ፍልሰታ

ፍልሰታ ለማርያም
በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን። 

ትርጉም 

ፍልሰታ ዝብል ቃል ‘ፈለሰ’ ካብ ዝብል ናይ ግእዝ ግሲ ዝወጸ ኮይኑ፤ ካብ ሓደ ቦታ ናብ ካልእ ቦታ ምግዓዝ፡ ሃገርካ ሰፈርካ ገዲፍካ ምኻድ ምስዳድ ምፍላስ ማለት እዩ። ፍልሰታ ለማርያም ክንብል ከሎና’ውን ሥጋ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ካብ ጌቴሰማኒ ናብ ገነት ምፍላሱ፡ ዳኅራይ’ውን ካብ ትሕቲ ዕፀ ሕይወት ናይ ገነት ምፍላሱ ዘመልክት እዩ። ብሓጺሩ ካብ ምድሪ ናብ ሰማይ ምድያብ ወይ ምዕራጉ፡ ካብዚ ሥጋዊ ዓለም ናብቲ መንፈሳዊ ዓለም ምስግጋሩ፡ ካብዚ ሓላፋይ ዓለም ናብቲ ዘይሓልፍ ዓለም ምሕላፉ ዘመልክት እዩ። 

ጾመ ፍልሰታ ክንብል ከሎና’ውን ሓዋርያት ናይ ኣዴና ሥጋ ናበይ ከምዝፈለሰን ከምዝተቐብረን ስለዘይፈለጡ እግዚአብሔር ክገልጸሎም ምእንቲ ብዛዕባ ሥጋ ኣዴናን ትንሣኤኡን ዕርገቱን ዝጾምዎ ጾም እዩ።

ዜና መዋዕል 
ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ካብ ኣቡኣ ኢያቄም ኣዴኣ ሐና “እም ሊባኖስ ትወጽእ መርዓት” ተባሂሉ ብመሠረት ዝተነግረላ ትንቢት ፯ ነሓሰ ተጸኒሳ ባሕቲ ግንቦት ኣብ ኣኽራናት ሊባኖስ ተወልደት። ጓል መብጽዓ ኸኣ እያ። ዝተወለደትሉ ዘመን ኸኣ ፲፭ ዓመት ቅድሚ ልደተ ክርስቶስ እዩ። 

ኣዴና ኣብ ቤት ኣቡኣ ፫ ዓመት ኣብ ቤተ መቅደስ ኸኣ ፲፪ ዓመት፡ ምስ ወዳ ኸኣ ፴፫ ዓመትን ፫ ወርሕን፡ ምስ ዮሐንስ ወልደ ነጐድጓድ ኸኣ ዳርጋ ፲፭ ዓመት ተቐሚጣ፤ ብጠቕላላ ኣብ መበል ፷፬ ዓመት ኣብዚ ምድሪ ድኅሪ ምንባራ ፳፩ ጥሪ ከባቢ ፶ ዓ.ም. ካብዚ ዓለም ብሞት ተፈልየት። 

ትንቢት 
ነቢያት ኣቐዲሞም ብዛዕባ ዕረፍትን ትንሣኤን ኣዴና ቅድስት ድንግል ብምሳሌን ብምሥጢርን ተዛሪቦም ነይሮም። ከም ኣብነት ቅዱስ ዳዊት “ተንሥእ እግዚኦ ውስተ ዕረፍትከ፡ አንተ ወታቦተ መቅደስከ” (መዝ ፻፴፩፥፰) (ኦ እግዚአብሔር ንስኻን ታቦት መቅደስካን ተንሥእ፡ ናብ ዕረፍትኻ ንዓ” ኢሉ ተንቢዩ ነይሩ። ትርጉሙ ኸኣ ኦ ፈጣሪየይ እግዚአብሔር ምእመናን ናብ እተዕርፈሉ መንግሥተ ሰማያት ታቦት መቅደስካ ዝኾነት ድንግል ማርያም ሒዝካ ተንሥእ ክብል ከሎ እዩ። እዚ ኸኣ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ከም ትንሣኤ ወዳ ከምዝተንሠአት ዘመልክት እዩ። ኣማናዊት ታቦት ዝተባህለት መኅደሪኡ ንሳ ስለዝኾነት። 

