ልቢ ኣምላክ ዳዊት

በስመኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን!

፳፫/23 ታሕሳስ ዕረፍቱ ለዳዊት ንጉስ እስራኤል

    ዳዊት ማለት ሑሩይ ማለት እዩ። “ወኣልዐልኩ ሑሩይየ እምሕዝብየ” ከም ዝብል (መዝ 89፡19)። ኣንድም ልቢ ኣምላኽ ማለት እዩ “ረከብክዎ ለዳዊት ወልደ እሰይ ብእሴ ምእመነ ዘከመ ልብየ” ተባሂሉ ተነጊሩሉ እዩ (ግ.ሓ 13፡22)።  ትውልዱ ካብ ነገደ ይሁዳ እዩ። ኣቡኡ እሰይ ኣዲኡ ድማ ሁብሊ ይበሃሉ። ሁብሊ ኣዝያ ምልክዕልቲ ሰበይቲ ነበረት እሞ ኣብ ጎረቤቶም ዝነበረ ሓደ መንእሰይ መልክዓ ርእዩ ንዝሙት ይብህጋ ነበረ። እሰይ ድማ ናታ ፍቃድ’ውን ከምኡ ምዃኑ ፈሊጡ፡ ናብ ርሑቕ መንገዲ ክኸይድ እየ ኢሉ ስንቁ ሒዙ ወጸ፡ ዝኸደ መሲሉ ድማ ኣብቲ ከባቢ ውዒሉ ክመሲ ኸሎ ብልብሱ ተሸፋፊኑ ድምጹ ቀይሩ ነቲ ጎረቤት መሲሉ ኣትዩ ምስኣ ሓዲሩ ምድሪ ከይወግሐ ወጺኡ ከደ። ዳዊት ድማ በዚ ዕለት’ዚ ተጠንሰ። “እስመ ናሁ በኃጢኣት ተጸነኩ ወበዓመጻ ወለደትኒ እምየ” (መዝ 51:5) ዝበለ ድም ስለዚ እዩ። ተወሊዱ ምስ ደልደለ ኣባጊዕ ኣቡኡ እናጓሰየ ዓበየ። “ወእርኢ ኣባግዐ ኣቡየ” ከም ዝበለ። ንጉስ ሳኦል ካብ ፍቃድ ጎይታ ድሕር ምውጽኡ ጎይታ ድማ “ኢይጠፍዕ ምልክና ወምስፍና እም ኣባሉ ለይሁዳ” (ዘፍ 49፡10) ተባሂሉ ዝተነገረ ቃል ንምፍጻም ነቢይ ሳሙኤል  ዳዊት ቅብዐ መንግስት ከም ዝቐብኦ ገበረ (1  ሳሙ 16፡1-13)። ካብዚ ንደሓር ብረድኤት እግዚኣብሔር ነቲ ዘይግዙር ፍልስጤማዊ ጎልያድ ብሓንቲ ጸጸር ቀተሎ። ኣብ ውግእ ስዒሩ ክምለስ ከሎ ድማ እተን ኣንስቲ እስራኤል “ሳኦል ሽሕ ቀተለ ዳዊት ግና እልፊ ቐተለ” ኢለን እና ደረፋ ተቀበልኦም። ሳኦል ድማ በዚ ቅንኣት ሓደሮ። ኣቐዲሙ ምሒሉሉ ስለዝነበረ ግን ሜልኮል ጓሉ  ሰበይቲ ክትኮኖ ሃቦ።

