ኣባ ጊዮርጊስ ዘጋሰጫ

Menu

ዘኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ መድሃኔ ኣለም ቤ/ክ ማኀበረ ማርያም እስራኤል
ነገረ ቅዱሳን
ነገረ ቅዱሳን.

ኣባ ጊዮርግስ ዘጋስጫ

በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላኽ  ኣሜን፣፣

ኢትዮጵያዊ   ሊቅን ጻድቅን  ካብ ቅዱስ ያሬድ ቀጺሎም  ዓቢ ክብሪ ዝሓዙ ኣቦ ኢዮም፣፣ ኣባ ጊዮርግስ  ብ 1357 ኣብ ወሎ ወረዳ ቦረና– ሰግላ ዝተባህለት ቦታ ዝተወልዱ ኢዮም፣፣ ወለዶም ውላድ ስለዘይነበሮም ኩሉ ግዜ እና ሓዘኑ ናብ አግዚኣብሄር ይፅልዩ ነበሩ፣፣ ኣባ ጊዮርግስ ብናይ ቅዱስ ኡራኤል መልኣኽ ብስራት ከም ዝተወልዱ ናይ ኡራኤል ድርሳን ይገልጽ፣፣ ኣቡኦም ሕዝበጽዮን ኣዲኦም ካኣ እምሃጽዮን ይባሃሉ፣፣ኣቡኦም ጠቢብ ናይ መጻሕፍቲ ፈላጥ፣ ናይ እግዚኣብሄር ፈታዊ ኣብ ቤት መንግስቲ ዝነበረት ድኳን “ሰእሊ ቤት” ካብ ዘገልግሉ ካህናት ወገን ክኸውን ከሎ ናይ ሰግላ ኣምሓዳሪ ነበረ፣፣ ኣዲኦም ካብ ወለቃ ናይ ሎሚ ደቡብ ወሎ፣ በረና ካብ ሽማሙንቲ ወገን ዝኾነት ቅድስቲ ኣደ ነበረት፣፣

ኣባ ጊዮርግስ  ብመጀመርያ ኣዲኦም ፈረሃ እግዚኣብሄር  ምሂራ ብጥበብን  ብፍልጠትን ኣዕበየቶም፣፣ ናይ መጀመርያ ትምህርቶም ካብ ኣቡኦም ኢዮም ተማሂረሞ ፣ ከመይ ኣቡኦም  ናይ መጻሕፍቲ ሊቅን ምሁርን  ምኻኖም ገድሎም ይነግረና ኢዩ፣”ወሰበ ልሕቀ ሕቀ ወሰዶ ሃበ ጳጳስ ወሴሞ ድያቆን” ከም ዝብል፣፣ናይ መጀመርያ ትምህርቶም  ምስዛዘሙ ናብ ኢትዮጵያ ዝመጹ ክሳዕ ሃጼይ ዳዊት ናይ መንግስቲ ዘመን ዝነብሩ ዝነበሩ ኣቡነ ሰላማ ወሲዱ ብ1341 ዲቂና ኣሸሞ፣፣

ዲቁና ምስ ተማህሩ ንትምህርቲ ናብ ሃይቅ እስጢፋኖስ ተላእኩ ፣ ናብ ሓይቅ ዝተላእክሉ ዘመን ካኣ ኣብ ግዜ ሃጸይ ዳዊት ከምዝነበረ ገድሎም ይነግር፣፣ሃይቅ ብዙሓት ሊቃውንቲ ዘፍረየት ብዙሕ መጻሕፍቲ ዝተመልኤት ኢያ፣፣ ኣባ ጊዮርግስ ብሃይቅ  እስቲፋኖስ ንሸውዓተ ዓመት ዝኣክል ትምህርቲ ከይተረድኦም ጸንሑ፣ምስኦም ዝመሃሩ ዝነበሩ ተማሃሮ ካኣ “እዚ ትምህርቲ ዘይርድኦ ስለምንታይ ኢዩ ብናቱ ሓጥያት ድዩ ወይስ ብናይ ወለዱ “ ይብሉ ነበሩ፣፣ ኣብቲ ግዜ እቲ ናይ ሃይቅ  መምህር ዝነበሩ ኣባ ሰረቀ ብርሃን ንኣቡኡ  “ንወድኻ ትምህርቲ ኣይርድኦን ኢዩ ዘሎ ስለዚ ናይ ቤት መንግስቲ  ምሃሮ” ኢሎም ተዛረብዎም፣፣ ኣቡኡ ሕዝበጽዮን ግና ሓንሳብ ንእግዚኣብሄር  ሂበዮ በሎም’ሞ ናብ ገዳም መለስዎ፣፣ኣባ ጊዮርግስ ብትምህርቲ ዝደኽሙ ዝነበሩ ካብ ትምህርቲ ንላዕሊ ይደኽሙን ነቶም ኣብኡ ዝነበሩ ኣቦታት ይረደእዎምን ብብሕትውንኦም ይማረኹ ስለዝነበሩን  ኢዩ፣፣ ኣብቲ ገዳም እኽሊ ብምፍጻሕ የገልግሉ ነበሩ፣ ክሳዕ ሕጂ እኽሊ ዝፈጽሕሉ ዝነበሩ እምኒ ኣብ ገዳሞም ኣሎ፣፣

ኣባ ጊዮርግስ ፍልጠት ስለዝተሰወሮም ኣዕርኹቶም ብትምህትርቲ ይቅድምዎም ምስ ረኣዩ ብጣዕሚ ሓዘኑ፣ ብጾም ብጸለትን ካኣ ናብ እግዚኣብሄር ክልምኑ ጀመሩ፣፣ ኩሉ ግዜ ኣብ ሰእሊ ቅድስቲ ድንግል ማርያም እና ተንበርከኹ፣  “ናይ ኣቦታተይ ኣምላኽ ናይ ምሕረት ጎይታ ኩሉ ብቃልካ ዝፈጠርካ ፣ ሰብ’ውን ብረቂቕ ጥበብካ ዝፈጠርካ ካብቲ ዓሚቕ ጥበብካ ጥበብ ዓድለኒ ፣ ብሓቂ ኣይትንዓቐኒ  ኣነ ባርያኻ  ኢየ’ እና በሉ ብተመስጦ ልቦና ንብዓት እና ኣፍሰሱ ይጽልዩ ነበሩ፣፣ ብድሕርዚ ነሃሴ 21 ቅድስት ድንግል ማርያም ተገልጸትሎም ፣’’ ፍልጠት ዝተሰወረካ ትምህርቲ ዘይርድኣካ ዘይኮነስ ናይ እግዚኣብሄር ድንቂ ስራሕ ክግለጽ ኢዩ ‘ሞ  ተዓገስ” ኢላ ጽዋእ  ልቦና ኣስተየቶም፣፣ ካብዚ  ንደሓር ኣብ ሃይቅ እስቲፋኖስ  ናይ ዜማን ቅኔን ናይ መጻሕፍቲ ትርጋሜን ተማህሩ ፣፣ ኣቐዲሞም ዝፈልጥዎም ብፍልጠቶም ይድነቑ  ነበሩ፣፣ ኣባ ጊዮርግስ ናይ ያሬድ  ዜማ  ካብ ኣቡነ ሳሙኤል ዘጋርማ ከምዝተመሃሩ ገድሎም ይነግረና፣፣በዚ ዘመን አዚ እምበኣር ኣብ ግዜ ሃጼይ  ዳዊት ናይ ያሬድ ዜማ መምሃሪ ቀንዲ ማእከል ዝነበረት ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ኣብ ደብረ ነጎድጋድ  ተሸይሞም የገልግሉ ነበሩ፣፣ ናይ ምስትምሃር ስርሖም ኣቐሞም ኣብ ሃይቅ እስቲፋኖስ ከም ዝጀመርዎ  ገድሎም ክነግር ከሎ” ወኣብርሃ ለቤተክርስቲያን  እንተተሃንጸት ብሃይቅ ባሕር መእም ኣሜሃ ኣሃዙ ይስእሉ እም ሃበሁ ኩሎሙ ሰብአ ሃገረ ቃለ መጻህፍት ወትርጋሜሆም ወኩሉ ቃለ ማህሌት” ብድሕርዚ ሳግላ ተባሂላ ትጽዋዕ ዝነበረት ትውልዲ ዓዶም ናብ ጋስጫ ተመልሱ  ኣቡኦም ካኣ ኣዝዮም  ኣሪጎምን መንኪሶምን   ነበሩ፣፣ ስለዚ ኣብ ቤተ መንግስቲ ነበረት (ሰእሊ ቤት )  ኣብክንዲ  ኣቡኦም ኣብቲ ዝነበርዎ ስራሕ ከገልግሉ ኣእተውዎም ፣፣ ሓደ ግብጻዊ  ጳጳስ ኣቡነ በርተሎሜዎስ “ ስላሴ ሓደ ገጽ” ኢሎም ይኣምኑ እዮም ተባሂሎም ዝተኸሰስሉ ግዜ ፣ ነገሩ ከጻርዩ ካብ ዝተመርጹ ቀሺ ሃጼ ተኸስተ ብርሃንን ናይ ሃይቅ መምህር ዓቃቢ ሰዓት ዝነበሩ ዮሴፍን ኣባ ጊዮርግስን ሓቢሮም  ተላኢኾም ነበሩ፣፣ እዞም ሰለስተ ሰባት ነቲ ጳጳስ ኣዘራሪቦም  ነገሩ ሓሶት ምዃኑ ድሕሪ  ምርግጋጽ ስለ ሚስጢረ ስላሴ ዝገልጽ ጽሑፍ ናይቲ ጳጳስ እምነት ዝገልጽ ሒዞም መጹ፣፣

ኣብ ቤተ ንጉስ ዝነበርሉ ግዜ ንደቂ ንጉስ ብምግባርን ብሃይማኖትን ሃነጽዎም፣፣ ሃጼ ዳዊት ናይ ኣባ ጊዮርግስ ትምህርትን ስነ  ምግባርን ኣጸቢቑ  ስለዝፈለጠ  ብመርዓ ከዛምዶም ንጓሉ ክምርዓዉ ኩሉ ግዜ ይልምኖም ነበረ፣፣ ኣባ ጊዮርግስ ግና  ብድንግልና ጸኒዖም ክነብሩ ከምዝደልዩ ካብ ምግግላጽ ኣይተቆጠቡን፣፣ ናይ ሃጼይ ዳዊት ዘረባ  ስለዝበዝሐ ናብ ኣቡነ በርተሎሜዎስ ከይዶም ክህነት ተቀበሉ ቀሊጢፎም ካኣ መንኮሱ፣፣

ኣባ ጊዮርግስ ኣብ ሳግላ ኣብ ዝነበርሉ ግዜ ብወይቦ ዝበሃል ሕማም ተታሒዞም ክሳዕ ሞት በጺሖም ከም ዝነበሩ  ገድሎም ይሕብር፣፣ ሓሚሞም  ኣብ ዝነበርሉ ግዜ ሓደ መዓልቲ ቅዱስ ጴጥሮስን ቅዱስ ጳውሎስን ተገሊጾም  ‘’ምሳና ክትከውን ክንወስደካ መጺና”  በልዎም፣ ንሶም ካኣ  “ናይ ድርሰት ስርሐይ ከይወዳእኩ ንእግዚኣብሄር ኣብዚሐ ከየመስገንክዎ ኣይትውሰዱኒ” ኢሎም ለመኑ፣፣ ንሳቶም ካኣ ልመንኦም ተቀቢሎም ካብ ሕማሞ ፈዊሰሞም ከዱ፣፣ ካብ ሕማሞም ምስ ተፈወሱ ናይ ድርሳኖም ስርሖም ጀመሩ፣ ናይ መጀመርያ ድርሳኖም ጽሒፎም ምስ ወዲኡ ኣዝዩ ከም ዝመቀሮም ገድሎም ይነግረና፣፣ ኣብ ገዝኦም ዝነበሩ መጻሕፍቲ ገላቢጦም እንተደለይዎም  ክረኽብዎም ኣይከኣሉን፣፣ ሓደ ግዜ ኣብ ቤተክርስቲያን ኣብ ኣገልጉሎት  ከልዉ  ቅድስት ድንግል ማርያም ተገሊጻ  “ ስለምንታይ ኣቀዲምካ ከይ ነገርካኒ ጽሒፍካ “ ኢላ ሓተቶም፣፣ ንሶም ካኣ “ንዓኪ ደስ ዘብል  መሲሉኒ ኢዩ ይቅረ በልለይ” ክብሉ መለሱላ፣፣ ካብዚ ንድሓር ናይ ድርሰት ስርሖም ፈቂዳትሎም ተሰወረት፣ ‘’ወሶቤሃ በርሃ ልቡ ከመ ጸሓይ ወሓተወ ውስተ ሕልናሁ ባህርየ መለኮት፣ ወነጸረ ኩሉ ሕቡኣት–ካብዚ ንድሓር ልቡ  በርሃሉ ፣ህልንኡ እውን ነገረ መለኮት ፈለጠ ዝተሰወረ እውን ኩሉ ተመልከተ” ይብል ገድሎም፣፣

