ሓዋርያ ሉቃስ

HOME
TEACHING
ABOUT ME
PHOTO GALLERY
VIDEOS
LITERATURE
MEMBERS

Teaching
view:  full / summary
Negere Kidusan
Posted by million.isaac on November 2, 2013 at 12:05 PM comments (0)
ነገረ ቅዱሳን
ጥቅምቲ፳፪-ዕረፍቱ ለሉቃስ ወንጌላዊ

በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣኃዱ ኣምላኽ ኣሜን።

ሉቃስ ማለት መበሰሪ፡ ብስራተ መልኣኽ ስለ ዝጸሓፈ(ሉቃ፩፡፳፮/1፡26) ኣንድም—ዐቃቤ ሥራይ ዘሥጋ ክኸውን ከሎ ዐቃቤ ሥራይ ዘነፍስ ክትከውን ኢኻ ኢሉ ጎይታ ጸውዖ
(ቆላ፭፡፲፬/5፡14) ቁጽሩ ካብ ፸፪ ኣርድእቲ ኢዩ።
ንኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ኣዝዩ የፍቅራ ስለ ዝነበረ፡ ካብ ፍቕራ ዝተላዕለ ስእላ ሰኣለ።ናይ ኣዴና ሥእሊ መጀመርታ ዝሠኣለ ወንጌላዊ ሉቃስ ኢዩ። ኣብ ቤተ ክርስቲያን’ውን ዝርከቡ ናይ ጸሎትን መዝሙርን መጻሕፍቲ ሥእሊ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ዝሰኣሎም ኢዮም።
“ሰላም ለሥእልኪ እንተ ሠዐላ በእዱ ፡ሉቃስ እምወንጌላውያን ኣሓዱ (መልክዐ ሥዕል ስንክሳር 22/፳፪ ጥቅምቲ ከም ዝብል።
ነቲ ዝሰኣሎ ስእሊ እና ሸጠ ከኣ ዕለታዊ መግቡን ክዳኑን ኣትሪፉ ብስም ቅድስት ድንግል ማርያም ይምጽውቶ ነበረ።
ብመንፈስ ቅዱስ መሪሕነት ዝሰኣሎ ስእሊ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ምስ ፍቁር ወዳ ልክዕ ብኣከለ ስጋ ከም ዘላ ገይሩ ይስእላ ነበረ፡ “ወይእቲ ሥዕል ትመስል ልብስተ ሥጋ ወያንጸፋጽፍ ሐፍ እምኔሃ” ከም ዝብል መቅድም።
ቅዱሳን ሃዋርያት ነናብ ዝኸድዎ ናይ ትምህርቲ ቦታ ብዕጫ ናብ መላእ ዓለም ክኸዱ ከለዉ ቅዱስ ዮሓንስ ኣብ ጽርዕ በጺሑ ክኸይድ ከሎ ብሓንሳብ ከዱ ካብ ሃገረ ስብከቱ ንመቄዶንያ ከፊሉ ከኣ ኣብኡ ክምህር ገዲፍዎ ከደ። ከም ኩሎም ሃዋርያት ናይ ክርስቶስ ወንጌል ብዝግባእ ማሃረ። ብድሕሪ’ዚ ወንጌል ናብ ዘይበጽሖ ቦታ ተበገሰ። ናይ እስክንድርያ መስፍን ዝነበረ ቴዎፍሎስ ዝመሃርካና ምእንቲ ከይንርስዖ ብጽሑፍ ገርካ ሃበና በሎ። ነቲ ዝማሃሮ ኩሉ ድማ ብጽርዕ ጽሒፉ ሂብዎ ከደ። ግዜኡ ድሕሪ ዕርገት ጎይታ ኣብ መጀመርታ መበል ፳፩ ዓምት ኢዩ ነይሩ። እዚ ከኣ ቀላውዴዎስ ቄሳር ካብ ዝነግስ ኣብ መበል ፲፬ ዓመቱ ኢዩ። ብድሕሪኡ ካኣ ንግብረ ሃዋርያት ጽሒፉ ለኣኸሉ።(ሉቃ፩፡፩/1፡1፡ ግ.ሃዋ፩፡፩-፪/1፡1-2)
ብድሕሪ እዚ ንቅዱስ ጴጥሮስን ቅዱስ ጳውሎስን ተኸቲሉ ኣብ ሮማ ዝነበሩ ህዝቢ ንኽምህር ከደ። ንሮማውያን ከኣ ካብ ኣምልኾ ጣዖት ናብ ኣምልኾተ እግዚኣብሔር መለሶም። ናይ ጣዖት ካህናትን እቲ ናይቲ ዘመን ገዛኢ ዝነበረ ጨካን ዓላዊ ንጉስ ኔሮንን ሉቃስ ዝተባህለ መሰርይ ንኣምልኽትና ሰባበረልና ንህዝብና ከኣ ኣስሓተልና እና በሉ ንሰባት ከናዕቡ ጀመሩ። ኣብ መወዳእታ ከኣ በቲ ቅዱስ ሉቃስ ዝገብሮ ዝነበረ ንሕሙማት ምፍዋስ፡ ንሙዉታት ምትንሳእ ንዝተደነሱ ምፍዋስን ኔሮን ንጉስ ኣዝዩ ስለ ዝተቖጥዐ ወተሃደራት ልኢኹ ናብ ቤቱ ኣምጽኦ። ነታ ኢየሱስ እና በለት እጥጽሕፍ ዘላ የመነይቲ ኢዱ ትቆረጽ ኢሉ ከኣ ኣቕረጻ። እንተኾነ ቅዱስ ሉቃስ ” ኦ! እግዚኣብሔር እቶም ንምቑራጽ ኢደይ ዝረኣዩ ሰባት እቲ ዘድሕን ዝብልዎ ኣምላኾም ድኣ ኣበይ ኣሎ፧ እንተድኣ ኣልዩስ ስልጣኑ ድኣ ንመዓስ ክኾኖም ኢዩ፧ ምእንቲ ከይብሉስ እዛ ኢደይ ናብታ ዝነበረታ ምለሳ” እና በለ ጸለየ። ቅዱስ እግዚኣሔር ከኣ ንኢዱ ከምታ ዝነበረታ ገበራ። ነዚ ተኣምር እዚ ዝረኣዩ ብዙሓት ሰባት ብእግዚኣብሔር ኣመኑ።
በቲ ዝተፈጸመ ነገር ኣብ ክንዲ ነቲ ሓያል ኣምላኽ ምእማን ከም ፎርዖን ልቡ ዘትረረ ኔሮን ንኹላቶም ብስሕለት ሴፍ ክሞቱ ኣዘዘ። ቅዱስ ሉቃስ’ውን ክሳዱ ብስሕለት ሴፍ ስጋኡ ሰባት ምእንቲ ከይረኽብዎ ናብ ባሕሪ ደርበዮ።እንተኾነ ምእመናን ረኺቦም ቀበርዎ። ጸሎቱን በረኸቱን ናይ ቅዱስ ሉቃስ ምስ ኩላትና ይኹን። ናይ ኩሎም ናይዛ ዕለት እዚኣ ሰማእታት በረኸቶም ኣይፈለየና።ኣሜን።
ወስብሃት ለእግዚኣብሔር
ወለወላዲቱ ድንግል
ወለመስቀሉ ክቡር
ኣሜን!!

ምንጪ፡ ብትምህርቲ ሰንበት ማሕበር ማርያም 
source @  mahberemariam.

Negere Maryam
Posted by million.isaac on October 14, 2013 at 7:50 PM comments (0)
 
ነገረ ማርያም.
 
ካብ ንጹሃት ንጽህቲ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም
                       
        በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን

ካብ ንጹሃት ንጽህቲ 
ካብ ነገረ ማርያም ፦እዚ ዓምዲ’ዚ ናይ ኣደና ቅድስት ድንግል ማርያም፣ ቅድስና፣ ድንግልና፣ ንጽህና፣ ክብርን ኣማላድነትን ዝነግር ዓምዲ እዩ። ንሎሚ እምበኣር ካብ’ቲ ብዙሕ ብውሑድ ብድሩት ዕቕምና ካብ ነገረ ማርያም መሰረት ብምግባር ብመጠኑ ኣቕሪብና ኣለና እሞ እግዚኣብሔር ብረዲኤቱን ምሕረቱን ኣደና ቅድስት ድንግል ማርያም ብኣማላድነታን ጸሎታን ምሳና ይሃሉ።
ካብ ንጹሃት ንጽህቲ ፦
ንኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ብዙሓት ኣቦታት ብብዙሕ መንገድታት ገሊጾምዋ ኢዮም። ሓደ ካብዞም ኣቦታት ጥበበኛ ሰሎሙን ኢዩ። ኣብ መኃልየ መኃልይ መጽሓፍ ብሓፈሻ ኣብ ምዕራፍ 4፥7 ድማ ብፍላይ እቲ ናታ ክብሪ ገሊጽዎ ኣሎ። “ኦ ፍቅርተይ ኩሉንትናኺ ጽብቕቲ ኢኺ” ብምባል ንኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ብኩልንትናኣ ጽብቕቲ ከም ዝኾነት ይገልጽ። እዚ ጽባቐ ደጋዊ ዘይኮነ ውሽጣዊ፣ ስጋዊ ዘይኮነ መንፈሳዊ’ዩ። ወይ’ውን ናይ ኣካላት ቁመና ጽባቐ ኣይኮነን ዝገልጽ ዘሎ፣እንታይ ድኣ ናይ ውሽጢ ኣካላት ጽባቐ’ዩ። እግዚኣብሔር ክመርጽ ወይ ክሓሪ ከሎ ደጋዊ ጽባቐ ወይ ናይ ኣካላዊ ቁመና ጽባቐ ኣይኮነን ዝርኢ። ደጋዊ ቁመና ዝሓሪ እንተ ዝኸውን ነቲ ቦኽሪ ወዲ እሴይ ንኤልያብ ምመረጸ ነይሩ (1ይ ሳሙ16፥17)። “ንሰሜን፣ንደቡብ፣ ንምብራቕ፣ ንምዕራብ፣ ጠመተ ከማኺ ዝበለ ኣይረኸበን” ብምባል ኣባ ሕርያቆስ ኣብ ቅዳሴ ገሊጹዎ ኣሎ። ብሓቂ እግዚኣብሔር ኣምላኽ ከም ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ዝበለት ብኩልንትንኣ ዝተመርጸት ከቶ ኣይረኸበን። እሞ መሕደሪኡ ክትከውን በሃጋ (መዝ 132፥13) ነቲ ኣዳምን ሔዋናን ዝበደልዎ በደል ንምድምሳስን ካሕሳ ንምሃብን ካብ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ተወሊዱ ንከድሕነና መሕደሪኡ ንኽትከውን መረጻን በሃጋን። ጥበበኛ ሰለሙን ቀጺሉ’ውን “ሕፍቲ ውን የብልክን” ብምባል ነቲ ቀዳማይ ሓሳቡ ብዝግባእ ጽቡቕ ገይሩ ገሊጽዎ ኣሎ። ቅዱስ ያሬድ ውን ነዚ ናይ ሰለሙን ቃል መሰረት ብምግባር ኣብ ኣንቀጸ ብርሃን ዝተባህለ ምጽሓፍ “ኣንቲ ውእቱ ንጽሕት እምንጹሐን” ካብ ንጽሐት ንጽሕቲ ኢኺ ክብል ሞጕስዋ ኣሎ።

