Monthly Archives: March 2015

ኪዳነ ምህረት

HOME
TEACHING
ABOUT ME
PHOTO GALLERY
VIDEOS
LITERATURE
MEMBERS

Teaching
« Back to Teaching« Older Entry | Newer Entry »
kidanemhret
Posted by million.isaac on August 9, 2013 at 11:35 AM
 
†   ኪዳነ ምህረት   †
በስመኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን። 
ኪዳነ ምህረት ማለት፡ናይ ምሕረት ኪዳን ማለት እዩ።
ኪዳን ማለት ምምሓል፡ዉዕል ምእታዉ፡ምስምማዕ ማለት እዩ።ስለዚ ኪዳነ ምህረት ክንብል ከለና ድማ ናይ ምሕረት ኪዳን፡ዉዕል ስምምዕ ማለት እዩ።ልዑል እግዚኣብሄር ኣምላኽና ንብዙሓት ካብ ቅዱሳኑ ቃል ኪዳን ኣትይሎምን ይኣትወሎም አሎን ፡ንዝመጽእ ዉን እንተኾነ ሕጉ ንዝሓለዉን ንሱ ዝኣዘዞም ብምፍጻም ንዘስምርዎን ክሳብ እለተ ምጽኣት ኪዳኑ ኣይቋረጽን እዩ። ካብ ዝኣተዎ ኪዳን ድማ ከይፈጸሞ ዝተረፈን ዝሓለፈን ግዚያት ዉን የለዋን።ስለዚ ድማ እዩ ልቢ ኣምላኽ ቀዱስ ዳዊት ኣብ መዝሙሩ መዝ 132፡11 ከምዚ እንዳበለ ዝመስከረ <<>> ብምባል ኣምላኽና ኣብ ዝኣተዎ ኪዳን ጽኑዕ ምዃኑ ዝመስከረ።
ልኡል እግዚኣብሄር ኣምላኽና ኣብ ዝኣተዎ ኪዳን ዘይልወጥን ዘይጠዓስን
ምዃኑ ብዙሓት ካብ ቅዱሳን ነብያት ኣቦታት ጽሒፎምልና እዮም።ንኣብነት ነቢይ እግዚኣብሄር ቅዱስ ሚልክያስ <<>> ሚል 3፡6 ዝበሎ እግዚኣብሄር ዝኣተዉ ቃል ዉን ዘይልወጥ ኣምላኽ ምዃኑ ንርዳእ። ሊቀ ነብያት ኣቦና ቅዱስ ሙሴ ዉን ኣብ ኦሪት ሀዙልቅ 23፡19 <<>> ብምባል ኣምላኽና ብዝኣተዎ ኪዳን ንዘልኣለም ከም ዘይጠዐስ የረድኣና።
እዚ ነብያት ቃሉ ከም ዘይቅየር ዝመስከርሉ፡ኣብ ነብያቱ ሓዲሩ ትንቢት ዘዛረበ
ልዑል ኣምላኽ፡ፍቕሪ ናይ ሰባት ስሒብዎ፡ካብ ማእሰርቲ ናይ ሰይጣን ነጻ ከዉጽኣና ኢሉ፡ሰማያዊ ክብሩን ዝፋኑን ገዲፉ ፡ናይታ ብንጽህናኣ መወዳድርቲ ዘይብላ ቅድሰትን ርህርህትን ኣዴና ቅድሰት ድናገል ማርያም ማህጸን መሪጹ ኣብኣ ብምሕዳር ካብ ስጋኣ ስጋ ካብ ነፍሳ ነፈሲ ወሲዱ፡እሳታዊ መለኮቱ ንልምላሜ ስጋኣ ከየቃጸሎ፡ናታ ልምላሜ ስጋ ድማ ነቲ እሳታዊ መለኮቱ ከየጥፍኦን ከይለወጦን ብፍጹም ተዋህዶ ሓደ ኣካል ሓደ ባህሪ ሒዙ፡ፍጹም ሰብ ፍጹም ኣምላኽ ኮይኑ ብምዉላድ፡ ኣብዛ ምድሪ ዝተመላለሰለን ሳላሳን
ሰለስተን ዓመት ኣብ መዋእለ ስብከቱ፡ብፍላይ ድማ ኣብታ ብዛዕባ ነዞም ኣብ ሓጢአት ታኼላ ተሸሚምና፡ካብ ሓጢኣትናን በደልናን ምልቓቕ ዝኣቤና፡ንጸሎት ንጾምን ኣምልኾ ስግደትን ግዜ ዘይብልናን፡ንሽሙ ጥራይ ክርስትያን ኢልና እንጎዓዝ ደቂ ሰባት፡ኣዝያ እተፍርህን እተጨንቕን መዓልቲ ፍርዲ፡ኣብዛ ጎይታና ብዛዕባ ምልክት መወዳእታ ዐለምን ምጽኣቱን ዝመሃረላ ዐንቀጽ አብ ማቴ 24፡35 <<>> ብምባል ነቲ ዘይቅየር ኣምላኻዊ ቃሉ ደጊሙ አረጋጊጽልና እዩ።
ካልእ ነዚ መረጋገጺ ዝኾነና ንድሕሪት ምልስ ኢልና ንገለ ካብ ቅዱሳን አቦታትና
ዝኣተወሎምን ዝፈጸመሎም ቃል ኪዳን ንርአ።ነቲ ናይ መጀመርያ ፍጠረት ዝኾነ ኣቦና ኣዳም ፡ሕጊ ልዑል ኣምላኽ ብምፍራሱ ካብ ገነት ምስ ተባረረ፡ኣብ ምድሪ ርሂጹ ክበልዕን ብነፍሱ ድማ ኣብ ሲኦል ኣብ እግረ ኣጋንንት እንዳተረግጸ ክነብርን ተፈርደ።ነዚ ፍርዲ ተቐቢሉ ካብ ገነት ምስ ወጸ፡ብጾም ጸሎትን ብሓዘንን ብልቕሶን ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኹ ምስ ተመልሰ ድማ፡እቲ ነቶም ሓጢኣቶም አሚኖም ብንስሓ ዝምለሱ ብሓጎስ ዝቕበል ዋግኦም ዝከፍሎምን ብዓል ብዙሕ ምሕረት ዝኮነ ሰማያዊ ኣምላኽና፡ጸሎቱ ተቐቢሉ ከመዚ ክብል ናይ ተስፋ ቃል ኣተወሉ <<>> ቃል ኪዳን ኣተወሉ ።
ብርሃን ኣለም ሃዋርያ ቅዱስ ጳዉሎስ ናብ ሰብ ገላትያ ኣብ ዝላኣኾ መልእኽቱ ገላ 4፤4 ከም ዝነገረና ድማ ናይ ዘመኑ ፍጻሜ ምስ በጽሐ ማለት 5500 ዘመን ምስ መልአ ፡እቲ ቃሉ ዘይዓጽፍ ቃል ኪዳኑ ንምፍጻም ድማ ዘይድንጒ ጎይታ ፡ካበዛ ናይ ሓድሽ ኪዳን ኺሩቤል ዝኾነት ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ንጹህ ስጋን ነፍስን ብምዉሳድ ሰብ ኮይኑ ፡ብዕለተ ዓርቢ ብዘፍሰሶ ክቡር ደሙ ካብ ማእሰርቲ ሰይጣን ነጻ ኣዉጽኣና። ሉቃ 23፡35 ቆለ 2፡14 ኤፌ 2፡13-15 ስለዚ ድማ ንኣዳም ዝኣተወሉ ቃል ኪዳን በዚ ዘደንቕ ዉዕለት ኣምላኽ ተፈጸመ፡፤
 
ካብኡ ብምቕጻል ዉን ዓለም ብምልእታ ካብ እግዚኣብሄር ዓልያ
ኣብ ዝነበረትሉ በይኑ ናይ ጽድቂ ስብከት ዝሰብኽ ዝነበረ አቦና ኖህ ፤እግዚኣብሄር ዓስቢ ዓመጸኛታት ክከፍል ከሎ ማለት ንዓለም ብሰንኪ ሓጢኣት ብማይ ኣይሂ ከጥፍኣ ከሎ፡ኖህ ምስ ሸሞንተ ነፍሳት ከም ዝዳሓኑ ዝፍለጥ እዩ 1ይ ጴጥ 3፡20 ።ብድሕሪ እዚ እግዚአብሄር ዳግማይ ንዓለም ብማይ ኣይሂ ከም ዘየጥፍኣ ነቲ ጻድቕ ኣቦና ኖህ ቃል ኪዳን አተወሉ፡፤ <<>> ብምባል ነዚ ናይ ኣዴና ቅድሰት ድንግል ማርያም ምሳሌ ዝኾነ ቀስተ ደመና ምልክት ጌሩ ሃቦ ክሳብ ሕጂ ዉን ብዓይንና ንርእዮ ምልከት ኮይኑ ኣሎ፡፤ ቀጺሉ ዉን ነቲ ናይ እምነት ኣቦ ዝኮነ ኣቦና አብርሃም ኣብ እርግናኡ ክወልድ፡ከብዝሖን ክባርኾን ህዝብታት ብእኡ ክባረኹ ምዃኖም ከመዚ ኢሉ ቃል ኣተወሉ <<>> ዘፍ 17.7 ዘፍ 15 1-7 ።እቲ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኻን፡ብድህሬኻ ድማ ኣብ ዘርእኻ ዘሎ እሞ ንስኻትኩም እትሕልዉዎ ኪዳን እዚ እዩ። <<>> ብምባል ዝሃበና ኪዳን ከነጽንዕ ከም ዘለና የጠንቅቐና።
እዚ ኪዳን እዚ ድማ ነቦና ኣብርሃም ይስሃቅ ዝመሰለ ቅዱስ ወሉድ ብምሃብ
ቃል ኪዳኑ ፈጺምሉ እዩ።መወዳእትኡ ዉን ብዘርእኻ ኣህዛብ ክባረኹ እዮም ብዝበሎ መሰረትለ፡ዘርኢ ኣብርሃም ብዝኾነት ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ስጋ ለቢሱ ብምዉላድ ዘርኢ ኣብርሃም ዝኾነ ክርስቶስ ንህዝብን ኣህዛብን ሓደ ጌሩ ባረኸናን ቀደሰናን ፡ግሃ 3፡25 እብ 2፡16 ኤፌ 2፡13-15። እምባአረከስ ዝኸበርኩምን እግዚኣብሄር ኣምላኽ ብበረኸቱ ዝበጽሓኩምን ነዚ ቅዱስን ክቡርን መንፈሳዊ በዓል ንምኽባርን ካብ ደጊኣ ድማ በረኸት ንምሕፋስን ካብ ኩሉ ኩርናዓት ዓለም እግዚኣብሄር ብምሕረቱ ዝኣኻኸበኩም ህዝበ እግዚኣብሄር።
 
ልኡል እግዚኣብሄር ኣምላኽና፡ነዚ ኩሉ ክንሰምዖ ዝጸናሕና
ጸጋን በረከትን ነቶም ዘስመርዎ ቅዱሳኑ ዝፍጽመሎም ካብ ኮነ፡ነታ ንቲ ዘይዉሰን ኣምለኽ ኣብ ማሕጸና ዝወሰነት፡ብንጽህናኣ ኣብኣ ከም ዝሓድርን ካብኣ ከም ዝዉለድን ዝገበረቶ፡መዝ 45፡11 132፡13 ሉቃ 2፡7 ንትሽዓተ ወርሕን ሓሙሽተ መዓልትን ኣብ ከርሳ ዝጸረቶን፡ብግናዕ የእዳዋ ሓቝፋ ጸባ ዘጥበወቶን ፡ካብ እቲ ናይ ዲአብሎስ መሕደሪ ዝኾነ ጨካን ንጉስ ሄሮድስ ንምድሓን ሐዚላቶ ፈቖዶ ሳህራን ቁርን በረኻን ሃሩርን የእጋራ ደም ክሳዕ ዝነዝዕ እሾኽ እንዳወግኣ፡ሰለስተ ዓመትን ሽዱሽተ ወርሕን ምስኡ ዝተሰደት ራኢ 12፡6 ማቴ 2፡13 ፡ኣብ ግዜ ስቕለቱ ዉን ወዳ ካብ ሃና ናብ ቀያፋ ፡ካብ ጲላጦስ ናብ ሄሮድስ ከመላልስዎ ፡ኣብ ቅድሚ ዓይና ክጸፍዕዎ ክገርፍዎ ከላግጽሉን ጡፍ ክብልሉን ፡666 ኩርማጅ ክገርፍዎን ንስለ ሓጢአት ደቂሰብ ኣብ መስቀል ዕራቖቱ ክሰቕልዎ ዝራኣየትን፡ከምቲ ንስምኦን ኣረጋዊ ዝተነበየላ ሉቃ 2፡34 መሪር ሓዘን ዘሕለፈት ርህርህቲ ወላዲቱ ድንግል ማርያም ዝኣተወላ ቃል ኪዳን ድኣ ማዕረ ኽንደይ ዝኸበረን ዝዓበይን ዘይከዉን።
እስኪ ሰሚዕና ምእንቲ ክንትግብሮን ክንባረኽን፡ ነዛ ቅድሰቲ ኣደ ዝታአተወላ ቃል ኪዳን ንምስማዕ እምባአር እዝነ ልቦናና ከፊትና ንስማዕ።ታሪኹ ከምዚ እዩ ጎይታ ብእለተ ዓርቢ ኣብ ዕጸ መስቀል ኮይኑ ካብ ዝተዛረበን ሽዉዓተ ናይ ርህራሄ ቃላት { ጽርሃ መስቀል } እታ ሓንቲ <<>> ትብል እያ ኔራ የዉ 19፡27 ። ቅዱስ የዉሃንስ ነዚ ቃል ናይ ጎይታ ብምኽባር ናብ ቤቱ ወሰዳ ፤ነገር ግን ናይ ነገር ወላዲት ናብ መቓብሩ ብምኻድ ንግሆ ንግሆ አብኡ እንዳ ነብዐት ትጽሊ ነበረት።ሓንቲ ካበ መዓልታት ማለት በዛ ሕጂ ተጋቢእናላ ዘለና ክብረቲ ዕለት የካቲት 16 ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ፡ነዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ኣብ መቓብሩ ኮይና እንዳጸለየት ከላ ፡ብሃንደበት እልፊ ኣእላፋት ቅዱሳን መላእኽቲ ኣኸቲሉ ብምምጻእ ፡አዚ ንኩልና ኣመንቲ ክርስቶስን መፍቀርቲ ቅድስት ድንግል ማርያምን ዝኾና ምእመናን ዓቢ ናይ ምሕረት ቃል ኪዳን ዝተዋህበት፡ <<>> ዘሰነ ጎልጎታ ።እዚ ኪዳን ዝተቐበለቶ ደሕሪ ዕርገት የካቲት 16 እዩ።
ከምቲ ኣብ 2ይ መጽሓፈ ነገስት 13፡23 ተጻሒፉ ዘሎ <<>> ዝበሎ እንደገና ዉን ኣብ ዘጽ 32፡13 <<>> እግዚኣብሄር ድማ ካብቲ ክገብሮ ኢሉ ዝሓሰበ ክፉእ ሰለ’ቲ ንኣብረሃምን ኢሳቕን፡ያእቆብን ዝኣተወሎም ቃል ኪዳን ክብል ተጣዕሰ፡ ኣብ 1ይ መጽሓፈ ነገስት 11፡32 ዉን <<>> ዝበሎ ሕጂ ኻኣ ነዞም ብሓሳብ ስጋ ተዋሒጥና ሕጊ ኣምላኽ ንምፍጻም ዝኣበናን ፡ካብ ብዘሒ ሓጢኣትና ዝተላዕለ ፍቕሪ ኣብ መንጎና ዛሕቲላ ጥራይ ዘይኮነ <<>> ብዓመጽን ጥቕሚ ገንዘብን ንጻደፍ ዘለና ፡ ሓደ ልቢ ብምዃን ናአምላኽና ከይነገልግል፤ ብዓደይ ዓድኻ ብቛንቋ፡ብዓሌት፡በዉራጃን ተኸፋፊልና ፡ ናይ ምምሳል ጥራይ እምነት ኣለትና እንዳበልና ዝጠፋእና ደቃ ብቓል ኪዳና ትሓልወና ።ልኡል እግዚኣብሄር ኣምላኽና ከምቲ ምስ ዝቐደሙ ኣቦታትና ዝነበሮ ፡ሕጂ ዉን ምሳና ስለ ድንግል ኣዲኡ ክብል፡ካብ ኩሉ ዓመጻና ከንጽሃናን ኣብዚ ክፉእን ኣጨናቕን ግዜ ልብና ናብ እምነት መሊሱ ክቕድሰና፡ንሃገርናን ንዓለም ምሉእን ሰላሙ ክህበና፡ንቅድስቲ ቤተክርስትያና ፍቕርን ሓድነትን ክዕድለናን ናይ እግዚኣብሄር ቀዱስ ፍቓዱ የኹነልና።ምስጋና ንእግዚኣብሄር ንወላዲቱ ድንገልን ንመስቀሉ ክቡርን ንዘልኣለም ኣለም ኣሜን። !!!
 
Categories: None

Post a Comment

NameAlready a member? Sign InEmail
Message

Privacy & Terms

2 Comments

Reply
aron beyene 12:34 PM on August 23, 2013 
ጺቡክ btami xibuk amlak xegu yebzH

Reply
lidia 11:13 AM on January 24, 2014 
Amen Amen Amen…Kidane Mihret ms kulatna tikun!
Webs
Create your own free website today

Advertisements

ኣቡነ ኣረጋዊ


Wednesday, 23 July 2014
ኣቡነ ኣረጋዊ(ዘሚካኤል)
በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣኃዱ ኣምላኽ ኣሜን።