ናይ መጀመርያ ድርሰቶም ኣርጋኖን ዝተባህለ ብቅኔ  ንቅድስት ድንግል ማርያም ዘመስግን መጽሓፍ ኢዩ፣፣ ስለ ኣርጋኖን ድርሰቶም ገድሎም  ብከምዚ ይገልጾ፣ “ወሰመዮ በሰለስቱ ኣስማት ዘወእተሙ ኣርጋኖን ውዳሴ፣ ወመሰንቆ መዝሙር ወእንዚራ ስብሃት” “ብሰለስተ ኣስማት ሰመዮም ንሳቶም ካኣ ኣርጋኖን ውዳሴ፣ መሰንቆ መዝሙር፣ እንዝራ ስብሃት” ኢዮም፣፣ ቅድስት ድንግል ማርያም  ስለዝፈተወቶ  ዚማት ኣብ ዝበሃል ቦታ  ኣብ ዝነበርሉ ግዜ ፣”ካብ ድርሰትካ ኩሉ ከም ኣርጋኖን ገይረ ዝፈትዎ የለን” በለቶም፣፣ ሃጼይ  ዳዊት ነቲ ድርሰቶም ካብ ምፍታው ዝተላዕለ ብወርቂ ቀለም ገይሩ ከም ዝጸሓፎ ገድሎም ይገልጽ፣፣ካብዚ ቀጺሎም ዝጸሓፍዎ መጽሓፍ፣ ውዳሴ መስቀል ይበሃል፣፣ ቀጺሎም እውን መጽሓፈ ስብሃት ዘመዓልት ወዘሌሊት(መጽሓፈ ብርሃን ኢሎም ዝሰመይዎ) ኣዳለዉ፣፣ ነዚ መጽሓፍ መጽሓፍ ብርሃን ኢሎም ዝሰመይዎ ምኽንያት ገድሎም ከብርህ ከሎ “ኣስመ ውእቱ ያበርህ ወያስተሪ ፍናወ ስብሃቲሁ ለእግዚኣብሄር ወፍናወ ስብሃቲሆሙ ለትጉሃን ወለኩሎሙ ማህበረ ቅዱሳን ልዑላነ ብርሃን ወዓዲ ይነግር እንዘ ያስተሓውዝ ውዳሰሃ ለድንግል ንጽህት፣ ናይ እግዚኣብሄር ምስጋንኡ መገዲ ያብርህ፣ ኣብሪሁ የመልክት ልዑላነ ብርሃን ዝኾኑ  ማህበር ቅዱሳንን ናይ ትጉሃን ምስጋንኦምን መንገዲ የመልክት ናይ ኣደ ብርሃን ጣዕማን ምስጋናን ይገልጽ ይብል፣፣”

በቲ ግዜ  እቲ ዝነበረ ልማድ ካህናት ቁርባን ኣብ ዘቅርብሉ ግዜ ህዝቢ ናብ ካህናት መጺኡ ክቆርብ ከሎ ንንግስቲ ግን ኣብ  ገዛኣ ከይዶም የቕሩብዋ ነበሩ ፣ ኣባ ጊዮርግስ ግን “ እዚ ቅርባን ናይ ንጉስ ነገስታት ኢዩ ንግስቲ ናብዚ መጺኣ ክትቆርብ ይግባእ እምበር ንሕና ክንከይድ የብልናን” ኢሎም ተቓወሙ፣፣እዚ ነገር እዚ ንንግስትን ንኣባ ጊዮርግስን ስለዘጋጨዎም ሃጼይ ዳዊት ሽግሩ ንምፍታሕ ናብ ዳሞት ሰደዶም፣፣ ኣባ ጊዮርግስ ናብ ዳሞት እና ተጓዓዙ ከለዉ ምስ ኣባ ሳሙኤል ዘዋልድባ ተራኸቡ፣፣ኣባ ጊዮርግስ ኣለባብስኦም  ከም ተራ ሰብ ስለ ዝነበረ ኣቡነ ሳሙኤል  ኣይፈለጥዎምን፣፣ካብ’ዚ  ዝተላዕለ ኣባ ጊዮርግስ ቂር ኢልዎም ናብ ዳሞት ተመልሱ፣፣ከም  “ስርግው ሓምለ” ግምት  ክልቲኦም ዘየረዳዶድኦም ምኽንያት ስርዓተ ጸሎት ከይኮነ ኣይተርፍን ኢዩ፣፣ ኣብቲ ግዜ ናይ ዋልድባ ስርዓተ ጸሎት 7 ግዜ ይእዝዝ ነበረ፣ ኣባ ጊዮርግስ ግና  እዚ ውሒዱ ይብሉ ነበሩ፣፣

ካብ’ዚ ንድሓር ኣባ  ጊዮርግስ ቀንዲ ትኹረቶም ኣብ ድርሰት ገበሩ፣፣ ናብ ኣቡነ በርተሎሜዎስ ብምኻድ ናይ ቅዳሴ ድርሰት  ክጽሕፉ ክፍቀደሎም  ድሕሪ ምሕታቶም ምስ ተፈቅደሎም ናይ ቅዳሴ ጸሎት ከም  ዘዳለዉ ገድሎም ይሕብር፣፣ገለ ካህናት እዚ መን  ኢዩ ቅዳሴ ጸሎት ዝጽሕፍ እኳ እተበሉ እንተኾነ ግን   እግዚኣብሄር ኣርዮስ ብዝተቐጽዓሉ ቀጽዖም፣፣

ኣባ ጊዮርግስ ናይ ሃይማኖት ትምህርቲ ብዝግባእ ዝተማህሩ ስለዝነበሩ ብዘመኖም ዝላዓሉ ዝነበሩ  ናይ ሃይማኖት ክርክራት ግቡእ ዝኾነ ምላሽ ሂቦም ነቶም መኸራኽርቶም ኣሕፊሮም ይሰድዎም ነበሩ፣፣በቲ ግዜ እቲ “በሽዋ በይፋት ቤተ እስራኤልን” እና ተባህሉ ዝጽውዑ ኣይሁድ ነቡሩ ፣፣ካብ ኣቡነ ዜና ማርቆስ ጀሚሩ ብዙሓት መማህራን ናብኡ እና መጹ ነቲ ህዝቢ ወንጌል መሃርዎ፣፣ ኣቡነ ዜና ማርቆስ ናብ ክርስትና ዝተመልሱ ናይ ቅድስት ድንግል ማርያም፣ናይ ቅዱስ ሚካኤል፣ናይ ኣባ ኖብ፣ናይ በጊጋርሰም ሰማእት ቤተክርስቲያን ኣስሪሔምሎም ነበሩ፣፣እዚ ኩሉ እኳ እንተኾነ ቤት እስራኤል ኩሎም ናብ ክርስትና ኣይተመልሱን፣፣ካብ ኣይሁዳውያን ሓደ ብዛዕባ ነገረ ሃይማኖት ንኽከራኸር ሕቶ ኣቅረበ፣፣”ክርስቲያን  እንተረቲዖምኒ ናብኦም ክምለስ እየ እንተረቲዔዮም ካኣ ናባይ ይመጹ” ኢሉ ካኣ ተዛረበ፣፣ሃጼይ ዳዊት እዚ ምስ ሰምዔ ኣዝዩ ስለዝሓረቐ ሊቀ ካህናትን ናይ መጻሕቲ ፈላጣትን  ኩሉም ክእከቡ ኣዘዘ፣፣በቲ ሓደ ወገን ኣይሁዳዊ  በቲ ሓደ ወገን ካኣ ናይ ቤተክርስቲያን ሊቃውንቲ ክርክሮም ጀመሩ፣፣ኣቐዲሙ ዕድል ዝተዋህቦ ኣይሁዳዊ ስለዝነበረ ሕትኡ ኣቕረበ፣” ንስኻትኩም  ወዲ እግዚኣብሄር እትብልዎ ክርስቶስ ብሓቂ ወዲ እግዚኣብሄር እንተዝኸውን ናብ ቢታንያ ኣብ ዝመጻሉ ግዜ ኣልኣዛር ዝተቀበረሉ ቦታ ስለዘይፈለጦ ኣልኣዛር ኣበይ ቀቢርኩሞ”  ኢሉ ከም ዝሓተተ ኣብ ወንጌልኩም (ዮሃ11፣38-44) ተጻሒፉ ኣሎ፣ስለዚ መልሲ ሃቡኒ ፣ካብ መጽሓፈ  ኦሪት ሕቶ እንተኣለኩም ካኣ ሕተቱኒ በሎም፣፣ ኣብዚ ግዜ ኣባ ጊዮርግስ ሓሚሞም ኣብ ዓራት ነበሩ፣፣እቶም ሊቃውንቲ ካኣ ከምዚ ዝበለ ነገር ብዘይ ኣባ ጊዮርግስ ኣይከውንን  እዩ  እሞ ይምጽኡ  ኢሎም ንሃጼይ ዳዊት ሕቶ ኣቕረብሉ፣፣ኣባ ጊዮርግስ ብዓራት ተጸይሮም  ከምዝመጹ ገበረ፣ኣብ ዓራት  ኮይኖም ካኣ ኣብቲ ጉባኤ ተረኽቡ፣፣ኣብቲ ጉባኤ ዝቀረበ ሕቶ ምስነገርዎም ኣባ ጊዮርግስ ዝመለስዎ መልሲ ከምዚ ዝስዕብ ምዃኑ ገድሎም ይነግረና፣  “ኣነ ግን ብወንጌል ዘይኮነስ ብኦሪት ክከራኸር እየ ናይ ምኹራብ መጻሕፍቲ ኩሎም ብቤተክርስቲያን ዝተፈልጡ እዮም፣ ምኹራብ ዘርኤት ቤተክርስቲያን ካኣ ዓጸደት፣ ምኹራብ ፈተለት ቤተክርስቲያን ካኣ ለበሰቶ፣፣ኣዳም ኣብ ገነት ከሎ “ኣዳም ኣበይ ኣለኻ?” ኢሉ ዝሓተቶ መን ኢዩ?ን ኣብርሃም ሰበይትኻ ሳራ ኣበይ ኣላ? ኢሉ ዝሓተቶ መን’ዩ?እግዚኣብሄር ኣብ ኣይኮነን ድዩ?ብድሕርዚ ኣይሁዳዊ መልሲ ስኢኑ ሱቕ በለ፣፣ሊቃውንትን መኳንንትን ካኣ ብጣዕሚ ተሓጎሱ፣፣

ኣባ ጊዮርግስ ንዝመጾም ዝነበረ ክርክራት ብሓይሊ ኣምላኽ ይስዕርዎ ነበሩ፣፣ ሓደ ቢቱ ዝተባህለ  ሰብ ኣብ ግዜ ምጽኣት ወልድ ጥራሕ ኢዩ  እምበር ኣብን መንፈስ ቅዱስን ኣይመጹን እዮም እናበለ ናይ ኑፋቄ ትምህርቲ ጀመረ፣፣ቢቱን ኣባ ጊዮርግስን ኣብ ቤተ መንግስቲ ተራኺቦም  ክካትዑ ድማ ሃጼይ ዳዊት ወሰነ ፣፣እንተኾነ ቢቱ ክስዓር ምዃኑ ስለዝፈለጠ ንንጉስን ኣባ ጊዮርግስን ኣብኣሶም፣፣ሃጼይ ዳዊት ካኣ ንኣባ ጊዮርግስ ኣብ እሱር ቤት ኣእተዎም፣፣ ኣባ ጊዮርግስ  ኣብ እሱርቤት ከለዉ ቅዱስ ጴጥሮስን  ቅዱስ ጳውሎስን እና መጹ የጸናንዕዎም ነበሩ፣፣ኣብዚ እሱርቤት ከለዉ ካኣ ቅዱሳን ሃዋርያት ካብ 5 ሓምለ ጀሚሮም ን12 ወርሒ ዝምስገንሉ “ውዳሴ ሃዋርያት” ዝተባህለ መጽሓፍ ኣዳለዉ፣፣

