ዕርገት ድንግል ማርያም

Menu

berhet2
ፍልሰታ
Menu

ttadesse
WEDNESDAY, AUGUST 22, 2012

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሃዱ አምላክ አሜን ።

እንቋዕ ናብ በዓለ ዕርገታ ለእግዝእትነ ቅድስት ድንግል ማርያም ብሰላም ኣብጸሓና!

ምስባክ

ቀደሰ ማኅደሮ ልዑል
እግዚኣብሔር ውስተ ማዕከላ ኢትትሐወከ
ወይረድኣ እግዚኣብሔር ፍጽመ። መዝ. ፵፭፡፬-፭/46፡4-5።
ሮሜ. 8፡31-ፍጻሜ። 2ይ ዮሓ. 1፡1-7። ግ.ሓዋ. 1፡12-15 ወንጌል ማቴ. 26፡26-31።

ጾመ ፍልሰታ ናይ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ዕረፍታን ትንሣኤን ዕርገታን ዝሕሰበሉ እዋን እዩ። ኣብዚ እዋን ናይ ምእመናን ካብ ከባቢኦም ርሕቅ ኢሎም ኣብ ዝተፈላለየ ገዳማት ብምዃድ ወይ ድማ ኣብ ከባቢኦም ዝረከብ ቤተክርስቲያን ተኣኪቦም ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት ንሓዋርያት ተገሊጻ ሞትን ትንሣኤን ዝገለጸትሉ ይዝክሩ። ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ን ኣዲኡ መንበር ጌሩ ቀዲሱ ምቁራቡን ይዝክሩ። ኣብዚ እዋን ብጾምን ጸሎትን ተወሲኖም ናይ ወዳ ለውሃት ናይ ድንግል ማርያም ኣማላድነት ይምኅጸኑ። ኩሉውን ከም ዝግበረሎም ይኣምኑ። ኣብ ናይ መወዳኣታ ሱባኤ ከኣ ታሪኽ

ሽዑ መልኣኽ እግዚአብሔር ሥጋ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ምስ ሓዋርያ ቅዱስ ዮሓንስ ብሓንሳብ ሒዙ ናብ ገነት ወሰዶም። ኣብ ትሕቲ ዕጸ ሂወት ከኣ ኣቀመጦም። ቅዱስ ዮሓንስ ድሕሪ ቁሩብ ግዜ ናብ ቅዱሳን ሓዋርያት ምስ ተመልሰ፣ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ኣብ ገነት ኣብ ትሕቲ ዕጸ ሕይወት ከምዝዓረፈት ነገሮም። ሓዋርያት’ውን ናይ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ሥጋ ረኺቦም ሓመድ ኣዳም ንምልባስ ካብ ዝነብሮም ክቱር ድሌት ዝተላዕለ ባሕቲ ነሓሰ ሱባኤ ጀሚሮም ክጾሙን ክጽልዩን ድሕሪ ምቅናይ፣ ኣብ መበል ዓሰርተ ኣርባዕተ መዓልቲ (14) ኣብ መወዳእታ ካልኣይ ሱባኤ ኣምላኽና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ናይ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ሓድሽ ንኸዕርፉዋ ስለዝሃቦም ብዝዓበየ ዝማሬን ውዳሴን ብጽኑዕ ምህልላን ወሲዶም ኣቀዲሙ ኣብ ዝተዳለወላ መካነ ዕረፍቲ ኣብ ጌተሰማኒ ቀበርዋ።