ጥበበኛ ሰሎሞን’ውን “ፍትወይሲ፡ ኣቲ ፍትውተይ፡ ተንሥኢ፡ ጽብቕተየ፡ ንዒ፤ እንሆ፡ ክረምቲ ሓሊፉ፡ ዝናም ዛርዩ፡ ተወዲኡ። ዕምባባታት ኣብ ምድሪ ተራእየ፡ ጊዜ መዝሙር በጽሔ። ድምጺ ባሬቶ ኸኣ ኣብ ምድርና ተሰምዔ። በለስ ፍሬኡ ጐጐበ፡ ተኽሊ ወይኒ ዓምቢቡስ መኣዛኡ የውጽእ ኣሎ። ኣቲ ፍትውተይ፡ ተንሥኢ፡ ጽብቕተየ፡ ንዒ።” ክብል ናይ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ዕረፍትን ትንሣኤኣ ዝምልከት ነገር ጠቒሱ ኣሎ። (መኃ ፪፥፲-፲፫) 

ብመሠረት እዚ ትንቢታዊ ምሳሌ ኸኣ እቲ ‘ፍትውተይ ጽብቕተይ’ እናበለ ዝጸውዐ ጐይታናን መድኃኒናኒ ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ። ትጽዋዕ ዘላ’ውን ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም እያ። እቲ ክረምቲ ሓሊፉ ዝተባህለ ኸኣ እቲ ኣብ መዋዕል ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያምን ወዳን ዝሓለፈ መከራን ስደትን ሓዘንን እዩ። እዚ ኸኣ ካብ ምውላዳ ጀሚሩ ክሳብ ዕረፍታ ኣብ ልዕሊኣ ንዝነበረ ተጻብኦ ኣይሁድ ዘመልክት እዩ። አብ ቤተ መቅደስ’ውን ኣረጋዊ ስምዖን ‘ኣብ ነፍስኺ ሰይፊ ክኣቱ እዩ’ ኢልዋ ንዝነበረ ነገር ዘዛምድ እዩ። ከምቲ ዝተገልጸ’ውን ንሳ ብናይ ሓዘን ፍላጻ ልባ ዝተወግኣትሉ ዘመን ሓሊፉ ናይ ክርስቶስ ሕማሙ ሞቱ ቤዛነቱ ከምዝተፈጸመ ዘርእይ እዩ። ዕምባባታት ኣብ ምድሪ ተራእየ ኢሉ ከምዝመሰሎ፡ ትንሣኤኡ ኣብ ምድሪ ተገሊጹ፤ ተሰቢኹ ንማለት ብምሳሌ ዝገለጾ ኸኣ እዩ። ብድምፂ ባሬቶ መሲሉ ኸኣ ድምፂ ሓዋርያት ኣብ ኵላ ምድሪ ከምዝተሰመዐን ከምዝበጸሐን ዝገልጽ እዩ። ቅዱስ ዳዊት’ውን ነዚ ኣመልኪቱ “ውስተ ኵሉ ምድር ወፅአ ነገሮሙ። ወእስከ አጽናፈ ዓለም በጽሐ ነቢቦሙ” (ድምፆም ናብ ኲሉ ምድሪ፡ ቃላቶም ድማ ክሳዕ ወሰን ዓለም ይወጽእ ኣሎ፡) ኢሉ ከምዝተነበዮ ማለት እዩ። (መዝ ፲፰፥፬) 