ሕፍቲ እንታይ ማለት እዩ። ሕፍቲ ማለት፣ ኣበር፣ ርኽሰት፣ ሓጢኣት፣ ጉድለት፣ ማለት’ዩ። እወ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ኣበር፣ ርኽሰት፣ ሓጢኣት ፣ ጉድለት የብላን። ንምዃኑ ግን ሓጢኣት (በደል ብኸመይ መጺኡ፣ እንታይ ሳዕቤንከ ኣምጺኡ፣ ዝብል ሕቶታት ምምላስ ከድልየና ኢዩ። ሓጥያት (በደል ናብ ዓለም ዝመጸሉ ምኽንያት ኣቦና ኣዳምን ኣደና ሔዋንን እቲ እግዚኣብሔር ዝሃቦም ትእዛዝ ስለ ዘይሓለዉ፣ ዘይግብኦም ፍረ ስለዝበልዑ’ዩ ናብ ዓለም መጺኡ። ዘምጽኦ ሳዕቤን ድማ ጥንተ ተኣብሶ ብግእዝ ኮይኑ (ቀዳማይ ሓጢኣት፣ ወይ ኣዳማዊ ሓጢኣት ማለት’ዩ፣ ሞተ ነፍሲ ኢዩ። ኣዳማዊ ሓጢኣት እምበኣር ናይ ጸጋ ሙጉዳል፣ ናይ ነፍሲ ርኽሰት፣ ናይ ሓጢኣት መቅጻዕቲ ኢዩ። ንኣቦና ኣዳም ንምድሪ ብርሃጽ ገጹ ክዓያ፣ ብጻዕሪ ክበልዕ፣ እሾኽን ተኾርባን ከተብቅለሉ ተረጊሙ። ንኣዴና ሔዋን ድማ ብጻዕርን መከራን ክትወልድ፣ ከምቲ ነታ ዕንጨይቲ ዘድመኽያ፣ ደም ድመዪ ዝብል መርገም ተዋህባ። እዚ ኩሉ ብሰንኪ ትእዛዝ ዘይምሕላዎም ዝሰዓበ’ዩ ካብ ገነት ውን ተሰጉ። ጥንተ ተኣብሶ እምበኣር መርገመ ስጋ መርገም ነፍሲ ዘስዓበ ኢዩ “ሞታ ለነፍስ ርሒቅ እም እግዚኣብሔር” (ማር.ኢሳቅ። እዚ ኩሉ ንኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ኣይበጸሓን፣ ካብዚ ኩሉ ነገራት ንጽህቲ ኢያ። ሎሚ ግን ብዙሓት ሰባት ነዚ ምጽሓፍ ቅዱሳዊ ዝኾነ ሓቒ ገዲፎም ናይ ጥርጥር፣ ናይ ክሕደት ቃላት ክዛረቡ ይረኣዩ ኣለዉ። ኣዴና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ሓጢኣት ኣዳም ተመሓላሊፍዋ ኢዩ ብምባል ይዛረቡ። ከም መወከሲ ድማ ሓደ ሓደ ጥቅስታት ብምልዓል ይካትዑ ኢዮም። ካብቲ ዘልዕልዎ ገለገለ ጥቅስታት ክንርኢ ኢና።

