ሰንበት

      በስመኣብ ወወልድ ወመንፈስቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን

ሰንበት፡ ሳብዐይቲ መዓልቲ ሰሙን! “መዓልቲ ሰንበት ክትቅድሳ ዘክር።”

ኦሪት ዘፍጥረት2:1-3 “ከምኡ ሰማይን ምድርን ኵሉ ሰራዊቶምን ተፈጸሙ። ኣምላኽ ከኣ ነቲ ዝገበሮ ግብሩ በታ ሳብዐይቲ መዓልቲ ፈጸሞ፡ ብሳብዓይቲ መዓልቲ ድማ ኻብቲ ዝገበሮ ዅሉ ግብሩ ዐረፈ። ኣምላኽ ከኣ ኻብቲ ዝፈጠሮን ዝገበሮን ኵሉ ግብሩ ብእኣ ስለ ዝዐረፈ፡ ነታ ሳብዐይቲ መዓልቲ ባረኻን ቀደሳን።”
ሓቀኛ ሳብዐይቲ መዓልቲ ሰሙን ኣየነይቲ እያ፧ ቀዳም’ዶ ወይስ እዛ ሎሚ ብጌጋ ሰንበት እንብላ መዓልቲ እያ? ታሪኽ: ብዓቢኡ ኸኣ ቃል ኣምላኽ ብዛዕባዚ እንታይ ይብል፧  
ስለምንታይ ህዝብናን ዝበዝሕ ሕዝቢ ዓለምን ኣብ ክንዲ ነታ ሓቀኛ ሰንበት ኣምላኽ: ንቀዳመይቲ መዓልቲ ሰሙን ከም ሰንበት ገይሩ ዘብዕላ ዝገልጽ ሓጺር ታሪኽ;
ኣብ መጀመርታ ናይ 16 ክፍለ ዘመን ናይ ምስልምና መንግስቲ ኣዳል ንክርስትና ኢትዮጵያ ኣጥቕዖ። እዚ ቅዱስ ውግእ ተባሂሉ ዝፍለጥ ናይ ጅሃድ ሓይሊ ምስልምና: ኣብ ትሕቲ ኦቶማን ቱርኪ እዩ ዝነበረ። ሓይሊ ኢትዮጵያ እናተዳኸመ ምስ ከደ: መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ 1541 ድ.ል.ክ ካብ ፖርቱጋል ደገፍ ሓተተ። ኣብዚ ግዜዚ ወተሃደራት ፖርቱጋል “ምድሓን ንክርስትያናት ኢትዮጵያ” ብዝብል ተልእኾ መጹ። እዚ ውግእ; ንፖርቱጋላውያን ውን ዋጋ ዝኸፈለ እዩ ነይሩ። ኣብ 1543 ድ.ል.ክ ፖርቱጋላውያን ንሓይሊ ምስልምና ኣጥፍእዎ። ግናኸ ፖርቱጋል ንናይ ካቶሊክ እምነት ንምስፍሕፋሕ ጀሱኢት ዝበሃሉ ሚስዮናውያን (Jesuit missionaries) ሰደዱ። ኣብዚ ግዜዚ ናይ ኢትዮጵያ ተዋህዶ ነታ ሓቀኛ ሰንበት ኣምላኽ (ሳብዐይቲ መዓልቲ ሰሙን): ግናኸ ሎሚ ብጌጋ ቀዳም ተባሂላ ትጽዋዕ ዘላ እዮም ዝሕልዉዋ ዝነበሩ። እዞም ሚስዮናውያን ፖርቱጋል እምበኣር ኣብ ክንዲ ነታ ሓቀኛ ሰንበት ኣምላኽ ንቐዳመይቲ መዓልቲ ሰሙን ከም ሰንበት ክትክበር ናይ ሓሶት ትምህርቲ ከስፋሕፍሑ ጀመሩ። ኢትዮጵያውያን ነዚ ክቅበልዎ ኣይፈተዉን። ግናኸ እቲ ኣብቲ እዋን ዝነበረ ሃጸይ ኢትዮጵያ ንናይ ፖርቱጋል እምነት ብምድጋፍ ብዙሕ ንጹህ ደም ክሳዕ ዝፈስስ ኮነ። ብዙሓት ክርስትያናት ዋላ’ውን ካብ ሓረስቶት ከይተረፉ ነታ ሓቀኛ ሰንበት ኣምላኽ ንኸየርክሱ መታን ስለ ስም ኣምላኽ ሞቱን ተሰየፉን። ሎሚ እምበኣር ኣብ ክንዲ ንሳብዐይቲ መዓልቲ ሰሙን (ቀዳም): ህዝብና ኮነ ዝበዝሕ ሕዝቢ ዓለም ንቀዳመይቲ መዓልቲ ሰሙን (እሁድ) እዩ ከም ሰንበት ገይሩ ዘብዕላ። ሰይጣን ንሓይሊ ጳጳስ ብምጥቃም ካብ ነዊሕ እዋን ብፍላይ ከኣ ካብ 538 ድ.ል.ክ ጀሚሩ ነታ ቅድስቲ መዓልቲ ሰንበት ክልውጥን ከጥቕዕን ጀመረ። ብኸምዚ እምበኣር እዩ ሎሚ ኣብ ኩሉ ዓለም ዝበዝሕ ሰብ ኣብ ናይ ሓሶት እምነትን ናይ ሰይጣን መጻወድያን ኣትዩ ዝርከብ። ግናኸ ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ; “ንሓቂ ኽትፈልጥዋ ኢኹም፡ እታ ሓቂ ድማ ሓራ ኸተውጽኣኩም እያ።” ወንጌል ዮሃንስ8:32።