ናብ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ሥነ ሥርዓት መግነዝታን ቀብራን ኣብ ዝተፈጸመሉ እዋን ካብቶም ዓሰርተ ክልተ (12) ሓዋርያት ዝኾነ ቅዱስ ቶማስ ኣይነበረን ። ቅዱስ ቶማስ ካብ ሃገረ ስብከቱ ህንድኬ ብደመና ተጻዒኑ ናብ ኢዮርሳሌም እንዳመጸ ከሎ፣ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ካብ ዝተቐብረትሉ ኣብ መበል ሣልሳይ መዓልቲ ከም ትንሣኤ ወዳ ተንሢኣ ክትዓርግ ይረኽባ። ኣብቲ እዋን ንትንሣኤኣ ካልኦት ሓዋርያት ርእዮም ንሱ ጥራይ ዝተረፈ መሲልዎ ሓዚኑ ኣጸናንዓቶ። ከይዱ’ውን ንኹሉም ኣሕዋቱ ሓዋርያት ኩሉ እቲ ዝኾነ ክነግሮም ሓቢራ። ንምልክት ምእንቲ ምስክር ክዀኖ መግነዚ (ሰበን) ሂባቶ ናብ ሰማያት ዓረገት።

ኩሉ እዚ ዝኾነ’ውን ብዝርዝር ነግሮም፣ ንምልክት ክኸወን ዝሃበቶ መግነዚኣ’ውን ኣርኣዮም። ኩሎም ሓዋርያት’ውን ነዚ መግነዝ ንበረከት ክኾኖም ቆሪጾም ተማቒሎም ነናብ ሃገረ ስብከቶም ከዱ።

ኣብ ዓመቱ ድማ ንትንሣኤኺ ቅዱስ ቶማስ ርእዩ፣ ንሕና ንምንታይ ይተርፈና ኢሎም ባሕቲ ነሓሰ ሱባኤ ኣተዉ። ኣብ መበል 16 መዓልቲ ክልተ ሱባኤ ድሕሪ ምፍጻሞም ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ንዝለምንዎ ልመና ተቀቢሉ። ንኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም መንበር ፣ ንቅዱስ ጴጥሮስ ንፍቀ ካህን፣ ንቅዱስ እስቲፋኖስ ገባሬ ሠናይ ዲያቆን ጌሩ ቀዲሱ ንኹሎም ድሕሪ ምቁራቡ፣ ንናይ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ዕርገት ንምርኣይ ኣብቂዕዎም እዩ።
ካብቲ እዋን እቲ ሓዋርያዊት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስቲያና ሥርዓት ሰሪዓ፣ ካብተን ሸውዓተ ኣጽዋማት ከም ሓደ ጌራ፣ ዓቢ ናይ በረኸትን ምሥጢርን መግለጺ ዝኾነ ጾመ ፍልሰታ ትጸውም።
ብጽኑዕ ንዝደልይዎን ኣኺሉን ተሪፉን ዝወሃብ ጸጋን በረከትን እግዚአብሔር ንምርካብ፣ ሓዋርያት ንዝረኣይዎ ዘደንቅ ምሥጢር ትንሣኤን ዕርገትን ናይ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ንምርኣይ፣ ካብ ናይ ቅዱሳን ሓዋርያት በረከት ንምስታፍ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብዚ እዋን መዘከርታ ትንሣኤን ዕርገትን ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም (ጾመ ፍልሰታ) ብዙሓት ካብ ቤቶም ተፈሊዮም ብሱባኤ ተወሲኖም፣ ዓራቶም መንጸፎም ገዲፎም ኣብ መሬት ብምድቃስ፣ ጥረምረ ማይን ጥራሕ እንዳጠዓሙ ብጾምን ብጸሎት ብምትጋህ ብዓቢ ተጋድሎ ብምጻም በረኸት ይረኽቡ።

ብኣጠቓላሊ ኣብ ሰሙነ ፍልሰታ ኣብ ቅድስቲ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተክርስቲያና ዘሎ ኩነታት ኩሉ ምእመናን ዓቢ ኮነ ንኡስ፣ ህጻን ኮነ ኣረጋዊ፣ ዘርእዮ ሃይማኖታዊን መንፈሳዊን ተግባራት ንኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ዘሎዎ ጽኑዕን ዓሙቅን ፍቕሪ ዘረጋግጽ እዩ።