ሃጼይ ተድሮስ ንኣባ ጊዮርግስ ካብ እሱርቤት ኣውጺኡ  ኣብቲ ናይ ቀደም በትኦም ኣቐመጦም፣፣ኣባ ጊዮርግስ ግን  ካብ ቤተ መንግስቲ ብምርሓቕ፣ኣብ ጋስጫ  ካብ ምቕማጥ ናብ ዳሞት ብምኻድ  ክምህሩ ጀመሩ፣፣ናብ ዳሞት ክኸዱ ከለዉ ንእግሪ መንገዶም ናብ ደብረ ሊባኖስ ኣትዮም ናይ ኣቡነ ተክለሃይማኖት ገዳም ተሳለሙ፣፣ ኣብዚ ግዜ እዚ ናይ ደብረ ሊባኖስ ኣበምኔት እጬጌ ዮሃንስ ከማ(7ይ ናይ ደብረሊባኖስ እጬጌ) ከምዝነርበሩ ገድሎም ይነግር፣፣እንተኾነ ግን ብፍልጠቶምን ክእለቶምን ዝቐንእሎም ሰባት ሓሶት ሚሂዞም ምስ ሃጼይ ተድሮስ ስለ ዘበኣስዎም ናብ ህልም ዝበለ በረኻ ክኽውዱ ተገብረ፣፣ኣባ ጊዮርግስ ካብቲ ዝኸድዎ ቦታ ስደት ዝተመልስሉ ሃጼይ ተድሮስ ምስሞተ ኢዩ፣፣

ናይ ኣባ ጊዮርግስ ተማሃራይ ዝነበረ ሃጼይ ይስሃቅ ብ1399ዓ.ም. መንግስቲ ምስ ሓዘ ንኣባ ጊዮርግስ ካብቲ ከይደሞ ዝነበሩ ቦታ ኣምጺኡ ናብ ጋስጫ መለሶም፣፣ኣብዚ ጉድኣት ወሪድዎም ነበረ፣፣ይኹን እንበር ዝበሐ ግዜኦም ኣብ ጸምን ጸሎትን ድርሰትን የሕልፍዎ ነበሩ፣፣

ሓደ መዓልቲ ቴድሮስ ዝተባህለ መስፍን፣ ንኣባ ጊዮርግስ ስለ ርትዕቲ ሃይማኖት ሓተቶም ፣ኣባ ጊዮርግስ “ፍካረ ኢየሱስ” ዝተባህለ መጽሓፍ ደሪሶም ሃብዎ፣፣ንጉስን ናይ ምስጢር ሊቃውንቲ ዝኾኑ ካህናትን ምስረኣይዎን ምስ ኣንበብዎን  “ብሓቂ ዮሃንስ ኣፈወርቅን  ኣፈበረኸት ዝኾነ ቄርሎስን ብዘመና ተንሲኡ” በሉ፣፣ኢትዮጵያ ቁስጥንጥንያ መሲላ ካብ እስክንድርያ ንላዕሊ እውን ሓፍ ሓፍ ኢላ ኢሎም ኣደነቑ፣ይብል ገድሊ ኣባ ጊዮርግስ፣፣

ፍካረ ሃይማኖት ዝተሰምየ መጽሓፎም ቤተክርስቲያን እታኣምኖምን እትውግዞምን ብግልጺ ዘርዚሩ ዝገልጽ መጽሓፍ ኢዩ፣፣ናይ ኢትዮጵያ ቤተክርስትያን እምነት ብግልጺ ዘርዚሩ ብምቕማጥ ኣብ ታሪኽ ቤተክርስቲያን ናይ መጀመርያ ስራሕ ይምሰል፣፣ዝዘርዘሮም  ናይ መናፍቓን ኣስማት ምስ ክሕደቶም ምስ ንርኢ ኣብቲ ዘመንቲ ዝነበሩ ሊቃውንቲ  ስለ ናይ ዓለም ቤተክርስቲያን ታሪኽ ዝነበሮም ፍልጠት የረእየና፣ ኣባ ጊዮርግስ መከራ ዘይተፈልዮም ኣቦ እዮም ነይሮም፣፣ገድሎም ከምዝትርኾ ኣብ ቤተ መንግስቲ ዝነበሩ ሰባት ናቶም ምኽርን  ተፈታውነትን ኣየድልዮምን ነይሩ፣፣ብፍላይ ፍካረ ኢየሱስ ዝተባህለ መጽሓፍ ምስ ጸሓፉ ዝረኸብዎ ክብሪ ፈጺሙ ኣይተዋሕጠሎምን፣፣ስለዚ ነገር ፈጢሮም ምስ ሃጼይ እንደገና ኣባኣስዎም፣ሃጼይ ይስሃቕ ኣሲሩ ማይ ናብ ዘይርከቦ ቦታ ሰደዶም ኣብኡ ካኣ ብዙሕ መከራ ረኸቦም፣ኩሉ ግዜ ግን ብዘይ ምቁራጽ ብጸሎት ይተግሁ ነበሩ፣፣እግዚኣብሄር ንሃጼይ ይስሃቅ ናብ ልቦንኡ  ከም ዝምለስ ገበሮ፣በቲ ንኣባ ጊዮርግስ ዝገበሮ ነገር ካኣ ተጣዕሰ፣፣ኣገልገልቱ  ልኢኹ  ኣባ ጊዮርግስ ክመጹ ኣዘዘ ፣ኣንተኾነ ግን ብምምጻእ ኣባ ጊዮርግስ ክፋኣቶምን ተንኮሎምን መታን ከይግለጽ ፣ኣባ ጊዮርግስ ሞይቱ  ኢሎም  ነገርዎ፣፣እዚ ምስ ሰምዔ ሃጼይ ይስሃቅ ብጣዕሚ ሓዘነ፣፣

ኣባ ጊዮርግስ ሞይቱ ከም ዝተባህለ ካብ ደቂ መዛሙርቱ ስለ ዝሰምዔ፣ብሂወት ከምዘሎ ወረቀት ጽሒፉ ንሃጼይ ይስሃቅ ንኸብጽሓሉ ንኣውሎ ንፋስ  ለኣኾ፣፣ እቲ  ኣውሎ ንፋስ ደብዳቤ ተሰኪሙ ብምኻድ ሃጼይ ይስሃቕ ኣብ ድኳን ተቐሚጡሉ ኣብ ዝነበረ ግዜ ኣብ ሕቑኡ ኣቐመጦ ፣ምትሓት ስለዝመሰሎ ካኣ ብጣዕሚ  ደንገጸ፣፣መኳንንቱን  ህዝብን  ኣኪቡ  ካኣ ጉዳዩ ነገሮም ብቐጥታ ነቲ ወረቐት ኣብ ሓዊ ኣእተውዎ ክቓጸል ግና ኣይከኣለን ፣ናብ ማይ ኣእተውዎ ክጥልቂ’ውን ኣይተራእየን፣፣ በዚ ተደኒቑ ከፊቱ ኣንበቦ፣ ካብ ኣባ  ጊዮርግስ ዝተላእከ ደብዳቤ ምዃኑ ምስ ፈለጠ ብጣዕሚ ደንገጸ፣፣ነቶም ሞይቶም ኢሎም ዘውረዩ ድማ ናብ ቤት ማእሰርቲ ኣእተዎም፣ንኣባ ጊዮርግስ ካኣ ካብቲ ዝነበርዎ ከምጽእዎም  ልኡኻት ሰደደ፣፣ኣባ ጊዮርግስ ናብ ቤተ መንግስቲ ምስ መጹ ንጉስ ብሓጎስ ተቐበሎም፣፣እታ ደብዳቤ ብመን ከም ዝመጸት ካኣ ሓተቶም ፣ኣባ ጊዮርግስ ካኣ ብሰብ ዘይኮነስ ብናይ እግዚኣብሄር ፍቓድ ብንፋስ ከምዝለኣኽዎ ነገርዎ፣፣ ካብቲ ዝተመልስሉ ግዜ ጀሚራ ቅድስት ድንግል ማርያም ተገሊጻ ፣መከርኦም ከምናይ ሃወርያት ከምዝኮነ ገለጸትሎም፣ኣእምሮም ብሩህ ልቦም’ውን ትጉህ ዝገብር  ብዙሕ ምስጢር ነገረቶም፣፣ተፋንያቶም ምስ ከደት ፣”ብዙሕ መብራህቲ ኣቕርቡ 5 ፈጣናት ጸሓፍቲ ኣምጽኡ”ኢሎም ኣዘዙ፣፣ንሶም እና ነገርዎም  ንሳቶም እና ጸሓፉ 5 መዓልቲ ከየቛረጹ  ኣጽሒፎም  “መጽሓፈ ምስጢር”  ዝተባህለ መጽሓፍ ኣዳለዉ፣፣ኣባ ጊዮርግስ ብጣዕሚ ተደነቑ ፣”ኣነ ኣብዚ መጽሓፍ ቓል ኣይተዛረብኩን መንፈስ ቅዱስ ብናተይ ኣፍ ገይሩ ተዛሪቡ እምበር” ክብሉ ከም ዝመስከሩ ገድሎም ይሕብር፣፣እዚ መጽሓፍ ዝጸሓፍሉ ብ1409ዓ.ም ኣብ 52 ዕድሚኦም ክኸውን ከሎ፣ናይ‘ዚ መጽሓፍ ቅዳሕ ብነጋድያን ክሳዕ ኢዮሩሳሌም ከም ዝበጽሐ ካኣ ገድሎም ይነግረና፣፣

ሃጼይ ይስሃቅ ንኣባ ጊዮርግስ  “ምድረ ስዎን’’ ዝተባህለ ጳጳሳት ዝነብርሉ ዝነበረ ዓዲ ሂብዎም ነበረ፣በዚ ቦታ እዚ ካኣ ቤተክርስቲያን ሃነጹ ኣብኡ ድማ ብጾምን ጸሎትን ተጊሆም ነበሩ፣፣ኣብቲ ግዜ እቲ ንጉስ “መናገሻ ማርያም  ቤተክርስቲያን” ኣስሪሑ ስለዘበር  ኣባ ጊዮርግስ ክባርኽሉ ደለየ ፣ኣባ ጊዮርግስ ሓሚሞም እኳ እንተነበሩ ናብቲ ቦታ ከዱ ብሰንኪ ሕማም ደኺሞም ስለዝነበሩ ግና ንጉስ ኣብ ዓራት ተጸይሮም  እታ  ቤተክርስቲያን ከምእትባረኽ  ገበረ፣፣ቡራኬ ምስ ወድኡ ንደቂ መዛምርቶም ኣኪቦም “ምስ ሞትኩ ኣቦይ ኣብ ጸሎተ ሚካኤል መከራ ዝተቐበለላ ኣነ እውን ቤተክርስቲያን ዝሃነጽኩላ ቦታ ወሲድኩም ቅበሩኒ” ክብሉ ኣዘዝዎም፣፣ ንደቂ መዝቅምርቶም ናይ ስንብታ ትምህርቲ እና መሃርዎም ኣብ ዓራት ተሰኪሞም  ናብ ጋስጫ እና ከዱ ከለዉ ኣብ መንገዲ 7ሃምለ 1417 ዓ.ም ኣብ 60  ዓመቶም ዓረፉ፣፣

ክሳብ ሕጂ ዘለዉ ናይ ኣባ ጊዮርግስ ናይ ድርሰት መጻሕፍቶም ካብ 40 ንላዕሊ ምዃኖም ይግለጽ ገለ ካብኣቶም፣

1.            ሰዓታት ዘማዓልት

2.            ሆሆተ ብርሃን/ምስ መጽሓፈ ኣርጋኖን ሓቢሩ ዝተሓትመ/

3.            መስቀል

4.            ቅዳሴ

5.            ውዳሴ ሃዋርያት

6.            ኣርጋኖን ውዳሴ

7.            ፍካሬ ሃይማኖት

8.            መጽሓፈ ምስጢር

9.            ውዳሴ ስብሓ

10.         እንዚራ ስብሓት

11.         ሕይወተ ማርያም

12.         ተኣምኖ ቅዱሳን

13.         መጽሓፈ ብርሃን

14.         ጸሎት ዘቤት ቤት

ጸሎትን በረኸትን ናይ ኣባ ጊዮርግስ ምስ ኩላትና ህዝበ ክርስቲያን ይኹን ኣሜን፣፣

ወስብሃት ለእግዚኣብሄር

ወለወላዲቱ ድንግል

ወለመስቀሉ ክቡር ኣሜን

ምንጪ-ጽርሃጽዮን  ቁ 4(ት/ሰ/ማ/ቅ/ድ/ማርያም ቤተክርስቲያን መድሃኔኣለም ኣብ ቅድስት ሃገር እስራኤል ጥሪ 2005/2013)

Share this:
TwitterFacebook1

February 28, 2013Leave a reply
ዓምዲ ህጻናት
ዓምደ  ህጻናት

“ኣብ ምድሪ ዕድሜኻ ምእንቲ ክነውሕ፣ኣቦኻን ኣዴኻን ኣኽብር”(ዘጸ፦20፣12)

እግዚኣብሔር ኣምላኽ ብኣቦና ሙሴ ኣቢሉ ካብ ዝሃበና ትእዛዛት ሓደ ንሎሚ ክንርኢ ኢና።

4ይትእዛዝ፦“ኣብ ምድሪ ዕድሜኻ መታን ክነውሕ ኣቦኻን ኣዴኻን ኣኽብር” ብምባል ዝኣዘዘና ትእዛዝ ኢዩ።

ወለድኻኣኽብር፦ወለድና ንዓና ወሊዶም  ምስ ወለዱና ድማ ብዙሕ ነገራት ብምውጻእ፣ንጽቡቕና እምበር ንሕማቕና ዘይሓስቡ ዘይምነዩ ኢዮም።

