማይ ዝናብ መጺኡ ነቶም ሰብ ናይታ ሃገር ክሳዕ ክሳዶም ከም ዝበጽሖም ገበረ። እዚ ምስ ወረዶም ድማ ስራሕ እግዚኣብሔር ድንቂ ምዃኑ  ርእዮም ናብ እግዚኣብሔር ኣሚኖም ተጠምቁ።

  እቲ ዝነበረ ባህርይ ጠፍኣሎም ልክዕ ናብቲ ናይ ቀደም ባህሪኦም ድማ ተመልሱ፡ ስጋ ሰብ ምብላዕ ሓዲጎም እንጀራ ምብላዕ ጀመሩ።ሓዋርያ ማትያስ ድማ ንብዙሓት ካብኣቶም  ምሂሩ ዲያቆናትን ቀሳውስትን ሸመሎም፡ ቤተ ክርስቲያን ሰሪሑ ድማ ናይ ክርስቶስ ስጋን ደምን ከምዝበልዑን ከም ዝሰትዩን ገበረ። “ከዊኖ ማትያስ በላዕለ እኩያን ኄረ፡ሥጋ ወልድ ቅዱስ ሴስዮሙ ወደሞ ክቡረ ትወላጠ ሴሰይዎ ሎቱ ከመላህም ሣዕር”።

ሰላሳ ዓመት ድሕሪ ምምሃሩ ወንጌል ናብ ዘይበጽሖ ቦታ ከብጽሕ ናብ ደማስቆ ወረደ። ኣረማውያን ሒዞም ብሓጺን ኣርሲኖም ዕስራን ኣርባዕተን መዓልታት ኣሳቐይዎ፡ ንሱ ግና ገጹን ሰብነቱን ኣዚዩ ደሚቑ ይረአ ነበረ። ነዚ ዝረኣዩ ኣረማውያን ብናይ ክርስቶስ ወንጌል ኣሚኖም ተጠመቑ። ኣብ መጨረሽታ ኣብ ፍልዋን እትብሃል ዓዲ ምስ ከደ ብሽምግልና ዓረፈ።

ጸሎቱን በረኸትን ናይ ቅዱስ ሓዋርያ ማትያስ ምስ ኩላትና ይኹን። ኣሜን!!!

    ስብሃት ለእግዚኣብሔር

 ወለወላዲቱ ድንግል

 ወለመስቀሉ ክቡር

ኣሜን።

Share this:
TwitterFacebook60

March 17, 2014Leave a reply
መጋቢት ፭/5፡ ዕረፍቱ ለኣቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ

 

                በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላኽ ኣሜን!

ኣቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ ሃገሮም ኣብ ንሂሳ ዝተባህለ ዓዲ ናይ ሃገረ ግብጺ ኢዩ። ኣቡኦም ስምዖን ኣዲኦም ድማ ኣቅሌስያ ይበሃሉ። እዞም ክልተ ናይ እግዚኣብሔር ሰባት ብዘይ ውላድ ንሰላሳ(፴) ዓመታት ብፍቕርን ብስኒትን ተቐመጡ።

ካብ መዓልታት ሓደ መዓልቲ ኣቅሌስያ ኣብ ቤተ እግዚኣብሔር ኣትያ ኣብ ቅድሚ ስእሊ ቅድስት ሥላሴ ወዲቓን ክትጽልን ክትልምንን ከላ “ንሥኢ ወልደ ዘይትሌዑል ቀርኑ አምኑኅ ሰማይ፡ ክብሩ ካብ ናይ ሰማይ ክብሪ ዝበልጽ ወዲ ህንኪ ተቐበሊ” ዝብል ድምጺ ሰምዐት። በዚ ምኽንያት ከኣ ቅዱስ ኣቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ ፳፱/29 መጋቢት ተጠኒሶም ፳፱/29 ታሕሳስ ተወልዱ።

ዓይኒ ቋሕ ካብ ዝበለሉ ግዜ ካብ ምርኣይ ከምዘይ ዓርፍ፡ ኣቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ ድማ ልክዕ ካብ ማህጸን ኣዲኦም ካብ ዝወጹላ ግዜ ኣፎም ከፊቶም “ስብሐት ለኣብ፡ ስብሐት ለወልድ፡ ስብሐት ለመንፈስ ቅዱስ ዘአውጻእከኒ እምጽልመት ውስተ ብርሃን” እናበሉ ወትሩ ንእግዚኣብሔር እና ኣመስገኑ፡ ምድራዊ መብልዕ ከይበልዑ፡ ምድራዊ መስተ ከይሰተዩ፡ ንምስጋና ተጊሆም ብምንባሮም ንመላእክት ይመስሉ።

ኣብ መበል ሰለስተ ዓመቶም ቅዱስ ገብርኤል ሊቀ መላእክት ካብ እግዚኣብሔር ተኣዚዙ ንኣቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ ካብ ሑቕፊ ኣዲኦም ወሲዱ ናብ ሻውዓይ(7ይ)ሰማይ ናብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ኣቕረቦም’ሞ እግዚኣብሔር ድማ ባረኾም። ኣስዒቡ ናብ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያምን ናብ ኣብ ገነት ዝርከቡ ኩሎም ቅዱሳንን ወሰዶ እሞ ንሶም ውን ባረኽዎም። ብድሕሪ እዚ እቲ መልኣኽ ናብ ሓደ መነኮሳት ዘለውዎ ገዳም ወሲዱ ኣብ ወጻኢ ኣቐመጦም። ናይቲ ገዳም ኣበምኔት ኣባ ዘመደ ብርሃን ምልክት ተነጊርዎም ስለ ዝነበረ ሓቅነቱ ንምርግጋጽ ካብ ገዳማሞ ወጹ እሞ  እንሆ ድማ ኣቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ ገጾም ሓጎስ መሊእዎ ኣብ ኣፍ ደገ ናይቲ ገዳም ረኸብዎም። እንሆ ከኣ ወሲዶም ኩሉ ናይ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ስርዓትን ትምህርተ ወንጌልን ዲቁናን ምሃርዎም። ናብ ኣቡነ ኣብርሃም ዝበሃሉ ጳጳስ ወሲዶም ድማ ማዕርገ ዲቁና ኣውሃብዎም። ብድሕሪ እዚ ሃብቲ ምፍዋስ ተዋህቦም፡ ብሓደ ግዜ ድማ ብዙሓት ሓንካሳትን ዕዉራንን ፈወሱ። ካብ ዕለታት ሓደ መዓልቲ ድማ ቅዱስ ገብርኤል መላኣኽ ብክንፉ ገይሩ ተሰኪሙ ናብ ቅድሚ ጎይታ ኣቕረቦም፡ ጎይታ ድማ በረኾም ብጸሎትካን ብኣማላድነትካን ካብ ሲኦል እተድሕነን ብዙሓት ነፍሳት ስለዘለዋ ካብ ሰብ ተፈሊኻ ሰብ ናብ ዘይብሉ በረኻ ኪድ፡ ናብራኻ ምስ ፷/60 ኣናብስን ፷/60 ኣናብርን ይኹን” ድማ በሎም። “ዘኬድከ ጸበለ እግሪከ ይልሕሱ ወበውእቱ ይጸግቡ. . . . . . . . ጸበል እግሪኻ ልሒሶም ተመጊቦም ይንበሩ” በሎም። በዚ መሰረት ከኣ ናብ ገዳም ኣትዮም ምስ ኣናብርን ኣናብስን ምንባር ጀመሩ። ነቢይ ዳኒኤል ናብ ኣፍ ኣናብስ ኣብ ዝተደርበየሉ ግዜ ኣብቲ ጉድጓድ ዝጸንሑ ኣናብስ  ዋላ ሓንቲ ጉድኣት ከምዘየውረድሉ፡ንኣቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ’ውን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ብዝረኸብዎ ጸጋ ምስ ፷/60 ኣናብስን ፷/60 ኣናብርን ብሰላም ይንበሩ ነበሩ። ንሳቶም ኣይጎድእዎምን፡ ጸበል እግሮም ተመጊቦም ድኣ ነበሩ እምበር። ከምዚ ኢሎም ከኣ ን300 ዓመታት ተቐመጡ።