      ሓደ መዓልቲ ክቐትልዎ ኢሎም ክመኽሩ ከለዉ ሜልኮል ሰሚዓ ኪድ ህደም በለቶ።  ሽዱሽተ ሚእቲ ሰራዊት ሒዙ ድማ ናብ ሓቅሊዚፋን ዝበሃል ቦታ ኣተወ። ሳኦል ድማ ሰለስተ ሽሕ ሰራዊት ኣኸቲሉ ሰዓቦ። ካብ ሰራዊቱ ተፈልዩ ድማ ደገ ክወጽእ ኣብቲ በዓል ዳዊት ዝነበርሉ በዓቲ ኣተወ። ጸልማት ስለዝነበረ ድማ ሰብ ምንባሩን ዘይምንባሩን ኣይፈለጠን። ኣቢሳ ድማ ንዳዊት ንጸላኢኻ ኣብ ኢድካ ኣሕሊፉ ሂቡካሎ’ሞ ክቐትሎ በሎ። ግደፍ ኦሪት “ኢታውርድ እዴከ ላዕለ መሲሑ ለእግዚኣብሔር” ኣይኮነትን ድያ ትብል በሎ። ንሱ ግን ከይዱ ጫፍ ክዳን ሳኦል ቆሪጹ ሓዘ። ሳኦል ካብቲ ብዓቲ ተንሲኡ ከደ። ድሕሪዚ ዳዊት ተንሲኡ ካብቲ በዓቲ ወጸ እሞ “ኦ ጎይታይ ንጉስ” ኢሉ ንሳኦል ጸውዖ “ስለምንታይ’ከ ዘረባ እቶም እንሆ ዳዊት ክቐትለካ እዩ ዝደሊ ዝብሉኻ ሰባት እትሰምዕ። እንሆ ሎሚ እግዚኣብሔር ኣብ በዓቲ ክቐትለካ ኣብ ኢደይ ኣሕሊፉ ሂቡኒ ነበረ፡ ነገር ግን ኣነ ከምኡ ኣይገበርኩን። ርአ እወ እቲ ጫፍ ክዳንካ ክቆርጽ ከለኹ ንኣኻ ብዘይ ምቕታለይ ክፍኣት ኮነ በደል ከም ዘይብለይ ፍለጥን ርአን” በሎ። ሳኦል ድማ “ዳዊት ወልድየ ቃልከ ማህዘኒ፥ ዳዊት ወደይ እዚ ቃልካ ድዩ ኢሉ ዓው ኢሉ በኸየ። ምስ ነገሰ ብድሕሪኡ ንደቁ ምእንቲ ክርህርሃሎምን ከየጽንቶምን ቃል ኣእትዩ ናብ ቤት መንግስቱ ተመልሰ። ዳዊት ግና በረኻ እናተዘዋወረ ጸንሐ።

   ዳዊት ኣብ ምድረ በዳ (ኣብ ሓቅለ- ፋራን) ከሎ ሓደ ናባል ዝበሃል ኣቢጋይል እትብሃል ሰበይቲ ዝነበረቶ በዓል ጸጋ ኣብ ቀርሜሎስ ነበረ እሞ፡ ዳዊት ድማ ዓሰርተ ኣጉባዝ ልኢኹ በጃኻ ኣብ ኢድካ ዝተረኽበ ንገላውኻን ንወድኻ ዳዊትን ሃቦም ኢሉ ለኣኸሉ። ንሱ ድማ ዳዊት መን እዩ ወዲ እሰይከ  መን አዩ ኪዱ ኣይህበኩምን እየ ኢሉ ጥራይ ኢዶም ሰጎጎም።  ዳዊት ነዚ ምስ ሰምዐ ተቆጢዑ ከጥፍኦ ተበገሰ። ስለዚ ኣቢጋይል ነዚ ስማዓ ቀልጢፍ ክልተ ሚእቲ እንጌራን ክልተ ሓርቢ ወይንን፡ ሓሙሽተ ብሱላት ኣባጊዕን ሓሙሽተ መስፈር ጥቡስ ሰዊትን ሚእቲ ጎጎ ዘቢብን ክልተ ሚእቲ ጎጎ በለስን፡ ወሲዳ ኣብ ኣእዱግ ኣጽዒና ተበገሰት። ዳዊት ድማ ኣብ መንገዲ ረኸባ እሞ ንሰብኣይኪ’ዶ ከተድሕንዮ መጺእኪ ኢሉ ነቲ ዘምጽኣቶ ኩሉ ተቐቢሉ ብሰላም ኣፋነዋ።

