ኣቡነ ቡጽዕ ኣምላክ

ዜና ትውልዲ “ደብረ ምዕዋን”

  ቅዱስ ኣቦና አቡነ ብፁዕ አምላክ ዜና ትውልዶም “ጉሎ መኸዳ” ካብ ዝተባህሉ ዓሌት እዮም፣ ኣቦኦም ያፍቅረነ እግዚእ ይበሃሉ። ኣዲኦም ከኣ “ዘመደ ማርያም” ይበሃላ። ያፍቅረነ እግዚእን ዘመደ ማርያምን ከም ኣብርሃምን ከም ሣራን። ከም ዘካርያስ ከም ኤልሳጴጥን። ብአምልኾተ እግዚአብሔር ዝፀንዑ። ብቕድስና ዚነብሩ ፈተውቲ ቀዊምን ጾምን ጸሎትን መሥዋዕትን ስግደትን ነበሩ፣

 ካብ ዕለታት ሐደ መዓልቲ ንያፍቅረነ እግዚእ እግዚአብሔር ከምዚ ኢሉ ብሕልሚ ገለጸሉ። “ተንሥእ ንብዙኃት ሰባት ኣብነት ዚኸውን ብትምህርቱ ብትሩፋቱ። ብገድሉ ሕይወት ዝህብ ውሉድ ክትወልድ ኢኻ፣

 

 ንሱ ከም ነቢይ ኤርምያስ። ከም ዮሐንስ መጥምቕን ካብ ከርሢ ኣዲኡ ኂዙ ኅሩይ ስለ ዝኾነ “ብፁዐ” ክትብሎ ኢኻ” በሎ።ብድኅሪዚ አቡነ ብፀዐ አምላክ ተፀንሱ። አቦኦምን ኣዲኦምን ድማ ካብ ትውልዲ ዓሌቶም ንምድረ ጣጥያ መጹ። ኣብኡ  ድማ አቡነ ብፀዐ ኣምላክ ብ ፪መስከረም ፳፭ç፴፮ ዓ-ም- ተወልዱ፣

 ኣብ ወርኃት ሕፃንነቶም እቲ ቅድም ንያፍቅረነ እግዚእ “ብፁዕ ውዲ ክትወልድ ኢኻ።” ኢሉ ነጊርዎ ዝነበረ መንፈስ እግዚአብሔር ከምዚ በሎ።- ከምቲ ቅድሚ ሕጂ ዝነገርኩኻ ብምንኵስና ተፀሚዱ ዓቢይን ቅዱስን ኪኸውን እዩ እሞ ካብ ኣኅዋቱ  ፍለዮ” በሎ፣

ብድኅሪ’ዚ ንያፍቅረነ እግዚእ “ነቲ ሕጻን ናብ ደበረ ቢዘን ገዳም ውሰዶ” ዚብል መንፈስ እግዚአብሔር ነገሮ እሞ አብ ፱ ዓመት ዕድሚኦም ናብ ደብረ ቢዘን ገዳም ብ፳፭ç፵፬ ዓ.ም ወሰድዎም አብኡ ድማ ትምህርተ ሃይማኖት ቅዱሳት መጻሕፍትን ተማህሩ። ካብ ጥንቲ መንፈስ ቅዱስ ዝኃረዮም ስለ ዝነበሩ ብሕጻንነቶም ተኣምራትን መንክራትን ኣርኣዩ፣

 

 ኣቐድም ኣቢሉ ግን። ያፍቅረነ እግዚእ ካብ ምድረ ጣጥያ ናብ ገዳም ደብረ ቢዘን ኂዝዎም ክኸይድ ከሎ ኣብ “ፋሉቄ” ዓደርዓዳ ናይ መነኮሳይያት ገዳም ደብረ ቢዘን ነበረ። አብኡ ምስ በጽሑ እተን መነኮሳይያት ንቅዱስ አቡነ ብፁዐ አምላክ ነቲ ሕፃንነቶም ዝዓሰሎም ግርማ መንፈስ ቅዱስ ተረዲኤን። “ብፁዕ ዘመሀሮ” ኢለን ሰመያኦም፣

 

ካብኡ ተላዒሎም ደብረ ቢዘን በጽሑ። በቲ ግዜ እቲ አቡነ ሠረቀ ብርሃን ናይ ደብረ ቢዘን ገዳም አበ ምኔት ነበሩ። ሥድራ ኣቡነ ብፁዐ አምላክ ማለት ኣቦኦምን ኣኅዋቶምን ንአኦም ኂዞም ናብኦም ቀረቡ። በቲ ጸጋ መንፈስ ቅዱስ ዝኃደሮም ርእዮም ብኢዶም እናመልከቱ “እቲ ኅሩይ ወድኻ” እዚ ድዩ ኢሎም ባዕሎም ተረዲኦም ስሙ “ብፁዐ አምላክ” ይበሃል ኢሎም ባረኸዎም፣

