All posts by ttadesse

ኣባ ጊዮርጊስ ዘጋሰጫ

Menu

ዘኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ መድሃኔ ኣለም ቤ/ክ ማኀበረ ማርያም እስራኤል
ነገረ ቅዱሳን
ነገረ ቅዱሳን.

ኣባ ጊዮርግስ ዘጋስጫ

በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላኽ  ኣሜን፣፣

ኢትዮጵያዊ   ሊቅን ጻድቅን  ካብ ቅዱስ ያሬድ ቀጺሎም  ዓቢ ክብሪ ዝሓዙ ኣቦ ኢዮም፣፣ ኣባ ጊዮርግስ  ብ 1357 ኣብ ወሎ ወረዳ ቦረና– ሰግላ ዝተባህለት ቦታ ዝተወልዱ ኢዮም፣፣ ወለዶም ውላድ ስለዘይነበሮም ኩሉ ግዜ እና ሓዘኑ ናብ አግዚኣብሄር ይፅልዩ ነበሩ፣፣ ኣባ ጊዮርግስ ብናይ ቅዱስ ኡራኤል መልኣኽ ብስራት ከም ዝተወልዱ ናይ ኡራኤል ድርሳን ይገልጽ፣፣ ኣቡኦም ሕዝበጽዮን ኣዲኦም ካኣ እምሃጽዮን ይባሃሉ፣፣ኣቡኦም ጠቢብ ናይ መጻሕፍቲ ፈላጥ፣ ናይ እግዚኣብሄር ፈታዊ ኣብ ቤት መንግስቲ ዝነበረት ድኳን “ሰእሊ ቤት” ካብ ዘገልግሉ ካህናት ወገን ክኸውን ከሎ ናይ ሰግላ ኣምሓዳሪ ነበረ፣፣ ኣዲኦም ካብ ወለቃ ናይ ሎሚ ደቡብ ወሎ፣ በረና ካብ ሽማሙንቲ ወገን ዝኾነት ቅድስቲ ኣደ ነበረት፣፣

ኣባ ጊዮርግስ  ብመጀመርያ ኣዲኦም ፈረሃ እግዚኣብሄር  ምሂራ ብጥበብን  ብፍልጠትን ኣዕበየቶም፣፣ ናይ መጀመርያ ትምህርቶም ካብ ኣቡኦም ኢዮም ተማሂረሞ ፣ ከመይ ኣቡኦም  ናይ መጻሕፍቲ ሊቅን ምሁርን  ምኻኖም ገድሎም ይነግረና ኢዩ፣”ወሰበ ልሕቀ ሕቀ ወሰዶ ሃበ ጳጳስ ወሴሞ ድያቆን” ከም ዝብል፣፣ናይ መጀመርያ ትምህርቶም  ምስዛዘሙ ናብ ኢትዮጵያ ዝመጹ ክሳዕ ሃጼይ ዳዊት ናይ መንግስቲ ዘመን ዝነብሩ ዝነበሩ ኣቡነ ሰላማ ወሲዱ ብ1341 ዲቂና ኣሸሞ፣፣

ዲቁና ምስ ተማህሩ ንትምህርቲ ናብ ሃይቅ እስጢፋኖስ ተላእኩ ፣ ናብ ሓይቅ ዝተላእክሉ ዘመን ካኣ ኣብ ግዜ ሃጸይ ዳዊት ከምዝነበረ ገድሎም ይነግር፣፣ሃይቅ ብዙሓት ሊቃውንቲ ዘፍረየት ብዙሕ መጻሕፍቲ ዝተመልኤት ኢያ፣፣ ኣባ ጊዮርግስ ብሃይቅ  እስቲፋኖስ ንሸውዓተ ዓመት ዝኣክል ትምህርቲ ከይተረድኦም ጸንሑ፣ምስኦም ዝመሃሩ ዝነበሩ ተማሃሮ ካኣ “እዚ ትምህርቲ ዘይርድኦ ስለምንታይ ኢዩ ብናቱ ሓጥያት ድዩ ወይስ ብናይ ወለዱ “ ይብሉ ነበሩ፣፣ ኣብቲ ግዜ እቲ ናይ ሃይቅ  መምህር ዝነበሩ ኣባ ሰረቀ ብርሃን ንኣቡኡ  “ንወድኻ ትምህርቲ ኣይርድኦን ኢዩ ዘሎ ስለዚ ናይ ቤት መንግስቲ  ምሃሮ” ኢሎም ተዛረብዎም፣፣ ኣቡኡ ሕዝበጽዮን ግና ሓንሳብ ንእግዚኣብሄር  ሂበዮ በሎም’ሞ ናብ ገዳም መለስዎ፣፣ኣባ ጊዮርግስ ብትምህርቲ ዝደኽሙ ዝነበሩ ካብ ትምህርቲ ንላዕሊ ይደኽሙን ነቶም ኣብኡ ዝነበሩ ኣቦታት ይረደእዎምን ብብሕትውንኦም ይማረኹ ስለዝነበሩን  ኢዩ፣፣ ኣብቲ ገዳም እኽሊ ብምፍጻሕ የገልግሉ ነበሩ፣ ክሳዕ ሕጂ እኽሊ ዝፈጽሕሉ ዝነበሩ እምኒ ኣብ ገዳሞም ኣሎ፣፣

ኣባ ጊዮርግስ ፍልጠት ስለዝተሰወሮም ኣዕርኹቶም ብትምህትርቲ ይቅድምዎም ምስ ረኣዩ ብጣዕሚ ሓዘኑ፣ ብጾም ብጸለትን ካኣ ናብ እግዚኣብሄር ክልምኑ ጀመሩ፣፣ ኩሉ ግዜ ኣብ ሰእሊ ቅድስቲ ድንግል ማርያም እና ተንበርከኹ፣  “ናይ ኣቦታተይ ኣምላኽ ናይ ምሕረት ጎይታ ኩሉ ብቃልካ ዝፈጠርካ ፣ ሰብ’ውን ብረቂቕ ጥበብካ ዝፈጠርካ ካብቲ ዓሚቕ ጥበብካ ጥበብ ዓድለኒ ፣ ብሓቂ ኣይትንዓቐኒ  ኣነ ባርያኻ  ኢየ’ እና በሉ ብተመስጦ ልቦና ንብዓት እና ኣፍሰሱ ይጽልዩ ነበሩ፣፣ ብድሕርዚ ነሃሴ 21 ቅድስት ድንግል ማርያም ተገልጸትሎም ፣’’ ፍልጠት ዝተሰወረካ ትምህርቲ ዘይርድኣካ ዘይኮነስ ናይ እግዚኣብሄር ድንቂ ስራሕ ክግለጽ ኢዩ ‘ሞ  ተዓገስ” ኢላ ጽዋእ  ልቦና ኣስተየቶም፣፣ ካብዚ  ንደሓር ኣብ ሃይቅ እስቲፋኖስ  ናይ ዜማን ቅኔን ናይ መጻሕፍቲ ትርጋሜን ተማህሩ ፣፣ ኣቐዲሞም ዝፈልጥዎም ብፍልጠቶም ይድነቑ  ነበሩ፣፣ ኣባ ጊዮርግስ ናይ ያሬድ  ዜማ  ካብ ኣቡነ ሳሙኤል ዘጋርማ ከምዝተመሃሩ ገድሎም ይነግረና፣፣በዚ ዘመን አዚ እምበኣር ኣብ ግዜ ሃጼይ  ዳዊት ናይ ያሬድ ዜማ መምሃሪ ቀንዲ ማእከል ዝነበረት ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ኣብ ደብረ ነጎድጋድ  ተሸይሞም የገልግሉ ነበሩ፣፣ ናይ ምስትምሃር ስርሖም ኣቐሞም ኣብ ሃይቅ እስቲፋኖስ ከም ዝጀመርዎ  ገድሎም ክነግር ከሎ” ወኣብርሃ ለቤተክርስቲያን  እንተተሃንጸት ብሃይቅ ባሕር መእም ኣሜሃ ኣሃዙ ይስእሉ እም ሃበሁ ኩሎሙ ሰብአ ሃገረ ቃለ መጻህፍት ወትርጋሜሆም ወኩሉ ቃለ ማህሌት” ብድሕርዚ ሳግላ ተባሂላ ትጽዋዕ ዝነበረት ትውልዲ ዓዶም ናብ ጋስጫ ተመልሱ  ኣቡኦም ካኣ ኣዝዮም  ኣሪጎምን መንኪሶምን   ነበሩ፣፣ ስለዚ ኣብ ቤተ መንግስቲ ነበረት (ሰእሊ ቤት )  ኣብክንዲ  ኣቡኦም ኣብቲ ዝነበርዎ ስራሕ ከገልግሉ ኣእተውዎም ፣፣ ሓደ ግብጻዊ  ጳጳስ ኣቡነ በርተሎሜዎስ “ ስላሴ ሓደ ገጽ” ኢሎም ይኣምኑ እዮም ተባሂሎም ዝተኸሰስሉ ግዜ ፣ ነገሩ ከጻርዩ ካብ ዝተመርጹ ቀሺ ሃጼ ተኸስተ ብርሃንን ናይ ሃይቅ መምህር ዓቃቢ ሰዓት ዝነበሩ ዮሴፍን ኣባ ጊዮርግስን ሓቢሮም  ተላኢኾም ነበሩ፣፣ እዞም ሰለስተ ሰባት ነቲ ጳጳስ ኣዘራሪቦም  ነገሩ ሓሶት ምዃኑ ድሕሪ  ምርግጋጽ ስለ ሚስጢረ ስላሴ ዝገልጽ ጽሑፍ ናይቲ ጳጳስ እምነት ዝገልጽ ሒዞም መጹ፣፣

ኣብ ቤተ ንጉስ ዝነበርሉ ግዜ ንደቂ ንጉስ ብምግባርን ብሃይማኖትን ሃነጽዎም፣፣ ሃጼ ዳዊት ናይ ኣባ ጊዮርግስ ትምህርትን ስነ  ምግባርን ኣጸቢቑ  ስለዝፈለጠ  ብመርዓ ከዛምዶም ንጓሉ ክምርዓዉ ኩሉ ግዜ ይልምኖም ነበረ፣፣ ኣባ ጊዮርግስ ግና  ብድንግልና ጸኒዖም ክነብሩ ከምዝደልዩ ካብ ምግግላጽ ኣይተቆጠቡን፣፣ ናይ ሃጼይ ዳዊት ዘረባ  ስለዝበዝሐ ናብ ኣቡነ በርተሎሜዎስ ከይዶም ክህነት ተቀበሉ ቀሊጢፎም ካኣ መንኮሱ፣፣

ኣባ ጊዮርግስ ኣብ ሳግላ ኣብ ዝነበርሉ ግዜ ብወይቦ ዝበሃል ሕማም ተታሒዞም ክሳዕ ሞት በጺሖም ከም ዝነበሩ  ገድሎም ይሕብር፣፣ ሓሚሞም  ኣብ ዝነበርሉ ግዜ ሓደ መዓልቲ ቅዱስ ጴጥሮስን ቅዱስ ጳውሎስን ተገሊጾም  ‘’ምሳና ክትከውን ክንወስደካ መጺና”  በልዎም፣ ንሶም ካኣ  “ናይ ድርሰት ስርሐይ ከይወዳእኩ ንእግዚኣብሄር ኣብዚሐ ከየመስገንክዎ ኣይትውሰዱኒ” ኢሎም ለመኑ፣፣ ንሳቶም ካኣ ልመንኦም ተቀቢሎም ካብ ሕማሞ ፈዊሰሞም ከዱ፣፣ ካብ ሕማሞም ምስ ተፈወሱ ናይ ድርሳኖም ስርሖም ጀመሩ፣ ናይ መጀመርያ ድርሳኖም ጽሒፎም ምስ ወዲኡ ኣዝዩ ከም ዝመቀሮም ገድሎም ይነግረና፣፣ ኣብ ገዝኦም ዝነበሩ መጻሕፍቲ ገላቢጦም እንተደለይዎም  ክረኽብዎም ኣይከኣሉን፣፣ ሓደ ግዜ ኣብ ቤተክርስቲያን ኣብ ኣገልጉሎት  ከልዉ  ቅድስት ድንግል ማርያም ተገሊጻ  “ ስለምንታይ ኣቀዲምካ ከይ ነገርካኒ ጽሒፍካ “ ኢላ ሓተቶም፣፣ ንሶም ካኣ “ንዓኪ ደስ ዘብል  መሲሉኒ ኢዩ ይቅረ በልለይ” ክብሉ መለሱላ፣፣ ካብዚ ንድሓር ናይ ድርሰት ስርሖም ፈቂዳትሎም ተሰወረት፣ ‘’ወሶቤሃ በርሃ ልቡ ከመ ጸሓይ ወሓተወ ውስተ ሕልናሁ ባህርየ መለኮት፣ ወነጸረ ኩሉ ሕቡኣት–ካብዚ ንድሓር ልቡ  በርሃሉ ፣ህልንኡ እውን ነገረ መለኮት ፈለጠ ዝተሰወረ እውን ኩሉ ተመልከተ” ይብል ገድሎም፣፣

ናይ መጀመርያ ድርሰቶም ኣርጋኖን ዝተባህለ ብቅኔ  ንቅድስት ድንግል ማርያም ዘመስግን መጽሓፍ ኢዩ፣፣ ስለ ኣርጋኖን ድርሰቶም ገድሎም  ብከምዚ ይገልጾ፣ “ወሰመዮ በሰለስቱ ኣስማት ዘወእተሙ ኣርጋኖን ውዳሴ፣ ወመሰንቆ መዝሙር ወእንዚራ ስብሃት” “ብሰለስተ ኣስማት ሰመዮም ንሳቶም ካኣ ኣርጋኖን ውዳሴ፣ መሰንቆ መዝሙር፣ እንዝራ ስብሃት” ኢዮም፣፣ ቅድስት ድንግል ማርያም  ስለዝፈተወቶ  ዚማት ኣብ ዝበሃል ቦታ  ኣብ ዝነበርሉ ግዜ ፣”ካብ ድርሰትካ ኩሉ ከም ኣርጋኖን ገይረ ዝፈትዎ የለን” በለቶም፣፣ ሃጼይ  ዳዊት ነቲ ድርሰቶም ካብ ምፍታው ዝተላዕለ ብወርቂ ቀለም ገይሩ ከም ዝጸሓፎ ገድሎም ይገልጽ፣፣ካብዚ ቀጺሎም ዝጸሓፍዎ መጽሓፍ፣ ውዳሴ መስቀል ይበሃል፣፣ ቀጺሎም እውን መጽሓፈ ስብሃት ዘመዓልት ወዘሌሊት(መጽሓፈ ብርሃን ኢሎም ዝሰመይዎ) ኣዳለዉ፣፣ ነዚ መጽሓፍ መጽሓፍ ብርሃን ኢሎም ዝሰመይዎ ምኽንያት ገድሎም ከብርህ ከሎ “ኣስመ ውእቱ ያበርህ ወያስተሪ ፍናወ ስብሃቲሁ ለእግዚኣብሄር ወፍናወ ስብሃቲሆሙ ለትጉሃን ወለኩሎሙ ማህበረ ቅዱሳን ልዑላነ ብርሃን ወዓዲ ይነግር እንዘ ያስተሓውዝ ውዳሰሃ ለድንግል ንጽህት፣ ናይ እግዚኣብሄር ምስጋንኡ መገዲ ያብርህ፣ ኣብሪሁ የመልክት ልዑላነ ብርሃን ዝኾኑ  ማህበር ቅዱሳንን ናይ ትጉሃን ምስጋንኦምን መንገዲ የመልክት ናይ ኣደ ብርሃን ጣዕማን ምስጋናን ይገልጽ ይብል፣፣”