ኣቡነ ኣረጋዊ(ዘሚካኤል) ካብ እንጦንስ፡ መቃርስ፡ ጳኲሚስ፡ ናይ ምንኩስና ወይ ድማ ናይ መንፈሳዊ ሓረግ ራብዓይ ወለዶ ኢዮም። ኣቦኦም ካብ ሮማውያን ነገስታት ወገን ኮይኑ ስሙ ይስሓቅ ይበሃል። ኣዲኦም ካኣ እድና ትብሃል። ይስሓቅን እድናን ንእግዚኣብሔር ዘኽብሩ፡ ፍርሃት እግዚኣብሔር ዝነበሮም ኣዝዮም ኣብ ቅድሚ ሰብን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ብትሕትናን ብቕድስናን ዝመላለሱ ዝነበሩ ሰባት እዮም። 
ንወዶም ማለት ንኣቡነ ኣረጋዊ ካኣ”ናይ መጀመርያ ጥበብ ፍርሃት እግዚኣብሔር ኢዩ” ብምባል ሕጊ ኦሪትን ትምህርቲ ነብያትን ቅዱሳት መጻሕፍትን ኣምሂሮም ኣዕበይዎም። ብኸምዚ ካኣ ጌና ኣብ ግዜ ህጻንነቶም ኩሉ መጻሕፍቲ ብሉይን ሓድሽን ተማህሩ። ካብ ግዜ ናብ ግዜ ብሓይሊ መንፈስ ቅዱስ እና በርትዑ ከዱ። ብዘይ ምቁራጽ ካኣ ኩሉ ግዜ ንግሆ ንግሆ ቤተ ክርስቲያን እና ኸዱ ይጽልዩ ነበሩ። እናሆ ካኣ ወለዶም ካብ ነገስታት ወገን ዝኾነት ሓንቲ ጓል ኣሕጸይዎም፡ ኣቡነ ኣረጋዊ ግና ካብ ህጻንነቶም ጀሚሮም ብመንፈስ ቅዱስ ተቓንዮም ዝዓበዩ ስለ ዝኾኑ ፈጺሞም ኣበዩ። ድሕሪ ብዙሕ ግዜ ኣቡነ ኣረጋዊ(ዘሚካኤል) ካብ ሮም ናብ ጽርኢ ወይ ድማ ግሪኽ ሃገር፡ ዓቢይ መንፈሳዊ ማሕበር ዝመስረቱ ኣቦ መነኮሳት ዝኾነ ኣባ ጳኲሚስ ዝነብሩላ ደውናስ ናብ እትብሃል ገዳም መጹ። ካብቶም ገዳማውያን ሓደ ረኺቦም “ወደይ! ካበይ መጺኻ፧? ህንሆ ንስኻ ህጻን ከም ዝኾንካ ተመልኪተ ኣለኹ” በልዎም ኣቡነ ኣረጋዊ ካኣ “ኣነ ዝመጻኽዎ ካብ ሮም ኢዩ፡ ካብ ኣባ ጳኲሚስ ዝደልዮ ነገር ኣሎኒ “በልዎም። ኣባ ጳኲሚስ ምስ ረኣይዎም ካብ መንበሮም ተንሲኦም ብፍጹም ፍቕሪ ሓቚፎም ሰዓምዎም፡ ናይ እግዚኣብሔር ጸጋ ካኣ ኣብ ልዕሊኦም ሓደረ። ቀጺሎም ኣባ ጳኲሚስ “ብዛዕባ ምንታይ ናባይ መጺኻ” ክብሉ ሓተትዎም። “ከማኻ፡ ከም ኣቦታተይ መነኮስ ክኸውን መጺኤ ኣለኹ” ክብሉ ካኣ ኣቡነ ኣረጋዊ መለሱ።” ዝወደይ ንስኻ ወዲ ንጉስ ከም ምዃንካ መጠን ናይ መንግስቲ ወራሲ ኢኻ እሞ መንኲስካ ንምንባር ኣይትኽእልን ኢኻ” ክብሉ ኣባ ጳኲሚስ ተዛረብዎም። ኣቡነ ኣረጋዊ ግና ካብ ክብሪ ዓለም ክብሪ ኣምላኽ ይበልጽ፡ ካብ ተድላ ዓለም ምስ እግዚኣብሔር ምንባር ይሓይሽ ብዝብል መንፈስ ተበጊሶም ስለ ዝነበሩ “ኣቦይ ! ናይ ምድሪ መንግስቲ ሓላፊ ጠፋኢ ኢዩ። እንተኾነ ዘይትጠፍእን ዘይትሓልፍን ዘልኣለማዊት መንግስቲ ክወርስ ደልየ ኣለኹ” ክብሉ’ውን ነቲ ኣባ ጳኲሚስ ዘቕረብሎም ሓሳብን ምኽርን ብትሕትና ሓሳባቶም ከረድእዎም ፈተኑ። ቀጺሎም ኣባ ጳኲሚስ “ናይ ምንኩስና ስራሕ ቀሊል ኣይምሰልካ፡ ናባይ ዝመጹ ብዙሓት ትዕግስቲ ተሳኢንዎም ዝተሰናኸሉ ኣለዉ” እና በሉ ምንኲስና ቀሊል ከምዘይኮነ ከረድእዎም ፈተኑ። ሕጂ’ውን ኣቡነ ኣረጋዊ ሓሳባት ልቦም ንምግላጽ “ኣቦይ! ፈትነኒ፡ ስርሐይ ርኢኻ ተረዳእን ተመልከትን “ብምባል ሓሳባቶም ድልየቶም ብምሉእ እምነት ብምኲስና ሂወት ተሓጺርካ ምንባር ምዃኑ ብዘለዎም ዓቕሚ ከረድእዎም ፈተኑ። ብድሕሪ’ዚ “ንስኻ ባዕልኻ ንባዕልኻ ፈትን” በልዎም፡ ብኸምዚ ካኣ ምስቶም ኣብቲ ገዳም ዝነበሩ መነኮሳት ብሕብረት ንብዙሕ ግዜን ብፈተና ተቐመጡ። ከምቲ ኣቐዲምና ዝረኣናዮ ኣባ ዘሚካኤል(ኣረጋዊ) ናብ ኣባ ጳኲሚስ መምጺኦም ምኽንያት ዝነበረ ክንዝንግዖ የብልናን። በዚ እዮም ካኣ ኣባ ጳኲሚስ “እስኪ ዝወደይ ቅሩብ ግዜ ተፈተን መጽሓፍ ‘ንእግዚኣብሔር ክተገልግል እንተደሊኻ ኣቐዲምካ ነፍስኻ መርምር ሰውነትካ ንሕማም፡ ንሽግር ኣዳሉ ”’ይብል ኢዩ ከምኡ ካኣ ወርቂ ብሓዊ ከይተፈተነ ወርቂ ምዃኑ ስለ ዘይፍለጥ ሰብ’ውን ሓቅነቱን ድልውነቱን ዝልካዕ ዝተቐረበሉ ፈተና ብትዕግስቲ ምስ ዝሓልፍ ኢዩ። ክብሉ መሊሶም ስለ ሂወት ምንኲስና ገለጽሎም።ኣቡነ ኣረጋዊ ድማ ቅዱሳን ዝፈጸምዎ ተጋድሎምን ዘለዎም መንፈሳዊ ትግሃትን ተመልኪቶም ንምንኲስና ዘብቅዖም ሥርዓተ ትምህርቲ ኩሉ ብፍጹም ልቦና ተገንዘቡ፡ ተማሃሩ ፡ፈለጡ፡ተረድኡ ብምእማን ተቐበሉ።ኣባ ጳኲሚስ ኣቡነ ኣረጋዊ ዘለዎም ናይ ሃይማኖት ጽንዓትን ዝነበሮም ጠባይን፡ ስለ ዝነበሮም ቅንዕናን ኣዝዮም ፈተውዎም፡ ልብሲ ምንኩስና ኣልቢሶም ካኣ ናይ ኣቦታተይ ናይ ኣባ መቃርስ፡ ኣስኬማ ወይ ድማ ቆብዕ ዝባረኸ እግዚኣብሔር ናትካ ኣኽሊል ምንኩስና ይባርኽ ኢሎም ካኣ በረኽዎም። ኣቡነ ዘሚካኤል(ኣረጋዊ) ካብ ዝውለዱ ክሳዕ ምንኩስና ዝቕበሉ ዝነበረ ዕድምኦም ፳፬/24 ዓመት ኢዩ። ብድሕሪዚ ብዓቢ ትግሃት፡ብጸሎትን ብጾምን ተጸመዱ። ብሰላምን ብምርግጋእን ተቐመጡ፡ ዝንኦምን ሰናይ ተጋድልኦምን ክሳዕ ኣቡኦም ኣብ ሮም በጽሔ። ጌና ብሕጻንነቶም ከለዉ ምንኩስና ምቕባሎም ዝሰምዑ ናይ ሮም ቅዱሳን ናብኣቶም መጹ ኣብ ቅድሚ ኣቡነ ጳኲሚስ ቀሪቦም ካኣ ምንኩስና ተቐበሉ። ከምዚ ኢሎም ክነብሩ ከለዉ ኣዲኦም ንግስቲ እድና ካብ ሃገራ ናብቲ ኣቡነ ኣረጋዊ ተቐሚጠምሉ ዝነበሩ ገዳም መጸት። እንሆ ድሕሪ ዕረፍቲ ኣቡነ ጳኲሚስ ከም ኣቦ ኮይኖም ዘመሓድርዎም ዝነበሩ ኣቡነ ቴዎድሮስ ነበሩ። ነዚ ምምጻእ ናይ ኣዲኦም ምስ ሰምዑ ካኣ “”ኪድ ቀልጢፍካ ረኺብካያ ምጻእ በልዎም”ኣቡነ ኣረጋዊ ግና ፈጺሞም ኣበዩ። ኣብ መወዳእታ ካኣ “ወደይ ብሓጥያተይ ኣይትጸየፈኒ እንሆ ኣብ ማሕጸነይ ትሽዓተ ወርሒ ኣብ ዝባነይ ሰለስተ ዓመት፡ ኣጥብየ ዘዕበኹኻ ወላዲትካ ኢየ እሞ በጃኻ” እና በለት እና ነብዐት መልእኽቲ ሰደት። እቲ ኩሉ ዝኾነ ኩሉ ነጊሮም ኣምሪሮም ለሚኖም ንኣቡነ ኣረጋዊ ናብ እዲኦም ሰደድዎም።እንሆ ካኣ እንታይ ደሊኺ መጺኺ ክብሉ ነዲኦም ሓተትዋ። ኣዲኦም ካኣ “ከማኻ ክምንኩስ መጺአ ዝወደይ” ክትብል መለሰት። በዚ ዝኾነ ኩሉ እና ተሓጎሱ ናብ ኣቡነ ቴዎድሮስ ከዱ እቲ ዝኾነ ኩሉ ካኣ ነገርዎም። ብድሕሪ’ዚ ናይ ደቂ ኣንስትዮ ገዳም ናብ ዝንበሮ ቦታ ወሰድዋ። ኣብቲ ናይ ደቂ ኣንስትዮ ገዳም ኣዲኦም ንኣቡነ ቴዎድሮስ ውን ብምንኩስና ተገልግል ነበረት። ካብኡ ርሑቕ ከይከድካ ከኣ ሓፍቶም ናይ ሓደ ናይ ደቂ ኣንስትዮ ገዳም ኣማሓዳሪት ነበረት እሞ እንሆ ኣብ ልዕሊኤን ዝጠሸመ ጴጥሮስ ዝበሃል ዓቢ መንፈሳዊ ሰብ ነበረ። ኣዲኦም ንኣቡነ ኣረጋዊ ካኣ ብእኡ ብዛዕባ ሂወት ምንኩስና ተማህረት፡ ብድሕሪ’ዚ ምንኩስና ተቐቢላ ምስኣተን ትነብር ነበረት። ኣቡነ ኣረጋዊ ጉዕዝኦም ምስቶም ካብ ሮማ ዝመጹ ቅዱሳን ናብ ምድሪ ኣግኣዚት እዮም ኣቢሎም። ብሓደ ምንባር ስለ ዘይመረጹ ካኣ ኩላቶም ንእግዚኣብሔር እና ለመኑ ገዳም መስሪቶም ዝቕመጥሉ ስፍራ ይደልዩ ነበሩ። ካብ መንጎ እዞም ትሽዓተ ቅዱሳን ሓደ ኣቡነ ኣረጋዊ ኢዮም። ኣቡነ ኣረጋዊ ቅድም ስሞም ዘሚካኤል ኢዩ። እንተኾነ ግን ብዝነበሮም መንፈሳዊ ጸጋ፡ ናይ ጾም; ጸሎት፡ ስግደትን ካልእ መንፈሳዊ ዕዮታትን ብዕድመ ናይ ስጋ ንእሽቶ ክንሶም እንቶኾነ ግን ዓበይቲ ነገራት ክሰርሑ ምስ ተዓዘቡ ሽዑ እዮም እቶም ብጾቶም ቅዱሳን ናይ ሮም “ኣረጋዊ” ኢሎም ዝሸምዎም። ኣቡነ ኣረጋዊ ንእግዚኣብሔር ዘስምርሉ ስፍራ፡ ብስሞም ዝጽውዓሉ ደብሪ ንምድላይ ነዊሕ ተጓዓዙ። እዚ ካኣ ሓንቲ ኣዝያ ንእሽተይ ቁራስ እንጌራ ኣብ ኢዶም ነበረቶም እሞ ኣብ ዝኸድዋ ስፍራ ጸሎት ገይሮም ይቖርስዋ ነበሩ። እንሆ ካኣ እግዚኣብሔር ነዛ ቁራስ እዚኣ ኣበርኪቱ ኣብ ዝሃበኒ ቦታ ኣብኣ ክኸውን ንኣምላኸይ ካኣ ክልምን ኢየ” ዝብል ሓሳብ ሒዞም ተጓዓዙ። ኣብ ብዙሕ ቦታትን ጎቦታትን በጽሑ እንተኾኑ ከምቲ ዝበልዎ ኣይኮነሎምን። ኣብ መወዳእታ ናብዚ ሕጂ ብስሞም ተደኲኑ ዘሎ ገዳም ቅድሚ ምድያቦም ኣብ እግሪ እቲ ጎቦ ኣብ ሓንቲ ሓረግ ኮይኖም ጸሎት ገበሩ። እንሆ እቲ ሓያል ናይ ምሕረት መልኣኽ ዝኾነ ቅዱስ ሚካኤል ናብ ኣቡነ ኣረጋዊ መጸ፡”ኣንታ ናይ እግዚኣብሔር ኣገልጋሊ ዝኾንካ ኣረጋዊ እንሆ ካብ ምድራዊ መንግስቲ ሰማያዊ መንግስቲ ዝመረጽካ ደስ ይበልካ፡ ዓቢ ክብሪ ተዳልዩልካ ኣሎ፡ ሕጂ ካኣ እግዚኣብሔር ናብዚ ጎቦ እዚ ዘውጽኣካ ክሳዕ ዝልእኸልካ ቅሩብ ተጸበ” ኢሎም ከደ። እዚ ነገር እዚ ምስ ሰምዑ ኣቡነ ኣረጋዊ ልቦም ተሃወኸ መንፈሶም ካኣ ሓዘነ።”ኣነ ነፊረ ከይድይብ ከም ንስሪ መንገብገብ ኣይተዓደልኩን ከም ቅዱሳን ሃዋርያት ብደመና ተጻዒነ ከይድይብ ከኣ ብቕዓት የብለይን” እና በሉ ኣምሪሮም ኣልቀሱ። ምኽንያቱ ኣብቲ ሰብ ዘይኣትዎን ዘይድይቦን እምባ ክድይቡ ክቱር ዝኾነ ድልየትን ባህግን እዩ ነይርዎም። በዓል ምሉእን ሰፊሕን ትዕግስቲ ዝኾነ እግዚኣብሔር ግና ብርታዔኦምን ተጻዋርነቶምን ንምምርማር ቀልጢፉ ኣየደየቦምን። ብድሕሪ’ዚ ከም ኣደን ከም ኣቦን ዘጸናንዖም ዝነበረ ቅዱስ ሚካኤል ተመሊሱ ንኻልኣይ ግዜ መጸ ” ናይ እግዚኣብሔር ፈታዊ ዝኾንካ ኣረጋዊ ኣጆኻ፡ ኣይትፍራሕ፡ እንሆ ስልጣን ተዋሂቡካ ኣሎ፡ ሕጂ ካኣ ሓደ ዓቢ ገበል ክመጻካ ኢዩ ኣብኡ ተጻዒንካ ድማ ናብታ ዝባን ናይታ እምባ ክትድይብ ኢኻ ” ኢልዎም ከደ። እታ ገበል ድማ ሰዓት ትሽዓተ ናይ ንግሆ መጸ። በቲ ገበል ተጻዒኖም ካኣ ጉዕዝኦም ናብቲ ነዊሕ እምባ ጀመሩ። እንተኾነ እቲ ፈታኒ ዝኾነ ሰይጣን ብልሳን ሰብ ገይሩ “ናብዚ እምባ ትድይብ ዘለኻ እንታይ ክትበልዕ ኢልካ ኢኻ ኣብኡ ዝብላዕ ኮነ ዝስተ የለን፡ ኣብኡ ቀትሪ ጸሓይ ለይቲ ካኣ ቁሪ ኢዩ” እና በለ ተዛረበ። ኣቡነ ኣረጋዊ “ዝተኣዘዝካዮ ግበር፡ ዝደልዮ ዘበለ ኩሉ ንእግዚኣብሔር ዝሰኣይኖ የለን ” ክብሉ መለስሉ። በዚ ሰዓት እዚ ኣቡነ ኣረጋዊ መታን ከይድንግጹን እቲ ገበል ኣብ ልዕሊኦም ሓደጋ ከየውርድን፡ ቅዱስ ሚካኤል ሰይፉ መሊሑ ኣብ ጎድኖም ኮይኑ ይሕልዎም ነበረ። ኣብ መወዳእታ ካኣ ኣብቲ ዝባን ናይቲ ገዳም በጽሑ። ሰለስተ ግዜ ሰጊዶም ካኣ “ሃሌ ሉያ ለኣብ፡ ሃሌ ሉያ ለወልድ፡ ሃሌ ሉያ ለመንፈስ ቅዱስ “ኢሎም ሰገዱ። በዚ ካኣ “ደብረ ሃሌ ሉያ ” ተባሂላ ተጸውዒት። ጸኒሓ ካኣ ደብረ ዳሞ ተባህለት። እንጀራ ኣበርኪቶም ዝበልዑላ ስፍራ፡ ኣሰር እግሮም፡ ቆይሞም ዝጽልይሉ ዝነበሩ ኩሉ ክሳዕ ሕጂ ምስ ምሉእ ምልክቱ ኣሎ። እቲ ገዳም መደየቢ ስለ ዘይብሉ ደቂ መዛምርቶም ብዝሰርሕዎ መደየቢ ገመድ ሕጂ’ውን እግዚኣብሔር ዝፈቐደሎም ሰባት በቲ ገመድ ይድይቡ። ቅዱስ ኣቡነ ኣረጋዊ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ሞጎስ ዝረኸቡ ብዙሕ ትሩፋት፡ ትእምርትን ተኣምራትን ዝገበሩ ቅዱስ ኣቦ ኢዮም። ንብዙሓት ብጸሎቶም ዝረድኡ ኣብ ብዙሓት ሰባት ሓዲሮም ዝነበሩ ኣጋንንቲ ገሲጾም ዘውጽኡ ብገድሎምን ብትሩፋቶምን ንምድረ ኣግኣዚት ዝጓሰዩ ቅዱስ ኣቦ ኢዩም። ብስሞም ኣብ ኤርትራን ኢትጵያን ብዙሕ ቤተ ክርስቲያናት ተሃኒጾም ይርከቡ። በዓሎምን ዝኽሮምን ብድምቀት ይበዓል። ካብ ፍቕሮም ዝተላዕለ በረኸቶም ንምርካብ ካኣ ወለዲ ንደቆም ብስሞም ይሰምይዎም። ጸሎትን በረኸትን ናይ ቅዱስ ኣቡነ ኣረጋዊ ምስ ኩላትና ህዝበ ክርስቲያን ይኹን።
ኣሜን!!
ወስብሃት ለእግዚኣብሔር
ወለወላዲቱ ድንግል
ወለመስቀሉ ክቡርኣሜን።
bietesaida at 08:09
Share

No comments:
Post a Comment


Home
View web version

bietesaida
View my complete profile
Powered by Blogger.

ኪዳነ ምህረት

Home Kidane Mehret ካብ መጽሓፈ ስንክሳር
Home
SUNDAY MASS
Kidane Mehret
Articles
Events
Prayers
What is New
Bible Study
Teaching And Liturgy
Children Corner
Youth Corner
Pictorial News
Contact Us

ኪዳነ ምሕረት (16 የካቲት)
ካብ መጽሓፈ ስንክሳር (1991 ዓ. ም.) ብማ. ሓዋርያት ፍሬ ሃይማኖት፥
ኣብ ኣሥመራ ዝተሓትመ
ብኣባ ቪቶርዮ ናብ ትግሪኛ ተተርጐመ።
13.    እግዚእትነ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ተዝካራ ንዚገብርን፥ ስማ ንዚጽውዕን፥ ዚስተ ማይ ዝሑል እውን ይኹን ንምጽዋት ኢሉ ንዚህብን ካብ ወዳ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ብዝገበረትሎም ኪዳን ምሕረት በዚ መዓልቲዚ ኵሎም ዘመደ ክርስትያን በዓል የብዕሉ።

14.    ወዲ እዛ ቅድስቲ እግዚእትነ ማርያም ድንግል ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ንጹሕ ሥጋኡ ካብኣ ወሲዱ፥  ናይ ወዲ ሰብ ሕጊ ኵሉ ፈጺሙ፥ ብፍቃዱን ፍትወትቱን ምእንቲ ድኅነትና ሥቃይ መስቀል ምስ ኣሕለፈ፥ እሞ ነዲኡ ድንግል ማርያም ኣብ ቤት እቲ ዚፈትዎ ረድእ  ዮሓንስ “እንሀት ኣደኻ፥ እንሆ ወድኺ” እናበለ ሕድሪ ኢሉ ድሕሪ ኣማሕጺኑዋ ናብ  ሰማይ ዓረገ ። ካብ ሽዑ እግዚእትነ ማርያም ኣብኡ ኰይና ክትጽሊ ናብ መቓብር ወዳ ናብ ጎልጎታ  ወትሩ ትኸይድ ነበረት።

15.    ኣይሁድ ኪርእዩዋ እንከለዉ ሕርቃንን ቅንኣትን ይሓድሮም ነበረ እሞ ብዳርባ እምኒ ኪቀትልዋ ሓሰቡ። እግዚኣብሔር ግና ካብ ዓይኖም ሰወራ። ድሕሪኡ ንሳቶም ተማኸሩ እሞ፦ ካልኣይ ጊዜ ኣብኡ ንከይትበጽሕ ሓለውቲ መቓብር መረጹ። ንሳ ግና ብርሃን ክብሪ ወዳ ይሥውራ ስለ ዝነበረ ናብ መቃብር መዓልቲ-መዓልቲ ምኻድ ኣየቋረጸትን።

16.    መላእኽቲ ናብኣ መጺኦም ኵሉ መዓልቲ የገልግልዋ ነበሩ። ጐይታና ክቡር ወዳ ከኣ ኵሉ ዝደለየቶ ፍቃዳ ወትሩ የማልኣላ ነበረ።

17.    መላእኽቲ ናብ ሰማያት ዜብጽሑዋ መዓልትታት ነበረ፤ ቦታ ዕረፍቲ ጻድቃን ኣብርሃምን ይስሓቅን ያዕቆብን የርእዩዋ፥ ነፍሳት ኣበው “ሥጋኺ ካብ ሥጋና፥ ዓጽምኺ ካብ ዓጽምና ንዓኪ ዝፈጠረልና እግዚኣብሔር ክብሪ ይኹን። ብኣኺ ምድኃን ረኸብና፥ ወልደ ኣምላኽ ካባኺ ሥጋ ስለዝለበሰ፥ ሳላኺ ድኅነት ረኸብና፥ ወደብ ሕይወት ካብ ጥፍኣት እውን ኮንክና ኣሎኺ” እናበሉ ይቅበሉዋ ነበሩ።

18.    ካብኡ መላእኽቲ ናብ ፍቁር ወዳ ናብ መንበሩን ኣብጽሑዋ ንየማንን ጸጋምን  ብእሳት ዚሽፍኖ መጋረጃ ተኸፍቱ እሞ ጐይታና ብኢዳ ሒዙ ሰዓማ “ኣደይ ወላዲተይ መጺእኪዶ?” ናብ ቦታ ክብረቱ ሰማይ ወሰዳ እሞ ብየማኑ ኣንበራ፥ ዓይኒ ሰብ ዘይርእዮን እዝኒ ዘይሰምዖን ኣብ ልቢ ሰብ ድማ ኪሓድር ስ\ዘይክእል ቦታ ኣሰናድዩላ ምህላዉ፥ ሓጐስን ትፍስሕትን ንልቢ ዜረስርስን ብሥራት ተዛረባ ።

19.    ካብ ትሕቲ መንበረ ክብረቱ ኰይና ንኣቦኣ ዳዊት፥ ንጉሥ እስራኤል ምስ ኵሎም ማኅበር ነብያትን መላእኽትን መንፈስ ጻድቃንን፥ ኣኽቢቦምዋ ኪውድሱዋን ረአየት። ዳዊት ብመሰንቆ ገይሩ ”ንጉሥ ጽባቔኺ ፈትዩዎ ኣሎ፥ ንሱ ድማ ጐይታኺ ኢዩ ኣሞ፥  ጓለይ ስምዒ ረኣዪን እዝንኺ ከኣ ጽን ኣብሊ፥ ሕዝብኽን ቤት ኣቦኽን ረስዒ፥” እናበለ ኪዝምረላ  ረኣየቶ።

20.     ካብኡ መሊሶም መላእኽቲ ሽፋን ጽልመት ንሸይጣንን ንመልእኽቱን ብመንገዱ ንዚኸዱን ዝተሰናደወ መካን ኵነኔ ኬርእዩዋ ወሰዱዋ።
21.     እግዚእትነ ማርያም “ወይ ኣነ! ኣብዚ ምእንቲ ከይመጹስ ንደቂ ሰብ መን ኮን  ኪነግሮም ኢዩ?” እናበለ ኣበርቲዓ ተቍዝም ነበረት። መልኣኽ ግና “ኦማርያም ኣይትፍርሒ፥ እግዚኣብሔር ምሳኺ ኢዩ” እናበላ ኣጸናንዓ።
22.    ሽዑ መልእኽቲ ጸይሮም ናብ ቦታኣ መለሱዋ። ካብቲ መዓልቲ ማርያም ብኵነታት ሓጥኣን ተተንኪፋ ብሓዘን ተበሊዓ ትነብር ነበረት።

23.    ብዕለት 16 የካቲት እግዚእትነ ማርያም ናብ ቀራንዮ ቦታ ተረኽበት፥ ናብ ፍቁር ወዳ “ወደይ ብእግዚኣብሔር ኣቦኻ ከምሕለካ፥ ብክርስቶስ ስምካ ከምሕለካ፥ ብጰራቅሊጦስ መንፈስካ፥ በቲ ሰማያትን ምድርን ክጾረካ ዘይከኣሉን፥ መላእኽቲ ኪቀርቡኻ ዘይክእሉን እንከለዉ ን9 ኣዋርሕን 5 መዓልትን ብዝፆረካ ከርሠይ ከምሕለካ።

24.    ካባይ ብዘይ ሥቃይ ስለዝወጻእካ፥ ድንግልናይ ከየፍረስካ ስለዝተወለድካን፥ ማሓለለይ፥ ኣጥባተይ ጦቢኻ ስለዝዓበኻ ምእንቲ ዝሰዓማኻን ከናፍረይ፥ ምእንቲ ተን ዝሓቘፋኻ ኣእዳወይ፥ ምእንቲ ‘ተን ምሳኻ ዝተዋፈራ ኣእጋረይን ኢልካ ምእንቲ’ቲ ዝደቀስካሉ ጎልን ምእንቲ’ቲ በጭርቕቲ ምሽፋንካን መሓለለይ፥ ኦፍቱው ወደይ ክልምነካን ከማልደካን ድምጺ ልመናይ ክትሰምዓንን ናባይ ክትመጻንን ኣብ ልበይ ዘሎ ክትፍልጽምለይ ከምሕለካ።” እናበለት ለመነቶ።

25.    ከምዚ ገይራ ኣምሪራ ክትልምኖ ምስ ረኣየ፥ ጐያታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዜኽብቡዎ እልፊ ኣእላፋት መላእኽትን ሒዙ ናብኣ መጸ እሞ “ኦማርያም ወላዲተይ እንታይ ክገብረልኪ ትደልዪ?”

26.    ማርያም ድማ ኣፋ ከፊታ “ወደይን ፍቁረይን፥ ጐይታይን ኣምላኸይን መድኃኒየይን፥ ተስፋይን፥ ጸግዐይን፥ ኣባኻ ፥ ኣባኻ ፀኒዐ፥ ኣብ ከርሲ ኣደይ ኣብቲ ዝኸደንካኒ ማኅጸንን ተወኪለ፥ ዅሉ ሳዕ ከየቋረጽኩ እዝክረካ።

27.    ሕጂ ከኣ ልመናይ ስምዕ። ኣነ ኣደኻን ኣገልጋሊትካን ምእንቲ’ቲ ተዝካረይ ዚገብርን፥ ቤተ ጸሎተይ ዚሃንጽን፥ ንዝዓረቐ ዚኸድንን ንሕሙም ዚበጽሕን፥ ንጥሙይ ዜብልዕን፥ ንጽሙእን ዜስትን፥ ንዝሓዘነ ዜጸናንዕን፥ ንዝመረሮ ዜሕጕስን፥ ናተይ ውዳሴ ዚጽሕፍን፥ ንውሉዱ ብሽመይ ዚጽውዕን፥ ኣብ በዓላተይ ድማ ማኅሌተይ ንዚዝምርን፦ ካባኻ ብዚመጽእ ጽቡቕ ጻማ ግብረለኡ፥ ዓይኒ ዘይረኣዮ፥ እዝኒ ዘይሰምዖ ኣብ ልቢ ሰብ ድማ ሓዲሩ ዘይፈልጥ ዓስቢ ሃቦ።

28.    ብናተይ ኣማልድነት ንዚኣምን ኣብኡ ንዚውከልን፥ ምእንቲ እቲ ኵሉ ምሳኻ ዝረኸበኒ ጥሜትን ጽምእን ዓፀባን ኢልካ፥ ካብ ግዝኣት ሓጢኣት ናጻ ክትብሎ እልምነካ።

29.    ሽዑ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ከምዚ ኢሉ መለሸላ፥ “ከምቲ ዝሓተትኪዮ ይኹነልኪ፥ ዝለመንኪዮ ዘበለ ኵሉ ከኣ ክገብረልኪ ኢየ፣ ካባኺዶ ኣይኮንኩን ሰብ ዝኾንኩ፥ ኪዳነይ ከምዘይሕሱ ብገዛእ ርእሰይ እምሕለልኪ ኣሎኹ።
ጸሎታን በረከታን ምሳና ይኹን ንዘለዓለም ዓለም ኣሜን።
ሰላም ለኪ መጽሓፈ ሕግ ወኪዳን፤
ኣምሳለ ፪ኤ ጽላተ እብን፤ላዕለ ጸውዑ ስመኪ ውስተ ገጸ ኵሉ መካን፤
ርኅርኅተ ልብ ለኃጥአን ርኅርኅተ ልን ለኅዙናን፤
ርኅርኅተ ልብ ለግፉዓን ማርያም ኣማን። ኣምሳል ፪ተ ቀጸላ እምኒ
መጽሓፍ ሕግን ኪዳንን ዝኾንኪ ማርያም ሰላም።
ነቶም ኣብ ኵሉ ማዕከናት ኰይንኪ ስምኪ ዚጽውዑን
ኣጥኣን ትርኅርኅሎም ንስኺ፥ ንኅዙን ትርኅርኅሉ ንስኺ
ብሓቂ ማርያም ንግፉዓት በዓልቲ ርኅሩኅ ልቢ ንስኺ።

 
Contribute Articles
Geez Font for Windows

Geez Font for Mac
How to Activate Geez
Designed by: AB FUN

ኣቡነ ጋብር መንፈስ ቅዱስ


Friday, 14 March 2014
ኣቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ
በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላኽ ኣሜን!

ኣቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ ሃገሮም ኣብ ንሂሳ ዝተባህለ ዓዲ ናይ ሃገረ ግብጺ ኢዩ። ኣቡኦም ስምዖን ኣዲኦም ድማ ኣቅሌስያ ይበሃሉ። እዞም ክልተ ናይ እግዚኣብሔር ሰባት ብዘይ ውላድ ንሰላሳ(፴) ዓመታት ብፍቕርን ብስኒትን ተቐመጡ።
ካብ መዓልታት ሓደ መዓልቲ ኣቅሌስያ ኣብ ቤተ እግዚኣብሔር ኣትያ ኣብ ቅድሚ ስእሊ ቅድስት ሥላሴ ወዲቓን ክትጽልን ክትልምንን ከላ “ንሥኢ ወልደ ዘይትሌዑል ቀርኑ አምኑኅ ሰማይ፡ ክብሩ ካብ ናይ ሰማይ ክብሪ ዝበልጽ ወዲ ህንኪ ተቐበሊ” ዝብል ድምጺ ሰምዐት። በዚ ምኽንያት ከኣ ቅዱስ ኣቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ ፳፱/29 መጋቢት ተጠኒሶም ፳፱/29 ታሕሳስ ተወልዱ።
ዓይኒ ቋሕ ካብ ዝበለሉ ግዜ ካብ ምርኣይ ከምዘይ ዓርፍ፡ ኣቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ ድማ ልክዕ ካብ ማህጸን ኣዲኦም ካብ ዝወጹላ ግዜ ኣፎም ከፊቶም “ስብሐት ለኣብ፡ ስብሐት ለወልድ፡ ስብሐት ለመንፈስ ቅዱስ ዘአውጻእከኒ እምጽልመት ውስተ ብርሃን” እናበሉ ወትሩ ንእግዚኣብሔር እና ኣመስገኑ፡ ምድራዊ መብልዕ ከይበልዑ፡ ምድራዊ መስተ ከይሰተዩ፡ ንምስጋና ተጊሆም ብምንባሮም ንመላእክት ይመስሉ።
ኣብ መበል ሰለስተ ዓመቶም ቅዱስ ገብርኤል ሊቀ መላእክት ካብ እግዚኣብሔር ተኣዚዙ ንኣቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ ካብ ሑቕፊ ኣዲኦም ወሲዱ ናብ ሻውዓይ(7ይ)ሰማይ ናብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ኣቕረቦም’ሞ እግዚኣብሔር ድማ ባረኾም። ኣስዒቡ ናብ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያምን ናብ ኣብ ገነት ዝርከቡ ኩሎም ቅዱሳንን ወሰዶ እሞ ንሶም ውን ባረኽዎም። ብድሕሪ እዚ እቲ መልኣኽ ናብ ሓደ መነኮሳት ዘለውዎ ገዳም ወሲዱ ኣብ ወጻኢ ኣቐመጦም። ናይቲ ገዳም ኣበምኔት ኣባ ዘመደ ብርሃን ምልክት ተነጊርዎም ስለ ዝነበረ ሓቅነቱ ንምርግጋጽ ካብ ገዳማሞ ወጹ እሞ እንሆ ድማ ኣቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ ገጾም ሓጎስ መሊእዎ ኣብ ኣፍ ደገ ናይቲ ገዳም ረኸብዎም። እንሆ ከኣ ወሲዶም ኩሉ ናይ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ስርዓትን ትምህርተ ወንጌልን ዲቁናን ምሃርዎም። ናብ ኣቡነ ኣብርሃም ዝበሃሉ ጳጳስ ወሲዶም ድማ ማዕርገ ዲቁና ኣውሃብዎም። ብድሕሪ እዚ ሃብቲ ምፍዋስ ተዋህቦም፡ ብሓደ ግዜ ድማ ብዙሓት ሓንካሳትን ዕዉራንን ፈወሱ። ካብ ዕለታት ሓደ መዓልቲ ድማ ቅዱስ ገብርኤል መላኣኽ ብክንፉ ገይሩ ተሰኪሙ ናብ ቅድሚ ጎይታ ኣቕረቦም፡ ጎይታ ድማ በረኾም ብጸሎትካን ብኣማላድነትካን ካብ ሲኦል እተድሕነን ብዙሓት ነፍሳት ስለዘለዋ ካብ ሰብ ተፈሊኻ ሰብ ናብ ዘይብሉ በረኻ ኪድ፡ ናብራኻ ምስ ፷/60 ኣናብስን ፷/60 ኣናብርን ይኹን” ድማ በሎም። “ዘኬድከ ጸበለ እግሪከ ይልሕሱ ወበውእቱ ይጸግቡ. . . . . . . . ጸበል እግሪኻ ልሒሶም ተመጊቦም ይንበሩ” በሎም። በዚ መሰረት ከኣ ናብ ገዳም ኣትዮም ምስ ኣናብርን ኣናብስን ምንባር ጀመሩ። ነቢይ ዳኒኤል ናብ ኣፍ ኣናብስ ኣብ ዝተደርበየሉ ግዜ ኣብቲ ጉድጓድ ዝጸንሑ ኣናብስ ዋላ ሓንቲ ጉድኣት ከምዘየውረድሉ፡ንኣቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ’ውን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ብዝረኸብዎ ጸጋ ምስ ፷/60 ኣናብስን ፷/60 ኣናብርን ብሰላም ይንበሩ ነበሩ። ንሳቶም ኣይጎድእዎምን፡ ጸበል እግሮም ተመጊቦም ድኣ ነበሩ እምበር። ከምዚ ኢሎም ከኣ ን300 ዓመታት ተቐመጡ።
ብድሕሪ እዚ “ሑር ምድረ ኢትዮጵያ ወበህየኒ ሀለውከ ነፍሳተ ዘታወጽኦሙ” በሎም። ቅዱስ ገብርኤል ብሰረገላ ንፋስ ጽዒኑ ምድረ ከብድ ኣብ ዝበሃል ቦታ ኣብጽሖም። ቀጺሉ ድማ ናብ ዝቋላ (ደብረ ቅዱስ) ኣብጽሖም። ኣብዚ ኮይኖም ብንጽህና ናይ ህዝቢ ኢትዮጵያ ሓጢኣት ርእዮም ኣብ ባሕሪ ኣትዮም ቁልቁል ኣፎም ተደፊኦም ብርእሶም ኣብ ባሕሪ ቆይሞም ክጽልዩ ጀመሩ፡ ድሕሪ ኣርበዓ ለይትን ኣርብዓ መዓልትን ድማ እግዚኣብሔር “ዘገብረ ተዝካረከ ወዘጸውዐ ስመከ እምሕር ለከ” በሎም። ንሶም ከኣ ኢትዮጵያ ብምልእታ ከይመሓርካለይ ካብዚ ዘለኽዎ ቦታ ኣይወጽእን እየ ኢሎም ን100/፻ ዓመት ዝኣክል ብርእሶም ቆይሞም ጸለዩ። ድሕሪ 100/፻ ዓመት ጎይታ “ተንሥእ ወጻኣ መሐርኩ ለከ ኩሎ ኢትዮጵያ” በሎም እሞ ካብቲ ዝነብርዎ ወጹ።
ብድሕሪ’ዚ ናብ ምድረ ከብድ ወሪዶም ካብ ሰማይ ንታሕቲ ካብ ምድር ንላዕሊ ንሸውዓተ ዓመት ዝኣክል ከም ዝተተኽለ ዓምድ ኮይኖም፡ ዓይኖም ከይከደኑ ንሸውዓተ ዓመት ምሉእ ጸለዩ። ሰይጣን ንመንቀንኘት ስለ ዘይዓርፍ ግና ኳኽ መሲሉ መጺኡ ዓይኖም ኣንቊሩ ኣዕወሮም። ክልተ ሱባኤ ምስ ፈጸሙ ቅዱስ ሚካኤል መጺኡ ኣብ ዓይኖም ኡፍ ኢሉ ኣሕወዮም ከም ቀደሞም ድማ ኮኑ። ብድሕሪ’ዚ ናብ ዝቋላ ተበገሱ፡ ሥላሴ ብኣምሳል ሰለስተ ኣረጋውያን ኣብ ትሕቲ ጽላል ኣዕሪፎም ጸንሕዎም፡ እንሆ ድማ ብዝፋን ኣምላኽ ንምሕጸነካ ኣለና ሓሓደ ምዕራፍ ተሰከመና በልዎም። ኣቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ ብኣምላኻዊ ፍቕሪ ተደሪኾም ሐራይ ኢሎም ተሰኪሞሞም ተበገሱ፡ እንተኾነ እንዳ ተጓዓዙ ከለዉ ብሓድነትን ብሰለስትነትን ተገልጽሎም እሞ ደንጊጾም ናብ ምድሪ ወደቑ፡ እንሆ ከኣ ኣተንስእዎም ናብ ዝቋላ ድማ በጽሑ።
ኣባ ሳሙኤል ዘዋልድባ፡ ኣባ አንበሴ ዘሐዘሎን ኣባ ብንያም ዘግብጽን ዝናኦም ሰሚዖም ኣናብሶም ኣኸቲሎም ንኽሓትዎም መጹ። ድሕሪ ሸውዓተ መዓልቲ ድማ ተገልጽሎም፡ እንተኾነ ሒዘሞም ዝመጹ ኣናብስ በቶም ናይ ኣቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ ኣናብስ ስለ ዝተበልዑ ሓዚኖም ነበሩ። ኣቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ ግና እንሆ ጎይታ ጸበል እግረይ ልሒስኩም ክትምገቡዶ ኣይኮነን ዝፈቐደልኩም ስጋን ደምን ክትበልዑዶ ተፈቒድልኩም ኢዩ፧ ኢሎም ቀልጢፍኩም ትፍእዎም ክብሉ ነቶም ኣናብስ ኣዘዝዎም። ንሳቶም ከኣ ተፍእዎም ባሪኾም ድማ ኣተንስእዎም ንሳቶም ድማ “ርኢነ መንክረ ኦ ኣባ” እንዳ በሉ ነናብ ቦትኦም ተመልሱ።
ብድሕሪ እዚ እግዚኣብሔር ናብ ንክርስቶስ ዝኸሓዱ ናብ ምዕራብ ሃገር ወሰዶም ኣብ ነገስታትን መኳንንትን ዝኣትውሉን ዝወጽእሉን ቦታ ድማ ኣቖሞም። ናይ ኣዕራብ ንጉስ ድማ ብዙሓት ሰራዊትን መኳንንትን፡ ጣዖታቱን ሒዙ ናብቲ ኣቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ ዝነበርዎ ቦታ መጽአ’ሞ እቶም ኣብቶም ጣኦታት ሓዲሮም ዝነበሩ ኣጋንንቲ ፈሪሖም ክሃድሙ ጣኦታቱ ክሰባበሩ ርእዩ ፈርሐ፡ ነቲ ፈትሊ ብዝመስል ጸጉሪ ዝመልአ ሰብነቶም ርእዩ ከኣ ንኣቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ “ንስኻ ሰብ ዲኻ፧” ክብል እንዳ ተገረመ ሓተቶም። “እወ በቲ ሰማይን ምድርን ዝፈጠረ ኢየሱስ ክርስቶስ ዝኣምን ሰብ እየ” በልዎ። ምሊሱ ድማ እቲ ኣረሜን ንጉስ “ኣይሁድ ሰቒሎም ብዝቐተልዎ ወዲ ሰብ ተኣምን ኢኻ” በሎም። ንሶም’ውን “እወ ይኣምን እየ! በቲ ምእንታይ ዝተሰቕለ ክርስቶስ ኣይሓፍርን እየ! ንሱ ምእንቲ ኩላትና እዩ ዝሞተ ንስኻን ሰራዊትካን ብእኡ እመኑ እሞ ናይ ዘለኣለም ሕይወት ክትረኽቡ ኢኹም” በልዎ። ነዚ ዝሰምዐ ንጉስ ብሓዊ ኣቃጽልዎ ክብል ትእዛዝ ኣመሓላለፈ፡ እንተኾነ ዋላ ሓንቲ ክገብሮም ኣይከኣለን ብሰላም ድኣ ካብቲ ሓዊ ወጹ። ነዚ ዝረኣዩ ብዙሓት ወተሃደራት ድማ ኣመኑ። እቲ ንጉስ ምስቶም ዘይኣመኑ ወታሃደራቱ ኮይኑ ነቶም ብክርስቶስ ዝኣመኑ ወታሃደራቱ ብሴፍ ገይሩ ኣራእሶም ክቆርጽ ጀመረ። ንኣቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ’ውን ርእሶም ክቆርጾም ደለየ እሞ ካብ ሰማይ ሓያል መብረቕ መጺኡ ንዕኡን ንሰራዊቱን ቀተሎም። ንነፍሳቶም መላእኽቲ ጽልመት ክወስድዎም ዝረኣዩ ኣቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ እዚ ኩሉ ዝኾነ ብሰንከይዶ ኣይኮነን፧ ኢሎም ካብ ብርቱዕ ሓዘን ዝተላዕለ ኣእጋሮም ብገመድ ኣሲሮም ንቑልቁል ኣፎም ጠልጠል በሉ። ሕጂ’ውን ሰይጣን ዓቕሉ ስለ ዝጸበቦ ነቲ ተኣሲረምሉ ዝነበሩ ገመድ በተኾ እንተኾነ ቅዱስ ሚካኤል ኣብ ኣየር ከለዉ ተቐበሎም ግደፈኒ ብርእሰይ ይቑም ድማ በልዎ። በዚ ከኣ ን፴/30 ዓመታት ዝኣክል ብብርቱዕ ገድሊ ኣልቀሱ። እግዚኣብሔር ንገድሎምን ልማንኦምን ርእዩ ነቲ ዝለመንዎ ልማኖ ተቐበለሎም፡ ነቶም ሰባት ድማ መሓረሎም።
በዚ ንምስምዑ ዕጹብን ድንቅን ዝኾነ ገድሊ ሓሊፎም እምበኣር ኣብ ምድረ ኣግኣዚ ን262ዓመት ጸኒሖም ኣብ መበል 562 ዕድሚኦም ካብዛ ብስጋ መከራ ዝበዝሓ ዓለም ብሓሙሽተ(5)መጋቢት ብዕለተ ሰንበት ኣዕረፉ።
ጸሎትን በረኸትን ናይ ቅዱስ ኣቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ ምስ ኩላትና ይኹን ኣሜን!!!
ስብሃት ለእግዚኣብሔር
ወለወላዲቱ ድንግል
ወለመስቀሉ ክቡር
ኣሜን!!
bietesaida at 09:29
Share

1 comment:

abune anbes10 April 2014 at 07:05
tselotom ayfeleyena

Reply

Load more…


Home
View web version

bietesaida
View my complete profile
Powered by Blogger.

ጸሎት ሃይማኖት

Menu
ጸሎተ ሃይማኖት Prayer
ነኣምን በኣሓዱ ኣምላክ እግዚኣብሔር ኣብ፡ ኣሃዜ ኩሉ ገባሬ ሰማያት ወምድር ዘያስተርኢ ወዘኢያስተርኢ። ወነኣምን በኣሓዱ እግዚእ ኢየሱስ ክርስቶስ ወልደ አብ ዋሕድ፡ ዘህልው ምስሌሁ እምቅድመ ይትፈጠር ዓለም፡ ብርሃን ዘእምብርሃን ኣምላክ ዘእምኣምላክ ዘበኣማን፡ ዘተወልደ ወኣኮ ዘተገብረ፡ ዘዕሩይ ምስለ ኣብ በመለኮቱ፡ ዘቦቱ ኩሉ ኮነ ወዘእንበሌሁሰ ኣልቦ ዘኮነ፡ ወኢምንትኒ ዘበሰማይኒ ወዘበምድርኒ፡ ዘበእንቲኣነ ለሰብእ ወበእንተ መድኃኒትነ ወረደ እምሰማያት፡ ተሰብኣ ወተሰገወ እመንፈስ ቅዱስ ወእማርያም እምቅድስት ድንግል፡ ኮነ ብእሴ ወተሰቅለ በእንቲኣነ በመዋእለ ጲላጦስ ጴንጤናዊ ሓመ ወሞተ ወተቀብረ፡ ወተንሥኣ እሙታን ኣመ ሣልስት ዕለት በከመ ጽሑፍ ውስተ ቅድሳት መጻሕፍት፡ ዓርገ በስብሓት ውስተ ሰማያት ወነበረ በየማነ ኣቡሁ ዳግመ ይመጽእ ብስብሓት ይኴንን ሕያዋነ ወሙታነ ወኣልቦ ማኅለቅት ለመንግሥቱ። ወነኣምን በመንፈስ ቅዱስ እግዚእ ማሕየዊ ዘሰረፀ እምኣብ፡ ንስግድ ሎቱ ወንሰብሖ ምስለ ኣብ ወወልድ ዘነበበ በነቢያት። ወነኣምን በኣሓቲ ቅድስት ቤተ-ክርስቲያን እንተ ላዕለ ኩሉ ጉባኤ ዘሓዋርያት። ወነኣምን በኣሓቲ ጥምቀት ለሥርየተ ኃጢኣት። ወንሴፎ ትንሣኤ ሙታን ወሕይወተ ዘይመጽእ ለዓለመ ዓለም። ኣሜን።
ጸሎተ ሃይማኖት Prayer
ኩሉ ብዝሓዘ ሰማያትን ምድርን ዝርአን ዘይርአን ዝፈጠረ፡ ብሓደ ኣምላኽ ብእግዚኣብሔር ኣብ ንኣምን። ብሓደ ጐይታ ብኢየሱስ ክርስቶስ ዓለም ከይተፈጥረ ምስኡ ህልው ብዝኾነ ወልደ ኣብ ዋሕድ’ውን ንኣምን። ካብ ብርሃን ዝተረኽበ ብርሃን፡ ካብ ሓቀኛ ኣምላኽ ዝተረኽበ ኣምላኽ፡ ዝተወልደ እምበር ፍጡር ዘይኮነ፡ ብመለኮቱ ምስ ኣብ ማዕረ ዝኾነ፡ ኩሉ ብእኡ ዝተፈጥረ፡ ብዘይካኡ ግና ኣብዚ ምድሪ ዘሎ ይኹን ወይስ ኣብ ሰማይ ዘሎ ምንም ዝተፈጥረ የልቦን። ምእንታና ምእንቲ ሰብ ምእንቲ ምድሓንና፡ ካብ ሰማያት ዝወረደ ብመንፈስ ቅዱስ ካብ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ሥጋ ለበሰ፡ ሰብ ኮነ፡ ሰብ ኮይኑ ድማ ብዘበን ጰንጤናዊ ጲላጦስ ምእንታና ተሰቕለ፡ መከራ መስቀል ተቐበለ፡ ሞተ፡ ተቐብረ፡ ኣብ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ከም ዝተጻሕፈ ኣብ ሣልሳይ መዓልቲ ካብ ምዉታት ተፈልዩ ተንሥአ፡ ብኽብሪ ናብ ሰማያት ዓረገ፡ ኣብ የማን ኣቡኡ ተቐመጠ፡ ከም ብሓድሽ ንሕያዋንን ንሙታንን ኪፈርድ ብኽብሪ ኪመጽእ ኢዩ፡ ንመንግሥቱ ድማ መወዳእታ የብሉን። ጐይታን መሕወይን ብዝኾነ፡ ካብ ኣብ ዝሰረፀ መንፈስ ቅዱስ ንኣምን፡ ምስ ኣብን ወልድን ክንሰግደሉን ከነመስግኖን ብነቢያት ዝተነግረ ኢዩ። ልዕሊ ዅሉ ብዝኾነት ናይ ሓዋርያት ጉባኤ፡ ብሓንቲ ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያን ንኣምን። ሓጢኣት ንምስትሥራይ ብሓንቲ ጥምቀት’ውን ንኣምን። ትንሣኤ ሙታንን ንዘለዓለም ዝመጽእ ሕይወትን ተስፋ ንገብር፡ ኣሜን።

ጸሎተ ሃይማኖት Prayer
በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሓዱ ኣምላክ፣ ጸሎት፣ መንፈሳዊ ትሕዝቶ አቡነ ዘበሰማያት (አብ ሰማያት ትነብር አቦና)፣ ጸሎትና ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ቅቡል ንኽኸውን፣ ጸሎት መፍትሕ ኣገልጋልን ተገልገልትን ኣገልግሎትን እዩ፣
ክፍልታት ጸሎት።
ዓይነት ጸሎት።
ጊዜያት ጸሎት።
ኣገባብ ኣጸላልያ።
ጥቕሚ ጸሎት።
ውጽኢት ጸሎት።
ብኸመይ ንጽሊ፨
ጸሎት ቅዱሳን ክቡር እዩ።
ጸሎት ክንጽሊ እዙዛት ኢና።
ዝተመለሱ ጸሎታት።
ፍረ ጸሎት።
መንፈሳውን ሥጋውን ሓይሊ ጸሎት።
መግለጺ:- አቡነ ዘበሰማያት (ኣብ ሰማያት ትነብር አቦና) ማቴ.6።9-13።
 
ኣብዛ ሓጻር ጸሎት ዝርከቡ ሓሙሽተ ስነ ምግባራት ኣለዉ ንሳቶም ከኣ።- ሃይማኖት (እምነት)። ተስፋ። ፍቕሪ። ትሕትና። ጸሎት እዮም። 
 
ሃይማኖት(እምነት):- ብዓይኒ ሥጋ ከይረኣናዮ ኣብ ሰማያት እትነብር ኣቦና ኢልና ምጽላይና እዩ፣
ተስፋ:- መንግሥትኻ ትምጻእ ኢልና ምጽላይና፣
ፍቕሪ:- ናይ ዕለት እንጌራና ሎሚ ሃበና ኢልና ምጽላይና ሓደ ንብዙኃት ምጽላይ እዩ፣
ትሕትና:- በደልና ሕደገልና ምባል እዩ። ዝበቕዐን ዘይበቕዐን ኵሉ በደልና ሕደገልና እዩ ዝብል እምበር ኣብ አቡነ ዘበሰማያት በደለይ ደገለይ ኢልካ ብግልኻ ኣይጽለን ኣዩ፣
ጸሎት:- ናብ ፈተና ኣይተእትወና ኢልና ምጽላይና፣

Back to top
Standard View
Privacy Policy
Rwyet©2011 Yohannes Zewde
JimdoYou can do it, too! Like what you see? Go ahead, create your own free website. Just sign up on http://www.jimdo.com and get started!

▼ወርሓዊ በዓላት
FRIDAY, NOVEMBER 28, 2014
ወርሓዊ በዓላት

ወርሓዊ በዓላት
1

ልደታ ለማርያም (ባሕቲ)
2

ታዴዎስ ሓዋርያ
3

ባእታ ማርያም
4

ዮውሓንስ ወልደ ነጎድጓድ፣ ኣቡነ ኣብሳዲ
5

ጴጥሮስ ወ ጳውሎስ፣ ኣቡነ ገብረመንፈስ ቅዱስ (ጋብር)
6

ቁስቋም
7

ሥላሴ
8

ኣቡነ ኪሮስ
9

ኣቡነ ቡፁእ-ኣምላክ. ቶማስ ሓዋርያ
10

ቅዱስ መስቀል
11
፲፩
ሓና ወ ኢያቄም
12
፲፪
ቅዱስ ሚካኤል
13
፲፫
ቅዱስ ሩፋኤል
14
፲፬
ኣቡነ ኣረጋዊ
15
፲፭
ኣቡነ ጪርቆስ (ህፃን ጪርቆስ)
16
፲፮
ኪዳነ ምሕረት. ኣቡነ መርቆሬዎስ
17
፲፯
ቅዱስ እስቲፋኖስ
18
፲፰
ቅዱስ ኢዎስታቴዎስ
19
፲፱
ቅዱስ ገብሪኤል
20

ፅንስታ ለ ማርያም
21
፳፩
ኣደይ ማርያም
22
፳፪
ቅዱስ ኡራኤል
23
፳፫
ቅዱስ ጊዮርጊስ
24
፳፬
ኣቡነ ተክለሃይማኖት
25
፳፭
ቅዱስ መርቀሬዎስ
26
፳፮
ሥላሴ. ቶማስ ሓዋርያ
27
፳፯
መድሓኔ ኣለም
28
፳፰
ኣማኑኤል
29
፳፱
በዓለ እግዚኣብሔር
30

ቅዱስ መርቆሬዎስ
Yohannes Zewde at 21:56
Share

No comments:
Post a Comment


Home
View web version
Powered by Blogger.