ብድሕሪ እዚ “ሑር ምድረ ኢትዮጵያ ወበህየኒ ሀለውከ ነፍሳተ ዘታወጽኦሙ” በሎም። ቅዱስ ገብርኤል ብሰረገላ ንፋስ ጽዒኑ ምድረ ከብድ ኣብ ዝበሃል ቦታ ኣብጽሖም። ቀጺሉ ድማ ናብ  ዝቋላ (ደብረ ቅዱስ) ኣብጽሖም። ኣብዚ ኮይኖም ብንጽህና ናይ ህዝቢ ኢትዮጵያ ሓጢኣት ርእዮም ኣብ ባሕሪ ኣትዮም ቁልቁል ኣፎም ተደፊኦም ብርእሶም ኣብ ባሕሪ ቆይሞም ክጽልዩ ጀመሩ፡ ድሕሪ ኣርበዓ ለይትን ኣርብዓ መዓልትን ድማ እግዚኣብሔር “ዘገብረ ተዝካረከ ወዘጸውዐ ስመከ እምሕር ለከ” በሎም። ንሶም ከኣ ኢትዮጵያ ብምልእታ ከይመሓርካለይ ካብዚ ዘለኽዎ ቦታ ኣይወጽእን እየ ኢሎም ን100/፻ ዓመት ዝኣክል ብርእሶም ቆይሞም ጸለዩ። ድሕሪ 100/፻ ዓመት ጎይታ “ተንሥእ ወጻኣ መሐርኩ ለከ ኩሎ ኢትዮጵያ” በሎም እሞ ካብቲ ዝነብርዎ ወጹ።

ብድሕሪ’ዚ ናብ ምድረ ከብድ ወሪዶም ካብ ሰማይ ንታሕቲ ካብ ምድር ንላዕሊ ንሸውዓተ ዓመት ዝኣክል ከም ዝተተኽለ ዓምድ ኮይኖም፡ ዓይኖም ከይከደኑ ንሸውዓተ ዓመት ምሉእ ጸለዩ። ሰይጣን ንመንቀንኘት ስለ ዘይዓርፍ ግና ኳኽ መሲሉ መጺኡ ዓይኖም ኣንቊሩ ኣዕወሮም። ክልተ ሱባኤ ምስ ፈጸሙ ቅዱስ ሚካኤል መጺኡ ኣብ ዓይኖም ኡፍ ኢሉ ኣሕወዮም ከም ቀደሞም ድማ ኮኑ። ብድሕሪ’ዚ  ናብ ዝቋላ ተበገሱ፡ ሥላሴ ብኣምሳል ሰለስተ ኣረጋውያን ኣብ ትሕቲ ጽላል ኣዕሪፎም ጸንሕዎም፡ እንሆ ድማ ብዝፋን ኣምላኽ ንምሕጸነካ ኣለና ሓሓደ ምዕራፍ ተሰከመና በልዎም። ኣቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ ብኣምላኻዊ ፍቕሪ ተደሪኾም ሐራይ ኢሎም ተሰኪሞሞም ተበገሱ፡ እንተኾነ እንዳ ተጓዓዙ ከለዉ ብሓድነትን ብሰለስትነትን ተገልጽሎም እሞ ደንጊጾም ናብ ምድሪ ወደቑ፡ እንሆ ከኣ ኣተንስእዎም ናብ ዝቋላ ድማ በጽሑ።

ኣባ ሳሙኤል ዘዋልድባ፡ ኣባ አንበሴ ዘሐዘሎን ኣባ ብንያም ዘግብጽን ዝናኦም ሰሚዖም ኣናብሶም ኣኸቲሎም ንኽሓትዎም መጹ። ድሕሪ ሸውዓተ መዓልቲ ድማ ተገልጽሎም፡ እንተኾነ ሒዘሞም ዝመጹ ኣናብስ በቶም ናይ ኣቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ ኣናብስ ስለ ዝተበልዑ ሓዚኖም ነበሩ። ኣቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ ግና እንሆ ጎይታ ጸበል እግረይ ልሒስኩም ክትምገቡዶ ኣይኮነን ዝፈቐደልኩም ስጋን ደምን ክትበልዑዶ ተፈቒድልኩም ኢዩ፧ ኢሎም ቀልጢፍኩም ትፍእዎም ክብሉ ነቶም ኣናብስ ኣዘዝዎም። ንሳቶም ከኣ ተፍእዎም ባሪኾም ድማ ኣተንስእዎም ንሳቶም ድማ “ርኢነ መንክረ ኦ ኣባ” እንዳ በሉ ነናብ ቦትኦም ተመልሱ።