ግናኸ ሰንበት ክንድዚ ኣገዳስነት ዘለዋ ስለምንታይ እያ? ኢልና ንሓስብ ንኸውን! ካብ መጀመርታ ዘመን ኮነ ኣብዚ መወዳእታ ዘመን’ዚ ንህዝቢ ኣምላኽ ካብ ካልኦት ህዝብታት እታ እንኮ ምልክት መፍለይት ዝኾነት ትእዛዝ: ትእዛዝ ሰንበት እያ። ብዛዕባዚ’ኸ ቃል ኣምላኽ እንታይ ይብል? ኣቀዲምና ግና ሰንበት ምስተን 10 ትእዛዛት ዝተዋህበት ትእዛዝ ከም ዝኾነት ክንርዳእ ጽቡቅ እዩ። እምበኣር 10 ትእዛዛት እንታይ እየን? 10 ትእዛዛት ንባህሪ ኣምላኽ ይገልጻ ። ባህሪ ኣምላኽ ድማ ኩሉ ግዜ ፍቅሪ እዩ። የሱስ ድማ ኣብ ወንጌል ዮሃንስ 14:15 “እተፍቅሩኒ እንተ ዄንኩምሲ፡ ትእዛዛተይ ሐልዉ” ብምባል ፍቅሪ ንትእዛዛት ኣምላኽ ብምሕላው ከም እትግለጽ ኣርኣየና። ስለዚ ከምቲ ኣምላኽን ፍቅሩን ዘይልወጥ ዝኾነ 10 ትእዛዛት ፈጺመን ዘይልወጣ እየን። ንሳተን ሰብ ኣብ ሓጢኣት ቕድሚ ምውዳቁ ዝነበራን ከምኡ ውን ንዘለኣለም ዝነብራን እየን። ኦሪት ዘጸአት 32:16 “እተን ጽላት ድማ ስራሕ እግዚኣብሄር ነበራ፡ ኣብተን ጽላት እተቐርጸ ጽሕፈት ከኣ፡ ጽሕፈት እግዚኣብሄር እዩ” ይብል። እምበኣር እዘን ትእዛዛት ብኢድ እግዚኣብሄር ዝተጻሕፋ እየን። ኣምላኽ መጀመርታ ንሙሴ ምስ ሃቦ ደቂ እስራኤል ኣብ ሓጢኣት ስለ ዝወደቁ ሙሴ ነተን ትእዛዛት ሰበረን። ሙሴ በዚ ሓጢኣት ኣይገበረን። ደቂ እስራኤል ካብ ኣምላኽ ከም ዝዓለዉን ንትእዛዛቱ ድማ ከም ዘፍረሱን እዩ ኣርእይዎም። ግናኸ ኣምላኽ ኣብ ኦሪት ዘጸአት 34:1 ከምዚ በሎ;- “እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ፡ ንኣኻ ከምተን ቀዳሞት ዝበላ ኽልተ ጽላት እምኒ ጽረብ፡ ኣብተን ዝሰበርካየን ቀዳሞት ጽላት ዝነበረ ቓላት ከኣ ኣነ ኣብዘን ጽላት እዚአን ክጽሕፎ እየ።” ኣምላኽ ንሙሴ ነዘን ትእዛዛት ጸሓፈን ኣይበሎን። ክጽሕፈን ውን ኣየፍቀደሉን። እምበኣር ኣምላኽ ደጊሙ ባዕሉ ብምጽሓፉ: ከምቲ ኣምላኽ ዘይልወጥ ዝኾነ 10 ትእዛዛት ፈጺመን ዘይልወጣ ከምዝኾና ኣርእዩና ኣሎ።
ሰንበት ድማ ሓንቲ ካብአን እያ። ኣምላኽ ፈጣሪ ኩሉን ኣብ ልዕሊ ኩሉ ፍጥረት ዝመልኽ ከም ዝኾነን ድማ ትሕብረና። ሹድሽተ መዓልቲ ሰሪሕና ብመዓልቲ ሰንበት ክንዓርፍ ከሎና ኣምላኽ ዝገበሮን ዝፈጠሮን ንዝክርን ነስተንትንን። ከምኡውን መዓልታዊ እኳ ምስኡ ግዜ ነሕልፍ እንተኾና: ካብ ኩሉ ካልእ ስራሕናን መጽናዕትናን ተፈሊና ምስኡን ምስ ኩሎም ደቁን ፍሉይ ሕብረት ክህልወና እዚ ጸጋ እዚ ሃበና። ስለዚ ብፍሉይ መጽናዕቲ ቃል ኣምላኽን ጸሎትን ምስኡ ግዜ ከነሕልፍ ካብ ኩለን መዓልታት ሰሙን ሓንቲ መዓልቲ ጥራይ ንዕኡ ፈለየ።
ትእዛዝ ሰንበት ምስተን 10 ትእዛዛት:ኣብ ከረን ሲና ተዋህበት። ኦሪት ዘጸአት 20:8-11፣ “መዓልቲ ሰንበት ክትቅድሳ ዘክር። ሹድሽተ መዓልቲ ዕየ፡ ተግባርካ ዅሉ ግበር። እታ ሳብዐይቲ መዓልቲ ግና ናይ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ሰንበት እያ። ብእኣ ንስኻን ወድኻን ጓልካን ግዙእካን ግዝእትኻን ማልካን ኣብ ውሽጢ ደጌታትካ ዚነብር ስደተኛን ገለ እኳ ዕዮ ኣይትዕየ። እግዚኣብሄር ብሹድሽተ መዓልቲ ሰማይን ምድርን ባሕርን ኣባታቶም ዘሎ ዅሉን ገይሩ እዩ እሞ፡ ብሳብዐይቲ መዓልቲ ከኣ ዐረፈ። ስለዚ እግዚኣብሄር ንመዓልቲ ሰንበት ባረኻን ቀደሳን።” ይብል። 
ከምኡ ድማ ኣብ መንጎ ህዝቢ ኣምላኽን ካልእ ህዝብን መፍለይት: መለለይት: ትእምርቲ ወይ ምልክት ከምዝኾነት ቃል ኣምላኽ ይነግረና።
