ስለ ድንግል ማርያም ሕቶታት

ስለ ድንግል ማርያም ሕቶታት

Monday, 20 October 2014
“ንጽሕና ድንግል ማርያም ንምቅዋም ብዘመናውያን መናፍቓን ዝቐረቡ 10 ነጥብታትን መልስታቶምን”
በስመአብ ወወልደ ወመንፈስ ቅዱስ ፩ዱ አምላክ አሜን!!!

“ንጽሕና ድንግል ማርያም ንምቅዋም ብዘመናውያን መናፍቓን ዝቐረቡ 10 ነጥብታትን መልስታቶምን” (ብመጋቤ ሐዲስ ሮዳስ ታደሰ ካብ ዝተዳለወት መጽሓፍ ዝተረኽበ) ትርጉም ብሓውና Weldeab Gebremeskel
1ይ ተቓውሞ “ድንግል ማርያም ኣዳማዊ ኃጢአት የብላን ዝብል ትምህርቲ ቀዳሞት ሊቃውንቲ ናይ ቤተ ክርስቲያን ኣይመሃርዎን” ይብሉ።

መልሲ፤ ነዚ ዘሕፍር ቃል እዚ ዝዛረቡ ወገናት ታሪኽ ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያን ፈጺሞም ኣይፈልጡን እዮም ማለት እዩ፡ ወይ ድማ ሊቃውንቲ ቤተ ክርስቲያን እንታይ ከም ዝመሃሩ ኣየንበቡን እምበር ቀዳሞት ሊቃውንቲ ቤተ ክርስቲያን ካብ 2ይ ክፍለ ዘመን ክሳብ እዚ ሒዝናዮ ዘለና 21 ክፍለ ዘመን ንጽሕናኣ ካብ ምንጋር ዓዲ ኣይወዓሉን። ከምቲ ቅዱስ ዳዊት ኵሉ ሰብ ኣዴና ጽዮን ክብል እዩ ዝበሎ ንሳ ውን ካብ ሕጂ ጀሚሮም ኵሎም ወለዶ ብጽእቲ ክብሉኒ እዮም ከም ዝበለት “ብጽእቲ ንጽሕቲ ቅድስቲ ክብርቲ ልዕልቲ እንዳ ተባህለት ጸኒሐ ኣላን በዚ ምስጋናኣ እዚ ድማ ክትቅጽል እያ። ንሕጂ እምበኣር ቀዳሞት ሊቃውንቲ ቤተ ክርስቲያን ብዛዕባ ንጽሕናኣ እንታይ ኢሎም ከም ዝመሃሩ ብውሑዱ ንከታተል።
ቅዱስ ኣትናቴዎስ
1.(,,,,,,ንጹሕን ዘይተተንከየን ድንግል,,,,, ኦ ዝኸበርክን ዝተደነቕክን ድንግል ንስኺ ብሓቂ ካብ ማንም ናይ ካልእ ዕብይት ዝበለጽኪ ኢኺ። ናይ እግዚኣብሔር መሕደሪ ምስ ዝኾንኪ ምሳኺ ብማዕርነት ዝወዳደር መን ኢዩ? ኦ ድንግል ካብ ኩሉ ፍጥረታት ንዓኺ ምስ መን ክንጻጽረኪ ኢየ? ኦ ብቃል ኪዳን ልዕሊ ኩሉ ዝኾንኪ ኣብ ክንዲ ወርቂ ንጽሕና ዝተጎናጸፍኪ ንስኺ ሓቅኛ መና ዝሓዘት ናይ ወርቂ መሶብ ኢኺ እዚ ውን መለኮት ዝተውሐዶ ስጋ ኢዩ) ቅዱስ ኣትናቴዎስ 295-375 ዓ።ም
ቅዱስ ቴዎዶጦስ

