መጻጉዕ

                                     መጻጉዕ፡

በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን፣፣

              እዛ ዕለት እዚኣ’ውን ከምተን ዝሓለፋ  ሰለሰተ ሰናብቲ ናታ ዝኾነ ስያሜ በቲ ናይ ቤተክርስቲያን ሊቅ ዝኾነ ቅዱስ ያሬድ  መጻጉዕ ብዝብል ስም ዝተሰምየት እያ። እዚኣ እታ ራብዐይቲ ሰንበት ኮይና በዛ ቅድስት ዕለት ጎይታናን ኣምላኽናን ኢየሱስ  ክርስቶስ ኣብ መዋዕለ ስብከቱ ስለ ዝገበሮ ብዙሕ ተኣምራት፡ ዘሕወዮም ድኑሳትን ሕሙማትን  ዝንገረሉ እዩ። እዚ እውን ኣብ ዮሓንስ ወንጌል ምዕራፍ ሓሙሽተ ተጻሒፉ ካብ ዝርከብ ናይቲ 38ዓመት ኣብ ዓራት ተደኒሱ ዘመኑ ምሉእ ብሕማም ዝሓለፈ ሰብ  ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ከም ዘሕወዮ ዝትርኽ እዩ። ኩሉ መዝሙራትን ስብከታትን ንባባትን ቤተክርስቲያን ከኣ ብሓደ ህርመት  ስለ እቲ ጎይታናን ኣምላኽናን መድሓኒናን  ኢየሱስ ክርስቶስ  ዝገበሮ ንሕሙማት ምሕዋይን ምፍዋስን  ክነግሩ ይቕንዩ።

እቲ ቃል ከምዚ ይብል ”ድሕሪ እዚ ድማ በዓል ኣይሁድ ኮነ (ቀዳም መዓልቲ እዩ)፡ኢየሱስ እውን  ናብ ኢዮሩሳሌም ደየበ። ኣብ ኢየሩሳሌም ኣብ ጥቓ ኣፍደገ ኣባጊዕ ከኣ መጠመቒ(ጱሩጳቄ)  መሕጸቢ ማይ ጸሎት ነበረ። ጱሩጳቄ  ማለት ናይ ፈውሲ፡ ናይ በዓል ‘ናይ መስዋእት ናይ ጉባኤ ቦታ ማለት እዩ። ቅልንብትራ  እትብሃል ከኣ ብእብራይስጢ ከኣ ቤተሳይዳ ትብሃል  እዚ ድማ ቤተመድሃኒት ማለት እዩ። እዚ  ቦታ እዚ ኣባጊዕ ዝሕንብሳሉ፡ ኣባጊዕ ዝሕጸባሉ  ቀላይ እዩ። ኣብዚ ድማ ሕሙማት ዝድቅስሉ ሓሙሽተ መደብ ነበሮ፡እዚ ከኣ፦

1. ሰሎሞን ብጥበቡ ስሒቡ  ዘእተዎ ማይ እዩ።

2. ነቢይ ኢሳይያስን  ንጉስ  ሕዝቅያስን  “ሓበ ኣውጽኡ ማየ ማእከለ ክልኤቱ ኣረፍት ” ከም ዝብል ኣብ ሻድሻይ  ቆመ  ብእሲ (ቁመት ሰብኣይ) ዘውጽእዎ ማይ እዩ ስንክሳር 6 መስከረም ንመልከት። እዚ ማይ ጸሎት እዚ ቀዳም ቀዳም ሓደ ሕሙም ዝሓውየሉ ዝነበረ ቦታ እዩ።

ኣብቲ  ሓሙሽተ መደብ ብዙሓት ሕሙማት ይድቅሱ ነበሩ። ዕዉራትን ሓንካሳትን፡ ኣካሎም ዝነቐጸ፡ ኣካሎም ዝለመሰ ሕሙማት ኣብኡ ይድቅሱ ነበሩ ናይቲ ማይ ምንዋጽ ይጽበዩ ነበሩ። ከመይ መልኣኽ እግዚኣብሔር ናብ’ቲ ማይ ጸሎት ኪወርድ ከሎ እቲ ማይ ይናወጽ ነበረ። እቲ  ድሕሪ  ምንዋጽ እቲ ማይ ኣቐዲሙ ወሪዱ ዝሕጸብ  ድማ ካብ ዘለዎ ኩሉ ሕማም ይሓዊ ነበረ።