ናባል ብመስተ ተሓጊሱ ሰኺሩ ስለዝነበረ ስለዚ ክሳብ ንጽባሒቱ ገለ’ኳ ኣይተዛረበቶን። ንጽባሒቱ ናባል ስኽራኑ ምስወጸሉ “ትማሊ ዳዊት ክቐትለካ ኢሉ መጺኡ ነይሩ” ኢላ ነገረቶ። ዳዊት፧ ኢሉ ድማ ፈርሐ። ልቡ ጠለሞ ከም እምኒ’ውን ኮነ። ድሕሪ 10 መዓልቲ ከኣ መልኣኽ ቀዘፎ። ንኣቢጋይል ድማ ሓዘና ምስ ወድአት ዳዊት ሰበይቱ ገበራ (1 ሳሙ 25)።

ፍልስጥኤማውያን ድማ ንሳኦል ተዋግእዎ። ካብ ጸላእቱ ሓደ ድማ ቀስቱ ወርዊሩ ወግኦ ንሳኦል ድማ ከም ሓዊ ስለ ዘቃጸሎ ንሓደ ነቲ ኣጽኒዑ ዝስከሞ እዞም ዘይግዙራት መጾኦም ወጊኦም ከየላጉጽለይሲ ሰይፍኻ መሺትካ ብእኡ ቕተለኒ በሎ። እቲ ተሸካም ኣጽዋር ግና እምብዛ ፈሪሑ ባርያኻስ ምሳኻ ድኣ ይመውት እምበር ኣይቀትለካን ኢሉ ኣበዮ። ሳኦል ድማ ኣብ ልዕሊ ሴፉ ወዲቁ ሞተ። ካልኦት’ውን ንዕዑ ርእዮም ብገዛእ ሰይፎም ተወጊኦም ሞቱ። ዳዊት ናቱን ናይ ወዱ ዮናታንን ሞት ምስ ሰምዐ ሓዘነ። ግጥሚ ብምግጣም ድማ ኣልቀሰሉ።

ድሕሪ ሞት ሳኦል ዳዊት መንግስቲ ኣጽኒዑ ኣብ እምባ ጽዮን ተቐመጠ።ንታቦት ጽዮን ድማ ብዕልልታን ብዓቢይ ክብርን ናብ ከተማኡ ኣእተዋ። ጓል ሳኦል ሚልኮል ዳዊት ኣብ ቅድሚ ታቦት ኣምላኽ ክዝምር ርእያ ብልባ ንዓቀቶ። ዳዊት ንቤቱ ክርኢ ምስ ተመልሰ ሚልኮል ንዳዊት ክትቅበሎ ወጺኣ ንጉስ እስራኤል ሎሚ ክንደይ ከበርካ ከንቱ ብዝኾነ ሰብ ሰብነቱ ከም ዝቐልዕ፡ ኣብ ቅድሚ ኣግራድካን ሸማምንትኻን ተቐላዕካ ኢላ ኣባጫወትሉ። በዚ እናሓዘነላ ድማ መኻን ኮይና ሞተት። “ኢወልደት ሚልኮል እስከ ኣመ ሞተት” ከም ዝብል (2 ሳሙ 6፡23)።