2. ኦ ሰላምታ ዝግበኣኪ ምልእተ ጸጋ ጎይታ ምሳኺ ኢዩ ንስኺ ዝተባረኽኪ ኢኺ ካብ ኩለን ኣንስቲ ዝጸብቕኪ ኣዚኺ ዝተቐደስኪ ኢኺ እግዚኣብሔር ምሳኪ ኢዩ። ኦ ካብ ኩሉ ንላዕሊ ቅድስቲ ዝኾንኪ ክብርቲ ኦጎይታ ምሳኺ ዝኾነ ውዳሴ ዝተገብኣኪ ተወዳዳሪ የብልክን፡ ኦ ካብ ምጎስ ንላዕሊ ዝኾንኪ ኦ ኩሉ ዝመለኣልኪ እግዚኣብሔር ዘኽበረኪ ምስጋና ይግበኣኪ። ናይ እግዚኣብሔር መሕደሪ መለኮት ዝሓለወኪ ዝተንከባኸበኪ ሃብቲ ኢኺ፡ ኣባኺ ኣብውሽጢ ሃጢኣት ምጽናስ ወይ ኣብ ውሽጢ ሃጢኣት ምውላድ ብፍጹም ኣይእውጅን ኢየ። ኣብ ክንዲ`ዚ ናይ ሔዋን ሓዘን ንኽብቅዕ ዝገበሮ ደስታ ኣምጺአ ኣለኹ እምበር። ኣባኺ ናይ መከራ ጽንስን ወይ ሕማመ ወሊድ ኣይእውጅን,,,,,, ንጽሕት ድንግል ነውሪ ዘይብላ ብዘይነቐፋ ዝኾነት ማንም ዘይተንከፋ ሕጸጽ ዘይርከባ ብስጋን ብነፍስን ቅድስት ኣብ ማእከል እሾኽ ከም ዝበቖለት ዕምበባ ኢያ። ናይ ሔዋን ክፋኣት ዘይትፈልጥ ናይ ደቂ ኣንስትዮ ጠባይ ዘይተራእያ ቅድሚ ምጽናሳ ንፈጣሪ ዝተፈልየት ናይ ቤተ መቕደሰ ጋሻ ናየ ሕጊ ደቀ መዝሙር ዝኾነት መንፈስ ቅዱስ ዝተቐብአት ናይ መለኮት ጸጋ ከም ክዳን ዝለበሰት` ቅዱስ ቴዎዶጦስ (303ዓም)
(ቀዱሰ ጼጲፋንዮስ)

3. ቅድስት ድንግል ማርያም ኣብ ቅድሚ ሰብን እግዚኣብሔርን ብሓቂ ክብርቲ ኢያ፡ ነቲ ሰማይን ምድርን ክስከምዎ ዘይካሉ ንዓኡ ዝተሸከመት ናታ ዕቤታ ስለ ምንታይ ዘይንእውጅ?,,,,,ንጎይታ ዘኽብር ኩሉ ንጎየታ ዝተቐደሰ መሕደሪኡ የኽብር። መሕደሪኡ ዘየኽብር (ዝቃልል) ጎይታኡ የቃልል (ኣየኽብርን) ንሳ ድንግል ዝተቐደሰ መሕደሪኡ ኢያ። (ቀዱሰ ጼጲፋንዮስ 310-403)
(ቅዱስ ኤፍሬም 306-373)
4. ናይ ማርያም ሰውነት ኣብ ልዕሊ ምድሪ መቕደስ ኢዩ። ኣብኡ ብሃጢኣት ብሞት ኣብ ክንዲ ናይ ምድሪ መርገም ናይ በረኽት ርዘኢ ዝተዘርኣላ ናይ እግዚኣብሔር መልእኽተኛ ብሰላምታኡ ነዚ ዘርኢ ክዘርእ እንከሎ ናይ ኤልሳቤጥ ሰላምታ ነዚ ኣረጋገጸ,,,,, ንስኻን ኣዴኻን ጥራይ ብማንም ዓይነት ነገር ንጹሓት ኢኹም። ኦ ጎይታ ኣባኻ ምንም (ንቅዕ) የለን፡ ኣብ ውሽጢ ኣዴኻ ውን ማንም ምልክት የለን (ቅዱስ ኤፍሬም 306-373)
(ቅዱስ ጎርጎርዮስ ዘእንዚናዙ)

5 (ቅዱስ ኣምብሮስ) 330-397)