ናብዚ ማይ እዚ መልኣኽ እግዚኣብሔር እንታይ ክገብር ይወርድ ነይሩ እንተተባህለ ፡ማያት ክቕድስ፡ መስዋእቲ ከዕርግ እዩ። እዚ ከኣ  ምሳሌ ዘለዎ እዩ። እቲ ማይ ናይ ጥምቀት፡ እቲ ሓሙሽተ መደብ፡ ናይ ሓሙሽተ ኣእማደ ምስጢር፡ ሓሙሽተ ዓይነት ሕማማት ዝነበሮም፡ ናይ ሓሙሽተ ምእመናን እዩ። ሓሙሽተ ጾታ ምእመናን ዝተባህሉ ድማ ኣዕሩግ፡ ወራዙት፡ ኣንስቲ፡ ካህናት፡ መነኮሳት እዮም።

ናይ ሓሙሽተ ጾታ ምእመናን ጠባይ ከኣ በዚ ዝስዕብ ይግለጽ ።

1.  ኣዕሩግ (ኣረግቶት) ጾሮም ፍቕሪ ገንዘብ እዩ፡ መን ኪረድኣና መን ኪጥውረና፡እናበሉ ገንዘብ ምእካብ ይፈትዉ እዮም፡ ነዚ ሓዲጉ ብናይ ወራዙት ስምዒት ብዝሙት እንተ ተቓወሞም ብጸጋ ጥምቀት ይስዕርዎ።

2. ናይ ወራዙት ጾር ዝሙት እዩ፡ ነዚ ሓዲጉ ብፍቕሪ ገንዘብ እንተ ተቛወሞም ብጥምቀት ብዝረኸብዎ ሓይሊ መንፈስ ይስዕርዎ።

3.ናይ ኣንስቲ ጾር ተርእዮ ምንዝርና እዩ፡ ነዚ ሓዲጉ ብኻልእ ስምዒት እንተ ተቛወመን   ብጥምቀት ብዝረኸብኦ ሓይሊ መንፈስ ይስዕርኦ።

4.ናይ ካህናት ጾር ትዕቢት እዩ። ኣእምሮና ረቂቕ ማዕርግና  ምጡቕ (ልዑል) ብምባል ይዕበዩ ፡ ነዚ ሓዲጉ ብኻልእ ስምዒት እንተተቛወሞም ብሓይሊ ጥምቀት ይስዕርዎ።

5.ናይ መኖኮሳት ጾር ስስዔ እዩ፣ ኣብ ዝደልይዎ ግዜ ስለ ዘይረኸብዎ ነዚ ሓዲጉ ብኣንሳሕስሖ ዘበከንቱ (ዙረት) እንተ  ተቓወምዎ ብሓይሊ  ጥምቀት ይስዕርዎ፣፣(ዮሓንስ ኣፈወርቅ ሻብዓይ ክፍሊ ተግሳጥ)

ኣብዚ ወንጌል እዚ ተገሊጹ ከም እንረኽቦ፣ ካብ ዝሓምም 38 ዓመት ዝገበረ ሰብኣይ  ነበረ ይብል እቲ ጽሑፍ (ዮሓ5፣5)፣፣ ጎይታናን ኣምላኽናን ኢየሱስ ክርስቶስ እዚ ሰብ እዚ ኣብ ዓራቱ ደቂሱ ምስ ረኣዮ፣ ነዊሕ ከም ዝሓመመ ፈሊጡ “ክትሓዊዶ ትደሊ ኢኻ፧” በሎ፣፣ እቲ ሕሙም ከኣ ጎይታይ እቲ ማይ ምስ ተናወጸ ናብቲ ቀላይ ዘውርደኒ ሰብ የብለይን ኣነ ክሳዕ ዝመጽእ ድማ  ካልእ ቀዲሙኒ ይወርድ”ኢሉ መለሰሉ፣፣ ኢየሱስ ከኣ ተንስእ እሞ ዓራትካ ኣልዒልካ ኪድ” በሎ። እቲ ሰብኣይ ድማ ብኡንብኡ ሓወየ፣ ዓራቱ ኣልዒሉ እውን ከደ፣፣