ኣብቲ ዘመነቲ ዝነበረ ነቢይ፡ ነቢይ ናታን እዩ። ነቢይ ናታን ናብ ዳዊት ኣብ ዝኸደሉ እዋን ንዳዊት ሓዚኑ ርኣዮ። እንታይ ኮንካ ትሓዝን ኣለኻ፧ ድማ በሎ፡ “እንሆ ኣነ ኣብ ብጽሕዲ ዝተሰርሐ ቤት እነብር ኣለኹ ታቦት ኣምላኽ ግና ብዓለባ ኣብ ዝተሰርሐ ድንኳን ተቐሚጡ ከሎ ከመይ ዘይሓዝን፧” በሎ እግዚኣብሔር ድማ ብነቢይ ናታን ገይሩ ንዳዊት ከምዚ በሎ “ንኹሎም ጸላእትኻ ኣብ ቅድሜኻ ኣጽነትክዎም፡ ንስምካ ድማ ዓቢ ክገብሮ እየ” በሎ ዳዊትን ናታንን ድማ ሱባኤ ኣተዉ። ብድሕሪዚ ናይ ቤተ መቕደስ ነገር ንነቢይ ናታን ተገልጸሉ “ኣኮ ኣንተ ዘትነደቅ ሊተ ቤተ ኣላ ወልድከ ዘወጽኣ እምሓቄከ ውእቱ ይነደቅ ሊተ ቤት በስምየ” “መዓልትታትካ ምስ ኣኸለ ምስ ኣቦታትካ ምስ ተቐበርካ ብድሕረኻ ሓደ ካብ ደቅኻ ልዕል ከብሎ እየ ነታ መንግስቱ’ውን ከጽንዓ እየ። ንሱ ንስመይ ቤት ክሰርሕ እዩ። ኣነ ኸኣ ዝፋን መንግስቱ ንዘለኣለም ከጽንዓሉ እየ በሎ” በሎ (2 ሳሙ 7፡1-17)። ንዳዊት ግና ነገር ስጋዌ ተገሊጽሉ እሞ “ናሁ ስማዕናሁ ብኤፍራታ” በለ (መዝ 132፡6)።

እዮኣብን ኣቢሳን ታቦት ጽዮን ሒዞም ሰራዊት ኣኸቲሎም ናብ ራባ ከዱ። ዳዊት ግና ኣብ ከተማ ተሪፉ ነበረ። ሓደ መዓልቲ ድማ ዳዊት ካብ ምድቃሱ ተንሲኡ ናብ ናሕሲ ቤት ንጉስ ክመላለስ ከሎ ንበርሳቤህ ኣብ ወጻኢ ኣጸደ ወይኒ ሰውነታ ክትሕጸብ ከላ ረኣያ’ሞ ፍቅሪ ዝሙት ሓደሮ። ሰይቲ መን እያ ድማ በለ። ሰይቲ ኦርዮ ድማ በልዎ። ኦርዮ ናብ ውትህድርና ከይዱ ስለ ዝነበረ “ኢትሑር ብእሲተ ብእሲ”(ዘጸ 20፡14-17) ንዝብል ቃል ጥሒሱ ምስኣ ደቀሰ፡ ንሳ ድማ ጠነሰት። እዚ ጥንሲ ከካፍኣኒ እዩ ኢሉ ድማ ንኣርዮ ኣጸዊዑ ኣምጸኦ ብዛዕባቲ ውግእ ድሕሪ ምሕታቱ ናብ ቤትካ ኪድ በሎ። ንሱ ግና ምስ ኩሎም ገላዉ ጎይትኡ ኣብ ኣፍ ቤት ንጉስ ደቂሱ ሓደረ። ኣይመጸን ኢላ ድማ ለኣኸትሉ። ንሱ ድማ ዘስክር መስተ ኣስተዮ ናብ ቤትካ እቶ በሎ። ኦርዮ ግን “ደቂ እስራኤልን ደቂ ይሁዳን ኣብ ውግእ ኣለዉ፡ ታቦት ኪዳን ኣብኡ ከላ፡ ጎይታይ እዮኣብን ገላው ጎይታይን ድማ ኣብ ጻሕጻሕ መሮር ሰፊሮም ኣለዉ። ሕጂ’ዶ ኣነ ክበልዕን ክሰትን ምስ ሰበይተይ ክድቅስን እየ፧” ኢሉ ናብ ቤተይ ኣይቱን፡ ነዚ ነገር እዚ ኣይገብሮን” ኢሉ ኣበዮ። ንሱ ድማ “ቅድመ ኣብእዎ ለኣርዮ ወስተ ዐቢይ ቀትል ወበህየ ይሙት” ንኣርዮ ናብቲ ብርቱዕ ውግእ ኣብ ቀዳማይ ሰልፊ ኣእትውዎ ተወጊኡ ምእንቲ ክመውት ከኣ ሓዲግኩሞ ተመለሱ ዝብል ጽሑፍ ጽሒፉ ሓቲሙ ንእዮኣብ ሃቦ በሎ። ኦርዮ ድማ የዋህ ስለ ዝነበረ ናይ ሞቱ ደብዳቤ ሒዙ ብምኻድ ንእዮኣብ ሃቦ። እዮኣብ ድማ ከምቲ ዝተኣዘዞ ንኦርዮ ኣብ ቅድሚት ኣሰለፎ።