6. ብሓቂ ንሳ ጥራይ ማንም ክረኽቦ ዘይከኣለ ጸጋ ስለ ዝረኸበት ምልእተ ጸጋ ትበሃል። ማርያም ድንግል ዘይረኸሰት ጥራይ ዘይኮነት ክብራ ፈጺሙ ዘይጠሓስን ካብ ማንም ዓይነት ሃጢኣት ዝነጽሐትን ኢያ,,,,,,ካብ ኣደ ኣምላኽ ዝበልጽ እንታይ ዓቢ ነገር ኣሎ? በቲ ክቡረ ባዕሉ ካብ ምምራጽ ዝዓቢ እነታይ ዓቢ ነገር ክህሉ ይኽእል? ናብ ናይ ማንም ሰብ ኣካል ከይበጽሐት ካብ ዝጸነሰት ካብኣ ንላኦሊ እንታይ ንጽሕና ኣሎ? (ቅዱስ ኣምብሮስ) 330-397)

(ቅዱስ ጂሮም 347-420)

7. (ቅዱስ ቄርሎስ 376-444)

8. ሰላምታ ዝተገባኪ ማርያም ናይ ኣምላኽ ኣደ ድንግልን ኣደን ብርሃን ዝተሰከምኪ ዘይተበዝበዘት ንዋይ (ልሕኲት) ሰላምታ ዝተገባኪ ማርያም ካብ ዓለም ምሉእ ኣዚኺ ከብርቲ ፍጥረት ንስኺ ኢኺ፤ ሰላምታ ዝግባኪ ማርያም ንጽህት ርግቢት ዘይትውዳእ ዘይትጥፍእ ፋና ካባኺ ወን ናይ ጸሓይ ጸደቂ ዝተወለደ,,,,,እነሆ ብፍጹም መንፈሳዊ ቅንኣት ብኣደ ኣምላኽ ድንግልን ኣደን ብዝኾነት ማርያም ተጋቢዞም ዝተኣክቡ ናይ ቅዱሳን ጉባኤ እርኢ ኣለኹ,,,,, ንሕና ውን ሰላም ንብለኪ፡ኦ ኣደ እግዚኣብሔር ዝኾንኪ ማርያም ዝተኸበርኪ ናይ መልእ ዓለም ቅርሲ ዝዘይትጠፍኢ ፋና ናይ ድንግልና ዘውዲ ናይታ ቅንዕቲ እምነት (ኦርቶዶክስ)ምርኩስ በትሪ ዘይትፈርሲ መቐደስ ነቲ ማንም ክሕዞ ክሽከሞ ዘይክእል ንዕኡ ዝሓዝኪ ኢኺ (ቅዱስ ቄርሎስ 376-444)

ቅዱስ ጋረዳ ኣባ ጊዮርጊስ ዝጋስጫ 1336-1417

9. < አኮ ብዙሃን መናፍስት ዘይቀድሃ ብዙሃት ሃብታተ እግዚኣብሔረ ወመክፈልተ ስናያት ኣላ እም ኣሕዱ መንፈስ ውእቱኬ ጰራቀሊጦስ ዝዓቀባ ለድንግል እም ከርሰ እማ ከመ ኢትጌጊ ለዓለም ኣንጽሓ ከመ ኢትርሳሕ ቀደሳ ከሙ ኢትርኮስ ወረሰያ ታቦተ ለወልድ ዋሕድ አብ ሰምራ ወልድ ተሰገው እምኔሃ ወመንፈስ ቅዱስ ከለላ ፣ብዙሓት ዝኾኑ ናይ እግዚኣብሔር ሃብተታትን ጽቡቓት ትዕድልትታትን ካብ ሓደ መንፈስ ቅዱስ ድኣ እምበር ካብ ብዙሓት ምናፍስቲ ኣይኮኑን ዝቕድሑ ኣይኮኑነ፣ ንሱ ውን ንዘልዓለም ንኽይትብድል ካብ ማህጸን ኣዲኣ ጅሚሩ ድንግል ማርያም ዝዓቀባ ጴራቅሊጦስ ኢዩ። ንኸይትረስሕ ኣንጽሓ ንኸይትረክስ ቀደሳ ንሓደ ወዲ እግዚኣብሔር መሕደሪ ገበራ ኣብ ፈተዋ ወልድ ክብኣ ሰጋን ነፍስን ወሰደ መንፈስ ቅዱስ ጋረዳ ኣባ ጊዮርጊስ ዝጋስጫ 1336-1417