በቲ ግዜ  እቲ ዝነበረ ልማድ ካህናት ቁርባን ኣብ ዘቅርብሉ ግዜ ህዝቢ ናብ ካህናት መጺኡ ክቆርብ ከሎ ንንግስቲ ግን ኣብ  ገዛኣ ከይዶም የቕሩብዋ ነበሩ ፣ ኣባ ጊዮርግስ ግን “ እዚ ቅርባን ናይ ንጉስ ነገስታት ኢዩ ንግስቲ ናብዚ መጺኣ ክትቆርብ ይግባእ እምበር ንሕና ክንከይድ የብልናን” ኢሎም ተቓወሙ፣፣እዚ ነገር እዚ ንንግስትን ንኣባ ጊዮርግስን ስለዘጋጨዎም ሃጼይ ዳዊት ሽግሩ ንምፍታሕ ናብ ዳሞት ሰደዶም፣፣ ኣባ ጊዮርግስ ናብ ዳሞት እና ተጓዓዙ ከለዉ ምስ ኣባ ሳሙኤል ዘዋልድባ ተራኸቡ፣፣ኣባ ጊዮርግስ ኣለባብስኦም  ከም ተራ ሰብ ስለ ዝነበረ ኣቡነ ሳሙኤል  ኣይፈለጥዎምን፣፣ካብ’ዚ  ዝተላዕለ ኣባ ጊዮርግስ ቂር ኢልዎም ናብ ዳሞት ተመልሱ፣፣ከም  “ስርግው ሓምለ” ግምት  ክልቲኦም ዘየረዳዶድኦም ምኽንያት ስርዓተ ጸሎት ከይኮነ ኣይተርፍን ኢዩ፣፣ ኣብቲ ግዜ ናይ ዋልድባ ስርዓተ ጸሎት 7 ግዜ ይእዝዝ ነበረ፣ ኣባ ጊዮርግስ ግና  እዚ ውሒዱ ይብሉ ነበሩ፣፣

ካብ’ዚ ንድሓር ኣባ  ጊዮርግስ ቀንዲ ትኹረቶም ኣብ ድርሰት ገበሩ፣፣ ናብ ኣቡነ በርተሎሜዎስ ብምኻድ ናይ ቅዳሴ ድርሰት  ክጽሕፉ ክፍቀደሎም  ድሕሪ ምሕታቶም ምስ ተፈቅደሎም ናይ ቅዳሴ ጸሎት ከም  ዘዳለዉ ገድሎም ይሕብር፣፣ገለ ካህናት እዚ መን  ኢዩ ቅዳሴ ጸሎት ዝጽሕፍ እኳ እተበሉ እንተኾነ ግን   እግዚኣብሄር ኣርዮስ ብዝተቐጽዓሉ ቀጽዖም፣፣

ኣባ ጊዮርግስ ናይ ሃይማኖት ትምህርቲ ብዝግባእ ዝተማህሩ ስለዝነበሩ ብዘመኖም ዝላዓሉ ዝነበሩ  ናይ ሃይማኖት ክርክራት ግቡእ ዝኾነ ምላሽ ሂቦም ነቶም መኸራኽርቶም ኣሕፊሮም ይሰድዎም ነበሩ፣፣በቲ ግዜ እቲ “በሽዋ በይፋት ቤተ እስራኤልን” እና ተባህሉ ዝጽውዑ ኣይሁድ ነቡሩ ፣፣ካብ ኣቡነ ዜና ማርቆስ ጀሚሩ ብዙሓት መማህራን ናብኡ እና መጹ ነቲ ህዝቢ ወንጌል መሃርዎ፣፣ ኣቡነ ዜና ማርቆስ ናብ ክርስትና ዝተመልሱ ናይ ቅድስት ድንግል ማርያም፣ናይ ቅዱስ ሚካኤል፣ናይ ኣባ ኖብ፣ናይ በጊጋርሰም ሰማእት ቤተክርስቲያን ኣስሪሔምሎም ነበሩ፣፣እዚ ኩሉ እኳ እንተኾነ ቤት እስራኤል ኩሎም ናብ ክርስትና ኣይተመልሱን፣፣ካብ ኣይሁዳውያን ሓደ ብዛዕባ ነገረ ሃይማኖት ንኽከራኸር ሕቶ ኣቅረበ፣፣”ክርስቲያን  እንተረቲዖምኒ ናብኦም ክምለስ እየ እንተረቲዔዮም ካኣ ናባይ ይመጹ” ኢሉ ካኣ ተዛረበ፣፣ሃጼይ ዳዊት እዚ ምስ ሰምዔ ኣዝዩ ስለዝሓረቐ ሊቀ ካህናትን ናይ መጻሕቲ ፈላጣትን  ኩሉም ክእከቡ ኣዘዘ፣፣በቲ ሓደ ወገን ኣይሁዳዊ  በቲ ሓደ ወገን ካኣ ናይ ቤተክርስቲያን ሊቃውንቲ ክርክሮም ጀመሩ፣፣ኣቐዲሙ ዕድል ዝተዋህቦ ኣይሁዳዊ ስለዝነበረ ሕትኡ ኣቕረበ፣” ንስኻትኩም  ወዲ እግዚኣብሄር እትብልዎ ክርስቶስ ብሓቂ ወዲ እግዚኣብሄር እንተዝኸውን ናብ ቢታንያ ኣብ ዝመጻሉ ግዜ ኣልኣዛር ዝተቀበረሉ ቦታ ስለዘይፈለጦ ኣልኣዛር ኣበይ ቀቢርኩሞ”  ኢሉ ከም ዝሓተተ ኣብ ወንጌልኩም (ዮሃ11፣38-44) ተጻሒፉ ኣሎ፣ስለዚ መልሲ ሃቡኒ ፣ካብ መጽሓፈ  ኦሪት ሕቶ እንተኣለኩም ካኣ ሕተቱኒ በሎም፣፣ ኣብዚ ግዜ ኣባ ጊዮርግስ ሓሚሞም ኣብ ዓራት ነበሩ፣፣እቶም ሊቃውንቲ ካኣ ከምዚ ዝበለ ነገር ብዘይ ኣባ ጊዮርግስ ኣይከውንን  እዩ  እሞ ይምጽኡ  ኢሎም ንሃጼይ ዳዊት ሕቶ ኣቕረብሉ፣፣ኣባ ጊዮርግስ ብዓራት ተጸይሮም  ከምዝመጹ ገበረ፣ኣብ ዓራት  ኮይኖም ካኣ ኣብቲ ጉባኤ ተረኽቡ፣፣ኣብቲ ጉባኤ ዝቀረበ ሕቶ ምስነገርዎም ኣባ ጊዮርግስ ዝመለስዎ መልሲ ከምዚ ዝስዕብ ምዃኑ ገድሎም ይነግረና፣  “ኣነ ግን ብወንጌል ዘይኮነስ ብኦሪት ክከራኸር እየ ናይ ምኹራብ መጻሕፍቲ ኩሎም ብቤተክርስቲያን ዝተፈልጡ እዮም፣ ምኹራብ ዘርኤት ቤተክርስቲያን ካኣ ዓጸደት፣ ምኹራብ ፈተለት ቤተክርስቲያን ካኣ ለበሰቶ፣፣ኣዳም ኣብ ገነት ከሎ “ኣዳም ኣበይ ኣለኻ?” ኢሉ ዝሓተቶ መን ኢዩ?ን ኣብርሃም ሰበይትኻ ሳራ ኣበይ ኣላ? ኢሉ ዝሓተቶ መን’ዩ?እግዚኣብሄር ኣብ ኣይኮነን ድዩ?ብድሕርዚ ኣይሁዳዊ መልሲ ስኢኑ ሱቕ በለ፣፣ሊቃውንትን መኳንንትን ካኣ ብጣዕሚ ተሓጎሱ፣፣

ኣባ ጊዮርግስ ንዝመጾም ዝነበረ ክርክራት ብሓይሊ ኣምላኽ ይስዕርዎ ነበሩ፣፣ ሓደ ቢቱ ዝተባህለ  ሰብ ኣብ ግዜ ምጽኣት ወልድ ጥራሕ ኢዩ  እምበር ኣብን መንፈስ ቅዱስን ኣይመጹን እዮም እናበለ ናይ ኑፋቄ ትምህርቲ ጀመረ፣፣ቢቱን ኣባ ጊዮርግስን ኣብ ቤተ መንግስቲ ተራኺቦም  ክካትዑ ድማ ሃጼይ ዳዊት ወሰነ ፣፣እንተኾነ ቢቱ ክስዓር ምዃኑ ስለዝፈለጠ ንንጉስን ኣባ ጊዮርግስን ኣብኣሶም፣፣ሃጼይ ዳዊት ካኣ ንኣባ ጊዮርግስ ኣብ እሱር ቤት ኣእተዎም፣፣ ኣባ ጊዮርግስ  ኣብ እሱርቤት ከለዉ ቅዱስ ጴጥሮስን  ቅዱስ ጳውሎስን እና መጹ የጸናንዕዎም ነበሩ፣፣ኣብዚ እሱርቤት ከለዉ ካኣ ቅዱሳን ሃዋርያት ካብ 5 ሓምለ ጀሚሮም ን12 ወርሒ ዝምስገንሉ “ውዳሴ ሃዋርያት” ዝተባህለ መጽሓፍ ኣዳለዉ፣፣

ሃጼይ ተድሮስ ንኣባ ጊዮርግስ ካብ እሱርቤት ኣውጺኡ  ኣብቲ ናይ ቀደም በትኦም ኣቐመጦም፣፣ኣባ ጊዮርግስ ግን  ካብ ቤተ መንግስቲ ብምርሓቕ፣ኣብ ጋስጫ  ካብ ምቕማጥ ናብ ዳሞት ብምኻድ  ክምህሩ ጀመሩ፣፣ናብ ዳሞት ክኸዱ ከለዉ ንእግሪ መንገዶም ናብ ደብረ ሊባኖስ ኣትዮም ናይ ኣቡነ ተክለሃይማኖት ገዳም ተሳለሙ፣፣ ኣብዚ ግዜ እዚ ናይ ደብረ ሊባኖስ ኣበምኔት እጬጌ ዮሃንስ ከማ(7ይ ናይ ደብረሊባኖስ እጬጌ) ከምዝነርበሩ ገድሎም ይነግር፣፣እንተኾነ ግን ብፍልጠቶምን ክእለቶምን ዝቐንእሎም ሰባት ሓሶት ሚሂዞም ምስ ሃጼይ ተድሮስ ስለ ዘበኣስዎም ናብ ህልም ዝበለ በረኻ ክኽውዱ ተገብረ፣፣ኣባ ጊዮርግስ ካብቲ ዝኸድዎ ቦታ ስደት ዝተመልስሉ ሃጼይ ተድሮስ ምስሞተ ኢዩ፣፣

ናይ ኣባ ጊዮርግስ ተማሃራይ ዝነበረ ሃጼይ ይስሃቅ ብ1399ዓ.ም. መንግስቲ ምስ ሓዘ ንኣባ ጊዮርግስ ካብቲ ከይደሞ ዝነበሩ ቦታ ኣምጺኡ ናብ ጋስጫ መለሶም፣፣ኣብዚ ጉድኣት ወሪድዎም ነበረ፣፣ይኹን እንበር ዝበሐ ግዜኦም ኣብ ጸምን ጸሎትን ድርሰትን የሕልፍዎ ነበሩ፣፣

ሓደ መዓልቲ ቴድሮስ ዝተባህለ መስፍን፣ ንኣባ ጊዮርግስ ስለ ርትዕቲ ሃይማኖት ሓተቶም ፣ኣባ ጊዮርግስ “ፍካረ ኢየሱስ” ዝተባህለ መጽሓፍ ደሪሶም ሃብዎ፣፣ንጉስን ናይ ምስጢር ሊቃውንቲ ዝኾኑ ካህናትን ምስረኣይዎን ምስ ኣንበብዎን  “ብሓቂ ዮሃንስ ኣፈወርቅን  ኣፈበረኸት ዝኾነ ቄርሎስን ብዘመና ተንሲኡ” በሉ፣፣ኢትዮጵያ ቁስጥንጥንያ መሲላ ካብ እስክንድርያ ንላዕሊ እውን ሓፍ ሓፍ ኢላ ኢሎም ኣደነቑ፣ይብል ገድሊ ኣባ ጊዮርግስ፣፣

ፍካረ ሃይማኖት ዝተሰምየ መጽሓፎም ቤተክርስቲያን እታኣምኖምን እትውግዞምን ብግልጺ ዘርዚሩ ዝገልጽ መጽሓፍ ኢዩ፣፣ናይ ኢትዮጵያ ቤተክርስትያን እምነት ብግልጺ ዘርዚሩ ብምቕማጥ ኣብ ታሪኽ ቤተክርስቲያን ናይ መጀመርያ ስራሕ ይምሰል፣፣ዝዘርዘሮም  ናይ መናፍቓን ኣስማት ምስ ክሕደቶም ምስ ንርኢ ኣብቲ ዘመንቲ ዝነበሩ ሊቃውንቲ  ስለ ናይ ዓለም ቤተክርስቲያን ታሪኽ ዝነበሮም ፍልጠት የረእየና፣ ኣባ ጊዮርግስ መከራ ዘይተፈልዮም ኣቦ እዮም ነይሮም፣፣ገድሎም ከምዝትርኾ ኣብ ቤተ መንግስቲ ዝነበሩ ሰባት ናቶም ምኽርን  ተፈታውነትን ኣየድልዮምን ነይሩ፣፣ብፍላይ ፍካረ ኢየሱስ ዝተባህለ መጽሓፍ ምስ ጸሓፉ ዝረኸብዎ ክብሪ ፈጺሙ ኣይተዋሕጠሎምን፣፣ስለዚ ነገር ፈጢሮም ምስ ሃጼይ እንደገና ኣባኣስዎም፣ሃጼይ ይስሃቕ ኣሲሩ ማይ ናብ ዘይርከቦ ቦታ ሰደዶም ኣብኡ ካኣ ብዙሕ መከራ ረኸቦም፣ኩሉ ግዜ ግን ብዘይ ምቁራጽ ብጸሎት ይተግሁ ነበሩ፣፣እግዚኣብሄር ንሃጼይ ይስሃቅ ናብ ልቦንኡ  ከም ዝምለስ ገበሮ፣በቲ ንኣባ ጊዮርግስ ዝገበሮ ነገር ካኣ ተጣዕሰ፣፣ኣገልገልቱ  ልኢኹ  ኣባ ጊዮርግስ ክመጹ ኣዘዘ ፣ኣንተኾነ ግን ብምምጻእ ኣባ ጊዮርግስ ክፋኣቶምን ተንኮሎምን መታን ከይግለጽ ፣ኣባ ጊዮርግስ ሞይቱ  ኢሎም  ነገርዎ፣፣እዚ ምስ ሰምዔ ሃጼይ ይስሃቅ ብጣዕሚ ሓዘነ፣፣