1. ኣብ (ሮሜ 5፥12) ንዘሎ ጥቅሲ ብምልዓል ይዛረቡ፦ “ብሰሪ ሓደ ሰብኣይ ሓጢኣት ናብ ዓለም መጸ። ብምኽንያት ሓጢኣት’ውን ሞት መጸ፣ ኩላቶም ስለ ዝበደሉ ድማ ሞት ናብ ኩሉ ሰብ ተመሓላለፈ” ንዝብል ጥቅሲ ኣልዒሎም ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ሓጢኣት ኣዳም ኣለዋ ይብሉ። ሓጢኣት ኣዳም እንተነይርዋ እቲ ዝወለደቶ ክርስቶስ ውን ሓጢኣት ኣለዎ ማለት’ዩ። ንሕና ግን ከምኡ ኣይንብልን ንሱ ሓጢኣት ዘይብሉ ንጹሀ ባህሪ ዝኾነ ኣምላኽ ኢዩ። ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ውን ዝተፈልየት ኣደያ። ከመይሲ ሓጢኣት ኣዳም ዘይብላ ገይሩ እግዚኣብሔር ከም ትውለድ ስለ ዝገበረ። “መንፈስ ቅዱስ ዓቀባ እምከርስ እማ” ከም ዝተባህለ፣ ትርጉም ውዳሴ ማሪያም ናይ ረቡዕ፣ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ማህጸን ኣዲኣ ከላ ዓቀባ። ካብ ኩሉ ሓጢኣትን በደልን ከም ዘይሓልፋ ገይሩ ኣኽቢርዋ’ዩ ኣበር ዘይብላ ንጽህቲ፣ ንምርዳእ ብቃል ነቢያት ገሊጽዎ ኣሎ “እንሆ ድንግል ክትጸንስ ወዲ ውን ክትወልድ እያ” ይብል (ት.ኢሰ 7፥14)። ግዚኡ ኣኺሉ መዓልቲ ቆጸራ ድሕነት ኣዳም ምስ ኣኸለ መልኣኽ ከበስራ ከሎ “ኣነ ድንግል እየ” በለት (ሉቃ 1፥34)። ከመይሲ ንእግዚኣብሔር ዝሰኣኖ ነገር ስለዘየለ ብዘይ ኣበር ከም ትውለድ ገበረ። እዚ ከመይ ኢሉ ይኸውን ሰብ እንተኾይና ብዘርኢ ኣዳም ዝመሓላለፍ ሓጥያት ግድን ኣለዋ ብምባል ይካትዑ። እስኪ ብሰባት ዘይከውን ወይ ዘይከኣል ዝመስል ነገር ብኣምላኽ ግን ቀሊል ዝኾነ ነገር ክንርኢ ፦ብድንግልና ዝወለደት ኣደ ኣላ ድያ? መጽሓፍ ቅዱስ ግን ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ብድንግልና ከም ዝወለደት ይነግር። “ንሰብ ዘይከኣሎ ንኣምላኽና ግና ኩሉ ይከኣሎ እዩ”(ማቴ 19፦26)። ንኣምላኽ ዝሰኣኖ የለን(ሉቃ 1፥37)። ንእምኒ ዘዘምር (ሉቃ 19፦40)፣ ንኣድጊ ዘዛርብ (ዘሁ 22፦2፣ መዓልታት ንዝሓለፋ ኣደ ዘውልድ (ሉቃ 1፦18-24, ዘፍ 18፦10) ኩሉ ዝኽእል እዩ’ሞ ከምዝደለዮ ብዝደለዮ ገይሩ ዝሰርሕን ዝፍጽምን እዩ። እዚ ብሰብ ኣይከኣልን’ዩ ብኣምላኽ ግን ቀሊል እዩ። ንኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ናይ ኣዳም ሓጥያት (ጥንተ ተኣብሶ ነጻ ብምግባር ንጽሕቲ ኮይና ከምትወልድ ገበረ። ኣብ ትንቢተ ኢሳይያስ 1፦8 -9 ዘሎ ቃል’ውን ነዚ ዝነግር እዩ። “ኢዮሩሳሌም ከኣ ከም’ቲ መከላኸሊ ዘይብሉ ኣብ ማእከል ኣታኽልቲ ወይኒ ዘሎ ዋላ ኣብ ግራት ብርጭቅ ዘሎ ኣጉዶን ብጸላኢ ከምዝተከበት ከተማ ተሪፋ ኣላ።” እዚ ንእዋኑ ንኢዮሩሳሌም’ዩ፣ ፍጻሜኡ ግን ንኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ዝነበረ ትንቢት’ዩ። ካብ ሓጥያት ፣ ካብ በደል ነጻ ኮይና ከምትውለድ ዝነግር’ዩ። ኣስዒቡ’ውን ገለ ሒደት ትርፊ እንተዘይሓድገልና ከም ሰዶም ምኾና፣ ንጎመራ ምመሰልና ብምባልይዛረብ። ብሓቂ ንኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም እንተዘይሓድገልና፣ ካብ ሓጥያትና ዘድሕነና እንተዘይትወልደልና ከምተን ዝጠፍኣ ከተማታት ምኾና ኔርና።
ከምኡ’ውን ኣብ መጽሓፍ መሳፍንቲ ሰሎሙን ንቤት መቕደስ ኣንጽሃ፣ ቀደሳ ፣ (1ይ ነገስት 8፥7-11) ዝተባህለ’ውን ርክሰት ሃልይዋ ወይ ስለዝነበራ ኣይኮነን እንታይ ድኣ ብስም እግዚኣብሔር ንእግዚኣብሔር መሕደሪ ክትከውን ኣኽበራ፣ ፈለያ፣ መረጻ ማለት’ዩ።
ብተመሳሳሊ ቅድስት ኣዴና ድንግል’ውን “ኣንጽሆ ስጋሃ” ማለቱ ሓጢኣት ስለዝነበራ ኣንጽሃ ማለት ኣይኮነን። ንስጋኣ ኣኽበሮ፣መሕደሪኡ ክትከውን በሃጋ ማለት እዩ። ኣዴና ቅድስት ድንግል ቅድሚ ንጎይታ ምውላዳ ቅድስትን ንጽህትን እያ። ቅድሚ ንጎይታ ምውላዳ ሓጥያት እንተዝነብራ ንጎይታ ክትወልድ ኣይምኸኣለትን ምኽንያቱ እቲ ብባህሪኡ ንጹህ ዝኾነ ኣምላኽ ኣብ ንጹህ ደኣ እምበር ኣብ ረሳሕ ኣይነብርን እዩ። ከመይ’ሲ ከምቲ ንኣቦና ዳዊት ዝተባህሎ “ንስኻ ተዋጋኢ ሰብ ኢኻ፣ ደም ድማ ኣፍሲስካ ኔርካ ኢኻ እሞ ንኣይ ቤት ኣይትሰርሓለይን ኢኻ” (1ይዜና 28፦3)። ግናኸ ንስኻ ዘይኮንካ ወድኻ ኢዩ ዝሰርሓለይ ብምባል ተዛረቦ። ኣብ’ዚ ከምንርድኦ ነዚ እግዚኣቢሔር ዝሓድረሉ ቤት መቅደስ ብዓቢ ጥንቃቐን ንጽህናን ክሰርሖ ካብ ተደልየ፣ ኣካላዊ ቃል ምስ ስጋ እተዋሃህድ መቕደስ ድኣ ብከመይ ብዝበለ ንጽህናን ቅድስናን ድንግልናን ክትህነጽ ዘይግብኣ። እቲ ኣቦና ጥበበኛ ሰሎሙን ዝሰርሖ ቤት መቕደስ እግዚኣቢሔር ዝሓድረሉ ቦታ’ዩ። እታ ዝዓበየት ቤት መቕደስ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ግን ካብ ሰለስተ ኣካል ሓደ ኣካል ጎይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተወሃሃደላ፣ ምስጢር ናይ ተዋህዶ ዝተፈጸመላ ሰፈር እያ። ካብ ምሕዳር ምውህሃድ ይዓቢ፣ ይከብር ስለዝኾነ። ከመይ’ሲ ምሕዳር ኣብ ኩሉ ፍጥረታት ዘሎ እዩ። ምውህሃድ ግን ኣብ ማንም ኣይተፈጸመን ብጀካ ኣብ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም።
3. ቅዱስ ገብሪኤል ከበስራ ዝተላእከ መጀመርታ ነቲ ዝነበራ ሓጢኣት ክድምስሰላ ደሓር ድማ ጎይታ ካብኣ ከምዝውለድ ክነግራ እዩ መጽዩ ይብሉ።
እዚ ካብ ሓቂ ዝረሓቐ፣ ካብ ምስጢር ቕዱሳን መጻሕፍቲ’ውን ውጹእ’ዩ።
ሀ. ከመይሲ መላእኽቲ ነቲ ዝነበረ ሓጢኣት ወይ ጥንተ ተኣብሶ ዝድምስሱ እንተኮይኖም ብቅድሚ ኣዴና ቅ/ድ/ማርያም ንብዙሓት ኣንስቲ ኣበሲሮም ኢዮም።ንኣብነት ኣብ ብሉይ ኪዳን ከም በዓል ሰበይቲ ማኑሄ (መሳ13፣1-20)። ኣብ ሓድሽ ኪዳን ካህን ዘካርያስ (ሉቃ 1፣13-20)፣ ካልእ ምርኣይ’ውን ይክኣል’ዩ። ካብ ናይ ሓጢኣት ኣርዑት ነጻ ምወጹ ነይሮም`ወይ ድማ ኣዳማዊ ሓጢኣት ምጠፈኣሎም ነይሩ።
ለ. ብካልእ ወገን ብስራት መላእኽቲ ካብ ጥንተ ተኣብሶ ዘድሕን እንተ ኮይኑ አእላፋት መላእክቲ ተላኢኮም ንኣዳምን ደቁን መድሓንዎ ነይሮም። ተበጃውነት ናይ ክርስቶስ እውን ኣይመድለየን ነይሩ።
ሐ. ብስራት ቅ.ገብርኤል ካብ ጥንተ ተኣብሶ ዘድሕን እንተኾይኑ ምስ ናይ ጎይታ ሞት ማዕረ ማለት’ዩ ። ስለዚ በዚ ዓበይቲ ምኽንያታት መሰረት እዚ ኣበሃህልኦም ካብ ሓቂ ዝርሓቀ ከም ዝኾነ ምርዳእ የድሊ።
ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ቅድሚ ሊቀ መላእክት ቅ.ገብርኤል ምልኣኹ ቅድስትን ንጽህትን ከም ዝነበረት፣ ሓጢኣት ኮነ ኣበር ከምዘይነበራ ኣባ ህርያቆስ ኣብ ቅዳሴ ማርያም “ወሰበ ርእየ ንጽህናኪ ለሊሁ እግዚኣብሄር ኣብ፣ ፈነወ መልኣኮ ብርሃናዌ ዘስሙ ገብርኤል” ብምባል ይገልጽ። ትርጉሙ ድማ “እግዚኣብሄር ኣብ ንጽህናኺ ምስ ረኣየ፣ ገብርኤል ዝበሃል ብርሃናዊ መልኣኽ ለኣኸ” ይብል ኣቐዲሙ ንጽህናኣ ረኣየ፣ መረጸ፣ ሓረየ፣ ብድሕሪኡ መሕደሪቱ ክትከውን ንቅዱስ ገብርኤል ከበስራ ለኣኾ ብምባል እቲ ሓቀኛ ዝኾነ ቃል ይዛረብ። ብሓቒ ኣዴና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ሓጢኣት ዘይብላ ስለዝኾነት ንሓጢኣት ዘይብሉ ጎይታ ወሊዳ፣ እወ ብሓቂ በደል ዘይብላ ንበደል ዘይብሉ ጎይታ ስለ ዝወለደት። እወ ብርግጽ ጉድለት ዘይብላ ንጉድለት ዘይተረኽቦ ሓያል ኣምላኽ ስለ ዝወለደት። እወ ብሓቂ ዘገርም ምስጢር’ዩ ከመይሲ ኣበር፣ ርኽሰት፣ በደል፣ ሓጢኣት፣ ጉድለት፣ እንተ ዝነብራ እቲ ካብኣ ዝተወልደ ጎይታ’ውን ርኽሰት፣ ኣበር፣ ሓጢኣት፣ ጉድለት፣ ዘለዎ ምኾነ ነይሩ። ንሱ ግን እቲ ዝወለደቶ ብዘይ ጥርጥር ሙሉእ፣ ጻድቅ፣ ጉድለት ዘይብሉ ኣበር ዘይብሉ፣ ሓጢኣት ዘይብሉ ኣምላኽ ኢዩ። “ብርቱዕ ኣምላኽ፣ ኣቦ ዘለኣለም፣ መስፍን ሰላም” ተባሂሉ ተመስኪርሉ ኣሎ (ኢሳ 9፥6-7)። ከምኡ’ውን “እከይ ዘይገበረ፣ ሓሶት ኣብ ኣፉ ዘይተረኽበ ኽነሱስ፣ ምስ ሓጥኣን ከም ዝመውት ገበሩ”(ኢሳ 53፣9) ብምባል መስኪሩ ኣሎ።
4. “ኩሎም ተባላሽዮም ፍንፉን ግብሪ ይገብሩ፣ ሰናይ ዝገብር ሓደ እኳ የልቦን” (መዝ 53፣1)፣ ዝብል ቓል ብምልዓል ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም’ውን ሓጢኣት ነይርዋ እዩ ይብሉ። እዚ ልምዲ እዚ ግና ናይ ተጣራጠርቲ እዩ። ንሓደ ምዕራፍ ከየንበብካ ንሓደ ቓል ነጺልካ ምውሳድ ኣመሎም እዩ እምበር፣ ኣብ መወዳእታ ናይዚ ምዕራፍ ኣብሪሂዎ ኣሎ።” ኣየ ካብ ጽዮን ምድሓን እስራኢል እንተ ዝመጽእ፣ ኣምላኽ ምርኮ ህዝቡ ምስ መለሰ ደቂ እስራኤል ክሕጎሱ እዮም፣ ባህ’ውን ክብሎም ኢዩ። ንኩሎም እተዝኸውን ንጽዮን ፈልዩ መድሃኒት ከም ትወልድ ኣይምተዛረበን ። ስለዚ ኣዴና ቅድሰት ድንግል ማርያም ከምቲ ቅዱስ ገብሪኤል መልኣኽ ዝበላ ጉድለት ዘይብላ ምልእተ ጸጋ እያ። ደቂ ሰባት ግን ድኹማት ስለ ዝኾና እምነት አንተ ሓዝና ምግባር ይጎድለና ምግባር እንተለና’ውን እምነት ይጎድለና ምልኣት የብልናን ጎዶሎ ኢና። ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ግን ካብ ኩሎም ደቂ ሰባት ዝተፈልየት ሰለ ዝኾነት “ምልእተ ጸጋ” ብጸጋ ዝተመልአት ፣ ጉድለት ዘየብላ ድንግልናን ንጽህናን ዝሓዘት እያ። ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ካብ ሰባት ዝተፈልየት ዝተመርጸት፣ ዝነጸሀት ስለ ዝኾነት ዓቢይ ቅድስና ስነ-ምግባርን ዝሓዘት ኣደ እያ። ካብ መላእኽቲ’ውን ትበልጽ ብድንግልና ሕልናን ብድንግልና ስጋን ንኽልቲኡ ስለ ዘማልአት፣ እዚ እዩ ከኣ ካብ ፍጥረታት ፍልይቲ ዘብላ። እግዚኣብሔር ኣምላኽ ድማ መሕደሪኡ ክትከውን መረጻ። ስለዚ መንፈሳዊ ቅድስናኣን ንጽህናኣን ምፍላጥ የድልየና እዩ።
ቅድስና ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም፦
1.ንጽህና ስጋ 4.ድንግልና ስጋ
2. ንጽህና ነፍሲ 5.ድንግልና ሕልና
3.ንጽህና ልቦና 6.ድንግልና ልቦና
ዘማለአት ቅድስተ ቅዱሳን፣ ናይ ደናግል ድንግል ንጽህት እምንጹሃን እያ። እዚ ዓበይቲ ናይ ቅድስና ስነ-ምግባር ስለ ዘለዋ እያ ናይ ስላሴ መሕደሪ፣ ምስጢር ናይ ተዋህዶ ዝተፈጸመላ ሰፈር (ታቦት ክትከውን ዝበቐዐት። ነቲ ብኣቦና ኣዳምን ብኣዴና ሄዋንን ዘጥፋእናዮ ጸጋ ውሉድነት ነቲ ዝነበረና በደልን መቕጻዕትን ካብ ድንግል ማርያም ብዝወረሶ ስጋ ኢና እምበኣር ድሕነት ስጋ ድሕነት ነፍሲ ረኺብና ዘለና። ነዚ ድሕነት ክንረክብ ዘኽኣለትናን መሰረት ዝኾነትናን እምብኣር ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ኣያ።ከመይሲ ምስጢር ናይ ድሕነትና ክትከውን ዘኽኣላ እዚ ቅድስናን ንጽህናን ምልኣት ድንግልናኣን ኢዩ። ብናይ ኣቦና ኣዳምን ኣዴና ሔዋንን ሓጢኣትን ምመቕጻዕትን ኩኡ ሰብ ኣብ ኩነኔን መቕጻዕትን ይነብር ነበረ። ናይ ብዙሓት ኣቦታት ጸሎትን ምህልላን ናይ ብዙሓት እንስሳታት መስዋእቲ እኳ ይግበር እንተ ነበረ፣ ድሕነትን ነቲ ዝጠፈአ ጸጋ ክመልስ ኣይከኣለን። ከመይሲ እቲ ናይ ኣቦና ኣዳምን ኣዴና ሄዋንን ዝገበርዎ ሓጢኣትን በደልን ብናይ እንስሳታት ደምን ብናይ ሰባት ጸሎትን ዝድምሰስ ኣይነበረን። ከመይሲ፣-
1.ናይ ሓጢኣት መቕጻዕቲ ሞት ስለዝኾነ ሞተ (ሮሜ 6፣23)፣ ዘድሕኖ ከኣ ካልእ የድልዮ ነበረ።
2. እቲ ዝሞተሉ ወይ ምእንቱኡ ካሕሳ ዝኸውን ድማ ሓጢኣት ዘይብሉ ክኸውን ኣለዎ። ሓጢኣት ዘይብሉ ድማ ብዘይካ እግዚኣብሔር ሓደ እኳ የለን ( ኢሳ 53፣9)። ድሕነት ብዘይብኡ ኣይከውንን’ዩ (ግብ 4፣12)።
3.ክድሕን አንተኾይኑ ዝበደለ ሰብ ( ስጋ እዩ’ሞ ምስ ሰብ (ስጋ ክወሃሃድ ኣለዎ።
4.ክወሃሃድ እንተ ኾይኑ ድማ እቲ ዝወሃሃደሉ ቦታ ካብ ሓጢኣት ናጻ ክኸውን ኣለዎ። እዚ ናይ ተዋህዶ ምስጢር ዝተፈጸመሉ ቦታ (ታቦት ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም እያ። ኣብ ማህጸን ኣዲኣ እንከላ ጌና ቅድሚ ንጎይታ ምውላዳ እግዚኣብሔር ቀዲስዋን ኣንጺህዋን ኢዩ። ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ሓጢኣት ነይርዋ እንተልና ጎይታ’ውን ሓጢኣት ነይርዎ ማለትና’ዩ። እንተ ነይርዎ ድማ ኣምላኽ ዘይኮነስ ሰብ’ዩ ንብል ኣለና ማለት ኢዩ። እዚ ሓቂ ዘይብሉ ነገር ኢዩ።ንሕና ግና ንሱ ሓጢኣት ከምዘይብሉ ኣምላኽ ወዲ ኣምላኽ ከምዝኾነ ኢና እንኣምን (ኢሳ 53፥9) ፣(ዮሃ 1፥1-5)፣ (ኢሳ 9፥6-7)። ኣዴና ቅድስት ድንግል ምርያም ሓጢኣት ዘይብላ ቅድስትን ንጽህትን ኣደ ኢያ። እቶም ረቀቕቲ መላእኽቲ እኳ ክጸርዎ ዘይክእሉ መለክታዊ ሓዊ ኣብ ማህጸና ብምጻር መሕደሪ ክትከውን ኪኢላ ኢያ። ካብ ኩሉ ፍጥረታት ብሓፈሻ ብፍላይ ድማ ካብ ኣንስቲ ዝተፈልየት፣ ዝኸበረት ኣደ ኢያ። ጎይታ ንድሕነትና ኣብ ዝመጸሉ ድማ ብመገዳ ኣቢሉ ድሕነት ሂቡና። ነዚ ዓቢ ምስጢር ንኽትፍጽም ዝበቀዐት ኣደ ስለ ዝኾነት ካብ ኩሉ ፍጥረታት ዝተፈልየት ኣደ ኢያ።
እምበኣር ካብ ብብዙሕ ብውሑድ፣ ካብ ብነዊሕ ብሕጽር በቲ ዱሩት ዓቅምና ናይ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ንጽህናን ቅድስናን ከምዚ ይመስል ዝተረፈ ድማ እግዚኣሔር ዓይነ ልቦናና ኣብሪሁ ምስጢሩን ጥበቡን ባዕሉ ይግለጸልና። ኣብ መወዳእታ ከነማሓላልፎ እንደሊ ነገር እንተ ሃልዩ ናይ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ንጽህናኣን ድንግልናኣን እግዚኣብሔር ዝሃባ ስለ ዝኾነ ንሕና እንተ ኣጉደልናዮ ኣይጎድልን ንሕና እንተ ኣዕበናዮ ኣይዓብን ኢዩ (ሮሜ 8፥33)። ንዓኣ ዘኽብር ንርእሱ ኸበረ፣ ንዓኣ ዝቐደሰ ንርእሱ ተቐደሰ ከም ዝተባህለ ኢዩ። (ኣብ ቅድሴ ማርያም ንኣባ ህርያቆስ ዝተነግሮ ኢዩ። ከምቲ ኣብ ወንገል ማቲዎስ 5፣13 ዘሎ ኣታ ጨው ንርእስኻ ክትብል መቅር ከም ዝተባህለ ኢዩ። ንርእስና ክሕሸና ሓቅን መጽሓፍ ቅዱስ ዝብሎ ነገራት ንዛረብ።ካብ ሓቂ ካብ ምስጢር መጽሓፍ ቅዱስ ኣየውጽኣና፣ ምስጢሩን ጥበቡን ይግለጸልና ኣሜን !!
ወስብሃት ለእግዚኣብሄር
ወለወለዲቱ ድንግል
ወለመስቀሉ ክቡር
ኣሜን !!
ምንጪ፡መጽሔት “ጽርሃ ጽዮን-2011
ብትምህርቲ ሰንበት ማሕበር ማርያም -ቤተ-ክርስቲያን መድሃኔኣለም