ቅዱስ ያዕቆብ ዘሥሩግ

10. ናይ መንፈስ ቅዱስ እንዚራ ዝተባህለ ቅዱስ ያዕቆብ ዘሥሩግ ውን ካብ መርገመ ሥጋ ካብ መርገመ ነፍሲ ዝተፈልየት ምልእተ ጸጋ ከም ዝኾነት ክትንትን እንከሎ (………….እዚ ኣብኣ ዝተፈጸመ ነገራት ብርተዐ ስለ ዝሃበኒ ብዛዕባ እቲ ዘይሓልፍ ጽባቔኣ (ውህበታ) ነዞም ነገራት እዚኦም ክዛረብ ክኢለ ኣለኹ። ንሳ ንወዲ እግዚኣብሔር ኣዲኡ ብምዃና ምኽንያት ኣብዚ ምድሪ ፍጽምቲ ዝኾነት እንኮ ሰበይቲ ንሳ ከም ዘዝኾነት ርእየ ብምልኣት ኣሚነ ኣለኹ። ነቲ ጽቡቕ ካብ ሕማቕ ፈልያ ካብ ዝፈለጠትሉ ጊዜ ጀሚሩ ንሳ ብንጽሕና ልብን ብሓቀኛ ሓሳብን ጸኒዓ ቆይማ ኢያ። ኣብ ውሽጢ ሕጊ ካብ ዘሎ ጽድቂ ውን ገጻ ኣይመለሰትን። ምድራውን ሥጋውን ነገር ብምድላይ (ብምምናይ) ውን ኣይተሰናኸለትን። ካብ ሕጻንነታ ጀሚሮም ናይ ቅድስና ባህርያት ኣብ ውሽጣ ነበሩ። እናዓበየት ኣብ ዝኸደትሉ ውን ነዚኣቶም ብጥንቃቐ ኣጥቢቓ ኣብዝሓቶም። ኣምላኻ ኵሉ ጊዜ ኣብ ቅድሚ ኣዒንታ ነበረ። ብኡኡ ንኽበርሃላን ብኡኡ ደስ ንኽብላን ኣዒንታ ካብኡ ኣይኣለየትን። ንሱ ውን ንጽሕናኣን ናይ ነፍሳ ንጽሕናን ስለ ዝረኣየ ዋላ ሓንቲ ክፍኣት (ክፉእ ነገር) ስለ ዘይነበራ ኣብኣ ንኽሓድር ፈተወ። ከምኣ ዝኣመሰለት ሓንቲ ሰበይቲ ተራእያ ስለ ዘይትፈልጥ ልዕሊ ኵሉ ስራሕ ዝኾነ ዓብን ኣደናቕን ዝኾነ ስራሕ ኣብኣ ተስርሐ። ካብ ማእከል ኵለን ኣንስቲ ሓንቲ ጐርዞ ተደልየት፡ ካብ ኵለን ንላዕሊ ዝጸበቐት ብምዃና ተመረጸት፡ ቅዱስ ኣብ ንወዱ መሕደሪ እትኸውን ከዳልወሉ ደለየ፡ እንተኾነ ግን ንሱ ስለ ዝመረጻ ጥራይ ኣዲኡ ንኽትከውን ኣይፈቐደን፡ ብውሽጣን ብዙርያኣን ብዝተሰወረ (ውበት) ጽባቐ ዝተመልአት ጐርዞ ከምኡ ውን ኣብኣ ንዝተኸሰቲ ምሥጢራት ንኽትርኢ ዘኽኣላ ናይ ልቢ ንጽሕና ዝነበራ ሓንቲ ጐርዞ ፈትያን ፈቒዳን ጽባቐ ክህልዋ እንከሎ እዚ ኢዩ ሓቀኛ መልክዕ፡ ፍጹምነታ ብፍቓዳ ኮይኑ ናይ ሓደ ካብ እግዚአብሔር ዝኾነ ነገር ጽባቐ ማዕረ ክንደይ ዝኣክል ዓቢ እኳ እንተኾነ፡ ነጻ ዝኾነ ውልቃዊ ፍቓድ ኣብ ውሽጡ እንተዘየለ ምስጉንነት የብሉን። ፀሓይ ጽብቕቲ እኳ እንተኾነት ዝርእይዋ ግን ኣየመስግንዋን ኢዮም፡ ምኽንያቱ ብርሃን እትህብ ፈትያ ፈቒዳ ከም ዘይኮነት ስለ ዝፍለት ኢዩ። ብገዛእ ፍቓዱን ብድሌቱን ጽቡቕ ዝኮነን