ኣባ ጊዮርግስ ሞይቱ ከም ዝተባህለ ካብ ደቂ መዛሙርቱ ስለ ዝሰምዔ፣ብሂወት ከምዘሎ ወረቀት ጽሒፉ ንሃጼይ ይስሃቅ ንኸብጽሓሉ ንኣውሎ ንፋስ  ለኣኾ፣፣ እቲ  ኣውሎ ንፋስ ደብዳቤ ተሰኪሙ ብምኻድ ሃጼይ ይስሃቕ ኣብ ድኳን ተቐሚጡሉ ኣብ ዝነበረ ግዜ ኣብ ሕቑኡ ኣቐመጦ ፣ምትሓት ስለዝመሰሎ ካኣ ብጣዕሚ  ደንገጸ፣፣መኳንንቱን  ህዝብን  ኣኪቡ  ካኣ ጉዳዩ ነገሮም ብቐጥታ ነቲ ወረቐት ኣብ ሓዊ ኣእተውዎ ክቓጸል ግና ኣይከኣለን ፣ናብ ማይ ኣእተውዎ ክጥልቂ’ውን ኣይተራእየን፣፣ በዚ ተደኒቑ ከፊቱ ኣንበቦ፣ ካብ ኣባ  ጊዮርግስ ዝተላእከ ደብዳቤ ምዃኑ ምስ ፈለጠ ብጣዕሚ ደንገጸ፣፣ነቶም ሞይቶም ኢሎም ዘውረዩ ድማ ናብ ቤት ማእሰርቲ ኣእተዎም፣ንኣባ ጊዮርግስ ካኣ ካብቲ ዝነበርዎ ከምጽእዎም  ልኡኻት ሰደደ፣፣ኣባ ጊዮርግስ ናብ ቤተ መንግስቲ ምስ መጹ ንጉስ ብሓጎስ ተቐበሎም፣፣እታ ደብዳቤ ብመን ከም ዝመጸት ካኣ ሓተቶም ፣ኣባ ጊዮርግስ ካኣ ብሰብ ዘይኮነስ ብናይ እግዚኣብሄር ፍቓድ ብንፋስ ከምዝለኣኽዎ ነገርዎ፣፣ ካብቲ ዝተመልስሉ ግዜ ጀሚራ ቅድስት ድንግል ማርያም ተገሊጻ ፣መከርኦም ከምናይ ሃወርያት ከምዝኮነ ገለጸትሎም፣ኣእምሮም ብሩህ ልቦም’ውን ትጉህ ዝገብር  ብዙሕ ምስጢር ነገረቶም፣፣ተፋንያቶም ምስ ከደት ፣”ብዙሕ መብራህቲ ኣቕርቡ 5 ፈጣናት ጸሓፍቲ ኣምጽኡ”ኢሎም ኣዘዙ፣፣ንሶም እና ነገርዎም  ንሳቶም እና ጸሓፉ 5 መዓልቲ ከየቛረጹ  ኣጽሒፎም  “መጽሓፈ ምስጢር”  ዝተባህለ መጽሓፍ ኣዳለዉ፣፣ኣባ ጊዮርግስ ብጣዕሚ ተደነቑ ፣”ኣነ ኣብዚ መጽሓፍ ቓል ኣይተዛረብኩን መንፈስ ቅዱስ ብናተይ ኣፍ ገይሩ ተዛሪቡ እምበር” ክብሉ ከም ዝመስከሩ ገድሎም ይሕብር፣፣እዚ መጽሓፍ ዝጸሓፍሉ ብ1409ዓ.ም ኣብ 52 ዕድሚኦም ክኸውን ከሎ፣ናይ‘ዚ መጽሓፍ ቅዳሕ ብነጋድያን ክሳዕ ኢዮሩሳሌም ከም ዝበጽሐ ካኣ ገድሎም ይነግረና፣፣

ሃጼይ ይስሃቅ ንኣባ ጊዮርግስ  “ምድረ ስዎን’’ ዝተባህለ ጳጳሳት ዝነብርሉ ዝነበረ ዓዲ ሂብዎም ነበረ፣በዚ ቦታ እዚ ካኣ ቤተክርስቲያን ሃነጹ ኣብኡ ድማ ብጾምን ጸሎትን ተጊሆም ነበሩ፣፣ኣብቲ ግዜ እቲ ንጉስ “መናገሻ ማርያም  ቤተክርስቲያን” ኣስሪሑ ስለዘበር  ኣባ ጊዮርግስ ክባርኽሉ ደለየ ፣ኣባ ጊዮርግስ ሓሚሞም እኳ እንተነበሩ ናብቲ ቦታ ከዱ ብሰንኪ ሕማም ደኺሞም ስለዝነበሩ ግና ንጉስ ኣብ ዓራት ተጸይሮም  እታ  ቤተክርስቲያን ከምእትባረኽ  ገበረ፣፣ቡራኬ ምስ ወድኡ ንደቂ መዛምርቶም ኣኪቦም “ምስ ሞትኩ ኣቦይ ኣብ ጸሎተ ሚካኤል መከራ ዝተቐበለላ ኣነ እውን ቤተክርስቲያን ዝሃነጽኩላ ቦታ ወሲድኩም ቅበሩኒ” ክብሉ ኣዘዝዎም፣፣ ንደቂ መዝቅምርቶም ናይ ስንብታ ትምህርቲ እና መሃርዎም ኣብ ዓራት ተሰኪሞም  ናብ ጋስጫ እና ከዱ ከለዉ ኣብ መንገዲ 7ሃምለ 1417 ዓ.ም ኣብ 60  ዓመቶም ዓረፉ፣፣

ክሳብ ሕጂ ዘለዉ ናይ ኣባ ጊዮርግስ ናይ ድርሰት መጻሕፍቶም ካብ 40 ንላዕሊ ምዃኖም ይግለጽ ገለ ካብኣቶም፣

1.            ሰዓታት ዘማዓልት

2.            ሆሆተ ብርሃን/ምስ መጽሓፈ ኣርጋኖን ሓቢሩ ዝተሓትመ/

3.            መስቀል

4.            ቅዳሴ

5.            ውዳሴ ሃዋርያት

6.            ኣርጋኖን ውዳሴ

7.            ፍካሬ ሃይማኖት

8.            መጽሓፈ ምስጢር

9.            ውዳሴ ስብሓ

10.         እንዚራ ስብሓት

11.         ሕይወተ ማርያም

12.         ተኣምኖ ቅዱሳን

13.         መጽሓፈ ብርሃን

14.         ጸሎት ዘቤት ቤት

ጸሎትን በረኸትን ናይ ኣባ ጊዮርግስ ምስ ኩላትና ህዝበ ክርስቲያን ይኹን ኣሜን፣፣

ወስብሃት ለእግዚኣብሄር

ወለወላዲቱ ድንግል

ወለመስቀሉ ክቡር ኣሜን

ምንጪ-ጽርሃጽዮን  ቁ 4(ት/ሰ/ማ/ቅ/ድ/ማርያም ቤተክርስቲያን መድሃኔኣለም ኣብ ቅድስት ሃገር እስራኤል ጥሪ 2005/2013)

Share this:
TwitterFacebook1

February 28, 2013Leave a reply
ዓምዲ ህጻናት
ዓምደ  ህጻናት

“ኣብ ምድሪ ዕድሜኻ ምእንቲ ክነውሕ፣ኣቦኻን ኣዴኻን ኣኽብር”(ዘጸ፦20፣12)

እግዚኣብሔር ኣምላኽ ብኣቦና ሙሴ ኣቢሉ ካብ ዝሃበና ትእዛዛት ሓደ ንሎሚ ክንርኢ ኢና።

4ይትእዛዝ፦“ኣብ ምድሪ ዕድሜኻ መታን ክነውሕ ኣቦኻን ኣዴኻን ኣኽብር” ብምባል ዝኣዘዘና ትእዛዝ ኢዩ።

ወለድኻኣኽብር፦ወለድና ንዓና ወሊዶም  ምስ ወለዱና ድማ ብዙሕ ነገራት ብምውጻእ፣ንጽቡቕና እምበር ንሕማቕና ዘይሓስቡ ዘይምነዩ ኢዮም።

ዋላ ዝጎድኣና ይኹን ኣይኹን ከይፈለጥና ሕማቕ ነገር ክንልምኖም ወይ ክንእዝዞም ንኽእል ኢና።ወለድና ግን ስለ ዝለመንናዮም ንሕማቕ ነገር ኣይህቡናን ኢዮም።ኩሉ ግዜ ዝጠቕመና ነገር ኢዮም ዝህቡና።

“እንታዋይ ሰብ’ዩ ካባኻትኩም ወዱ እንጌራ እንተለመኖ እምኒ ዝህቦ፣ወይ ከኣ ዓሳ እንተለመኖ ተመን ዝህቦ” ብምባል መድሃኔኣለም ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ወንጌሉ መስኪሩልና ኣሎ።(ማቴ7፣9-10)

ወለድና ኩሉ ግዜ ሰናይ ህያብ ብምሃብ ተማሂርና ኣብ ሓደ ቁም ነገር ክንበጽሕ፣ንነብሶም ገዲፎም ንደቆም ምስ ጸዓሩን ምስ ደኸሙን ኢዮም።

ወለድና እምበኣር ኩሉ ግዜ ጽቡቕ ነገር ኢዮም ዝሓስቡልና።ንሕና ደቆም’ከ፣ከምቲ ዝሓልዩልና ንሓልየሎም’ዶ᎒

ከምቲ ንሳቶም መጻኢ ተስፋ ዘለና ኣብ ቁምነገር ክንበጽሕ ብዘይ ዕረፍቲ ከም ዝደኽሙልና ንፈልጥዶ᎒ ብዘይ ምግናን ናይ ሎሚ ወለዶ፣ናይ ወለድና ጻዕሪ ሰናይ ነገራት ከምቲ ዝግባእ ንፈልጦ ኢና ክንብል ኣሸጋሪ ኢዩ።

እስከ ከም ፍቓድ እግዚኣብሔር ብኸመይ ንወለድና ከነኽብሮም ከምዝግበኣና ገለገለ ነጥብታት ክንርኢ ኢና።

1.ንወለድናምእዛዝ፦ኩሉ ዝኣዘዙና ነገር ዓቢ ይኹን ንእሽቶይ ክንትግብሮ ይግበኣና።

ንኣብነት፦ኣብ ማቴ 21፣28 ዘሎ ምሳሌ ምስ ንርኢ፣ሓደ ሰብኣይ ክልተ ደቂ ነበርዎ፣ናብቲ ቀዳማይ ቀሪቡ “ወደየ ሎሚ ናብ ኣታኽልቲ ወይኒ ውፈር እሞ ዕየ” በሎ፣ንሱ ከኣ እምቢ ኢሉ መለሰ ደሓር ግና ተጣዒሱ ወፈረ።

ናብቲ ካላኣይ ቀሪቡ ከኣ ከምኡ በሎ ንሱ ከኣ ሕራይ ጎይታይ በሎ ግና ኣይወፈረን።ሎሚ ዘለና ወለዶ’ውን በኣፍና ሕራይ ንብል ኣብ ተግባር ግን ዘየለና ካብ ትእዛዝ ዝወጻና ኢና።

ኩሉ ዓበይቲ ነገራት ወይ ናይ ጽድቂ ስረሓት እንተ ሰራሕና ብዘይ ምእዛዝ ኩሉ ኮንቱ ወይ ዘይጠቅም ኢዩ።

“ምእዛዝ ካብ መስዋእቲ ይበልጽ”(1ይሳሙ15፣22) ዝበለና ነዚ ኢዩ።ጎይታናን ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንዓና ከድሕን ኣብዚ ምድሪ ኣብ ዝነበረሉ እዋናት ካብ ህጻንነቱ ጀሚሩ ንኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ይእዘዛ ነበረ።(ሉቃ፦2፣51)

እዚ ንዓና ኣብነት ክኾነና ኢሉ ኢዩ።ንወለድና ብኹሉ ነገራት ክንእዘዞም ከምዘለና ክምህረና ኢሉ ኢዩ።

2.ናይወለድኻመቕጻዕቲምቕባል፦ወለድና ብህጻንነትና ምስ ንጋገ ወይ ዘይከውን ነገር ምስ እንሰርሕ ክቐጽዑና ይኽእሉ ኢዮም።መቕጻዕቲ ናይ ወለድና ንጽቡቕ ኢዩ።ዝቐጽዑና ጸሊኦምና ዘይኮኑ፣ናይ ፍቕሪ ምልክት’ዩ።

ከመይ እንተበልና ብወለዶም ዘይተቐጽዑ ኣብ ቁምነገር ክበጽሑ ኣጸጋሚ ኢዩ። መጀመርታ እቲ ክንከዶ ዝግበኣና መንገዲ ካብ ወለድና ኢና ንመሃሮ።

ከምቲ ቅዱስ ጽሑፍ ዝምህረና “ንህጻን እታ ክኸደላ ዝግበኦ መንገዲ መሃሮ’ሞ ክሳብ መወዳእታ ካብኣ ኣይከላግስን’ዩ”።(ምሳሌ፦21፣) ብምባል እቲ እንኸዶ መንገዲ ትምህርቲ፣ምኽሪ መጀመርታ ካብ ወለድና ከም እንመሃሮ ይነግረና።

በቲ ዝመሃሩና ቅኑዕ መንገዲ  ድማ ክሳብ መወዳእታ ብጽቡቕ ክንከይድ ንኽእል።ሓላፍነትና ንፈልጥ ንባዕልና ኴንና ንኻልኦት ንኸውን።ብኣንጻሩ እዞም ሎሚ ኣብ ናይ ዓለም ጥፍኣት ዝዋፈሩ ዘለዉ ዳርጋ መብዛሕቲኦም ናይ ወለዶም ምኽሪ ዘይሰምዑ፣ መቕጻዕቲ ወለዶም ዘይፈልጡ ኢዮም።

ናይ ወለዶም ፍቕሪ ዘይፈልጡ፣ብናይ ወለዶም ምኽሪ ዘይከዱ፣ ዘይቅጽዑ፣ ትእዛዝ ወለዶም ዘይፍጽሙ ካብ እግዚኣብሔር ዝረሓቑ፣ ፍርሃት እግዚኣብሔር ዘይብሎም ኣዝዮም ጨካናት ኢዮም ዝኾኑ።

ፍርሃት እግዚኣብሔር እንተዘይብልካ ድማ ብዘይ ርህራሄ ንሰብ ክትቀትል፣ብዙሕ ደም ከተፍስስ ትኽእል ኢኻ። “ኣቡኡ ዘይ ቀጸዖ ውላድከ እንታዋይ’ዩ። ከምቶም ኩሎም ውሉድ መቕጻዕቲ እንተዘይ ተቐበልኩም ግና ደቓሉ እምበር ውሉድ ኣይኮንኩምን።” (ዕብ፦12፣7-8)

ነቲ ዝቐጽዑና መቕጻዕቲ ናይ ወለድና እንተ ፍ`ዘይተቐበልና ከም ደቆም ኣይርእዩናን ኢዮም።መጻኢ ሂወትና’ውን ዘሰክፍ ኢዩ።ከምቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝምህረና፣ “ንውላድካ ብሸበጥ ምህራም ካብ ሲኦል የድሕን ኢዩ” ይብለና (ምሳ፦22፣13-14)፣

፣ ናይ ወለድና መቕጻዕቲ ናብ ሲኦል ካብ ምእታው ዘድሕን መድሃኒት ኢዩ። ብኣንጻሩ ናይ ዓለም ሕጊ ካብ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሕጊ ወጻኢ ዝኾነ ሕጊ ኢዩ።ንውላድካ ኣይትህረም ኣይትቕጻዕ ዝብል ኢዩ።

እዚ ግን ስዲ ንክንከይድ፣ ስነስርዓት ዘይብልና ንክንከውን ዝገብር፣ናብ ሲኦል ንኽንኣቱ ዘተባብዕ ሕጊ ኢዩ። ካብ ትእዛዝ ወለድና ካብ መቕጻዕቲ ወለድና እንተወጺእና ዝጎድኣና እምበር ዝጠቕመና ኣይኮነን።

ብፍላይ ኣብ ወጻኢ (ስደት) ዘለና ህጻናትን መንእሰያትን ናብ ጌጋ መንገዲ ዝመርሓና ኢዩ።

በዚ ናይ ዓለም ሕጊ እንተኼድና ሕጊ ኣልቦ ዝኾኑ ሰባት ኢና ንኸውን።ፍርሃት እግዚኣብሔር ዘይብልና ብስነ ስርዓት ዘይንኸይድ፣ኣብ ሕማቕ ወልፍታት ንጽመድ፣ ዘጸይፍ ነገራት ኣብ ምፍጻም ንዋፈር

ነቲ ርሂጽና ተጸሪፍና ዘምጻእናዮ ገንዘብ ኣብ ክንዲ ኣብ ቁምነገር እነውዕሎ ኣብዘይጠቅም ነገራት ነውዕሎ፣ ብሰንኩ ድማ መድሃኒት ዘይርከቦ ሕማምን ዕድሜና ኣብ ምሕጻርን ንወድቕ።

ሳዕቤን ናይዚ ኩሉ እንታይ ኢዩ እንተበልና ትእዛዝ እግዚኣብሔርን ወለድናን ዘይምፍጻም ኢዩ።

3.ንወለድናኣይንንዓቕ፦ ንወለድና ክንንዕቕ ኣይግበኣናን ኢዩ።ወለድና ምስ ኣረጉ ከምቲ ንሕና ብህጻንነትና ከለና ኩሉ ዝገበሩልና፣ ንሕና’ውን ኩሉ ነገራት ክንገብረሎም ይግባእ።ምስ ኣረጉ ኣይንንዓቆም።