“በለስ ፍሬኡ ጐጐበ፡ ተኽሊ ወይኒ ዐምቢቡስ መኣዛኡ የውጽእ ኣሎ።” ምባሉ’ውን እቲ እተዘርአ ቃል፡ ዝተሰብከ ትምህርትን ፍረ ክርስትና ኣፍርዩ፤ ኣብ ምእመናን’ውን ሰናይ ግብሪን (ፍረ) መንፈሳዊ ተጋድሎን ክረኣይ ጀመረ። ኣብ ኵሉ ዓለም ኸኣ ኣብያተ ክርስቲያን ተተኺሎም፡ ብሃይማኖት ምዕንባቦምን ፍረ ምሃቦምን መዓዛ ምግባርን ምቕራብን ድኅሪ ምጅማሮም ኣዴና ንኸተዕርፍ ብጐይታ ከምዝተጸወዐት ዘረድእ ድንቂ ትንቢት እዩ። 

ታሪኽ 
ቅድስት ድንግል ማርያም ወላዲተ ኣምላክ ብ ፳፩ ጥሪ ኣብ መበል ፷፬ ዕድሚኣ ከም ዘዕረፈት ብንጹር ኣብ ታሪኽ ቤተ ክርስቲያን ተመዝጊቡ ኣሎ። ኵሉ እኳ ሞተ ሥጋ ዝመውት እኳ እንተኾነ፡ ሞተ ማርያም ግና ንኵሉ ዘድንቕ እዩ ከምዝተባህለ ወላዲተ አምላክ ክነሳ ንሳውን ከተዕርፍ ኣምላኽ ቅዱስ ፍቓዱ ኮነ። 

ሓዋርያት ገኒዞም ክቐብርዋ ክኸዱ ከለዉ፡ ጌተሰማኒ ከይበጽሑ ከለዉ እቶም ወትሩ ዝጻብዕዋ ኣይሁድ ሕጂ’ውን ሸለል ከይበሉ ብእከይ ቅንኢ ተላዓዒሎም ሥግኣ ከቃጽሉ ተኣኪቦም መጹ። እዚ ዝገበረሉ ምኽንያት ድማ ንሓዋርያት “ቅድም ንወዳ ቀቢሮሞ ከብቕዑ፡ ኣብ ሣልስቱ ተንሢኡ፡ ኣብ ፵ መዓልቱ ናብ ሰማይ ዓሪጉ፡ ዳግማይ ኸኣ ክምለስ እዩ ኢሎም ንሕዝቢ ብዙኅ ኣታሊሎሞን ወሲዶሞን፣ ሕጂ ድማ ስቕ እንተበልናዮም ነዚኣ’ውን ከም ወዳ ወሲዶም ኣብ ዘይንፈልጦ ኣንቢሮም ንሳ’ውን ተንሢኣ እናበሉ ክህውኹና ክነብሩ እዮም” ካብ ዝብል እከይ ሓሳብ’ዩ። ብመሠረት ምኽሮም ኸኣ ታውፋንያ ዝተባህለ ሓደ ካብቶም ኣይሁድ ጎበዝ ሰብኣይ ንሥጋ ቅድስት ማርያም ምእንቲ ከንድዳ ዓራታ ክግምጥላ ኢሉ ናብቲ ሓዋርያት ተሸኪሞሞ ዝነበሩ ዓራት ብድፍረት ቀረበ። ነቲ ዓራት ምስ ሓዞ፡ ቅዱስ ገብርኤል ካብ ሰማይ ወሪዱ ንታውፋንያ ኣእዳዉ ቆረጾ ኣብቲ ዓራት ድማ ተንጠልጢለን ተረፋ። ብድኅሪ’ዚ ምስ ዮሓንስ ገይሩ ብደመና ተነጢቓ ኣብ ገነት የእትዩ ኣብ ትሕቲ ዕፀ ሕይወት ኣንበራ። ዕርገታውን ብምስጋና መላእኽቲ ብስግደት ሰማእታት ዝተሰነየ እዩ ነይሩ። ታውፋንይ ግና ብዝፈጸሞ ክፉእ ግብሪ ተጣዒሱ ናብ ኣዴና ስለዝተማኅጸነ ብኅቡእ ተኣምራት ኣእዳዉ ናብ ናይ ቀደመ ሰፈረን ተመሊሰናሉ እየን። (ስንክሳር ዘጥር ፳፩) 