ኦሪት ዘጸአት 31:17 “እግዚኣብሄር ብሹድሽተ መዓልቲ ሰማይን ምድርን ገበረ፡ ብሳብዐይቲ መዓልቲ ድማ ዐሪፉ ኣተንፊሱ እዩ እሞ፡ ንሳ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎ ደቂ እስራኤልን ናይ ዘለኣለም መፈለጥታ እያ። ኣብ ከረን ሲና ምስ ሙሴ ተዛሪቡ ምስ ወድኤ፡ ክልተ ጽላት ምስክር፡ በጻብዕ እግዚኣብሄር እተጻሕፈ ጽላት እምኒ ሀቦ።”
ትንቢት ህዝቅኤል 20:12,20 “ኣብ ርእሲ እዚ ኸኣ እቲ ዚቕድሶም ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ኪፈልጡስ፣ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኦምን ትእምርቲ ምእንቲ ኪዀና ኢለ፣ ሰናብተይ ሀብክዎም። ንሰናብተይ ቀድሱ፣ ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ምዃነይ ክትፈልጡስ፣ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኹምን ትእምርቲ ኪዀና እየን።”
ኣብዚ ናይ መወዳእታ ዘመንዚ እቶም ንኣምላኽ ብሓቂ ዘፍቅርዎን ንካልኣይ ምጽኣቱ ዝጽበዩን: እቶም ንትእዛዛቱ ዝሕልዉን ዘኽብርዎን ምኻኖም ራእይ ዮሃንስ 14:12 ይነግረና; “እቶም ንትእዛዛት ኣምላኽን ንእምነት የሱስን ዚሕልዉ ቅዱሳት ከኣ፡ ትዕግስቶም ኣብዚ እዩ ዘሎ፡ በለ።”
የሱስ ክርስቶስ ሰማይን ምድርን ዝፈጠረ ኣምላኽ ባዕሉ ንመዓልቲ ሰንበት ብምሕላው ምልክት ሃበና። ኣብ ወንጌል ሉቃስ 4:16; “ናብታ ዝዓበየላ፡ ናብ ናዝሬት ድማ መጸ፡ ብመዓልቲ ሰንበት ከኣ ከምቲ ልማዱ ናብ ቤት ጸሎት ኣተወ፡ ኬንብብውን ተንስኤ” ይብል። ስለዚ ፈጣሪ ባዕሉ ናብ ቤት ጸሎት ብመዓልቲ ሰንበት ናይ ምኻድ ልማድ ከምዝነበሮ እምበኣር ርኢና ኣሎና። ከምኡ ውን ብዛዕባ ናይ መወዳእታ ዘመንን ምልክት ምጽኣቱን ክዛረበና ከሎ ኣገዳስነት ሰንበት ዓቢ ከምዝኾነ ከምዚ ብምባል ገለጸልና; ወንጌል ማቴዎስ 24:20,21; “ሽዑ መከራ ኪኸውን እዩ፡ ከምኡ ዝበለ ኻብ መጀመርታ ዓለም ክሳዕ ሎሚ ዘይኰነ፡ ከቶ ድማ ዘይከውን እዩ እሞ፡ እቲ ምህዳምኩም ብኽረምቲ ወይ ብሰንበት ከይከውንሲ ለምኑ።”
ኩሎም ደቀ መዛሙርትን ሃዋርያትን ንሰንበት ይሕልዉዋ ከምዝነበሩ ኣብ ቃል ኣምላኽ ነንብብ። ንኣብነት: የሱስ ኣብ ሳድሰይቲ መዓልቲ ምስ ሞተ ከምዚ ዝስዕብ ነንብብ; ሉቃስ 23:54-56; “መዓልቲ ምድላው፡ ድሮ ሰንበት ነበረት። እተን ካብ ገሊላ ምስኡ ዝመጻ ኣንስቲ ድማ ስዒበን፡ መቓብሩን ስጋኡ ከኣ ኸመይ ከም እተነብረን ረኣያ። ተመሊሰን ከኣ ሽቱን ቅዱይ ቅብእን ኣዳለዋ። ግናኸ ከምቲ ትእዛዝ ሕጊ ብሰንበት ዓረፋ።”
ብዛዕባ ሃዋርያ ጳውሎስ’ከ ቃል ኣምላኽ እንታይ ይብል? ግብሪ ሃዋሪያት17:2; “ጳውሎስ ከኣ ከምቲ ልማዱ ናባታቶም ኣትዩ፡ ሰለስተ ሰንበት ብጽሑፋት ምሳታቶም ተዛራረበ።” ጳውሎስ እምበኣር ከም የሱስ ልማድ ከም ዝነበሮ ንርኢ ኣሎና። እዚ ልማድ ከኣ ንኣምላኽ ናይ ምምላኽ ልማድ እዩ ዝነበረ። ግብሪ  ሃዋሪያት 13:42,44 ድማ “ንሳቶም ኪወጹ ኸለዉ ኸኣ፡ በታ እትመጽእ ሰንበትውን እዚ ቓላትዚ ኺነግርዎም ለመንዎም። በታ እትስዕብ ሰንበት ከኣ ዳርጋ ዂላ እታ ኸተማ ቓል ኣምላኽ ክትሰምዕ ተኣከበት።” ንዓይን ንዓኻትኩምን’ከ ቃል ኣምላኽ እንታይ ይብለና? 1ይ ጢሞቴዎስ 4:8,9; “እቲ ስጋዊ ምልማድ ንቕሩብ ነገር እዩ ዚጠቅም፡ ኣምልኾ ግና ንዅሉ ይጠቅም፡ ነዛ ሕጂ ዘላ ህይወት እዚኣን ነታ እትመጽእን ከኣ ተስፋ አለዎ። እዚ ቓልዚ እሙን እዩ፡ ምቕባሉውን ብዅሉ ግቡእ እዩ።” ስለዚ ሓቀኛ ኣምልኾ’ዶ ክንለማመድ ኣይምደለናን?