Honor your father and your mother !!
Posted by million.isaac on October 14, 2013 at 7:15 PM comments (0)
“ኣብ ምድሪ ዕድሜኻ ምእንቲ ክነውሕ፣ኣቦኻን ኣዴኻን ኣኽብር”(ዘጸ፦20፣12)

 
“ኣብ ምድሪ ዕድሜኻ ምእንቲ ክነውሕ፣ኣቦኻን ኣዴኻን ኣኽብር”(ዘጸ፦20፣12)
 
 
 
እግዚኣብሔር ኣምላኽ ብኣቦና ሙሴ ኣቢሉ ካብ ዝሃበና ትእዛዛት ሓደ ንሎሚ ክንርኢ ኢና።
 
4ይ ትእዛዝ፦“ኣብ ምድሪ ዕድሜኻ መታን ክነውሕ ኣቦኻን ኣዴኻን ኣኽብር” ብምባል ዝኣዘዘና ትእዛዝ ኢዩ።
 
ወለድኻኣኽብር፦ወለድና ንዓና ወሊዶም ምስ ወለዱና ድማ ብዙሕ ነገራት ብምውጻእ፣ንጽቡቕና እምበር ንሕማቕና ዘይሓስቡ ዘይምነዩ ኢዮም።
 
ዋላ ዝጎድኣና ይኹን ኣይኹን ከይፈለጥና ሕማቕ ነገር ክንልምኖም ወይ ክንእዝዞም ንኽእል ኢና።ወለድና ግን ስለ ዝለመንናዮም ንሕማቕ ነገር ኣይህቡናን ኢዮም።ኩሉ ግዜ ዝጠቕመና ነገር ኢዮም ዝህቡና።
 
“እንታዋይ ሰብ’ዩ ካባኻትኩም ወዱ እንጌራ እንተለመኖ እምኒ ዝህቦ፣ወይ ከኣ ዓሳ እንተለመኖ ተመን ዝህቦ” ብምባል መድሃኔኣለም ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ወንጌሉ መስኪሩልና ኣሎ።(ማቴ7፣9-10)
 
ወለድና ኩሉ ግዜ ሰናይ ህያብ ብምሃብ ተማሂርና ኣብ ሓደ ቁም ነገር ክንበጽሕ፣ንነብሶም ገዲፎም ንደቆም ምስ ጸዓሩን ምስ ደኸሙን ኢዮም።
 
ወለድና እምበኣር ኩሉ ግዜ ጽቡቕ ነገር ኢዮም ዝሓስቡልና።ንሕና ደቆም’ከ፣ከምቲ ዝሓልዩልና ንሓልየሎም’ዶ᎒
 
ከምቲ ንሳቶም መጻኢ ተስፋ ዘለና ኣብ ቁምነገር ክንበጽሕ ብዘይ ዕረፍቲ ከም ዝደኽሙልና ንፈልጥዶ᎒ ብዘይ ምግናን ናይ ሎሚ ወለዶ፣ናይ ወለድና ጻዕሪ ሰናይ ነገራት ከምቲ ዝግባእ ንፈልጦ ኢና ክንብል ኣሸጋሪ ኢዩ።
 
እስከ ከም ፍቓድ እግዚኣብሔር ብኸመይ ንወለድና ከነኽብሮም ከምዝግበኣና ገለገለ ነጥብታት ክንርኢ ኢና።
 
1.ንወለድናምእዛዝ፦ኩሉ ዝኣዘዙና ነገር ዓቢ ይኹን ንእሽቶይ ክንትግብሮ ይግበኣና።
 
ንኣብነት፦ኣብ ማቴ 21፣28 ዘሎ ምሳሌ ምስ ንርኢ፣ሓደ ሰብኣይ ክልተ ደቂ ነበርዎ፣ናብቲ ቀዳማይ ቀሪቡ “ወደየ ሎሚ ናብ ኣታኽልቲ ወይኒ ውፈር እሞ ዕየ” በሎ፣ንሱ ከኣ እምቢ ኢሉ መለሰ ደሓር ግና ተጣዒሱ ወፈረ።
 
ናብቲ ካላኣይ ቀሪቡ ከኣ ከምኡ በሎ ንሱ ከኣ ሕራይ ጎይታይ በሎ ግና ኣይወፈረን።ሎሚ ዘለና ወለዶ’ውን በኣፍና ሕራይ ንብል ኣብ ተግባር ግን ዘየለና ካብ ትእዛዝ ዝወጻና ኢና።
 
ኩሉ ዓበይቲ ነገራት ወይ ናይ ጽድቂ ስረሓት እንተ ሰራሕና ብዘይ ምእዛዝ ኩሉ ኮንቱ ወይ ዘይጠቅም ኢዩ።
 
“ምእዛዝ ካብ መስዋእቲ ይበልጽ”(1ይሳሙ15፣22) ዝበለና ነዚ ኢዩ።ጎይታናን ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንዓና ከድሕን ኣብዚ ምድሪ ኣብ ዝነበረሉ እዋናት ካብ ህጻንነቱ ጀሚሩ ንኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ይእዘዛ ነበረ።(ሉቃ፦2፣51)
 
እዚ ንዓና ኣብነት ክኾነና ኢሉ ኢዩ።ንወለድና ብኹሉ ነገራት ክንእዘዞም ከምዘለና ክምህረና ኢሉ ኢዩ።
 
2.ናይወለድኻመቕጻዕቲምቕባል፦ወለድና ብህጻንነትና ምስ ንጋገ ወይ ዘይከውን ነገር ምስ እንሰርሕ ክቐጽዑና ይኽእሉ ኢዮም።መቕጻዕቲ ናይ ወለድና ንጽቡቕ ኢዩ።ዝቐጽዑና ጸሊኦምና ዘይኮኑ፣ናይ ፍቕሪ ምልክት’ዩ።
 
ከመይ እንተበልና ብወለዶም ዘይተቐጽዑ ኣብ ቁምነገር ክበጽሑ ኣጸጋሚ ኢዩ። መጀመርታ እቲ ክንከዶ ዝግበኣና መንገዲ ካብ ወለድና ኢና ንመሃሮ።
 
ከምቲ ቅዱስ ጽሑፍ ዝምህረና “ንህጻን እታ ክኸደላ ዝግበኦ መንገዲ መሃሮ’ሞ ክሳብ መወዳእታ ካብኣ ኣይከላግስን’ዩ”።(ምሳሌ፦21፣ ብምባል እቲ እንኸዶ መንገዲ ትምህርቲ፣ምኽሪ መጀመርታ ካብ ወለድና ከም እንመሃሮ ይነግረና።
 
በቲ ዝመሃሩና ቅኑዕ መንገዲ ድማ ክሳብ መወዳእታ ብጽቡቕ ክንከይድ ንኽእል።ሓላፍነትና ንፈልጥ ንባዕልና ኴንና ንኻልኦት ንኸውን።ብኣንጻሩ እዞም ሎሚ ኣብ ናይ ዓለም ጥፍኣት ዝዋፈሩ ዘለዉ ዳርጋ መብዛሕቲኦም ናይ ወለዶም ምኽሪ ዘይሰምዑ፣ መቕጻዕቲ ወለዶም ዘይፈልጡ ኢዮም።
 
ናይ ወለዶም ፍቕሪ ዘይፈልጡ፣ብናይ ወለዶም ምኽሪ ዘይከዱ፣ ዘይቅጽዑ፣ ትእዛዝ ወለዶም ዘይፍጽሙ ካብ እግዚኣብሔር ዝረሓቑ፣ ፍርሃት እግዚኣብሔር ዘይብሎም ኣዝዮም ጨካናት ኢዮም ዝኾኑ።
 
ፍርሃት እግዚኣብሔር እንተዘይብልካ ድማ ብዘይ ርህራሄ ንሰብ ክትቀትል፣ብዙሕ ደም ከተፍስስ ትኽእል ኢኻ። “ኣቡኡ ዘይ ቀጸዖ ውላድከ እንታዋይ’ዩ። ከምቶም ኩሎም ውሉድ መቕጻዕቲ እንተዘይ ተቐበልኩም ግና ደቓሉ እምበር ውሉድ ኣይኮንኩምን።” (ዕብ፦12፣7-8)
 
ነቲ ዝቐጽዑና መቕጻዕቲ ናይ ወለድና እንተ ፍ`ዘይተቐበልና ከም ደቆም ኣይርእዩናን ኢዮም።መጻኢ ሂወትና’ውን ዘሰክፍ ኢዩ።ከምቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝምህረና፣ “ንውላድካ ብሸበጥ ምህራም ካብ ሲኦል የድሕን ኢዩ” ይብለና (ምሳ፦22፣13-14)፣
 
፣ ናይ ወለድና መቕጻዕቲ ናብ ሲኦል ካብ ምእታው ዘድሕን መድሃኒት ኢዩ። ብኣንጻሩ ናይ ዓለም ሕጊ ካብ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሕጊ ወጻኢ ዝኾነ ሕጊ ኢዩ።ንውላድካ ኣይትህረም ኣይትቕጻዕ ዝብል ኢዩ።
 
እዚ ግን ስዲ ንክንከይድ፣ ስነስርዓት ዘይብልና ንክንከውን ዝገብር፣ናብ ሲኦል ንኽንኣቱ ዘተባብዕ ሕጊ ኢዩ። ካብ ትእዛዝ ወለድና ካብ መቕጻዕቲ ወለድና እንተወጺእና ዝጎድኣና እምበር ዝጠቕመና ኣይኮነን።
 
ብፍላይ ኣብ ወጻኢ (ስደት ዘለና ህጻናትን መንእሰያትን ናብ ጌጋ መንገዲ ዝመርሓና ኢዩ።
 
በዚ ናይ ዓለም ሕጊ እንተኼድና ሕጊ ኣልቦ ዝኾኑ ሰባት ኢና ንኸውን።ፍርሃት እግዚኣብሔር ዘይብልና ብስነ ስርዓት ዘይንኸይድ፣ኣብ ሕማቕ ወልፍታት ንጽመድ፣ ዘጸይፍ ነገራት ኣብ ምፍጻም ንዋፈር
 
ነቲ ርሂጽና ተጸሪፍና ዘምጻእናዮ ገንዘብ ኣብ ክንዲ ኣብ ቁምነገር እነውዕሎ ኣብዘይጠቅም ነገራት ነውዕሎ፣ ብሰንኩ ድማ መድሃኒት ዘይርከቦ ሕማምን ዕድሜና ኣብ ምሕጻርን ንወድቕ።
 
ሳዕቤን ናይዚ ኩሉ እንታይ ኢዩ እንተበልና ትእዛዝ እግዚኣብሔርን ወለድናን ዘይምፍጻም ኢዩ።
 
3.ንወለድናኣይንንዓቕ፦ ንወለድና ክንንዕቕ ኣይግበኣናን ኢዩ።ወለድና ምስ ኣረጉ ከምቲ ንሕና ብህጻንነትና ከለና ኩሉ ዝገበሩልና፣ ንሕና’ውን ኩሉ ነገራት ክንገብረሎም ይግባእ።ምስ ኣረጉ ኣይንንዓቆም።
 
“ካም” ንወላዲኡ ምስ ነዓቐ ከም ዝተረግመ መጽሓፍ ቅዱስ ይምህረና።(ዘፍ፦9፣20-29) ንወለድና ክንንዕቆም ኣይግበኣናን ኢዩ። “ናይ ወላዲ መርገም እንተዘይ ቀተለ የዕነኒ” ከም ዝተባሃለ መርገሞም እንተዘይ ቀተለና ኣብዛ ዓለም ግን ጽቡቕ ናብራ ክህልወና ኣይክእልን ኢዩ።
 