ዋላ ዝጎድኣና ይኹን ኣይኹን ከይፈለጥና ሕማቕ ነገር ክንልምኖም ወይ ክንእዝዞም ንኽእል ኢና።ወለድና ግን ስለ ዝለመንናዮም ንሕማቕ ነገር ኣይህቡናን ኢዮም።ኩሉ ግዜ ዝጠቕመና ነገር ኢዮም ዝህቡና።

“እንታዋይ ሰብ’ዩ ካባኻትኩም ወዱ እንጌራ እንተለመኖ እምኒ ዝህቦ፣ወይ ከኣ ዓሳ እንተለመኖ ተመን ዝህቦ” ብምባል መድሃኔኣለም ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ወንጌሉ መስኪሩልና ኣሎ።(ማቴ7፣9-10)

ወለድና ኩሉ ግዜ ሰናይ ህያብ ብምሃብ ተማሂርና ኣብ ሓደ ቁም ነገር ክንበጽሕ፣ንነብሶም ገዲፎም ንደቆም ምስ ጸዓሩን ምስ ደኸሙን ኢዮም።

ወለድና እምበኣር ኩሉ ግዜ ጽቡቕ ነገር ኢዮም ዝሓስቡልና።ንሕና ደቆም’ከ፣ከምቲ ዝሓልዩልና ንሓልየሎም’ዶ᎒

ከምቲ ንሳቶም መጻኢ ተስፋ ዘለና ኣብ ቁምነገር ክንበጽሕ ብዘይ ዕረፍቲ ከም ዝደኽሙልና ንፈልጥዶ᎒ ብዘይ ምግናን ናይ ሎሚ ወለዶ፣ናይ ወለድና ጻዕሪ ሰናይ ነገራት ከምቲ ዝግባእ ንፈልጦ ኢና ክንብል ኣሸጋሪ ኢዩ።

እስከ ከም ፍቓድ እግዚኣብሔር ብኸመይ ንወለድና ከነኽብሮም ከምዝግበኣና ገለገለ ነጥብታት ክንርኢ ኢና።

1.ንወለድናምእዛዝ፦ኩሉ ዝኣዘዙና ነገር ዓቢ ይኹን ንእሽቶይ ክንትግብሮ ይግበኣና።

ንኣብነት፦ኣብ ማቴ 21፣28 ዘሎ ምሳሌ ምስ ንርኢ፣ሓደ ሰብኣይ ክልተ ደቂ ነበርዎ፣ናብቲ ቀዳማይ ቀሪቡ “ወደየ ሎሚ ናብ ኣታኽልቲ ወይኒ ውፈር እሞ ዕየ” በሎ፣ንሱ ከኣ እምቢ ኢሉ መለሰ ደሓር ግና ተጣዒሱ ወፈረ።

ናብቲ ካላኣይ ቀሪቡ ከኣ ከምኡ በሎ ንሱ ከኣ ሕራይ ጎይታይ በሎ ግና ኣይወፈረን።ሎሚ ዘለና ወለዶ’ውን በኣፍና ሕራይ ንብል ኣብ ተግባር ግን ዘየለና ካብ ትእዛዝ ዝወጻና ኢና።

ኩሉ ዓበይቲ ነገራት ወይ ናይ ጽድቂ ስረሓት እንተ ሰራሕና ብዘይ ምእዛዝ ኩሉ ኮንቱ ወይ ዘይጠቅም ኢዩ።

“ምእዛዝ ካብ መስዋእቲ ይበልጽ”(1ይሳሙ15፣22) ዝበለና ነዚ ኢዩ።ጎይታናን ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንዓና ከድሕን ኣብዚ ምድሪ ኣብ ዝነበረሉ እዋናት ካብ ህጻንነቱ ጀሚሩ ንኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ይእዘዛ ነበረ።(ሉቃ፦2፣51)

እዚ ንዓና ኣብነት ክኾነና ኢሉ ኢዩ።ንወለድና ብኹሉ ነገራት ክንእዘዞም ከምዘለና ክምህረና ኢሉ ኢዩ።

2.ናይወለድኻመቕጻዕቲምቕባል፦ወለድና ብህጻንነትና ምስ ንጋገ ወይ ዘይከውን ነገር ምስ እንሰርሕ ክቐጽዑና ይኽእሉ ኢዮም።መቕጻዕቲ ናይ ወለድና ንጽቡቕ ኢዩ።ዝቐጽዑና ጸሊኦምና ዘይኮኑ፣ናይ ፍቕሪ ምልክት’ዩ።

ከመይ እንተበልና ብወለዶም ዘይተቐጽዑ ኣብ ቁምነገር ክበጽሑ ኣጸጋሚ ኢዩ። መጀመርታ እቲ ክንከዶ ዝግበኣና መንገዲ ካብ ወለድና ኢና ንመሃሮ።

ከምቲ ቅዱስ ጽሑፍ ዝምህረና “ንህጻን እታ ክኸደላ ዝግበኦ መንገዲ መሃሮ’ሞ ክሳብ መወዳእታ ካብኣ ኣይከላግስን’ዩ”።(ምሳሌ፦21፣) ብምባል እቲ እንኸዶ መንገዲ ትምህርቲ፣ምኽሪ መጀመርታ ካብ ወለድና ከም እንመሃሮ ይነግረና።

በቲ ዝመሃሩና ቅኑዕ መንገዲ  ድማ ክሳብ መወዳእታ ብጽቡቕ ክንከይድ ንኽእል።ሓላፍነትና ንፈልጥ ንባዕልና ኴንና ንኻልኦት ንኸውን።ብኣንጻሩ እዞም ሎሚ ኣብ ናይ ዓለም ጥፍኣት ዝዋፈሩ ዘለዉ ዳርጋ መብዛሕቲኦም ናይ ወለዶም ምኽሪ ዘይሰምዑ፣ መቕጻዕቲ ወለዶም ዘይፈልጡ ኢዮም።

ናይ ወለዶም ፍቕሪ ዘይፈልጡ፣ብናይ ወለዶም ምኽሪ ዘይከዱ፣ ዘይቅጽዑ፣ ትእዛዝ ወለዶም ዘይፍጽሙ ካብ እግዚኣብሔር ዝረሓቑ፣ ፍርሃት እግዚኣብሔር ዘይብሎም ኣዝዮም ጨካናት ኢዮም ዝኾኑ።

ፍርሃት እግዚኣብሔር እንተዘይብልካ ድማ ብዘይ ርህራሄ ንሰብ ክትቀትል፣ብዙሕ ደም ከተፍስስ ትኽእል ኢኻ። “ኣቡኡ ዘይ ቀጸዖ ውላድከ እንታዋይ’ዩ። ከምቶም ኩሎም ውሉድ መቕጻዕቲ እንተዘይ ተቐበልኩም ግና ደቓሉ እምበር ውሉድ ኣይኮንኩምን።” (ዕብ፦12፣7-8)

ነቲ ዝቐጽዑና መቕጻዕቲ ናይ ወለድና እንተ ፍ`ዘይተቐበልና ከም ደቆም ኣይርእዩናን ኢዮም።መጻኢ ሂወትና’ውን ዘሰክፍ ኢዩ።ከምቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝምህረና፣ “ንውላድካ ብሸበጥ ምህራም ካብ ሲኦል የድሕን ኢዩ” ይብለና (ምሳ፦22፣13-14)፣

፣ ናይ ወለድና መቕጻዕቲ ናብ ሲኦል ካብ ምእታው ዘድሕን መድሃኒት ኢዩ። ብኣንጻሩ ናይ ዓለም ሕጊ ካብ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሕጊ ወጻኢ ዝኾነ ሕጊ ኢዩ።ንውላድካ ኣይትህረም ኣይትቕጻዕ ዝብል ኢዩ።

እዚ ግን ስዲ ንክንከይድ፣ ስነስርዓት ዘይብልና ንክንከውን ዝገብር፣ናብ ሲኦል ንኽንኣቱ ዘተባብዕ ሕጊ ኢዩ። ካብ ትእዛዝ ወለድና ካብ መቕጻዕቲ ወለድና እንተወጺእና ዝጎድኣና እምበር ዝጠቕመና ኣይኮነን።

ብፍላይ ኣብ ወጻኢ (ስደት) ዘለና ህጻናትን መንእሰያትን ናብ ጌጋ መንገዲ ዝመርሓና ኢዩ።

በዚ ናይ ዓለም ሕጊ እንተኼድና ሕጊ ኣልቦ ዝኾኑ ሰባት ኢና ንኸውን።ፍርሃት እግዚኣብሔር ዘይብልና ብስነ ስርዓት ዘይንኸይድ፣ኣብ ሕማቕ ወልፍታት ንጽመድ፣ ዘጸይፍ ነገራት ኣብ ምፍጻም ንዋፈር

ነቲ ርሂጽና ተጸሪፍና ዘምጻእናዮ ገንዘብ ኣብ ክንዲ ኣብ ቁምነገር እነውዕሎ ኣብዘይጠቅም ነገራት ነውዕሎ፣ ብሰንኩ ድማ መድሃኒት ዘይርከቦ ሕማምን ዕድሜና ኣብ ምሕጻርን ንወድቕ።

ሳዕቤን ናይዚ ኩሉ እንታይ ኢዩ እንተበልና ትእዛዝ እግዚኣብሔርን ወለድናን ዘይምፍጻም ኢዩ።

3.ንወለድናኣይንንዓቕ፦ ንወለድና ክንንዕቕ ኣይግበኣናን ኢዩ።ወለድና ምስ ኣረጉ ከምቲ ንሕና ብህጻንነትና ከለና ኩሉ ዝገበሩልና፣ ንሕና’ውን ኩሉ ነገራት ክንገብረሎም ይግባእ።ምስ ኣረጉ ኣይንንዓቆም።

“ካም” ንወላዲኡ ምስ ነዓቐ ከም ዝተረግመ መጽሓፍ ቅዱስ ይምህረና።(ዘፍ፦9፣20-29) ንወለድና ክንንዕቆም ኣይግበኣናን ኢዩ። “ናይ ወላዲ መርገም እንተዘይ ቀተለ የዕነኒ” ከም ዝተባሃለ መርገሞም እንተዘይ ቀተለና ኣብዛ ዓለም ግን ጽቡቕ ናብራ ክህልወና ኣይክእልን ኢዩ።

ዕድሜና’ውን ክሓጽር ኢዩ። ምናልባት ወለድና ምስ ኣረጉ፣ ከይ ኣረግና ናብ ቤተክርስቲያን ከይንኸይድ ክኽልክሉና ይኽእሉ ኢዮም።እዚ ግን ጸሊኦም ዘይ ኮኑ ብግቡእ ዘይምርዳእ ኢዩ።

ከምቲ ቃል ኣምላኽ ዝብለና “ስለ ጐይታ ኢልኩም ንወለድኹም ተኣዘዝዎም” ዝብለና ስለ ጎይታ ኢልና ክንእዘዞም ይግበኣና።ቀስ ኢልና ብትሕትና ድማ ጥቕሚ ቃል ኣምላኽ ምፍላጥና ኣብ ግዜ ንእስነትና ፈጣሪና ክንዝክር ከም ዝግባኣና ክነረድኦም ኣለና።

4,ንኻልኦትዓበይቲሰባትምኽባር፦ 4ይ ትእዛዝ ንወለድና ጥራይ ከነኽብር ኣይኮነን ዝእዝዘና።ምንም እኳ ብስጋ ወለድና እንተዘይ ኮኑ ብመንፈስ ግን ወለድና ኢዮም። ንዓበይቲ ሰባት ከነኽብር ይግበኣና ኢዩ።

ኩሉ ግዜ ብኹሉ ነገራት ፍጹማት ክንከውን ይግበኣና ኢዩ።ንኹሉ ከነፍቅር ንኹሉ ከነኽብር ይግበኣና።

“ነቲ ዝርእዮ ሓዉ ዘየፍቀረስ ነቲ ዘይርእዮ ኣምላኽ ከፍቅሮ ኣይክእልን ኢዩ’ሞ ንሓዉ እና ጸለኦስ ንኣምላኽ የፍቅሮ እየ ዝብል ንሱ ሓሳዊ ኢዩ” (1ዮሃ፦4፣20) ፣ዝብለና ነቶም እንርእዮም ዓበይቲ ሰባት ይኹኑ ካለኦት ክንእዘዞምን ከነኽብሮምን ይግባእ።