ጎይታናን ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ እቲ ን38 ዓመት ኣብ ዓራት ዝደቀሰ ሰብ ሓቲትዎ “እወ” ዝብል ምላሽ ከምዝህቦ ይፈልጥዶ ኣይኮነን እንተ በልና፣ ኣምላኽና ኢየሱስ ክርስቶስ ነዚ ዝገበረ ስለ ክልተ ነገር እዩ ኔይሩ እዚ ከኣ፥

1.     ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዝፈልጥ እኳ እንተኾነ ስርሑ ግን ብዘይ ምኽንያት ኣይሰርሕን እዩ፣፣

2.    ብኻልኣይ ከኣ ነቲ ሕሙም ብድልየቱ እምበር ብግደታ ከም ዘይ ኣሕወዮ ንምግላጽ እዩ። ስለዚ እዚ ነገር እዚ ከፍልጥ ነቲ ዝሓመመ ሰብ “ክትሓዊዶ ትደሊ ኢኻ፧”  ዝብል ሕቶ ኣቕረበሉ፣ በዚ ከኣ እቲ ዝሓመመ  ምርጭኡ ምሕዋይ ምዃኑ ብገዛእ ልሳኑ ምስ መስከረን  ምስተዛረበን  ኣምላኽና ኢየሱስ ክርስቶስ እውን  ብኣምላኻዊ ቃሉ “ተንስእ’ሞ ዓራትካ ኣልዒልካ ኪድ” በሎ፣፣ እታ ን38 ዓመተ ተሰኪማቶ፣ ጸይራቶ እምበር ተሰኪምዋ ኮነ ጸይርዋ ዘይፈልጥ ዓራት በቲ ግዜ ግን ኣምላኽ ንጭንቀቱ፣ ንድኻሙን ምድናሱን ርእዩ ምሕረት ገበረሉ፣ ካብ ዓራት ምድቃስ፣ ካብ ኢድ ሰብ ምጽባይ ተገላገለ።  ንኣምላኽና ንእግዚኣብሔር ክብሪ ይኹኖ!!! ኣሜን፣፣

ጎይታናን ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ “ክትሓዊዶ ተደሊ ኢኻ” ኢሉ ኣብ ዝሓተቶ ግዜ እዚ ሰብ እዚ  “ሰብ የብለይን፣ እቲ ማይ ምስ ተናወጸ ከኣ ካልእ ቀዲሙኒ ይወርድ” ምባሉ፣ እንሆ እዚ ሰብ እዚ ዘመድ ኣዝማድ ስለ ዘይነበርዎ፣ ሓይሉ ድኹም ክትንስእ ኮነ ክንቀሳቐስ ስለ ዘይክእል እሞ ከኣ ኣብቲ ክሓውየሉ ዝኽእል ግዜን ሰዓትን ስለ ዝሓልፎ፣ እቶም ብቕሩብ ብጉልበቶም ካብኡ ዝሕሹን፣ እቲ ማይ ምስ ተናወጸ ግዜ ቤተሰቦም ብሓይሊ ጉልበት ተሰኪሞም ናብቲ ማይ ዘእትውዎም ስለ ዝቕድምዎ ንሱ እውን ከይ ሓወየ ነዊሕ ግዜ ስለ ዝገበረ፣ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ብዝመጻሉ ግዜ ናብቲ ማይ መታን ከእትዎ እዩ፣”ሰብ የብለይን “ዝብል ቃል ዝመለሰ፣፣