ታሪኽ ቅዱስ ጊዮርጊስ


Saturday, April 30, 2011

ቅዱስ ጊዮርጊስ
በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን። 

ካልእ በደል ከይተረኽቦም፡ ሓቀይናን እሙናትን መሰኻኽር ወንጌል ብምዃኖም ጥራይ መሪር ግፍዒን ኣደራዕን ኣብ ልዕሊኦም ካብ ዝተፈጸመሎምን፡ ስለ ወንጌልን ሓቀኛ ኣምልኾተ እግዚአብሔርን ዓቢይ ገድሊ ካብ ዝፈጸሙን ብቃልን ግብርን ብርሃን ኮይኖም ካብ ዝሓለፉ ኣዕናቝ ቤተ ክርስቲያን ሓደ ሊቀ ሰማእታት ቅዱስ ጊዮርጊስ እዩ። ፳፫ ሚያዚያ ድማ ገድሉ ፈጺሙ፤ አክሊላተ ብርሃንን ቃል ኪዳንን ካብ እግዚአብሔር ተቐቢሉ ገና ብንእስነቱ ብሰማእትነት ዝዓረፈሉ ዕለት ስለዝኾነ በረኸቱ ክንሳተፍ ብምባል ኣሕጽር ኣቢልና ታሪኽ ገድሉ ክንድህስስ ኢና። 

ትውልዲ ቅዱስ ጊዮርጊስ 

ኣቦ ቅዱስ ጊዮርጊስ ዘሮንቶስ (ኣንስጣስዮስ) ኣዲኡ ድማ ቴዎብስታ ይበሃሉ። ዓዲ ኣቡኡ ቀጰዶቅይ እንዳ ኣዲኡ ኸኣ ልዳ ነበረ። ኣቡኡ ዘሮንቶስ ብፍቓድ እግዚአብሔር ካብ ቀጰዶቅያ ናብ ልዳ ከይዱ ክቕመጥ ምስ ጀመረ፡ ድኅሪ ዓመታት ምስ ቴዎብስታ ተመርዕዩ ንቅዱስ ጊዮርጊስ ወለደ። ኣቦን ኣደን ቅዱስ ጊዮርጊስ ብሃይማኖቶም ምስጉናት፡ ብሕገ እግዚአብሔር ተወሲኖም ዝነብሩ፤ ብናብርኦምን ጽግዋትን ሃብቲ ዝነበሮም ምንባሮም ታሪኽ ሕይወቶም የረድእ። እዚኦም ንእግዚአብሔር ዘፍቅሩ፤ ለጋሳት ስድራ ቅዱስ ጊዮርጊስ ዝኣመሰለ ውላድ እግዚአብሔር ስለዝሃቦም ባህ ኢልዎም ክነብሩ ከለዉ ዘሮንቶስ ናይታ ዝቕመጠላ ግዝኣት (ኣውራጃ) ገዛኢ ኮይኑ ተሾመ። እታ ናይ ኣቡኡ ግዝኣት ድማ ክርስትና ሃይማኖት ብሕግን ሥርዓት ዝካየደላ ትንበር ደኣ እምበር እቶም ላዕለዎት ነገሥትታት ግና ኣብ ኣምልኾ ጣዖት ዝመላለሱሉ ዘመን ነበረ። 
ኣተዓባብያ ቅዱስ ጊዮርጊስ 

ወለዲ ቅዱስ ጊዮርጊስ ብሥጋ ይኹን ብመንፈስ ብጥንቃቐን ብክንክንን እዮም ንቅዱስ ጊዮርጊስ የዕብዮሞ። ኣብ መበል ፯ ዓመቱ ድማ መንፈሳዊ ይኹን ዓለማዊ ጥበብ ክመሃር ኣብ ቤት ትምህርቲ የእትዮሞ። ብኸምኡ ድማ ንክልቲኡ ኣዛሚዱ ይዓቢ ነበረ። 

ኣቦ ጊዮርጊስ ኣብዛ ሃገር (ሃገረ ልዳ) ገዛኢን ልዕል ዝበለ ወተሃደራዊ ሥልጣን ስለዝነበሮ፡ ቅዱስ ጊዮርጊስ ድማ ኣሰር ኣቡኡ ተኸቲሉ ኣብቲ ዘመን ዝወሃብ ዝነበረ ከም ናይ ፈረስ ውግእ ዝኣመሰለ ወተሃደራዊ ተዓሊም ቐሲሙ እዩ። ጐድኒ ጐድኒ እዚ ሥልጠና ድማ ትምህርተ ክርስትና ብዝግባእ እናተምሃረ ብሕግን ሥነ ሥርዓትን ኣብ ቤት ኣቡኡን ኣዲኡን ዓበየ። ይኹን ደኣ እምበር ገና ኣብ ጕብዝና ከይበጽሐ እንከሎ ኣቦኡ ካብዚ ዓለም ብሞት ስለዝተፈልየ ካልእ ገዛኢ ሃገር ተሾመ። እንተኾነ’ውን እዚ ሓድሽ ገዛኢ ሃገር ንቅዱስ ጊዮርጊስ ስለዝፈተዎ ንኣዲኡ ኣፍቒዱ ካብ ኣኃቱ ፈልዩ ምስኡ እናመሃሮ ኣዕበዮን ኣሰልጠኖን። 

ካብ ወተሃደር ልዳ ናብ ወተሃደር ክርስቶስ – ካብ ሥጋዊ ክብሪ ናብ መንፈሳዊ ክብሪ 

ገና ኣብ ንእስነቱ እቲ ዘደሊ ወተሃደራዊ ትምህርቲ ኣብ መበቆል ዓዱ ድኅሪ ምቕሳሙን፡ ንኡድ ዝኾነ ክእለትን ሞያን ድኅሪ ምጽንብራቑን ድማ ኣብ ዝለዓለ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ከገልግል ተወዘዐ። እቲ ገዛኢ ሃገር ድማ ንቕሓቱን ሞይኡን ርእዩ ክሽየምን ክሽለምን ወተሃደራቱ ኣሰንዩ ናብ ንጉሥ ለኣኾ። ንጉሥ ድማ ታሪኽ ሕይወትን ኣቃውማን ክእለትን ቅዱስ ጊዮርጊስ ተመልኪቱ ኣብ ልዕሊ ሓሙሽተ ሽሕ ወተሃደራት ኣዛዚ ክኸውንን፡ ብዘይካ ኣቡኡ ዝገደፈሉ ሃብቲ በብወርሑ ብርክት ዝበለ ወርቅንን ብሩርን ማሕያ ክወሰድ ኣዚዙን ሸሊሙን ብኽብሪ ናብ ሃገሩ መለሶ። እቲ ዘዕበዮ መስፍን ሃገር ድማ ተሓጒሱ ናብቲ ዝተባህለ መደብ ስራሕን ሓላፍነትን ኣዋፈሮ። ነታ እንኮ ጓሉ ሰበይቱ ኽትኮኖ ድማ ኣሕጸዮ። ይኹን እምበር እቲ መስፍን ሃገር ድንገት ስለዝሓመመመን ክመውትውን ስለዝቐረበ ንኵሉ ሃብቱ ንቅዱስ ጊዮርጊስ ከውርስዎን ንጓሉ ከመርዕውዎን ተላበወ። ድኅሪ ለበውኡውን ከይጸንሐ ሞተ። እዚ ኣብ ዝኾነሉ እዋን ቅዱስ ጊዮርጊስ ዕድሚኡ ጌና ኣብ ፈለማ ፳ታት እዩ ነይሩ። 

ብደረጃ እቲ ሃጸይነት ከኣ ኣብ ሞንጎ ነገሥታት ሮማን (ጋሪስን ጋላስን) ንጉሥ ፋርስ ዱድያኖስ ውግእ ተኻይዱ ዱድያኖስ ስለዝሠዓረ ኣብ ብዙኅ ግዝኣታት ግፍዒን ናይ ጭከና ተግባራትን ይፍጽም ጀመረ። ከም ናቡከደነጾር ድማ ኣጵሎስ ዝበሃል ጣዖት ኣቝሙ ይሰግድን የስግድን ከኣ ነበረ። መንእሰይ ጊዮርጊስ ኣብ ኣገልግሎት ሃገሩ እንከሎ እቶም ገዛእቲ ነገሥታት ሮም ተሣዒሮም፡ ንጉሥ ፋርስ ዝነበረ ዱድያኖስ፡ ብእግዚአብሔር ዘይኣምንን መመለኪ ጣዖት ስለዝነበረ ብክርስቶስ ንዝኣምኑ ክርስቲያናት ብዝተፈላለየ መከራ ከሳቕዮም ጀሚሩ ከኣ ነበረ። 

ቅዱስ ጊዮርጊስ ድማ ነቲ ዝነበረ ኵነታትን ምዕባለታትን ብዕቱብ ይከታተሎን ይምርምሮን ነበረ። በዚ ምኽንያት ድማ ስለቲ ኣብ ዓውደ ውግኣት ስለ ሃገሩ ብዝረኣዮ ዝነበረ ጅግንነትን ዝፍጸሞም ቅያታትን ኣብ ቅድሚ ኣረማዊን ጨካንን ንጉሥ ቀሪቡ ሽልማትን ክብርን ካብ ምርካብ ድማ ምስቶም ስለ እምነቶም ዝሳቐዩ ዝነበሩ ክርስቲያናት መከራ ክጸግብ መረጸ። በዚ መሠረት ድማ ንዝተሓጸያ ጓል መስፍን ከይተመርዓወ ብድንግልንኡን ንጽሕንኡን፤ ንብረቱን ሃብቱን ንኣዲኡን ኣኃቱን ከፋፊሉ ከምኡውን ንድኻታት መጽዊቱ፤ ንሠራዊቱ ተፋንዩ ጻዕዳ ፈረሱ ተወጢሑ ንክርስቶስ ትውክልቱ ገይሩ ነቲ ከሓዲ ንጉሥ ብቃል ወንጌል ክቃወም ተበገሰ። ማእቶተ ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ ጳውሎስ ንናይ መንፈስ ወዱ ጢሞቴዎስ “ከም ንፉዕ ናይ ክርስቶስ ኢየሱስ ዓቀይታይ ምሳይ ኴንካ መከራ ጽገብ።” (ካልኣይ ጢሞ ፪፥፫) ኢሉ ዝመዓዶ መንእሰይ ጊዮርጊስ’ውን ካብ ንጉሥ ልዳ፡ ወተሃደር ክርስቶስ ብምዃን ኣብ ምድረ ልዳን ፋርስን ንዝነበሩ ኵሎም መምህር ወንጌል ኮነ። ቀዳምይ ዝገበሮ ነገር ድማ ናብ ቤይሩት (ወሰናስን ኢያሪኮ) ከይዱ ነቲ ኣምልኾተ ፈጣሪኡ ገዲፉ ኣብ ድራጎን ዝበሃል ገበል ከምልኽ ንዝነበረ ሕዝቢ ናብ ክርስቶስ ምምላስ እዩ ነይሩ። እዚ ኸኣ ታራኣ በጺሑ በቲ ገበል ክትብላዕ ተወፍያ ተቐሪባ ንዝነበረት ጓል እቲ መስፍን ናይቲ ከባቢ (ቢሩታይት) ነቲ ገበል (ድራጎን) ብኃይሊ እግዚአብሔር ቀቲሉ ንዓዓ ኣድኂኑ ነቲ ሕዝቢ ኣእሚኑ ናብ ኣምልኾተ እግዚአብሔር ከምዝምለስ ገበሮ። ኣብኡ’ውን ነቲ ሕዝቢ ዝኸውን ክልተ ኣብያተ ክርስቲያናት ኣስሪሑ። በዚ ከየብቀዐ በብከባቢኡ እናተዛወረ ቃል ወንጌል ክዘርእ ጀመረ። ብዙኃን’ውን ትምህርተ ወንጌል ቅዱስ ጊዮርጊስ ሰሚዖም ካብ ገቢረ ኃጢኣት ናብ ገቢረ ጽድቅ ተመልሱ። ምምላኽ ጣዖትን ባዕድ ኣምልኾን እናገደፉ ድማ ንእግዚአብሔር ምምላኽ ጀመሩ። 

እዚ ኣካይዳ ቅዱስ ጊዮርጊስ ግና ዜናኡ ኣብ ቅድሚ ንጉሥ ምስ በጸሐ ንጉሥ ባህ ኣይበሎን። ቅዱስ ጊዮርጊስ ድማ ክስገደሉ ዝግባእ ሓደ ፈጣሪ እምበር ሰብ ንዘቖሞ ጣዖት ምስጋድ ኣይግባእን እናበለ ብትብዓት ምስክርነቱ ቀጸለ። እቲ ንጉሥ ዋላ ብጅግንነትን ወተሃደራዊ ሞያን ጊዮርጊስ ይሕጐስ እኳ እንተነበረ ሰባት ብትምህርቲ ቅዱስ ጊዮርጊስ ተሳሒቦም ካብ ምምላኽ ጣዖታት ምስሓቦምን ኣብ ኣምልኾተ እግዚአብሔር ምጽንዖምን ከቆጥዖ ጀሚሩ። ሰይጣናዊ ቅንኣት ስለዝሓደሮ ድማ ቅዱስ ጊዮርጊስ ካብዚ ተግባራቱ ክቑጠብ ብመጀመርታ ብጥበብ ገይሩ ክጥብሮ ፈተነ። ሓደ ካብ ፈተንኡ ሡር ኃጢኣትን ውድቀት ብዙኃትን ኮይኑ ንዝርከብ ገንዘብ ማለት ወርቅን ብሩርን ኣብዚኁ ከምዝህቦ ዝተመባጽዓሉ እዩ። ንጉሥ ዱድያኖስ በዚ ከይተወሰነ ቅዱስ ጊዮርጊስ ትምህርተ ወንጌል እንተደኣ ገዲፉን ኣብ ኣምልኾት ጣዖት ኣሚኑን ኣብ ልዕሊ ሹመት ሹመት ከምዝውስኾን ክሳብ ፍርቂ መንግሥቱ እኳ ከምዝውፍየሉን ቃል ኣተወሉ። ጊዮርጊስ መንእሰይ እዩ እሞ ገንዘብን ሽመትን የታልልኦ ይኾና ዝብል ግምት እኳ እንተነበሮ፤ እቲ ፈተንኡ ነቲ ብፍቕሪ ክርስቶስ ንዝነደደ ቅዱስ ጊዮርጊስ ከሰንፎ ኣይከኣለን። መንእሰይ ጊዮርጊስ ሓርበኛ ወንጌል ብምንባሩ ንጥበራን መብጽዓታትን ንጉሥ ዘይረብሕን ዘይጠቅምን ብምባል ብኣሉታ መለሰሉ። ካብኡ ሓሊፉ’ውን ነቲ ንጉሥ ኣብ ልዕሊ እቲ ሕዝቡ ንዝፍጽሞ ግፍዕን ስራሕ ጭካነን ብምቅዋም፡ ነቲ ንጉሥ “ኣብ ልዕሊ ሕዝብኻ ቅኑዕ ፍርዲ ፍረድ ፍትሒ ድማ ግበር” እናበለ ብስም ክርስቶስ ነቲ ንጉሥ ለመኖ። ንጉሥ ግና ተደፈርኩ ብምባል ኣንጸርጸረ። ደጊሙ’ውን ነቲ ንሱ ዘቖሞ ጣዖት ምስ ዘይሰገድን፡ ዳግማይ ነቲ ዘረባ ምስ ዝደግሞን ከቢድ ዘይጽወር ስቓይ ኣብ ልዕሊኡ ከምዘውርድ ብምፍርራሕ፡ ካብ ኢዱ ዘድኅኖ ከምዘየለ ብምዝክኻር ድማ ኣጠንቀቖ። ቅዱስ ጊዮርጊስ ግና ደጊሙ ነቲ ሓቂ ካብ ምዝራብ ከምዘይምለስ፤ ነቲ ጣዖት ከምዘይሰግድን ኣምላኹ ክርስቶስ ኃይልን ጽንዓትን ከምዝህቦ ብምትእምማን ነቲ ንጉሥ ብድፍረት መለሰሉ። 

ቅዱስ ጊዮርጊስን ዝተቐበሎ መከራን 

ቅዱስ ጊዮርጊስ ንሥጋ ብዝምስጥን ብዝማርኽን ኵሉ ጥበራታት ንጉሥ ከይተተዓሻሸወ ተጊሁን ነቒሑን ትምህርቱ ስለዝቐጸለ፡ ተግባራት ጊዮርጊስ ንንጉሥ ዘይጽወር ኮኖ። ስለዚ ድማ ኣብ ልዕሊ ጊዮርጊስ ንነዊሕ እዋን ዝቐጸለ ዝተፈላለየ ዘሰቅቕን ኣዝዮም ከበድቲ ግፍዕታትን መከራታትን በብተራ ክፍጽም ጀመረ። ኮይኑ ግና ቅዱስ ጊዮርጊስ ካብ ሃይማኖቱ ምንቕ ኣየበለን። ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ “ወእፌንወክሙ አነ ማእከለ ተኵላት ከመ አባግዕ” (እንሆ ኣነ ኸም ኣባጊዕ ናብ ማእከል ተዃሉ እሰደኩም ኣሎኹ) ንዝበሎ ቃል ብልቦንኡ ዝተረድኦ ስለዝነበረ፡ እቲ ኣሰካሒ ዝነበረ መከራ በብዓይነቱ ኣብ ልዕሊኡ እንተተበራረየውን ነቲ ዝጀመሮ ወንጌል ብቃል ይኹን ብግብሪ ካብ ምምሃር ንድኅሪት ኣይተመልሰን። እኳ ደኣ እቲ መከራ እናበዘኀ ኣብ ዝኸደሉ ዝያዳ ሰባት ብጽንዓቱ ክግረሙን ብተኣምራቱ ክኣምኑን ስለዝኸኣሉ ንጽቡቕ እዩ ኮይኑሉ። 

ቅዱስ ጊዮርጊስ ዝተቐበሎም መከራ ብዓይነት ይኹን ብብዝኂ ተገሊጾም ዝውድኡ ኣይኮኑን። ካብኣቶም ነቶም ውሑዳት ንምጥቓስ ዝኣክል ብሰንሰለት ተሞቝሑ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣብ እንጨይቲ ተሰቕለ፤ ተገርፈ፤ ተሳቐየ፤ ናብ ሰማይ ከም ኵዕሶ ተቐልዐ፤ ብቍርበት ጠቕሊሎም ኣሠርዎን ገረፍዎን፤ መዓናጡ ዝበታትኽ ብርቱዕ ስሚ ኣስተይዎ፤ ኣብ ልዕሊ መሳምር ብእግሩ ከምዝኸይድ ገበርዎ፤ ኣካላቱ ኣብ ክልተ ክምተርን ክቃጸልን፡ ሓምዅሽቲ ምስ ኮነ ኣብ ደብረ ይድራስ ከምዝዝረው ገበርዎ፤ ብሰበይቲ ፈተንዎ፤ ኣብ ሓዊ ደርበይዎ፤ ሥግኡ ከም እምኒ ብመንኰርኰር ተጠሒኑ ከመ መግቢ እንስሳ ንብዕራይ ሃብዎ፤ ብኲናት ወግእዎ ብማሳ ቀጥቀጥዎ፤ ወዘተ ሰብ ክሰምዖ ዝኸብድ፡ ኣዕይንቲ ክርእይዎ ዘሰቅቕ መከራን ስቓይን ኣብ ልዕሊኡ ኣውረዱ። ይኹን እምበር ንኵሉ ብኃይሊ ኣምላኽ ይስዕሮ ነበረ። ብኸምዚ መገዲ ድማ ንሸውዓተ ዓመታት ወንጌል እናመሃረን መከራ እናተቐበለን ተጋደለ። በዚ ተጋድሎኡ ድማ ብዙኃን ኣሚኖም ጽዋዕ ሰማእትነት ከኣ ኣልዒሎም እዮም። ካብኣቶም ሓንቲ ሰበይቲ እቲ ንጉሥ ዝነበረት እለ እስክንድርያ ንግሥት ትርከቦም እያ። 

ተኣምራት ቅዱስ ጊዮርጊስ 

ቅዱስ ጊዮርጊስ ገድሉ ይፍጽም ኣብ ዝነበረሉ እዋን ኣዝዮም ብዙኃት ተኣምራት የሰንዮ ነበረ። ቅዱስ ጊዮርጊስ ሠለስተ ጊዜ ሞይቱ ፈጣሪኡ ካብ ሞት ኣተንሥኢዎ እዩ። ኣካሉ ብሓዊ ተቓጺሉ ሓሙኽሽቲ ድኅሪ ምቕያሩ ፲፰ ጥሪ ኣብ ደብረ ይድራስ ብነፋስ ድኅሪ ምዝራዉን ምብታኑን እንደገና ብኃይሊ እግዚአብሔር ኣብ ልዕሊ ቖጽሊ ጊዮርጊስ ጊዮርጊስ እናበለ ተረኺቡ እዩ። ነቲ ንጉሥ’ውን ኣርዒዱ እዩ። ኣብ ዝተኣሥረሉ ቤት ድንቂ ሰማያዊ ብርሃን ኣብሪሁ እዩ። 

ተኣሢሩሉ ዝነበረሉ ዝነቐጸ ዓንዲ ጕንዲ’ውን ኣለምሊሙ እዩ። ነቲ መሬት ረጊጹ’ውን ብተኣምር ማይ ኣፈልፊሉ እዩ። ኣእዛኑን ኣፉን እግሩን ድውይ (ስንኩል) ንዝነበረ ኣሕውዩ እዩ። ዝሞተ ኣተንሢኡ እዩ። ንብርቱዕ ስሚ ናብ ዘይጓዳእ መስተ ቐይርዎ እዩ። ወዘተ 

ኣኽሊልን ዕረፍትን ቅዱስ ጊዮርጊስ 

ቅዱስ ጊዮርጊስ ሓቀኛ ምስክር ወንጌል ኮይኑ ኣዝዩ መሪር ዝኾነ መከራ ተዓጊሱ ብምቕባል ንሸውዓተ ዓመት ድኅሪ ምጽናሕ፡ አምላከ ቅዱሳን እግዚአብሔር ይኣኽለካ ስለዝበሎ ሰዓት ተስዓቱ ፳፫ ሚያዚያ ብኢድ እቶም ኣሕዛብ ክሳዱ ብሰይፊ ተሰይፉ ብሰማእትነት ዓሪፉ። 

ብኵሉ ግብርታቱ ንንጉሥ ዱድያኖስ ስለዝተቓወመ እቶም ፸ ነገሥታት ንንጉሥ ዱድያኖስ ክሳዱ ሰይፍካ ኣጥፍኣዮ ኢሎም ምኽሪ ብምሃቦም ናይ መወዳእታ ዕረፍቱ ብሰይፊ እዩ ነይሩ። ይኹን ደኣ እምበር ቅድሚ ምስያፉ፡ ኣብ ቅድሚ እታ ዝተሰየፈላ ቦታ ደው ኢሉ ከምዚ ኢሉ ናብ ፈጣሪ ለመነ “ኦ ኣምላኸይ ክርስቶስ ከም ነቢይ ኤልያስ ምስዚ ከሓዲ ንጉሥ ዝተኣከቡ ነገሥታትን ንጉሡ ዱድያኖስን ጣዖቱ ኣጵሎስን ሓዊ ካብ ሰማይ መጺኣ ክትበልዖም ኣዝዝ።” በለ ከምቲ ዝለመኖ ድማ ፸ ነገሥታት ብሓዊ ተበልዑ። 

ክሳዱ ኣብ ዝተሰየፈሉ እዋን ድማ ደምን ጸባን ማይን ተሓዋዊሶም ካብ ክሳዱ ፈሲሶም እዮም። ስለዚ እዩ ድማ “ቅዱስ ጊዮርጊስ ሶበ ተከለለ ደም ወማይ ወሐሊብ እምነ ክሳዱ ፈልፈለ” ተባሂሉ እተጻሕፈሉ። ገድሉ ፈጺሙ ኣብ ዝዓረፈሉ ብጠቕላላ ክንዲ እቲ ዝተጋደለሎም ሸውዓተ ዓመታት ወዲ ሰብ ዘይሰርሖም ሰማያውያን ኣኽሊላት ብርሃን ካብ እግዚአብሔር ከም ዝተዋህብዎ ኣብ ገድሉ ብንጹር ተቐሚጡ ኣሎ። ስለቲ ልዕል ዝበለ ክብሩን ገድሉን ካብ ሰማይ ድማ ፯ አክሊላተ ብርሃን ተቐበለ። ድኅሪ ምስያፉ ድማ መላእክተ ብርሃን መጺኦም ብኽብሪ ነፍሱ ኣዕሪጎማ። ዝተፈላለየ ተኣምራት ድማ ተፈጺሞም። ሰዓብቱ ድማ ኣስከሬኑ ሒዞም ተሸኪሞም ኣብ ዝኸዱሉ ልዳ ኣብ ዝተባህለት ሃገሩ ቤተ ክርስቲያን ኣስሪሖም ቅዳሴ ቤቱ ፯ ሕዳር ኣኽበሩ። ኣጽሙ ድማ ብኽብሪ ኣብ ቤተ መቕደስ ኣንበርዎ። ክሳብ ሎሚውን ኣብ መቓብሩ ንሱ ኣብ ዝረገጾም ቦታታት ተኣምራት ክፍጸም ይነብር ኣሎ። ፈወስቲ ማየ ጸሎታት ድማ ብስሙ ፈልፊሎም እዮም። 

ቃል ኪዳን ቅዱስ ጊዮርጊስ 

ካብዚ ዓለም ቅድሚ ምስንባቱ ካብ እግዚአብሔር ኣምላኽ ቃል ኪዳን ተቐቢሉ እዩ። ስሙ ጸዊዑ ዝምሕጸኖን፡ ብስሙ መከራ ንዝቕበልን ዝኽሩ ንዝዝክርን፤ ብስሙ ቤተ ክርስቲያን ንዝሃንጽን፡ ብስሙ ንድኻ ዝርኅርኅን ፈጣሪኡ ክርስቶስ ኣሥራተ ምሕረት ከምዝገብረሉ ብጸሎት ተራኺቡ ኣሥራት ከምዝተቐበለ ገድሉ ይገልጽ። 