ከመይ’ሲ ንዓበይቲ ሰባት ንኣሕዋትና ምፍቃርን ምእዛዝን ንእግዚኣብሔር ምፍቃርን ምእዛዝን ስለ ዝኾነ።

ንዓበይቲ ምጽራፍ ኣይግባእን፦ ንዓበይቲ ሰባት ምጽራፍ ብፍላይ ብሓፈሻ ድማ ምጽራፍ ዘይ መንፈሳዊ ተግባር ኢዩ።ብሰንኪ ንዓበይቲ ሰባት ምጽራፎም ህጻናት ተቐዚፎም ኢዮም።

እዚ ኣብ 2ይ ነገ፦2፣23-25 ህጻናት “ኣታ በራሕ ኪድ ውጻእ፣ኣታ በራሕ ኪድ ውጻእ” ኢሎም ኣላገጽሉ።ንድሕሪት ግልጽ ኢሉ ድማ ረኣዮም።

ብስም እግዚኣብሔር ከኣ ረገሞም ሽዑ ክልተ ድቢ ካብ ዱር ወጹ፣ካብቶም ህጻናት ድማ 42 ቆልዑ ሰባበሩ ይብለና።ብሰንኪ ምጽራፍ ከም ዝተረግሙ ዕድሜኦም ከምዝሓጸረን መጽሓፍ ቅዱስ ይነግረና።

ክቡራት ህጻናት ብሓፈሻ ድማ መንእሰያት ትእዛዝ እግዚኣብሔር እንተፈጸምና ኣብዚ ምድሪ ይኹን ኣብ ሰማይ ዓቢ ጥቕሚ ኣለና።ብሓቂ ዓቢ ተስፋ ዘለዎ ትእዛዝ ኢዩ።

ኣብ ምድሪ፦ዕድሜና ይነውሕ

ምሉእ ጥዕና ይህልወና

ብዙሕን ዓበይትን በረኸት ንረክብ

ኣብ ሰማይ ዘለኣለማዊ ሂወት ንወርስ

ትእዛዝ እግዚኣብሔር እንተዘይ ፈጸምና ድማ

ዕድሜና ይሓጽር

ጥዕናና ይጎድል

በረኸት ዘይብልና ንኸውን

ኣብ ሰማይ ድማ ርስቲ ኣይህልወናን

ስለዚ ካብዚ ኩሉ ንኽንድሕን ትእዛዝ እግዚኣብሔር ንፈጽም።

ምንጪ-ጽርሃ ጽዮን ቁ 4 (ት/ሰ/ማ/ቅ/ድ/ማ/ቤተክርስቲያን መድሃኔኣለም ኣብ ቅድስት ሃገር እስራኤል ጥሪ  2005/2013)

ወስብሃት ለእግዚኣብሔር!

ወለወላዲቱ ድንግል

ወለመስቀሉ ክቡር

ኣሜን

Share this:
TwitterFacebook

February 28, 2013Leave a reply
ነገረ ማርያም
ነገረ ማርያም.

በስመኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን!

 “ትንቢቶም ለነበያት’’

ጎይታናን ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ድንግል ማርያም ምውላዱን ቅድስት ድንግል ማርያም ድማ ኣደ ክርስቶስ ምዃናን፣ብኣጋጣሚ ዝተፈጸመ ተኣምር ዘይኮነስ፣ብናይ ቅዱስ እግዚኣብሔር ፍቓድ ምዃኑ መጽሓፍ ቅዱስ ይገልጸልናን የረድኣናን።

     ብርሃን ዓለም ቅዱስ ሃዋርያ ጳውሎስ ናብ እብራውያን ኣብ ዝጸሓፎ መልእኽቱ፣ቅዱስ እግዚኣብሔር ካብ ጥንቲ ጀሚሩ ብዙሕ ግዜን ብብዙሕ መንገድን ኣብ ቅዱሳን ኣቦታትና ነበያት ሓዲሩ ከም ዝተዛረበ ገሊጹ ኣሎ።(ዕብ 1፣1)

ናይ ቤተክርስቲያንና ዓቢ ኣቦ ኣባ ሕርያቆስ ኣብ ቅዳሴ ማርያም ድርሰቱ’ውን “ኦ! ድንግል ነበያት ዝተነበዩልኪ ምሳሌ ዝመሰሉልኪ ንስኺ ኢኺ’’(ቅዳሴ ማርያም)፣ ብምባል ምስጢሩ ብኣምላኻዊ ጥበብ ዝተቐንየ ፣ብነበያት ድማ ዝተዘርበ ምዃኑ የርድኣና።ስለዚ ካብዚ ቀጺልና “ተነበዩ ላዕለኪ ዐቢያተ ወመንክራተ ኦ! ሃገረ እግዚኣብሔር-ሃገረ እግዚኣብሔር መንግስተ ሰማያት ንዓኺ ድንቂ፣ድንቂ ዝኾነ ትንቢት ተነጊሩልኪ” ከም ዝበለ ቅዱስ ኤፍሬም፣ንጉስ ኣብ ከተማኡ ከም ዝቕመጥ፣ ጎይታ ከኣ ንዓኣ ከተማ ጌሩ ትሸዓተ(9) ወርሕን ሓሙሽተ(5) መዓልትን ኣብ ማሕጸና ዝተቐመጠላ (ትርጉም ውዳሴ ማርያም ናይ ሮቡዕ ገጽ 70-72) ቅድስተ ቅዱሳን ንጽሕተ ንጹሓን ድንግል ማርያም ብዛዕባኣ ብቅዱሳን ዝተዘርበን ዝተጻሕፈን ናይ ትንቢት ቃላት ከም ፍቓድ ኣምላኽ ክንርኢ ኢና። እግዚኣብሔር ኣዒንተ ልቦናና የብርሃልና፣ምስትውዓል ከኣ ይሃበና ኣሜን!

1, ልቢ ኣምላኽ ቅዱስ ዳዊት

ሀ) “ሕዝቢ ኣምላኽ ንጽዮን ክበብዋ፣ግምብታታ ቁጸሩ፣ንዝመጽእ ወለዶ ምእንቲ ከተዘንትዉስ ቁጽርታታ መርምሩ፣ኣዳራሻታ ሕሰቡ” መዝ፦48፣12-13

    ቅዱስ ዳዊት ኣብ ትንቢቱ ብዙሕ ግዜ “ጽዮን” እና በለ ይዛረብ።ምክንያቱ ትንቢት ክዛረብ ከሎ ብሓደ ነገር ናብ ካሊእ፣ካብ ዝረአ ናብ ዘይረአ ካብ ግዙፍ ናብ ረቂቕ ስለ ዝኾነ።ንኣብነት ኣብ ግብሪ ሃወርያት ምዕ 7፣37 እንተተ መልኪትና ቀዳማይ ሰማእት ቅዱስ እስጢፋኖስ፣ጎይታናን ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብናይ ነበያት ትንቢት መሰረት ካብ ግዝያዊ ኣገላልጻ ናብ ናይ ዘልኣለማዊ ናይ ትንቢት ኣፈጻጽማ ዝመጸ ምዃኑ ክገልጽ ከሎ፣’ “እዚ ሙሴ እዚዩ ንደቂ እስራኤል ኣምላኽ ካብ ኣሕዋትኩም ሓደ ነቢይ ከምዚ ከማይ ከተንሰኣልኩም’ዩ ንዕኡ ስምዕዎ ዝበሎም” ብምባል ኣብ ኦሪት ዘዳግም ምዕራፍ 18፣16

ዝተነግረ ናይ ትንቢት ቃል ብምጥቃስ፣ኣማናዊ ሙሴ እቲ ንሳቶም(ኣይሁድ) ኣብ መስቀል ሰቒሎም ዝቐተልዎ፣ንሱ ነቢይ ሙሴ ዝተነበየሉ ኢየሱስ ክርስቶስ ምዃኑ ኣብሪሁ ክገልጽ ከሎ ንምልከት።በቲ ግዘ’ቲ ሊቀ ነበያት ሙሴ ዝተዛረቦ ቃል ትንቢት፣ንግዚኡ ብዛዕባ’ቲ ንዕኡ ተኪኡ ናብ ጉስነት እስራኤላውያን ዝመጸ ኢያሱ፣(ኦሪት (ኦሪት ዘዳግም 34፣9, ኢያሱ 1፣1-3) እኳ እንተኾነ፣ናይ ትንቢት ፍጻመ ግን ነቲ ስጋሰብ ተወሃሂዱ ናብዚ ዓለም’ዚ ዝተገልጸ ኣምላኽና ኢየሱስ ክርስቶም ምዃኑ የብርሃልና።

 ልቢ ኣምላኽ ነቢይ ዳዊት ስለ ቅድስት ድንግል ማርያም ዝተነበዮም ትንቢታት መብዛሕቲኦም “ጽዮን” እናበለ’ዩ።ሽሕ እኳ ንግዚኡ ንናይ ዳዊት ከተማ መጸግዒቱ ዕርዱ ንዝነበረት ጎቦ ጽዮን ይኹን እምበር፣ናይ ትንቢቱ ፍጻሜ ግን ጸወነ ስጋ ወነፍስ፣ጸወነ ጻድቃን ወሓጥኣን፣ናይ ስጋን ነፍስን ምኽንያት ድሕነት ዝኾነት ስለ ወላዲት ኣምላኽ ድንግል ማርያም ኢዩ።

ጽዮን ዝብል ቃን ከኣ ነዞም ዝስዕቡ ነጥብታት የጠቓልል፦

vናይ ዳዊት ከተማ(ኢየሩሳሌም) 2ዜና 5፣12

vህዝቢ እስራኤል መዝ 147፣12 , መዝ102፣13

vሰመያዊት ኢየሩሳሌም መዝ 50፣2

vቅድስት ድንግል ማርያም ኢሰ 59፣20, ሮሜ 11፣26

ንጽዮን ክበብዋ ብዙርያኣ ተመላለሱ፦ዝብል ናይ ትንቢት ቃል ብኣማላጅነታ ብረዲኤታ ምጥቃም

ግንብታታ ቁጸሩ፦ዝተባህለ ምልእተ ጸጋ(ናይ ኩሉ ጸጋታት በዓልቲ ቤት)ምዃናን ናይዚ ኩሉ ጸጋታት ተጠቀምቲ(ረባሕቲ) ክንከውን ከምእንኽእል ንኸረድእ ኢዩ።

ኣዳራሻታታ ሕሰቡ፦ድንግልናኣን ንጽሕናኣን ብጽእናኣን ቅድስናኣን ኣስተውዕሉ።

ንዝመጽእ ወለዶ ከተዘንትዉስ፦ እዚ ትንቢት ክሳዕ ዝፍጸም፣ምስተፈጸመ ድማ ንውሉድ ወለዶ ክሳዕ ምጽኣት ከምዝቕጽል የረድኣና። “እንሆ ኩሎም ወለዶታት ብጽቲ ክብሉኒ ኢዮም’’ዝበለት ቅድስት ድንግል ማርያም’ውን ነዚ ኢያ።(ሉቃስ1፣48)

ለ) “እምነ ጽዮን ይብል ሰብእ ወብእሲ ተወልደ ውስቴታ(ሰብ ካብኣ ስለ ዝተወልደ ኩሎም ኣህዛብ ኣዴና    ጽዮን ኢሎም ክጽውዕዋ’ዮም” መዝ 87፣5

ቅዱስ ዳዊት ንወላዲት ኣምላክ ብዓይኒ ትንቢት “ኣዴና ጽዮን” እናበለ ይገልጻ።ምኽንያቱ ሰብ ካብኣ ስለ ዝተወልደ ብምባል ይዛረብ፣ እዚ ከኣ ድሕሪኡ ዝመጸ ነቢይ ኢሳይያስ ከም ዝገለጾ፣ቅዱስ ማቴዎስ ወንጌላዊ ዝመስከሮ ቃል ክፍጸም ምዃኑ መንፈስ ቅዱስ ስለ ዝገለጸሉ’ዩ።እቲ ቃል ድማ፣ “እንሆ ድንግል ኪትጠንስ ወዲ ካኣ ክትወልድ’ያ ስሙ ከኣ ኣማኑኤል ኢላ ክትሰምዮ ኢያ” ዝብል ትንቢታዊ ቃል ስለ ዝተፈጸመ፣ካብኣ ከኣ ሰብ ዝኾነ ኣምላኽ ስለ ዝተወልደ ኣዴና ጽዮን ኢልና ንጽዋዓ።(ት.ኢሰ 7፣14,