 እቲ ኲናት ምስ በርትዐ ተጸዋዊዖም ንድሕሪት ሃደሙ። ኦርዮ ድማ ምልስ ኢሉ “ምንተ ከንክሙ ኣእላፍ እስራኤል/ እንታይ ኮንኩም፧” ክብል ከሎ ጸላእቱ መጺኦም ወጊኦም ቐተልዎ። ጎይታ ድማ ነዚ ንነቢይ ናታን ገለጸሉ። ናታን ድማ ክሊ ለቢሱ ክቢ ጠምጢሙ ኲናት ሒዙ ከደ፡ ዳዊት ድማ ነቢይ እግዚኣብሔር ኣመጻጽኣኻ ድኣ ናይ ድሓን ድዩ፧ በሎ። ናታን ድማ “ዝነግረካ ኣሎኒ” በሎ። ተዛረብ ድማ በሎ። ሓደ ሚእቲ ኣባጊዕ ዝነበርኦ ሰብኣይ ነበረ ብዘይካ ሓንቲ በጊዕ ካልእ ዘይነበሮ ድማ ጎረቤት ነበሮ። ናብ ነዊሕ መንገዲ ክኸይድ ከሎ ድማ ብሓደራ ሂብዎ ከደ። እቲ ሃብታም ሰብ ግና ጋሻ ምስ መጾ ሚእቲ ኣባጊዑ ኣቐሚጡ ነታ ናይቲ ድኻ ሓንቲ በጊዕ ሓሪዱ ነቲ ጋሻ መግቢ ኣዳለወሉ። ንዕኡ ድማ ንሰብ ከይነግረለይ ኢሉ ቐተሎ። በዚ ድማ እግዚኣብሔር ሓዚኑ ኣሎ በሎ። ዳዊት ድማ ነዚ ዝገብር ሰብኣይ ኣብ ከተማይ እንድሕር ኣሎ ሞት ከም ዝግብኦ ብሕያው እግዚኣብሔር እምሕል ኣለኹ በለ። “ኦ ንጉስ ፈታሕከ በርእስከ ኣኮኑ ኣንተ ገባሪሁ ለዘኩሉ/ነዚ ኩሉ ዝገበርካ ንስኻ ኢኻኣብ ገዛእ ርእስኻ ድማ ፈረድካ፡ በዓል ጸጋ ዝተበሃልካ ንስኻ ኢኻ፡ እቲ ድኻ ዝተባህለ ድማ ኦርዮ እዩ። ሚእቲ ኣባጊዕ ዝተባህሉ ድማ ዓሰርተ ትእዛዛት እዮም ሓንቲ በጊዕ ዝተባህለት በርሳቤህ እያ። ጋሻ ዝተባህለ ፈቓደ ስጋ እዩ። ፈቓደ ስጋ ምስ ተለዓዓለካ ነቲ ዓሰርተ ትእዛዛት ኣቐሚጥካ ምስ ቤርሳቤህ ደቀስካ ንኦርዮ ኣቕቲልካ በዚ ድማ እግዚኣብሔር ሓዚኑ” ኣሎ በሎ። ክውዕል ክሓድር ከይበለ ሽዑ ንሽዑ ጉድጓድ ኩዒቱ ማቕ ለቢሱ ሱባኤ ኣተወ።

