በስመኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን!!

            ጳጒሜን 3/፫ በዓሉ ለቅዱስ ሩፋኤል ሊቀ መላእክት

    ቅዱሳን መላእኽቲ ብቅዱስ እግዚኣብሔር ዝተፈጥሩ ንብዙሕ ዝዓይነቱ ኣገልግሎት ዝለኣኹ ፍጥረታት ኢዮም።ልቢ ኣምላኽ ቅዱስ ዳዊት ” መልኣኽ እግዚኣብሔር ኣብ ዙርያ እቶም ዝፈርህዎ ይሰፍር ካብ ድንገት ካኣ ያናግፎም”(መዝ፴፬፡፯/34፡7) ከም ዝበለ ኩሉ ግዜ እግዚኣብሔር ከም ዝፈቐደሎምን ስልጣን ከም ዝሃቦምን መጠን ንምሕጋዝና ንምድጋፍና ንምጽንናዕና ብትግሃት ዝዓዩ እዮም።ብኣንጻሩ እውን ነቶም ካብ ሕጊ ኣምላኽ ወጺኦም ንኣምላኽ ምእዛዝ ንዝኣብዩ ሰባት ዝቐጽዑ ሓያላን  ምዃኖም ምግንዛብ ይግብኣና።

ቅዱሳን መላእኽቲ ብተፈጥረኦም ረቀቕቲ መናፍስቲ ስለ ዝኾኑ ስጋን ዓጽምን የብሎምን። ሓንሳብ ምስ ተፈጥሩ ኣይውሰኹን ኣይጎድሉን፣ኣይዋሰቡን ፣ኣይፈርዩን፣ኣይሓሙን ፣ኣይሞቱን፣ኣይደኸሙን፣ኣይጠምዩን፣ኣይጸምኡን።እዚ’ውን መጽሓፍ ቅዱስ ብዘረድኣና መሰረት’ዩ።ሰዱቓውያን ንጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብዛዕባ እታ ሸውዓተ ኣሕዋት ዘእተወት፣ ኩሎም ምስ ሞቱ ከኣ ንሳ ኣብ መጭረሽታ ዝሞተት ሰበይቲ፣ ኣብ መጨረሽታ ኣብ ግዜ ትንሳኤ ምውታን ናይ መን ሰበይቲ ክትከውን ኢያ ኢሎም ኣብ ዘሓተትዎ ግዜ ከምዚ እናበለ መለሰሎም “ ኣብ ግዜ ትንሳኤ ኣብ ሰማያት ከም መላእኽቲ ኣምላኽ ኢዮም እምበር ፣ ኣይምርዓዉን” (ማቴ ፳፪፡፳፫-፴/22፣23-30) እዚ ከኣ ቅዱሳን መላእኽቲ ከም ሰብ ናይ መውስቦ ስርዓት ከምዘይብሎም ዘብርህ ኢዩ (ሉቃስ ፳፬፡፴፱/24፣39 ዕብ ፩፡፲፬/1፣14)።

ስለዚ ቅዱሳን መላእኽቲ ኩሉ ግዜ ብዘይ ድኻም ብዘይ ምስልካይ ንዝፈጠሮም ቅዱስ እግዚኣብሔር ዘመስግኑ ንዓና ንደቂ ኣዳም ኣብ ሂወትና ዓቢ ተራ ዘለዎምን ኢዮም።ብዛዕባ እቲ ዓቢ ድሕነት ናይ ኣምላኽና ናይ እግዚኣብሔር ዘበሰሩ(ሉቃ፩፡፳፮/1፡26) ሓጎስ ምድሓኑ ዝኣወጁ ብድሕነትና ባህ ኢልዎም ንቅዱስ እግዚኣብሔር ዘመስገኑ(ሉቃ፪፡፰-፲፭/2፡8-15)፡ነቲ መስፍን ሰላም ዝተባህለ ክርስቶስ ኣምላኽና ምኽንያት መሰደዲኡን ዝስደደሉ ቦታን ካብ ስደት ዝምለሰሉ ዘመንን ዝሓበሩ፡ኣብቲ ክቡርን ዓብን ዕለተ ትንሳኤ ብደስታን ብሓጎስን ክብሪ ኣምላኽ ዝገለጹን ተስፋ ትንሳኤ ዘበሰሩ(ማቴ ፳፰፡ ፩=፲ /28፡1-10 ) ኣብ መወዳእታ’ውን ክርስቶስ ኣምላኽና ካብ ማእከል ቅዱሳን ሓዋርያት ናብ ሰማይ ብኽብሪ ኣብ ዝዓረገሉ ግዜ ዳግማይ ምጽኣት ክርስቶስ ዝመስከሩን ንቅዱሳን ሓዋርያት ዘጸናንዑን —ቅዱሳን መላእኽቲ ኢዮም (ግ.ሃዋ፩፡፱-፲፩/1፡9-11)።