 ብድሕሪ እዚ እግዚኣብሔር ናብ ንክርስቶስ ዝኸሓዱ ናብ ምዕራብ ሃገር  ወሰዶም ኣብ ነገስታትን መኳንንትን ዝኣትውሉን ዝወጽእሉን ቦታ ድማ ኣቖሞም። ናይ ኣዕራብ ንጉስ ድማ ብዙሓት ሰራዊትን መኳንንትን፡ ጣዖታቱን ሒዙ ናብቲ ኣቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ ዝነበርዎ ቦታ መጽአ’ሞ እቶም ኣብቶም ጣኦታት ሓዲሮም ዝነበሩ ኣጋንንቲ ፈሪሖም ክሃድሙ ጣኦታቱ ክሰባበሩ ርእዩ ፈርሐ፡ ነቲ ፈትሊ ብዝመስል ጸጉሪ ዝመልአ ሰብነቶም ርእዩ ከኣ ንኣቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ “ንስኻ ሰብ ዲኻ፧” ክብል እንዳ ተገረመ ሓተቶም። “እወ በቲ ሰማይን ምድርን ዝፈጠረ ኢየሱስ ክርስቶስ ዝኣምን ሰብ እየ” በልዎ። ምሊሱ ድማ እቲ ኣረሜን ንጉስ “ኣይሁድ ሰቒሎም ብዝቐተልዎ ወዲ ሰብ ተኣምን ኢኻ” በሎም። ንሶም’ውን “እወ ይኣምን እየ! በቲ ምእንታይ ዝተሰቕለ ክርስቶስ ኣይሓፍርን እየ! ንሱ ምእንቲ ኩላትና እዩ ዝሞተ ንስኻን ሰራዊትካን ብእኡ እመኑ እሞ ናይ ዘለኣለም ሕይወት ክትረኽቡ ኢኹም” በልዎ። ነዚ ዝሰምዐ ንጉስ ብሓዊ ኣቃጽልዎ ክብል ትእዛዝ ኣመሓላለፈ፡ እንተኾነ ዋላ ሓንቲ ክገብሮም ኣይከኣለን ብሰላም ድኣ ካብቲ ሓዊ ወጹ። ነዚ ዝረኣዩ ብዙሓት ወተሃደራት ድማ ኣመኑ። እቲ ንጉስ ምስቶም ዘይኣመኑ ወታሃደራቱ ኮይኑ ነቶም ብክርስቶስ ዝኣመኑ ወታሃደራቱ ብሴፍ ገይሩ ኣራእሶም ክቆርጽ ጀመረ። ንኣቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ’ውን ርእሶም ክቆርጾም ደለየ እሞ ካብ ሰማይ ሓያል መብረቕ መጺኡ ንዕኡን ንሰራዊቱን  ቀተሎም። ንነፍሳቶም መላእኽቲ ጽልመት ክወስድዎም ዝረኣዩ ኣቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ እዚ ኩሉ ዝኾነ ብሰንከይዶ ኣይኮነን፧ ኢሎም ካብ ብርቱዕ ሓዘን ዝተላዕለ ኣእጋሮም ብገመድ ኣሲሮም ንቑልቁል ኣፎም ጠልጠል በሉ። ሕጂ’ውን ሰይጣን ዓቕሉ ስለ ዝጸበቦ ነቲ ተኣሲረምሉ ዝነበሩ ገመድ በተኾ እንተኾነ ቅዱስ ሚካኤል ኣብ ኣየር ከለዉ ተቐበሎም ግደፈኒ ብርእሰይ ይቑም ድማ በልዎ። በዚ ከኣ ን፴/30 ዓመታት ዝኣክል ብብርቱዕ ገድሊ ኣልቀሱ። እግዚኣብሔር ንገድሎምን ልማንኦምን ርእዩ ነቲ ዝለመንዎ ልማኖ ተቐበለሎም፡ ነቶም ሰባት ድማ መሓረሎም።

በዚ ንምስምዑ ዕጹብን ድንቅን ዝኾነ ገድሊ ሓሊፎም እምበኣር ኣብ ምድረ ኣግኣዚ ን262ዓመት ጸኒሖም ኣብ መበል 562 ዕድሚኦም ካብዛ ብስጋ መከራ ዝበዝሓ ዓለም ብሓሙሽተ(5)መጋቢት ብዕለተ ሰንበት ኣዕረፉ።

                    ጸሎትን በረኸትን ናይ ቅዱስ ኣቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ ምስ ኩላትና ይኹን ኣሜን!!!

ስብሃት ለእግዚኣብሔር

ወለወላዲቱ ድንግል

ወለመስቀሉ ክቡር

ኣሜን!!!

Share this:
TwitterFacebook60

March 14, 2014Leave a reply
ነገረ ቅዱሳን
ነገረ ቅዱሳን.

ለካቲት ፰/8—- ልደተ ስምዖን

በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላኽ ኣሜን።

“ወአመ ተፈጸመ ሰሙን ዕለት ወሰድዎ ለሕጻን ከመ ይግዝርዎ፡ ወሰመይዎ ስሞ ኢየሱስ በከመ ሰመዮ መልአክ እምቅድመ ትፅንሶ በከርሣ— ብሻሙናይ መዓልቲ ድማ ነቲ ሕጻን ክገዝርዎ ወሰድዎ፡ ከምቲ ጌና ኣብ ከርሲ ኣዲኡ ከሎ እቲ መልኣኽ ዝሰመዮ ድማ ስሙ ኢየሱስ ኢሎም ሰመይዎ”(ሉቃ፪፡፳፩-፳፪/2፡21-22)።

ንዮሓንስ ወዲ ዓቢ ሊቀ ካህናት ዘካርያስ ስለ ዝኾነ፡ ኣኽቢሮም ክገዝርዎ መጹ ይብል(ሉቃ፩፡፶፱/1፡59)፡ ጎይታናን ኣምላኽናን ኢየሱስ ግና ናብ ዓለም ምምጽኡ ንትሕትና ድኣ እምበር ንልዕልና ስለ ዘይኮነ ክገዝርዎ ወሰድዎ በለ። ሃይማኖት ኣበው፡ “ዝንቱ ውእቱ ዘተገዝረ አመ ሳምንት ዕለት ዝንቱ ዘገዘርዎ በሥርዓተ ሕጻናት፡ እዚ ብሻሙናይ መዓልቲ ዝተገዝረ ከም ሥርዓት ሕጻናት ዝገዘርዎ እዚ ኢዩ” ይብል(ኣትናቲዎስ ሃይ.ኣበው፴፡፳፯/30፡27)። ስንክሳር ግና ኣይተገዝረን ይብል ጥሪ ፮ ንመልክት። እዚ ከመይ ኢዩ እንተተባህለ፡ ገዛሪ ክገዝሮ መላጸ ሒዙ ቀረበ እንተኾነ ቅድሚ ስቕለቱ ደሙ ስለ ዘይፈስስ ብተአምራት ብግብሪ መንፈስ ቅዱስ ግዙር ኮይኑ ተረኽበ። ስለዚ ሃይማኖት ኣበው ተገዝረ በለ፡ ስንክሳር ኣይተገዝረን ማለቱ ድማ ብኢድ ሰብ ስለ ዘይተገዝረ ኢዩ።