እግዚኣብሔር ድማ ካብ ቅድም ዝመረጾ ስለዝኾነ ንጾሎቱ ሰሚዑ። ነቢይ ናታን ድማ መጺኡ”ብነፍስኻ ምሒረካ ኣለኹ ኢሉካ፡ ንስጋኻ ግና  ሓጢኣት ብዘይፍዳ ስለዘይነጽህ ንሰለስተ ወርሒ ወድኻ መንግስትኻ ክወስዳ እዩ” በሎ። ንሱ ድማ “እዚ ከም ዝኸውን ብኸመይ ክፈልጥ እየ”በለ። እቲ ዝውለድ ህጻን ክመውት እዩ ብምባል መለሰሉ። ንዓኣ ግና ኣእትዋ ወዲ ክትወልደልካ እያ። ስሙ ድማ ሰሎሞን ክትብሎ ኢኻ በሎ። በዚ ከኣ ለይትን መዓልትን ብብዝሒ ሓዘን ይበክን ይነብዕን ነበረ። ብድሕርዚ እቲ ህጻን ተወለደ እሞ ሓመመ። ዳዊት ድማ ምእንቲ እቲ ቆልዓ ናብ ኣምላኽ “ንዓይ ብነፍሰይ ከም ዝመሓርካኒ ነዚ ህጻን’ውን ማሓሮ” ኢሉ ማቕ ለቢሱ ሓመድ ኣብ ርእሱ ነስኒሱ ክበኪ ጀመረ። እቲ ህጻን ግና ሞተ። እቲ ሕጻን ምስ ሞተ፡ ዳዊት ካብ ምድሪ ተንሲኡ ተሓጽበ፡ ልብሰ መንግስቱ’ውን ተኸደነ። ናብ ቤት እግዚኣብሔር ኣትዩ ኸኣ ሰገደ። ናብ ቤት መንግስቱ መጺኡ’ውን ዝብላዕ ኣዘዘ። ምስ ኣቕረበሉ ድማ በልዐ። ሽዑ እቶም ገላውኡ “እዚ ትገብሮ ዘለኻ ነገር እንታይ እዩ። እቲ ህጻን ብህይወቱ ከሎ ምእንትኡ ጾምካን በኸኻን እቲ ህጻን ምስ ሞተ ግና ተንሲእካ እንጌራ በላዕካ” በልዎ። “ይገብዕኑ ማይ ዳህረ ተክዕወ/ ማይ ምስ ፈሰሰ ኣይሕፈስን እዩ ደጊም’ዶ ክምልሶ ይከኣለኒ እዩ፧ ንሕና ኢና ናብኡ ንኸይድ እምበር ንሱ ናባና ኣይምለስን እዩ በሎም።