ዜና ገድሊ

 ቅዱስ አቡነ ብፁዐ አምላክ ብትሕትናን ብርድእናን። ማለት ዕንፀይቲ ብስባርን ማይ ብምቕዳሕን  ንአበው መነኮሳት ገዳም ደብረ ቢዘን ኬገልግሉ ከለ’። መጻሕፍቲ ብምንባብን። ሰዓታት ምቛምን ።ብጸሎትን ብሰጊድን ድማ ንእግዚአብሔር ኣሥመርዎ፣

   ኣብዚ እዋን’ዚ በበይኑ ዝኾነ ዓበይቲ ተኣምራትን መንክራትን አርኣዩ። በዚ ኵነታት’ዚ ከኣ እቶም ናይ ደብረ ቢዘን ገዳም አበው መነኮሳት በቲ ዝረአዩሎም ጸጋ መንፈስ ቅዱስ ኣድኒቖም። ነዚ “ምንኩስና ኣስኬማ መላእኽት” ይግብኦ እዩ በሉ። ሽዑ ወዲ ፳፪ ዓመት ነበሩ እሞ አብ ፳፭ç፶ ዓ.ም ካብ አቡነ ጴጥሮስ ፭ይ ወሎዶ ወዲ አቡነ ፊልጶስ “ኣስኬማ ዘመላእክት መዓርገ ምንኵስና” ተቐበሉ፣

  ብድኅሪ ፳፰ ዓመት ማለት ኣብ መበል ፴፮ ዓመት ዕድሜኦም ብ፳፭ç፷ ዓ.ም አብ ገዳም ደብረ ቢዘን ምቕማጦም ካብ አቡነ ይስሓቅ ግብጻዊ አብ “ዳምባ ደቡብ መርዓገ ዲቁናን ክህነትን” ተቐበሉ፣ ኣብ ገዳም ደብረ ቢዘን ድኅሪ ፪ ዓመት ብዙኅ ገድልን ትሩፋትን ኪገብሩ ጸኒሖም።- ብ፳፭ç፷፬ ዓ.ም አብ መበል ፴፱ ዕድሜኦም ናይ መነኮሳት ገድልን ብፅዕናን ንምቕሳም ድማ ናብ ገዳም “ደብረ ዳሞ” ከዱ። አብኡ ፮ ዓመት ናይ መነኮሳት ገድል ተግባርን እድን ፈሊጦም አብ መበል ፵፪ ዓመት ዕድሜኦም ብ፳፭ç፱፯ ዓ.ም ናብ ደብረ ኰዳዱ “ጽልማ” ተመሊሶም ኣብዚ ቦታ’ዚ ን፵ “ሠላሳ” ዓመት ብጽኑዕ ገድልን ጾምን ጸሎትን ትሕርምትን እናገበሩ ንሕዝቢ ድማ ወንጌል እናመሃሩ። ንሕሙማን እናፈወሱ ንእግዚአብሔር ምስ ኣሥመርዎ አጋእዝተ ዓለም ሥላሴ ኣብዚ ቦታ’ዚ ተገልጽሎም፣

ብ፳፭ç፻፯ ዓ.ም አብ መወዳእታ። ዓጽሞም ዝዓርፈሉ ናብ ምድሪ እገላ ኣውራጃ አከለ ጉዛይ “ደብረ ምዕዋን” አብ ዝተባህለ ቦታ። እዚ ሎሚ ብስሞም ዝተገደመ ዓቢይ ገዳም መጹ። ናብኡ ኪኣት’ ብዙኅ ፀብዐ ኣጋንንትን በበይኑ ዕንቅፋትን እኳ እንተ ገጠሞም። በቲ ካብ ፈጣሪኦም ዝተዋህቦም ጸጋ መንፈስ ቅዱስ ነዚ ማኅደረ ኣጋንንቲ ኮይኑ ዝጸንሔ ቦታ ማኅደረ ቅዱሳን ገበርዎ፣

 

  ኣብኡ ድማ ገዳሞም ተኺሎም። ማኅበር ኣቝሞም ብዙኅ ተኣምራትን ትሩፋትን እናገበሩ ከለ’ ኣብ ሰብዓን ሓሙሽተን (፹፮)  ዓመት ዕድሚኦም ብ፲ ግንቦት ፳፮ç ዓ.ም ዓረፉ። እንሆ ድማ ካብ ቅዱስ ኣቡነ ብፁዐ አምላክ ክሳብ ክቡር መምህር ኃይለማርያም ተስፋ ሥላሴ ፻፯ (ተስዓን ሽዱሽተን) አበምኔታት ብዝተሾሙ ብ፳፲ç፺፪ ዓ.ም እዚ ዜና ገድሎም እዚ ኣብ መበል ፴፮ አበምኔታት ተኃቲሙ፣ 

Advertisements

Leave a Reply

Fill in your details below or click an icon to log in:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out / Change )

Twitter picture

You are commenting using your Twitter account. Log Out / Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out / Change )

Google+ photo

You are commenting using your Google+ account. Log Out / Change )

Connecting to %s