“ ወአመ ተፈጸመ መዋዕለ ንጽሖሙ በከመ ሕገ ሙሴ ወሰድዎ ኢየሩሳሌም ያቅምዎ ቅድመ እግዚኣብሔር–ከምቲ ኣብ ሕጊ ሙሴ ዘሎ መዓልታት ምንጽሖም ምስ ኣኸለ ነቲ ሕጻን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ከቕርብዎ ከስግድዎ ናብ ኢየሩሳሌም ወሰድዎ።”  መዓልታት ምንጽሖም ሰለ ዝአኸለ ማለቱ ብልማድ ካልኦት ኣንስቲ ኢዩ(ዘሌ፲፪፡፩-፰/12፡1-8)።  እዚ ከኣ ኣብ ሕጊ እግዚኣብሔር በዂሪ ኮይኑ ዝውለድ ዘበለ ኩሉ ወዲ እግዚኣብሔር ዝተቐደሰ ይበሃል ዝብል ተጻሒፉ ስለ ዝነበረ ኢዩ(ዘጽ፲፫፡፲፩/13፡11)። ክልተ ባሬቶ ወይ ክልተ ጨቓዊት ርግቢ መስዋዕቲ የቕርቡ ተባሂሉ ኣብ ሕጊ እግዚኣብሔር ከም ዝተጻሕፈ መስዋዕቲ ከቕርብሉ ናብ ኢየሩሳሌም ወሰድዎ። ክልተ ባሬቶ ወሲዱ ነታ ሓንቲ ሓሪዱ ኣብ ሸሓኒ ይቕበሎ ነታ ካልኣይቲ ድማ ብሓረግ ኣሲሩ(ጠምጢሙ) ኣብቲ ደም እንዳ ጠምዐ ይነጽገላ ድሕሪኡ ፈቲሑ ናብ በረኻ ይሰዳ(ዘሌ፲፬፡፬-፯/14፡4-7)። እዚ ምሳሌ ዘለዎ ኢዩ፡ እታ ንመስዋዕቲ ዝተሓርደት  ናይ ጽድቂ ናይ ወንጌል ምሳሌ፡ እታ ፈቲሑ ናብ በረኻ ዝሰዳ ናይ ሓጢኣት ናይ ኦሪት ምሳሌ ኢዩ።

“ወሀሎ ፩ዱ ብእሲ በኢየሩሳሌም ዘስሙ ስምዖን ወውእቱ ጻድቅ ወየዋህ፡ ወይሴፎ ይርአይ መድኃኒቶሙ ወፍሥሐሆሙ ለእስራኤል ወመንፈስ ቅዱስ ላዕሌሁ፡ ወአርአዮ መንፈስ ቅዱስ ከመ ኢይመውት ዘእንበለ ይርአይ መሲሖ ለእግዚኣብሔር—- እንሆ ድማ ኣብ ኢየሩሳሌም ስምዖን ዝበሃል ሰብኣይ ነበረ፡ ንሱ ጻድቕን ለዋህን ምጽንናዕ  እስራኤልን ምድሓኖምን  ክርኢ ዝጽበ ሰብ ነበረ፡ መንፈስ ቅዱስ ድማ ሓዲርዎ ነበረ፡ ነቲ መሲሕ እግዚኣብሔር(ክርስቶስ) ከይረኣዮ ከም ዘይመውት ብመንፈስ ቅዱስ ተነጊርዎ ነበረ።”

ታሪኽ፥  በጥሊሞስ ዝበሃል ናይ ጽርእ(ግሪኽ) ንጉስ ነበረ፡ እቲ ንጉስ ንምድሪ እስራኤል ከይተረፈ ብዙሕ ኣህጉር ዝገዝእ ስለ ዝነበረ ብዙሕ ጥበብ ዝርከቦም ፵፮/46 መጻሕፍቲ ከም ዘሎ ተነግሮ እሞ ምስ ጸሓፍቶም ክሰድሉ ኣዘዘ፡ ፵፮/46 መጻሕፍትን ፸/70 ጸሓፍትን ሰደድሉ። ፸/70 ሊቃናት ዝበሃሉ ድማ እዚኣቶም ኢዮም። እዚኣቶም ካብ እብራይስጥ ናብ ጽርእ(ግሪኽ) ተርጒሞም ጸሓፍሉ። ካብዞም ሰብዓ ሊቃናት ሓደ ከኣ ስምዖን ነበረ። ስምዖን መጽሓፍ ትንቢት ኢሳይያስ ክጽሕፍ ከሎ “ናሁ ድንግል ትጸንስ ወትወልድ ወልደ” ዝብል ጥቕሲ ረኸበ እሞ ድንግል ብድንግልና ጠኒሳ ክትወልድ ኢያ ኢለ እንተ ጸሓፍኩ ይትረፍዶ ንጉስ ኣሕዛብ፡ ንጉስ እስራኤል እኳ ኣይቅበለንን ኢዩ ብምባል፡ ነታ ድንግል ዝብል ቃል ፍሒቑ “ወለቶሙ ለእስራኤል ትጸንስ” ኢሉ ጸሓፈ። ኣብ መንጉኡ ትኽስ በለ እሞ፡ መልኣኽ ነቲ “ወለት” ዝብል ፍሒቑ “ድንግል” ዝብል ጸሓፈ፡ ከምዚ እንዳተለወጠ ክሳዕ ሰለስተ ግዜ ጸሓፈ፡ ድሕሪ እዚ እቲ መልኣኽ ነዚ ተጠራጢርካሉ ዘለኻ ትንቢት ተፈጺሙ ክሳዕ እትርኢ ኣይትመውትን ኢኻ በሎ። በዚ ምኽንያት ስምዖን እቲ ትንቢት ብልደት ክርስቶስ ተፈጺሙ ክሳዕ ዝርእዮ ነዊሕ ዘመን ስለ ዝተጸበየ ኣሪጉ ነበረ።

ስምዖን ኣብ ቤት መቕደስ ምስ ተረኽበ ንጎይታናን ኣምላኽናን ኢየሱስ ክርስቶስ ሓቖፎ። ስምዖን ንጎይታ ምስ ሓቖፎ ተሓዲሱ ኢዩ(ተአምረ ኢየሱስ)፤፡ እንሆ ከኣ “ኦ ጎይታይ ደጊም ንባርያኻ ከም ቃልካ ኣፋንዎ ከመይ ኣዒንተይ ነቲ ምድሓንካ ርእየንኦ  ኢየን፡ እዚ ከኣ ኣብ ቅድሚ ኩሉ ሕዝቢ ዘደላኻዮ ድሕነት ኢዩ። ንሱ እቲ ንኣሕዛብ ብርሃን ንሕዝብኻ እስራኤል’ውን ክብሪ ዝገልጽ ኢዩ፤፡”

ቀዳማይ፦ ሕጂ ንባርያኻ ብሰላም ተሰናበቶ

ካልኣይ፦ ሕጂ ንባርያኻ ብሰላም ኣፋንዎ

ቀዳማይ፦ ንእግዚኣብሔር ኣብ ኢዩ፡ ኦ ጎይታ ንመሲሕ ከይረኣኻዮ ኣይክትመውትን ኢኻ ኢልካ ከም ዝኣዘዝካ፡ ኣዒንተይ ነቲ ኣብ ቅድሚ ኩሉ ሕዝብኻ ዘዳለኻዮ ምድሓን ወድኻ ቅድሚ ኩሉ ሕዝብኻ ርእየንኦ ኢየን እሞ ንባርያኻ ብሰላም ኣፋንዎ በለ።

ካልኣይ፦ ንእግዚኣብሔር ወልድ ኢዩ፡ ኦ ጎይታ “መሬት ኢኻ እሞ ናብ መሬት ትምለስ ከም ዝኣዘዝካ ንባርያኻ ብሰላም ኣፋንዎ፡ ከመይ ኣዒንተይ ነቲ ኣብ ቅድሚ ኩሉ ሕዝብኻ ዘዳለኻዮ ምድሓንካ ርኤናኦ ኢየን። ንኣሕዛብ ብርሃን ማለት ትንቢትን ተስፋን ንእስራኤል ሕዝብኻ ድማ ሃይማኖትን ክብሪ ውልድነትን ምእንቲ ክትገልጽ ዘዳለኻዮ ምድሓንካ ርእየን ኢየን።