ጎይታ ዝተዛረቦ ዘረባ ከይተፈጸመ ስለ ዘይተርፍ ፍድኡ ክቕበል ሰይጣን ኣብ በኩሪ ወዱ ኣብ ኣምኖን ፍቅሪ ሓፍቱ ትእማር ከም ዝሓድር ገበረ። ኣሚናዳብ ዝበሃል ወዲ ሓወብኡ ንኣምኖን ሰብነቱ ዓቢሩ፡ ገጹ ተበላሽዩ ምስረኣዮ “ምንት ያደንግጸከ እንዘ ወልደ ንጉስ ኣንተ” ወዲ ንጉስ ክንስኻስ እንታይ ኮንካ ኢኻ ንገረኒ እስከ በሎ። ኣኮኑ ኣፍቀርኩ ለትእማር ኣህትየ። ፈሪሐ እየ እምበር ንትእማር ሓብተይ እየ ኣፍቂረ በሎ። ንሱ ድማ ሓሚመ ኢልካ ኣብ ዓራትካ ደቅስ፡ ኣቦኻ ክርእየካ ኢሉ ምስ መጸ ኸኣ በጃኻ ሓብተይ ትእማር እንጌራ ክትህበኒ ትምጻእ ነቲ ብልዒ ድማ ምእንቲ ክርእዮስ ኣብ ቅድሚ ዓይነይ ከተዳልዎ ባዕላ ኸኣ ከተብልዓኒ ኢልካ ንገሮ በሎ። ንሱ ድማ ክእዝዘልካ እዩ በሎ። ከምቲ ዘማኸሮ ድማ ሓሚመ ኣለኹ ኢሉ ደቀሰ። ዳዊት ድማ ክሓቶ ኢሉ መጸ ብላዕ በሎ። ኣምኖን ድማ ንንጉስ ብኢድ ሓብተይ ትእማር እንተ ዝኸውንሲ ክልተ ሰለስተ ዝኸውን ኩላሶ እኳ ምበላዕኩ ነይረ በሎ። ዳዊት ድማ ሓፍትኻ ድኣ ነዚ ዘይትኸውን ድያ ብምባል ኣጸዊዑ ከም እተዳልወሉ ነገራ። ንሳ ድማ ኣዳልያ ኣቕረበትሉ። ንሱ ድማ ሓፍተይ ንዓኺ ኢለ እየ እምበር መዓስ እኽሊ ዝቅርበለይ ስኢነ ኮይነ ኢሉ ሓዛ።ትእማር ድማ ኦ ኦሁየ ኢትግበሮ ለዝ” ኣይፋልካን ሓወይ ኣይተነውረኒ ከምዚ ዝበለ ኣብ እስራኤል ኣይግበርን እዩ እሞ ንዓይ ዝተናዓቅኩን፡ ዝተጻላእኩን ክትገብረኒ ኢኻ ንስኻ ድማ ካብቶም ሕማቓት ሓደ ክትቁጸር ኢኻ በለቶ። ብግዴታ ድማ ኣነወራ። “ወዓብየ ጽልዕ እንተ ጸልዓ ድህረ እምቀዳሚ ፍቅር ዘኣፍቀራ” ይብል ድሕሪ’ዚ ኣምኖን ኣዝዩ ጸልኣ እኳ ድኣ ካብቲ ዘፍቀራ ንላዕሊ ኣዝዩ ጸልኣ። ኪዲ ውጽለይ ድማ በላ። “ዛቲ ዳህሪታ ተኣኪ እምቀዳሚታ/ ንሳ ኸኣ ኣይፋልካን ንዓይ ብምስዳድካ ካብቲ ቅድም ዝገበርካኒ ክፉእ ኣዝዩ ክገድድ እዩ በለቶ። ንሱ ግና ክሰምዓ ኣይፈተወን። ነቲ ዘገልግሎ ግሊኡ ጸዊዑ ድማ በጃኻ ነዚኣ ካባይ ንግዳም ኣውጽኣለይ ነቲ ማዕጾ ኸኣ ዕጸዎ በሎ። ትእማር ድማ ነቲ ለቢሳቶ ዝነበርት ሕብራዊ ወለል ዝብል ክዳና ቀዲዳ ሓሙኽሽቲ ኣብ ርእሳ ነስነሰት ኢዳ ኣብ ርእሳ ጌራ እና ኣእወየት ክትከይድ ከላ ሓዋ ኣቤሴሎም ረኸባ። ንሱ ድማ ኣምኖን ምኻኑ ፈሊጡ ሕጂ ግና ሓፍተይ ንሱ ሓውኺ እዩ ስቕ በሊ ኢሉ ኣጸናኒዑ ዳዊት ኣብ ከተማ ኣብ ዝሰርሖ ቤት ስለ ዝነበረ ኣብኡ ከም እትቕመጥ ገበረ።