ዕድሜና’ውን ክሓጽር ኢዩ። ምናልባት ወለድና ምስ ኣረጉ፣ ከይ ኣረግና ናብ ቤተክርስቲያን ከይንኸይድ ክኽልክሉና ይኽእሉ ኢዮም።እዚ ግን ጸሊኦም ዘይ ኮኑ ብግቡእ ዘይምርዳእ ኢዩ።
 
ከምቲ ቃል ኣምላኽ ዝብለና “ስለ ጐይታ ኢልኩም ንወለድኹም ተኣዘዝዎም” ዝብለና ስለ ጎይታ ኢልና ክንእዘዞም ይግበኣና።ቀስ ኢልና ብትሕትና ድማ ጥቕሚ ቃል ኣምላኽ ምፍላጥና ኣብ ግዜ ንእስነትና ፈጣሪና ክንዝክር ከም ዝግባኣና ክነረድኦም ኣለና።
 
4,ንኻልኦትዓበይቲሰባትምኽባር፦ 4ይ ትእዛዝ ንወለድና ጥራይ ከነኽብር ኣይኮነን ዝእዝዘና።ምንም እኳ ብስጋ ወለድና እንተዘይ ኮኑ ብመንፈስ ግን ወለድና ኢዮም። ንዓበይቲ ሰባት ከነኽብር ይግበኣና ኢዩ።
 
ኩሉ ግዜ ብኹሉ ነገራት ፍጹማት ክንከውን ይግበኣና ኢዩ።ንኹሉ ከነፍቅር ንኹሉ ከነኽብር ይግበኣና።
 
“ነቲ ዝርእዮ ሓዉ ዘየፍቀረስ ነቲ ዘይርእዮ ኣምላኽ ከፍቅሮ ኣይክእልን ኢዩ’ሞ ንሓዉ እና ጸለኦስ ንኣምላኽ የፍቅሮ እየ ዝብል ንሱ ሓሳዊ ኢዩ” (1ዮሃ፦4፣20) ፣ዝብለና ነቶም እንርእዮም ዓበይቲ ሰባት ይኹኑ ካለኦት ክንእዘዞምን ከነኽብሮምን ይግባእ።
 
ከመይ’ሲ ንዓበይቲ ሰባት ንኣሕዋትና ምፍቃርን ምእዛዝን ንእግዚኣብሔር ምፍቃርን ምእዛዝን ስለ ዝኾነ።
 
ንዓበይቲ ምጽራፍ ኣይግባእን፦ ንዓበይቲ ሰባት ምጽራፍ ብፍላይ ብሓፈሻ ድማ ምጽራፍ ዘይ መንፈሳዊ ተግባር ኢዩ።ብሰንኪ ንዓበይቲ ሰባት ምጽራፎም ህጻናት ተቐዚፎም ኢዮም።
 
እዚ ኣብ 2ይ ነገ፦2፣23-25 ህጻናት “ኣታ በራሕ ኪድ ውጻእ፣ኣታ በራሕ ኪድ ውጻእ” ኢሎም ኣላገጽሉ።ንድሕሪት ግልጽ ኢሉ ድማ ረኣዮም።
 
ብስም እግዚኣብሔር ከኣ ረገሞም ሽዑ ክልተ ድቢ ካብ ዱር ወጹ፣ካብቶም ህጻናት ድማ 42 ቆልዑ ሰባበሩ ይብለና።ብሰንኪ ምጽራፍ ከም ዝተረግሙ ዕድሜኦም ከምዝሓጸረን መጽሓፍ ቅዱስ ይነግረና።
 
ክቡራት ህጻናት ብሓፈሻ ድማ መንእሰያት ትእዛዝ እግዚኣብሔር እንተፈጸምና ኣብዚ ምድሪ ይኹን ኣብ ሰማይ ዓቢ ጥቕሚ ኣለና።ብሓቂ ዓቢ ተስፋ ዘለዎ ትእዛዝ ኢዩ።
 
ኣብ ምድሪ፦ዕድሜና ይነውሕ
 
ምሉእ ጥዕና ይህልወና
 
ብዙሕን ዓበይትን በረኸት ንረክብ
 
ኣብ ሰማይ ዘለኣለማዊ ሂወት ንወርስ
 
ትእዛዝ እግዚኣብሔር እንተዘይ ፈጸምና ድማ
 
ዕድሜና ይሓጽር
 
ጥዕናና ይጎድል
 
በረኸት ዘይብልና ንኸውን
 
ኣብ ሰማይ ድማ ርስቲ ኣይህልወናን
 
ስለዚ ካብዚ ኩሉ ንኽንድሕን ትእዛዝ እግዚኣብሔር ንፈጽም።
 
ምንጪ-ጽርሃ ጽዮን ቁ 4 (ት/ሰ/ማ/ቅ/ድ/ማ/ቤተክርስቲያን መድሃኔኣለም ኣብ ቅድስት ሃገር እስራኤል ጥሪ 2005/2013)
 
ወስብሃት ለእግዚኣብሔር!
 
ወለወላዲቱ ድንግል
 
ወለመስቀሉ ክቡር
 
ኣሜን

Orthodox Tewahedo Church
Posted by million.isaac on October 14, 2013 at 12:20 PM comments (0)
ቤተ ክርስቲያና

                በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን።
ቤተ ክርስቲያና እወ ቤት ሕይወት መርዓት ክርስቶስ። ቤተ ክርስቲያን ማለት ናይ ክርስቶስ ገዛ፣ ክርስቲያን ተኣኪቦም ጉባኤ ማሕበር ዘካይዱላ ማለት እዩ። ሕዝበ እግዚኣብሔር (ክርስቲያን ቃል ወንጌል ዝመሃሩላን ተኣኪቦም ናይ ሕብረት ጸሎት ንፈጣሪ ዘዕሩጉላን ኣማናዊ ናይ ዘልኣለም ሕይወት ዝህብ መግቢ ክቡር ስግኡን ደሙን መስዋእቲ ዝዓርገላ ኣብ ከውሒ ዝተሰረተት ዋጋ ዝተኸፍላ ርእሳ ኢየሱስ ክርስቶስ ዝኾነት ኣማናዊት ቤት እያ።
እስከ ህላዌ ቤተክርቲያን ቅድመ ታሪኽ ኣብ መጽሓፍ ንርአ፣- ቤተክርስቲያን ክትርአ ከላ ብምስጢር ኣምላኽ ኣብ ሰለስተ ከፊልካ ትርአ። እታ ቐዳመይቲ፣ ሰብ ቅድሚ ምፍጣሩ ዝነበረት ኣብ ዓለመ መላእኽቲ ዝነበረት ሓድነት እያ። እታ ካልአይቲ ድማ ካብ ኣቤል ክሳዕ ዘካርያስ ካህን ዝነበረት እያ። እታ ሳልሰይትን መወዳእታን ድማ ብደም ክርስቶስ ዝተመስረተት ኣማናዊት ሓድነት ሕዝበ ክርስቲያን ናይ ምሕረት ዓውዲ (ኣውደምሕረት እያ።
እምብኣርከስ እዛ ምንጪ ጸጋን ጽድቅን ዝኾነት ቤተ ክርስቲያን ኣመጻጽኣኣን ስማን ንርአ፣ ኣብ ዘመነ ብሉይ እግዚኣብሔር ምስ ሰብ ዘለዎ ርክብ ዝግለጸሉ ዝተፈላለየ ኣስማት ነበረ ንኣብነት ከኣ ኣብ ዘዳግም ተገሊጹ ከም ዘሎ በዓላት እግዚኣብሔር ንምኽባር ዝእከቡ ዝነበሩ ሕዝቢ እስራኤል ”ከሃል” ወይ ኤክለስያ ይበሃሉ ነበሩ። ንብሉይ ኪዳን ናብ ጽርኢ ዝተርጎሙ70(ሰብዓ ሊቃውንቲ እዮም። ከሃል ንዝብል ቃል እብራይስጢ ኤክለስያ ኢሎም ተርጊሞሞ ኣለዉ። እዚ ቃል እዚ ኣብ ብሉይ ኪዳን ልዕሊ 90 ግዜ ተጻሒፉ ከምዘሎ ኣብ ዛንታ ቤተ ክርስቲያን ተገሊጹ ከምዘሎ የረድእ። ዋና ትርጉሙ ድማ ኣብ ዘመነ ኦሪት ንዝነበረ ጉባኤ ሑሩያት ሕዝቢ እግዚኣብሔር ንዝኾኑ እስራኤላውያን ማለት እዩ። ኣብ ሓዲሽ ውን “ጽውዓት-ሑሩያት” ይብል (ማቴ 22፥14)።
ቤተ ክርስቲያን ማለት እምበኣር ኣብ ዘመነ ሓዲሽ ኪዳን ንሰማያዊ ክብሪ ዝተጸውዑ ዝተሓርዩ ምእመናን ሕዝበ ክርስቲያን ዝእከብሉ ቤት እዩ። መሰረት እዛ ቤተ ክርስቲያን ከኣ ጎይታናን ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ምዃኑ ባዕሉ ኣብ ቅዱስ ወንጌሉ ገሊጽዎ ኣሎ። “ንቅዱስ ጴጥሮስ ሓደራ ጉስነት(ኖላውነት ኣብ ዝሃቦ’ውን ከምዚ ይብል፣ “ንስኻ ከውሒ ኢኻ ንቤተ ክርስትያነይ ኣብዛ ከውሒ ክሃንጻ እየ ደጌታት ሲኦል ድማ ኣይከናውጽዋን እዮም” ብናይ ሓደራ ቃል ዝመስረታ ባዕሉ ሙዃኑ ገሊጽዎ ንረኢ (ማቴ 16፦18)። ካብ’ዚ ጥቕሲ እንርድኦ እንተሃለወ መስራቲኣ ኢየሱስ ክርስቶስ ምዃኑ ጥራሕ ዘይኮነስ ደጌታት ሲኦል ክሕይልዋ ከምዘይክእሉን እዩ ዘረደኣና።
ሓንትን ቅንዕትን ኣምናዊትን ቤት ስለ ዝኾነት ካብ’ቲ ናይ ጥንቲ ጸላኢ ዝኾነ ዲያብሎስን ሉኡኻቱን ዝኾኑ ዝተፈላለዩ፣ ሓይልታት ክስዕሩዋ ዘይክእሉ ምኽንያቱ ርእሳ ክርስቶስ ስለዝኾነ። ክርስቶስ ሓንሳእ ንሓዋሩን ንሞት ከም ዝሰዓረ ንሳ’ውን ሓንሳእ ንሓዋሩን ብደም ክርስቶስ ተሓጺባ ዝተሃንጸት ኣማንዊት ቤት እያ። ብዙሓት እኳ ብስማ እንተ ሸቀጣን ንከሕቅቓኣ ኣውታረን እንተገተራ ናብ ሓዊ ከም ዝቐረበ ጅማት ሓሪረን ተኾምቲረን እየን ዝወድቃ። “ዝናብ ዘነመ፣ ወሓይዝ ወሓዘ፣ ንፋሳት ነፈሱ፣ ነቲ ቤት ደፍእዎ ኣብ ከውሒ ስለዝተመስረተ ድማ ኣይወደቐን” (ማቴ 7፥25)። እቲ ኣብ’ዚ ከውሒ እዚ ንቤተ ክርስትያነይ ክምስርታ እየ ዝበለ ክርስቶስ መሰረታ ስለዝኾነ።
ዝናም ዝተባህሉ፦ ዲያብሎስ ጭፍረኡን ኣጋንንትን እዮም።
ወሓዚ ዘተባህሉ፦ ኣረማውያን ከሓድያን መምለኽቲ ጣኦት ዝኾኑ ነገስታት ከም በዓል ዲዮልቅልጥያኖን ብርክያል ዲድያኖስ ዝኣመሰሉ ኢዮም።
ንፋሳት ዝተባህሉ፦ መናፍቃን መሊካውያንን ብስም ጎይታ ዝሽቅጡ ካብ ሸያጥ መምህሩ ይሁዳ ጀሚሮም እኒ ኣርዮስ፣ ንስጥሮስ፣ ልዮን ክሳብ ናይ ዘመና ተዃሉ መንጠልቲ ኣባጊዕ እዮም።
መሰረታ ኢየሱስ ክርስቶስ ሙዃኑ ዘራጋግጽ ጥቕሲ እስኪ ንመልከት፣ “ንርእስኩምን ነታ ብገዛእ ደሙ ዘጥረያ ናይ ጎይታ ቤተ ክርስቲያን ክትጓስዩ መንፈስ ቅዱስ ኤጵስቆጶሳት ገይሩ ኣብኣ ሸመኩም፣ ኩሉ መጓሰ ሓልዉ” (ግብ 20፥28)። በዚ ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ገሊጽዎ ዘሎ ጥቅሲ ንርድኦ እንተ ሃልዩ፣ ቤተ ክርስቲያን ዝብል ቃል “ጉባኤ ምእመናን” ደኣምበር እቲ ህንጻ ጥራይ ከምዘይኮነ ክንርዳእ ንኽእል። ስለምንታይ ደኣ ነዛ ሓዋርያት ሓደራ ተቐቢሎም ብዕርፈ መስቐል ዝሓረስዋን ሓንትን ሓዋርያዊትን ኣጽናፋዊትን ቤት ዝኾነት፣ እሞኸኣ ሕጊ ቡሉይን ሕጊ ሓድሽ ኪዳንን ስርዓት ወንጌልን እትምህርን ኣብ ከርሳ ዝጸረትን መግቢ ሕይወት ንምእመናና እንዳ መገበት እትጓዓዝ ኣጽናፋዊት ሕጂ ውን ሓደራ ሓዋርያት ዝተቐበሉ ጨው ዓለም ብዝተሰምዩ ካህናታ ኣዒንቲ እግዚኣብሔር፣ መዓልታዊ ሰማእትነት ብምጉዓዝ ካብ ጽንፊ ክሳብ ጽንፊ እትነብር ዘላ ሓንትን ኣማናዊትን ብደም ክርስቶስ ዝተሓጽበት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስትያን ኣላትና (ማቴ 5፥13-16)።
ቤተክርስቲያን ሓንትን ኣማናዊት ጉባኤ ምእመናን ምዃና ቅዱስ ጳውሎስ ከረድእ እንከሎ ከምዚ ይብል፣ “ሓደ ጎይታ ሓንቲ ጥምቀት ሓንቲ እምነትን ይብል” (ኤፌ4፥5)። ሓንቲ ዝተባህለትሉ ድማ ክርስቶስ ዝርእሳ ብክርስቶስ እትኣምን ብክቡር ስግኡን ደሙን መዓልታዊ ኣንዳ ተቀደሰትን ተሓጽበትን እትነብር ሓንቲ ቤተ ክርስቲያን ኦርቶዶክስ ምዃና የረደእ፣ ኦርቶዶክስ ዝብል ቃል ናይ ሓቂ ቤት ማለት’ዩ። ሓዋርያዊት ዘበላ ውን ኣብ ዓለም ከም ትዝርጋሕ ጸኒዓ ከም እትነብር ዝገበርዋ ሓዋርያት ስለ ዝኾኑ ኢያ። “ኣብታ ቤት ኣምላኽ ማለት ኣብታ ናይ ሓቂ ዓንድን መሰረትን ዝኾነት ቤተ ክርስቲያን ሕያው ኣምላኽ ከመይ ጌርና ከም እንነብር ክትፈልጥ ጺሒፈልካ ኣለኹ” (1ይ ጢሞ3፥15)።
ኣጽናፋዊት ዝተባህለትሉ ድማ ኣብ ኣርባዕቲኡ ማእዝናት ዓለም ተዘርጊሓ ስለ እትረክብ እዩ። ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያን እንዳ ተባህለት እትጽዋዕ ውን ቅዱስ ምስጢረ መለኮት (ክቡር ስግኡን፣ ደሙን ናይ ጎይታ ስለ ዝፍጸመሉን ዝስዋኣሉን ባዕሉ ጎይታ ብስግኡን ደሙን ስለ ዝቕደሳን ዝሓጸባን፣ 150 ቅዱሳን ኣቦታት ዝረከብዎ ጉባኤ ቆስጥንጥንያ ወንኣምን በኣሐቲ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ክብሉ ብውሳኔ ስለ ዝሰመይዋን እያ።
እዛ ቤት እዚኣ ኣማናዊት ቤት ዝብል እኳ ኣብ ዘመነ ብሉይ ገና ክርስቶስ ቅድሚ ምውላዱ ዝነበረት ብኢድ ሰሎሙን ዝተሃንጸት ካብ ድንኳን ናብ ግሩም ህንጻ ምስተቐየረት “ነዛ ቦታ እዚኣ ቤት መስዋእቲ ንክትከውን ሓርየያን መሪጸያን ኣለኹ ፣ ኣብ’ዛ ቦታ እዚኣ ንዝጽለ ጸሎት ኣዒንተይ ክኽፈታ ኣእዛነይ’ውን ጽን ክብላ እየን። ስመይ ድማ ንዘለኣለም ኣብኣ ክኸውን ኣዒንተይን ልበይ ከኣ ኩሉ ግዜ ኣብኣ ክኾና ሓርየያን ቀዲሰያን ኣለኹ በለ(2ይ ዜና 7፦11-16) ። ነዛ ደም እንስሳታት ዝስዉኡላ ዝነበረት መቕደስ ብሉይ ክሳዕ ክንድዚ ብመጋረጃ ተሸፊና እትግልገል ዝነበረት ቤት ኣነ ከኣ ኩሉ ጊዜ ክሕላዋን ክሓልየላን ኢየ ዚበላ ቤት (1ይ ነገሰት 9፣1-4)። እዚኣ ከኣ ናይዛ ህዝብን ኣህዛብን እስራኤል ዘስጋን እስራኤል ዘነፍስን ብደም ክርስቶስ ሓደ ዝኾኑላ ናይ ቤተክርስትያ ምሳሌ ኮይኑ የገልግል ነበረ እምበር በዚ መስዋእቲ እዚ በዚ መቕደስ እዚ ሕድገት ሓጢኣት ፍጹም ድሕነት ክርከብ ኣይከኣለን (ሮሜ 9፥24-27፣ እብራ 8፣8፣ እብ 10፣1-5) ነታ ከም ጽላሎት እትሓልፍ ክንድዚ ካብ ኣኽበራ ነዚ ኣብ ከውሒ ክሃንጻ ኢየ ብምባል ገንሸል ፋሲካ ብምዃን ብገዛእ ደሙ ዝዓደጋ ድኣ ክንደይ ዘይኽብራን ዘይሕልዋን። እታ ቀዳመይቲ ከም ጽላሎት ካብ ሓለፈት ነዛ ኣማናዊትን ሓንትን ኦርቶድክሳዊትን ክንደይ ዘይሕልዋን ዘየኽብራን። እወ እዛ ሓዋርያት ዝሓረስዋን ሰማእታት ብደሞም ዝነደቕዋን ጻድቃን ተጋደልቲ በዕጽምቶም ዝኸለልዋ ክርስቶስ ዝርእሳ ኣማናዊት ቤተክርስቲያን ማሕደረ መለኮት። እሞኸድኣ ኦሪት ዝግራታ ወንጌል ዝፍርኣ ዝኾነት ቤት ህላዌኣ መሰረታ እዚ ካብ ኮነ ከምቲ ዋናኣ ክርስቶስ ህያው ዝኾነ ሕያዊትን ኣማናዊትን ኢያ።
ሕጂውን ንፋሳት ዝተሰምዩ ሰይጣውንቲ ዝሓደርዎም መናፍቓን ክርስትያን ዘለስም ዝኾኑ ብትዕቢቶም ነዛ ቤት ክደፍእዋን ከነኣእስዋን ንእምኒ ኣይንሰግድን እናበሉ ዘይተርድኦም ኮይኑ እምበር እቲ ንዩሁዳ ንማሕነቕቲ ዝደበርዮ ንኣርዮስ ኣምዕቱ በጽቢጹ ንደገ ዘውጽአ ንንስጥሮስ መልሓሱ ዝተልተለ እንታይ ኢዩ ነይሩ እንተተባህለ ነታ ብደም ክርስቶስ ዝተሓጽበት ቤት ክኸፋፍሉን ከንኣእሱን ናይ ብድዐ ቓል ሕሱም ስለዝውጽኡ’ዶ ኣይኮነን። እዞም ናይ ሎሚ ከብዶም ዝኣምላኾም ደኣ እምበር ሓሳብ ጎይታ ዓለም ክርስቶስ ዘይብሎም መናፍቓን ብስም ኢየሱስ ዝሽቅጡ እዚ ጽዋእ ናይ ኣቦታቶም ኣርዮስን መቕደንዮስን ኣብ ርእሶም በላዒ ኮይኑ ክፈስስ ምዃኑ ምርድእ ይግብኦም (ሮሜ፣16፣17-18)።
ብስም ኢየሱስ እናበሉ ዝሽቅጡ ቅድም እቲ ኢየሱስ ዝመሃሮ ቃል ምስትውዓል ምተገብኦም ነይሩ፣ ምስጋድ ኣብ ቤተክርስቲያን ኣይግባእን ዝብሉስ ሓይለ ቃል ትምህርቱ ከስተውዕሉ ነይርዎም። “ከመይ ኣምላኽ መንፈስ ኢዩ።እቶም ዝሰግድሉ ድማ ብመንፈስን ብሓቅን ክሰግድሉ ይግባእ”( ዮሓ 4፣22-24)። እምበኣር ንሕና ኦርቶደክሳውያን እንሰግደላን ንኣምላኽና እንምብርከኸላን ብመንፈስ፣ መንፈሳዊ መስዋእት ብምዕራግ መንፈሳዊ ኣገልግሎት እንፍጽመላን ህዝበ ክርስቲያን ናይ ህይወት መግቢ ስጋን ደምን ናይ ክርስቶስ ዝቕደሰሉ ታቦት ሕጊ ኣብ ከርሳ ዝጾረት መስቀል ክርስቶስ ዝዓምዳ ኦሪትን ወንጌልን ዝብርሃናን፣ ልባሳታን ዝኾነት ቤትና ቤተ ክርስቲያን ኢያ።
ቤተክርስቲያና ክስርቶስ ዝመረጻ ቤት፣፡ እግዚኣብሄር ውን እኮ ክመርጽ ከሎ፣- ካብ ሃገራት ንእስራኤል፣ ካብ ከተማታት ንኢዮርሳሌም፣ ካብ ኣዕዋፍ ንርግቢት፣ ካብ እንስሳ ንበጊዕ፣ ካብ ኣእዋም ንኣውሊዕ፣ ካብ ኣዝርእቲ ንስርናይ፣ካብ ኣታኽልቲ ንወይኒ፣ ካብ ኣንስቲ ንቅድስቲ ድንግል ማርያም፣ እዩ መሪጹን ሓርዩን።።እዛ ቤት እዚኣ እያ እምበኣር ኣማናዊት ቤትና – ቤተክርስትያና።
“ኣብ ቀራና ጎደናታት እሞ ደው ኢልኩም ተመልከቱ እቲ ጥንታዊ መገድታት እቲ ጽቡቕ ጎደና ኣየናይ ምዃኑ ሕተቱ እሞ ብእኡ ተመላለሱ ሽዑ ንነፍስኹም ዕረፍቲ ክትረኽቡ ኢኹም” በሎም (ኤርም 6፣16)።
እሞ ንሕና ህዝበ ክርስቲያን ናብ ዕረፍቲ ክትረኽቡላ ዝተባህለት ቤት ንምምጻእ እሞ ዕረፍቲ ስጋን ነፍስን ክንረክብ። እምበኣር ሓቀኛታት ሰገድቲ ኮይና ክንርከብ የድሊ። ብመንፈስ ናብታ ብመንፈስ ዝተመልአት ቤት መጺእና ንስገድ። እዛ ቤት እዚኣ እኳ እያ በቲ እትገብሮን እትህቦን ኣማናዊ መንፈሳዊ ኣገልግሎት መንፈሳዊት ቤት ተባሂላ እትስመ። እወ ኣማናዊት ቤት ቤትና ኦርቶዶክሳዊት “ቤተክርስትያና ኢያ።
እምበኣር ክቡራን ህዝበ እግዚኣሔር ብክርስቶስ ክርስቲያን ዝተሰመኹም ክርስቲያን በዚ ኣብ ላዕሊ ተገሊጹ ዘሎ ሓጺር ጽሑፍ ቤተክርስቲያና ተረዲእና ቤትና ቤተክርስቲያና ከነለሊ ይግባእ።
ወስብሃት ለእግዚኣብሄር
ወለወላዲቱ ድንግል
ወለመስቀሉ ክቡር
ኣሜን
ምንጪ-ጽርሃጽዮን 2011/2003 ት/ሰ/ቅ/ድ/ማርያም-ቤተክርስቲያን መድሃኔኣለም
kidisti Barbar
Posted by million.isaac on October 14, 2013 at 4:45 AM comments (0)
 