ትንሳኤ የሱስ ብቀዳመይቲ መዓልቲ ሰሙን’ዶ ወላስ ብሰንበት እዩ ዝነበረ?
ኣብ ወንጌል ማርቆስ 16:9; “በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ሰሙን ንግሆ ምስ ተንስኤ፡ ነታ ሾብዓተ ኣጋንንቲ ዘውጽኣላ ማርያም ብዓልቲ መግደላ ቅድም ተራእያ” ይብል። ስለዚ የሱስ ክርስቶስ ኣብ ሳድሰይቲ መዓልቲ (ዓርቢ) ሞይቱ: ብሳብዐይቲ መዓልቲ(ሰንበት) ኣብ መቃብር ዓሪፉ ውዒሉ: ብቀዳመይቲ መዓልቲ ሰሙን (እሁድ- ግናኸ ሎሚ ብጌጋ ሰንበት ትበሃል ዘላ)ድማ ተንስኤ።
ኣብ እብራውያን 4:9-11,4 ድማ; “እምብኣርሲ እቲ ኣብ ዕረፍቱ ዝኣተወስ፡ ከምቲ ኣምላኽ ካብ ግብሩ ዝዓረፈ፡ ንሱውን ካብ ግብሩ ዓሪፉ አሎ እሞ፡ ንህዝቢ ኣምላኽ ዕረፍቲ ሰንበት ተሪፋትሎም ኣላ። ስለዚ ሓደ እኳ ናይቲ ዘይምእዛዝ ኣርኣያ ወሲዱ ኸይወድቕ፡ ናብታ ዕረፍቲ እቲኣ ክንኣቱ ንጋደል።” ፍቅዲ 4 ድማ; “ብዛዕባ እታ ሳብዐይቲ መዓልቲ፡ ኣብ ገለ ስፍራ ኸምኡ፡ ኣምላኽ ድማ ካብ ኵሉ እቲ ግብሩ በታ ሳብዐይቲ መዓልቲ ዓረፈ፡ ኢሉ አሎ።”