ጽባቐ ዘለዎን ኵሉ ብሓቂ ጽቡቕ ክሳብ ዝኾነ ካብዚ ዝተላዕለ ጥራኢ ንሱ ብሓቂ ምስጉን ኢዩ። እግዚአብሔር ዝፈትዎ ጽባቐ ብገዛእ ፍቓድካ ዝኾነ ጽባቐ ኢዩ…………………እነሆ ታሪኻ እንዛረበላ ዘለና ድንግል ሠናይ ፍቓድ ስለ ዝነበራ ደስ እተብልን ዘዝተመርጸትን ኮነት። ሰብ ካብ ዝኾነት ጓል ኣንስተይቲ ንሱ ሰብ ኮይኑ መጽአ፡ ደስ ተብል ስለ ዝነበረት ካብኣ ንኽመጽእ ንዓኣ መረጻ፡ ናቱ ግርማ ካብ ኵሎም አእቶም ካብ ሰብ ዝውለዱ ዓቢ ስለ ዝኾነ ኣዲኡ ናኢ ዝኾነት ናይ ማርያም መልክዕ ኣዝዩ ዝተወደሰ ይኸውን። ደስ እተብልን ንዕኡ ምርጽቲ ዝኾነት ካብ ትሕትናኣ ካብ ንጽሕናኣ ካብ ቅንዕናኣን ሠናይ ፍቓዳን ዝተላዕለ ኢዩ። ካብኣ ንላእሊ ደስ ዘበለቶ ካልእ እንተትኸውን ኔራ ንካልእ ምመረጸ ኔሩ፡ ንሱ ቅኑዕ ፈራድን ትኽክለኛን ስለ ዝኾነ ኣምላክ ግለ ሰባት ፈልዩ ኣየኽብርን። (2ዜና 19፡7 ግ’ሐ 10፡34) ሓንቲ እንከን ወይ ጕድለት ኣብ ነፍሳ ተረኺቡ እንተ ዘዝኸውን ኔሩ ካልእ እንከን ዘይብል ኣደ ንዕኡ ምደለየ ኔሩ። እዚ ካብ ኵሉ መልክዕ ዝዓበየ መልክዕ ብሠናይ ፍቓዳ ጥራይ ዝረኸበቶ ኢዩ። ካብዚ ዝተላዕለ ኵሉ ግርምትን ክብርትን ብዝኾነት ብኣኣ ክድነቕ ናይ ግድን ኢዩ። ኣምላኽ ውን ኣዲኡ ንኽትከውን ንኽመርጻ ዝገበሮ ንሳ ኣዝያ ደስ እተብል ስለ ዝነበረት ኢዩ። ንተፈጥሮ ብዝተዋህቦ መልክዕ መጠን ልክዕ ንሳ ደስ እተብል ነበረት፡ እንተ ኾነ ግን ነዚ ደረጃ ዝበቕዐት ብፍቓዳ ጥራይ ኣይነበረን፡ ንሳ ንሰብ ዝከኣሎ ዘበለ ጻዕሪ ገበረት ኣምላኽ ካብኣ ምውጽኡ ምውላዱ ግን ናታ ሥራሕ ኣነበረን፡ ንሳ ብቕንዕናኣ ናብ ኣምላኽ ብዝተጸግዐት መጠን፡ ካብ ድሌት ነፍሳ ዝተላዕላ ንሱ ድማ ብምሕረቱ ናብኣ ተጸግዐ፡ እንተኾነ ግን ኣምላኽ ሥጋ ለቢሱ ካብኣ ምውላዱ እዚ ናቱ ጸጋ (ምሕረት) ኢዩ። ከምዚ ምሕረቱ ንዝበዝሐ ምስጋና ይብጽሓዮ። ናይ እመቤትና ማርያም መልክዕ ካብ መጠን ዝሓለፈ ኢዩ። ምኽንያቱ ካብኣ እትበልጽ ኣብ ኵሉ ዓለም ኣይተረኽበትን። ብድሕሪ’ዚ ንዕኡ ዝግባእ ንኣምላኽ ንሃብ ጸጋኡ ብዘይ መጠን ኣብ ፍጥረታቱ ስለ ዘዝነበ ኵሎም ዘመናት ንዕኡ ዘይበቕዑ ብሉየ መዋዕል ዝኾነ ወልድ ንዕኡ ንፍለጦ፡ ካብ ማእከል ኵለን ኣንስቲ እንከን ዘይተረኽበላ እመቤትና ማርያም ዘንጽሀ(ያበጃትን) ንረድኣዮ።