ማቴ1፣18-23 ሉቃ1፣26-38 ትርጉም ናይሮቡዕ ውዳሴ ማርያም ገጽ68) ነዚ ኣመልኪቱ ኣምላኽና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ዕጸ መስቀል ኣብዝወዓለሉ ዕለት ዓርቢ ንወላዲቱ ንድንግል ማርያም “እነሆ ወድኺ” ነቲ ዘፍቅሮ ወዲ መዝምሩ ዮውሃንስ ወንጌላዊ ከኣ “እነሀት ኣዴኻ” ብምባል ቅዱስ ዳዊት ዝተነበዮ ናይ ኣምላኽ ቃል ዝተፈጸመ።ኩላትና ድማ “ኣዴና” ኢልና ክንጽዋዓ ከምዝግበኣና ብኣላኻዊ ቃሉ መስኪሩ’ዩ።(ዮሃ 19፣26-27)  “ሰብ ካብኣ ስለ ዝተወልደ” ዝበሎ ከኣ መለኮታዊ ቃል ብፍሉይ ኣካሉ፣ካብ ቅድስት ድንግል ማርያም ስጋን ነፍስን ወሲዱ ብተዋህዶ ሰብ ናይ ምዃኑ ምስጢር ኢዩ።(ት.ኢሰ7፣14 ማቴ1፣፣23 ዮሃ1፣14 እብ2፣26)

ሐ) “ቀደሰ ማህደሮ ልዑል (ልዑል እግዚኣብሔር ማሕደሪኡ ቀደሰ(ፈለየ)”፦

vእግዚኣብሔር ውስተ ማዕከላ ኢትትሃወክ(እግዚኣብሔር ኣብ ማእከላ እዩ’ሞ ኣይትናወጽን)።

vወይረድኣ እግዚኣብሔር ፍጹም (እግዚኣብሔር ብፍጹም ክረድኣ’ዩ)።

            እግዚኣብሔር ብባህሪኡ ቅዱስ’ዩ(ራኢ 4፣8 ሉቃ1፣48 ኢሰ8፣13) ንሱ ንመሕደሪኡ ክትከውን ዝመረጻ ወላዲተ ኣምላኽ ድማ ዝተፈልየት ቅድስቲ ኢያ።ነዚ ኣመልኪቱ ቅዱስ ኣቦና ኣባ ሕርያቆስ “እግዚኣብሔር ካብ ሰማይ ናብ ምብራቕን ምዕራብን ሰሜንን ደቡብን ናብ ኩሉ መኣዝናት ብሓቂ ጠመተ፣ግርማ መልክዕኪ ኣፍቀረ፣ዝፈትዎ ወዱ ካኣ ናባኺ ለኣኾ”(ገላ4፣4-5, ቅዳሴ ማርያም ቁ.24)

“እግዚኣብሄርኣብ ንጽህናኺ ምስ ረኣየ ገብርኤል ዝበሃል ብርሃናዊ መልኣኽ ናባኺ ለኣኾ፣መንፈስ ቅዱስ ክመጽእ’ዩ ሓይሊ ልዑል ድማ ከጽልለኪ’ዩ በለኪ” (ቅ.ማርያም ቁ.45 ሉቃ1፣26-38 ሉቅ2፣41-45  ትርጉም ቅዳሴ ማርያም ገጽ 285) ከምኡ’ውን ጥበበኛ ሰሎሞን ካብ ኣቡኡ ቅዱስ ዳዊት ዝተዛረቦ ትንቢታዊ ቃል ብዘይፍለ “እታ ፍትውተይ’ሲ  ኣብ ማእከል ኣዋልድ ከም ኣብ ማእከል እሾክ ዝበቖለት ዕንበባ ሽሻን ኢያ” ብምባል ኣብ ማእከል’ቲ ብእሾክ ዝተመሰለ ሓጢኣት ኣዳም ንሳተፈልያ ቅድስት ምዃና መስኪሩ ኢዩ።

(መሃ 2፣2  መሃ4፣7  ምሳሌ 31፣29)

vእግዚኣብሔር ንመሕደሪኡ ቀደሰ(ፈለየ)፦ ዝብል ቃል ቅዳስት ድንግል ማርያም ናይ ኣምላኽ መሕደሪ ንምዃን ዝመረጻ፣ካብ ሓጢኣት፣ካብ መርገም፣ካብ ፍትወት፣ካብ ርኽሰት ዝሓለዋ እግዚኣብሔር ጥራሕ ምዃኑ ንምርዳእ ኢዩ።

vእግዚኣብሔር ኣብ ማእከላ ኢዩ’ሞ ኣይትናወጽን፦ ዝብል ቃል ድማ እግዚኣብሔር ቅድሚ ምውላዳ ፣ክትውለድ ከላንድሕሪ ምውላዳን ብድንግልና ፍጽምትን ጽንዕትን ምዃና ይገልጸልና። “ኣምላኽ ዝወለደት ማርያም ንዘልኣለም ድንግል ከምዝኾነት ንኣምላኽ ምውላዳ ዘይምርመር ድንቂ ከምዝኾነ ድሕሪ ምውላዳ’ውን ብድንግልና ጸኒዓ ነበረት”። (ቅዱስ ሳዊሮስ ናይ ኣንጾክያ ሊቀጳጳስ  ሃ.ኣበው ገጽ 385 ምዕ77፣14  ሃ.ኣበው ዘመቃርስ 98፣13 ገጽ437  ሃ,ኣበው ገጽ172 ምዕ53፣3 ቅዱስ ቴዎዶጦስ ናይ ዕንቅራ ኤጲስቆጶስ)

“ዘኢትረኣይ ወዘኢታወቅ ወለደቶ ማርያም እንዘ ድንግል ይእቲ(ሰብቅድሚ ምዃኑን ሰብ ድሕሪ ምዃኑን ብዘይምርመር ንዕኡ ማርያም ማሕተም ድንግልናኣ ከይተለወጠ ወለደቶ)’’።ከምዝበለ ቅዱስ ኤፍሬም (ውዳሴ ማርያም ናይ ሰሉስ፣ ሕዝ 44፣1-2)

vእግዚኣብሔር ብፍጹም ክረድኣ’ዩ፦ዝበሎ ከኣ እግዚኣብሔር ካብ ኣዳም ጀሚሩ ክሳዕ ዘልኣለም ካብኣ ከምዘይፍለን ምልእተ ጸጋ ጌሩ ከምዝፈጠራን ዝገልጽ’ዩ።

መ) “እስመ ሓረያ ለጽዮን ወኣብደራ ከመትኩኖ ማህደሮ ዛቲ ይእቲ ምዕራፍየ ለዓለም(እግዚኣብሔር ንጽዮን ሓረያ መሕደሪቱ ክትከውን ድማ በሃጋ፣እዚኣ ንሓዋሩ መዕረፊተይ’ያ ብሂገያ ኢየ’ሞ ኣብዚኣ ክነብር’የ)’’ መዝ 132፣13-14፦

እግዚኣብሔር ካብ ኩለን ሃገራት ዓለም ንእስራኤል፣ካብ ኩለን ከተማታት እስራኤል ከኣ ንኢየሩሳሌም መረጸ።ምኽንያቱ በቲ ግዜ’ቲ ኣብ ኩሉ ቦታታት ዝነብሩ ዝነበሩ ሰባት ብኣምልኾ ጣኦታት ተታሒዞም ክነብሩ ከለዉ፣ኣብ ኢየሩሳሌም ዝነብሩ ዝነበሩ ግን እግዚኣብሔር አምልኩ ስለ ዝነበሩ ፣ብግዝያዊ ኣገላልጻ እግዚኣብሔር ንጽዮን(ኢየሩሳሌም) ምምራጹን ምብሃጉን የመልክተና።ናይዚ ትንቢት ምስጢራዊ ኣፈጻጽማ ግና፣ቅዱስ እግዚኣብሔር ካብ ኣንስቲ ፈልዩ መሕደሪቱ ክትከውን ዝመረጻ ቅድስት ድንግል ማርያም ምዃና ምግንዛብ የድልየና።

      እግዚኣብሔር ንተዋህዶ ዝመረጻ ቅስት ድንግል ማርያም ስለ ዝኾነት ብዘይ ምርመር ጥበብ፣ምስ ስጋኣን ነፍሳን ተወሃሂዱ ኣብ ማህጸና ተቐሚጡ ኢዩ። “ንዘልኣለም ክነብር’የ” ዝበሎ ድማ ንሱ ንዘልኣለም ምሳኣ ምዃኑ፣ድንግልናኣ፣ቅድስናኣ፣ብጽእናኣ፣ዘልኣለማዊ ምዃኑ ንምርዳእ’ዩ።በቲ ሓደ ወገን ድማ ካብኣ ዝወሰዶ ስጋን ነፍስን ንዘልኣለም ካብ መለኮት ከምዘይፍለ ግልጺ ጌሩ ምስጢረ ተዋሕዶ የስተምህረና።(ዮሃ20፣28  1ዮሃ 1፣1 ግ.ሃዋ 1፣9-11  ማር14፣61  ዮሃ17፣5  ዮሃ17፣24 ራእ5፣12)

2,ነቢይ ኢሳይያስ

ሀ) “ካብ ሱር እሰይ በትሪ ይወጽእ፣ካብቲ በትሪ ድማ ጠጥዒ ክጭብጭብ ካብ ሱሩ ዝጨብጨበ ጨንፈር ከኣ ፍረ ክፈሪ ኢዩ”። ት.ኢሰ 11፣11

ናይዚ ትንቢት’ዚ ቀንዲ ዕላማ እግዚኣብሔር ሰብ ናይ ምዃኑ ምስጢር ኢዩ።

እግዚኣብሔር ፍጹም ኣምላኽ ፍጹም ሰብ ኮነ ክበሃል ከሎ ፣እግዚኣብሔር ካብዝመረጻ ካብ ቅድስት ድንግል ማርያም ምውላዱ ኢዩ።

ነቢይ ኢሳይያስ ናይ ቅድስት ድንግል ማርያም ሓረግ ትውልዲ፣ካብ ናይ ዳዊት ኣቦ ካብ እሴይ ምዃኑ ገሊጹ ኣሎ፣እዚ ከኣ ካብ ሱር እሴይ ካብ ናይ ዳዊት ዘርኢ ቅድስት ድንግል ማርያም ከም እትውለድ እግዚኣብሔር ንኣቦና ዳዊት ቃል ኣትይሉ ነበረ። (መዝ131፣11) ባዕሉ’ውን ቅዱስ ዳዊት “ጓለየ ናብቲ ዝብለኪ ስምዒ፣ርኣዪ’ውን እዝንኺ ጽለዊ፣ህዝብኽን ቤት ኣቦኽን ረስዒ ብመልክዕኪ ንጉስ ክፈትወኪ’ዩ ንሱ ጎይታኺ’ዩ እሞ ስገድሉ” እና በለ ገሊጹ ኣሎ። መዝ45፣10-11

ካብ ዘርኢ ዳዊት ንእትርከብ ዕንባባ(ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም)ካብኣ ዝውለድ ፍረ(መድሃኔ ኣለም) ብቅዱስ ስጋኡን ክቡር ደሙን ዓለም ናይ ምድሓን ምስጢረ ስጋዌ ምዃኑ ንምርዳእ በትርን ዕንበባን እና በለ ይገልጽ።ብናይ መንፈስ ቅዱስ ገላጽነት ነዚ ምስጢር ዝተርጎመ ቁስ ኤፍሬም፣ “ንኣካላዊ ቃል ዝወለድክንላ መልክዐኛ ርግቢ ማርያም ደስ ይበልኪ፣ካብ ሱር እሰይ ዝተረኽበት ሰናይ መዓዛ ዘለዋ ዕንበባ፣ንስኺ ኢኺ።”ብምባል የመስግና።ጽጌ ንሳ፣መዓዛ ወዳ፣ክውምኡ’ውን ጽጌ ንሳ መዓዛ ንጽሕናኣን ቅድስናኣን ኢዩ።(ናይ ሰንበት ውዳሴ ማርያም)  ኣብ ናይ ቀዳም ውዳሴኡ’ውን “ኣንቲ ውእቱ ዘመድ እምሰርወ ዳዊት፣ካብ ዳዊት ዝተረኸብኪ ባህርይ ኢኺ(ራእ 5፣5) ።ሱር ንላዕሊ ይዓቢ ንታሕቲ’ውን ይዋፈር ኢዩ፣ስለዚ ንላዕሊ እንተበልና እሴይ ንታሕቲ እንተበልና ከኣ እያቄም መራኸቢኡ ዳዊት ኢዩ።”(ትርጉም ናይ ቀዳም ውዳሴ ማርያም ገጽ 147) ናብ ላዕሊ እንተበልና ኣብራሃም(ገላ3፣16,ማቴ1፣16) ናብ ታሕቲ እንተበልና ድማ ዳዊት፣ማእከላይ እሴይ ኢዩ።(ትርጉም ናይ ሰንበት ውዳሴ ማርያም ገጽ172)

ለ) “ደቂ እቶም ዝጭቁንኺ ዝነበሩ እና ደነኑክመጹ፣እቶም ዝነዓቑኺ ኩሎም ድማ ናብ ትሕቲ ኣእጋርኪ ፍግም ኢሎም ክሰግዱልኪ ኢዮም እሞ ከተማ እግዚኣብሔር፣ጽዮን ከተማ እቲ ቅዱስ ኣምላኽ እስራኤል ኢሎም ክሰምዩኺ ኢዮም”። ኢሳ 60፣14