ድኅሪ’ዚ ሓዋርያት ካብኦም ብምፍላያ ጥራይ ዘይኮነ ኣበይ ከም ዘላን ኣበይ ከም ዝኣተወትን’ውን ስለ ዘይፈለጡ ብብዙኅ ሓዘንን ብኽያትን ድኅሪ ምጽናሕ፡ ቅዱስ ዮሓንስ ካብ ኣዴና በረኸት ተቐቢሉ ካብ ገነት ምስ ተመልሰ ከመይ ኮነት ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ምስ በልዎ፡ ኣብ ትሕቲ ዕፀ ሕይወት ከም ዘላ ነገሮም። ዮሓንስ ርእይዋ ንሕና ከይረኣናያ ብምባል ብመንፈሳዊ ቅንኢን ፍቕርን ተበጊሶም በቲ ሓደ ባዕሉ ዮሓንስ ብዝሓበሮም ኸኣ በቲ ካልእ ኣብ መጀመርያ ነሓሰ ጾም ጀመሩ። ንኽልተ ሰሙን ምስ ጾሙ ኣብ መወዳእታ ናይታ ካልአይቲ ሰሙን ሰንበት መዓልቲ ጐይታ ባዕሉ ንሥጋ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ኣምጺኡ ሃቦም፤ ንሳቶም ኸኣ ብዓቢይ ዝማሬን ውዳሴን ከምኡውን ብጽኑዕ ምህለላ ኣብቲ ዝተዳለወ መካነ ዕረፍቲ ኣብ ጌተሰማኔ ቀበርዋ። (ስንክሳር ዘነሐሰ ፲፮) 

ኣብ ሣልስታ ሠሉስ መዓልቲ ሓዋርያ ቅዱስ ቶማስ ካብ’ቲ ብስብከተ ወንጌል ከይዱዎ ዝነበረ ሃገረ ስብከት ብደመና ተጻዒኑ እናተመልሰ ከሎ፡ ብ፲፮ ነሓሰ እግዝእትነ ማርያም ካብ መቓብር ተፈልያ ተንሢኣ መላእክት ብግርማ ናብ ሰማይ ከዕርግዋ ከለዉ ከኣ ኣብ መገዲ ኣብ ሰማይ ተገልጸትሉ። ኵሎም ሓዋርያት ዕርገታ ርእዮም ንሱ ዝተረፈ ኸኣ መሰሎ። ሕጂ’ውን ትንሣኤ ቅድስት ድንግል ከይረኣየ ዕርገታ ብምርካቡ “ብመጀመርያ ናይ ወድኺ ትንሣኤ ሕጂ ኸኣ ናትኪ ትንሣኤ ከይረኣኹ ተሪፈ” ብምባል ብጓሂ “ወፈቀደ ይደቅ እምደመናሁ” ከም ዝበለ ካብቲ ተጻዒንሉ ዝነበረ ደመና ክወድቅ ክሳብ ዝደሊ ኮነ። ቅድስት ድንግል ማርያም ግን ኣይትሕዘን ምኽንያቱ እዚ ምርኣይ’ዚ እንትርፎ ንዓኻ ንካልእ ኣይተዋህበን ኢላ ኣጸናንዓቶ፤ መግነዚኣ ሂባ ድማ ፍልሰታ ከበስሮም ናብቶም እኩባት ሓዋርያት ኣፋነወቶ። 