ቅድስት ባርባራ

ቅድስት ባርባራ
 
“ንኽብሪ ኣምላኽን ምስጋናኡን እቲ ብኢየሱስ ክርስቶስ ዚርከብ ፍረ ጽድቂ መሊእኩም፡ ክሳዕ እታ መዓልቲ ክርስቶስ መዓንቀፊ ዜብሎምን ንጹሃትን ምእንቲ ኽትኰኑ፡ እቲ ዚሐይሽ ክትምርምሩ፡ እቲ ፍቕርኹምውን ብፍልጠት ብምስትውዓል ዘበለ ዅሉን ኣዝዩ እናበዝሔ ኪኸይድ፡ እጽልይ አሎኹ።” ፊሊ 1፥9-10
ነዚኣ ስዕሊ ዝረኣየ ዘበለ ኹሉ፣ “እዚኣ ደኣ ኣርሴማ ቅድስት እንድያ!” ኢሉ ዝደናገር ብዙሕ እዩ። ወረ ኣብ ዝበዝሐ ኣጋጣሚ ከማን፣ ቅድስት ኣርሴማ ተባሂላ፣ እዚ ስእሊ ንጥቀመሉ ኢና። የግዳስ እዚኣ፣ ቅድስት ባርባራ ትበሃል። ኣብቲ ስእሊ ምስ ንርእዮ፣ ሓደ ስም ክንረክብ ኢና። ነቲ ተጻሒፉ ዘሎ ናይ ግሪክ ፊደላት “Η ΑΓΙΑ ΒΑΡΒΑΡΑ” ብትግሪኛ Η ΑΓΙΑ ማለት ቅድስት፣ ΒΑΡΒΑΡΑ ባርባራ እዩ። ምስ ቅድስት ኣርሴማ ዝመሳሰል ታሪኽ ዘለዋ እዛ ቅድስት ሰማዕት፣ ባራባራ ትበሃል። ንሎሚ ምስኣ ከላልየኹም።
 
እዛ ኣብ ቅድስት ቤተክርስቲያን ዕለት ሸሞንተ ታሕሳስ እትዝከር ባርባራ፣ ብሰማዕትነት ዝዓረፈት፣ ሓንቲ ካብቶም ብዙሕ ተፍላጥነት ዘለዎም ቅዱሳን ኣንስት እያ። በዚ ምክንያት ዉን “ቅድስት ባርባራ ዓባይ ሰማዕት” ተባሂላ ትጽዋዕ።
 
ካብ ሰብ ምብራቕ ዝሞበቀሉ፣ ኣቦ ባርባራ ዲዮስቅቆሮስ ዝበሃል ኮይኑ፣ ፍሉይ ቦታ ኒክሮሜድያ ኣብ ዝበሃል ቦታ ይነብር ነበረ። እዛ ቦታ ጎዶቦ ናይታ ኣብ ሳልሳይ ክፍለ ዘመን ዝነበረት ሄልዮፖሊስ እትበሃል ኣብ ግብጺ እትርከብ ዓባይ ከተማ እያ። ኣቦ ባርባራ ኣብዛ ከተማ ዝነብር ዝነበረ ሃብታም በዓል ጸጋ ነበረ። ንጓሉ ባራባራ ኸኣ ኣዝዩ ፍሉይ ፍቕሪ ነበሮ። ንሳ ኣዝያ ዉቕብቲን መስታውዓሊት ዉን ነበረት። `ቲ ዘመን፣ ጨካን ኣራዊት ማክሲማኖስ ሮማዊ ንግብጺ የማሓድረሉ ዝነበረ ግዜ እዩ።
 
ኣቦ ባራባራ፣ ንጓሉ ፍሉይ ፍቕሪ ዝነበሮ ሰብኣይ ስለዝነበረ፣ ድሌታ ዘበለ ዂሉ የማልኣላ ነበረ። ንሳ በይና እትነብረሉ ዓቢ ገዛ ሃነጸላ። ንሳ ዉን ኣብቲ ኣቡኣ ዝሃነጸላ ገዛ ኮይና፣ ናብ ሰማያት ብምጥማት ፍጥረታት ተድንቕ ነበረት። ካብ ብዝሒ ልማድ ዉን፣ ብዛዕባ ጸሓይ፣ ወርሒ፣ ከዋኽብቲን ትመራመርን፣ ንዘለወን ስርዓት ዉን ትከታተል ነበረት። በዚ ተመሪሓ ዉብ፣ ሓደ ዓቢ ርድኢት ሓዘት። “ነዚ ዂሉ ዝፈጠረ፣ ካልእ ፈጣሪ” ከመዘሎ፣ ብልባ ደምደመት። እቲ ኣቡኣን፣ ነበርቲ`ታ ከተማን ዘምልኽዎ ጣኦት፣ ሓቀኛ ኣምላኽ ከምዘይዀነን፣ ካልእ ንዂሉ ዝፈጠረ ኣምላኽ ከም ዘሎ ልባ ስለዝነገራ፣ ነዚ ከተናድይ ሃሰው በለት። ኣብቲ ሽዑ ግዜ፣ ኣብ ግብጺ መምህር ክርስቲያናት ዝነበረን፣ ንብዙሓት መማህራን ቤተክርስቲያን ዘፍረየ፣ ኦሪገን ኣብታ ኸተማ ነበረ። ብዛዕባ ባራባራ ዉን ስለዝሰምዐ፣ ንሱ ብዛዕባ ሓቀኛ ኣምላኽ እግዚአብሔርን፣ እምነት ክርስትናን መሃራ።
 
ንሳዉን በቲ ዝተዋህባ ምህሮ ኣዝያ፣ ስለዝተረድአት፣ ንጣኦት ምምላኽ ሓዲጋ፣ ናብ እምነተ ክርስትና ተጸንበረት። ኣቡኣ ኣብ ዝሓነጸላ ገዛ፣ ነብሳ ትሕጸበላ ናይ በይና ክፍሊ ነበራ፣ እዛ ክፍሊዉን ክልተ መሳኹቲ ነብርኣ። ክርስቲያን ኮይና፣ ንጐይታናን ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ከተምልኽ ምስ ጀመረት ድማ፣ ኣብታ መሕጸቢት ክፍላ፣ ሳልሰይቲ መስኮት፣ ኣብ ልዕሊ`ቲ ነብሳ ትሕጸበሉ ጋብላ ዉን መስቀል ከምዝከዉን ገበረት። ኣብኣ ክርእያ ኢሉ ምስ መጽአ ዉን፣ ብዛዕባ`ዚ ነገራት ሓተታ።
“ኣቦ ኣይትፈልጥን ዲኻ፣ ኣብ ሥሉስ ቅዱስ ኲሉ ነገር ሙሉእን ፍጹምን እዩ። እዘን ሰለስተ መሳኹቲ ንሰለስትነት ሥላሴ ተመልክት፣ እዚ መስቀል ድማ፣ ናይ ጐይታናን ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ መስቀል ምልክት እዩ፣ በዚ መስቀል`ዚ ከኣ ድሕነት ረኺብና። ኣቦይ መዓረይ ነዚ ዝብለካ ዘለኹ ምሕጽንታ ስምዓኒ፣ እቲ ንስኻ እተምልኾ ዘለኻ ጣኦት፣ ናይ ሓሶት ኣምላኽ እዩ፣ ፍጡር እዩ፣ ካብዚ ሒዝካዮ ዘለኻ ጌጋ ኣምልኾ፣ ናብ እግዚአብሔር ኣምላኽ ተመለስ፣ ንሱ በይኑ እዩ ፈጣሪ” ብምባል መለሰትሉ።
በቲ ዝሰምዖ ነገር ዝተገረመ ኣቡኣ፣ ኣዝዩ ሰዝሓረቐ፣ ሴይፉ መዚዙ ክቐትላ ተበገሰ፣ ንሳ ዉን ሃደመት። ካብ ኣቡኣ ዝሃደመት፣ ባርባራ ቅድስት፣ መእተዊ ምስ ሰኣነት፣ ኣዒናታ ናብ ሰማያት ኣቢላ፣ ምሕረት ካብ ኣምላኽ ሓተተት። ብኡንብኡ ዉን እቲ ኣብ ቅድሚኣ ዝነበረ ከዉሒ፣ ንኽልተ ተገሚዑ ኣፍደገ ከፈተላ። ንሳዉን ተቐላጢፋ ናብኡ ኣተወት፣ እቲ ከዊሑ ዉን፣ ናብ ናይ ቀደሙ ቅርጹ ተመሊሱ ተዓጽወ።
 
ነዚ ዝረኣዩ ክልተ ጓሶት፣ በቲ ነገር ኣዝዮም እንዳተገረሙ እንከለዉ፣ ኣብኡ ኣርኪቡ ከፋጥጦም ጀመረ። እቲ ቀዳማይ እኳ ሱቕ እንተበለ፣ እቲ ካልኣዩ ግና፣ ሴይፊ ፈሪሑ ዝተሓብኣትሉ ቦታ ኣመልከቶም። ብኡንቡኡ ዉን ኣተን ናቱ ማል ናብ ኣንበጣ ተቐየራ። ኣቡኣ ዉን ብድሕሪ እቲ እምኒ ብምኹላል፣ ኣብቲ ዝተሓብኣቶ ቦታ ከይዱ ረኸባ። ወሲዱ ዉን፣ ናብቲ ንብዙሓት ክርስቲያናት ኣሳቕዩ ብምቕታል ዝፍለጥ ማክሲማኖስ ኣረከባ።
 
ማክሲማኖስ ኣብ መጀምርታ ብሉስሉስ መንገዲ ጌሩ፣ ብዙሕ ተስፋታትን ዘታልሉ ነገራትን ብምዝራብ፣ ሓሳባ ንኽትቕይር ብዙሕ ፈታነታት ገበረ። ምስላጥ ምስ ኣበዮ ዉን፣ ብዝተፈላለየ ኣገባባት ኣቢሉ፣ ከሳቕያ ጀመረ። ብዙሕ ፈተነታት እዃ እንተገበረ፣ ካብ ፍቕሪ ክርስቶስ ግና ክፈልያ ዝኽእል ኣይነበረን።
 
ንጽንዓትን ትዕግስቲን ባርባራ ትኽታተል ዝነበረት፣ ዩሊያና ዝተባህለት ሓንቲ ጎርዞ ዉን፣ በቲ ነገር ኣዝያ ስልዝደንጸዋ፣ ምእንቲ ባርባራ ክትነብዕ ጀመረት። ኣብቲ ሽዑ ኣጋጣሚ ዉን፣ ጐይታና ካብ ሰማያት ወሪዱ ንቅድስት ባራባራ ከጸናንዓን ክርደኣን እንከሎ ረኣየት፣ በዚ ምኽንያት ዉን፣ ዩልያና ብጐይታ ኣሚና ክርስቲያን ተቀየረት። ጨካን ንጉስ ማክሲማኖስ በቲ ነገር ኣዝዩ ስለዝሓረቐ፣ ንክልቴአን ኣዋልድ፣ ርእሰን ክስየፋ ኣዘዘ። ዩልያናን ባራባራን ዉን ኣብ እምነተ ክርስትንአን ጸኒዐን፣ ሰማእትነት ተቐበላ።
 