እዚ ቃል እዚ ምስ ተዛረበ ስምዖን ባረኾምን መረቖምን እንሆ ከኣ ብዛዕባ እቲ ክረኽባ ዘለዎ ሓዘን ንቅድስት ድንግል ማርያም “እንሆ እዚ ሕጻን እዚ ንብዙሓት ካብ እስራኤል ምኽንያት ምውዳቖምን ምትንስኦምን፡ ንዝውቀሰሉን ዝፍረዱሉን ምልክት ክኸውን ዝተመደበ ኢዩ፡ ንዓኺ ከኣ ናይ ብዙሓት ሓሳብ ምእንቲ ክግለጽ ምስ ተሰቕለ ከም ኲናት ልቢ ዝወግእ ሓዘን ክረኽበኪ ኢዩ፡ ናይ ክርስቶስ ሞት ንሰብነት ከም ዝወግእ ኲናት ኢዩ፥፡” ክብል ነቲ ድሒሩ ዝበጽሓ ሓዘን ተዛረበ።

በዚ ዕለት እዚ ኣብ ቤት መቕደስ ብጾምን ጸሎትን ጸኒዓ እትነብር ዝነበረት ሃና እትበሃል ነቢት ጓል ሳሙኤል ድማ በቲ ዝረኣየቶ ነገር ንእግዚኣብሔር ኣመስገነት ነቶም ምድሓን ኢየሩሳሌም ዝጽበዩ ኩሎም ከኣ  ብዛዕብኡ ተዛረበቶም፡ ብድሕሪ እዚ ቅድስት ድንግል ማርያም ንወዳ ንኣምላኽናን ንመድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ሒዛ ናብ ዓዳ ናብ ናዝሬት ናብ ኣውራጃ ገሊላ ተመልሰት።

በዓለ ስምዖን ኣብ መበል ኣርበዓ መዓልቲ ካብ ልደት ጎይታናን ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኢዩ ዝውዕል። በዚ ዕለት እዚ ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝተገልጸ ኣምላኽና ኢየሱስ ክርስቶስ ከምቲ ሕጊ ሙሴ ዝእዝዞ ሕጊ ሙሴ ንምፍጻም ናብ ቤት መቕደስ  ኢየሩሳሌም ዝኸድሉ ዕለት ኢዩ። በዓሉ ናይ ጎይታናን ኣምላኽናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኮይኑ ሓደ ካብቶም ትሽዓተ ናእሽቱ በዓላት ናይ ጎይታ ድማ ኢዩ። ልደተ ስምዖን ተባሂሉ ዝጽውዓሉ ምኽንያት ድማ ከምቲ ኣብ ወንጌል ከምኡ ከኣ ኣብ ናይ ዕለቱ ስንክሳርን ተገሊጹ ዘሎ ስምዖን ኣሪጉ ኣብ ዓራት ተጣቢቑ ሞት ይጽበ ኣብ ዝነበረሉ ግዜ ብመንፈስ ቅዱስ ተሓዲሱ ከም ህጻን ዝኾነሉ፡ በቲ ዝረኣዮን እቲ ተዋሂብዎ ዝነበረ ተስፋ ብምፍጻሙን ንእግዚኣብሔር ዘመስገነሉ ዕለት ብምዃኑ ኢዩ።

ስብሃት ለእግዚኣብሔር

ወለወላዲቱ ድንግል

ወለመስቀሉ ክቡር

ኣሜን።

Share this:
TwitterFacebook25

February 14, 2014Leave a reply
ነገረ ቅዱሳን
ነገረ ቅዱሳን

“ኣቱም ባሮት ልዑል ኣምላኽ ንዑ ናብዚ ውጹ”

           

በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣኃዱ ኣምላኽ ኣሜን። ዘመኑ እስራኤል ካብ ሕጊ ኣምላኽ ወጺኦም ኣብ ትሕቲ ርኽሰትን መገዲ ኣሕዛብን ዝኸድሉ ዝነበሩ ኢዩ። እቶም እግዚኣብሔር                 “ሕዝበይ” እንዳ በለ ዝጸውዖም እስራኤላውያን ንሓድሕዶም ዝነብሮም ፍቕሪ ብምጥፍኦም ብሓደ ምሕደራን ብሓደ ንጉስን ምጉሳይ ገዲፎም ኣብ ክልተ ዝተኸፍልሉ ግዜ ኢዩ ነይሩ። በዚ ዘመን እዚ ኢዩ እምበኣር እቲ ሓያል፡ ናይ እግዚኣብሔር ቅዱስ መልኣኽ፡ መጋቤ ሓድሽ ዝተሰምየ ቅዱስ ገብርኤል ብረድኤት ናብቶም ኣብ እምነቶም ጸኒዖም ንእግዚኣብሔር ኣኽቢሮም ነቲ ጨካን ንጉስ ናቡከደነፆር ብጽንዓቶም ተደኒቑ ነቲ መልኣኹ ልኢኹ ዘድሓኖም ቅዱስ ኣምላኽ ከም ዘመስገን ዝገበረ። ናይ ቅዱስ ገብርኤል ውዕለት ከምቶም ካልኦት ቅዱሳን መላእክት ብሓደ ግዜ ተዘርዚሩ ዝውዳእ ኣይኮነን፡ እንተኾነ ንሎሚ ብዛዕባ እዚ ካብ ቅዱስ እግዚኣብሔር ብዝተዋህቦ ጸጋ ኣብ እቶን ሓዊ ኣትዩ ነቶም ናይ ሃይማኖት ሓርበኛታት ናይ ቅዱስ ስነ ምግባር ኣርኣያ ዝኾኑ ኣናንያ፡ ኣዛርያ፡ ሚሳኤል ዝገበሮ ዘድንቕ ናይ ተራዳእነት ተግባር ክንርኢ ኢና። ቅድሚኡ ግና ኣቐዲምና ስለ ቅዱስ ገብርኤል ካብቲ ብዙሕ ውሑድ ክንጠቅስ። ቅዱስ ገብርኤል ብቐዳምነት ዝጽውዓሉ ኣብቲ ንፈለማ ግዜ ክሕደት ዝተላዕለሉ ዓለመ መላእክት ኢዩ። ቅዱስ እግዚኣብሔር ንቅዱሳን መላእኽቲ በታ ቀዳመይቲ መዓልቲ—-ሰንበት ምስ ፈጠሮም ካብ ኣዒንቶም ተሰወረ። ዲያብሎስ ዝተሰምየ ሳጥናኤል ኣብ ዙርይኡ ጠመተ፡ ንላዕሊ ንታሕቲ ቁሊሕ በለ፡ ሽዑ ነቲ ዝፈጠሮ ኣምላኽ ብዓይኒ ልቦንኡ ከስተብህሎ ስለ ዘይከኣለ ነቶም ምስኡ ዝነበሩ ቅዱሳን መላእክት “ኣነ ኢየ ፈጢረኩም ንዓይ ኣመስግኑ” ክብል ተዛረበ። ነዚ ዝሰምዑ ቅዱሳን መላእኽቲ ብዘረብኡ ኣዝዮም ተገረሙ፡ ገሊኦም ብሓቂ ንሱ ኢዩ ፈጢሩና ኢሎም ኣመንዎ፡ ገሊኦም’ውን ሓሳባቶም ኣብ ክልተ ኾነ ተጠራጠሩ፡ እቲ ሓያል ብርሃናዊ መልኣኽ ቅዱስ ገብርኤል ግና ካብ ማእከል ቅዱሳን መላእኽቲ ብድድ በለ እሞ፡ ዓው ብዝበለ ድምጺ “ንቁም በብህላዌ እስከ ንኣምር አምላክነ” ብምባል ነቶም ብሓሳባት ሳጥናኤል ተሃዊኾም ዝነበሩ ቅዱሳን መላእኽቲ ኣረጋግኦም። ኣብ ሓድሽ ኪዳን’ውን ልዕሊ ማንም መልኣኽ ነገረ ተዋህዶ ዝሰበኸ፡ ንቅድስት ድንግል ማርያም ዘበሰረ ብስራታዊ መልኣኽ ቅዱስ ገብርኤል ኢዩ(ሉቃ፩፡፳፮-፴፰/1፡26-38)። ብዝገበሮ ተራዳእነት፡ ኣማላድነትን ናይ ምድሓን ነገራት ኣብ ብሉይ ኮነ ኣብ ሓድሽ ኪዳን ኣዝዩ ዓቢ ክብሪ ዝሓዘ መልኣኽ ኢዩ። ቅዱስ እግዚኣብሔር ብዝሃቦ ጸጋ ምስጢራት ዝገልጽ፡ ኣብ ሽግር ዘበርትዕ፡ ኣብ መከራ ካብ ሞት ዘናግፍ፡ ድንቂ ዝኾኑ ተኣምራት ዝገብር ሓይል ናይ እግዚኣብሔር መልኣኽ ኢዩ ቅዱስ ገብርኤል(ዳኒ፫፡፳፬-፳፯/3፡24-27, ፰፡፲፭/8፡15, ፱፡፳፩-፳፪/9፡21-22)።