ሽዑ ሓዋርያ ቅዱስ ቶማስ ናብ ሓዋርያት ከይዱ ከም ዘይፈለጠ ኮይኑ “ጒዳይ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያምሲ እንታይ ኮነ ገለ ነገር’ዶ ኣይረኸብኩምን” በሎም። ንሳቶም ድማ እቲ ነገር ዘርዚሮም ሓበርዎ፤ ሓዋርያ ቅዱስ ቶማስ ግና “እዚ ከመይ ኢሉ ክኸውን ይኽእል፡ መቓብራ ከፊትኩም ሥጋኣ እንተዘይኣርኣኹምኒ ኣይኣምንን’የ” በሎም። ሊቀ ሐዋርያት ቅዱስ ጴጥሮስ ብተግሣጽ “ንስኻ ኵሉ ግዜ ማንታ ዝልቡ ተጠራጣሪ ኢኻ ቅድም ትንሣኤ ክርስቶስ እናተነገርናካ፡ ኣእዳው እንተዘይሓዝኩ ዝተወግአ ጎኑ ከይዳህሰስኩ ኣይምንን ኢልካስ ሕጂ’ውንዶ ከምኡ ትብል ኣለኻ” በሎ። ቅዱስ ቶማስ ግና ናይ ልቡ ኣብ ልቡ ገይሩ ሥጋኣ ከርእይዎ ግድን በሎም።፣ ቅዱስ ጴጥሮስ ድማ እናሓዘነ ሥጋኣ ከርእዮ ምስ ሓዋርያት ናብ መቓብራ ወሰዶ። እንተኾነ ተንሢኣ ስለዝነበረት መቓብራ ከፊቱ ሥጋኣ ክረኽቦ ኣይከኣለን። በዚ ነገር ተሰናቢዶም ከለዉ፤ ሽዑ ሓዋርያ ቅዱስ ቶማስ ፍልሰታ ኣዴና ከምዝረኣየ ኣበሰሮም፡ መረጋገጺ ድማ እታ ዝተገንዘትላ ቅናታ ሃቦም። ንበረኸት ድማ ነቲ ሰበን ቆራሪጾም ተኸፋፊሎም ነናብ ሃገረ ስብከቶም ከይዶም። 

ስለዚ ኸኣ ፲፮ ነሓሰ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ነቢይ ዳዊት “ተንሥእ እግዚኦ አንተ ወታቦተ መቅደስከ” ኢሉ ኣቐዲሙ ከም ዝተዛረቦ እምኒ ኣልዕሉለይ መቓብር ክፈቱለይ ከይበለት ማኅተም መቓብር ፈቲሓ ልክዕ ‘ከም ትንሣኤ ወዳ’ ካብ መቓብር ተፈልያ ዝዓረገልትሉ ክቡር መዓልቲ’ዩ። 

ከም’ቲ ሓዋርያ ቅዱስ ቶማስ ትንሣኤኣን ዕርገታን ንከርእዮም ድማ ኣብ ዓመታ ከምቲ ናይ ቅድሚኡ ክልተ ሱባኤ ኣተዉ። ጾሎቶም ተቐቢሉ ኸኣ ንኣዴና መንበር፡ ንቅድስ ጴጥሮስ ንፍቅ ካህን፡ ንቅዱስ እስጢፋኖስ ኸኣ ገባሬ ሰናይ ዲያቆን ገይሩ ቀዲሱ ንኵሎም ድኅሪ ምቝራቡ ኸኣ ዕርገታ ኣርኣዮም። ቅድሚኡ ዘይተራእየ ድማ ኣብዚ መዓልቲ ዓቢ ሓጎስን ፍስሓን ኮነ። 

ጾመ ፍልሰታን ፍሉይነቱን 
እዚ ጾም እዚ ካብቶም ሸውዓተ ኣጽዋማት እቲ ሓደ እዩ። ሕዝብና ንኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ብዘለዎ ልዕል ዝበለ ኽብርን ፍቕርን እዚ ጾም’ዚ ብፍሉይ ክጾሞ ኢና እንርእዮ። እዚ ኸኣ ሕጻን ዓቢይ ከይፈለየ ኵሎም ምእመናን ብዝደመቐን ልዑል ተሳትፎ ብዘለዎ ኣገባብን ክጾምዎ ኢና እንርኢ። 