“ካም” ንወላዲኡ ምስ ነዓቐ ከም ዝተረግመ መጽሓፍ ቅዱስ ይምህረና።(ዘፍ፦9፣20-29) ንወለድና ክንንዕቆም ኣይግበኣናን ኢዩ። “ናይ ወላዲ መርገም እንተዘይ ቀተለ የዕነኒ” ከም ዝተባሃለ መርገሞም እንተዘይ ቀተለና ኣብዛ ዓለም ግን ጽቡቕ ናብራ ክህልወና ኣይክእልን ኢዩ።

ዕድሜና’ውን ክሓጽር ኢዩ። ምናልባት ወለድና ምስ ኣረጉ፣ ከይ ኣረግና ናብ ቤተክርስቲያን ከይንኸይድ ክኽልክሉና ይኽእሉ ኢዮም።እዚ ግን ጸሊኦም ዘይ ኮኑ ብግቡእ ዘይምርዳእ ኢዩ።

ከምቲ ቃል ኣምላኽ ዝብለና “ስለ ጐይታ ኢልኩም ንወለድኹም ተኣዘዝዎም” ዝብለና ስለ ጎይታ ኢልና ክንእዘዞም ይግበኣና።ቀስ ኢልና ብትሕትና ድማ ጥቕሚ ቃል ኣምላኽ ምፍላጥና ኣብ ግዜ ንእስነትና ፈጣሪና ክንዝክር ከም ዝግባኣና ክነረድኦም ኣለና።

4,ንኻልኦትዓበይቲሰባትምኽባር፦ 4ይ ትእዛዝ ንወለድና ጥራይ ከነኽብር ኣይኮነን ዝእዝዘና።ምንም እኳ ብስጋ ወለድና እንተዘይ ኮኑ ብመንፈስ ግን ወለድና ኢዮም። ንዓበይቲ ሰባት ከነኽብር ይግበኣና ኢዩ።

ኩሉ ግዜ ብኹሉ ነገራት ፍጹማት ክንከውን ይግበኣና ኢዩ።ንኹሉ ከነፍቅር ንኹሉ ከነኽብር ይግበኣና።

“ነቲ ዝርእዮ ሓዉ ዘየፍቀረስ ነቲ ዘይርእዮ ኣምላኽ ከፍቅሮ ኣይክእልን ኢዩ’ሞ ንሓዉ እና ጸለኦስ ንኣምላኽ የፍቅሮ እየ ዝብል ንሱ ሓሳዊ ኢዩ” (1ዮሃ፦4፣20) ፣ዝብለና ነቶም እንርእዮም ዓበይቲ ሰባት ይኹኑ ካለኦት ክንእዘዞምን ከነኽብሮምን ይግባእ።

ከመይ’ሲ ንዓበይቲ ሰባት ንኣሕዋትና ምፍቃርን ምእዛዝን ንእግዚኣብሔር ምፍቃርን ምእዛዝን ስለ ዝኾነ።

ንዓበይቲ ምጽራፍ ኣይግባእን፦ ንዓበይቲ ሰባት ምጽራፍ ብፍላይ ብሓፈሻ ድማ ምጽራፍ ዘይ መንፈሳዊ ተግባር ኢዩ።ብሰንኪ ንዓበይቲ ሰባት ምጽራፎም ህጻናት ተቐዚፎም ኢዮም።

እዚ ኣብ 2ይ ነገ፦2፣23-25 ህጻናት “ኣታ በራሕ ኪድ ውጻእ፣ኣታ በራሕ ኪድ ውጻእ” ኢሎም ኣላገጽሉ።ንድሕሪት ግልጽ ኢሉ ድማ ረኣዮም።

ብስም እግዚኣብሔር ከኣ ረገሞም ሽዑ ክልተ ድቢ ካብ ዱር ወጹ፣ካብቶም ህጻናት ድማ 42 ቆልዑ ሰባበሩ ይብለና።ብሰንኪ ምጽራፍ ከም ዝተረግሙ ዕድሜኦም ከምዝሓጸረን መጽሓፍ ቅዱስ ይነግረና።

ክቡራት ህጻናት ብሓፈሻ ድማ መንእሰያት ትእዛዝ እግዚኣብሔር እንተፈጸምና ኣብዚ ምድሪ ይኹን ኣብ ሰማይ ዓቢ ጥቕሚ ኣለና።ብሓቂ ዓቢ ተስፋ ዘለዎ ትእዛዝ ኢዩ።

ኣብ ምድሪ፦ዕድሜና ይነውሕ

ምሉእ ጥዕና ይህልወና

ብዙሕን ዓበይትን በረኸት ንረክብ

ኣብ ሰማይ ዘለኣለማዊ ሂወት ንወርስ

ትእዛዝ እግዚኣብሔር እንተዘይ ፈጸምና ድማ

ዕድሜና ይሓጽር

ጥዕናና ይጎድል

በረኸት ዘይብልና ንኸውን

ኣብ ሰማይ ድማ ርስቲ ኣይህልወናን

ስለዚ ካብዚ ኩሉ ንኽንድሕን ትእዛዝ እግዚኣብሔር ንፈጽም።

ምንጪ-ጽርሃ ጽዮን ቁ 4 (ት/ሰ/ማ/ቅ/ድ/ማ/ቤተክርስቲያን መድሃኔኣለም ኣብ ቅድስት ሃገር እስራኤል ጥሪ  2005/2013)

ወስብሃት ለእግዚኣብሔር!

ወለወላዲቱ ድንግል

ወለመስቀሉ ክቡር

ኣሜን

Share this:
TwitterFacebook

February 28, 2013Leave a reply
ነገረ ማርያም
ነገረ ማርያም.

በስመኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን!

 “ትንቢቶም ለነበያት’’

ጎይታናን ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ድንግል ማርያም ምውላዱን ቅድስት ድንግል ማርያም ድማ ኣደ ክርስቶስ ምዃናን፣ብኣጋጣሚ ዝተፈጸመ ተኣምር ዘይኮነስ፣ብናይ ቅዱስ እግዚኣብሔር ፍቓድ ምዃኑ መጽሓፍ ቅዱስ ይገልጸልናን የረድኣናን።

     ብርሃን ዓለም ቅዱስ ሃዋርያ ጳውሎስ ናብ እብራውያን ኣብ ዝጸሓፎ መልእኽቱ፣ቅዱስ እግዚኣብሔር ካብ ጥንቲ ጀሚሩ ብዙሕ ግዜን ብብዙሕ መንገድን ኣብ ቅዱሳን ኣቦታትና ነበያት ሓዲሩ ከም ዝተዛረበ ገሊጹ ኣሎ።(ዕብ 1፣1)

ናይ ቤተክርስቲያንና ዓቢ ኣቦ ኣባ ሕርያቆስ ኣብ ቅዳሴ ማርያም ድርሰቱ’ውን “ኦ! ድንግል ነበያት ዝተነበዩልኪ ምሳሌ ዝመሰሉልኪ ንስኺ ኢኺ’’(ቅዳሴ ማርያም)፣ ብምባል ምስጢሩ ብኣምላኻዊ ጥበብ ዝተቐንየ ፣ብነበያት ድማ ዝተዘርበ ምዃኑ የርድኣና።ስለዚ ካብዚ ቀጺልና “ተነበዩ ላዕለኪ ዐቢያተ ወመንክራተ ኦ! ሃገረ እግዚኣብሔር-ሃገረ እግዚኣብሔር መንግስተ ሰማያት ንዓኺ ድንቂ፣ድንቂ ዝኾነ ትንቢት ተነጊሩልኪ” ከም ዝበለ ቅዱስ ኤፍሬም፣ንጉስ ኣብ ከተማኡ ከም ዝቕመጥ፣ ጎይታ ከኣ ንዓኣ ከተማ ጌሩ ትሸዓተ(9) ወርሕን ሓሙሽተ(5) መዓልትን ኣብ ማሕጸና ዝተቐመጠላ (ትርጉም ውዳሴ ማርያም ናይ ሮቡዕ ገጽ 70-72) ቅድስተ ቅዱሳን ንጽሕተ ንጹሓን ድንግል ማርያም ብዛዕባኣ ብቅዱሳን ዝተዘርበን ዝተጻሕፈን ናይ ትንቢት ቃላት ከም ፍቓድ ኣምላኽ ክንርኢ ኢና። እግዚኣብሔር ኣዒንተ ልቦናና የብርሃልና፣ምስትውዓል ከኣ ይሃበና ኣሜን!

1, ልቢ ኣምላኽ ቅዱስ ዳዊት

ሀ) “ሕዝቢ ኣምላኽ ንጽዮን ክበብዋ፣ግምብታታ ቁጸሩ፣ንዝመጽእ ወለዶ ምእንቲ ከተዘንትዉስ ቁጽርታታ መርምሩ፣ኣዳራሻታ ሕሰቡ” መዝ፦48፣12-13

    ቅዱስ ዳዊት ኣብ ትንቢቱ ብዙሕ ግዜ “ጽዮን” እና በለ ይዛረብ።ምክንያቱ ትንቢት ክዛረብ ከሎ ብሓደ ነገር ናብ ካሊእ፣ካብ ዝረአ ናብ ዘይረአ ካብ ግዙፍ ናብ ረቂቕ ስለ ዝኾነ።ንኣብነት ኣብ ግብሪ ሃወርያት ምዕ 7፣37 እንተተ መልኪትና ቀዳማይ ሰማእት ቅዱስ እስጢፋኖስ፣ጎይታናን ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብናይ ነበያት ትንቢት መሰረት ካብ ግዝያዊ ኣገላልጻ ናብ ናይ ዘልኣለማዊ ናይ ትንቢት ኣፈጻጽማ ዝመጸ ምዃኑ ክገልጽ ከሎ፣’ “እዚ ሙሴ እዚዩ ንደቂ እስራኤል ኣምላኽ ካብ ኣሕዋትኩም ሓደ ነቢይ ከምዚ ከማይ ከተንሰኣልኩም’ዩ ንዕኡ ስምዕዎ ዝበሎም” ብምባል ኣብ ኦሪት ዘዳግም ምዕራፍ 18፣16

ዝተነግረ ናይ ትንቢት ቃል ብምጥቃስ፣ኣማናዊ ሙሴ እቲ ንሳቶም(ኣይሁድ) ኣብ መስቀል ሰቒሎም ዝቐተልዎ፣ንሱ ነቢይ ሙሴ ዝተነበየሉ ኢየሱስ ክርስቶስ ምዃኑ ኣብሪሁ ክገልጽ ከሎ ንምልከት።በቲ ግዘ’ቲ ሊቀ ነበያት ሙሴ ዝተዛረቦ ቃል ትንቢት፣ንግዚኡ ብዛዕባ’ቲ ንዕኡ ተኪኡ ናብ ጉስነት እስራኤላውያን ዝመጸ ኢያሱ፣(ኦሪት (ኦሪት ዘዳግም 34፣9, ኢያሱ 1፣1-3) እኳ እንተኾነ፣ናይ ትንቢት ፍጻመ ግን ነቲ ስጋሰብ ተወሃሂዱ ናብዚ ዓለም’ዚ ዝተገልጸ ኣምላኽና ኢየሱስ ክርስቶም ምዃኑ የብርሃልና።

 ልቢ ኣምላኽ ነቢይ ዳዊት ስለ ቅድስት ድንግል ማርያም ዝተነበዮም ትንቢታት መብዛሕቲኦም “ጽዮን” እናበለ’ዩ።ሽሕ እኳ ንግዚኡ ንናይ ዳዊት ከተማ መጸግዒቱ ዕርዱ ንዝነበረት ጎቦ ጽዮን ይኹን እምበር፣ናይ ትንቢቱ ፍጻሜ ግን ጸወነ ስጋ ወነፍስ፣ጸወነ ጻድቃን ወሓጥኣን፣ናይ ስጋን ነፍስን ምኽንያት ድሕነት ዝኾነት ስለ ወላዲት ኣምላኽ ድንግል ማርያም ኢዩ።

ጽዮን ዝብል ቃን ከኣ ነዞም ዝስዕቡ ነጥብታት የጠቓልል፦

vናይ ዳዊት ከተማ(ኢየሩሳሌም) 2ዜና 5፣12

vህዝቢ እስራኤል መዝ 147፣12 , መዝ102፣13

vሰመያዊት ኢየሩሳሌም መዝ 50፣2

vቅድስት ድንግል ማርያም ኢሰ 59፣20, ሮሜ 11፣26

ንጽዮን ክበብዋ ብዙርያኣ ተመላለሱ፦ዝብል ናይ ትንቢት ቃል ብኣማላጅነታ ብረዲኤታ ምጥቃም

ግንብታታ ቁጸሩ፦ዝተባህለ ምልእተ ጸጋ(ናይ ኩሉ ጸጋታት በዓልቲ ቤት)ምዃናን ናይዚ ኩሉ ጸጋታት ተጠቀምቲ(ረባሕቲ) ክንከውን ከምእንኽእል ንኸረድእ ኢዩ።

ኣዳራሻታታ ሕሰቡ፦ድንግልናኣን ንጽሕናኣን ብጽእናኣን ቅድስናኣን ኣስተውዕሉ።

ንዝመጽእ ወለዶ ከተዘንትዉስ፦ እዚ ትንቢት ክሳዕ ዝፍጸም፣ምስተፈጸመ ድማ ንውሉድ ወለዶ ክሳዕ ምጽኣት ከምዝቕጽል የረድኣና። “እንሆ ኩሎም ወለዶታት ብጽቲ ክብሉኒ ኢዮም’’ዝበለት ቅድስት ድንግል ማርያም’ውን ነዚ ኢያ።(ሉቃስ1፣48)

ለ) “እምነ ጽዮን ይብል ሰብእ ወብእሲ ተወልደ ውስቴታ(ሰብ ካብኣ ስለ ዝተወልደ ኩሎም ኣህዛብ ኣዴና    ጽዮን ኢሎም ክጽውዕዋ’ዮም” መዝ 87፣5

ቅዱስ ዳዊት ንወላዲት ኣምላክ ብዓይኒ ትንቢት “ኣዴና ጽዮን” እናበለ ይገልጻ።ምኽንያቱ ሰብ ካብኣ ስለ ዝተወልደ ብምባል ይዛረብ፣ እዚ ከኣ ድሕሪኡ ዝመጸ ነቢይ ኢሳይያስ ከም ዝገለጾ፣ቅዱስ ማቴዎስ ወንጌላዊ ዝመስከሮ ቃል ክፍጸም ምዃኑ መንፈስ ቅዱስ ስለ ዝገለጸሉ’ዩ።እቲ ቃል ድማ፣ “እንሆ ድንግል ኪትጠንስ ወዲ ካኣ ክትወልድ’ያ ስሙ ከኣ ኣማኑኤል ኢላ ክትሰምዮ ኢያ” ዝብል ትንቢታዊ ቃል ስለ ዝተፈጸመ፣ካብኣ ከኣ ሰብ ዝኾነ ኣምላኽ ስለ ዝተወልደ ኣዴና ጽዮን ኢልና ንጽዋዓ።(ት.ኢሰ 7፣14,

ማቴ1፣18-23 ሉቃ1፣26-38 ትርጉም ናይሮቡዕ ውዳሴ ማርያም ገጽ68) ነዚ ኣመልኪቱ ኣምላኽና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ዕጸ መስቀል ኣብዝወዓለሉ ዕለት ዓርቢ ንወላዲቱ ንድንግል ማርያም “እነሆ ወድኺ” ነቲ ዘፍቅሮ ወዲ መዝምሩ ዮውሃንስ ወንጌላዊ ከኣ “እነሀት ኣዴኻ” ብምባል ቅዱስ ዳዊት ዝተነበዮ ናይ ኣምላኽ ቃል ዝተፈጸመ።ኩላትና ድማ “ኣዴና” ኢልና ክንጽዋዓ ከምዝግበኣና ብኣላኻዊ ቃሉ መስኪሩ’ዩ።(ዮሃ 19፣26-27)  “ሰብ ካብኣ ስለ ዝተወልደ” ዝበሎ ከኣ መለኮታዊ ቃል ብፍሉይ ኣካሉ፣ካብ ቅድስት ድንግል ማርያም ስጋን ነፍስን ወሲዱ ብተዋህዶ ሰብ ናይ ምዃኑ ምስጢር ኢዩ።(ት.ኢሰ7፣14 ማቴ1፣፣23 ዮሃ1፣14 እብ2፣26)