ናብ ኣርእስትና ምልስ እንተ ኢልና፡ ከምቲ ኣብ ላዕሊ ጠቒስናዮ ዘለና፡ እስራኤል ኣብ ርኽሰት ወዲቖም ከለዉ ንኣምላኽ ስለ ዘቖጥዕዎ፡ እግዚኣብሔር ኣምላኽ ድማ ኣብ ትሕቲ ጸላእቶም ክወድቁ በቲ ዝገበርዎ ርኽሰት ክቕጽዑ ንኣሕዛብ ኣሕሊፉ ሃቦም። በቲ ዘመን እቲ ናይ ባቢሎን ንጉስ ዝነበረ ንጉስ ናቡከደነፆር  ሰራዊቱ ኣኽቲቱ  ንቅድስት ሃገር እስራኤል ክወርር ተበገሰ፡ ኣምላኽ ድማ ንብዘሎ ሰብን ንብረትን ናይ ቤተ መቕደስ ከይተረፈ ኣብ ኢዱ ኣሕሊፉ ሃቦ፡ ንብዙሓት እስርኤላውያን ቀቲሉ ንብረቶም ዘሪፉ ማሪኹ ድማ ናብ ዓዱ ናብ ባቢሎን ወሰዶም። እስራኤላውያን ዓዶም ገዲፎም ተሰደዱ፡ ኣብ ቤቶም ሞይቆም ዝነብሩ ዝነብሩ፡ ስርዓተ ኣምልኾ ዝፍጽሙላ ቤተ መቕደስ ገዲፎም ናብታ ብኣምልኾ ጣዖት ዝመልአት ባቢሎን ኣምርሑ። ብስጋዊ ናብራ ኣዝዩ ተረሮም ግፍዒ ኣብ ልዕሊ ግፍዒ ተወሰኾም፡ ስርዓተ ኣምልኾ ተነፊግዎም ብሓይሊ ናብ ጣዖታት ብግንባሮም ተደፊኦም ክሰግዱ ጀመሩ፡ እዞም ስለስተ መንእሰያት ዳኒኤል ዝረብዓዮም ግና ከምኣቶም ኮይኖም ኣይተረኽቡን፡ ኣብ ምድሪ ስደት ኣብ ትሕቲ ምርኮ ከለዉ ንኣምላኽ ኣይከሓዱን ስሙ ንምጽዋዕ ኣይሓፈሩን፡ ንመከራን ንሞት’ውን ኣይፈርሑን፡ ጸንዑ ድኣ።

ንጉስ ናቡከደነፆር ንእስራኤላውያን ድሕሪ ኣብ ባቢሎን  ድሕሪ ምእታዉ ኣሽፈናዝ ዝበሃል ሓለቓ ሽማሙንቱ ጸዊዑ ካብ ደቂ እስራኤል፡ ካብ ዓሌት ንጉስን ካብ ወለዶ ጭዋታትን ሓርዩ መንእሰይ ዝኾነ ከምጽኣሉ ኣዘዞ። እቲ ዝነበረ መምዘኒታት ከኣ፦

vናይ ነገስታት ዘርኢ

vዝኾኑ ምልኩዓት

vኣብ ሰብነቶም ጉድለት ዘይብሎም

vብኹሉ ጥበብ መስተውዓልቲ

vምሁራት(ንሰባት ክምህሩ ዝኽእሉ)

ዝብል ነበረ። ነዚ ኹሉ መምዘኒታት ኣማሊኦም ዝተረኽቡ ድማ እዞም ሰለስተ መንእሰያት ራብዓዮም ድማ ዳኒኤል ነበሩ(ዳኒ፩፡፫-፬/1፡3-4)። እዞም መንእሰያት እዚኣቶም ናይ ባቢሎን ትምህርትን ቋንቋን ክመሃሩ ይደሊ ነበረ። እዚ ከኣ እስራኤላዊ ባህልን ልምድን ገዲፎም፡ ኣእምርኦምን ሓሳባቶምን ብናይ ባቢሎናውያን ምእንቲ ክምላእ ነቲ ዝነበሮም እምነትን ባህልን ክልውጡ ኢዩ። እዚ ከኣ ኣብቲ “ናይ ከለዳውያን ናይ ትምህርቲ ኮለጅ” ብምእታው ክፍጸም ከም ዘለዎ ንጉስ ትእዛዝ ኣመሓላለፈ። እቲ ነዚ መዝነት እዚ ዝተዋህቦ በዓል ስልጣን ነዞም መንእሰያት ናብቲ ናይ ትምህርቲ ቦታ ወሰዶም፡ ነቲ ዝነበረ ኣስማቶም ገዲፉ ድማ ብናይ ዓዱ ባህልን ልምድን ኣስማት ቀየረሎም፡፡