ሕጻናት ኸኣ ምስቲ ኣብዚ ጊዜ እዚ ትምህርቲ (ዘመናዊ) ዘይምህላዉ ኣብ ጾም ይኹን ኣብ ቅዳሴ ከምኡውን ካብ ካልእ ጊዜ ብዝተፈለየ ቅዱስ ሥግኡን ክቡር ደሙን ኣብ ምቕባል ዘለዎም ተሳትፎ ልዕል ዝበለ እዩ። እቲ ካልእ ብፍሉይ ኣብ ቀጽሪ ቤተ ክርስቲያን ዝረአ ኸኣ ሕጻናትን ንኣሽቱ ኣወዳትን ኣዋልድን ብመትሓዚ ማይ (ብጃሎን) ካብ በቤቶም ማይ ብምምላእ ኣንጊሆም ናብ ቤተ ክርስቲያን እናዘመሩ ዝኸድዎ ደስ ዘብል ኣገባብ እዩ። እቶም ሕጻናት ኸኣ ጸሎቶም ኣብጺሖም ብካህናት ድኅሪ ምብራኽ በቲ ዘምጽእዎ ማይ ኣብ ዕሙራት ኣግራባትን ከውልታትን ብምዃን ክሕጸቡ ምርኣይ ክሳብ ክንደይ ፍቕሪ ኣዴና ከምዝሰረጾም ዘርእይ እዩ። “ህየንተ አበውኪ ተወልዱ ለኪ ደቂቅ” (ኣብ ክንዲ ኣቦታትኪ ውሉድ ተወሊዶሙልኪ) ዝብል ቃል እግዚአብሔር ዘዘካኽር ኸኣ እዩ። (መዝ ፵፬፥፲፮) 

መንእሰያትን ዲያቆናትን ኸኣ ካብ ካልእ ጊዜ ብዝተፈለየ ማለት ዝያዳ ኣብዚ ጊዜ እዚ ነዊሕ ሰዓታት ክጾሙን ክጽልዩን ክሰግዱን መዓልታዊ ከቕድሱን ብብዝኂ ይረኣዩ እዮም። ኣብ ክንዲ ናይ ኣጽዋማት ምግቢ’ውን ጥረ ምረ እናበልዑን፡ ካብ ዓራቶም ወሪዶም ኣብ መሬት ብምድቃስ ዝጾምዎ’ውን ኣለዉ። ገሊኦም’ውን ኣብ ገዳማት ብምኻድ ነቲ ክልተ ሰሙን ብሱባኤ ከሕልፍዎ ዝምረጹሉ ጊዜ’ውን እዚ ጾም ፍልሰታ እዚ እዩ። ብሓቂ ድማ እዚ ጾም’ዚ ናይ በረኸትን ጸጋን ጾም ምዃኑ ብጋህዲ ዝረኣዩ እዋን ኸኣ እዩ። 

እቶም ዓበይትን ብፍላይ ኸኣ ኣብ ገዳማት ዘሎ ሥርዓተ ጾም ዝምስጥን መናንያንን መነኮሳትን ብሓቂ ምድራውያን መላእኽቲ ኮይኖም ብዝያዳ ዝርከቡሉ እዩ። ጸሎቶም ኣይጋደፈና። 