ድሕሪ ክልተ ዓመት ኣቤሴሎም ዓቢይ ድግስ ገይሩ ንዳዊት ጸውዖ። ዳዊት ግና ኣቐዲምካ እንተ ትነግረኒ ጽቡቕ ነይሩ በሎ። ሕጂ ግና ኣነ ክመጽእ ከለኹ መኳንንትን መሳፍንትን ወይዘራዝር ስለ ዝመጻ ምሳይ ክንበዝሓካ ኢና በሎ።እንተ’ደኣ ደይከውን ኮይኑስ እንበኣር በጃኻ ዓቢ ሓወይ ኣምኖን ይምጻኣኒ በሎ። ሽዑ ኣምኖን በሊዑ ምስ ጸገበን ምስ ሰኸረን ኣቤሴሎም ነቶም ኣገልገልቱ ኣዚዙ ኣቕተሎ፡ ንሱ ድማ ናብ ናይ ኣዲኡ ዓዲ ናብ ጌድሰር ሃደመ። ዳዊት ድማ ንወዱ ኣምኖን በኸየሉ። ድሕሪ ክልተ ዓመት ድማ ንኣምኖን እናረስዖ ንኣቤሴሎም ክናፍቆ ጀመረ። እዮኣብ ድማ ነዚ ፈሊጡ ሓንቲ ቴቁሄያዊት ሰበይቲ ልኢኹ ነቲ ዕርቁ ወዲኡ ኣተዓረቆም።

ኣቤሴሎም ምስ ኣቡኡ ድሕሪ ምትዕራቁ ሰረገላን ኣፍራስን ገበረ ቀቅድሚኡ ዝጎዩ ሓምሳ ዓጀብቲ ድማ ገበረ። ነፍሲ ወከፍ ባእሲ ዝገብር ወይ ዝፍረድ ነገር ዘለዎ ሰብ ናባይ እንተ ዝመጽእ ሓቂ ምፈረድኩሉ ነይረ። ኣብዚ ሃገር እሞ መን ፈራዲ ይገብረኒ ይብል ነበረ። ብድሕሪ’ዚ ንኹለን ነገዳት እስራኤል ሰባት ብምስጢር ልኢኹ ድማ የመልክት ምስ ሰማዕኩም ኣቤሴሎም ኣብ ኬብሮን ነገሱ በሉ በሎም። ምስ ኣቢሶሎም ድማ ክልተ ሚእቲ ዕዱማት ሰባት ካብ ኢየሩሳሌም ከዱ።

  ዳዊት ድማ ነዚ ሰሚዑ “ንዑ ንጉየይ እምኢየሩሳሌም/ ካብ ኢየሩሳሌም ንህደም” በሎም። ኢዮኣብን ኣቢሳን ግና ክንዋጋእ ኢና በሉ። ጎይታ ንንግስነትካ ወድኻ ክወስዳ እዩ፡ ክዋጋእ እየ ከይትበል ኢሉኒ እዩ እሞ ኣይከውንን እዩ ኢሉ ተራ ልብሲ ለቢሱ ተራ ጫማ ገይሩ ካብታ ከተማ ወጺኡ ሰለስተ ወርሒ ኣብ ጫካ እና ሓዘነ ተቐመጠ። ድሕሪ ሰለስተ ወርሒ ግና ኣቤሴሎም ኣብ ውግእ ሞተ። ዳዊት ናብ ቤት መንግስቱ ክምለስ ከሎ እቶም ዓሰርተ ዕቑባቱ ንጓሉ ኣርኪሶማ ጸንሕዎ፡ ክሳብ ፍጻሜ ዘመኑ ድማ ኣይረኸቦምን። ብድሕሪ እዚ ብዙሕ ግዜ  ጸኒሑ “እስመ እምፍሬ ከርስከ ኣነብር ዲበ መንበርከ” ዝበሎ ቃል ተፈጸመ። ሰለሙን ኣብ ዝፋን ኣብኡ ተቐመጠ። ዳዊት ድማ ኣብ ኣርባዓ ዓመት ንግስነቱ ሞተ (1 ነገ 2፡12-14)።

በረኸትን ጸጋን ናይቲ ከም ልበይ ዝተባህለ ቅዱስ ዳዊት ምስኩላይና ህዝበ ክርስቲያን ይኹን ኣሜን!

ስብሃት ለእግዚኣብሔር

ወለወላዲቱ ድንግል

ወለመስቀሉ ክቡር

   ኣሜን!

 

Advertisements

Leave a Reply

Fill in your details below or click an icon to log in:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out / Change )

Twitter picture

You are commenting using your Twitter account. Log Out / Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out / Change )

Google+ photo

You are commenting using your Google+ account. Log Out / Change )

Connecting to %s