እንተኾነ እቲ ልብን ኮላሊትን ዝምርምር ኣምላኽ ንሽግሩ፣ ንድኻሙ ተረዲኡ ካብኩሉ ሕማሙ ድኣ ነጻ ገበሮ፣፣ እዚ ዝኾነሉ ዕለት፣ ሰንበት ነበረ። እቶም ኩሉ ግዜ ብተንኮልን ክፍኣትን ዝተመልኡ ጸሓፍቲ ፈሪሳውያንን ሊቃውንቲ ኣይሁድን፣ እዚ ሰብ እዚ እታ ን38 ዓመት ጸይራቶ እትነብር ዝነበረት ዓራት ተሰኪሙ ክኸይድ ከሎ  ተጓነፍዎ፣፣ ንሳቶም ነዚ ምሕረት እዚ ብምርካቡ፣ማዕረሰቡ ኮይኑ ኣእጋሩ ተኺሉ  ክጎይን ክንቀሳቐስን ምስ ረኣይዎ ብልቦም ሕሱም ጓሂ ተሰምዖም፣ ክሕጎሱ’ውን ኣይተራእዩን፣ ኣብቲ ናቱ ሓጎስ ተኻፈልቲ ንምዃን ፍቓደኛታት ኣይነበሩን እኳ ድኣ  “ሎሚ ሰንበት ስለ ዝኾነ ዓራትካ  ኣልዒልካ ክትከይድ ኣይፍቀደልካን እዩ” በልዎ፣፣ ንሱ ግና “ኣቲ ዘሕወየኒ እዩ  ‘ዓራትካ ኣልዒላካ ኪድ’ ዝበለኒ” ኢሉ መለሰሎም። ንሳቶም ከኣ “እቲ ዓራትካ ኣልዒልካ ኪድ ዝበለካ ሰብኣይ መን እዩ፧” ኢሎም ሓተትዎ፣፣ ኣብቲ ቦታ ብዙሕ ሰብ ነበረ፣ ኢየሱስ ከኣ ድሕር ኢሉ ስለ ዝነበረ፣ እቲ ዝሓወየ ሰብኣይ መን ምዃኑ ኣይፈለጠን‘ዘሕወዮ ዘይምፍላጡ ስንፍና እዩ’ ብድሕሪ’ዚ  ኢየሱስ ነቲ ዝሓወየ ሰብኣይ ኣብ ቤት መቐደስ ረኸቦ እሞ  “እንሆ ሓዊኻ ኣለኻ ካብዚ ዝገድድ ከይረኽበካ፣ መሊስካ ሓጢኣት ኣይትግበር”በሎ ።

ካብዚ ዝገድድ እንታይ ኣሎ  እንተ በልና፣  እቲ ናይ ቅድም ደዌ  ስጋ እዩ፣ እዚ ናይ ሎሚ ግና ደዌ ነፍሲ እዩ። እዚ ሰብ እዚ በደል ምፍጻሙ ከኣ ኣይተረፎን። ብዕለተ ዓርቢ ጎይታናን ኣምላኽናን ኣብ መስቀለ ከሎ፣ ስሌና ጥራሕ ዕራቖቱ  ኣብ ዝነበረሉ ግዜ ብኢዱ ገይሩ ገጹ ከም ዝጸፍዖ እሞ ኢዱ ከም ዝነቐጸት ይንገር። ደዌ ዘንጽሕ፣ ደዌ ዘዕሴት፣ ደዌ ዘመቅሰፍት፣ ደዌ ዘሓጢኣት ኣሎ፣፣