ምኽንያት በዓል 
ከምቲ ኣቐድም ኣቢሉ ዝተጠቕሰ፡ ሓዋርያት ዝጾምዎ ጾም ኣብ ክልተ ሰሙኑ ይፈጸም ደኣ እምበር ድኅሪ ሥጋኣ ተቐቢሎም ምቕባሮም ትንሣኤኣን ዕርገታን ኣብ ሣልስት እዩ ተፈጺሙ። ስለዚ ኸኣ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ሓዋርያት ንዝጾምዎ ክልተ ሰሙንን ከምኡውን ትንሣኤኣ ክሳብ ዝኾነሉ ዕለት ብጠቕላላ ደሚራ ክጽወም ሥርዓት ሠሪዓ ኣላ። በዚ መሠረት ኸኣ ምእመናን ናይ ሓዋርያት ኣብነት ብምኽታል፡ ካብ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም በረኸት ንምርካብ ዓመት መጸ ብሰላም ብፍቕሪ ክጾምዎ ይርከቡ ኣለዉ። “ሞት ብጥሪ፡ ብነሓሴ ቀብሪ” ከምዝተባህለ ኸኣ ተቐቢራ ኣብ ሣልስታ ማለት ሓዋርያት ሱባኤ ካብ ዝጀመሩሉ ኣብ መበል ፲፮ መዓልቲ ማለት ቅድስት ድንግል ማርያም ዝፈለሰትሉ (ዝዓረገትሉ ) ዕለት ፲፮ ነሓሰ ቤተክርስትያን ዓመት መጸ ብኽብ ዝበለ ክብሪ ተብዕሎ። እዚ በዓል እዚ ኸኣ ሓደ ካብቶም ፴፫ በዓላተ ማርያም እዩ። 

እንታይ ንግበር 
እዚ ንኣትዎ ዘሎና ጾም ኸኣ ኣቦታትና ብዙኅ በረኸትን ጸጋን ዝረኸቡሉ ከም ምዃኑ ንሕናውን ከምኣቶም ክንረብሓሉ ኮይንና ከምቲ ክንጾሞ ዝግበኣናን ዝተኣዘዝናዮን ኮይንና ክንጾሞ ኣሎና። ንድኅሪት ዝጐተናን ዘትረፈናን ከምኡውን ዘሰናኽለና ሥጋዊ ሓሳባትና ንድኅሪት ገዲፍና ምሉእ ሓሳባትና ናብቲ ወሃቢ ኵሉ ጸጋ ዝኾነ እግዚአብሔር ኣእምሮና ክንእክብ፡ ብጸሎትን ሰናይ ተግባራትን ትሩፋትን ክንጽመድ ኣሎና። 

ብንስሓ ነፍስና ሓጺብና፡ ካብ ክፉእ ዘበለ ማለት ካብ ቂምታ ባእስን ክርክርን ክፋእ ወዘይመስሎ ኵሉ ርሒቕና፡ እግዚአብሔር ዝሠመሮ ሰናይ ምግባረ ትሩፋት እናፈጸምና ብምሉእ ልብና ናብ እግዚአብሔር እንተደኣ ተመሊስናን ለሚንናዮን ኵሉ እቲ ዘድልየና ከምዝህበና እሙን ነገር እዩ። እዚ ጊዜ እዚ ፈቓድ ኣምላኽ ንምሥማር፡ ሥጋዊ ሓሳባትና ነውንዝፈሉ፡ ሰማያዊ ስንቂ እንእክበሉ፡ ንዝዓበየ መንፈሳዊ ጸጋ እንጽዕተሉ እዩ። 

ኵልና ኸኣ ኣብዚ እዋን እዚ ብዝተፈላለየ ሽግራት ንዘለዉ ምእመናን ኣኅዋትን ኣኃትን ብጸሎት ክንዝክሮም ይግባእ። እግዚአብሔር ካብ በብዘለዉዎ ሽግርን መከራን ከናግፎምን መስተርኆት ክፍጠረሎምን ናብ እግዚአብሔር ብፍቕሪ ኮይንና ክንልምን ይግባእ። ስለ ነፍስና ጥራይ ዘይኮነስ ስለቶም ኣብ ሽግርን ጸገምን ዘለዎ ምልማን ሓደ ካብቲ መግለጺ ፍቕሪ እግዚአብሔር እዩ። ምኽንያቱ ፍቕረ ቢጽ ዘይብልና ፍቕረ እግዚአብሔር ኣሎና ክንብል ዝከኣል ስለዘይኮነ። ስለዚ ብፍላይ ከኣ ብሰንኪ ስደት ንዝመጽእ ሕማምን መከራን ኣቦታትናን ኣዴትናን፡ ኣኅዋትናን ኣኃትናን ናይ ነፍስ ወከፍና መከራ ምዃኑ ፈሊጥናን፤ ኣብ ውሽጥና ካብ ልብና ተሰሚዑና ክንልምን ይግባእ። እቲ ቅዱስ ቃል’ውን ከምዚ ይብል። “ነቲ ዝረኣዮ ሓዉ ዘየፍቅሮስ፡ ነቲ ዘይረኣዮ ኣምላኽ ኬፍቅሮ ኣይከኣሎን እዩ እሞ፡ ንሓዉ እናጸልኦስ፡ ንኣምላኽ ኤፍቅሮ እየ፡ ዚብል እንተሎ፡ ንሱ ሓሳዊ እዩ።” (ቀዳማይ ዮሓ ፬፥፳) 