እዚ ስለ ዝኾነ ከኣ ቅድስት ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ እግዚኣብሔር ስለ ዝኽበሮም፡ንዓና ንደቂ ኣዳም ኣብ ብዙሕ ናይ ሂወትና መድረኻት ሓገዝትናን ረዳእትናን ስለ ዝኾኑን ብስሞም ቤተ ክርስቲያን ፡ማይ ጸሎት ትሃንጽ ኩሉ ግዜ ከኣ በዓላቶም እና ኣኽበረት ነዚ ጸጋን ቅድስናን ንዝዓደሎም ኣምላኽ ናይ ኣምልኾ ምስጋናን ስግደትን ንቅዱሳን መላእኽቲ ድማ ናይ ጸጋ ምስጋናን ስግደትን ተቕርብ።

ኣብ መንጎ እዞም ብቑጽሮም ብዙሓት ዝኾኑ ቅዱሳን መላእክት ሓደ እምበኣር ሊቀ መላእክት ቅዱስ ሩፍኤል ኢዩ።

ቅዱስ ሩፋኤል ካብ ሊቀነ መላእክት ብሳልሳይ ደረጃ ተሰሪዑ ይርከብ “አንሰ ስምየ ሩፋኤል ሣልሳይ እምሊቃነ መላእክት ወሚካኤል ሊቀ መላእክት ቀዳማይ ርእሰ ኩሎሙ መላእክት ወስሙ  መስተሣህል ፡ወገብርኤልኒ ካዕበ ውእቱ ሊቀ መላእክት ዳግማይ  ወትርጓሜ ስሙ ኣምላክ ወሰብእ፡ዘተፈነወ  ኃበ  እግዚእተ ኩሉ ፍጥረት ቅድስት ድንግል ማርያም ወላዲት ኣምላክ ከመ ይዜንዋ ልደቶ ለእግዚእነ ኢየሱስ ክርስቶስ ሎቱ ስብሐት እምኔሃ።” ከም ዝበለ ።(ስንክሳር ጳጒሜን ፫)

ኣብ ቅድስት ቤተ ክርስቲያና በዚ ዕለት እዚ ተስካረ በዓሉ ናይ ቅዱስ ሩፍኤል ዝኽበረሉ ስለ ብዙሕ ነገራት እዩ።ንሱ ከኣ“ኣነ ውእቱ ርሩፋኤል ዘሤመኒ እግዚኣብሔር ላዕለ ፳ወ፬(24) ሠራዊተ መላእክት ከመ ንሰብሖ ለእግዚኣብሔር ኣብ ወወልድ  መስተሣህል ወለመንፈስ ቅዱስ  ናዛዚ”ከምዝብል።(ስንክሳር ጳጒሜን ፫) ዝተሸመሉ ዕለት ፡ንጦቢት ካብ ዑረት ዓይኒ ንሳራ ፈዊሱ ናብ ወዱ ጦብያ ከም ትምርዖ ዝገበረሉ ክኸውን ከሎ ከምኡ ከኣ ቅዳሴ ቤቱ  ዝተፈጸመሉ ዕለት እዩ።

       ስሜቱ

ቅዱስ ሩፋኤል ሊቀመላእክት ናይ ቤተ ክርስቲያን ቅዱሳን መጻሕፍትን ድርሳናትን ከም ዝገልጽዎ በዚ ዕለት’ዚ ቅዱስ እግዚኣብሔር ኣብ ልዕሊ ብዙሓት ቅዱስን መላእክሓለቐ ገይሩ ዝሸሞ ዕለት እዩ።ከምቲ ኣብ ላዕሊ ተገሊጹ ዘሎ ብናይ ሊቃነ መላእክት ማዕርግ ንቅዱስ ሚካኤልን ገብርኤልን ተኸቲሉ ኣብ ሳልሳይ ደረጃ ይስራዕ።