ቀዳሞት መናፍቓን ኣብ ንጽሕና ቅድስት ድንግል ማርያም ዝነበሮም ዘደንቕ እምነት
እቲ ኣብዛ ምድሪ ብዙሕ ናይ ስሕተት ትምህርቲ ዝዘርአ ኣብ 1483-1546 ዝነበረ ናይ ፕሮቴስታንት መሥራቲ ማርቲን ሉተር ውን ድንግል ማርያም ኣቐዲማ ካብ ጥንተ ኣብሶ ነጻ ምዃና ኣብ ስብከቱ ኣብ መጽሓፉ ክገልጽ እንከሎ “It is a sweet and pious belief that the infusion of mary’s soul was effected without original sin………(ናይ ማርያም ነፍሲ ምስ ሥጋኣ ኣብ ዝተወዋሃደትሉ ጊዜ ካብ ኃጢኣት ፍጹም ዝነጽሐትን ጥንተ ኣብሶ ዘይብላ ብጸጋ እግዚኣብሔር ዘጋየጸት ንጽሕት ነፍሲ ኮይና ኢያ ምስ አግዚአብሔር ዝተወሃሃደት፡ ንጽሕት ነፍሲ ተቐቢላ ኔራ በዚ ውን ድንግል ምንባር ካብ ዝጀመረትሉ ጊዜ (ከፅንሰታ) ጀሚራ ካብ ኵሉ ኃጢኣት ዝነጽሐት ኮነት ነዚ ምእማን ምቁር ኢዩ……ማርያም ናይ ብሓቂ ኣዲኡ ኢያ ንሱ ውን ናይ ብሓቂ ወዳ ኢዩ፡ ስለ’ዚ ሰብነታ ንባህሪኡ ዝሰማማዕ ናይ ኣደነት ተራኡ ተዋጺኡ ኢዩ። እንተ ኾነ ግን ክትወልዶ እንከላ ብዘይ ኃጢኣት ስለ ዝኾነ ክትወልዶ እንከላ ውን ብዘይ ጻዕሪ ብዘይ ሕማም ብዘይ ምፍታሕ ማህጸን ኢዩ። እግዚአብሔር “ብጻዕርን ቅልውላውን” ክትወልዲ ኢኺ ኢሉ ዝተዛረቦ መርገም ንዓኣ ኣይተንከፋን (ዘፍ 3፡17) ብምባል ብግልጺ ምሂሩን ጽሒፉን ኔሩ (Sermon on the Day of the Conception of Mary, Mother of God, 1527)፡፡