ሞታን ትንሣኤኣን ከመይ እዩ ኢልና ምስ ንርኢ።

ናይ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ሞትን ትንሣኤን ነገረ ማርያም፣ ስንክሳርን ተኣምረ ማርያም ግልጺ ጌሮም ከምዘረድኡና ኣብ ጥሪ 21 ዓሪፋ። ብዛዕባ ቦታ ድማ ቅዱስ ያሬድ ናይ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም፣ ዕርገት ፍሉይ ዝኾነሉ ምሥጢር

ብመሠረት ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ትንሣኤ ጊዚያውን ዘልዓለማዊን ብምባል ይፍለጥ። ጊዚያዊ ትንሣኤ ዝብሃል ናይ እግዚአብሔር ከኃሊነት ዝግለጸሉ ተኣምራታዊ ስራሕ ኰይኑ ኣብ ዝተወሰኑ ሰባት ዝፍጸም እሞ ዳግማይ ሞት ዘስዕብ እዩ። ንኣብነት ኤልያስ ዘተሥአ ወዲ’ታ መበለት 1ይነገ.17.8-24ከኣ ትንሣኤ ኣልኣዛር ምጥቃስ ይከኣል እዩ።

ኣልኣዛር ድሕሪ ሙማቱ ኣብ መበል ራብዓይ መዓልቲ ከምዝተንሥአ ወንጌላዊ ቅዱስ ሉቃስ ጺሒፉ እዩ። ናይ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ትንሣኤ ፍሉይ ናይ ክብርን ሕይወትን ትንሣኤ ክኸውን ከሎ ካልኣይ ሞት ዘየስዕብ እዩ። ትንሣኤ ዘጉባኤ’ውን ኣይጽበን እዩ። ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ናይ ትንሣኤና ቦኽሪ ኰይኑ ኣብ ሣልሳይ መዓልቲ ተንሢኡ። ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግልማርያም ብናይ ወዳ ሥልጣን ፣ ከም ወዳ ኣብ መበል ሣልሳይ መዓልታ ትንሣኤ ዘጉባኤ ከይተጸበየት ብኽብሪ ዓሪጋ እያ። ከምዚ ዝበለ ትንሣኤ ብጀካ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ካልኦት ቅዱሳን ወይ ነብያት ሓዋርያት ኣይረኸብዎን በዚ ምኽንያት ናይ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ትንሣኤ ካብ ካልእ ፍሉይ ኰይኑ ንረኽቦ። እዚ ትንሣኤ ዘልዓለማዊ ዝዀነ ካብ ዳግማይ ሞት ነጻ ዝዀነ ትንሣኤ እዩ።

ብዛዕባ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ካብ መቓብር ምትንሥኣ ኣብ ነሓሰ 16 ዝንበብ መጽሓፈ ስንክሳር ከምዘረድኣና ኣቡኣ ዳዊት በገና እንዳደርደረ ፣ ዕዝራ’ውን ብመሰንቆ ፣ቅዱሳን መላእክት ፣ነብያትን ጻድቃንን እንዳመስገንዋ ብቡሩህ ደመና ናብ ሰማይ ዓሪጋ ኣብኡ’ውን ብኽብሪ ምስወዳ ኣላ። ኣብቲ ስፍራ ካልኣይ ሞት ወይ ሓዘን ስቕያትን ኣውያትን የለን። ራእ .21፣4-5።

ናይ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ዕርገት ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ከምዝተገልጸ ካብ ናይ ሄኖክን ኤልያስን ዕርገት ዝተፍለየ እዩ። ሄኖክ ናብ ሰማይ ዝዓረገ ኣብ ምድሪ ከሎ ንእግዚአብሔር ብእምነትን ጽቡቅ ምግባርን ስርሑን ደስ ስለዘበሎን ብኹሉ ስርሑ ቅዱስ ኰይኑ ስለዝተረኽበ ሞት ከይረኣየ ዓሪጉ። ንመጻኢ ግና ሞት ይጽበዮ እዩ ሞይቱ’ውን ትንሣኤ ዘጉባኤ ከድልዮ እዩ። > እብ.11፣5።