ናይ ቀደም ስም   ትርጉም                   ሓድሽ ስም                          ትርጉም

vዳኒኤል—እግዚኣብሔር ዳኛ ኢዩ——ብልጣሶር(ናይ በዓል ኣገልጋሊ፦ በዓል ናይ ባቢሎናውያን ኣምላኽ ኢሎም ዝኣምንዎ ጣዖት ኢዩ)

vኣናንያ-—- እግዚኣብሔር ርሕሩሕ መሓርን ኢዩ——-ሲድራቅ(ብጸሓይ ኣምላኽ ዝተገለጸ)

vሚሳኤል-— ንእግዚኣብሔር ዝመስል—- ሚሳቅ(ብሻቅ ወገን–ሻቅ ናይ ባቢሎናውያን ናይ ጽባቐን መሬትን ኣምላኽ

vኣዛርያ—–እግዚኣብሔር ይረድኦ ኢዩ——-አብድናጎ(ናይ ኣምላኽ እሳት ኣገልጋሊ ሄጎ ናይ ባቢሎናውያን ናይ ጸሓይ ኣምላኽ ኢያ)።

 እንሆ እቲ ሓለቓ ሽማሙንቲ መንነት እስራኤላውያን ንምቕያር ድሮ ብስም ምውጻእ ኢዩ ጀሚርዎ። ስዒቡ ዝመጸ ኣብቲ ናይ ትምህርቲ ቦታ ኣትዮም ብሓባር ምስቶም ተማሃሮ ክምገቡ ነበረ። እዚኣቶም ንንጉስ ዘገልግሉ፡ ኣብ ዝለዓለ ጽፍሒ ስራሕ ድማ ክሰርሑ ተስፋ ዝተነብረሎም ብምንባሮም መግቦምን መስተኦም ካብቲ ናይ ንጉስ ነበረ፡ እቲ ናይ ምግብና ሓላፊ ድማ እቲ ብንጉስ ዝተኣዘዘ መግቢን ክሰትይዎ ዘለዎም መስተን ነገሮም። እንተኾነ ካብቲ ናይ ንጉስ መግቢ ምብላዕ ካብ መስትኡ ምስታይን ንሰብነቶም ዘርክስ ኮይኑ ስለ ዝተረድኦም እንሆ ብልቦም ካብቲ መግቢ በሊዖም ምእንቲ ከይረኽሱ ብእምነት ኣበዩ። እንሆ ነቲ ሓለቓ ናይ ምግቢ “እንበልዖ ኣሕምልትን እንሰትዮ ማይን ሂብካ፡ ዓሰርተ መዓልቲ  ተዓዘበና፡ ድሓር ንዓናን ነቶም ብልዒ ንጉስ ዝበልዑን ርኣየና፡ ሽዑ ንባሮትካ ከምቲ  ዝመስለካ ግበረና” ክብሉ ብምእነት ተዛረብዎ ከምቲ ዝበልዎ ድማ ኣብ ቅድሚ ኩላቶም ኣዝዮም ጸቢቖምን መልኪዖምን ተረኽቡ(ዳኒ፩፡፰-፲፮/1፡ 8-16)። በዚ ከኣ ኣብ ቅድሚ እቲ ሓለቕኦም ዓቢ ዝኾነ ሞጎስ ካብ ኣምላኽ ስለ ዝረኸቡ ዝተረፈ ግዜኦም ሰለስተ ዓመት ናይ ኮለጅ ዘመን ሓምሊ እንዳ በልዑ ማይ እንዳ ሰተዩ ሓለፍዎ። ኣብ መወዳእታ ከኣ ብጥበቦምን ብትምህርቶምን ካብ ኩሎም እቶም ንሰለስተ ዓመት መመላእታ ምስኣቶም ዝተማህሩ ዝበለጹ ኮይኖም ተረኽቡ።

እዞም መንእሰያት ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ እሙናት ኮይኖም ተረኽቡ፡ ንንጉስ ድማ ኣብ ኩሉ ዕይኡ ከምቲ ዝደልዮ ገይሮም ይሕግዝዎን ኣብ ኩሉ ዕይኦም ድማ ንጡፋትን ብልህታትን ነበሩ። ዝተረፉ እስራኤላውያን ኣብ ኣምልኾ ጣዖት ክዋፈሩ፡ ምስ ኣሕዛብ ክሓብሩ ከለዉ ንሳቶም ግና ከምቲ ሊቀ ነቢያት ሙሴ ጣዕሚ ንጉስ ፎርዖን ገዲፉ ምስ ህዝቡ ብሕጊ ኣምላኽ እንዳ ተመርሐ ምንባር ዝመረጸ፡ ንሳቶም’ውን  ናብራ ኣሕዛብ ኣብ ድሕነት ዘብጽሕ ከም ዘይኮነ ተረዲኦም ብፍጹም እምነት ካብ ኩሉ እቲ ዘርክስ ነገርን ካብ ኣምልኾ ጣዖታትን ተሓለወ።

ናይ ንጉስ መግቢ ስለምንታይ ምብላዕ ኣበዩ፧

vሽሕ እኳ ነቢይ ዳኒኤልን ሰለስተ መንእሰያትን ኣብ ቤት መንግስት ብጽቡቕ ናብራ እንተ ነበሩ ወገናቶም ኣብ ኣዝዩ ጨኳኒ ዝኾነ ሕይወት ከም ዘለዉ ፈሊጦም ኣብቲ ናቶም ናይ ጽዋዕ መከራ ምእንቲ ተሳተፍቲ ክኾኑ ናይ ንጉስ ጥዑም መባልዕ ካብ ምብላዕ ተቐጠቡ፡ ኣይንበልዕን ከኣ በሉ። ነቢይ ነህምያ ዕንወት ኢየሩሳሌምን ናይ ወገናቱ መከራን ኣብ ዝሰምዓሉ ግዜ ንሓያሎ መዓልቲ  እንዳ በኸየ ብሓዘን ተቐመጠ፡ ኣብ ቅድሚ ቅዱስ እግዚኣብሔር ኣምላኽ ድማ ብጾምን ብጸሎትን ነቒሑ ነበረ(ነህ፩፡፬/1፡4)። እዚ ዝገበረሉ ግዜ ግና ኣብ ትሕቲ ናይ ፋርስ ንጉስ ኮይኑ ዘድልዩ ኩሉ እንዳ ረኸበ ከሎ ኢዩ፡ እንተኾነ እቲ ሓቀኛ ናይ ኣምላኽ ሰብ ወገናቱ ክጭነቑ ክጭነቑ፡ ብሓዘኖም’ውን ክሓዝን ስለ ዝግብኦ ነህምያ ከምኡ ገበረ፡ ከመይ  ኣብ ቤት መንግስቲ ምንባር ማለት ዝወደቑን ዝተዋረዱን ምርሳዕ ማለት ስለ ዘይኮነ። ቅዱሳን ናይ እግዚኣብሔር ሓደ ካብቲ ቅዱሳን ተባሂሎም ከም ዝጽውዑ ዝገበሮም እዚ ኢዩ። ስለ ናይ ገዛእ ርእሶም ድሕነት ጥራሕ ዘይኮነ ስለ ናይ ሓጥኣን ድሕነት ክብሉ ዘመን ብምሉኡ ናብ ኣምላኽ ለሚኖም፡ ብጾምን ብጸሎትን ንስግኦም ኣድኪሞም ኢዮም።