ቅዳሴ ቤቱ

ናይ እስክንድርያ ሊቀ ጳጳሳት  ኣባ ቴዎፍሎስ ኣብ ዝነበርሉ ዘመን ብዙሕ ቤተ ክርስቲያን ሃነጹ።ካብተን ኣብ ዘመኖም ዝተሓንጻ ቤተ ክርስቲያን ሓንቲ ብስም ቅዱስ ሩፋኤል ሊቀ መላእክት ኣብ ልዕሊ ዓሳ ነባሪ ዝተሓንጸት ነበረት።በዚ ዕለት እዚ ከኣ ቅዳሴ ተገብረ።እንተኾነ እቲ ናይ ጥንቲ ገበል ማለት ዲያብሎስ ንክርስቲያን ካብ ምስዳድ ስለ ዘይ ዓርፍ ነታ ኣብ ልዕሊ ዓቢ ዓሳ ተሰሪሓ ዝነበረት ቤተ ክርስቲያን ኣናወጻ ካብ ብዝሒ ምንዋጽ ናይቲ ዓሳ ዝተላዕለ ካኣ እተ ቤተ ክርስቲያን ክትፈርስ ደለየት። እንተኾነ እታ ሓያል፡ሰማያዊ መልኣኽ ቅዱስ ሩፋኤል ብቕጽበት መጺኡ “ብቓል እግዚኣብሔር ኣብ ዘለኻዮ ቁም ካብኡ ከይትንቀሳቕስ” ኢሉ ብኲናት ገይሩ ወግኦ።ኣቲ ኣብቲ ዓሳ ሓዲሩ ዘናውጻ ዝጸንሐ ስይጣን ከኣ በቲ ሓያል መልኣኽ ቅዱስ ሩፋኤል ተገሲጹ ወጸ እታ ቤተ ክርስቲያን ከኣ ሃድኤት።ክብርን ምስጋናን ንኣምላኽና ንእግዚኣብሔር ይኹን።ኣሜን።

ኣብ ልዕሊ ጦቢትን ጦብያን ዝፈጸሞ ተረዳእነት

እንሆ ጦቢት ዝበሃል ካብ ንእስነቱ ጀሚሩ ብመገዲ እግዚኣብሔር ዝምራሕ ምጽዋትን ዕሽርን ዘፍቅር ንድኻታትን ንጽጉማትን ዝሕግዝ ሰብ ነበረ።ንሱ ኣብ ዘመን ንእስነቱ ብሰላምን ብቕድስናን  ኣብ ሃገሩ እና ነበረ ከሎ ሓደ ግዜ ብዘመን መንግስቲ ሻልማንኤሰር ተማሪኹ ናብ ኣሶር/ነነዌ ከደ።እነተኾነ ኣብ ዓዲ ስደት’ውን ንሱስ  ከምቲ ኣብ ሃገሩ ዝፍጽሞ ዝነበረ ስርዓት ኣምላኾ ካብ ምፍጻም ድሕር ኣይበለን።ኩሎም ዓሌቱን ወገናቱን ከምቲ ሰብ ነነዌ ዝነብርዎ ዝነበሩ ኣነባብራ፡ ዝበልዕዎ ዝነበሩ ብልዒ ክነብሩን ክበልዑን ከለዉ ንሱ ግና ሰለስተ መንእስያት ኣናንያ ፡ኣዛርያ፡ሚሳኤል ከምኡ ከኣ ብጥበቡ ፍሉጥ ዝነበረ ዳንኤል ዝገበርዎ ካብ መግቦም ምብላዕ ኣበየ።እግዚኣብሔር ድማ ኣብ ቅድሚ እቲ ንጉስ ሞጎስ ከም ዝረክብን ኣዝዩ ልዕል ከም ዝብልን ገበሮ።በዚ ከኣ እቲ ንጉስ ንኹሉ ዘድልዮ ዘበለ ንኽገዝኣሉን ክልኣኾን ኣብ ልዕሊ እዚ ኩሉ ሸሞ።