ክብረ በዓላት ፍጡነ ረድኤት ቅዱስ ጊዮርጊስ 

ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ድማ ብገድሎም ካብቶም ብርሃን ዝኾንዋ ደቃ ሓደ እቲ ብሰማእትነት ዝሓለፈ ቅዱስ ጊዮርጊስ እዩ እሞ ስለቲ ዝፈጸሞ ዓቢይ ገድሊ ወትሩ ዕረፍቱ ፳፫ ሚያዚያ ብዓቢ ድምቀት ከተኽብሮን ክብ ብዝበለ ሥነ ሥርዓትን ክትዝክሮ ትነብር ኣላ። ከምኡውን ኣጽሙ ዝተዘርወሉ ፲፰ ጥሪ፤ ቅዳሴ ቤተ ክርስቲያኑ ድማ ፯ ኅዳር ይኸብር። 

ቅዱስ ጊዮርጊስ ናይ ሰማእታት ኾኸብ፤ ናይ ቤተ ክርስቲያንና ብርሃን እዩ። ቅዱስ ጊዮርጊስ ስለቲ ቅኑዕ ነገር ካብ ሰብ ንእግዚአብሔር ምእዛዝ ከም ዝግባእ ከም ሓዋርያት ብግብሪ ዘመስከረ ኣቦ እዩ። ሓቀኛ ናይ ወንጌል መምህር ማለት ብቃል ጥራይ ዘይኮነስ ብግብሪ ምዃኑ’ውን ብሕይወቱ ኣብነት ዝኾነ ዓቢይ መምህር እዩ። ስለ ወንጌል ድማ መከራ ምጽጋብን ንኵሉ ጸዋተወ መከራ ምዕጋስን ከምዝግባእን፡ እቲ ብዝኂ ምረት ብዘየገድስ ኣብ ፍረን ሰማያዊ ክብርን ከምዘበጽሕ ቅዱስ ጊዮርጊስ ብሕይወቱ ዘመስከሮ ናይ ወንጌል ሓቂ እዩ። 

ቅዱስ ጊዮርጊስ ብንእስነቱ ኣነ ሽመት ወይውን ማዕርግ ቤተ ክርስቲያን የብለይን እንታይ ኸ ገደሰኒ ከይበለ፤ ብፍቕሪ ክርስቶስ ተደሪኹ ገና ኣብ ንእስነቱ ስለ ሃይማኖቱ ዝተጋደለ ኣቦ እዩ። ክሳብ ሕጂ’ውን ብቃል ኪዳኑ ፍጡነ ረድኤት ኮይኑ ዝራዳእ ምዃኑ ቤተ ክርስቲያን እትኣምነሉን በረኸቱ ዘስተማቐሩ ድማ ዝያዳ ዝገልጽዎ እዩ። 

ሎሚ’ውን እንተኾነ ከም ቅዱስ ጊዮርጊስ ዝኣመሰሉ መንእሰያት ቤተ ክርስቲያን እምብዛ የድልያ እዩ። ሥጋዊ ፍቓዳቶምን ሓሳባቶምን ንጐኒ ገዲፎም፡ ምኽሪ ዲያብሎስ ከይሠዓሮም ስለ ሃይማኖቶም ብጽንዓት ዝቃለሱ መንእሰያት ብሓቂ ክህልዋ ቤተ ክርስቲያን ትድለየለሉ እቲ ቅኑዕ ጊዜ እዩ። 

በረኸትን ረድኤትን ፍጡነ ረድኤት ሊቀ ሰማእታት ቅዱስ ጊዮርጊስ የሕድረልና። 

እግዚአብሔር አምላኽ ብምሕረቱ ከም ቅዱስ ጊዮርጊስ ዝኣመሰሉ መንእሰያት ንቤተ ክርስቲያን የተሥኣላ። 

Maeadot at 2:38 PM
Share

2 comments:

AnonymousMay 12, 2011 at 1:05 AM
amlak yehagezekum qduse giorgis ayefelekum!

Reply

AnonymousAugust 9, 2011 at 6:42 AM
Tsega,bereketn amaladnetin nay Fitune Rediet Mekbibe Semait Kidus Giorgis mis kulatna yikun!!!

Reply

Load more…


Home
View web version
About Me

Maeadot
Eritrean Orthodox Tewahido Church
View my complete profile
Powered by Blogger.

ሓዋርያ ሉቃስ

HOME
TEACHING
ABOUT ME
PHOTO GALLERY
VIDEOS
LITERATURE
MEMBERS

Teaching
view:  full / summary
Negere Kidusan
Posted by million.isaac on November 2, 2013 at 12:05 PM comments (0)
ነገረ ቅዱሳን
ጥቅምቲ፳፪-ዕረፍቱ ለሉቃስ ወንጌላዊ

በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣኃዱ ኣምላኽ ኣሜን።

ሉቃስ ማለት መበሰሪ፡ ብስራተ መልኣኽ ስለ ዝጸሓፈ(ሉቃ፩፡፳፮/1፡26) ኣንድም—ዐቃቤ ሥራይ ዘሥጋ ክኸውን ከሎ ዐቃቤ ሥራይ ዘነፍስ ክትከውን ኢኻ ኢሉ ጎይታ ጸውዖ
(ቆላ፭፡፲፬/5፡14) ቁጽሩ ካብ ፸፪ ኣርድእቲ ኢዩ።
ንኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ኣዝዩ የፍቅራ ስለ ዝነበረ፡ ካብ ፍቕራ ዝተላዕለ ስእላ ሰኣለ።ናይ ኣዴና ሥእሊ መጀመርታ ዝሠኣለ ወንጌላዊ ሉቃስ ኢዩ። ኣብ ቤተ ክርስቲያን’ውን ዝርከቡ ናይ ጸሎትን መዝሙርን መጻሕፍቲ ሥእሊ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ዝሰኣሎም ኢዮም።
“ሰላም ለሥእልኪ እንተ ሠዐላ በእዱ ፡ሉቃስ እምወንጌላውያን ኣሓዱ (መልክዐ ሥዕል ስንክሳር 22/፳፪ ጥቅምቲ ከም ዝብል።
ነቲ ዝሰኣሎ ስእሊ እና ሸጠ ከኣ ዕለታዊ መግቡን ክዳኑን ኣትሪፉ ብስም ቅድስት ድንግል ማርያም ይምጽውቶ ነበረ።
ብመንፈስ ቅዱስ መሪሕነት ዝሰኣሎ ስእሊ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ምስ ፍቁር ወዳ ልክዕ ብኣከለ ስጋ ከም ዘላ ገይሩ ይስእላ ነበረ፡ “ወይእቲ ሥዕል ትመስል ልብስተ ሥጋ ወያንጸፋጽፍ ሐፍ እምኔሃ” ከም ዝብል መቅድም።
ቅዱሳን ሃዋርያት ነናብ ዝኸድዎ ናይ ትምህርቲ ቦታ ብዕጫ ናብ መላእ ዓለም ክኸዱ ከለዉ ቅዱስ ዮሓንስ ኣብ ጽርዕ በጺሑ ክኸይድ ከሎ ብሓንሳብ ከዱ ካብ ሃገረ ስብከቱ ንመቄዶንያ ከፊሉ ከኣ ኣብኡ ክምህር ገዲፍዎ ከደ። ከም ኩሎም ሃዋርያት ናይ ክርስቶስ ወንጌል ብዝግባእ ማሃረ። ብድሕሪ’ዚ ወንጌል ናብ ዘይበጽሖ ቦታ ተበገሰ። ናይ እስክንድርያ መስፍን ዝነበረ ቴዎፍሎስ ዝመሃርካና ምእንቲ ከይንርስዖ ብጽሑፍ ገርካ ሃበና በሎ። ነቲ ዝማሃሮ ኩሉ ድማ ብጽርዕ ጽሒፉ ሂብዎ ከደ። ግዜኡ ድሕሪ ዕርገት ጎይታ ኣብ መጀመርታ መበል ፳፩ ዓምት ኢዩ ነይሩ። እዚ ከኣ ቀላውዴዎስ ቄሳር ካብ ዝነግስ ኣብ መበል ፲፬ ዓመቱ ኢዩ። ብድሕሪኡ ካኣ ንግብረ ሃዋርያት ጽሒፉ ለኣኸሉ።(ሉቃ፩፡፩/1፡1፡ ግ.ሃዋ፩፡፩-፪/1፡1-2)
ብድሕሪ እዚ ንቅዱስ ጴጥሮስን ቅዱስ ጳውሎስን ተኸቲሉ ኣብ ሮማ ዝነበሩ ህዝቢ ንኽምህር ከደ። ንሮማውያን ከኣ ካብ ኣምልኾ ጣዖት ናብ ኣምልኾተ እግዚኣብሔር መለሶም። ናይ ጣዖት ካህናትን እቲ ናይቲ ዘመን ገዛኢ ዝነበረ ጨካን ዓላዊ ንጉስ ኔሮንን ሉቃስ ዝተባህለ መሰርይ ንኣምልኽትና ሰባበረልና ንህዝብና ከኣ ኣስሓተልና እና በሉ ንሰባት ከናዕቡ ጀመሩ። ኣብ መወዳእታ ከኣ በቲ ቅዱስ ሉቃስ ዝገብሮ ዝነበረ ንሕሙማት ምፍዋስ፡ ንሙዉታት ምትንሳእ ንዝተደነሱ ምፍዋስን ኔሮን ንጉስ ኣዝዩ ስለ ዝተቖጥዐ ወተሃደራት ልኢኹ ናብ ቤቱ ኣምጽኦ። ነታ ኢየሱስ እና በለት እጥጽሕፍ ዘላ የመነይቲ ኢዱ ትቆረጽ ኢሉ ከኣ ኣቕረጻ። እንተኾነ ቅዱስ ሉቃስ ” ኦ! እግዚኣብሔር እቶም ንምቑራጽ ኢደይ ዝረኣዩ ሰባት እቲ ዘድሕን ዝብልዎ ኣምላኾም ድኣ ኣበይ ኣሎ፧ እንተድኣ ኣልዩስ ስልጣኑ ድኣ ንመዓስ ክኾኖም ኢዩ፧ ምእንቲ ከይብሉስ እዛ ኢደይ ናብታ ዝነበረታ ምለሳ” እና በለ ጸለየ። ቅዱስ እግዚኣሔር ከኣ ንኢዱ ከምታ ዝነበረታ ገበራ። ነዚ ተኣምር እዚ ዝረኣዩ ብዙሓት ሰባት ብእግዚኣብሔር ኣመኑ።
በቲ ዝተፈጸመ ነገር ኣብ ክንዲ ነቲ ሓያል ኣምላኽ ምእማን ከም ፎርዖን ልቡ ዘትረረ ኔሮን ንኹላቶም ብስሕለት ሴፍ ክሞቱ ኣዘዘ። ቅዱስ ሉቃስ’ውን ክሳዱ ብስሕለት ሴፍ ስጋኡ ሰባት ምእንቲ ከይረኽብዎ ናብ ባሕሪ ደርበዮ።እንተኾነ ምእመናን ረኺቦም ቀበርዎ። ጸሎቱን በረኸቱን ናይ ቅዱስ ሉቃስ ምስ ኩላትና ይኹን። ናይ ኩሎም ናይዛ ዕለት እዚኣ ሰማእታት በረኸቶም ኣይፈለየና።ኣሜን።
ወስብሃት ለእግዚኣብሔር
ወለወላዲቱ ድንግል
ወለመስቀሉ ክቡር
ኣሜን!!

ምንጪ፡ ብትምህርቲ ሰንበት ማሕበር ማርያም 
source @  mahberemariam.

Negere Maryam
Posted by million.isaac on October 14, 2013 at 7:50 PM comments (0)
 
ነገረ ማርያም.
 
ካብ ንጹሃት ንጽህቲ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም
                       
        በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን

ካብ ንጹሃት ንጽህቲ 
ካብ ነገረ ማርያም ፦እዚ ዓምዲ’ዚ ናይ ኣደና ቅድስት ድንግል ማርያም፣ ቅድስና፣ ድንግልና፣ ንጽህና፣ ክብርን ኣማላድነትን ዝነግር ዓምዲ እዩ። ንሎሚ እምበኣር ካብ’ቲ ብዙሕ ብውሑድ ብድሩት ዕቕምና ካብ ነገረ ማርያም መሰረት ብምግባር ብመጠኑ ኣቕሪብና ኣለና እሞ እግዚኣብሔር ብረዲኤቱን ምሕረቱን ኣደና ቅድስት ድንግል ማርያም ብኣማላድነታን ጸሎታን ምሳና ይሃሉ።
ካብ ንጹሃት ንጽህቲ ፦
ንኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ብዙሓት ኣቦታት ብብዙሕ መንገድታት ገሊጾምዋ ኢዮም። ሓደ ካብዞም ኣቦታት ጥበበኛ ሰሎሙን ኢዩ። ኣብ መኃልየ መኃልይ መጽሓፍ ብሓፈሻ ኣብ ምዕራፍ 4፥7 ድማ ብፍላይ እቲ ናታ ክብሪ ገሊጽዎ ኣሎ። “ኦ ፍቅርተይ ኩሉንትናኺ ጽብቕቲ ኢኺ” ብምባል ንኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ብኩልንትናኣ ጽብቕቲ ከም ዝኾነት ይገልጽ። እዚ ጽባቐ ደጋዊ ዘይኮነ ውሽጣዊ፣ ስጋዊ ዘይኮነ መንፈሳዊ’ዩ። ወይ’ውን ናይ ኣካላት ቁመና ጽባቐ ኣይኮነን ዝገልጽ ዘሎ፣እንታይ ድኣ ናይ ውሽጢ ኣካላት ጽባቐ’ዩ። እግዚኣብሔር ክመርጽ ወይ ክሓሪ ከሎ ደጋዊ ጽባቐ ወይ ናይ ኣካላዊ ቁመና ጽባቐ ኣይኮነን ዝርኢ። ደጋዊ ቁመና ዝሓሪ እንተ ዝኸውን ነቲ ቦኽሪ ወዲ እሴይ ንኤልያብ ምመረጸ ነይሩ (1ይ ሳሙ16፥17)። “ንሰሜን፣ንደቡብ፣ ንምብራቕ፣ ንምዕራብ፣ ጠመተ ከማኺ ዝበለ ኣይረኸበን” ብምባል ኣባ ሕርያቆስ ኣብ ቅዳሴ ገሊጹዎ ኣሎ። ብሓቂ እግዚኣብሔር ኣምላኽ ከም ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ዝበለት ብኩልንትንኣ ዝተመርጸት ከቶ ኣይረኸበን። እሞ መሕደሪኡ ክትከውን በሃጋ (መዝ 132፥13) ነቲ ኣዳምን ሔዋናን ዝበደልዎ በደል ንምድምሳስን ካሕሳ ንምሃብን ካብ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ተወሊዱ ንከድሕነና መሕደሪኡ ንኽትከውን መረጻን በሃጋን። ጥበበኛ ሰለሙን ቀጺሉ’ውን “ሕፍቲ ውን የብልክን” ብምባል ነቲ ቀዳማይ ሓሳቡ ብዝግባእ ጽቡቕ ገይሩ ገሊጽዎ ኣሎ። ቅዱስ ያሬድ ውን ነዚ ናይ ሰለሙን ቃል መሰረት ብምግባር ኣብ ኣንቀጸ ብርሃን ዝተባህለ ምጽሓፍ “ኣንቲ ውእቱ ንጽሕት እምንጹሐን” ካብ ንጽሐት ንጽሕቲ ኢኺ ክብል ሞጕስዋ ኣሎ።

ሕፍቲ እንታይ ማለት እዩ። ሕፍቲ ማለት፣ ኣበር፣ ርኽሰት፣ ሓጢኣት፣ ጉድለት፣ ማለት’ዩ። እወ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ኣበር፣ ርኽሰት፣ ሓጢኣት ፣ ጉድለት የብላን። ንምዃኑ ግን ሓጢኣት (በደል ብኸመይ መጺኡ፣ እንታይ ሳዕቤንከ ኣምጺኡ፣ ዝብል ሕቶታት ምምላስ ከድልየና ኢዩ። ሓጥያት (በደል ናብ ዓለም ዝመጸሉ ምኽንያት ኣቦና ኣዳምን ኣደና ሔዋንን እቲ እግዚኣብሔር ዝሃቦም ትእዛዝ ስለ ዘይሓለዉ፣ ዘይግብኦም ፍረ ስለዝበልዑ’ዩ ናብ ዓለም መጺኡ። ዘምጽኦ ሳዕቤን ድማ ጥንተ ተኣብሶ ብግእዝ ኮይኑ (ቀዳማይ ሓጢኣት፣ ወይ ኣዳማዊ ሓጢኣት ማለት’ዩ፣ ሞተ ነፍሲ ኢዩ። ኣዳማዊ ሓጢኣት እምበኣር ናይ ጸጋ ሙጉዳል፣ ናይ ነፍሲ ርኽሰት፣ ናይ ሓጢኣት መቅጻዕቲ ኢዩ። ንኣቦና ኣዳም ንምድሪ ብርሃጽ ገጹ ክዓያ፣ ብጻዕሪ ክበልዕ፣ እሾኽን ተኾርባን ከተብቅለሉ ተረጊሙ። ንኣዴና ሔዋን ድማ ብጻዕርን መከራን ክትወልድ፣ ከምቲ ነታ ዕንጨይቲ ዘድመኽያ፣ ደም ድመዪ ዝብል መርገም ተዋህባ። እዚ ኩሉ ብሰንኪ ትእዛዝ ዘይምሕላዎም ዝሰዓበ’ዩ ካብ ገነት ውን ተሰጉ። ጥንተ ተኣብሶ እምበኣር መርገመ ስጋ መርገም ነፍሲ ዘስዓበ ኢዩ “ሞታ ለነፍስ ርሒቅ እም እግዚኣብሔር” (ማር.ኢሳቅ። እዚ ኩሉ ንኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ኣይበጸሓን፣ ካብዚ ኩሉ ነገራት ንጽህቲ ኢያ። ሎሚ ግን ብዙሓት ሰባት ነዚ ምጽሓፍ ቅዱሳዊ ዝኾነ ሓቒ ገዲፎም ናይ ጥርጥር፣ ናይ ክሕደት ቃላት ክዛረቡ ይረኣዩ ኣለዉ። ኣዴና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ሓጢኣት ኣዳም ተመሓላሊፍዋ ኢዩ ብምባል ይዛረቡ። ከም መወከሲ ድማ ሓደ ሓደ ጥቅስታት ብምልዓል ይካትዑ ኢዮም። ካብቲ ዘልዕልዎ ገለገለ ጥቅስታት ክንርኢ ኢና።