1.     ደዌ ዘንጽሕ ዝበሃል ከም ናይ ጢሞቴዎስ ብንጽሕና  ብትሕርምቲ ዝመጽእ እዩ (1ጢሞ5፣23)።

2.    ደዌ ዘዕሴት  ከም ናይ ኢዮብ ወጋ ዘለዎ ሕማም እዩ (ኢዮብ2፣10)።

3.    ደዌ ዘመቅሰፍት ከም ናይ ሳኦልን ከም ናይ ሄሮድስን ዝመስል ሕማም እዩ (1ሳሙ18፣10,ግ.ሃዋ12፣23)።

4.    ደዌ ዘሓጢኣት ዝበሃል ከኣ ከምዚ ን38 ዓመታት  ተደኒሱ ዝነበረ ሰብኣይ እዩ፣፣

ብድሕሪ እዚ፣ እቲ ሰብኣይ ከኣ ከይዱ እቲ ዘሕወዮ ኢየሱስ  ከም ዝኾነ ንኣይሁድ  ነገሮም፣፣ እቶም ኣቐዲሞም ብምሕዋዩ ክሕጎሱ ዘይተረኽቡ  ግናኸ ብመዓልቲ  ሰንበት ዓራት ብምጻሩ ዝጓሃዩ ኣይሁድ፣ እቲ ዘሕወዮን ዓራትካ ኣልዒልካ ኪድ ዝበሎን፣ ንሱ ኢየሱስ ክርስቶስ ምዃኑ ፈለጡ እሞ ኣሳደድዎ ክቐትልዎ እውን ደለዩ።

ይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ከምዚ እናበለ መለሰሎም፣

1. “ኣቦይ ክሳዕ ሕጂ ይዓዪ ኣሎ(ስነፍጥረት ምምልላሱ እዩ) ኣነ  እውን  ይዓዪ ኣለኹ( ስነፍጥረት የመላልስ ኣለኹ)”

2.    “ኣቦይ ክሳዕ ሕጂ ይዓዪ ኣሎ” ማለት  ብመዓልቲ ሰንበት (ቀዳም ) በቲ ኣብ ላዕሊ ተጠቒሱ ዘሎ ማይ ጸሎት ምኽንያት ሓደ ሓደ  ሕሙም የሕዊ ኣሎ፣፣ ኣነ’ውን  ስርሔይ ይሰርሕ ኣለኹ፣፣ እዚ ማለት ብመዓልቲ ሰንበት ነታ ንዓሰርተው ሸሞንተ ዓመት ጎቢጣ ዝነበረት ሰበይትን  ነዚ 38 ዓመታት  መጻጉዕን ከምዘሕወየ ንምግላጽ እዩ(ሉቃስ13፡10-11)።

ስለዚ ሰንበት ብምስዓሩ ጥራሕ ዘይኮነስ ንኣምላኽ ድማ  ኣቦይ ብምባሉ  ንርእሱ ምስ ኣምላኽ ስለ ዘመዓራረየ ኣይሁድ ክቐትልዉ ይደልዩ ነበሩ ብድሕሪ’ዚ ጎይታናን መድሓኒናን  ኢየሱስ ክርስቶስ ከምዚ  እና በለ መለሰሎም ፣ብሓቂ ብሓቂ ይብለኩም ኣለኹ ወልድ ነቲ ኣቦ  ክገብሮ ብህልውና ዝረኣዮ እንተ ዘይኮይኑ ካብ ርእሱ ጥራሕ ሓንቲ ነገር እኳ ክገብር ኣይክእልን እዩ፣፣ ከመይ ነቲ  ኣብ(ኣቦ)ዝገብሮ  ዘበለ ኩሉ  ወልድ እውን ይገብሮ እዩ፣፣ ኣብ  ንውዱ የፍቅሩ እዩ እሞ ብህልውና ዝገብሮ  ኩሉ የርእዮ እዩ። ንስኻትኩም ምእንቲ ክትኣምኑ ክትንደቑ ካብ’ዚ ዝበልጽ ግብሪ ማለት ሕሙም  ካብ ምፍዋስ  ዝበልጽ ምዉት ምትንሳእ ከርእዮ እዩ። ኣቦ ንምዉታት ከም ዘተንስኦም  ሕያዋን እውን ከም ዝገብሮም፡ ወልድ’ውን ኣተንሲኡ ነቶም ዝደልዮም ሕያዋን  ይገብሮም እዩ፣፣ ኣቦ ንሓደ እኳ ኣይፈርድን እዩ  እንተኾነ ኩሉ ፍርዲ ንወልድ ሃቦ(ኣብ ፍርዲ ዘበለ ኩሉ ንወዱ ድኣ ሃቦ እምበር ንሱስ ንሓደ እኳ ተገሊጹ ኣይፈርድን እዩ)።  ኩሉ ሰብ ንኣብ ወላዲ ኢሉ ከም ዘኽብሮ፡ ንወልድ ኸኣ ተወላዲ ኢሉ ምእንቲ ከኽብሮ  እዩ፣፣ እቲ ንወልድ ተወላዲ ኢሉ ዘየኽብሮ ግና ነቲ ዝለኣኾ ኣብ እውን ወላዲ  ኢሉ ኣየኽብሮን እዩ። ብሓቂ ብሓቂ ይብለኩም ኣለኹ  እቲ ንቃለይ ዝሰምዕ በቲ ዝለኣኸኒ ኣብ  እውን ዝኣምን  ናይ ዘለኣለም ህወት ክረክብ እዩ፣፣ ንሱ ካብ ሞት ናብ ህይወት ድኣ ይሰጋገር እምበር ናብ ፍርዲ ናብ ገሃነም ኣይከይድን እዩ። እቶም ምዉታት ድምጺ ወዲ ኣምላኽ (ትምህርቲ ወንጌል ) ዝሰምዕሉ ግዜ ከም ዝመጽእ  ግዜኡ ድማ ሕጂ ከም ዝኾነ ብሓቂ ብሓቂ ይብለኩም ኣለኹ፣፣ ምዉታት ተባሂሎም ዘለዉ  ምዉታነ ሕልና እዮም። እቶም ትምህርቱ ሰሚዕም ዝተቐበልዎ ከኣ  ትንሳኤ ልቦና ክትንስኡ እዮም፣፣