እዚ ቃል’ዚ ብመጀመርያ ነቶም ንኢየሩሳሌም ዘሸግሩ ዝነበሩ ናይ ኣህዛብ ነገስታት መጠንቀቕታ ክኸውን ከሎ ፍጻሜኡ ግና

1)     ካብ ኣዳም ክሳዕ ክርስቶስ ኣብ ሲኦል ንነፍሳት ዘጨንቑ ዝነበሩ ኣጋንንቲ ኣብ እግሪ መስቀሉ ምውዳቖም የመልክት።ምኽንያቱ ኣብ መስቀል ውዒሉ ንኣጋንንቲ ብመስቀሉ ዝቐጥቀጠ(ቆላ2፣15) ስጋ ወልደ እግዚኣብሔር ካብ ቅድስት ድንግል ማርያም ዝወሰዶ ስጋ’ዩ።ነዚ ኣምላኽ ዝኾነ ስጋ’ውን ኣብ ዝተፈላለየ ግዜ ኣጋንንቲ ሰጊዶምሉን ኣብ ቅድሚኡ ኣንቀጥቂጦምን’ዮም።(ማቴ8፣29, ማር1፣24)

2)    ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን፦ቅድስት ድንግል ማርያም ካም እትጥነስ ጀሚራ ክሳዕ ዕረፍታ ዝነበሮም ጭንቀትን ጭካነን ፍጻሜኦም የርእየና።

3)   መናፍቃን፦ድንግል ማርያም ወላዲተ ኣምላክ ኣይትበሃልን እና በሉ ስለ ቅድስነኣን ዘላለማዊ ድንግልነኣን ዘለዎም ርዲኢት ጌጋን ዘይ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ግንዛቤ ምዃኑ ንምግላጽ ኢዩ።

ካብ ዝተገልጸ ሓቀኛ ዝኾነ ትንቢት መሰረት፣ ሓደ ግዜ ናይ ቅድስት ድንግል ማርያም ክብራን ንጽህነኣን ኣሚኖም ክምለሱ ምዃኖም የረድኣና።እቶም ብምስጢረ ስጋዌ ንኣምን ኢና ንብል ሰባት ጥራሕ ዘይኮነስ፣ኣህዛብ’ውን ዝመጽሉ ግዜ ኣሎ።ነዚ ሓቂ’ዚ ቅዱስ ዳዊት ክገልጽ ከሎ “ህዝቢ ጢሮስ ገጸ በረኸት ከምጽኡልኪ እቶም ሃብታማት ህዝቢ ኣብቅድሜኺ ሞጎስ ክረኽቡ ክጽዕሩ ኢዩም።” ብምባል ንድሕነት ዝተመርጹ ናብ ቅድስት ድንግል ማርያም ዝተመለስሉ ግዜ ከም ዝነበረ የረድኣና።(መዝ45፣1) ሕጂ’ውን ብዙሓት ካብ ሃይማኖት ወጻኢ ዝጸንሁ ሰባት፣ክብራ፣ንጽህነኣ፣ኣደነታ ኣሚኖም ማይጸጋ ስግደት ይህብዋ ኣለዉ።

ሐ) “እግዚኣብሔር ኣብ በሪኽን ልዕል ዝበለ ዝፋን ተቐሚጡ ከሎ ረኣኽዎ ዘፈራት ልብሱ ከኣ ነቲ መቕደስ መሊእዎ ነበረ” (ት.ኢሰ 6፣1-13  ንመልከት)

ንግዚኡ ነቢይ ኢሳይያስ ካብ ዝፈርሆ ዝነበረ ንጉስ ዖዝያን ንላዕሊ እግዚኣብሔር ዓቢ ምዃኑን፣ካብቲ ግዝያዊ ንጉስ(ዖዝያን) እግዚኣብሔር ዘልኣለማዊ ምዃኑ ዝገልጽ ምስጢር ኢዩ። ናይ ትንቢት ፍጻሜኡ ግንብ “በሪኽን ልዕል ዝበለ ዝፋን” ዝተባህለ ቅድስት ድንግል ማርያም ክትከውን ከላ “ዝፋናት ልብሱ ከኣ ነቲ መቕደስ መሊእዎ ነበረ” ዝተብህለ ድማ መለኮታዊ ክብሩ ካብ ባህሪ ኣቡኡ (ኣብ) ካብ ባህርይ ሂወቱ (መንፈስ ቅዱስ) ከይተፈልየ ፣ከየጉደለ፣ከይወሰኸ፣እግዚኣብሔር ወልድ ኣብማህጸን ቅድስት ድንግል ማርያም ምህዳሩን ረቂቕ ኣምላኽ ብጋህዲ ምግላጹን የመልክት።ልዑል እግዚኣብሔር ሰብ ንምድሓን ዝገበሮ ናይ ምስጢረ ስጋዌ ጉዕዞ ንቅድስት ድንግል ማርያም ዝፋኑ ገይሩ ምግላጹ ዘካትዕ ወይ ድማ ዘማትእ ኣይኮነን።እግዚኣብሔር ሰመያዊ ዝፋኑ ክቡርን ቅዱስን ኢዩ።ካለአይቲ ዝፋን ዝኾነቶ ቅድስት ድንግል ማርያም ድማ፣ክብርትን ቅድስትን ኢያ።እዚ ስለዝኾነ ከኣ ኣብ ናይ እግዚኣብሔር ዝፋን ዝቕመጥ ባዕሉ እግዚኣብሔር ጥራህ ኢዩ።

መ) “እግዚኣብሔር ባዕሉ ትእምርቲ ክህበኩም ኢዩ፣ድንግል ክትጠንስ ወዲ ከኣ ክትወልድ’ያ ስሙ ከኣ ኣማኑኤል ኢላ ክትሰምዮ ኢያ”። (ት.ኢሰ 7፣14)

ነቢይ ኢሳይያስ እግዚኣብሔር ካብ ድንግል ማርያም ስጋን ነፍስን ወሲዱ(ተወሃሂዱ) ሰብ ምዃኑን ኣማኑኤል (እግዚኣብሔር ምሳና’ዩ) ተባሂሉ ከም ዝጽዋዕን ኣረጋገጸ።(ማቴ1፣23) ናይዚ ምስጢር’ዚ መበገሲ ኣብ ኦ.ዘፍ3፣22 ዘሎሓይለ ቃል ከኣ ይትርጎም።ነዚ ኣመልኪቱ ቅዱስ ኤፍሬም፣ “ርእየ ኢሳይያስ ነቢይ በመንፈስ ትንቢት ምስጢር ለኣማኑኤል-ነቢይ ኢሳይያስ ብዛዕባ መጻእን ትንቢትን ብዝገልጽ መንፈስ ቅዱስ ምስጢር ኣማኑኤል ረኣየ”(ት.ኢሰ7፣14) ቀጺሉ’ውን ቅዱስ ኤፍሬም ህጻን ተወልደ ለነ ወልድ ተውህበ ለነ-ህጻን ተወሊዱልና፣ወልድ ተዋሂቡና(ወልድ ንሕማም ንሞት ተዋሂቡናልከምኡ’ውን ንኩነተ ስጋ ተዋሂቡና) “ህጻን ተወልደ ለነ” ጠባይ ህትጻናት ሓልዩ ህጻን ኮይኑ ከኣ ተወልደልና።እዚ ከኣ ጎይታ ስጋ ለቢሱ ምውላዱ ንዕኡ ጥቕሚ ዘይኮነስ ንዓና ከምዝኾነ መታን ከብርህ “ተወልደልና” ይብል።(ናይ ሶኒይ ውዳሴ ማርያም, ት.ኢሰ 9፣6)

ረ) “እግዚኣብሔር ጎይታ ሰራዊት ገለ ሒደት ትርፊ እንተዘይ ሓድገልናስ ከምሰዶም ምኾንና ንጎሞራ’ውን ምመሰልና ኔርና” (ት.ኢሰ1፣9)

700 ዓመታት ቅድሚ ልደት ቅድስት ድንግል ማርያም ዝነብር ዝነበረ ነቢይ ኢሳይያስ ከምቲ ሰዶምን ጎሞራን ብሰንኪ ሓጢኣቶም ተረፍ ዘርኢ ዘይብሎም፣ንሕና ድማ ካብ ቅትለት ዝተረፉ ሒደት ዘርኢ እንተዘይ ሃድገልናስ ጥራሽ ምጠፋእና ብምባል ስለቲ ኣብ ዘመነ ምርኮ ባቢሎን ዝተፈጸመ ነገር ክዛረብ ትንቢታዊ ምስጢሩ ግና ምኽንያት ድሕነትና ዝኾነት ቅድስት ድንግል ማርያም እግዚኣብሔር እንተዘይ ህበና፣ንህናስ ብባርነት፣ብራዕዲ ናይ ሰይጣን ተገዚእና ምነበርና ንምባል’ዩ።ቅዱስ ሃዋርያ ጳውሎስ’ውን ነዚ ትንቢት’ዚ ኣልዒሉ ገሊጽዎ ኣሎ። (ሮሜ 9፣29)

3)ነቢይ ሕዝቅኤል

(ሕዝ፦44፣1-12) ቀጺሉ ነቢይ ሕዝቅኤል ዝተነበዮ ትንቢት ኣብዚ ብዛዕባ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ንርኢ፦ “ብድሕሪ’ዚ እቲ ሰብኣይ ናብታ ናብ ምብራቕ ኣቢላ እትርኢ ግዳማዊ ኣፍደገ ቤት መቕደስ ዘሎ ቅርዓት ወሰደኒ፣እታ ኣፍደገ ከኣ ዕጽውቲ ነበረት።እግዚኣብሔር ድማ፣እዛ ኣፍደገ እዚኣ ዕጽውቲ ትኹን፣ኣይትከፈት ሰብ’ውን ብኣኣ ኣይእቶ።ኣነ እግዚኣብሔር ኣምላኽ እስራኤል ብኣኣ ኣትየ እየ’ሞ ብዕጽውታ ትንበር።

vምብራቕ፦ዝበላ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ኢያ።ጽሓይ ካብ ምብራቕ ከም ዝወጽእ፣ኣማናዊ ጸሓይ ኢየሱስ ክርስቶስ ከኣ ካብ ድንግል ማርያም ተረኺቡ ኢዩ።

      (ዮው1፣8 ዮው8፣12 ዮው1፣5 1ጢሞ15፣16)

vመቕደስ፦ዝበሎ ማህጸና ኢዩ።ኣካላዊ ቃል ን9 ወርሕን 5መዓልትን ኣብ ማህጸና ተቐሚጡ ኢዩ።

vዝተዓጽወት ኣፍገ፦ዝበሎ ማሕተም ድንግልናኣ ንምግላጽ ኢዩ።

vዕጽውቲ ነበረት፦ቅድሚ ንጎይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ምውላዳ ድንግል ከም ዝነበረት ዝገልጽ’ዩ።

vዕጽውቲ ትኹን ኣይትከፈት፦ድሕሪ ምውላዳ እውን ዘልኣለማዊት ድንግል ምዃና ኢዩ።

vሰብ ብኣኣ ኣይእቶኣነ እግዚኣብሔር ኣምላኽ እስራኤል ብኣኣ ኣትየ እየ’ሞ ብዕጽውታ ትንበር ዝበሎ ድሕሪ ንክርስቶስ ምውላዳ ብድንግልናኣ ከም እትነብርን ብጀክኡ ካልእ ውላድ ከምዘይ ብላን ብዘየሻሙ ቋንቋ ብትንቢታዊ መነጽር ንምግላጽ ኢዩ። ንቅድስት ድንግል ማርያም ንምምስጋን ዓቢ ጸጋ ዝተዓደለ ቅዱስ ኤፍሬም’ውን “ነቢይ ሕዝቅኤል ብዘደንቕ መፍትሕ ዝተቆለፈት ኣፍደገ ብሸነኽ ምብራቕ ርኤኹ ኢሉ ብዛዕባኣ መስከረ፣ብጀካ ጎይታ ሰራዊት ከይ ከፈተ ኣትዩ ከይ ከፈተ ዝወጸ የልቦን፣ንሱ ግና ከይከፈተ ኣትዩ ከይ ከፈተ ወጸ”። (ሕዝ44፣1-12) ብምባል ነዚ ትንቢት እዚ ይትርጉም (ትርጉም ናይ ረቡዕ ውዳሴ ማርያም ገጽ 95-96) ቅዱስ ጂሮም’ውን ብዛዕባ ድንግልና ቅድስት ድንግል ማርያም ክዛረብ ከሎ፣ “ክርስቶስ ከመይ ጌሩ ብዕጹው መቓብር ከም ዝወጸን ከመይ ጌሩ ብዕጽው ማዕጾ ናብ ሃዋርያት ከም ዝኣተወን ንገሩኒ’ሞ፣ድንግል ማርያም ከመይ ጌራ ብድንግልና ከም ዝጠነሰትን ብድንግልና ከም ዝወለደትን ክነግረኩም’የ” ብምባል ይገልጽ።ጥበበኛ ሰሎሞን’ውን ነዚ ኣመልኪቱ ክዛረብ ከሎ “ኣቲ ሓፍተይ መርዓተይ ሕብእቲ ቦታ ኣታኽልቲ ኢኺ ዕጹው ዔላ ሕቱም ዓይኒ ማይ ኢኺ” (መሃ4፣12)።