ሐ) “ቀደሰ ማህደሮ ልዑል (ልዑል እግዚኣብሔር ማሕደሪኡ ቀደሰ(ፈለየ)”፦

vእግዚኣብሔር ውስተ ማዕከላ ኢትትሃወክ(እግዚኣብሔር ኣብ ማእከላ እዩ’ሞ ኣይትናወጽን)።

vወይረድኣ እግዚኣብሔር ፍጹም (እግዚኣብሔር ብፍጹም ክረድኣ’ዩ)።

            እግዚኣብሔር ብባህሪኡ ቅዱስ’ዩ(ራኢ 4፣8 ሉቃ1፣48 ኢሰ8፣13) ንሱ ንመሕደሪኡ ክትከውን ዝመረጻ ወላዲተ ኣምላኽ ድማ ዝተፈልየት ቅድስቲ ኢያ።ነዚ ኣመልኪቱ ቅዱስ ኣቦና ኣባ ሕርያቆስ “እግዚኣብሔር ካብ ሰማይ ናብ ምብራቕን ምዕራብን ሰሜንን ደቡብን ናብ ኩሉ መኣዝናት ብሓቂ ጠመተ፣ግርማ መልክዕኪ ኣፍቀረ፣ዝፈትዎ ወዱ ካኣ ናባኺ ለኣኾ”(ገላ4፣4-5, ቅዳሴ ማርያም ቁ.24)

“እግዚኣብሄርኣብ ንጽህናኺ ምስ ረኣየ ገብርኤል ዝበሃል ብርሃናዊ መልኣኽ ናባኺ ለኣኾ፣መንፈስ ቅዱስ ክመጽእ’ዩ ሓይሊ ልዑል ድማ ከጽልለኪ’ዩ በለኪ” (ቅ.ማርያም ቁ.45 ሉቃ1፣26-38 ሉቅ2፣41-45  ትርጉም ቅዳሴ ማርያም ገጽ 285) ከምኡ’ውን ጥበበኛ ሰሎሞን ካብ ኣቡኡ ቅዱስ ዳዊት ዝተዛረቦ ትንቢታዊ ቃል ብዘይፍለ “እታ ፍትውተይ’ሲ  ኣብ ማእከል ኣዋልድ ከም ኣብ ማእከል እሾክ ዝበቖለት ዕንበባ ሽሻን ኢያ” ብምባል ኣብ ማእከል’ቲ ብእሾክ ዝተመሰለ ሓጢኣት ኣዳም ንሳተፈልያ ቅድስት ምዃና መስኪሩ ኢዩ።

(መሃ 2፣2  መሃ4፣7  ምሳሌ 31፣29)

vእግዚኣብሔር ንመሕደሪኡ ቀደሰ(ፈለየ)፦ ዝብል ቃል ቅዳስት ድንግል ማርያም ናይ ኣምላኽ መሕደሪ ንምዃን ዝመረጻ፣ካብ ሓጢኣት፣ካብ መርገም፣ካብ ፍትወት፣ካብ ርኽሰት ዝሓለዋ እግዚኣብሔር ጥራሕ ምዃኑ ንምርዳእ ኢዩ።

vእግዚኣብሔር ኣብ ማእከላ ኢዩ’ሞ ኣይትናወጽን፦ ዝብል ቃል ድማ እግዚኣብሔር ቅድሚ ምውላዳ ፣ክትውለድ ከላንድሕሪ ምውላዳን ብድንግልና ፍጽምትን ጽንዕትን ምዃና ይገልጸልና። “ኣምላኽ ዝወለደት ማርያም ንዘልኣለም ድንግል ከምዝኾነት ንኣምላኽ ምውላዳ ዘይምርመር ድንቂ ከምዝኾነ ድሕሪ ምውላዳ’ውን ብድንግልና ጸኒዓ ነበረት”። (ቅዱስ ሳዊሮስ ናይ ኣንጾክያ ሊቀጳጳስ  ሃ.ኣበው ገጽ 385 ምዕ77፣14  ሃ.ኣበው ዘመቃርስ 98፣13 ገጽ437  ሃ,ኣበው ገጽ172 ምዕ53፣3 ቅዱስ ቴዎዶጦስ ናይ ዕንቅራ ኤጲስቆጶስ)

“ዘኢትረኣይ ወዘኢታወቅ ወለደቶ ማርያም እንዘ ድንግል ይእቲ(ሰብቅድሚ ምዃኑን ሰብ ድሕሪ ምዃኑን ብዘይምርመር ንዕኡ ማርያም ማሕተም ድንግልናኣ ከይተለወጠ ወለደቶ)’’።ከምዝበለ ቅዱስ ኤፍሬም (ውዳሴ ማርያም ናይ ሰሉስ፣ ሕዝ 44፣1-2)

vእግዚኣብሔር ብፍጹም ክረድኣ’ዩ፦ዝበሎ ከኣ እግዚኣብሔር ካብ ኣዳም ጀሚሩ ክሳዕ ዘልኣለም ካብኣ ከምዘይፍለን ምልእተ ጸጋ ጌሩ ከምዝፈጠራን ዝገልጽ’ዩ።

መ) “እስመ ሓረያ ለጽዮን ወኣብደራ ከመትኩኖ ማህደሮ ዛቲ ይእቲ ምዕራፍየ ለዓለም(እግዚኣብሔር ንጽዮን ሓረያ መሕደሪቱ ክትከውን ድማ በሃጋ፣እዚኣ ንሓዋሩ መዕረፊተይ’ያ ብሂገያ ኢየ’ሞ ኣብዚኣ ክነብር’የ)’’ መዝ 132፣13-14፦

እግዚኣብሔር ካብ ኩለን ሃገራት ዓለም ንእስራኤል፣ካብ ኩለን ከተማታት እስራኤል ከኣ ንኢየሩሳሌም መረጸ።ምኽንያቱ በቲ ግዜ’ቲ ኣብ ኩሉ ቦታታት ዝነብሩ ዝነበሩ ሰባት ብኣምልኾ ጣኦታት ተታሒዞም ክነብሩ ከለዉ፣ኣብ ኢየሩሳሌም ዝነብሩ ዝነበሩ ግን እግዚኣብሔር አምልኩ ስለ ዝነበሩ ፣ብግዝያዊ ኣገላልጻ እግዚኣብሔር ንጽዮን(ኢየሩሳሌም) ምምራጹን ምብሃጉን የመልክተና።ናይዚ ትንቢት ምስጢራዊ ኣፈጻጽማ ግና፣ቅዱስ እግዚኣብሔር ካብ ኣንስቲ ፈልዩ መሕደሪቱ ክትከውን ዝመረጻ ቅድስት ድንግል ማርያም ምዃና ምግንዛብ የድልየና።

      እግዚኣብሔር ንተዋህዶ ዝመረጻ ቅስት ድንግል ማርያም ስለ ዝኾነት ብዘይ ምርመር ጥበብ፣ምስ ስጋኣን ነፍሳን ተወሃሂዱ ኣብ ማህጸና ተቐሚጡ ኢዩ። “ንዘልኣለም ክነብር’የ” ዝበሎ ድማ ንሱ ንዘልኣለም ምሳኣ ምዃኑ፣ድንግልናኣ፣ቅድስናኣ፣ብጽእናኣ፣ዘልኣለማዊ ምዃኑ ንምርዳእ’ዩ።በቲ ሓደ ወገን ድማ ካብኣ ዝወሰዶ ስጋን ነፍስን ንዘልኣለም ካብ መለኮት ከምዘይፍለ ግልጺ ጌሩ ምስጢረ ተዋሕዶ የስተምህረና።(ዮሃ20፣28  1ዮሃ 1፣1 ግ.ሃዋ 1፣9-11  ማር14፣61  ዮሃ17፣5  ዮሃ17፣24 ራእ5፣12)

2,ነቢይ ኢሳይያስ

ሀ) “ካብ ሱር እሰይ በትሪ ይወጽእ፣ካብቲ በትሪ ድማ ጠጥዒ ክጭብጭብ ካብ ሱሩ ዝጨብጨበ ጨንፈር ከኣ ፍረ ክፈሪ ኢዩ”። ት.ኢሰ 11፣11

ናይዚ ትንቢት’ዚ ቀንዲ ዕላማ እግዚኣብሔር ሰብ ናይ ምዃኑ ምስጢር ኢዩ።

እግዚኣብሔር ፍጹም ኣምላኽ ፍጹም ሰብ ኮነ ክበሃል ከሎ ፣እግዚኣብሔር ካብዝመረጻ ካብ ቅድስት ድንግል ማርያም ምውላዱ ኢዩ።

ነቢይ ኢሳይያስ ናይ ቅድስት ድንግል ማርያም ሓረግ ትውልዲ፣ካብ ናይ ዳዊት ኣቦ ካብ እሴይ ምዃኑ ገሊጹ ኣሎ፣እዚ ከኣ ካብ ሱር እሴይ ካብ ናይ ዳዊት ዘርኢ ቅድስት ድንግል ማርያም ከም እትውለድ እግዚኣብሔር ንኣቦና ዳዊት ቃል ኣትይሉ ነበረ። (መዝ131፣11) ባዕሉ’ውን ቅዱስ ዳዊት “ጓለየ ናብቲ ዝብለኪ ስምዒ፣ርኣዪ’ውን እዝንኺ ጽለዊ፣ህዝብኽን ቤት ኣቦኽን ረስዒ ብመልክዕኪ ንጉስ ክፈትወኪ’ዩ ንሱ ጎይታኺ’ዩ እሞ ስገድሉ” እና በለ ገሊጹ ኣሎ። መዝ45፣10-11

ካብ ዘርኢ ዳዊት ንእትርከብ ዕንባባ(ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም)ካብኣ ዝውለድ ፍረ(መድሃኔ ኣለም) ብቅዱስ ስጋኡን ክቡር ደሙን ዓለም ናይ ምድሓን ምስጢረ ስጋዌ ምዃኑ ንምርዳእ በትርን ዕንበባን እና በለ ይገልጽ።ብናይ መንፈስ ቅዱስ ገላጽነት ነዚ ምስጢር ዝተርጎመ ቁስ ኤፍሬም፣ “ንኣካላዊ ቃል ዝወለድክንላ መልክዐኛ ርግቢ ማርያም ደስ ይበልኪ፣ካብ ሱር እሰይ ዝተረኽበት ሰናይ መዓዛ ዘለዋ ዕንበባ፣ንስኺ ኢኺ።”ብምባል የመስግና።ጽጌ ንሳ፣መዓዛ ወዳ፣ክውምኡ’ውን ጽጌ ንሳ መዓዛ ንጽሕናኣን ቅድስናኣን ኢዩ።(ናይ ሰንበት ውዳሴ ማርያም)  ኣብ ናይ ቀዳም ውዳሴኡ’ውን “ኣንቲ ውእቱ ዘመድ እምሰርወ ዳዊት፣ካብ ዳዊት ዝተረኸብኪ ባህርይ ኢኺ(ራእ 5፣5) ።ሱር ንላዕሊ ይዓቢ ንታሕቲ’ውን ይዋፈር ኢዩ፣ስለዚ ንላዕሊ እንተበልና እሴይ ንታሕቲ እንተበልና ከኣ እያቄም መራኸቢኡ ዳዊት ኢዩ።”(ትርጉም ናይ ቀዳም ውዳሴ ማርያም ገጽ 147) ናብ ላዕሊ እንተበልና ኣብራሃም(ገላ3፣16,ማቴ1፣16) ናብ ታሕቲ እንተበልና ድማ ዳዊት፣ማእከላይ እሴይ ኢዩ።(ትርጉም ናይ ሰንበት ውዳሴ ማርያም ገጽ172)

ለ) “ደቂ እቶም ዝጭቁንኺ ዝነበሩ እና ደነኑክመጹ፣እቶም ዝነዓቑኺ ኩሎም ድማ ናብ ትሕቲ ኣእጋርኪ ፍግም ኢሎም ክሰግዱልኪ ኢዮም እሞ ከተማ እግዚኣብሔር፣ጽዮን ከተማ እቲ ቅዱስ ኣምላኽ እስራኤል ኢሎም ክሰምዩኺ ኢዮም”። ኢሳ 60፣14

እዚ ቃል’ዚ ብመጀመርያ ነቶም ንኢየሩሳሌም ዘሸግሩ ዝነበሩ ናይ ኣህዛብ ነገስታት መጠንቀቕታ ክኸውን ከሎ ፍጻሜኡ ግና

1)     ካብ ኣዳም ክሳዕ ክርስቶስ ኣብ ሲኦል ንነፍሳት ዘጨንቑ ዝነበሩ ኣጋንንቲ ኣብ እግሪ መስቀሉ ምውዳቖም የመልክት።ምኽንያቱ ኣብ መስቀል ውዒሉ ንኣጋንንቲ ብመስቀሉ ዝቐጥቀጠ(ቆላ2፣15) ስጋ ወልደ እግዚኣብሔር ካብ ቅድስት ድንግል ማርያም ዝወሰዶ ስጋ’ዩ።ነዚ ኣምላኽ ዝኾነ ስጋ’ውን ኣብ ዝተፈላለየ ግዜ ኣጋንንቲ ሰጊዶምሉን ኣብ ቅድሚኡ ኣንቀጥቂጦምን’ዮም።(ማቴ8፣29, ማር1፣24)

2)    ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን፦ቅድስት ድንግል ማርያም ካም እትጥነስ ጀሚራ ክሳዕ ዕረፍታ ዝነበሮም ጭንቀትን ጭካነን ፍጻሜኦም የርእየና።

3)   መናፍቃን፦ድንግል ማርያም ወላዲተ ኣምላክ ኣይትበሃልን እና በሉ ስለ ቅድስነኣን ዘላለማዊ ድንግልነኣን ዘለዎም ርዲኢት ጌጋን ዘይ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ግንዛቤ ምዃኑ ንምግላጽ ኢዩ።

ካብ ዝተገልጸ ሓቀኛ ዝኾነ ትንቢት መሰረት፣ ሓደ ግዜ ናይ ቅድስት ድንግል ማርያም ክብራን ንጽህነኣን ኣሚኖም ክምለሱ ምዃኖም የረድኣና።እቶም ብምስጢረ ስጋዌ ንኣምን ኢና ንብል ሰባት ጥራሕ ዘይኮነስ፣ኣህዛብ’ውን ዝመጽሉ ግዜ ኣሎ።ነዚ ሓቂ’ዚ ቅዱስ ዳዊት ክገልጽ ከሎ “ህዝቢ ጢሮስ ገጸ በረኸት ከምጽኡልኪ እቶም ሃብታማት ህዝቢ ኣብቅድሜኺ ሞጎስ ክረኽቡ ክጽዕሩ ኢዩም።” ብምባል ንድሕነት ዝተመርጹ ናብ ቅድስት ድንግል ማርያም ዝተመለስሉ ግዜ ከም ዝነበረ የረድኣና።(መዝ45፣1) ሕጂ’ውን ብዙሓት ካብ ሃይማኖት ወጻኢ ዝጸንሁ ሰባት፣ክብራ፣ንጽህነኣ፣ኣደነታ ኣሚኖም ማይጸጋ ስግደት ይህብዋ ኣለዉ።

ሐ) “እግዚኣብሔር ኣብ በሪኽን ልዕል ዝበለ ዝፋን ተቐሚጡ ከሎ ረኣኽዎ ዘፈራት ልብሱ ከኣ ነቲ መቕደስ መሊእዎ ነበረ” (ት.ኢሰ 6፣1-13  ንመልከት)