1. ኣብ (ሮሜ 5፥12) ንዘሎ ጥቅሲ ብምልዓል ይዛረቡ፦ “ብሰሪ ሓደ ሰብኣይ ሓጢኣት ናብ ዓለም መጸ። ብምኽንያት ሓጢኣት’ውን ሞት መጸ፣ ኩላቶም ስለ ዝበደሉ ድማ ሞት ናብ ኩሉ ሰብ ተመሓላለፈ” ንዝብል ጥቅሲ ኣልዒሎም ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ሓጢኣት ኣዳም ኣለዋ ይብሉ። ሓጢኣት ኣዳም እንተነይርዋ እቲ ዝወለደቶ ክርስቶስ ውን ሓጢኣት ኣለዎ ማለት’ዩ። ንሕና ግን ከምኡ ኣይንብልን ንሱ ሓጢኣት ዘይብሉ ንጹሀ ባህሪ ዝኾነ ኣምላኽ ኢዩ። ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ውን ዝተፈልየት ኣደያ። ከመይሲ ሓጢኣት ኣዳም ዘይብላ ገይሩ እግዚኣብሔር ከም ትውለድ ስለ ዝገበረ። “መንፈስ ቅዱስ ዓቀባ እምከርስ እማ” ከም ዝተባህለ፣ ትርጉም ውዳሴ ማሪያም ናይ ረቡዕ፣ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ማህጸን ኣዲኣ ከላ ዓቀባ። ካብ ኩሉ ሓጢኣትን በደልን ከም ዘይሓልፋ ገይሩ ኣኽቢርዋ’ዩ ኣበር ዘይብላ ንጽህቲ፣ ንምርዳእ ብቃል ነቢያት ገሊጽዎ ኣሎ “እንሆ ድንግል ክትጸንስ ወዲ ውን ክትወልድ እያ” ይብል (ት.ኢሰ 7፥14)። ግዚኡ ኣኺሉ መዓልቲ ቆጸራ ድሕነት ኣዳም ምስ ኣኸለ መልኣኽ ከበስራ ከሎ “ኣነ ድንግል እየ” በለት (ሉቃ 1፥34)። ከመይሲ ንእግዚኣብሔር ዝሰኣኖ ነገር ስለዘየለ ብዘይ ኣበር ከም ትውለድ ገበረ። እዚ ከመይ ኢሉ ይኸውን ሰብ እንተኾይና ብዘርኢ ኣዳም ዝመሓላለፍ ሓጥያት ግድን ኣለዋ ብምባል ይካትዑ። እስኪ ብሰባት ዘይከውን ወይ ዘይከኣል ዝመስል ነገር ብኣምላኽ ግን ቀሊል ዝኾነ ነገር ክንርኢ ፦ብድንግልና ዝወለደት ኣደ ኣላ ድያ? መጽሓፍ ቅዱስ ግን ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ብድንግልና ከም ዝወለደት ይነግር። “ንሰብ ዘይከኣሎ ንኣምላኽና ግና ኩሉ ይከኣሎ እዩ”(ማቴ 19፦26)። ንኣምላኽ ዝሰኣኖ የለን(ሉቃ 1፥37)። ንእምኒ ዘዘምር (ሉቃ 19፦40)፣ ንኣድጊ ዘዛርብ (ዘሁ 22፦2፣ መዓልታት ንዝሓለፋ ኣደ ዘውልድ (ሉቃ 1፦18-24, ዘፍ 18፦10) ኩሉ ዝኽእል እዩ’ሞ ከምዝደለዮ ብዝደለዮ ገይሩ ዝሰርሕን ዝፍጽምን እዩ። እዚ ብሰብ ኣይከኣልን’ዩ ብኣምላኽ ግን ቀሊል እዩ። ንኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ናይ ኣዳም ሓጥያት (ጥንተ ተኣብሶ ነጻ ብምግባር ንጽሕቲ ኮይና ከምትወልድ ገበረ። ኣብ ትንቢተ ኢሳይያስ 1፦8 -9 ዘሎ ቃል’ውን ነዚ ዝነግር እዩ። “ኢዮሩሳሌም ከኣ ከም’ቲ መከላኸሊ ዘይብሉ ኣብ ማእከል ኣታኽልቲ ወይኒ ዘሎ ዋላ ኣብ ግራት ብርጭቅ ዘሎ ኣጉዶን ብጸላኢ ከምዝተከበት ከተማ ተሪፋ ኣላ።” እዚ ንእዋኑ ንኢዮሩሳሌም’ዩ፣ ፍጻሜኡ ግን ንኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ዝነበረ ትንቢት’ዩ። ካብ ሓጥያት ፣ ካብ በደል ነጻ ኮይና ከምትውለድ ዝነግር’ዩ። ኣስዒቡ’ውን ገለ ሒደት ትርፊ እንተዘይሓድገልና ከም ሰዶም ምኾና፣ ንጎመራ ምመሰልና ብምባልይዛረብ። ብሓቂ ንኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም እንተዘይሓድገልና፣ ካብ ሓጥያትና ዘድሕነና እንተዘይትወልደልና ከምተን ዝጠፍኣ ከተማታት ምኾና ኔርና።
ከምኡ’ውን ኣብ መጽሓፍ መሳፍንቲ ሰሎሙን ንቤት መቕደስ ኣንጽሃ፣ ቀደሳ ፣ (1ይ ነገስት 8፥7-11) ዝተባህለ’ውን ርክሰት ሃልይዋ ወይ ስለዝነበራ ኣይኮነን እንታይ ድኣ ብስም እግዚኣብሔር ንእግዚኣብሔር መሕደሪ ክትከውን ኣኽበራ፣ ፈለያ፣ መረጻ ማለት’ዩ።
ብተመሳሳሊ ቅድስት ኣዴና ድንግል’ውን “ኣንጽሆ ስጋሃ” ማለቱ ሓጢኣት ስለዝነበራ ኣንጽሃ ማለት ኣይኮነን። ንስጋኣ ኣኽበሮ፣መሕደሪኡ ክትከውን በሃጋ ማለት እዩ። ኣዴና ቅድስት ድንግል ቅድሚ ንጎይታ ምውላዳ ቅድስትን ንጽህትን እያ። ቅድሚ ንጎይታ ምውላዳ ሓጥያት እንተዝነብራ ንጎይታ ክትወልድ ኣይምኸኣለትን ምኽንያቱ እቲ ብባህሪኡ ንጹህ ዝኾነ ኣምላኽ ኣብ ንጹህ ደኣ እምበር ኣብ ረሳሕ ኣይነብርን እዩ። ከመይ’ሲ ከምቲ ንኣቦና ዳዊት ዝተባህሎ “ንስኻ ተዋጋኢ ሰብ ኢኻ፣ ደም ድማ ኣፍሲስካ ኔርካ ኢኻ እሞ ንኣይ ቤት ኣይትሰርሓለይን ኢኻ” (1ይዜና 28፦3)። ግናኸ ንስኻ ዘይኮንካ ወድኻ ኢዩ ዝሰርሓለይ ብምባል ተዛረቦ። ኣብ’ዚ ከምንርድኦ ነዚ እግዚኣቢሔር ዝሓድረሉ ቤት መቅደስ ብዓቢ ጥንቃቐን ንጽህናን ክሰርሖ ካብ ተደልየ፣ ኣካላዊ ቃል ምስ ስጋ እተዋሃህድ መቕደስ ድኣ ብከመይ ብዝበለ ንጽህናን ቅድስናን ድንግልናን ክትህነጽ ዘይግብኣ። እቲ ኣቦና ጥበበኛ ሰሎሙን ዝሰርሖ ቤት መቕደስ እግዚኣቢሔር ዝሓድረሉ ቦታ’ዩ። እታ ዝዓበየት ቤት መቕደስ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ግን ካብ ሰለስተ ኣካል ሓደ ኣካል ጎይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተወሃሃደላ፣ ምስጢር ናይ ተዋህዶ ዝተፈጸመላ ሰፈር እያ። ካብ ምሕዳር ምውህሃድ ይዓቢ፣ ይከብር ስለዝኾነ። ከመይ’ሲ ምሕዳር ኣብ ኩሉ ፍጥረታት ዘሎ እዩ። ምውህሃድ ግን ኣብ ማንም ኣይተፈጸመን ብጀካ ኣብ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም።
3. ቅዱስ ገብሪኤል ከበስራ ዝተላእከ መጀመርታ ነቲ ዝነበራ ሓጢኣት ክድምስሰላ ደሓር ድማ ጎይታ ካብኣ ከምዝውለድ ክነግራ እዩ መጽዩ ይብሉ።
እዚ ካብ ሓቂ ዝረሓቐ፣ ካብ ምስጢር ቕዱሳን መጻሕፍቲ’ውን ውጹእ’ዩ።
ሀ. ከመይሲ መላእኽቲ ነቲ ዝነበረ ሓጢኣት ወይ ጥንተ ተኣብሶ ዝድምስሱ እንተኮይኖም ብቅድሚ ኣዴና ቅ/ድ/ማርያም ንብዙሓት ኣንስቲ ኣበሲሮም ኢዮም።ንኣብነት ኣብ ብሉይ ኪዳን ከም በዓል ሰበይቲ ማኑሄ (መሳ13፣1-20)። ኣብ ሓድሽ ኪዳን ካህን ዘካርያስ (ሉቃ 1፣13-20)፣ ካልእ ምርኣይ’ውን ይክኣል’ዩ። ካብ ናይ ሓጢኣት ኣርዑት ነጻ ምወጹ ነይሮም`ወይ ድማ ኣዳማዊ ሓጢኣት ምጠፈኣሎም ነይሩ።
ለ. ብካልእ ወገን ብስራት መላእኽቲ ካብ ጥንተ ተኣብሶ ዘድሕን እንተ ኮይኑ አእላፋት መላእክቲ ተላኢኮም ንኣዳምን ደቁን መድሓንዎ ነይሮም። ተበጃውነት ናይ ክርስቶስ እውን ኣይመድለየን ነይሩ።
ሐ. ብስራት ቅ.ገብርኤል ካብ ጥንተ ተኣብሶ ዘድሕን እንተኾይኑ ምስ ናይ ጎይታ ሞት ማዕረ ማለት’ዩ ። ስለዚ በዚ ዓበይቲ ምኽንያታት መሰረት እዚ ኣበሃህልኦም ካብ ሓቂ ዝርሓቀ ከም ዝኾነ ምርዳእ የድሊ።
ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ቅድሚ ሊቀ መላእክት ቅ.ገብርኤል ምልኣኹ ቅድስትን ንጽህትን ከም ዝነበረት፣ ሓጢኣት ኮነ ኣበር ከምዘይነበራ ኣባ ህርያቆስ ኣብ ቅዳሴ ማርያም “ወሰበ ርእየ ንጽህናኪ ለሊሁ እግዚኣብሄር ኣብ፣ ፈነወ መልኣኮ ብርሃናዌ ዘስሙ ገብርኤል” ብምባል ይገልጽ። ትርጉሙ ድማ “እግዚኣብሄር ኣብ ንጽህናኺ ምስ ረኣየ፣ ገብርኤል ዝበሃል ብርሃናዊ መልኣኽ ለኣኸ” ይብል ኣቐዲሙ ንጽህናኣ ረኣየ፣ መረጸ፣ ሓረየ፣ ብድሕሪኡ መሕደሪቱ ክትከውን ንቅዱስ ገብርኤል ከበስራ ለኣኾ ብምባል እቲ ሓቀኛ ዝኾነ ቃል ይዛረብ። ብሓቒ ኣዴና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ሓጢኣት ዘይብላ ስለዝኾነት ንሓጢኣት ዘይብሉ ጎይታ ወሊዳ፣ እወ ብሓቂ በደል ዘይብላ ንበደል ዘይብሉ ጎይታ ስለ ዝወለደት። እወ ብርግጽ ጉድለት ዘይብላ ንጉድለት ዘይተረኽቦ ሓያል ኣምላኽ ስለ ዝወለደት። እወ ብሓቂ ዘገርም ምስጢር’ዩ ከመይሲ ኣበር፣ ርኽሰት፣ በደል፣ ሓጢኣት፣ ጉድለት፣ እንተ ዝነብራ እቲ ካብኣ ዝተወልደ ጎይታ’ውን ርኽሰት፣ ኣበር፣ ሓጢኣት፣ ጉድለት፣ ዘለዎ ምኾነ ነይሩ። ንሱ ግን እቲ ዝወለደቶ ብዘይ ጥርጥር ሙሉእ፣ ጻድቅ፣ ጉድለት ዘይብሉ ኣበር ዘይብሉ፣ ሓጢኣት ዘይብሉ ኣምላኽ ኢዩ። “ብርቱዕ ኣምላኽ፣ ኣቦ ዘለኣለም፣ መስፍን ሰላም” ተባሂሉ ተመስኪርሉ ኣሎ (ኢሳ 9፥6-7)። ከምኡ’ውን “እከይ ዘይገበረ፣ ሓሶት ኣብ ኣፉ ዘይተረኽበ ኽነሱስ፣ ምስ ሓጥኣን ከም ዝመውት ገበሩ”(ኢሳ 53፣9) ብምባል መስኪሩ ኣሎ።
4. “ኩሎም ተባላሽዮም ፍንፉን ግብሪ ይገብሩ፣ ሰናይ ዝገብር ሓደ እኳ የልቦን” (መዝ 53፣1)፣ ዝብል ቓል ብምልዓል ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም’ውን ሓጢኣት ነይርዋ እዩ ይብሉ። እዚ ልምዲ እዚ ግና ናይ ተጣራጠርቲ እዩ። ንሓደ ምዕራፍ ከየንበብካ ንሓደ ቓል ነጺልካ ምውሳድ ኣመሎም እዩ እምበር፣ ኣብ መወዳእታ ናይዚ ምዕራፍ ኣብሪሂዎ ኣሎ።” ኣየ ካብ ጽዮን ምድሓን እስራኢል እንተ ዝመጽእ፣ ኣምላኽ ምርኮ ህዝቡ ምስ መለሰ ደቂ እስራኤል ክሕጎሱ እዮም፣ ባህ’ውን ክብሎም ኢዩ። ንኩሎም እተዝኸውን ንጽዮን ፈልዩ መድሃኒት ከም ትወልድ ኣይምተዛረበን ። ስለዚ ኣዴና ቅድሰት ድንግል ማርያም ከምቲ ቅዱስ ገብሪኤል መልኣኽ ዝበላ ጉድለት ዘይብላ ምልእተ ጸጋ እያ። ደቂ ሰባት ግን ድኹማት ስለ ዝኾና እምነት አንተ ሓዝና ምግባር ይጎድለና ምግባር እንተለና’ውን እምነት ይጎድለና ምልኣት የብልናን ጎዶሎ ኢና። ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ግን ካብ ኩሎም ደቂ ሰባት ዝተፈልየት ሰለ ዝኾነት “ምልእተ ጸጋ” ብጸጋ ዝተመልአት ፣ ጉድለት ዘየብላ ድንግልናን ንጽህናን ዝሓዘት እያ። ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ካብ ሰባት ዝተፈልየት ዝተመርጸት፣ ዝነጸሀት ስለ ዝኾነት ዓቢይ ቅድስና ስነ-ምግባርን ዝሓዘት ኣደ እያ። ካብ መላእኽቲ’ውን ትበልጽ ብድንግልና ሕልናን ብድንግልና ስጋን ንኽልቲኡ ስለ ዘማልአት፣ እዚ እዩ ከኣ ካብ ፍጥረታት ፍልይቲ ዘብላ። እግዚኣብሔር ኣምላኽ ድማ መሕደሪኡ ክትከውን መረጻ። ስለዚ መንፈሳዊ ቅድስናኣን ንጽህናኣን ምፍላጥ የድልየና እዩ።
ቅድስና ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም፦
1.ንጽህና ስጋ 4.ድንግልና ስጋ
2. ንጽህና ነፍሲ 5.ድንግልና ሕልና
3.ንጽህና ልቦና 6.ድንግልና ልቦና
ዘማለአት ቅድስተ ቅዱሳን፣ ናይ ደናግል ድንግል ንጽህት እምንጹሃን እያ። እዚ ዓበይቲ ናይ ቅድስና ስነ-ምግባር ስለ ዘለዋ እያ ናይ ስላሴ መሕደሪ፣ ምስጢር ናይ ተዋህዶ ዝተፈጸመላ ሰፈር (ታቦት ክትከውን ዝበቐዐት። ነቲ ብኣቦና ኣዳምን ብኣዴና ሄዋንን ዘጥፋእናዮ ጸጋ ውሉድነት ነቲ ዝነበረና በደልን መቕጻዕትን ካብ ድንግል ማርያም ብዝወረሶ ስጋ ኢና እምበኣር ድሕነት ስጋ ድሕነት ነፍሲ ረኺብና ዘለና። ነዚ ድሕነት ክንረክብ ዘኽኣለትናን መሰረት ዝኾነትናን እምብኣር ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ኣያ።ከመይሲ ምስጢር ናይ ድሕነትና ክትከውን ዘኽኣላ እዚ ቅድስናን ንጽህናን ምልኣት ድንግልናኣን ኢዩ። ብናይ ኣቦና ኣዳምን ኣዴና ሔዋንን ሓጢኣትን ምመቕጻዕትን ኩኡ ሰብ ኣብ ኩነኔን መቕጻዕትን ይነብር ነበረ። ናይ ብዙሓት ኣቦታት ጸሎትን ምህልላን ናይ ብዙሓት እንስሳታት መስዋእቲ እኳ ይግበር እንተ ነበረ፣ ድሕነትን ነቲ ዝጠፈአ ጸጋ ክመልስ ኣይከኣለን። ከመይሲ እቲ ናይ ኣቦና ኣዳምን ኣዴና ሄዋንን ዝገበርዎ ሓጢኣትን በደልን ብናይ እንስሳታት ደምን ብናይ ሰባት ጸሎትን ዝድምሰስ ኣይነበረን። ከመይሲ፣-
1.ናይ ሓጢኣት መቕጻዕቲ ሞት ስለዝኾነ ሞተ (ሮሜ 6፣23)፣ ዘድሕኖ ከኣ ካልእ የድልዮ ነበረ።
2. እቲ ዝሞተሉ ወይ ምእንቱኡ ካሕሳ ዝኸውን ድማ ሓጢኣት ዘይብሉ ክኸውን ኣለዎ። ሓጢኣት ዘይብሉ ድማ ብዘይካ እግዚኣብሔር ሓደ እኳ የለን ( ኢሳ 53፣9)። ድሕነት ብዘይብኡ ኣይከውንን’ዩ (ግብ 4፣12)።
3.ክድሕን አንተኾይኑ ዝበደለ ሰብ ( ስጋ እዩ’ሞ ምስ ሰብ (ስጋ ክወሃሃድ ኣለዎ።
4.ክወሃሃድ እንተ ኾይኑ ድማ እቲ ዝወሃሃደሉ ቦታ ካብ ሓጢኣት ናጻ ክኸውን ኣለዎ። እዚ ናይ ተዋህዶ ምስጢር ዝተፈጸመሉ ቦታ (ታቦት ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም እያ። ኣብ ማህጸን ኣዲኣ እንከላ ጌና ቅድሚ ንጎይታ ምውላዳ እግዚኣብሔር ቀዲስዋን ኣንጺህዋን ኢዩ። ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ሓጢኣት ነይርዋ እንተልና ጎይታ’ውን ሓጢኣት ነይርዎ ማለትና’ዩ። እንተ ነይርዎ ድማ ኣምላኽ ዘይኮነስ ሰብ’ዩ ንብል ኣለና ማለት ኢዩ። እዚ ሓቂ ዘይብሉ ነገር ኢዩ።ንሕና ግና ንሱ ሓጢኣት ከምዘይብሉ ኣምላኽ ወዲ ኣምላኽ ከምዝኾነ ኢና እንኣምን (ኢሳ 53፥9) ፣(ዮሃ 1፥1-5)፣ (ኢሳ 9፥6-7)። ኣዴና ቅድስት ድንግል ምርያም ሓጢኣት ዘይብላ ቅድስትን ንጽህትን ኣደ ኢያ። እቶም ረቀቕቲ መላእኽቲ እኳ ክጸርዎ ዘይክእሉ መለክታዊ ሓዊ ኣብ ማህጸና ብምጻር መሕደሪ ክትከውን ኪኢላ ኢያ። ካብ ኩሉ ፍጥረታት ብሓፈሻ ብፍላይ ድማ ካብ ኣንስቲ ዝተፈልየት፣ ዝኸበረት ኣደ ኢያ። ጎይታ ንድሕነትና ኣብ ዝመጸሉ ድማ ብመገዳ ኣቢሉ ድሕነት ሂቡና። ነዚ ዓቢ ምስጢር ንኽትፍጽም ዝበቀዐት ኣደ ስለ ዝኾነት ካብ ኩሉ ፍጥረታት ዝተፈልየት ኣደ ኢያ።
እምበኣር ካብ ብብዙሕ ብውሑድ፣ ካብ ብነዊሕ ብሕጽር በቲ ዱሩት ዓቅምና ናይ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ንጽህናን ቅድስናን ከምዚ ይመስል ዝተረፈ ድማ እግዚኣሔር ዓይነ ልቦናና ኣብሪሁ ምስጢሩን ጥበቡን ባዕሉ ይግለጸልና። ኣብ መወዳእታ ከነማሓላልፎ እንደሊ ነገር እንተ ሃልዩ ናይ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ንጽህናኣን ድንግልናኣን እግዚኣብሔር ዝሃባ ስለ ዝኾነ ንሕና እንተ ኣጉደልናዮ ኣይጎድልን ንሕና እንተ ኣዕበናዮ ኣይዓብን ኢዩ (ሮሜ 8፥33)። ንዓኣ ዘኽብር ንርእሱ ኸበረ፣ ንዓኣ ዝቐደሰ ንርእሱ ተቐደሰ ከም ዝተባህለ ኢዩ። (ኣብ ቅድሴ ማርያም ንኣባ ህርያቆስ ዝተነግሮ ኢዩ። ከምቲ ኣብ ወንገል ማቲዎስ 5፣13 ዘሎ ኣታ ጨው ንርእስኻ ክትብል መቅር ከም ዝተባህለ ኢዩ። ንርእስና ክሕሸና ሓቅን መጽሓፍ ቅዱስ ዝብሎ ነገራት ንዛረብ።ካብ ሓቂ ካብ ምስጢር መጽሓፍ ቅዱስ ኣየውጽኣና፣ ምስጢሩን ጥበቡን ይግለጸልና ኣሜን !!
ወስብሃት ለእግዚኣብሄር
ወለወለዲቱ ድንግል
ወለመስቀሉ ክቡር
ኣሜን !!
ምንጪ፡መጽሔት “ጽርሃ ጽዮን-2011
ብትምህርቲ ሰንበት ማሕበር ማርያም -ቤተ-ክርስቲያን መድሃኔኣለም

Honor your father and your mother !!
Posted by million.isaac on October 14, 2013 at 7:15 PM comments (0)
“ኣብ ምድሪ ዕድሜኻ ምእንቲ ክነውሕ፣ኣቦኻን ኣዴኻን ኣኽብር”(ዘጸ፦20፣12)

 
“ኣብ ምድሪ ዕድሜኻ ምእንቲ ክነውሕ፣ኣቦኻን ኣዴኻን ኣኽብር”(ዘጸ፦20፣12)
 
 
 
እግዚኣብሔር ኣምላኽ ብኣቦና ሙሴ ኣቢሉ ካብ ዝሃበና ትእዛዛት ሓደ ንሎሚ ክንርኢ ኢና።
 
4ይ ትእዛዝ፦“ኣብ ምድሪ ዕድሜኻ መታን ክነውሕ ኣቦኻን ኣዴኻን ኣኽብር” ብምባል ዝኣዘዘና ትእዛዝ ኢዩ።
 
ወለድኻኣኽብር፦ወለድና ንዓና ወሊዶም ምስ ወለዱና ድማ ብዙሕ ነገራት ብምውጻእ፣ንጽቡቕና እምበር ንሕማቕና ዘይሓስቡ ዘይምነዩ ኢዮም።
 
ዋላ ዝጎድኣና ይኹን ኣይኹን ከይፈለጥና ሕማቕ ነገር ክንልምኖም ወይ ክንእዝዞም ንኽእል ኢና።ወለድና ግን ስለ ዝለመንናዮም ንሕማቕ ነገር ኣይህቡናን ኢዮም።ኩሉ ግዜ ዝጠቕመና ነገር ኢዮም ዝህቡና።
 
“እንታዋይ ሰብ’ዩ ካባኻትኩም ወዱ እንጌራ እንተለመኖ እምኒ ዝህቦ፣ወይ ከኣ ዓሳ እንተለመኖ ተመን ዝህቦ” ብምባል መድሃኔኣለም ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ወንጌሉ መስኪሩልና ኣሎ።(ማቴ7፣9-10)
 
ወለድና ኩሉ ግዜ ሰናይ ህያብ ብምሃብ ተማሂርና ኣብ ሓደ ቁም ነገር ክንበጽሕ፣ንነብሶም ገዲፎም ንደቆም ምስ ጸዓሩን ምስ ደኸሙን ኢዮም።
 
ወለድና እምበኣር ኩሉ ግዜ ጽቡቕ ነገር ኢዮም ዝሓስቡልና።ንሕና ደቆም’ከ፣ከምቲ ዝሓልዩልና ንሓልየሎም’ዶ᎒
 
ከምቲ ንሳቶም መጻኢ ተስፋ ዘለና ኣብ ቁምነገር ክንበጽሕ ብዘይ ዕረፍቲ ከም ዝደኽሙልና ንፈልጥዶ᎒ ብዘይ ምግናን ናይ ሎሚ ወለዶ፣ናይ ወለድና ጻዕሪ ሰናይ ነገራት ከምቲ ዝግባእ ንፈልጦ ኢና ክንብል ኣሸጋሪ ኢዩ።
 
እስከ ከም ፍቓድ እግዚኣብሔር ብኸመይ ንወለድና ከነኽብሮም ከምዝግበኣና ገለገለ ነጥብታት ክንርኢ ኢና።
 
1.ንወለድናምእዛዝ፦ኩሉ ዝኣዘዙና ነገር ዓቢ ይኹን ንእሽቶይ ክንትግብሮ ይግበኣና።
 
ንኣብነት፦ኣብ ማቴ 21፣28 ዘሎ ምሳሌ ምስ ንርኢ፣ሓደ ሰብኣይ ክልተ ደቂ ነበርዎ፣ናብቲ ቀዳማይ ቀሪቡ “ወደየ ሎሚ ናብ ኣታኽልቲ ወይኒ ውፈር እሞ ዕየ” በሎ፣ንሱ ከኣ እምቢ ኢሉ መለሰ ደሓር ግና ተጣዒሱ ወፈረ።
 
ናብቲ ካላኣይ ቀሪቡ ከኣ ከምኡ በሎ ንሱ ከኣ ሕራይ ጎይታይ በሎ ግና ኣይወፈረን።ሎሚ ዘለና ወለዶ’ውን በኣፍና ሕራይ ንብል ኣብ ተግባር ግን ዘየለና ካብ ትእዛዝ ዝወጻና ኢና።
 
ኩሉ ዓበይቲ ነገራት ወይ ናይ ጽድቂ ስረሓት እንተ ሰራሕና ብዘይ ምእዛዝ ኩሉ ኮንቱ ወይ ዘይጠቅም ኢዩ።
 
“ምእዛዝ ካብ መስዋእቲ ይበልጽ”(1ይሳሙ15፣22) ዝበለና ነዚ ኢዩ።ጎይታናን ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንዓና ከድሕን ኣብዚ ምድሪ ኣብ ዝነበረሉ እዋናት ካብ ህጻንነቱ ጀሚሩ ንኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ይእዘዛ ነበረ።(ሉቃ፦2፣51)
 
እዚ ንዓና ኣብነት ክኾነና ኢሉ ኢዩ።ንወለድና ብኹሉ ነገራት ክንእዘዞም ከምዘለና ክምህረና ኢሉ ኢዩ።
 
2.ናይወለድኻመቕጻዕቲምቕባል፦ወለድና ብህጻንነትና ምስ ንጋገ ወይ ዘይከውን ነገር ምስ እንሰርሕ ክቐጽዑና ይኽእሉ ኢዮም።መቕጻዕቲ ናይ ወለድና ንጽቡቕ ኢዩ።ዝቐጽዑና ጸሊኦምና ዘይኮኑ፣ናይ ፍቕሪ ምልክት’ዩ።
 
ከመይ እንተበልና ብወለዶም ዘይተቐጽዑ ኣብ ቁምነገር ክበጽሑ ኣጸጋሚ ኢዩ። መጀመርታ እቲ ክንከዶ ዝግበኣና መንገዲ ካብ ወለድና ኢና ንመሃሮ።
 
ከምቲ ቅዱስ ጽሑፍ ዝምህረና “ንህጻን እታ ክኸደላ ዝግበኦ መንገዲ መሃሮ’ሞ ክሳብ መወዳእታ ካብኣ ኣይከላግስን’ዩ”።(ምሳሌ፦21፣ ብምባል እቲ እንኸዶ መንገዲ ትምህርቲ፣ምኽሪ መጀመርታ ካብ ወለድና ከም እንመሃሮ ይነግረና።
 
በቲ ዝመሃሩና ቅኑዕ መንገዲ ድማ ክሳብ መወዳእታ ብጽቡቕ ክንከይድ ንኽእል።ሓላፍነትና ንፈልጥ ንባዕልና ኴንና ንኻልኦት ንኸውን።ብኣንጻሩ እዞም ሎሚ ኣብ ናይ ዓለም ጥፍኣት ዝዋፈሩ ዘለዉ ዳርጋ መብዛሕቲኦም ናይ ወለዶም ምኽሪ ዘይሰምዑ፣ መቕጻዕቲ ወለዶም ዘይፈልጡ ኢዮም።
 
ናይ ወለዶም ፍቕሪ ዘይፈልጡ፣ብናይ ወለዶም ምኽሪ ዘይከዱ፣ ዘይቅጽዑ፣ ትእዛዝ ወለዶም ዘይፍጽሙ ካብ እግዚኣብሔር ዝረሓቑ፣ ፍርሃት እግዚኣብሔር ዘይብሎም ኣዝዮም ጨካናት ኢዮም ዝኾኑ።
 
ፍርሃት እግዚኣብሔር እንተዘይብልካ ድማ ብዘይ ርህራሄ ንሰብ ክትቀትል፣ብዙሕ ደም ከተፍስስ ትኽእል ኢኻ። “ኣቡኡ ዘይ ቀጸዖ ውላድከ እንታዋይ’ዩ። ከምቶም ኩሎም ውሉድ መቕጻዕቲ እንተዘይ ተቐበልኩም ግና ደቓሉ እምበር ውሉድ ኣይኮንኩምን።” (ዕብ፦12፣7-8)
 
ነቲ ዝቐጽዑና መቕጻዕቲ ናይ ወለድና እንተ ፍ`ዘይተቐበልና ከም ደቆም ኣይርእዩናን ኢዮም።መጻኢ ሂወትና’ውን ዘሰክፍ ኢዩ።ከምቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝምህረና፣ “ንውላድካ ብሸበጥ ምህራም ካብ ሲኦል የድሕን ኢዩ” ይብለና (ምሳ፦22፣13-14)፣
 
፣ ናይ ወለድና መቕጻዕቲ ናብ ሲኦል ካብ ምእታው ዘድሕን መድሃኒት ኢዩ። ብኣንጻሩ ናይ ዓለም ሕጊ ካብ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሕጊ ወጻኢ ዝኾነ ሕጊ ኢዩ።ንውላድካ ኣይትህረም ኣይትቕጻዕ ዝብል ኢዩ።
 