ሰንበት መዓስ ተዋህበት?
ሰብ ኣብ ሓጢኣት ቅድሚ ምእታዉ ወይ ምውዳቁ ኣምላኽ ንሰንበት ከምዝባረኻን ከምዝቀደሳን ኣብ ኦሪት ዘፍጥረት 2:1-3 ይነግረና; “ከምኡ ሰማይን ምድርን ኵሉ ሰራዊቶምን ተፈጸሙ። ኣምላኽ ከኣ ነቲ ዝገበሮ ግብሩ በታ ሳብዐይቲ መዓልቲ ፈጸሞ፡ ብሳብዐይቲ መዓልቲ ድማ ኻብቲ ዝገበሮ ዅሉ ግብሩ ዐረፈ። ኣምላኽ ከኣ ኻብቲ ዝፈጠሮን ዝገበሮን ኵሉ ግብሩ ብእኣ ስለ ዝዐረፈ፡ ነታ ሳብዐይቲ መዓልቲ ባረኻን ቀደሳን።”
ስለዚ እምበኣር ሰብ ኣብ ሓጢኣት ከይወደቐ ከሎ ሰንበት ኣገዳስነት ካብ ነበራ: ኣብ ሓጢኣት ምስኣተወ ደኣ ክንደይ ዝዓዘዘ ኣገዳስነት ዘይህልዋ? ብሰንኪ ሓጢኣት ተስፋ ስኢንናሉ ኣብ ዘሎና ዘመን ምስ ኣምላኽ ሎሚ ኣብ መዓልቲ ሰንበት ግዜ ብምሕላፍ’ዶ ዕረፍቲ ክንረክብ ኣይምደለናን?
   ስብሃት ለእግዚኣቢሄር
   ወለወላዲቱ ድንግል
   ወለመስቀሉ ክቡር
  ኣሜን

Advertisements

Leave a Reply

Fill in your details below or click an icon to log in:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out / Change )

Twitter picture

You are commenting using your Twitter account. Log Out / Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out / Change )

Google+ photo

You are commenting using your Google+ account. Log Out / Change )

Connecting to %s