ንግዚኡ ነቢይ ኢሳይያስ ካብ ዝፈርሆ ዝነበረ ንጉስ ዖዝያን ንላዕሊ እግዚኣብሔር ዓቢ ምዃኑን፣ካብቲ ግዝያዊ ንጉስ(ዖዝያን) እግዚኣብሔር ዘልኣለማዊ ምዃኑ ዝገልጽ ምስጢር ኢዩ። ናይ ትንቢት ፍጻሜኡ ግንብ “በሪኽን ልዕል ዝበለ ዝፋን” ዝተባህለ ቅድስት ድንግል ማርያም ክትከውን ከላ “ዝፋናት ልብሱ ከኣ ነቲ መቕደስ መሊእዎ ነበረ” ዝተብህለ ድማ መለኮታዊ ክብሩ ካብ ባህሪ ኣቡኡ (ኣብ) ካብ ባህርይ ሂወቱ (መንፈስ ቅዱስ) ከይተፈልየ ፣ከየጉደለ፣ከይወሰኸ፣እግዚኣብሔር ወልድ ኣብማህጸን ቅድስት ድንግል ማርያም ምህዳሩን ረቂቕ ኣምላኽ ብጋህዲ ምግላጹን የመልክት።ልዑል እግዚኣብሔር ሰብ ንምድሓን ዝገበሮ ናይ ምስጢረ ስጋዌ ጉዕዞ ንቅድስት ድንግል ማርያም ዝፋኑ ገይሩ ምግላጹ ዘካትዕ ወይ ድማ ዘማትእ ኣይኮነን።እግዚኣብሔር ሰመያዊ ዝፋኑ ክቡርን ቅዱስን ኢዩ።ካለአይቲ ዝፋን ዝኾነቶ ቅድስት ድንግል ማርያም ድማ፣ክብርትን ቅድስትን ኢያ።እዚ ስለዝኾነ ከኣ ኣብ ናይ እግዚኣብሔር ዝፋን ዝቕመጥ ባዕሉ እግዚኣብሔር ጥራህ ኢዩ።

መ) “እግዚኣብሔር ባዕሉ ትእምርቲ ክህበኩም ኢዩ፣ድንግል ክትጠንስ ወዲ ከኣ ክትወልድ’ያ ስሙ ከኣ ኣማኑኤል ኢላ ክትሰምዮ ኢያ”። (ት.ኢሰ 7፣14)

ነቢይ ኢሳይያስ እግዚኣብሔር ካብ ድንግል ማርያም ስጋን ነፍስን ወሲዱ(ተወሃሂዱ) ሰብ ምዃኑን ኣማኑኤል (እግዚኣብሔር ምሳና’ዩ) ተባሂሉ ከም ዝጽዋዕን ኣረጋገጸ።(ማቴ1፣23) ናይዚ ምስጢር’ዚ መበገሲ ኣብ ኦ.ዘፍ3፣22 ዘሎሓይለ ቃል ከኣ ይትርጎም።ነዚ ኣመልኪቱ ቅዱስ ኤፍሬም፣ “ርእየ ኢሳይያስ ነቢይ በመንፈስ ትንቢት ምስጢር ለኣማኑኤል-ነቢይ ኢሳይያስ ብዛዕባ መጻእን ትንቢትን ብዝገልጽ መንፈስ ቅዱስ ምስጢር ኣማኑኤል ረኣየ”(ት.ኢሰ7፣14) ቀጺሉ’ውን ቅዱስ ኤፍሬም ህጻን ተወልደ ለነ ወልድ ተውህበ ለነ-ህጻን ተወሊዱልና፣ወልድ ተዋሂቡና(ወልድ ንሕማም ንሞት ተዋሂቡናልከምኡ’ውን ንኩነተ ስጋ ተዋሂቡና) “ህጻን ተወልደ ለነ” ጠባይ ህትጻናት ሓልዩ ህጻን ኮይኑ ከኣ ተወልደልና።እዚ ከኣ ጎይታ ስጋ ለቢሱ ምውላዱ ንዕኡ ጥቕሚ ዘይኮነስ ንዓና ከምዝኾነ መታን ከብርህ “ተወልደልና” ይብል።(ናይ ሶኒይ ውዳሴ ማርያም, ት.ኢሰ 9፣6)

ረ) “እግዚኣብሔር ጎይታ ሰራዊት ገለ ሒደት ትርፊ እንተዘይ ሓድገልናስ ከምሰዶም ምኾንና ንጎሞራ’ውን ምመሰልና ኔርና” (ት.ኢሰ1፣9)

700 ዓመታት ቅድሚ ልደት ቅድስት ድንግል ማርያም ዝነብር ዝነበረ ነቢይ ኢሳይያስ ከምቲ ሰዶምን ጎሞራን ብሰንኪ ሓጢኣቶም ተረፍ ዘርኢ ዘይብሎም፣ንሕና ድማ ካብ ቅትለት ዝተረፉ ሒደት ዘርኢ እንተዘይ ሃድገልናስ ጥራሽ ምጠፋእና ብምባል ስለቲ ኣብ ዘመነ ምርኮ ባቢሎን ዝተፈጸመ ነገር ክዛረብ ትንቢታዊ ምስጢሩ ግና ምኽንያት ድሕነትና ዝኾነት ቅድስት ድንግል ማርያም እግዚኣብሔር እንተዘይ ህበና፣ንህናስ ብባርነት፣ብራዕዲ ናይ ሰይጣን ተገዚእና ምነበርና ንምባል’ዩ።ቅዱስ ሃዋርያ ጳውሎስ’ውን ነዚ ትንቢት’ዚ ኣልዒሉ ገሊጽዎ ኣሎ። (ሮሜ 9፣29)

3)ነቢይ ሕዝቅኤል

(ሕዝ፦44፣1-12) ቀጺሉ ነቢይ ሕዝቅኤል ዝተነበዮ ትንቢት ኣብዚ ብዛዕባ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ንርኢ፦ “ብድሕሪ’ዚ እቲ ሰብኣይ ናብታ ናብ ምብራቕ ኣቢላ እትርኢ ግዳማዊ ኣፍደገ ቤት መቕደስ ዘሎ ቅርዓት ወሰደኒ፣እታ ኣፍደገ ከኣ ዕጽውቲ ነበረት።እግዚኣብሔር ድማ፣እዛ ኣፍደገ እዚኣ ዕጽውቲ ትኹን፣ኣይትከፈት ሰብ’ውን ብኣኣ ኣይእቶ።ኣነ እግዚኣብሔር ኣምላኽ እስራኤል ብኣኣ ኣትየ እየ’ሞ ብዕጽውታ ትንበር።

vምብራቕ፦ዝበላ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ኢያ።ጽሓይ ካብ ምብራቕ ከም ዝወጽእ፣ኣማናዊ ጸሓይ ኢየሱስ ክርስቶስ ከኣ ካብ ድንግል ማርያም ተረኺቡ ኢዩ።

      (ዮው1፣8 ዮው8፣12 ዮው1፣5 1ጢሞ15፣16)

vመቕደስ፦ዝበሎ ማህጸና ኢዩ።ኣካላዊ ቃል ን9 ወርሕን 5መዓልትን ኣብ ማህጸና ተቐሚጡ ኢዩ።

vዝተዓጽወት ኣፍገ፦ዝበሎ ማሕተም ድንግልናኣ ንምግላጽ ኢዩ።

vዕጽውቲ ነበረት፦ቅድሚ ንጎይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ምውላዳ ድንግል ከም ዝነበረት ዝገልጽ’ዩ።

vዕጽውቲ ትኹን ኣይትከፈት፦ድሕሪ ምውላዳ እውን ዘልኣለማዊት ድንግል ምዃና ኢዩ።

vሰብ ብኣኣ ኣይእቶኣነ እግዚኣብሔር ኣምላኽ እስራኤል ብኣኣ ኣትየ እየ’ሞ ብዕጽውታ ትንበር ዝበሎ ድሕሪ ንክርስቶስ ምውላዳ ብድንግልናኣ ከም እትነብርን ብጀክኡ ካልእ ውላድ ከምዘይ ብላን ብዘየሻሙ ቋንቋ ብትንቢታዊ መነጽር ንምግላጽ ኢዩ። ንቅድስት ድንግል ማርያም ንምምስጋን ዓቢ ጸጋ ዝተዓደለ ቅዱስ ኤፍሬም’ውን “ነቢይ ሕዝቅኤል ብዘደንቕ መፍትሕ ዝተቆለፈት ኣፍደገ ብሸነኽ ምብራቕ ርኤኹ ኢሉ ብዛዕባኣ መስከረ፣ብጀካ ጎይታ ሰራዊት ከይ ከፈተ ኣትዩ ከይ ከፈተ ዝወጸ የልቦን፣ንሱ ግና ከይከፈተ ኣትዩ ከይ ከፈተ ወጸ”። (ሕዝ44፣1-12) ብምባል ነዚ ትንቢት እዚ ይትርጉም (ትርጉም ናይ ረቡዕ ውዳሴ ማርያም ገጽ 95-96) ቅዱስ ጂሮም’ውን ብዛዕባ ድንግልና ቅድስት ድንግል ማርያም ክዛረብ ከሎ፣ “ክርስቶስ ከመይ ጌሩ ብዕጹው መቓብር ከም ዝወጸን ከመይ ጌሩ ብዕጽው ማዕጾ ናብ ሃዋርያት ከም ዝኣተወን ንገሩኒ’ሞ፣ድንግል ማርያም ከመይ ጌራ ብድንግልና ከም ዝጠነሰትን ብድንግልና ከም ዝወለደትን ክነግረኩም’የ” ብምባል ይገልጽ።ጥበበኛ ሰሎሞን’ውን ነዚ ኣመልኪቱ ክዛረብ ከሎ “ኣቲ ሓፍተይ መርዓተይ ሕብእቲ ቦታ ኣታኽልቲ ኢኺ ዕጹው ዔላ ሕቱም ዓይኒ ማይ ኢኺ” (መሃ4፣12)።

ቅዱስ ያሬድ እውን “ኣንቲ ምስራቅ ወወለድኪ ጸሓየ ጽድቅ፣ ንስኺ ምብራቕ ኢኺ ወድኺ ጸልማት ዘርሕቕ ኣማናዊ(ናይጽድቂ) ጽሓይ ኢዩ”ብምባል የመሳጥሮ። “ይኢቲ ኣሚረ ይህርቅ ጸሓየ ጽድቅ ወሕይወት ታሕተ ክነፊሁ” ከምዝብል (ሚልክ 4፣2)ሚልክያስ ነቢይ።

4)ነቢይ ዳኒኤል

(ት.ዳኒ 2፣31-35) “እንሆ ኢድ ከይተንከዩ እምኒ ካብ ኩርባ ተፈንቂሉ መጸ፣ነቲ ሓጺንን መሬትን ዝኾነ ኣእጋር እቲ ምስሊ ድማ ወቒዑ ዳዕሞኾ፣እቲ ምስሊ ዝወቐዖ ምስሊ ግና ዓቢይ እምባ ኮነ ንብዘላ ዓለም’ውን መለኣ”

ኩርባ ልዕል ዝበለ ከምዝኾነ፣ብኹርባ ዝተመሰለ በቲ ዘመን’ቲ ሓያል ዝነበረ ንጉስ ናቡከደነጾርን መንግስቱን ዘመልክት’ዩ።(ት.ዳኒ2፣37) ናይ ትንቢቱ ምስጢር ግና “ኩርባ” ዝተመሰለት ወላዲት ኣምላኽ፣ብእምኒ ዝተመሰለ ክርስቶስ ምውላዱ ኣብ ምድሪ ኣብ ናይሰብ ልቦና ሰልጢኖም ዝነበሩ ኣጋንንቲ ኣብ መስቀል ብዝፈጸሞ ቤዛውነት ከም ዝቐጥቀጦም ዝገልጽ ምስጢር’ዩ።ምኽንያቱ “እቲ ነደቕቲ ዝነዓቕዎ እምኒ ንሱ ርእሲ መኣዝን ኮነ፣እዚ ካብ እግዚኣብሔር ኮነ፣ነዒንትና’ውን ዘደንቕ’ዩ”(መዝ118፣22-23 1ይቆሮ10፣4 ማቴ21፣44) “ከምኡ’ውን እምኒ መዐንቀፍን ኣንደልሂጹ ዘውድቕ ከውሕን’ዩ”(1ጴጥ2፣6-8)ከም ዝበለ ቅዱስ ጴጥሮስ፣እዚ እምኒ እዚ ዝወደቐ ዘበለ ኩሉ ዕድሉ ምስባር ጥራሕ’ዩ።ሎሚ’ውን ብናይ እግዚኣብሔር ወልድ ናይ ባህርይ ኣምላኽነት ዘይ ኣምኑ ፣ድንግል ማርያም ድማ ኣደ ኣምላኽ ምዃና ዘይ ቅበሉ ዕጨኦም ከምዚ ኣብ ላዕሊ ዝተገልጸ ምዃኑየመልክተልና።

ናይ ቤተ ክርስቲያንና ዓቢ ኣቦ ቅዱስ ኤፍሬም “ዘውእቱ እብን ዘርእየ ዳኒኤል ነቢይ ዘተበትከ እምደብር ነዋሕ ዘእንበለ እድ(ት.ዳኒ2፣45)ዘውእቱ ቃል ዘወጽኣ እምሃበ ኣብ ።ነቢይ ዳኒኤል ዝረኣዮ እምኒ ኢድ ከይፈንቀሎ ካብ ነዊሕ እምባ ዝወረደ “ዘውእቱ እብን” ንዝበሎ “ዘውእቱ ቃል” “ዘተበትከ እምደብር ነዋሕ” ንዝበሎ ፣ዘወጽኣ እም ሃበ ኣብ ፣ዘእንበለ እድ ንዝበሎ ድማ “ዘእንበለ ዘርእ” ኢሉ ተርጒምዎ ኣሎ።ወጽኣ ወተሰብኣ እምድንግል ዘእንበለ ዘርኣ ብእሲ ወኣድሓነነ ፣ዘርኢ ሰብ ምኽንያት ከይኮኖ ካብ ድንግል ተወሊዱ ኣድሓነና” (ትርጉም ናይ ሰሉስ ውዳሴ ማርያም ገጽ53) ከምቲ ኢድ ከይተንከዮ ካብ እምባ ወሪዱ ነቲ ምስሊ ዝዳዕሞኾ ጐይታ ሰብ ኮይኑ ንኹለን መንግስታት ዝገዝእ ምዃኑ’ዩ።(ት.ዳኒ2፣1-49 ትርጉም ናይ ሰሉስ ውዳሴ ማርያም ገጽ 58)ምስጢራዊ ትርጉሙ ጽሒፉ ኣሎ።

                5)ነቢይ ሚክያስ

“ኣቲ ኣብ ምድሪ ኤፍራታ ዘለኺ ቤተልሔም፣ንስኺ ካብተን ኣብ ይሁዳ ዘለዋ ከተማታት ዝነኣስኪ ኢኺ ትውልዱ ካብ ጥንቲ ካብ ዘልኣለም ዝኾነ ኣብ እስራኤል ገዛኢ ክኸውን ዘለዎ ካባኺ ከተንስእ’የ ይብል ኣሎ” (ሚኪ5፣2)

ቤተልሔም ናይ ኤፍራታ ካብ ካልኦት ክፍሊ ሃገራት ናይ እስራኤል ዝነኣሰት እኳ እንተኾነት፣እንተኾነ ግን ኣብ ካልኦት ዘይ ተፈጸመ ዓቢ ተኣምር ልደት ናይ ክርስቶስ ርእያ’ያ፣ምኽንያቱ ናይ ይሁዳ ኣንበሳ ዝተባህ ክርስቶስ ካብኣ ተረኺቡ ኢዩ።(ራኢ5፣5 ዕብ7፣14 ሉቃ2፣4 ሮሜ9፣5)

ቤተልሔም እንበኣር ዓንያ ፣ጣሻ ውሒጥዋ ኣብ ዝነበረትሉ ግዜ ዝመጸ ነቢይ ሚክያስ ኣንቲ ቤተልሔም ከምዚ ኢልኪ ኣይክትተርፍን ኢኺ ንጉስ ክነግሰልኪ ነጋሪት ክስመዓልኪ፣ድንኳን ክትከለልኪ ኢዩ።ኣህዛብ ክግብሩልኪ ኢዮም ብምባል ተነበየ።ግዝያዊ ነገሩ ዘሩባቤል ኣብ ዝነገሰሉ ግዜ ተፈጺሙ ኢዩ፣ ምስጢር ቃሉ ግን ብስጋን ብነፍስን ንእስራኤል ዝጓሲ ንጉስ ክርስቶስ ካብኣ ከም ዝውለድ ንምግላጽ’ዩ።በዚ ድማ ድንኳን ከም ዝተተኽለላ ፣ብሩህ ድንኳን ተተኺሉላ ኢዩ፣ኣህዛብ ከም ዝገበሩላ ሰብኣሰገል ገበሩላ፣ነጋሪት ከም ዝተሰምዐ ምስጋና መላእኽቲ ተሰሚዕዋ’ዩ (ሉቃ2፣8-15)  ኣንቲ ጓል ኤፍራታ(ተሰካሚት ፍረ፣ጸዋሪት ፍረ)ዝኾንኪ ቤተልሔም (ቤት ሕብስቲ ቤት እንጀራ) ቅድስት ድንግል ማርያም ካብ ነገስታት ይሁዳ ትበልጺ እንበር ኣይትንእስን ኢኺ፣ዝበላ ድማ ሓቀኛ ናይ ሂወት ፍረ ዝተረኽበላ ዕጸ ሂወት፣ኣማናዊ ብልዒ(ስጋ ወልደ እግዚኣብሔር)ዝተረኽበላ ንሳ ስለ ዝኾነት ነዚ ኪገልጽ እንበኣር ነቢይ ሚኪያስ ህልውናኡ ካብ ጥንቲ ዝኾነ ወልደ እግዚኣብሔር ካብ ድንግል ማርያም ኣብ ቤተልሔም ናይ ኤፍራታ ካብ ይሁዳ ወገን ኣብ ኣውራጃ ይሁዳ ከም ዝውለድ ብመንጽር ትንቢት ዝገለጸ። ስለዚ ብዚሓት ኣቦታት ነበያት ብዛዕባ ቅድስት ድንግል ማርያም፣መንፈስ ቅዱስ ብዝገለጸሎም መጠን ኣርቂቖምን ኣስፊሖምን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣስፊሮሞ ኢዮም።ካብቲ ብዙሕ ብውሑድ ድማ ኣብዚ ይኣኽለና።ክብራ፣ድንግልናኣ፣ቅድስናኣ፣ንጽህናኣ ቅዱሳን ነበያት ከም ዝመስከሩ ንዓና ድማ ዘስተውዕል ብሩህ ዓይነ ልቦና ሂቡና ንምምስካር የብቅዓና።

ጸሎታን በረኸታን ናይ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ምስኩላትና ይኹን

ወስብሃት ለእግዚኣብሔር

ወለወላዲቱ ድንግል

ወለመስቀሉ ክቡር

ኣሜን!