ቅዱስ ያሬድ እውን “ኣንቲ ምስራቅ ወወለድኪ ጸሓየ ጽድቅ፣ ንስኺ ምብራቕ ኢኺ ወድኺ ጸልማት ዘርሕቕ ኣማናዊ(ናይጽድቂ) ጽሓይ ኢዩ”ብምባል የመሳጥሮ። “ይኢቲ ኣሚረ ይህርቅ ጸሓየ ጽድቅ ወሕይወት ታሕተ ክነፊሁ” ከምዝብል (ሚልክ 4፣2)ሚልክያስ ነቢይ።

4)ነቢይ ዳኒኤል

(ት.ዳኒ 2፣31-35) “እንሆ ኢድ ከይተንከዩ እምኒ ካብ ኩርባ ተፈንቂሉ መጸ፣ነቲ ሓጺንን መሬትን ዝኾነ ኣእጋር እቲ ምስሊ ድማ ወቒዑ ዳዕሞኾ፣እቲ ምስሊ ዝወቐዖ ምስሊ ግና ዓቢይ እምባ ኮነ ንብዘላ ዓለም’ውን መለኣ”

ኩርባ ልዕል ዝበለ ከምዝኾነ፣ብኹርባ ዝተመሰለ በቲ ዘመን’ቲ ሓያል ዝነበረ ንጉስ ናቡከደነጾርን መንግስቱን ዘመልክት’ዩ።(ት.ዳኒ2፣37) ናይ ትንቢቱ ምስጢር ግና “ኩርባ” ዝተመሰለት ወላዲት ኣምላኽ፣ብእምኒ ዝተመሰለ ክርስቶስ ምውላዱ ኣብ ምድሪ ኣብ ናይሰብ ልቦና ሰልጢኖም ዝነበሩ ኣጋንንቲ ኣብ መስቀል ብዝፈጸሞ ቤዛውነት ከም ዝቐጥቀጦም ዝገልጽ ምስጢር’ዩ።ምኽንያቱ “እቲ ነደቕቲ ዝነዓቕዎ እምኒ ንሱ ርእሲ መኣዝን ኮነ፣እዚ ካብ እግዚኣብሔር ኮነ፣ነዒንትና’ውን ዘደንቕ’ዩ”(መዝ118፣22-23 1ይቆሮ10፣4 ማቴ21፣44) “ከምኡ’ውን እምኒ መዐንቀፍን ኣንደልሂጹ ዘውድቕ ከውሕን’ዩ”(1ጴጥ2፣6-8)ከም ዝበለ ቅዱስ ጴጥሮስ፣እዚ እምኒ እዚ ዝወደቐ ዘበለ ኩሉ ዕድሉ ምስባር ጥራሕ’ዩ።ሎሚ’ውን ብናይ እግዚኣብሔር ወልድ ናይ ባህርይ ኣምላኽነት ዘይ ኣምኑ ፣ድንግል ማርያም ድማ ኣደ ኣምላኽ ምዃና ዘይ ቅበሉ ዕጨኦም ከምዚ ኣብ ላዕሊ ዝተገልጸ ምዃኑየመልክተልና።

ናይ ቤተ ክርስቲያንና ዓቢ ኣቦ ቅዱስ ኤፍሬም “ዘውእቱ እብን ዘርእየ ዳኒኤል ነቢይ ዘተበትከ እምደብር ነዋሕ ዘእንበለ እድ(ት.ዳኒ2፣45)ዘውእቱ ቃል ዘወጽኣ እምሃበ ኣብ ።ነቢይ ዳኒኤል ዝረኣዮ እምኒ ኢድ ከይፈንቀሎ ካብ ነዊሕ እምባ ዝወረደ “ዘውእቱ እብን” ንዝበሎ “ዘውእቱ ቃል” “ዘተበትከ እምደብር ነዋሕ” ንዝበሎ ፣ዘወጽኣ እም ሃበ ኣብ ፣ዘእንበለ እድ ንዝበሎ ድማ “ዘእንበለ ዘርእ” ኢሉ ተርጒምዎ ኣሎ።ወጽኣ ወተሰብኣ እምድንግል ዘእንበለ ዘርኣ ብእሲ ወኣድሓነነ ፣ዘርኢ ሰብ ምኽንያት ከይኮኖ ካብ ድንግል ተወሊዱ ኣድሓነና” (ትርጉም ናይ ሰሉስ ውዳሴ ማርያም ገጽ53) ከምቲ ኢድ ከይተንከዮ ካብ እምባ ወሪዱ ነቲ ምስሊ ዝዳዕሞኾ ጐይታ ሰብ ኮይኑ ንኹለን መንግስታት ዝገዝእ ምዃኑ’ዩ።(ት.ዳኒ2፣1-49 ትርጉም ናይ ሰሉስ ውዳሴ ማርያም ገጽ 58)ምስጢራዊ ትርጉሙ ጽሒፉ ኣሎ።

                5)ነቢይ ሚክያስ

“ኣቲ ኣብ ምድሪ ኤፍራታ ዘለኺ ቤተልሔም፣ንስኺ ካብተን ኣብ ይሁዳ ዘለዋ ከተማታት ዝነኣስኪ ኢኺ ትውልዱ ካብ ጥንቲ ካብ ዘልኣለም ዝኾነ ኣብ እስራኤል ገዛኢ ክኸውን ዘለዎ ካባኺ ከተንስእ’የ ይብል ኣሎ” (ሚኪ5፣2)

ቤተልሔም ናይ ኤፍራታ ካብ ካልኦት ክፍሊ ሃገራት ናይ እስራኤል ዝነኣሰት እኳ እንተኾነት፣እንተኾነ ግን ኣብ ካልኦት ዘይ ተፈጸመ ዓቢ ተኣምር ልደት ናይ ክርስቶስ ርእያ’ያ፣ምኽንያቱ ናይ ይሁዳ ኣንበሳ ዝተባህ ክርስቶስ ካብኣ ተረኺቡ ኢዩ።(ራኢ5፣5 ዕብ7፣14 ሉቃ2፣4 ሮሜ9፣5)

ቤተልሔም እንበኣር ዓንያ ፣ጣሻ ውሒጥዋ ኣብ ዝነበረትሉ ግዜ ዝመጸ ነቢይ ሚክያስ ኣንቲ ቤተልሔም ከምዚ ኢልኪ ኣይክትተርፍን ኢኺ ንጉስ ክነግሰልኪ ነጋሪት ክስመዓልኪ፣ድንኳን ክትከለልኪ ኢዩ።ኣህዛብ ክግብሩልኪ ኢዮም ብምባል ተነበየ።ግዝያዊ ነገሩ ዘሩባቤል ኣብ ዝነገሰሉ ግዜ ተፈጺሙ ኢዩ፣ ምስጢር ቃሉ ግን ብስጋን ብነፍስን ንእስራኤል ዝጓሲ ንጉስ ክርስቶስ ካብኣ ከም ዝውለድ ንምግላጽ’ዩ።በዚ ድማ ድንኳን ከም ዝተተኽለላ ፣ብሩህ ድንኳን ተተኺሉላ ኢዩ፣ኣህዛብ ከም ዝገበሩላ ሰብኣሰገል ገበሩላ፣ነጋሪት ከም ዝተሰምዐ ምስጋና መላእኽቲ ተሰሚዕዋ’ዩ (ሉቃ2፣8-15)  ኣንቲ ጓል ኤፍራታ(ተሰካሚት ፍረ፣ጸዋሪት ፍረ)ዝኾንኪ ቤተልሔም (ቤት ሕብስቲ ቤት እንጀራ) ቅድስት ድንግል ማርያም ካብ ነገስታት ይሁዳ ትበልጺ እንበር ኣይትንእስን ኢኺ፣ዝበላ ድማ ሓቀኛ ናይ ሂወት ፍረ ዝተረኽበላ ዕጸ ሂወት፣ኣማናዊ ብልዒ(ስጋ ወልደ እግዚኣብሔር)ዝተረኽበላ ንሳ ስለ ዝኾነት ነዚ ኪገልጽ እንበኣር ነቢይ ሚኪያስ ህልውናኡ ካብ ጥንቲ ዝኾነ ወልደ እግዚኣብሔር ካብ ድንግል ማርያም ኣብ ቤተልሔም ናይ ኤፍራታ ካብ ይሁዳ ወገን ኣብ ኣውራጃ ይሁዳ ከም ዝውለድ ብመንጽር ትንቢት ዝገለጸ። ስለዚ ብዚሓት ኣቦታት ነበያት ብዛዕባ ቅድስት ድንግል ማርያም፣መንፈስ ቅዱስ ብዝገለጸሎም መጠን ኣርቂቖምን ኣስፊሖምን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣስፊሮሞ ኢዮም።ካብቲ ብዙሕ ብውሑድ ድማ ኣብዚ ይኣኽለና።ክብራ፣ድንግልናኣ፣ቅድስናኣ፣ንጽህናኣ ቅዱሳን ነበያት ከም ዝመስከሩ ንዓና ድማ ዘስተውዕል ብሩህ ዓይነ ልቦና ሂቡና ንምምስካር የብቅዓና።

ጸሎታን በረኸታን ናይ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ምስኩላትና ይኹን

ወስብሃት ለእግዚኣብሔር

ወለወላዲቱ ድንግል

ወለመስቀሉ ክቡር

ኣሜን!

Share this:
TwitterFacebook

February 25, 2013Leave a reply
ስብከት
ስብከት.

ጾመ ነነዌ

በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላኽ ኣሜን፣፣ልዕለ ባህርይ ቅዱስ እግዚኣብሄር ኣምላኽና  ካብ ዓመት ናብ ዓመት፣ካብ ወርሒ ናብ ወርሒ ክሳዕ እታ  ዝነኣሰት ክፈለ ግዜ ዘይከም ብዝሒ ሓጥያትና ፣ብዓይኒ ምሕረቱ እናጠመተ ዝሓለወናን ዝሕልወናን ዘሎ ክብሪ ምስጋና ንዕኡ ንዘልኣለም ይኹን ኣሜን፣፣ስሙ ክጽዋዕ ፣ንዕኡ ተኸቲላ ስማ ዝዋዕ፣ንሱ ክምስገን ንዕኡ ተኸቲላ እትምስገን ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ናይ ጸጋ ምስጋና  ይብጽሓያ፣፣ኩሎም ናይ እግዚኣብሄር ቅዱሳን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ሞጎስ ረኺቦም ጸጋ ተዓዲሎም እዮም’ሞ ንኹሎም ቅዱሳን ናይ ጸጋ ምስጋናን ሞጎስን ይብጽሓዮም፣፣ኣሜን፣፣

ካብዚ ቀጺልና ኣብ ኣርእስቲ ከም ዝተመልከትናዮ ናይ ሎሚ ጽሑፍና ብዛዕባ ጾመ ነነዌ  ክኸውን እዩ፣፣ጾመ ነነዌ እምበኣር ቅድስት ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ካብ ዝሰርዓቶምን  እትኽተሎምን ሸውዓተ ናይ ኣዋጅ ኣጽዋማት ሓደ እዩ፣፣እዞም ሸውዓተ ናይ ኣዋጅ ኣጽዋማት ካኣ፣  

vዓቢ ጾም(ጾም ኣርብዓ)-ማቴ4፣1

vጾመ ሃዋርያት- ካብ በዓል መንፈስቅዱስ -5ሓምለ

vጾመ ስብከት(ጾመ ነብያት/ታሓሳስ/ልደት)-15 ሕዳር-29ታሕሳስ(ኣብ ዘመነ ዮሃንስ 28 ታሕሳስ)

vጾመ ፍልሰታ–1ነሃሴ-16ነሃሴ

vጾመ ድሕነት

vጾመ ነነዌ- ት.ዮናስ ምዕ 1—3

vጾመ ገሃድ- ድሮ ጥምቀት

እዮም፣፣ብዛዕባ ጾመ ነነዌ ኣብ እንዛረበሉ ግዜ ፣ሰብኣ  ነነዌ ዝሰርሕዎ በደልን ሓጥያትን  ፣ኣብ መወደእታ ካኣ ብበደሎም ኣሚኖም ዝሓዘንዎ፣ዝጸምዎ ጾምን እግዚኣ

Leave a comment