ኣብዚ ዕለተ መጻጕዕ ጐይታ ንዝገበሮ ተኣምራትን ፈውስን ክንዝክር ከሎና ንሕሙማትን ድውያንን ናይ ምሕረትን ፈውስን ዓቢ መንፈሳዊ ጸጋ ክትዕድል ካብ ጐይታ ብሓደራ ዝተቐበለት “መዕረፊት ኣጋይሽ” ቤተ ክርስቲያን እያ። መምህራንን ካህናትን ድማ ብትምህርቶምን ብጸግኦምን ንዝወደቐ ከልዕሉ፤ ንዝተሰብረ ክጽግኑ፤ ንዝሓመመ ከሕውዩ ተጊሆም ሓደራ ጐይታ ክፍጽሙ ይግባእ። ምሕረትን ፈውስን ዘድልየና ምእመናን’ውን ካብ ዝኾነ ጽዩን ባዕድ ኣምልኾ ርሒቕና ትውክልትና ኣብ እግዚአብሔር ብምግባር ብእምነትን ብተስፋን ኣብ ቤተ ክርስቲያን እንተተመላለስና እግዚአብሔር ኣብ ግዚኡን ኣብ ሰዓቱን ባዕሉ ምሕረቱ ክሰደልና እዩ። ንዝተገብረልና ድማ ምስጋና ካብ ምቕራብ ክንቑጠብ ወይ ውን ድኅር ክንብል የብልናን።

      መዝሙር                        ንባባት                  ምስባክ

      ኣምላኩሰ ለኣዳም            ገላ5፡1-መፈ         መዝ41፡1-3

                                    ያዕ5፡14-መፈ

                                     ግ.ሓዋ 3፡1-12

                                    ዮሓ 5፡2-25  

     ናይ ምሕረት ኣምላክ ምሕረቱ ይሃበና ኣሜን!

              ስብሃት ለእግዚኣብሔር

              ወለወላዲቱ ድንግል

                ወለመስቀሉ ክቡር

                 ኣሜን!!!

Advertisements

Leave a Reply

Fill in your details below or click an icon to log in:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out / Change )

Twitter picture

You are commenting using your Twitter account. Log Out / Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out / Change )

Google+ photo

You are commenting using your Google+ account. Log Out / Change )

Connecting to %s