Share this:
TwitterFacebook

February 25, 2013Leave a reply
ስብከት
ስብከት.

ጾመ ነነዌ

በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላኽ ኣሜን፣፣ልዕለ ባህርይ ቅዱስ እግዚኣብሄር ኣምላኽና  ካብ ዓመት ናብ ዓመት፣ካብ ወርሒ ናብ ወርሒ ክሳዕ እታ  ዝነኣሰት ክፈለ ግዜ ዘይከም ብዝሒ ሓጥያትና ፣ብዓይኒ ምሕረቱ እናጠመተ ዝሓለወናን ዝሕልወናን ዘሎ ክብሪ ምስጋና ንዕኡ ንዘልኣለም ይኹን ኣሜን፣፣ስሙ ክጽዋዕ ፣ንዕኡ ተኸቲላ ስማ ዝዋዕ፣ንሱ ክምስገን ንዕኡ ተኸቲላ እትምስገን ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ናይ ጸጋ ምስጋና  ይብጽሓያ፣፣ኩሎም ናይ እግዚኣብሄር ቅዱሳን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ሞጎስ ረኺቦም ጸጋ ተዓዲሎም እዮም’ሞ ንኹሎም ቅዱሳን ናይ ጸጋ ምስጋናን ሞጎስን ይብጽሓዮም፣፣ኣሜን፣፣

ካብዚ ቀጺልና ኣብ ኣርእስቲ ከም ዝተመልከትናዮ ናይ ሎሚ ጽሑፍና ብዛዕባ ጾመ ነነዌ  ክኸውን እዩ፣፣ጾመ ነነዌ እምበኣር ቅድስት ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ካብ ዝሰርዓቶምን  እትኽተሎምን ሸውዓተ ናይ ኣዋጅ ኣጽዋማት ሓደ እዩ፣፣እዞም ሸውዓተ ናይ ኣዋጅ ኣጽዋማት ካኣ፣  

vዓቢ ጾም(ጾም ኣርብዓ)-ማቴ4፣1

vጾመ ሃዋርያት- ካብ በዓል መንፈስቅዱስ -5ሓምለ

vጾመ ስብከት(ጾመ ነብያት/ታሓሳስ/ልደት)-15 ሕዳር-29ታሕሳስ(ኣብ ዘመነ ዮሃንስ 28 ታሕሳስ)

vጾመ ፍልሰታ–1ነሃሴ-16ነሃሴ

vጾመ ድሕነት

vጾመ ነነዌ- ት.ዮናስ ምዕ 1—3

vጾመ ገሃድ- ድሮ ጥምቀት

እዮም፣፣ብዛዕባ ጾመ ነነዌ ኣብ እንዛረበሉ ግዜ ፣ሰብኣ  ነነዌ ዝሰርሕዎ በደልን ሓጥያትን  ፣ኣብ መወደእታ ካኣ ብበደሎም ኣሚኖም ዝሓዘንዎ፣ዝጸምዎ ጾምን እግዚኣ

ሆሳዕና በ ኣርያም

ሆሳዕና በ ኣርያም

ሆሳዕና ዝብል ቃል ትርጉሙ፡ መድሓኒት ሕጂ ኣድሕን ሕጂ ኣቅንዕ ማለት እዮ። እዚ ድማ ጐይታና መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንሱ እቲ ቅኑዕን ንጉስን እቲ መድሓኒት ድማ ንሱ ምዃኑ ንኩሉ ድማ ዘቅንዕ ንሱ ሙዃኑ ንምግላጽ ዝተገብረ እዮ። ኣብዚ ዕለት እዚ ከምቲ ኣብ ወንጌል ማቴዎስ 21፡9 ‘’ እቶም ቀቀድሚኡ ዝኸዱ ደድሕሪኡ’ውን ዝስዕቡ ሕዝቢ ኸኣ ‘’ ሆሳዕና” ንወዲ ዳዊት፡ እቲ ብስም እግዚኣብሔር ዝመጽእ ብሩኽ እዮ; ሆሳዕና ኣብ ኣርያም’’ እናበሉ ይጭርሑ ነበሩ። እዚ ድማ፡እቲ ኣቀዲሙ ብነብይ ተነጊሩ ዝነበረ ቃል መታን ክፍጸም እዮ፡ንጓል ጽዬን እንሆ ንጉስኪ ጻድቅ ናይ ባሕርይ ኣምላክ ለዋህ ሓዳግ በቐል ኣብ ኣድግን ኣብ ገልገል ኣድግን ተወጢሑ ይመጽእ ኣሎ በልዋ ዝተባህለ ትንቢት መታን ክፍጽም እዮ፡ንጓል ጽዬን እንሆ ንጉስኪ ጻድቅ በልዋ ዝተባህለ ትንቢት መታን ክፍጸም እዮ። ጓል ጽዬን ማለቱ ንሕዝቢ ኢየሩሳሌም እዮ ከምኡ’ውን ንጓል ሕጊ ማለቱ እዮ ኢሳ 2፡3 ። ምኽንያቱ ኣደ ንውላዳ ቀጺዓ ከም ተዕቢ ሕጊ ድማ ንሰብ ትቀጽዕን ትመርሕን እያ። ጻድቅን ለዋህን ንጉስኪ ማለቱ ድማ ከምቲ ብነብይ ዘካርያስ ‘’ ኣነ ንሰረገላታት ውግእ ካብ እስራኤል ነፍራስ ውግእ ከኣ ካብ ኢየሩሳሊም ክጥፍእ እየ፡ቀስትታት ውግእ ኪጠፉእ እዩ፡ንጉስኩም ኣብ መንጐ ኣሕዛብ ሰላም ከም ዝከውን ኪገብር እዮ’’ ዘካ 9፡10 ጐይታ ኢየሱስ ካብቶም ኣብ እስራኤል ነጊሶም ዝነበሩ ምድራውያን ነገስታት ፍሉይ ዝኮነ ትሑትን ሰለማውን ንጉስ ምዃኑ ዝገልጽ እዮ። ብተወሳኪ ጐይታ ኢየሱስ ኣብ ኣድግን ገልገል ኣድግን ተወጢሑ ኣብ ማእከል ህዝቢ ዝተራእየ፡ እቲ ነብያት ኣቀዲሞም ዘርእይዎ ዝነበሩ ምሳሌ ምእንቲ ኪፍጸም እዮ።ነብያት ዘመነ መከራ እንተኾነ ጸሊም ተከዲኖም ኣብ ፈረስ ተወጢሖም፡ዘመነ ሰላም እንተኾነ ግና ጻዕዳ ተከዲኖም ኣብ ኣድጊ ተወጢሖም ኣብ ማእከል ሕዝቢ ክዞሩ ይረኣዮ ነበሩ። ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ድማ ዘመነ ሰላም ኪኾነልኩም እዮ፡ ኪብል ኣብ ኣድጊ ተወጢሑ ኣብ ማእከል ሕዝቢ ተራእየ። ከምኡ’ውን ኣብ ኣድጊ ዝተወጠሕ ሰብ፡ ካብ ሰብ በሪሩ ከምዘየምልጥ ጐይታ ድማ ኣብ ኣድጊ ምቅማጡ ብእምነት፡ብጸሎት፡ እንተደሊኹሙኒ ኽትረክቡኒ ኢኹም ማለቱ እዮ። ኢሳ 55፡6 ከሙኡ’ውን ጐይታ ኣብ ጻዕብ ኣድጊ ተወጢሑ ንኢየሩሳሌም ምእታው ከምቲ ኣብ ባህልና ዝብሃል ሕኒኡ ዘይፈዲ ወዲ ኣድጊ ከምዝብሃል እታ ዒሉ ኣዲኣ እናተቀጥቀጠት ስቅ ኢላ ደድሕሪ ኣዲኣ ድኣ ትከይድ እምበር ሕነ ኣዲኣ ኣይትፈድን እያ፡ ስለዚ ክርስቶስ ድማ ነታ ሕነ ፍደ ትብል ዝነበረት ሕጊ ብምቅያር ከምቲ ኣብ ወንጌሉ ዝበሎ ማቴ 5፡38-40 ‘’ዓይኒ ክንዲ ዓይኒ ስኒ ክንዲ ስኒ” ከምዝተባህለ ሰሚዕኩም ኣለኩም። ኣነ ግና እብለኩም ኣለኩ ንክፉእ ኣይትቃወምዎ። የማነይቲ መትልሕካ ንዝጸፍዓኻ ግና እታ ኻልኣይቲ’ውን መልሰሉ። ነቲ እጀ ጠባብካ ኸወስድ ኢሉ ዝኸሰካ ነጸላካ’ውን ሕደገሉ’’። ብዝብል ትእዛዝ ብምቅያር ነታ ሕነ ፍደ ትብል ዝነበረት ሕጊ ሕነ ኣይትፍደ ጸላኢኻ ኣፍቅር ብምባል ቀይርዋ እዮ። ኣብዚ መዓልቲ’ዚ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ናብ ኢየርሳሌም ክኣቱ ከሎ ኩሎም ሕዝቢ ህጻናት ከይተረፉ ብምሉኦም ሆሳዕና ንወዲ ዳዊት ብስም እግዚኣብሔር ዝመጽእ ብሩኽ ኢዮ እናበሉ ቆጽሊ ኣልዒሎም ክቅበልዎ ከለው ዝረኣዮ ሊቃነ ካህናትን መምህራን ሕግን ግና፡ ነቲ ዝገበሮ ተኣምራት ህጻናት ድማ ኣብ ቤተመቅድስ ዓው ኢሎም ሆሳዕና ንወዲ ዳዊት መድሃኒ በልዎ፡ ከብሎን ምስ ረኣዮ ሓረቁ እምበር ደስ ኣይበሎምን። እዞም ህጻናት ዝብልዎስ ትሰምዖ’ዶ ኣሎካ በለዎ ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ከኣ ፡እወ ካብ ኣፍ ቆልዑን ህጻናትን ምስጋና ኣዳሎካ ማለት ትቐትበልካ ዝብል’ዶ ኣየንበብኩምን ኢኹም በሎም። እዚ ድማ እቲ ብነብይ ዘማራይ ቅዱስ ዳዊት ኣብ መዝ 8፡2 ‘’ ብኣፍ ቆልዑን ሕጻናትን ምስጋና ኣዳሎካ፡ንተቃወምትካን ጸላእትኻን ንፈዳይ ሕነን ዓገትኻዬም’’ ዝብል ቃል መታን ክፍጸም እዮ። ሊቃነ ካህናትን መምህራን ሕጊን ክብረት ናይ ጐይታ ስለ ዘቅንኦም ነዞም ህዝቢ ስቅ ክብሉ ዘይትገንሖም ምስ በልዎ፡ ጐይታ ዝበሎ ቃል እንተድኣ ኔሩ ንሶም ስቅ እንተበሉስ እዞም ኣእማን ክዛረቡ እዮም በሎም። ብሓቂ ጐይታ ብኣና ብደቂ ሰባት ጥራይ ዘይኮነስ ብኩሉ ፍጥረት ከም ዝምስገን ከምዝውደስን ክንፈልጥ ይግብኣና እዩ። እግዚኣብሔር ኣምላኽና ግና ምስጋና ካባና ዘድልዮ ኮይኑ ኣይኮነን ፡ ብባህሪኡ ንባህሪኡ ምስጉን ስለዝኾነ ንሕና ነመስግኖን ንውድሶን ግን ንዓና ንጥቅምና እምበር ንሕና ስለ ዘይወደስናዮን ዘየመስገናዮን ምስጋና ዝጐድሎ ኣምላኽ ኣይኮነን እትምንታይ’ሲ ተስዓን ትሽዓተን ነገደ መላእክት፡ ዕስራን ኣርባዕተ ካህናተ ሰማይ ብዘይ ምቁራጽ ቅዱስ ቅዱስ ቅድስ እናበሉ ዘመስግንዎ ሓያል ኣምላኽ ሙኻኑ ክንፈልጥ ይግብኣና እዩ።
ሓደ ካብቲ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ኢየሩስሳሌም በዚ መዓልቲ’ዚ ዝገበሮ ነገር እንተድኣ ኔሩ ፡ ኣብ ቤት መቅደስ ብምእታው ነቶም ኣብኡ ዝሸጡን ዝሻየጡን ዝነበሩ ከምዝተቃወሞም መጽሓፍ ቅዱስ ይነግረና። እዚ ድማ እቲ ‘’ቅንዓት ቤትካ በልዓኒ’’ ዝብል ጽሑፍ ንምፍጻም ድማ ስለታ ናይ ድሕነት ቤት ከምዚ ክብል ተቃወሞም። ኢየሱስ ናብ ቤተ መቅደስ ኣትዮ ኸኣ ነቶም ዝሸጡን ዝሻየጡን ዝነበሩ ‘’ ቤተይ ቤት ጸሎት ክትከውን እያ ዚብል ተጻሒፉ ኣሎ፡ ንስኻትኩም ግና በዓቲ ጐሓሉ ገብርኩምዋ’’ እናበለ ከውጽኦም ጀመረ። ሉቃ 19፡45-46። ጐይታ እዚ ዝበለሉ ምክንያት ዝተሰርቀን ዝተኸትረን ኣቡኡ ይሽየጥ ስለ ዝነበረ እዩ ከምዚ ዝበለ። ዝከበርኩም ሕዝበ ክርስትያን እስኪ ኩልና ኣብዛ ደቂቅ እዚኣ ንነብስና በዚ ቃል እዚ ንሕተታ፡ከምቲ ኣብ ወንጌል ተጻሒፉ ዘሎ ‘’ ኩሉ ዘተጽሕፈ ለተግሳጸ ዚኣነ’’ ኩሉ ዝተጻሕፈ ንዓና ንመምሃሪና ንተግሳጽና ከም ምኩኑ መጠን፡ እዚ ቃል እዚ ከነስተንትኖ ይግብኣና። ኣብዚ ግዜ’ዚ ከምቶም ጐይታ ካብ ቤተመቅደስ ዝሰጐም ክብሪ ቤትኣምላክ ዘይንፈልጥ ኮይና ከይንርከብ ክንጥንቀቅ ይግብኣና እዩ። ክንደይ ሰባት ኢና ክብርን ትርጉምን መቅድስ ኣምላክ ንፈልጥ፡ ኣብ ግዜ
ቅዳሴ ይኩን ኣብ ግዜ ኪዳን ቃል ኣምላክ ኣብ ዝንገረሉ ግዜ መምጺኢና ዘንጊዕና ካልእ ስራሕ እንሰርሕ ሰባት ክንዳይ ኢና። ኣብ ቤትኣምላክ መጺካ ክንዲ ኣብ ጸሎትን ምህለላን ምስ ፈጣሪካ ምዝራብን፡ ኣብ ዕላልን ሰሓቅን ካልእ ዘይድሊ ነገራትን ነሕልፎ ሰባት ክንደይ ኢና ኣብ ቤትኣምላክ መጺና ክንዲ በረኸትን ምርቃን፡ መርገምን ናይ ሓጢኣት ስንቅን ተሰኪምና ንከይድ ከምዘለና ከነስተውዕል ይግብኣና። ብርግጽ ኣብ ቤትኣምላክ መጺና ንዕኡ ክብሪ ዝህብ ሰራሕ’ዶ ንሰርሕ ኣሎና ዋላስ እንታይ ነፍሲወከፍና ንነብስና ክንሓታ ይግብኣና እዩ። ኣብዚ ቅዱስ ስፍራ እዚ ክንመጽእ ከለና ብፍርሃት ብጥንቃቀ ክንመጽእ ድኣ እምበር እዚ ቤት እዚ ከም ኩሉ ቤት ከምዘይኮነ ክንፈልጥ ይግብኣና፡ እዚ ቤት እዚ ስም እቲ ልዑል እግዚኣብሔር ኣምላኽ ጥራይ ዝጽውዓሉ ንዕኡ ክብሪ ዝህቡ ነገራት ጥራይ ዝስራሓሉ ኮታስ ኣብዚ ቤት እዚ ክብሪ ኣምላክ ጥራይ ዝንገረሉ ምዃኑ ኩልና ከነስተውዕል ይግብኣና። ማዕረ ክንደይ ብፍርሃትን ብራዓድን ኣብዚ ቦታ’ዚ ክንቀውም ከም ዝግብኣና ድማ ነዚ ቃል’ዚ ን መልከት ዘፍ 28፡16 ያዕቆብ ከኣ ኻብ ድቃሱ ተበራበረ እሞ፡’ ‘’ ኣነ ድኣ ኣይፈለጥኩን ነይረ እምበር ፡ ብሓቂ እግዚኣብሔር ኣብዛ ቦታ እዚኣ ኣሎ’’ በለ፡ ፈሪሑ ስለ ዝነበረ ኸኣ ‘’ እዛ ቦታ እዚኣ ክንደይ ተፍርህ እያ እዚኣ ቤት ኣምላክ እያ እምበር ካልእ ኣይኮነትን እዚኣ ኸኣ ደገ ሰማይ እያ’’ በለ።
ስለዚ እምበኣር እዛ ቤት እዚኣ ማዕረ ክንደይ ክብሪ ከም ዝግብኣ ኣብዚ ቤት እዚ እንሰርሖን እንገብሮን ድማ ብጥንቃቀ ክንፍጽሞ ከምዝግብኣና ካብዚ ቃል እዚ ተረዲእና ኣለና። ኣብ ቤት ኣምላክ ኮይና ቅዳሴ እናተቀደስ ስም እግዚኣብሔር እናተጸወዐ ቅዱሳን መላእኽት ኣክናፎም ዘርጊሖም ኣብዚ ቤት እዚ ካብ ሃለዉ እቲ ንጹሕን ቅዱስን ንዓና ንድሕነት ዝተዋህበ ቅዱስ ስጋኡን ክብር ደሙን እናተፈተተ እንከሎ ንሕና ግና ኣብ ካልእ ዕላልን ሰሓቅን ጸወታን ሕሜትን፡ ሓሳባትና ካብዚ ወጻኢ እንተድኣ ሃልዩ ካብቶም ጐይታ ዝሰጐጐም ክብሪ ቤት ኣምላክ ዝዘንግዑን ዝነዓቁን ዝረስዑን ሰባት ዘፍሊ ድኣ እንታይ ክህልወና እዩ። ስለዚ ኣብ ቤትኣምላክ መጺና ክንድቲ ክንረኽቦ ዝግብኣና ጸጋን በረኸትን መርገምን መቅዘፍትን ሒዝና ንቤትና ንምለስ ከይንህሉ ክንጥንቀቅ ይግብኣና።
ዝከበርኩም ሕዝበ ክርስትያን ኣብዛ ዕለት ሆሳዕና ከምቶም ክብሪ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ፈሊጦም ሆሳዕና ኣብ ኣርያም ብስም እግዚኣብሔር ዝመጽእ ብሩክ እዮ እናበሉ፥ ብመዝሙር ንእግዚኣብሔር ዘመስገኑ ንሕና ድማ ብፍርሃትን ብራዕድን ኣብ ቤቱ ክንህሉ እሞ እቲ ዝግባእ ክብሪ እግዚኣብሔር ፈሊጥና ብሓድነት ፥ ብሓጐስ፥ብፍቅሪ፥ ብትሕትና ፥ ብልግሲ፥ ብተስፋ ስም እግዚኣብሔር ክንጽውዕ እሞ፡ እግዚኣብሔር ኣምላክና ድማ ከምቲ በቲ ዘይሕሰው ቃሉ ኣብ መጽሓፉ ዝበሎ 1 ነገ 9፡3 እግዚኣብሔር ድማ ከምዚ በሎ ‘’ እቲ ኣብ ቅድመይ ዝተማህለልካዮ ጸሎትካን ምህለላኻን ሰሚዓዬ ኣሎኹ ነዛ ዝሰራሕካያ ቤትመቅደስ ስመይ ክሳብ ዘልዓለም ኣብኣ ብምንባር ቀዲሰያ ኣሉኹ፡ ዓይነይን ልበይን ከኣ ንሓዋሩ ኣብኣ ኺንበራ እየን።’’ በዚ ቃል እዚ ጾምና ጸሎትና ዝማሬና ቅዳሴና ተቀቢሉ ንሓጢኣትና መደምሰሲ ንመንግስተ ሰማያት መውረሲ ከምዝገብረልና ምንም ጥርጥር የብልናንን። ክብርን ምስጋና ንእግዚኣብሔር ኣምላክና ይኩን ፡ ጸሎትን ኣማላድነትን ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ምስ ኩሎም ቅዱሳነ እግዚኣብሔር ምስ ኩልና ይኩን ኣሜን።