ከምዚ ኢሉ እና ነበረ  ሓደ ግዜ ኣብ መደቀሲኡ ደቂሱ ከሎ ውዑይ ሓርኢ ናይ ለዃዂቶ ኣብ ኣዒንቱ ኣተዎ ኣብ ብዙሕ ሕክምና ከይዱ ከኣ ክሓዊ ኣይከኣለን።በዚ ድማ ክልቲኤን ኣዒንቱ ብፍጹም ዓወራ ምርኣይ’ውን ሰኣነ።ብገዛእ ጉልበቱ ሰሪሑ ንስድራቤቱ ዝኣሊ ብምጽዋትን ብዕሽርን ንቤተ መቕደስ ዘገልግል ፡ንጥሙያትን ንሱኡናትን ዘብልዕን ዘስትን ዝነበረ ጦቢት ምውፋር ምእታው ሰኢኑ ኣብ ገዛ ኮፍ ኢሉ ምስ ዑረት ዓይኑን ምስቲ መሪር ቃንዛ ዓይንን ክቕመጥ ግዲ ኮኖ።ከምዚ ኢሉ ካኣ ንዓሰርተ ኣርባዕተ ዓመት ቀጸለ፡ ምስናይ እዚ ግና ናብ ልዕሊ እግዚኣብሔር ጸሎት ምብጻሕን ምልማንን ኣየቋረጸን።

ከምዚ ኢሉ እንከሎ ሳራ እትብሃል ጓል ራጉኤል ንሳ ሸውዓተ ሰብኣይ ተመርዕያ ነበረት። እንተኾነ ኣስሞድዮስ ዝበሃል እኩይ ግና  እቶም ዝተመርዓውዋ ሰብኡት ጌና ብስጋ ከይተራኸብዋ ከለዉ ይቐትሎም ነበረ።እዚ ከይ ኣክል ግና ንዘነበራ ሽግር ዝረኣየት ኣገልጋሊታ ኩሉ ግዜ ተባጭወላን ትጸርፋን ነበረት። እዚ ኩሉ  ሽግርን መከራን ዝወርዳ ዝነበረ ሳራ ግና ኩሉ ጸገማን ውርደታን ናብቲ ልዕል ኣምላኽ ብጸሎት ተብጽሕ ነበረት፡

ጦቢት ናብ ኣምላኽ ዝልምነሉ ዝነበረ ግዜን/ሰዓትን ሳራ ናብ ኣምላኽ ዝጸለየትሉ ግዜ ኣብ ሓደ ሰዓትን ግዜን ነበረ።

ጦቢት እንሆ ዓይኑ ብጥዕዩ ከሎ ጋባኤል ዝበሃል ሰብኣይ ገንዘብ ኣቐሚጡ ነበረ እሞ ሓደ እዋን ንወዱ ንጦብያ ጸዊዑ እንሆ ናብቲ ቦታ ከይዱ ነቲ ገንዘብ ከምጽኦ ሓበሮ።እንቶኾነ ጦቢት ገና ንእሽተይ ስለ ዝነበረ ምስኡ ዘከይዶ ሰብ ደልዩ ክወስድ ምስ ተመልሱ ካኣ ዓስቢ ድኻሙ ክህቦን ምዃን ሓበሮ ።ከም ቃል ኣቡኡ ካኣ ኣብ ደጌ ወጺኡ ምስኡ ዘካይዶ ሰብ ደለየ እንሆ ካኣ እቲ ሓያል መልኣኽ ቅዱስ ሩፋኤል መንእሰይ ሰብኣይ መሲሉ ተጓነፎ ።ተተሓሒዞም ከኣ ከዱ።ኣብ መንገዲ እና ኸዱ ኣብ ገምገም ፈለግ ጤርጌስ በጽሑ እሞ ኣብኡ ኣዕረፉ እንሆ ካኣ ሓደ ዓቢ ዓሳ ንጦብያ ክበልዖ ኢሉ መጸ።ነቲ ዓሳ ካኣ ሓዞ እንሆ መልኣከ እግዚኣብሔር ሩፋኤል ነቲ ዓሳ ኣብ ክልተ ከፊሉ ሓሞቱን ከብዱን ልቡን ወሲዱ ካኣ ነቲ ካልእ ጓሕፎ።ጦብያ ክሳዕ ጉዕዝኦም ዝውዳእ ነቲ ዓሳ እና በልዔ ከደ።

ጸኒሑ እቲ ቅዱስ መልኣኽ  ናብ ቤት ራጉኤል ክኸዱ ከም ዘለዎምን ንሳራ ክምርዓዋ ዝግብኦ ንሱ ምዃኑን ሓቢሩ ናብ ቤት ራጉኤል ኣተዉ።እንሆ መንነቶም ገሊጾም ካኣ ንሳራ ናብ ጦብያ ኣመርዓውዋ።እዚ ክኸውን ከሎ  እንሆ ከምቲ ዝሞቱ ሸውዓተ ሰብኡት ንሱ’ውን ከመውት እዩ ኢሎም ስድራቤታ ኣዝዮም ተሽቐሉ።እንተኾነ እቲ  ሓያል መልኣኽ ነቲ  ካብ ገምገም ፈለግ ዝሓዝዎ ዓሳ ክትዕጠኖ ከም ዘለዋ ሓበራ ጸሎት ገይሮም ካኣ ደቀሱ፡እቲ ንብዙሕ ግዜ ዘሽግራ ዝነበረ ጋኔን ብቕጽበት ወጺኡ ካብቲ ከባቢ ርሓቐ።በዚ ዝኾነ ኩላቶም ኣዝዩ ደስ በሎም።