ብተወሳኺ ውን (ብ1921-1996 ዓ.ም) ዝነበረ ናይ ካልቪኒስት እምነት ኣብ ዓለም ብምስፍሕፋሕ ዝፍለጥ ናይ ካቶሊክ ካህን ዝነበረ ማክስ ቱሪያን (Max Thurian) ኣብ መጽሓፉ ልክዕ ከም ሉተር ንሱ ውን ነቲ ፈጺሙ ክክሓድ ዘይክእል ናይ ድንግል ማርያም ንጽሕና ክኽሕድ ኣይፈተነን፡ ነዚ ክገልጽ እንከሎ ““As far as [Mary] is concerned, according to the Gospel,…” ( ብዛዕባ ማርያም ከም ናይ ወንጌል ኣዘራርባ ንሳ ናይ ጸጋ ምልኣቱ መርኣይት ኢያ። ከምኡ ውን ኣዲኡ ኣቐዲማ ዝተሓሰበት (ዕድፍን) ርስሓት ዘይትፈልጥ ናይ ቤተ ክርስቲያን ውን ምሳሌ ጌሩ መሪጽዋ ኢዩ፡ እዚ ሓሳብ ብዛዕባ ማርያም ክንብል እንኽእሎ እንኽእል ንዅሉ ዝገልጸልና ኢዩ፡ እዚ ማለት ብሓደ ወገን ማርያም ኃጢኣት ክም ዘለዋ ንምዝራብ ዝደፋፈሩን ብኻልእ መንገዲ ድማ ንሳ ከብ ናይ ደቂ ሰብ ባሕርይ ፍጹም ዝተፈልየት ከም ዝኾነት ዝዛረቡን ወሲኽካ ኣፎም ዘዕጹ ኢዩ። ጸጋ ዝተመልአት ጓል ጽዮን ሥጋ ናይ ዝተወሓደ ኣምላኽ ኣደ ናይ ኣዴና ቤተ ክርስቲያን ምሳሌ ዝኾነት ድንግል ማርያም ቅድሰት ኢያ። ኢሉ ምሂሩ ኢዩ ((Mary, Mother of All Christians, page 204 [endnote], and page v 24, 25, from the chapter "Full of Grace")፡፡
ኡልሪች እዝቪንጊሊም ድማ ንጽሕቲ ምዃና ኣብ ዝጸሓፎ መጽሓፍ ክገልጽ እንከሎ “He who was about to remove our sins but not to make all men holy” (ኵሉ ሰብ ቅዱስ ንምግባር ዘይኮነ ኃጢኣትና ንኸወግደልና ዘለዎ ንሱ ባዕሉ ቅዱስ ክኸውን ኣለዎ፡ ስለ’ዚ እግዚአብሔር ነዲኡ ቀደሳ ምኽንያቱ ቅዱስ ውላድ ከምኡ ቅድስት ዝኾነት ኣደ ክትህልዎ ስለ ዝግባእ። ኵሉ ጊዜ ድንግል ዝኾነት ናይ ድኅነትና ኣደ ማርያም ብዝምልከት ክብሪ ዘኽልእ (የሚያጎድፍ) ዘርስሕ ወይ ክፍኣት ዝመልኦ ሓሳብ ሃሲበ ይኹን ብወግዒ ተዛሪበ ኣይፈልጥን ኢየ፡ ሕጂ ውን ኣይሓስብን ኢየ እዚ ተጠራጠርትን ዕሙቕ ዘዝበለ ፍልጠት ዘይብሎም ክርስቲያን ብዛዕባ ኣደ ኣምላኽ ብዝምልከት ዘለኒ ንጹር መርገጺ ንምርኣይ ብቑዕ ከም ዝኾነ ተስፋ ይገብር፡ ብመሠረት ቅዱስ ወንጌል ብምሉእ ልበይ እዚኣ ንጽሕት ድንግል ወዲ ኣምላኽ ከም ዝወለደትልናን ብልደት ይኹን ብድሕሪኡ ንዘልዓለም ንጽሕትን ዘይረኸሰትን ከም ዝኾነት እኣምን ኢየ) ብምባል ድንግልናኣን ንጽሕናኣን ብሰፊሑ ገሊጹ ነበረ።
ኣብ 16 ክፍለ ዘመን ዘዝነበሩ ሪፎረመርስ (ፕሮቴስታንት) ንባዕሎም ቅድስት ድንግል ማርአም ካብ ጥንተ ኣብሶ ንጽሕት ምዃና ገሊጾም ኔሮም። (ብ1504-1575) ናይ ዝዊንግሊ ተኸታሊ ዝነበረ ሄንሪች ቡሊንገር ብዛዕባ’ዚ ክገልጽ እንከሎ “What pre-eminence in the eyes of God the Virgin Mary…” (ምስ ካልኦት ቅዱሳን ንምንጽጻር እትኸብድን ኣዝአ ልዕሊ ኵሎም ክትከውን ዝግበኣን ናይ ድንግል ማርያም ንጽሕናኣ እምነታ ቅድስናኣ ካብ ጕድፍ (ርስሐት) ዝነጽሀት ምዃናን ጽቡቐ ጠባያን ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር ዓቢ ኢዩ……ካብ ልደታ ጀሚራ ንጽሕት ዝነበረት ናይ ንጽሕት ቡራኬ ዝተቐበለት… ኣደ ኣምላኽ ናይ መንፈስ ቅዱስ መቕደስ ኣካላ ንጹሕን ኃጢአት ኣልባ ዝኾነ ናኢ ድንግል ማርያም ዝተቐደሰ ሰብነታ ብመላእኽቲ ናብ ሰማይ ከም ዝዓረገ ንኣምን ኢና) ብምባል ገሊጹ ኔሩ።(Heinrich Bullinger, cited in Thurian, page 89, 197, 198)፡፡