ስለ ኣብ ቡዙኅ ማዕበላዊ ፈተና ትናወጽን፡ ትገማጠልን ዘላ ኣማናዊት ሐመርና ቅድስት ቤተ ክርስቲያንን መራሕታን ኸኣ ጸሎት ምቕራብ ካብ ዝግባእሉ እዋን ኸኣ እቲ ዝበለጸ እዚ ጾም ፍልሰታ እዚ እዩ። መርከብና እናተሰብረትን ማይ እናኣተዋን ኣብ ውሽጣ ከሎና ከምዘይምልከተና ኮይንና ንርከብ እንተደኣ ኣሎና፡ ኣብ ፍጹም ዕሽነት ወዲቕና ከምዘሎና ክንስሕቶ ዘይብልና ሓቂ እዩ። መን ኣሎ መርከቡ ኣብ ማእከል ባሕሪ ነፋሳት እናገማጠላ ማዕበላ እናነወጻ ‘ንዓይ ኣይምልከተንን’ ኢሉ ትም ዝብል? መን ኣሎ ‘ጠፋእና’ ኢሉ ናብ ኣምላኹ ዘይልምን? ስለዚ ብሓቂ ቅድሚ ኵልና ሓመርና ንፍለጣ፤ ስለ ሓመርና ኸኣ ንጸልይን ንትጋህን። 

ብዙኅ ክንጽልዮ ዝግባእና ነገር’ውን ከምዘሎ ኣብ ልቢ ነፍስ ወከፍና ዘሎ ነገር ኸኣ እዩ። እግዚአብሔር ከኣ ክሰምዓና ከምቲ ንሱ ዝፈትዎ ኮይንና ክንርከብ ኵልና ብመንፈሳዊ ገድሊ ንጽናዕ። ፍጹም እንእመና እንተደኣ ኮይንና ከኣ ኣዴና ወትሩ ብቃል ኪዳና ምሳና እያ። ደቃ ስለዝኾንና ኸኣ ኣይትገድፈናን እያ። ናብ ፍቁር ወዳ ትልምነልና ኸኣ እያ። ኣብቲ ሓቀኛ መንገድን ሕይወትን ጸኒዕናን እንተደኣ ተመላሊስናን ኸኣ ጸሎታን አስተበቍዖታን ኣብ ቅድሚ አምላኽ ወትሩ ተሰማዒ እዩ እሞ ስለቲ ዝግበረልና ነገር ደስ ክብለና እዩ። 

በሉ ከም ፈቓዱ ኵልና ብልቢ ከምቲ እግዚአብሔር ዝፈትዎ ገይርና ንጹም። ጾምና ኣብ ቅድሚኡ ውኩፍ ይግበረልና። 

በረኸትን ረድኤትን ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ምስ ሃገናን ሕዝብናን ይኹን። 

                                                ስብሐት ለእግዚአብሔር ወለወላዲቱ ድንግል ወለመስቀሉ ክቡር።

Advertisements

Leave a Reply

Fill in your details below or click an icon to log in:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out / Change )

Twitter picture

You are commenting using your Twitter account. Log Out / Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out / Change )

Google+ photo

You are commenting using your Google+ account. Log Out / Change )

Connecting to %s