ቅዱስ ሩፋኤል ናብቲ ኣቐዲሙ ዘበገሶም ጉዳይ ማለት ምምጻእ ገንዘብ ካብ ጋባኤል  ምስ ክልተ ገላዉ  ከደ።ኣብቲ ቤት ኣትዩ  ኩሉ እቲ ጦቢት ዝበሎምን ጦብያ ወዲ ጦቢት ከም ዝተመርዓወን ነጊሩ እቲ ዘሎ ገንዘብ ሒዙ ናብ ጦብያ ተመልሰ።እንሆ ካኣ ንሳራ  ጓል ራጉኤል ሰብይቱ ሒዙ ናብ ኣብኡ ጦቢት ተመልሰ፡እቲ ዝኾነ ነገር ዝሰምዔ ጦቢት ኣዝዩ ንኣምላኽ ኣመስገነ።በቲ ኣቐዲሞም ኣብ ገምገም ፈለግ ዝረኸብዎ ሓሞት ናይቲ ዓሳ ገይሩ ካኣ ኣዒንቱ ደረዘሉ እሞ  ካብ ዓይኑ ቅራፍ ዝመስል ወጸ ብኡብኡ ካኣ ኣዒንቱ ተኸፍተሉ ረኣየ ካኣ።

እዚ ኩሉ ምስ ተፈጸመ ኢዩ እምበር እቲ ሓያል መልኣኽ መንነቱ ክገልጸሎም ዝጀመረ።በለ ከኣ “ንእግዚኣብሔር ወድስዎ በቲ ዝግገበርልኩም ኩሉ ካኣ ኣመስግንዎ።ንእዝጊኣብሔር በቲ ዝገበረልኩም ኩሉ ሰናይ ኣብ ቅድሚ ኩሎም ፍጥረታት እና ኣመስገንኩምን ብመዝሙር እና ዘመርኩምን ሞሳ ምለስሉ። እወ ንምምስጋኑ ኣይትተሃከዩ።ንእግዚኣብሔር ኣምላኽ በቲ ዝገበረልኩም ኣብ ቅድሚ ኩሉ ሰብ ኣኽብርዎ ተግባራቱ’ውን ኣዘንትዉ። ንንጉስ ምስጢር ክትሕልወሉ ጽቡቕ ኢዩ።እግዚኣብሔር ዝገበሮ ግን ኣኩሎም መታን ከኽብርዎን ከመስግንዎን ኣብ ኩሉ ክእወጅን ብኹሉ ክፍለጥን ኢዩ ዝግባእ።ጽቡቕ ግበሩ እሞ ክፉእ ኣይክበጽሃኩምን ኢዩ።,,,,,,,,,,,,,,,,,,,,ከምቲ ኣቐዲመ ዝበልክኹም ንንጉስ  ምስጢሩ ክትሕልወሉ ጽቡቕ ኢዩ።እግዚኣብሔር ዝገብሮ ግና ንኹሉ ክንገር እዩ ዝግባእ።ሕጂ ካኣ ሓንቲ ከይሓባእኩ ነቲ ሓቂ ብምልኡ ክነግረኩም ኢየ።ጦቢት ንስኻን ሳራን ምስ ጸለኹም ንጸሎትኩም ናብቅድሚ ልዑል እግዚኣብሔር ዘቕረብክዎ ኣነ እየ ነይረ።ምዉታት ኣብ እትቐብረሉ ግዚ አ’ውን ኩሉ ግዜ ከምኡ ይገብር ነብርኩ።በታ ምሳሕ ከይበላዕካ ምዉት ክትቀብር ካብ መኣዲ ዝተንሳእካላ መዓልቲ ካኣ እግዚኣብሔር ክፍትነካ ለኣኸኒ ።ከምኡ’ውን ንዓኻ ከሕውየካ፡ንሳራ ሰበይቲ ወድኻ ድማ ካብ ዝነበራ ማእሰርቲ ክፈትሓ ለኣኸኒ ።ኣነ ካብቲ ጸሎት ቅዱሳን  ዘዕርጉን ኣብ ቅድሚ ግርማ እግዚኣብሔር ከገልግሉ ደው ዝብሉን ሸውዓተ ቅዱሳን መላእኽቲ ሓደ ዝኾንኩ ሩፋኤል መልኣኽ ኢየ።,,,,,,,,,ኣብ ምድሪ ክሳዕ ዘለኹም ንኣምላኽ ወድስዎ ከምኡ’ውን ኣመስግንዎ ።እንሆ ኣነ ናብቲ ዝለኣኸኒ ክዓርግ እየ።ነቲ ዝተገብረልኩም ኩሉ ኣብ መጽሓፍ ጸሓፍዎ”ኢልዎም ናብ ሰማይ ዓረገ።