ኣብ ሃገረ ፈረንሳ እምነቱ ካብ ዘስፋሕፍሑ ሰባት ኣዝዩ ዝተፈልጠ ካብ 1595-1669 ዓ.ም ዝነበረ ቻርለስ ድሬሊንኮት ውን “We do not simply believe that God…” (እግዚአብሔር ንድንግል ማርያም ካብ ኣቦታትን ካብ ነብያትን ንለዕሊ ከም ዝመረጻን ከም ዝባረኻን ጥራይ ዘይኮነ ካብ ሱራፌል ንላዕሊ ውን ልዕል ልዕል ከም ዘበላን ንኣምን ኢና፡ መላእኽቲ ንወዲ እግዚኣብሔር ኣገልገልቱን ናይ ኢዱ ሥራሃት ፍጥሩን ኢዮም፡ ድንግል ማርያም ግን ኣገልጋሊቱ ጥራኢ ዘይኮነት ናይ’ዚ ሕያው ኣምላኽ ኣዲኡ ኢያ) ናት) ክብል ጽሒሑ ኔሩ። (Charles Drelincourt (1595-1669), cited in Thurian, page 89)
ሎሚ ድማ ብዘገርም መልክዑ ናይቲ እምነት ተኸተልቲ ኃጢኣት ኣለዋ ንጽህት ኣይኮነትን ድንግል ኣይኮነትን እናበሉ ምዝራቦም ምናልባት ብ 16 ክፍለ ዘመን ነዚ እምነት ዝመሥረትሎም ሰባት ዝመሃርዎ ትምህርቲ እኳ ኣየንበብዎን? ወይ’ስ ፈጺሞም ኣይፈልጥዎን ድዮም ኮይኖም? ወይስ ከምቲ ሐዋርያ ዝበሎ “ ናይቲ ንመሕደሪኡ ክጸርፍ ኣፉ ከፈተ ዝተባህለ ገበል ትምህርቲ ንምስፍሕፋህ ኢየ? (ራእ ዮሐ 13፡4-6) እቲ ምልሲ ዝኾነ ይኹን ንስሓ ኣትዮም ነዛ ቕንዕቲ እምነት ተኸቲሎም ንኽጐዓዙ ናኢዚ መጽሓፍ ኣዳላዊ ምክሪ ኢዩ።
bietesaida at 11:51
Share

No comments:
Post a Comment


Home
View web version

bietesaida
View my complete profile
Powered by Blogger.

Share this:
TwitterFacebookGoogle

Related
ሞት ብጥሪ ብነሓሰ ቀብሪ
ነገረ ማርያም
ጉባኤ ኤፌሶን
January 19, 2015Leave a reply
« Previous
Next »
Leave a Reply
Your email address will not be published. Required fields are marked *
Name *
Email *
Website
Comment

Notify me of new comments via email.

Recent Posts

ክርስቶስ ሳምራ
መጻጉዕ
ውቲ ዘፍርህ ኣጎልጉሎት
ትቃወምቲ ታሃድሶ
ስለ ድንግል ማርያም ሕቶታት
Recent Comments

Archives

January 2015
Categories

Uncategorized
Meta

Register
Log in
Entries RSS
Comments RSS
WordPress.com
View Full Site

Blog at WordPress.com.

Now Available! Download WordPress for Android

Advertisements

Leave a Reply

Fill in your details below or click an icon to log in:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out / Change )

Twitter picture

You are commenting using your Twitter account. Log Out / Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out / Change )

Google+ photo

You are commenting using your Google+ account. Log Out / Change )

Connecting to %s