ነብየ እግዚአብሔር ኤልያስ ብእሳት ሠረገላ ናብ ሰማይ ዓሪጉ እዩ። ቅዱስ ያሬድ ኣብ ድርሰቱ ብዛዕባ ዕርገታ ከምዚ ብምባል ይገልጾ። > ብምባል ኣረዲኡና እዩ።

ናይ ኣቦታትና ተስፋ ዝተፈጸመላ ናይ ድኅነትና ምኽንያት ዝዀነት ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ብረድኤታ ኣይትፈለየና። ብቓል ኪዳና ኣምላከ ቅዱሳን እግዚአብሔር ይሓልወና። እግዚአብሔር ናይ ኣዲኡ ፍቕሪ ኣብ ልብና ውዳሴኣ ድማ ኣብ ልሳንና የሕድረልና። አሜን ።

ናይ ትንሣኤና ቦኽሪ ዝኾነ ኣምላኽና መድኃኒና ኢየሱስ ምሕረቱን በረኸቱ ይሃበና፣ ናይ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ኣማላድነት ኣይፈለየና። አሜን ።

(For those who do not have Geez, please visit this link) MOTSE LEMEWATI YDELU MOTA LEMARIAM YEHATSIB LEKULU

ወስብሓት ለእግዚአብሔር፣

ወለወላዲቱ ድንግል፣

ወለመስቀሉ ክቡር።

አዘክሪ ድንግል at 9:59 AM

Share

Home

View web version

ERITREAN ORTHODOX TEWAHIDO CHURCH

Kana Zegelila

አዘክሪ ድንግል

Powered by Blogger.

Share this:

TwitterFacebookGoogle

Related

Menu ዘኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ መድሃኔ…

TUESDAY, AUGUST 7, 2012 ጾመ…

TUESDAY, MAY 8, 2012 ኣብ…

January 15, 2015Leave a reply

« Previous

Next »

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Name *

Email *

Website

Comment

Notify me of new comments via email.

Recent Posts

ኩሉ ተፈቂዱለይ እዩ፡ግናኸ ኩሉ ኣይጠቅምን እዩ፡፡

ኩሉ ዝኾነ ንሰናይ እዩ

ትርጉም ኣስማት ሃዋርያት

Obstetrics

Health

Recent Comments

Archives

January 2015

Categories

Uncategorized

Meta

Register

Log in

Entries RSS

Comments RSS

WordPress.com

View Full Site

Blog at WordPress.com.

Now Available! Download WordPress for Android

About these ads

Share this:
TwitterFacebookGoogle

Related
ጾመ ጽጌ
ኣ,ቅ,ድ,ማ(ብመርከብ ኖህ)ትምሰል
ታሪክ ሃወርያ ልቃስ(ወንጌላዊ)
January 18, 2015Leave a reply
« Previous
Next »
Leave a Reply
Your email address will not be published. Required fields are marked *
Name *
Email *
Website
Comment

Notify me of new comments via email.

Recent Posts

ባዓል ጳራቅሊጦስ
ሕቶን መልስን
ኪ፡ም
ኪዳነ ምህረት
ጾመ ጽጌ
Recent Comments

Archives

June 2015
March 2015
February 2015
January 2015
Categories

Uncategorized
Meta

Register
Log in
Entries RSS
Comments RSS
WordPress.com
View Full Site

Create a free website or blog at WordPress.com.

Now Available! Download WordPress for Android

Advertisements

Leave a Reply

Fill in your details below or click an icon to log in:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out / Change )

Twitter picture

You are commenting using your Twitter account. Log Out / Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out / Change )

Google+ photo

You are commenting using your Google+ account. Log Out / Change )

Connecting to %s