እዚ ግን ስዲ ንክንከይድ፣ ስነስርዓት ዘይብልና ንክንከውን ዝገብር፣ናብ ሲኦል ንኽንኣቱ ዘተባብዕ ሕጊ ኢዩ። ካብ ትእዛዝ ወለድና ካብ መቕጻዕቲ ወለድና እንተወጺእና ዝጎድኣና እምበር ዝጠቕመና ኣይኮነን።
 
ብፍላይ ኣብ ወጻኢ (ስደት ዘለና ህጻናትን መንእሰያትን ናብ ጌጋ መንገዲ ዝመርሓና ኢዩ።
 
በዚ ናይ ዓለም ሕጊ እንተኼድና ሕጊ ኣልቦ ዝኾኑ ሰባት ኢና ንኸውን።ፍርሃት እግዚኣብሔር ዘይብልና ብስነ ስርዓት ዘይንኸይድ፣ኣብ ሕማቕ ወልፍታት ንጽመድ፣ ዘጸይፍ ነገራት ኣብ ምፍጻም ንዋፈር
 
ነቲ ርሂጽና ተጸሪፍና ዘምጻእናዮ ገንዘብ ኣብ ክንዲ ኣብ ቁምነገር እነውዕሎ ኣብዘይጠቅም ነገራት ነውዕሎ፣ ብሰንኩ ድማ መድሃኒት ዘይርከቦ ሕማምን ዕድሜና ኣብ ምሕጻርን ንወድቕ።
 
ሳዕቤን ናይዚ ኩሉ እንታይ ኢዩ እንተበልና ትእዛዝ እግዚኣብሔርን ወለድናን ዘይምፍጻም ኢዩ።
 
3.ንወለድናኣይንንዓቕ፦ ንወለድና ክንንዕቕ ኣይግበኣናን ኢዩ።ወለድና ምስ ኣረጉ ከምቲ ንሕና ብህጻንነትና ከለና ኩሉ ዝገበሩልና፣ ንሕና’ውን ኩሉ ነገራት ክንገብረሎም ይግባእ።ምስ ኣረጉ ኣይንንዓቆም።
 
“ካም” ንወላዲኡ ምስ ነዓቐ ከም ዝተረግመ መጽሓፍ ቅዱስ ይምህረና።(ዘፍ፦9፣20-29) ንወለድና ክንንዕቆም ኣይግበኣናን ኢዩ። “ናይ ወላዲ መርገም እንተዘይ ቀተለ የዕነኒ” ከም ዝተባሃለ መርገሞም እንተዘይ ቀተለና ኣብዛ ዓለም ግን ጽቡቕ ናብራ ክህልወና ኣይክእልን ኢዩ።
 
ዕድሜና’ውን ክሓጽር ኢዩ። ምናልባት ወለድና ምስ ኣረጉ፣ ከይ ኣረግና ናብ ቤተክርስቲያን ከይንኸይድ ክኽልክሉና ይኽእሉ ኢዮም።እዚ ግን ጸሊኦም ዘይ ኮኑ ብግቡእ ዘይምርዳእ ኢዩ።
 
ከምቲ ቃል ኣምላኽ ዝብለና “ስለ ጐይታ ኢልኩም ንወለድኹም ተኣዘዝዎም” ዝብለና ስለ ጎይታ ኢልና ክንእዘዞም ይግበኣና።ቀስ ኢልና ብትሕትና ድማ ጥቕሚ ቃል ኣምላኽ ምፍላጥና ኣብ ግዜ ንእስነትና ፈጣሪና ክንዝክር ከም ዝግባኣና ክነረድኦም ኣለና።
 
4,ንኻልኦትዓበይቲሰባትምኽባር፦ 4ይ ትእዛዝ ንወለድና ጥራይ ከነኽብር ኣይኮነን ዝእዝዘና።ምንም እኳ ብስጋ ወለድና እንተዘይ ኮኑ ብመንፈስ ግን ወለድና ኢዮም። ንዓበይቲ ሰባት ከነኽብር ይግበኣና ኢዩ።
 
ኩሉ ግዜ ብኹሉ ነገራት ፍጹማት ክንከውን ይግበኣና ኢዩ።ንኹሉ ከነፍቅር ንኹሉ ከነኽብር ይግበኣና።
 
“ነቲ ዝርእዮ ሓዉ ዘየፍቀረስ ነቲ ዘይርእዮ ኣምላኽ ከፍቅሮ ኣይክእልን ኢዩ’ሞ ንሓዉ እና ጸለኦስ ንኣምላኽ የፍቅሮ እየ ዝብል ንሱ ሓሳዊ ኢዩ” (1ዮሃ፦4፣20) ፣ዝብለና ነቶም እንርእዮም ዓበይቲ ሰባት ይኹኑ ካለኦት ክንእዘዞምን ከነኽብሮምን ይግባእ።
 
ከመይ’ሲ ንዓበይቲ ሰባት ንኣሕዋትና ምፍቃርን ምእዛዝን ንእግዚኣብሔር ምፍቃርን ምእዛዝን ስለ ዝኾነ።
 
ንዓበይቲ ምጽራፍ ኣይግባእን፦ ንዓበይቲ ሰባት ምጽራፍ ብፍላይ ብሓፈሻ ድማ ምጽራፍ ዘይ መንፈሳዊ ተግባር ኢዩ።ብሰንኪ ንዓበይቲ ሰባት ምጽራፎም ህጻናት ተቐዚፎም ኢዮም።
 
እዚ ኣብ 2ይ ነገ፦2፣23-25 ህጻናት “ኣታ በራሕ ኪድ ውጻእ፣ኣታ በራሕ ኪድ ውጻእ” ኢሎም ኣላገጽሉ።ንድሕሪት ግልጽ ኢሉ ድማ ረኣዮም።
 
ብስም እግዚኣብሔር ከኣ ረገሞም ሽዑ ክልተ ድቢ ካብ ዱር ወጹ፣ካብቶም ህጻናት ድማ 42 ቆልዑ ሰባበሩ ይብለና።ብሰንኪ ምጽራፍ ከም ዝተረግሙ ዕድሜኦም ከምዝሓጸረን መጽሓፍ ቅዱስ ይነግረና።
 
ክቡራት ህጻናት ብሓፈሻ ድማ መንእሰያት ትእዛዝ እግዚኣብሔር እንተፈጸምና ኣብዚ ምድሪ ይኹን ኣብ ሰማይ ዓቢ ጥቕሚ ኣለና።ብሓቂ ዓቢ ተስፋ ዘለዎ ትእዛዝ ኢዩ።
 
ኣብ ምድሪ፦ዕድሜና ይነውሕ
 
ምሉእ ጥዕና ይህልወና
 
ብዙሕን ዓበይትን በረኸት ንረክብ
 
ኣብ ሰማይ ዘለኣለማዊ ሂወት ንወርስ
 
ትእዛዝ እግዚኣብሔር እንተዘይ ፈጸምና ድማ
 
ዕድሜና ይሓጽር
 
ጥዕናና ይጎድል
 
በረኸት ዘይብልና ንኸውን
 
ኣብ ሰማይ ድማ ርስቲ ኣይህልወናን
 
ስለዚ ካብዚ ኩሉ ንኽንድሕን ትእዛዝ እግዚኣብሔር ንፈጽም።
 
ምንጪ-ጽርሃ ጽዮን ቁ 4 (ት/ሰ/ማ/ቅ/ድ/ማ/ቤተክርስቲያን መድሃኔኣለም ኣብ ቅድስት ሃገር እስራኤል ጥሪ 2005/2013)
 
ወስብሃት ለእግዚኣብሔር!
 
ወለወላዲቱ ድንግል
 
ወለመስቀሉ ክቡር
 
ኣሜን

Orthodox Tewahedo Church
Posted by million.isaac on October 14, 2013 at 12:20 PM comments (0)
ቤተ ክርስቲያና

                በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን።
ቤተ ክርስቲያና እወ ቤት ሕይወት መርዓት ክርስቶስ። ቤተ ክርስቲያን ማለት ናይ ክርስቶስ ገዛ፣ ክርስቲያን ተኣኪቦም ጉባኤ ማሕበር ዘካይዱላ ማለት እዩ። ሕዝበ እግዚኣብሔር (ክርስቲያን ቃል ወንጌል ዝመሃሩላን ተኣኪቦም ናይ ሕብረት ጸሎት ንፈጣሪ ዘዕሩጉላን ኣማናዊ ናይ ዘልኣለም ሕይወት ዝህብ መግቢ ክቡር ስግኡን ደሙን መስዋእቲ ዝዓርገላ ኣብ ከውሒ ዝተሰረተት ዋጋ ዝተኸፍላ ርእሳ ኢየሱስ ክርስቶስ ዝኾነት ኣማናዊት ቤት እያ።
እስከ ህላዌ ቤተክርቲያን ቅድመ ታሪኽ ኣብ መጽሓፍ ንርአ፣- ቤተክርስቲያን ክትርአ ከላ ብምስጢር ኣምላኽ ኣብ ሰለስተ ከፊልካ ትርአ። እታ ቐዳመይቲ፣ ሰብ ቅድሚ ምፍጣሩ ዝነበረት ኣብ ዓለመ መላእኽቲ ዝነበረት ሓድነት እያ። እታ ካልአይቲ ድማ ካብ ኣቤል ክሳዕ ዘካርያስ ካህን ዝነበረት እያ። እታ ሳልሰይትን መወዳእታን ድማ ብደም ክርስቶስ ዝተመስረተት ኣማናዊት ሓድነት ሕዝበ ክርስቲያን ናይ ምሕረት ዓውዲ (ኣውደምሕረት እያ።
እምብኣርከስ እዛ ምንጪ ጸጋን ጽድቅን ዝኾነት ቤተ ክርስቲያን ኣመጻጽኣኣን ስማን ንርአ፣ ኣብ ዘመነ ብሉይ እግዚኣብሔር ምስ ሰብ ዘለዎ ርክብ ዝግለጸሉ ዝተፈላለየ ኣስማት ነበረ ንኣብነት ከኣ ኣብ ዘዳግም ተገሊጹ ከም ዘሎ በዓላት እግዚኣብሔር ንምኽባር ዝእከቡ ዝነበሩ ሕዝቢ እስራኤል ”ከሃል” ወይ ኤክለስያ ይበሃሉ ነበሩ። ንብሉይ ኪዳን ናብ ጽርኢ ዝተርጎሙ70(ሰብዓ ሊቃውንቲ እዮም። ከሃል ንዝብል ቃል እብራይስጢ ኤክለስያ ኢሎም ተርጊሞሞ ኣለዉ። እዚ ቃል እዚ ኣብ ብሉይ ኪዳን ልዕሊ 90 ግዜ ተጻሒፉ ከምዘሎ ኣብ ዛንታ ቤተ ክርስቲያን ተገሊጹ ከምዘሎ የረድእ። ዋና ትርጉሙ ድማ ኣብ ዘመነ ኦሪት ንዝነበረ ጉባኤ ሑሩያት ሕዝቢ እግዚኣብሔር ንዝኾኑ እስራኤላውያን ማለት እዩ። ኣብ ሓዲሽ ውን “ጽውዓት-ሑሩያት” ይብል (ማቴ 22፥14)።
ቤተ ክርስቲያን ማለት እምበኣር ኣብ ዘመነ ሓዲሽ ኪዳን ንሰማያዊ ክብሪ ዝተጸውዑ ዝተሓርዩ ምእመናን ሕዝበ ክርስቲያን ዝእከብሉ ቤት እዩ። መሰረት እዛ ቤተ ክርስቲያን ከኣ ጎይታናን ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ምዃኑ ባዕሉ ኣብ ቅዱስ ወንጌሉ ገሊጽዎ ኣሎ። “ንቅዱስ ጴጥሮስ ሓደራ ጉስነት(ኖላውነት ኣብ ዝሃቦ’ውን ከምዚ ይብል፣ “ንስኻ ከውሒ ኢኻ ንቤተ ክርስትያነይ ኣብዛ ከውሒ ክሃንጻ እየ ደጌታት ሲኦል ድማ ኣይከናውጽዋን እዮም” ብናይ ሓደራ ቃል ዝመስረታ ባዕሉ ሙዃኑ ገሊጽዎ ንረኢ (ማቴ 16፦18)። ካብ’ዚ ጥቕሲ እንርድኦ እንተሃለወ መስራቲኣ ኢየሱስ ክርስቶስ ምዃኑ ጥራሕ ዘይኮነስ ደጌታት ሲኦል ክሕይልዋ ከምዘይክእሉን እዩ ዘረደኣና።
ሓንትን ቅንዕትን ኣምናዊትን ቤት ስለ ዝኾነት ካብ’ቲ ናይ ጥንቲ ጸላኢ ዝኾነ ዲያብሎስን ሉኡኻቱን ዝኾኑ ዝተፈላለዩ፣ ሓይልታት ክስዕሩዋ ዘይክእሉ ምኽንያቱ ርእሳ ክርስቶስ ስለዝኾነ። ክርስቶስ ሓንሳእ ንሓዋሩን ንሞት ከም ዝሰዓረ ንሳ’ውን ሓንሳእ ንሓዋሩን ብደም ክርስቶስ ተሓጺባ ዝተሃንጸት ኣማንዊት ቤት እያ። ብዙሓት እኳ ብስማ እንተ ሸቀጣን ንከሕቅቓኣ ኣውታረን እንተገተራ ናብ ሓዊ ከም ዝቐረበ ጅማት ሓሪረን ተኾምቲረን እየን ዝወድቃ። “ዝናብ ዘነመ፣ ወሓይዝ ወሓዘ፣ ንፋሳት ነፈሱ፣ ነቲ ቤት ደፍእዎ ኣብ ከውሒ ስለዝተመስረተ ድማ ኣይወደቐን” (ማቴ 7፥25)። እቲ ኣብ’ዚ ከውሒ እዚ ንቤተ ክርስትያነይ ክምስርታ እየ ዝበለ ክርስቶስ መሰረታ ስለዝኾነ።
ዝናም ዝተባህሉ፦ ዲያብሎስ ጭፍረኡን ኣጋንንትን እዮም።
ወሓዚ ዘተባህሉ፦ ኣረማውያን ከሓድያን መምለኽቲ ጣኦት ዝኾኑ ነገስታት ከም በዓል ዲዮልቅልጥያኖን ብርክያል ዲድያኖስ ዝኣመሰሉ ኢዮም።
ንፋሳት ዝተባህሉ፦ መናፍቃን መሊካውያንን ብስም ጎይታ ዝሽቅጡ ካብ ሸያጥ መምህሩ ይሁዳ ጀሚሮም እኒ ኣርዮስ፣ ንስጥሮስ፣ ልዮን ክሳብ ናይ ዘመና ተዃሉ መንጠልቲ ኣባጊዕ እዮም።
መሰረታ ኢየሱስ ክርስቶስ ሙዃኑ ዘራጋግጽ ጥቕሲ እስኪ ንመልከት፣ “ንርእስኩምን ነታ ብገዛእ ደሙ ዘጥረያ ናይ ጎይታ ቤተ ክርስቲያን ክትጓስዩ መንፈስ ቅዱስ ኤጵስቆጶሳት ገይሩ ኣብኣ ሸመኩም፣ ኩሉ መጓሰ ሓልዉ” (ግብ 20፥28)። በዚ ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ገሊጽዎ ዘሎ ጥቅሲ ንርድኦ እንተ ሃልዩ፣ ቤተ ክርስቲያን ዝብል ቃል “ጉባኤ ምእመናን” ደኣምበር እቲ ህንጻ ጥራይ ከምዘይኮነ ክንርዳእ ንኽእል። ስለምንታይ ደኣ ነዛ ሓዋርያት ሓደራ ተቐቢሎም ብዕርፈ መስቐል ዝሓረስዋን ሓንትን ሓዋርያዊትን ኣጽናፋዊትን ቤት ዝኾነት፣ እሞኸኣ ሕጊ ቡሉይን ሕጊ ሓድሽ ኪዳንን ስርዓት ወንጌልን እትምህርን ኣብ ከርሳ ዝጸረትን መግቢ ሕይወት ንምእመናና እንዳ መገበት እትጓዓዝ ኣጽናፋዊት ሕጂ ውን ሓደራ ሓዋርያት ዝተቐበሉ ጨው ዓለም ብዝተሰምዩ ካህናታ ኣዒንቲ እግዚኣብሔር፣ መዓልታዊ ሰማእትነት ብምጉዓዝ ካብ ጽንፊ ክሳብ ጽንፊ እትነብር ዘላ ሓንትን ኣማናዊትን ብደም ክርስቶስ ዝተሓጽበት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስትያን ኣላትና (ማቴ 5፥13-16)።
ቤተክርስቲያን ሓንትን ኣማናዊት ጉባኤ ምእመናን ምዃና ቅዱስ ጳውሎስ ከረድእ እንከሎ ከምዚ ይብል፣ “ሓደ ጎይታ ሓንቲ ጥምቀት ሓንቲ እምነትን ይብል” (ኤፌ4፥5)። ሓንቲ ዝተባህለትሉ ድማ ክርስቶስ ዝርእሳ ብክርስቶስ እትኣምን ብክቡር ስግኡን ደሙን መዓልታዊ ኣንዳ ተቀደሰትን ተሓጽበትን እትነብር ሓንቲ ቤተ ክርስቲያን ኦርቶዶክስ ምዃና የረደእ፣ ኦርቶዶክስ ዝብል ቃል ናይ ሓቂ ቤት ማለት’ዩ። ሓዋርያዊት ዘበላ ውን ኣብ ዓለም ከም ትዝርጋሕ ጸኒዓ ከም እትነብር ዝገበርዋ ሓዋርያት ስለ ዝኾኑ ኢያ። “ኣብታ ቤት ኣምላኽ ማለት ኣብታ ናይ ሓቂ ዓንድን መሰረትን ዝኾነት ቤተ ክርስቲያን ሕያው ኣምላኽ ከመይ ጌርና ከም እንነብር ክትፈልጥ ጺሒፈልካ ኣለኹ” (1ይ ጢሞ3፥15)።
ኣጽናፋዊት ዝተባህለትሉ ድማ ኣብ ኣርባዕቲኡ ማእዝናት ዓለም ተዘርጊሓ ስለ እትረክብ እዩ። ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያን እንዳ ተባህለት እትጽዋዕ ውን ቅዱስ ምስጢረ መለኮት (ክቡር ስግኡን፣ ደሙን ናይ ጎይታ ስለ ዝፍጸመሉን ዝስዋኣሉን ባዕሉ ጎይታ ብስግኡን ደሙን ስለ ዝቕደሳን ዝሓጸባን፣ 150 ቅዱሳን ኣቦታት ዝረከብዎ ጉባኤ ቆስጥንጥንያ ወንኣምን በኣሐቲ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ክብሉ ብውሳኔ ስለ ዝሰመይዋን እያ።
እዛ ቤት እዚኣ ኣማናዊት ቤት ዝብል እኳ ኣብ ዘመነ ብሉይ ገና ክርስቶስ ቅድሚ ምውላዱ ዝነበረት ብኢድ ሰሎሙን ዝተሃንጸት ካብ ድንኳን ናብ ግሩም ህንጻ ምስተቐየረት “ነዛ ቦታ እዚኣ ቤት መስዋእቲ ንክትከውን ሓርየያን መሪጸያን ኣለኹ ፣ ኣብ’ዛ ቦታ እዚኣ ንዝጽለ ጸሎት ኣዒንተይ ክኽፈታ ኣእዛነይ’ውን ጽን ክብላ እየን። ስመይ ድማ ንዘለኣለም ኣብኣ ክኸውን ኣዒንተይን ልበይ ከኣ ኩሉ ግዜ ኣብኣ ክኾና ሓርየያን ቀዲሰያን ኣለኹ በለ(2ይ ዜና 7፦11-16) ። ነዛ ደም እንስሳታት ዝስዉኡላ ዝነበረት መቕደስ ብሉይ ክሳዕ ክንድዚ ብመጋረጃ ተሸፊና እትግልገል ዝነበረት ቤት ኣነ ከኣ ኩሉ ጊዜ ክሕላዋን ክሓልየላን ኢየ ዚበላ ቤት (1ይ ነገሰት 9፣1-4)። እዚኣ ከኣ ናይዛ ህዝብን ኣህዛብን እስራኤል ዘስጋን እስራኤል ዘነፍስን ብደም ክርስቶስ ሓደ ዝኾኑላ ናይ ቤተክርስትያ ምሳሌ ኮይኑ የገልግል ነበረ እምበር በዚ መስዋእቲ እዚ በዚ መቕደስ እዚ ሕድገት ሓጢኣት ፍጹም ድሕነት ክርከብ ኣይከኣለን (ሮሜ 9፥24-27፣ እብራ 8፣8፣ እብ 10፣1-5) ነታ ከም ጽላሎት እትሓልፍ ክንድዚ ካብ ኣኽበራ ነዚ ኣብ ከውሒ ክሃንጻ ኢየ ብምባል ገንሸል ፋሲካ ብምዃን ብገዛእ ደሙ ዝዓደጋ ድኣ ክንደይ ዘይኽብራን ዘይሕልዋን። እታ ቀዳመይቲ ከም ጽላሎት ካብ ሓለፈት ነዛ ኣማናዊትን ሓንትን ኦርቶድክሳዊትን ክንደይ ዘይሕልዋን ዘየኽብራን። እወ እዛ ሓዋርያት ዝሓረስዋን ሰማእታት ብደሞም ዝነደቕዋን ጻድቃን ተጋደልቲ በዕጽምቶም ዝኸለልዋ ክርስቶስ ዝርእሳ ኣማናዊት ቤተክርስቲያን ማሕደረ መለኮት። እሞኸድኣ ኦሪት ዝግራታ ወንጌል ዝፍርኣ ዝኾነት ቤት ህላዌኣ መሰረታ እዚ ካብ ኮነ ከምቲ ዋናኣ ክርስቶስ ህያው ዝኾነ ሕያዊትን ኣማናዊትን ኢያ።
ሕጂውን ንፋሳት ዝተሰምዩ ሰይጣውንቲ ዝሓደርዎም መናፍቓን ክርስትያን ዘለስም ዝኾኑ ብትዕቢቶም ነዛ ቤት ክደፍእዋን ከነኣእስዋን ንእምኒ ኣይንሰግድን እናበሉ ዘይተርድኦም ኮይኑ እምበር እቲ ንዩሁዳ ንማሕነቕቲ ዝደበርዮ ንኣርዮስ ኣምዕቱ በጽቢጹ ንደገ ዘውጽአ ንንስጥሮስ መልሓሱ ዝተልተለ እንታይ ኢዩ ነይሩ እንተተባህለ ነታ ብደም ክርስቶስ ዝተሓጽበት ቤት ክኸፋፍሉን ከንኣእሱን ናይ ብድዐ ቓል ሕሱም ስለዝውጽኡ’ዶ ኣይኮነን። እዞም ናይ ሎሚ ከብዶም ዝኣምላኾም ደኣ እምበር ሓሳብ ጎይታ ዓለም ክርስቶስ ዘይብሎም መናፍቓን ብስም ኢየሱስ ዝሽቅጡ እዚ ጽዋእ ናይ ኣቦታቶም ኣርዮስን መቕደንዮስን ኣብ ርእሶም በላዒ ኮይኑ ክፈስስ ምዃኑ ምርድእ ይግብኦም (ሮሜ፣16፣17-18)።
ብስም ኢየሱስ እናበሉ ዝሽቅጡ ቅድም እቲ ኢየሱስ ዝመሃሮ ቃል ምስትውዓል ምተገብኦም ነይሩ፣ ምስጋድ ኣብ ቤተክርስቲያን ኣይግባእን ዝብሉስ ሓይለ ቃል ትምህርቱ ከስተውዕሉ ነይርዎም። “ከመይ ኣምላኽ መንፈስ ኢዩ።እቶም ዝሰግድሉ ድማ ብመንፈስን ብሓቅን ክሰግድሉ ይግባእ”( ዮሓ 4፣22-24)። እምበኣር ንሕና ኦርቶደክሳውያን እንሰግደላን ንኣምላኽና እንምብርከኸላን ብመንፈስ፣ መንፈሳዊ መስዋእት ብምዕራግ መንፈሳዊ ኣገልግሎት እንፍጽመላን ህዝበ ክርስቲያን ናይ ህይወት መግቢ ስጋን ደምን ናይ ክርስቶስ ዝቕደሰሉ ታቦት ሕጊ ኣብ ከርሳ ዝጾረት መስቀል ክርስቶስ ዝዓምዳ ኦሪትን ወንጌልን ዝብርሃናን፣ ልባሳታን ዝኾነት ቤትና ቤተ ክርስቲያን ኢያ።
ቤተክርስቲያና ክስርቶስ ዝመረጻ ቤት፣፡ እግዚኣብሄር ውን እኮ ክመርጽ ከሎ፣- ካብ ሃገራት ንእስራኤል፣ ካብ ከተማታት ንኢዮርሳሌም፣ ካብ ኣዕዋፍ ንርግቢት፣ ካብ እንስሳ ንበጊዕ፣ ካብ ኣእዋም ንኣውሊዕ፣ ካብ ኣዝርእቲ ንስርናይ፣ካብ ኣታኽልቲ ንወይኒ፣ ካብ ኣንስቲ ንቅድስቲ ድንግል ማርያም፣ እዩ መሪጹን ሓርዩን።።እዛ ቤት እዚኣ እያ እምበኣር ኣማናዊት ቤትና – ቤተክርስትያና።
“ኣብ ቀራና ጎደናታት እሞ ደው ኢልኩም ተመልከቱ እቲ ጥንታዊ መገድታት እቲ ጽቡቕ ጎደና ኣየናይ ምዃኑ ሕተቱ እሞ ብእኡ ተመላለሱ ሽዑ ንነፍስኹም ዕረፍቲ ክትረኽቡ ኢኹም” በሎም (ኤርም 6፣16)።
እሞ ንሕና ህዝበ ክርስቲያን ናብ ዕረፍቲ ክትረኽቡላ ዝተባህለት ቤት ንምምጻእ እሞ ዕረፍቲ ስጋን ነፍስን ክንረክብ። እምበኣር ሓቀኛታት ሰገድቲ ኮይና ክንርከብ የድሊ። ብመንፈስ ናብታ ብመንፈስ ዝተመልአት ቤት መጺእና ንስገድ። እዛ ቤት እዚኣ እኳ እያ በቲ እትገብሮን እትህቦን ኣማናዊ መንፈሳዊ ኣገልግሎት መንፈሳዊት ቤት ተባሂላ እትስመ። እወ ኣማናዊት ቤት ቤትና ኦርቶዶክሳዊት “ቤተክርስትያና ኢያ።
እምበኣር ክቡራን ህዝበ እግዚኣሔር ብክርስቶስ ክርስቲያን ዝተሰመኹም ክርስቲያን በዚ ኣብ ላዕሊ ተገሊጹ ዘሎ ሓጺር ጽሑፍ ቤተክርስቲያና ተረዲእና ቤትና ቤተክርስቲያና ከነለሊ ይግባእ።
ወስብሃት ለእግዚኣብሄር
ወለወላዲቱ ድንግል
ወለመስቀሉ ክቡር
ኣሜን
ምንጪ-ጽርሃጽዮን 2011/2003 ት/ሰ/ቅ/ድ/ማርያም-ቤተክርስቲያን መድሃኔኣለም
kidisti Barbar
Posted by million.isaac on October 14, 2013 at 4:45 AM comments (0)
 