እወ እዚ ሓያል መልኣኽ ቅዱስ ሩፋኤል ኣብ ልዕሊ ጦቢትን ሳራን ዝገበሮ ድንቂ ተኣምር ብዓይኒ ልቦና ነስተውዕሎ።ትማሊ ንቕዱሳን መላኽቱ እና ለኣኸ ንብዙሓት ኣቦታትናን ኣዴታትን ኣብ ህይወቶም ዓቢይን ዘድንቕን ስራሕ ዝሰርሐ ቅዱስ ኣምላኽና እግዚኣብሔር ሎሚ’ውን ብቕንዕና ልብን ብንጽህናን ከምቲ ንሱ ዝደልዮ እንተተጓዒዝና ንጦቢት ስጋዊ ዓይኑ ከፊቱ ብብርሃን ከም ዝርኢ ዝገበሮ ንዓና እውን ዓይነ ልቦናን ተኺፊቱ ናብቲ ብርሃናዊ ኣምላኽ ብብርሃን ተመላሊስና ንዕኡ ክነስምር፡ከምቲ ንሳራ ንዘመናት ዘሳቐያ ርኹስ መንፈስ ገሲጹ ዘውጽኣላ ሎሚ’ውን ሽሕ እኳ ናብ ዝተፈላለየ ርኽሰት ዝመርሑና ሰናይን ጽቡቕን ስራሕ ንኸይንሰርሕ ዓይነ ልቦናና ዓጽዮም ብዘይፍረ ጽድቂ ቀንፈዘው ከም እንብል ዝገብሩና ርኹሳት መናፍስቲ እንተሃለዉ እንተኾነ ልብናን ሕልናናን ናብ ጸሎትን ረድኤትን ቅዱሳን መላእክቲ እንተድኣ ኣቕኒዕናዮ ፡ንረድኤትናን ንሓገዝናን ወትሩ ድሉዋት ዝኾኑ ቅዱሳን መላእኽቲ ብእሳታዊ መስቀል ነቲ ዝጻብኣና ሰይጣን ክግስጹልናን ካብ ዙርያና ከርሕቑልናን ኢዮም።

                                    ሰላም ለሩፋኤል መስተፍሥሔ ኣልባብ ዘተበህልከ

                                     ከመ ይፈውስ ሕሙመ ወያጥዒ ቊስለ

                                    ከመ ኣስምዖ ፍጡነ ለጦቢት ቃለ

                                   ጽድቀ ዘይዴግኑ ይረክቡ ሣህለ

                                    ወእለ ይኤብሱ ያመጽኡ በነፍሶሙ ኅጒለ።

ብሰላም ናብዚ ቅዱስ ዕለት ዘብጽሓና ቅዱስ እግዚኣብሔር ክብርን ምስጋናን ይኹኖ።

ናይ እግዚኣብሔር ምሕረት; ናይ ቅድስት ድንግል ማርያም ኣማላድነት; ናይ ቅዱስ ሩፋኤል ጸሎትን በረኸትን; ምስ ኩላትና ህዝበ ክርስቲያን ይኹን ኣሜን።

    ወስብሃት ለእግዚኣብሔር  ልዑል

    ወለወላዲቱ ድንግል

    ወለመስቀሉ ክቡር
.      ኣሜን!

Advertisements

Leave a Reply

Fill in your details below or click an icon to log in:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out / Change )

Twitter picture

You are commenting using your Twitter account. Log Out / Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out / Change )

Google+ photo

You are commenting using your Google+ account. Log Out / Change )

Connecting to %s