vካብቲ ብሓጎስን ብጽጋብን ዝተማሃርዎ ትምህርቲ እቲ ብመከራን ብሕሱም ናብራን ዝተመሃርዎ ዝያዳ ስለ ዝጠቕሞም። መንፈሳዊ ትምህርቲ ብጾምን ብጸሎትን ምስ ዝኸውን ንናይ ስጋ ፈተና ኣድኪሙ ንነብሲ ስንቂ ይኸውን። እንተዘይኮነ ግን  ከም ተራ ትምህርቲ ንፍልጠት እምበር ሕይወት፡ ምጽናዕ እምበር ተግባር ኣይከውንን።

vመከራ ኣብ ዝበሓሉ ጸጋ ኣምላኽ ድማ ይበዝሕ። ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ “ኣብቲ ሓጢኣት ዝበዝሖ ግና ኣብኡ ጸጋ ኣዝዩ ዓበየ”(ሮሜ፭፡፳/5፡20) ኣብቲ ሓጢኣት ዝበዝሖ ማለት ሓጢኣተኛታት ኣብ ዝበዝሕሉ፡ መከራን ስደትን ፈተናን ኣብ ልዕሊ ጻድቃን ኣብ ዝበዝሕሉ ግዜ ማለት ኢዩ። በዞም ሰባት እዚኦም ኣብ ልዕሊ ቅዱሳን ብዙሕ መከራ ይመጽእ፡ በቲ ዝመጸ መከራ ድማ ናይ እግዚኣብሔር ቅዱሳን ብዙሕ ጸጋ ይረኽቡ። ኣቦና ኖህ ላግጽን ጸርፍን ናይቶም ኣብ ኣዝዩ ክፉእ ዝኾነ ርኽሰት ወዲቑ ዝነበሩ ናይ ዘመኑ ሰባት ብሃይማኖት ጸኒዑ ስለ ዝተረኽበ “ጻድቕ” ተባህለ(ዘፍ፮፡፰/6፡8)።

ኣብ ናይ ባቢሎን ቤተ መንግስቲ ዝነበረ መግቢ  ብሕጊ ሙሴ ዘይተፈቕደ ኢዩ። ስለዚ ኢዮም ከኣ እዞም መንእሰያት እዚኣቶም ነቲ ዘይተፈቕደሎም መግቢ ገዲፎም ንዝተፈቐደሎምን ዝተኣዘዘዎን መግቢ ክበልዑ ዝወሰኑ፡ “ቅድም መንግስቲ ኣምላኽን ጽድቁን ድለዩ እዚ ኩሉ ድማ ክውሰኸልኩም ኢዩ” ዝብል ናይ ወንጌል ሕጊ ተግባራዊ ገይሮሞ ሓለፉ(ማቴ፮፡፴፫/6፡33)።

vእዞም ሰለስተ መንእሰያት ዋላ እኳ ኣብ ቤተ መንግስቲ ይንበሩ እምበር ኣብ ትሕቲ ምርኮ ኢዮም። ስለዚ ጣዕሚ መግቢ ናይ ንጉስ ኣብ ምርኮ ምህላዎም ከየረስዖም ሓሰቡ። እስራኤል ኣብ ምርኮ ኣብ ግብጺ ኣብ ዝነበርሉ ግዜ ካብ መቕዘፍቲ ናይቲ መልኣኽ ዝደሓንሉ እንሆ እግዚኣብሔር ከም ዝኣዘዞም ነቲ ተባዕታይ በጊዕ ሓሪዶም ኣብ ልዳቶም ደም ምስ ገበሩ ኢዩ። እንተኾነ ነቲ ስጋ ጥራሕ ብልዕዎ ተባሂሎም ኣይተኣዘዙን እንተኾነ ግን ነቲ ስጋ ምስ መሪር ሓምሊ እምበር(ዘጽ፲፪፡፩-፲፬/12፡1-14)። በጊዕ ናይ ናጽነቶም እቲ መሪር ሓምሊ ድማ ናይ መከራ ዘመኖም ምእንቲ ክዝክሩ ኢዩ ነይሩ። እዞም ስለስተ መንእሰያት’ውን ከምኡ ገበሩ፡ ጣዕሚ ናይ ንጉስ መግቢ ኣበዩ፡ ብእምነት ስለ ዝገበርዎ ከኣ ገለ እኳ ኣይጎዶሎምን።

ስለስተ መንእሰያትን ቅዱስ ገብርኤል መልኣኽ

ሰለስተ መንእሰያትን ቅዱስ ገብርኤልን ዘረኣኸቦም ቅዱስ ገብርኤል ብረድኢት ሰለስተ መንእሰያት ድማ ብእምነቶም ምኽንያት ኣብ ሓዊ ስለ ዝተደርበዩ ኢዩ። እዞም ብእምነቶም ዝተመስከረሎም ኣናንያ፡ ኣዛርያ፡ ሚሳኤል ብኹሉ ኣካይድኦምን ጥበቦምን ዝወዳደሮም ዘይነበረ መንፈሳውያን ሰባት ብምንባሮም እቶም ሹማምንቲ እታ ሃገር ብኣካይድኦምን ምሩኻት ክንሶም ብዝረኸብዎ ልዕልናን ኣዝዮም ቀንእሎም። ንንጉስ ድማ ምስሊ ወርቂ ከዳሉ ነቲ ዘቖሞ ምስሊ ዘይሰገደ ድማ ናብ እቶን  ሓዊ ክድርበ ኣማኸርዎ፡ ንሱ ድማ ከምቲ ዝበልዎ ገበረ ቀልጢፉ ድማ ኣዋጅ ኣመሓላለፈ። ብዙሓት ሰባት ንትእዛዙ ፈሪሖም ክሰግዱ ከለዉ እዞም መንእሰያት ግና “ኦ ንጉስ እቲ እነምልኾ ኣምላኽ ካብቲ ግሁር እቶን ሓዊ ከናግፈና ይኽእል ኢዩ፡ ንሱ ከናግፈና እንተ ዘይፈተወ ንሕናስ ንኣማልኽትኻ ከምዘይነምልኾም፡ ነቲ ዘቖምካዮ ምስሊ’ውን ከምዘይን

Advertisements

Leave a Reply

Fill in your details below or click an icon to log in:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out / Change )

Twitter picture

You are commenting using your Twitter account. Log Out / Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out / Change )

Google+ photo

You are commenting using your Google+ account. Log Out / Change )

Connecting to %s