ቅድስት ባርባራ

ቅድስት ባርባራ
 
“ንኽብሪ ኣምላኽን ምስጋናኡን እቲ ብኢየሱስ ክርስቶስ ዚርከብ ፍረ ጽድቂ መሊእኩም፡ ክሳዕ እታ መዓልቲ ክርስቶስ መዓንቀፊ ዜብሎምን ንጹሃትን ምእንቲ ኽትኰኑ፡ እቲ ዚሐይሽ ክትምርምሩ፡ እቲ ፍቕርኹምውን ብፍልጠት ብምስትውዓል ዘበለ ዅሉን ኣዝዩ እናበዝሔ ኪኸይድ፡ እጽልይ አሎኹ።” ፊሊ 1፥9-10
ነዚኣ ስዕሊ ዝረኣየ ዘበለ ኹሉ፣ “እዚኣ ደኣ ኣርሴማ ቅድስት እንድያ!” ኢሉ ዝደናገር ብዙሕ እዩ። ወረ ኣብ ዝበዝሐ ኣጋጣሚ ከማን፣ ቅድስት ኣርሴማ ተባሂላ፣ እዚ ስእሊ ንጥቀመሉ ኢና። የግዳስ እዚኣ፣ ቅድስት ባርባራ ትበሃል። ኣብቲ ስእሊ ምስ ንርእዮ፣ ሓደ ስም ክንረክብ ኢና። ነቲ ተጻሒፉ ዘሎ ናይ ግሪክ ፊደላት “Η ΑΓΙΑ ΒΑΡΒΑΡΑ” ብትግሪኛ Η ΑΓΙΑ ማለት ቅድስት፣ ΒΑΡΒΑΡΑ ባርባራ እዩ። ምስ ቅድስት ኣርሴማ ዝመሳሰል ታሪኽ ዘለዋ እዛ ቅድስት ሰማዕት፣ ባራባራ ትበሃል። ንሎሚ ምስኣ ከላልየኹም።
 
እዛ ኣብ ቅድስት ቤተክርስቲያን ዕለት ሸሞንተ ታሕሳስ እትዝከር ባርባራ፣ ብሰማዕትነት ዝዓረፈት፣ ሓንቲ ካብቶም ብዙሕ ተፍላጥነት ዘለዎም ቅዱሳን ኣንስት እያ። በዚ ምክንያት ዉን “ቅድስት ባርባራ ዓባይ ሰማዕት” ተባሂላ ትጽዋዕ።
 
ካብ ሰብ ምብራቕ ዝሞበቀሉ፣ ኣቦ ባርባራ ዲዮስቅቆሮስ ዝበሃል ኮይኑ፣ ፍሉይ ቦታ ኒክሮሜድያ ኣብ ዝበሃል ቦታ ይነብር ነበረ። እዛ ቦታ ጎዶቦ ናይታ ኣብ ሳልሳይ ክፍለ ዘመን ዝነበረት ሄልዮፖሊስ እትበሃል ኣብ ግብጺ እትርከብ ዓባይ ከተማ እያ። ኣቦ ባርባራ ኣብዛ ከተማ ዝነብር ዝነበረ ሃብታም በዓል ጸጋ ነበረ። ንጓሉ ባራባራ ኸኣ ኣዝዩ ፍሉይ ፍቕሪ ነበሮ። ንሳ ኣዝያ ዉቕብቲን መስታውዓሊት ዉን ነበረት። `ቲ ዘመን፣ ጨካን ኣራዊት ማክሲማኖስ ሮማዊ ንግብጺ የማሓድረሉ ዝነበረ ግዜ እዩ።
 
ኣቦ ባራባራ፣ ንጓሉ ፍሉይ ፍቕሪ ዝነበሮ ሰብኣይ ስለዝነበረ፣ ድሌታ ዘበለ ዂሉ የማልኣላ ነበረ። ንሳ በይና እትነብረሉ ዓቢ ገዛ ሃነጸላ። ንሳ ዉን ኣብቲ ኣቡኣ ዝሃነጸላ ገዛ ኮይና፣ ናብ ሰማያት ብምጥማት ፍጥረታት ተድንቕ ነበረት። ካብ ብዝሒ ልማድ ዉን፣ ብዛዕባ ጸሓይ፣ ወርሒ፣ ከዋኽብቲን ትመራመርን፣ ንዘለወን ስርዓት ዉን ትከታተል ነበረት። በዚ ተመሪሓ ዉብ፣ ሓደ ዓቢ ርድኢት ሓዘት። “ነዚ ዂሉ ዝፈጠረ፣ ካልእ ፈጣሪ” ከመዘሎ፣ ብልባ ደምደመት። እቲ ኣቡኣን፣ ነበርቲ`ታ ከተማን ዘምልኽዎ ጣኦት፣ ሓቀኛ ኣምላኽ ከምዘይዀነን፣ ካልእ ንዂሉ ዝፈጠረ ኣምላኽ ከም ዘሎ ልባ ስለዝነገራ፣ ነዚ ከተናድይ ሃሰው በለት። ኣብቲ ሽዑ ግዜ፣ ኣብ ግብጺ መምህር ክርስቲያናት ዝነበረን፣ ንብዙሓት መማህራን ቤተክርስቲያን ዘፍረየ፣ ኦሪገን ኣብታ ኸተማ ነበረ። ብዛዕባ ባራባራ ዉን ስለዝሰምዐ፣ ንሱ ብዛዕባ ሓቀኛ ኣምላኽ እግዚአብሔርን፣ እምነት ክርስትናን መሃራ።
 
ንሳዉን በቲ ዝተዋህባ ምህሮ ኣዝያ፣ ስለዝተረድአት፣ ንጣኦት ምምላኽ ሓዲጋ፣ ናብ እምነተ ክርስትና ተጸንበረት። ኣቡኣ ኣብ ዝሓነጸላ ገዛ፣ ነብሳ ትሕጸበላ ናይ በይና ክፍሊ ነበራ፣ እዛ ክፍሊዉን ክልተ መሳኹቲ ነብርኣ። ክርስቲያን ኮይና፣ ንጐይታናን ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ከተምልኽ ምስ ጀመረት ድማ፣ ኣብታ መሕጸቢት ክፍላ፣ ሳልሰይቲ መስኮት፣ ኣብ ልዕሊ`ቲ ነብሳ ትሕጸበሉ ጋብላ ዉን መስቀል ከምዝከዉን ገበረት። ኣብኣ ክርእያ ኢሉ ምስ መጽአ ዉን፣ ብዛዕባ`ዚ ነገራት ሓተታ።
“ኣቦ ኣይትፈልጥን ዲኻ፣ ኣብ ሥሉስ ቅዱስ ኲሉ ነገር ሙሉእን ፍጹምን እዩ። እዘን ሰለስተ መሳኹቲ ንሰለስትነት ሥላሴ ተመልክት፣ እዚ መስቀል ድማ፣ ናይ ጐይታናን ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ መስቀል ምልክት እዩ፣ በዚ መስቀል`ዚ ከኣ ድሕነት ረኺብና። ኣቦይ መዓረይ ነዚ ዝብለካ ዘለኹ ምሕጽንታ ስምዓኒ፣ እቲ ንስኻ እተምልኾ ዘለኻ ጣኦት፣ ናይ ሓሶት ኣምላኽ እዩ፣ ፍጡር እዩ፣ ካብዚ ሒዝካዮ ዘለኻ ጌጋ ኣምልኾ፣ ናብ እግዚአብሔር ኣምላኽ ተመለስ፣ ንሱ በይኑ እዩ ፈጣሪ” ብምባል መለሰትሉ።
በቲ ዝሰምዖ ነገር ዝተገረመ ኣቡኣ፣ ኣዝዩ ሰዝሓረቐ፣ ሴይፉ መዚዙ ክቐትላ ተበገሰ፣ ንሳ ዉን ሃደመት። ካብ ኣቡኣ ዝሃደመት፣ ባርባራ ቅድስት፣ መእተዊ ምስ ሰኣነት፣ ኣዒናታ ናብ ሰማያት ኣቢላ፣ ምሕረት ካብ ኣምላኽ ሓተተት። ብኡንብኡ ዉን እቲ ኣብ ቅድሚኣ ዝነበረ ከዉሒ፣ ንኽልተ ተገሚዑ ኣፍደገ ከፈተላ። ንሳዉን ተቐላጢፋ ናብኡ ኣተወት፣ እቲ ከዊሑ ዉን፣ ናብ ናይ ቀደሙ ቅርጹ ተመሊሱ ተዓጽወ።
 
ነዚ ዝረኣዩ ክልተ ጓሶት፣ በቲ ነገር ኣዝዮም እንዳተገረሙ እንከለዉ፣ ኣብኡ ኣርኪቡ ከፋጥጦም ጀመረ። እቲ ቀዳማይ እኳ ሱቕ እንተበለ፣ እቲ ካልኣዩ ግና፣ ሴይፊ ፈሪሑ ዝተሓብኣትሉ ቦታ ኣመልከቶም። ብኡንቡኡ ዉን ኣተን ናቱ ማል ናብ ኣንበጣ ተቐየራ። ኣቡኣ ዉን ብድሕሪ እቲ እምኒ ብምኹላል፣ ኣብቲ ዝተሓብኣቶ ቦታ ከይዱ ረኸባ። ወሲዱ ዉን፣ ናብቲ ንብዙሓት ክርስቲያናት ኣሳቕዩ ብምቕታል ዝፍለጥ ማክሲማኖስ ኣረከባ።
 
ማክሲማኖስ ኣብ መጀምርታ ብሉስሉስ መንገዲ ጌሩ፣ ብዙሕ ተስፋታትን ዘታልሉ ነገራትን ብምዝራብ፣ ሓሳባ ንኽትቕይር ብዙሕ ፈታነታት ገበረ። ምስላጥ ምስ ኣበዮ ዉን፣ ብዝተፈላለየ ኣገባባት ኣቢሉ፣ ከሳቕያ ጀመረ። ብዙሕ ፈተነታት እዃ እንተገበረ፣ ካብ ፍቕሪ ክርስቶስ ግና ክፈልያ ዝኽእል ኣይነበረን።
 
ንጽንዓትን ትዕግስቲን ባርባራ ትኽታተል ዝነበረት፣ ዩሊያና ዝተባህለት ሓንቲ ጎርዞ ዉን፣ በቲ ነገር ኣዝያ ስልዝደንጸዋ፣ ምእንቲ ባርባራ ክትነብዕ ጀመረት። ኣብቲ ሽዑ ኣጋጣሚ ዉን፣ ጐይታና ካብ ሰማያት ወሪዱ ንቅድስት ባራባራ ከጸናንዓን ክርደኣን እንከሎ ረኣየት፣ በዚ ምኽንያት ዉን፣ ዩልያና ብጐይታ ኣሚና ክርስቲያን ተቀየረት። ጨካን ንጉስ ማክሲማኖስ በቲ ነገር ኣዝዩ ስለዝሓረቐ፣ ንክልቴአን ኣዋልድ፣ ርእሰን ክስየፋ ኣዘዘ። ዩልያናን ባራባራን ዉን ኣብ እምነተ ክርስትንአን ጸኒዐን፣ ሰማእትነት ተቐበላ።
 
ኣቦ ቅድስት ባራባራን፣ ጨካን ኣማሓዳሪ ማክሲማኖስን፣ ኣይጸንሑን ኣምላኽ ብመዓቱ ኣጥፍኦም። እቲ ንሳ ነብሳ ትሕጸበሉ ዝነበረት መስቀል ዝነበሮ ማይ ድማ፣ ንብዙሓት ሕሙማት ፈዉሲ ኮኖም። ዓጽሚ ናይዘን ክልተ ቅዱሳን ኣንስቲ ካብ ከተማ ገላትያ ወጻኢ ኣብ ዝነበረ ቦታ ኣንበርዎ። ድሕሪ ብዙሕ ዓመታት ዉን ኣብ ካይሮ ኣብ ዝርከብ ብሽማ ኣብ ዝተቀደሰ ቤተክርስቲያን ዓጽማ ዓረፈ።
 
ነዚ ስእሊ`ዚ ክንዕዘቦ ኣንከለና ቅድስት ባርባራ መስቀል፣ ስየን፣ ጽዋእን ሒዛ ንርእያ። ጽዋእ፣ ምእንቲ ስም ክርስቶስ ክትብል ዝተቀበለቶ ናይ ሰማዕትነት ምልክት እዩ። መስቀል መግለጺ እምነታን ናታ ተጋድሎን የመልክት። እቲ ስየ ድማ፣ ከም ንፈልጦ ኣብ ቤተክርስቲያን ‘ስየ’ ምልክት ንጽህ እምነት እዩ። “ጻድቃን ከም ስየ ይልምልሙ፣ ከም ጽህዲ ሊባኖስ ዉን ይዓብዩ” /መዝ 92፥12/ ኢሉ ዳዊት ዝዘመሮ ዉን፣ ጻድቃን ብእምነት ከምዝዓብዩ መረጋገጺ እዩ። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዉን ስየ ኣብ ብዙሕ ቦታታት ተጠቒሱ ንረኽቦ /2 ነገ 6፥29, ራእ 7፥9/። ስለዚ ካብዚ ቅዱስ ስእሊ እንመሃሮ፣ ነገር ሰማዕት ቅድስት ባርባራ፣ ምእንቲ መስቀለ ክርስቶስ ክትብል፣ ብንጹህ እምነት፣ ሰማእትነት ከም ዝተቐበለትን፣ ናይዚ ዓስባ ዉን ኣክሊል ህይወት ምዃኑ እዩኣባ ጊዮርጊስ ዘግስጫ ዉን፣ ኣብ ምስጋና ኣርጋኖን ዝተባህለ መጽሕፉ ዘሰንበት፣ ተቒስዋ ይርከብ።
 
 
እምበኣር ክቡራት ምእመናን፣ ንሕና ክርስቲያናት ንሰማዕታት ብዙሕ ክብሪን ፍቕሪን ኣለና፣ ብቃል ኪዳኖም ዉን ንምሕጸን ኢና። ኣብዚ ከይተሓጸርና ግና ንሕና ዉን ኣሰር ሰማዕታት ክንስዕብ ይግባእ። ፍቑራት ኣሕዋተየ ዋላዃ ንሕና ምእንቲ ስም ክርስቶስ መድሓኒና ኢልና እንቕበሎ መከራን ስደትን፣ እንእሰሮ ማእሰርቲን፣ ኣብ ኢድ ደቂ ሰባት ወዲቕና ኣንቕበሎ መግረፍቲን ሞትን እንተዘየለ፣ ሰማእትነት ግና በዚ ዝተሓጽረ ጥራይ ኣይኰነን። ስየ ሰማእትነት ኣንጾረሉን፣ ጽዋእ መድሓኒናን እንጥዕመሉ ብዙሕ ናይ ሰማዕትነት መንገዲታት ኣሎ። ገዛ ስጋና ብንጽህና እንድሕሪ ዓቂብናን፣ ስጋና ንነፍስና እንድህሪ ኣግዚእና፣ ብዂሉ ልማኖን ጸሎትን ናብ እግዚአብሔር ቀሪብና ብትሕቱ መንፈስ ምስ ንልምኖን፣ ብዂሉ ሰናይ ግብሪ እንድሕሪ ተጊህና፣ ፍረ መንፈስ ቅዱስ ዘበለ ኲሉ ብትዕግስቲ ምስ ነጥሪ፣ ሰማእታት ኢና። ጸሎትን በረኸትን ቅድስት ኣዴና ባራባራ ምስ ዂልና ይኹን!ኣሜን።

source @ fnoteatnatiewos.blogspot.no

Tsome Tsigai
Posted by million.isaac on October 10, 2013 at 9:00 AM comments (0)
ጾመ ጽጌ

ጾመ ጽጌ
ኦ ድንግል ናብቲ ንኵሉ ዝዝክር፡ ዘይርስዕ ኣዘክሪ።
ኦ ድንግል እቲ ካባኺ ኣብ ቤተ ልሔም ዝተወልደን በጭርቕቲ ከም ዝተጠቕለለን ኣዘክሪ።
ኦ ድንግል ብእዋን ቍሪ፡ እስትንፋስ አድግን ላሕምን ከም ዘማምቝዎን ኣዘክሪ።
ኦ ድንግል ብዘመን ርጉም ሄሮድስ ካብ ሃገር ናብ ሃገር ምስኡ እናጐየኪ ምሳኺ ዝተሰዶ ስደት ኣዘክሪ።
ኦ ድንግል ካብ ኣዕይንትኺ ናብ ገጽ ፍቁር ወድኺ ዝወሓዘ መሪር ንብዓት ኣዘክሪ።
ኦ ድንግል ጥሜትን ጽምእን መከራን ኃዘንን ኵሉ ምስኡ ዝበጽሓኪ ጸበባ ኣዘክሪ።
ይቕረታ ደኣ ኣዘክሪ እምበት ጥፍኣት ኣይኹን።
ንኃጥኣን ደኣ ኣዘክሪ እምበር ንጻድቃን ኣይኮነን።
ንርሱሓት ደኣ ኣዘክሪ እምበር ንንጹሓት ኣይኮነን።
እወ ኣዴና ናብቲ ዘይርስዕ ኣምላኽ ኣዘክሪ….
ኣዘክሪ ድንግል…..!

TRUE HOLY CROSS THE TRUIMPH OF SALIVATION
Posted by million.isaac on September 27, 2013 at 3:10 AM comments (0)

               እንቋዕ ንብርሃነ መስቀሉ ብሰላም ኣብጽሓና፡ ኣብጽሓኩም።

ምብዓል ቅዱስ መስቀል ኣብ መስከረም 17 ዓ.ም.ግ. (መስከረም 27 ወይ 28 ዓ.ም.ፈ

ቅዱስ መስቀል ብዙሕ ተኣምራት ማለት ለምጻማት ኬንጽሕ ዕውራት ኣዕይንቶም ከብርህ
ምውታን ኬተንሥእ ስለ ዝረኣዩ ። ኣይሁድ ንመንቀኝነት ኣይዓርፉን እዮም እሞ ። ከምኡውን
ኣብ ሕጎም “ኢትቅትል ብእሴ ጻድቀ” ማለት ጻድቕ ሰብ ኣይትቕተል ዝብል ስለ ዘሎ ።
ጻድቕ ሰብ ቀቲሎም ተባሂሎም ኣብ ታሪኽ ከይውቀሱ ሰለ ዝፈርሑ ንቅዱስ መስቀል
ንምጥፋእ ኣብ ጕድጓድ ቀቢሮም ። ተዃዒቱ ንኸይወጽእ ድማ ኵሉ ሕዝቢ ኣብ ርእሲኡ6
ንኽጕሕፍ ኣዋጅ ኣወጁ፣ እቶም ሕዝቢ ድማ ንኣስታት 286 ዓመታት ዝኣክል ኣተግቢሮሞ፣
ወዮ ጐሓፍ ድማ ናብ ጎቦ ተቐየረ።
ሓንቲ ካብ መዓልታት ። ኵሎም ክርስቲያን ዝሕጐሱላ ቅድስት መዓልቲ መጽአት፣ ንሳ ድማ
ንግሥት እሌኒ ንቅዱስ መስቀል ካብ ዘለዎ ከትውጽኦ ዝብል መብፀዓኣ ኽትፍጽም ናብ
ኢየሩሳሌም ከደት እሞ ኣበይ ከም ዘሎ ዝሕብራ ሰኣነት፣ ሽዑ ንኪራኮስ ዝተባህለ ሽማግለ
ጨው ዝበዝሖ መግቢ ኣብሊዓ ማይ ከልኣቶ እሞ ። ማይ ኪሰቲ ደሊዩ ካብዘን ሠለስተ ገቦ
ሓዲኤን እያ ኢሉ እናመልከተ ነቲ ሓቂ ነገራ፣ ንሳ ድማ ካህናት ኣኪባ ። ዳሜራ ገበረት እሞ
ዕጣን እንተ ኣዕረጉ “ሰገደ ጢስ በጎልጎታ” ከም ዝብል እቲ ትኪ ናብ ሰማይ ወጺኡ ናብታ
መስቀል ዘለዋ ቦታ ተመሊሱ ሰገደ፣ ስለዚ በዛ ቅድስት መዓልቲ መስከረም 17 እዚኣ ነቲ
መሥርሕ ምዅዓት ጀመረቶ፣ እቲ ገዚፍ ገቦ ድማ ብዕለት 10 መጋቢት ኵዒታ ወደኣቶ
እሞ ብርሃን ቅዱስ መስቀል ረኣየት፣ ንሱ ምዃኑ ዘረጋግጽ ድማ ከም ቀደሙ ለምጻማት
ኣሕወየ ። ዕውራት ኣዕይንቶም ኣብርሀ ። ሕሙማት ፈወሰ።
መጋቢት 10 ግና ኵሉ ጊዜ ኣብ ጾም ስለ ዝውዕል ። ዝተቐብረሉ ቦታ ዝተረኽበሉ ።
ከምኡውን ኵዕታ ዝተጀመረሉ ዕለት መስከረም 17 ስለ ዝዀነ በዛ ቅድስት ዕለት እዚኣ
ንኽኽበር ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ሠሪዓትልና፣ በዚ ድማ ዓመታዊ ክብረ በዓል መስቀል
ብሓባር ነብዕሎ ኣለና፣ ረድኤትን በረኸትን ናይ ቅዱስ መስቀል ኣብ ልዕሊ ኵላትና ዕጽፍን
ድርብን ኰይኑ ይውረድ ።
ኣብ መወዳእታ እምበኣር ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ምሕረት እግዚአብሔር ። ጸሎትን ልማኖን
ናይ ኣዴና ንጽሕተ ንጹሓን ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ወላዲተ ኣምላክ ማርያም ። ረድኤት
ቅዱስ መስቀል ። በረኸት ኵሎም ቅዱሳን ምስ ኵልና ይሕደር ። እናበለት እዚ በዓል እዚ
ነፍስናን ሥጋናን ዝቕድስ ፣
ኃጢኣትና ዝድምስስ ፣
መንግስተ ሰማያት ዘውርስ ይግበረልና ትብል።

 
SOURCE  FROM : መንበረ ፓትርያርክ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ኣስመራ, ኤርትራ
HAPPY GEEZ NEW YEAR 2006 !!
Posted by million.isaac on September 12, 2013 at 9:10 AM comments (0)
                           
                      +++  በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሃዱ አምላክ አሜን! +++
source: http://kanazegelila.blogspot.nl/2012/09/18-31.html

  ሓድሽ ልብን ሓድሽ መንፈስን ድማ ግበሩ። ሕዝ.18-31።
 ሓድሽ ዓመት ክረምቲ ተወዲኡ ዘራእቲ ዝፈርዩሉ፣ ዝናብ ክራማት ተወዲኡ ሲዒቡ ዝመጽእ ዝኽበር ሓድሽ ናይ ተስፋን ብሥራትን በዓል እዩ። ነዚ ኣመልኪቱ ቅዱስ ሰለሙን ከምዚ ይብል። > መኃ.2፣11። ኣብ ሓድሽ ዓመት ዓመታት ጥራይ ዘይኮኑ ምድርውን ገጽታኣ ትልውጥ እያ። ዝነቀጸ ኣግራብን ዝነቀጸ መሬትን ሓምላይ ለምለም ይኸውን፣