ኣቦ ቅድስት ባራባራን፣ ጨካን ኣማሓዳሪ ማክሲማኖስን፣ ኣይጸንሑን ኣምላኽ ብመዓቱ ኣጥፍኦም። እቲ ንሳ ነብሳ ትሕጸበሉ ዝነበረት መስቀል ዝነበሮ ማይ ድማ፣ ንብዙሓት ሕሙማት ፈዉሲ ኮኖም። ዓጽሚ ናይዘን ክልተ ቅዱሳን ኣንስቲ ካብ ከተማ ገላትያ ወጻኢ ኣብ ዝነበረ ቦታ ኣንበርዎ። ድሕሪ ብዙሕ ዓመታት ዉን ኣብ ካይሮ ኣብ ዝርከብ ብሽማ ኣብ ዝተቀደሰ ቤተክርስቲያን ዓጽማ ዓረፈ።
 
ነዚ ስእሊ`ዚ ክንዕዘቦ ኣንከለና ቅድስት ባርባራ መስቀል፣ ስየን፣ ጽዋእን ሒዛ ንርእያ። ጽዋእ፣ ምእንቲ ስም ክርስቶስ ክትብል ዝተቀበለቶ ናይ ሰማዕትነት ምልክት እዩ። መስቀል መግለጺ እምነታን ናታ ተጋድሎን የመልክት። እቲ ስየ ድማ፣ ከም ንፈልጦ ኣብ ቤተክርስቲያን ‘ስየ’ ምልክት ንጽህ እምነት እዩ። “ጻድቃን ከም ስየ ይልምልሙ፣ ከም ጽህዲ ሊባኖስ ዉን ይዓብዩ” /መዝ 92፥12/ ኢሉ ዳዊት ዝዘመሮ ዉን፣ ጻድቃን ብእምነት ከምዝዓብዩ መረጋገጺ እዩ። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዉን ስየ ኣብ ብዙሕ ቦታታት ተጠቒሱ ንረኽቦ /2 ነገ 6፥29, ራእ 7፥9/። ስለዚ ካብዚ ቅዱስ ስእሊ እንመሃሮ፣ ነገር ሰማዕት ቅድስት ባርባራ፣ ምእንቲ መስቀለ ክርስቶስ ክትብል፣ ብንጹህ እምነት፣ ሰማእትነት ከም ዝተቐበለትን፣ ናይዚ ዓስባ ዉን ኣክሊል ህይወት ምዃኑ እዩኣባ ጊዮርጊስ ዘግስጫ ዉን፣ ኣብ ምስጋና ኣርጋኖን ዝተባህለ መጽሕፉ ዘሰንበት፣ ተቒስዋ ይርከብ።
 
 
እምበኣር ክቡራት ምእመናን፣ ንሕና ክርስቲያናት ንሰማዕታት ብዙሕ ክብሪን ፍቕሪን ኣለና፣ ብቃል ኪዳኖም ዉን ንምሕጸን ኢና። ኣብዚ ከይተሓጸርና ግና ንሕና ዉን ኣሰር ሰማዕታት ክንስዕብ ይግባእ። ፍቑራት ኣሕዋተየ ዋላዃ ንሕና ምእንቲ ስም ክርስቶስ መድሓኒና ኢልና እንቕበሎ መከራን ስደትን፣ እንእሰሮ ማእሰርቲን፣ ኣብ ኢድ ደቂ ሰባት ወዲቕና ኣንቕበሎ መግረፍቲን ሞትን እንተዘየለ፣ ሰማእትነት ግና በዚ ዝተሓጽረ ጥራይ ኣይኰነን። ስየ ሰማእትነት ኣንጾረሉን፣ ጽዋእ መድሓኒናን እንጥዕመሉ ብዙሕ ናይ ሰማዕትነት መንገዲታት ኣሎ። ገዛ ስጋና ብንጽህና እንድሕሪ ዓቂብናን፣ ስጋና ንነፍስና እንድህሪ ኣግዚእና፣ ብዂሉ ልማኖን ጸሎትን ናብ እግዚአብሔር ቀሪብና ብትሕቱ መንፈስ ምስ ንልምኖን፣ ብዂሉ ሰናይ ግብሪ እንድሕሪ ተጊህና፣ ፍረ መንፈስ ቅዱስ ዘበለ ኲሉ ብትዕግስቲ ምስ ነጥሪ፣ ሰማእታት ኢና። ጸሎትን በረኸትን ቅድስት ኣዴና ባራባራ ምስ ዂልና ይኹን!ኣሜን።

source @ fnoteatnatiewos.blogspot.no

Tsome Tsigai
Posted by million.isaac on October 10, 2013 at 9:00 AM comments (0)
ጾመ ጽጌ

ጾመ ጽጌ
ኦ ድንግል ናብቲ ንኵሉ ዝዝክር፡ ዘይርስዕ ኣዘክሪ።
ኦ ድንግል እቲ ካባኺ ኣብ ቤተ ልሔም ዝተወልደን በጭርቕቲ ከም ዝተጠቕለለን ኣዘክሪ።
ኦ ድንግል ብእዋን ቍሪ፡ እስትንፋስ አድግን ላሕምን ከም ዘማምቝዎን ኣዘክሪ።
ኦ ድንግል ብዘመን ርጉም ሄሮድስ ካብ ሃገር ናብ ሃገር ምስኡ እናጐየኪ ምሳኺ ዝተሰዶ ስደት ኣዘክሪ።
ኦ ድንግል ካብ ኣዕይንትኺ ናብ ገጽ ፍቁር ወድኺ ዝወሓዘ መሪር ንብዓት ኣዘክሪ።
ኦ ድንግል ጥሜትን ጽምእን መከራን ኃዘንን ኵሉ ምስኡ ዝበጽሓኪ ጸበባ ኣዘክሪ።
ይቕረታ ደኣ ኣዘክሪ እምበት ጥፍኣት ኣይኹን።
ንኃጥኣን ደኣ ኣዘክሪ እምበር ንጻድቃን ኣይኮነን።
ንርሱሓት ደኣ ኣዘክሪ እምበር ንንጹሓት ኣይኮነን።
እወ ኣዴና ናብቲ ዘይርስዕ ኣምላኽ ኣዘክሪ….
ኣዘክሪ ድንግል…..!

TRUE HOLY CROSS THE TRUIMPH OF SALIVATION
Posted by million.isaac on September 27, 2013 at 3:10 AM comments (0)

               እንቋዕ ንብርሃነ መስቀሉ ብሰላም ኣብጽሓና፡ ኣብጽሓኩም።

ምብዓል ቅዱስ መስቀል ኣብ መስከረም 17 ዓ.ም.ግ. (መስከረም 27 ወይ 28 ዓ.ም.ፈ

ቅዱስ መስቀል ብዙሕ ተኣምራት ማለት ለምጻማት ኬንጽሕ ዕውራት ኣዕይንቶም ከብርህ
ምውታን ኬተንሥእ ስለ ዝረኣዩ ። ኣይሁድ ንመንቀኝነት ኣይዓርፉን እዮም እሞ ። ከምኡውን
ኣብ ሕጎም “ኢትቅትል ብእሴ ጻድቀ” ማለት ጻድቕ ሰብ ኣይትቕተል ዝብል ስለ ዘሎ ።
ጻድቕ ሰብ ቀቲሎም ተባሂሎም ኣብ ታሪኽ ከይውቀሱ ሰለ ዝፈርሑ ንቅዱስ መስቀል
ንምጥፋእ ኣብ ጕድጓድ ቀቢሮም ። ተዃዒቱ ንኸይወጽእ ድማ ኵሉ ሕዝቢ ኣብ ርእሲኡ6
ንኽጕሕፍ ኣዋጅ ኣወጁ፣ እቶም ሕዝቢ ድማ ንኣስታት 286 ዓመታት ዝኣክል ኣተግቢሮሞ፣
ወዮ ጐሓፍ ድማ ናብ ጎቦ ተቐየረ።
ሓንቲ ካብ መዓልታት ። ኵሎም ክርስቲያን ዝሕጐሱላ ቅድስት መዓልቲ መጽአት፣ ንሳ ድማ
ንግሥት እሌኒ ንቅዱስ መስቀል ካብ ዘለዎ ከትውጽኦ ዝብል መብፀዓኣ ኽትፍጽም ናብ
ኢየሩሳሌም ከደት እሞ ኣበይ ከም ዘሎ ዝሕብራ ሰኣነት፣ ሽዑ ንኪራኮስ ዝተባህለ ሽማግለ
ጨው ዝበዝሖ መግቢ ኣብሊዓ ማይ ከልኣቶ እሞ ። ማይ ኪሰቲ ደሊዩ ካብዘን ሠለስተ ገቦ
ሓዲኤን እያ ኢሉ እናመልከተ ነቲ ሓቂ ነገራ፣ ንሳ ድማ ካህናት ኣኪባ ። ዳሜራ ገበረት እሞ
ዕጣን እንተ ኣዕረጉ “ሰገደ ጢስ በጎልጎታ” ከም ዝብል እቲ ትኪ ናብ ሰማይ ወጺኡ ናብታ
መስቀል ዘለዋ ቦታ ተመሊሱ ሰገደ፣ ስለዚ በዛ ቅድስት መዓልቲ መስከረም 17 እዚኣ ነቲ
መሥርሕ ምዅዓት ጀመረቶ፣ እቲ ገዚፍ ገቦ ድማ ብዕለት 10 መጋቢት ኵዒታ ወደኣቶ
እሞ ብርሃን ቅዱስ መስቀል ረኣየት፣ ንሱ ምዃኑ ዘረጋግጽ ድማ ከም ቀደሙ ለምጻማት
ኣሕወየ ። ዕውራት ኣዕይንቶም ኣብርሀ ። ሕሙማት ፈወሰ።
መጋቢት 10 ግና ኵሉ ጊዜ ኣብ ጾም ስለ ዝውዕል ። ዝተቐብረሉ ቦታ ዝተረኽበሉ ።
ከምኡውን ኵዕታ ዝተጀመረሉ ዕለት መስከረም 17 ስለ ዝዀነ በዛ ቅድስት ዕለት እዚኣ
ንኽኽበር ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ሠሪዓትልና፣ በዚ ድማ ዓመታዊ ክብረ በዓል መስቀል
ብሓባር ነብዕሎ ኣለና፣ ረድኤትን በረኸትን ናይ ቅዱስ መስቀል ኣብ ልዕሊ ኵላትና ዕጽፍን
ድርብን ኰይኑ ይውረድ ።
ኣብ መወዳእታ እምበኣር ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ምሕረት እግዚአብሔር ። ጸሎትን ልማኖን
ናይ ኣዴና ንጽሕተ ንጹሓን ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ወላዲተ ኣምላክ ማርያም ። ረድኤት
ቅዱስ መስቀል ። በረኸት ኵሎም ቅዱሳን ምስ ኵልና ይሕደር ። እናበለት እዚ በዓል እዚ
ነፍስናን ሥጋናን ዝቕድስ ፣
ኃጢኣትና ዝድምስስ ፣
መንግስተ ሰማያት ዘውርስ ይግበረልና ትብል።

 
SOURCE  FROM : መንበረ ፓትርያርክ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ኣስመራ, ኤርትራ
HAPPY GEEZ NEW YEAR 2006 !!
Posted by million.isaac on September 12, 2013 at 9:10 AM comments (0)
                           
                      +++  በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሃዱ አምላክ አሜን! +++
source: http://kanazegelila.blogspot.nl/2012/09/18-31.html

  ሓድሽ ልብን ሓድሽ መንፈስን ድማ ግበሩ። ሕዝ.18-31።
 ሓድሽ ዓመት ክረምቲ ተወዲኡ ዘራእቲ ዝፈርዩሉ፣ ዝናብ ክራማት ተወዲኡ ሲዒቡ ዝመጽእ ዝኽበር ሓድሽ ናይ ተስፋን ብሥራትን በዓል እዩ። ነዚ ኣመልኪቱ ቅዱስ ሰለሙን ከምዚ ይብል። > መኃ.2፣11። ኣብ ሓድሽ ዓመት ዓመታት ጥራይ ዘይኮኑ ምድርውን ገጽታኣ ትልውጥ እያ። ዝነቀጸ ኣግራብን ዝነቀጸ መሬትን ሓምላይ ለምለም ይኸውን፣

Advertisements

Leave a Reply

Fill in your details below or click an icon to log in:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out / Change )

Twitter picture

You are commenting using your Twitter account. Log Out / Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out / Change )

Google+ photo

You are commenting using your Google+ account. Log Out / Change )

Connecting to %s