ሰሙነ ሕማማት

ጾመ ኣርብዓ

ቅድስት ቤተክርስቲያን ኣብ ዓመት ሸውዓተ ናይ ጾም ግዚያት ሠሪዓ በብግዚኡ እንዳ ኣዘኻኸረት ከም ንጾሞም ትገብር።  እዚኣቶም ድማ

1.     ጾመ ነቢያት፥ ካብ 15 ሕዳር ዝጅምር ኮይኑ ን44 መዓልታት ክሳብ 29 ታሕሳስ በዓለ ልደት ዝጸንሕ ጾም እዩ።
2.   ጾመ ገሃድ፥ 10 ጥሪ ቅድሚ ጥምቀት እትጽወም ናይ ሓንቲ መዓልቲ ጾም እያ።
3.   ጾመ ነነዌ፥ ኩሉ ግዜ ሰኑይ ጀሚሩ ክሳብ ረቡዕ ንሠለስተ መዓልታት ይጽወም። ዝኣትወሉ ዕለት ካብ ዓመት ናብ ዓመት ፍልልይ ዘለዎ ኮይኑ ቅድሚ ዓቢይ ጾም ክልተ ሰሙን ዘሎ ሰኑይ ይጅምር።
4.   ዓቢይ ጾም፥ ን55 መዓልታት ዝጽወም ኮይኑ ድሕሪ ጾመ  ነነዌ  ክልተ ሰሙን ይጅምር።
5.   ጾመ ሐዋርያት፥ ድሕሪ በዓለ ሐምሳ ዝጅምር ኮይኑ ዝጅምረሉ መዓልቲ ሰኑይ ዕለት ግን ከም ጾመ ነነዌን ዓቢይ ጾምን ካብ ዓመት ናብ ዓመት ፍልልይ ኣለዎ። እዚ ጾም ካብ ኩሎም ኣጽዋማት ፍልይ ብዝበለ መልክዕ ዝጽወሙ መዓልታት ሓደ ሓደ ግዜ ይበዝሕ ካልእ ግዜ ድማ ይውሕድ ዝተወሰነ (ተደጋጊሙ ዝጽወም ሓደ ዓይነት መዓልታት ዘይብሉ እዩ)።
6.   ጾመ ድኅነት፥ ዓመት ሙሉእ ኣብ ሰሙን ክልተ መዓልቲ ማለት ረቡዕን ዓርብን ዝጽወም እዩ። ብጀካ ኣብ ዘመነ ትንሣኤ ዘለዋ እንተ ዘይኮይኑ ኩሉ ሳዕ ጾም እዩ። ልደት ወይ ጥምቀት ኣብዘን መዓልቲ እንተ ውዒለን ውን ከም ዘመነ ትንሣኤ ዘለዋ ዓርበ ሮቡዕ ኣይጽወማን እየን።
 
7.   ጾመ ፍልሰታ፥ እዚ ጾም ን15 መዓልታት ዝጽወም ኮይኑ ካብ 1 ነሓሰ ይጅምር ክሳብ 15 ነሐሰ ይጽወም 16 ነሓሰ ድማ ናይ እቲ ጾም መዛዘሚ በዓለ ኪዳነ ምሕረት (ፍልሰተ ሥጋሃ)ብዓቢ ክብሪ ተኸቢሩ እቲ ጾም ይውድእ።

ካብዞም ኣብ ላዕሊ ዝገለጽክዎም ኣጽዋማት ግዚኡ ኣኪሉ ካብ  ዕለት ፳፰ የካቲት ፳፻፰ ዓ.ም 7 መጋቢት 2016 ዓ.ም ጀሚሩ ዝጽወም ናይ ጎይታ ጾም እዩ። እዚ ጾም ን55 መዓልታት ክሳዕ ቀዳም ስዑር ዝጸንሕ ኮይኑ ናብ ትንሣኤ ንምብጻሕ ዝጽወም እዩ። ዓቢይ ጾም ጎይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ወዲ 30 ዓመት ምስ ኮነ ንጥምቀት ናይ ስርሑ መጀመሪ ንምግባር ኣብ ሩባ ዮርዳኖስ ብኢድ ዮሐንስ ወልደ ዘካርያስ ምስ ተጠምቀ ሽዑ ንሽዑ መንፈስ ናብ በረኻ ስለ ዝወሰዶ 40 መዓልትን 40 ለይቲን ኣብ ገዳመ ቆሮንጦስ ጾይሙ ንሰይጣን የሕፊሩ ነሕፍረሉ ኃይሊ ዝረኸብናሉ ጾም ዝጀመረሉ እዩ። ስለዚ ጾመ ኣርብዓ ካብ ካልኦት ኣጽዋማት ፍልይ ብዝበለ መገዲ ዝግለጽ እዩ። ምክንያቱ ወሃቢ ሕግታት ሠራዔ ኣጽዋማት ዝኾነ ጎይታ ባዕሉ ዝጾሞ ስለዝኾነ ብፍሉይ ናይ ኣጽዋማት ርእሲ ከም ዝኸውን ጌርዎ እዩ። በዚ ምኽንያት ኣዝዮም ብዙሓት መጸውዒ ኣስማት ተዋሂቦም እዩ።

1.     ጾመ ኣስተምህሮ፥ ጎይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ጾም ምጻም የድልዮ ስለ ዝነበረ ኣይጾመን፣እንታይ ደኣ ንትምህርትና ምእንቲ ክኸውን ጾይሙ። እዚ ማለት ከይገበረ ግበሩ ኢሉ ዝኣዘዘና ሓንቲ እኳ የላን ስለዚ ሎሚ ንነብረሉ ዘሎና ክርስትና ተፈቲኑ ዝሓለፍ እዩ። ናይ መምህረን ድምጺ ዝሰምዓ ተመሃሮ ድማ ንመምህረን ንምምሳል ንሱ ዝመሰሎ ንምምሳል፣ ዝፈለጦ ንምፍላጥ፣ዝገበሮ ንምግባር ደድሕሪኡ ይስዕባ።

ቅዱስ ኣርሳኔዎስ “ጎይታይ ኣነ ናይ ብዙሓት መምህር እየ ኣብ ቅድሜኻ ግን ካብ ተማሃሮኻ ሓደ እየ። ኣነ ናይ ብዙሓት ጓሳ እየ ኣብ ቅድሜኻ ግን ካብተን ኣባጊዕካ ሓደ እየ። ኣነ ብዙሓት ዝስዕቡኒ እየ ኣብ ቅድሜኻ ግን ካብቶም ዝስዕቡኻ ሓደ እየ።” ክብል ከም ዝተዛረበ ጎይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብቃልን ብግብርን ካቡኡ ተማሂርና ክንገብሮም ዝግባእ ነገራት እንዳ ገበረ ዝነብር ዝነበረ ናይ ሕይወትን ቃልን ሓቀኛ መምህር እዩ። ስለዚ ዝጾሞ ጾም ድማ ጾም ናይ ኩሉ ነገር መጀመሪ፣ናይ ዓወት ግብሪ፣ናይ መንፈሳውነት ኮነ ኣገልግሎት ኃይሊ ከም ዝኾነ ብግብሪ ዝተመሃርናሉ ብምንባሩ ጾመ ኣስተምህሮ ይበሃል።

2.   መዳለዊ ጾም፥ ሕዝበ እስራኤል በዓለ ፋሲካ ቅድሚ ምብዓሎም፣ ናይ ፋሲካ በጊዕ ቅድሚ ምብልዖም ኣቐዲሞም ናይ መዳለዊ ግዜ ይገብሩ ኔሮም። ናይ ሓድሽ ኪዳን ሓቀኛ ፋሲካ ናይ ዓርቢ ገንሸል ቅድሚ ምብዓልናን ቅዱስ ሥጋኡን ክቡር ደሙን ቅድሚ ምቕባልና ብጾምን ጸሎትን ንርእስና ነዳልወሉ ስለ ዝኾነ ናይ ምድላው ጾም ተባሂሉ ይጽዋዕ።

3.   ናይ ዓወት ጾም፥ ሠለስተ ኣርዕስተ ኃጣውእ ዝተሳዕሩሉ ሰይጣን ዝተሳዕረሉ፣ዝሓፈረሉ ስለ ዝኾነ ናይ ዓወት ጾም ተባሂሉ ይጽዋዕ።’

4.   መሠጋገሪ ጾም፥ ጎይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ዓመተ ኩነኔ ናብ ዓመተ ምሕረት፣ ካብ መስዋዕተ ኦሪት ናብ መስዋዕተ ሓዲስ፣ ካብ ሕገ ኦሪት ናብ ሕገ ወንጌል ንኸሰጋግረና ዝጾሞ ጾም ስለዝኾነ ናይ መሠጋገሪ ጾም ዝብል መጸውዒ  ተዋሂብዎ። ንሕና ውን ነዚ እንዳዘከርና ክንጸሞ ይግባእ። ቀዳማይ ንዝተገብረልና ውዕለት ከም ዘይረሳዕና ድምጽና ነስምዓሉ እዩ። ካላኣይ ድማ ጎይታ ዓመት ዘይኮነስ ሕይወትና ከም ዝለወጦ ብምእማን ንርእስና ንልውጠሉ ጾም እዩ።

5.   ናይ ካሕሳ ጾም፥ ቀደምት ናይ ደቂ ሰባት መበቆል ዝኾኑ ኣዳምን ሔዋንን ካብ ገነት ተሰጊጎም ንባርነት ንሞት ኣብ መወዳእታ ድማ ንሲኦል ክድርበዩ ምክንያት ኮይኑ ዝተረኽበ መብልዕ እዩ። ኣዳም ክገብሮ ዘይከኣለ ጎይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ጾይሙ ካሕሳ ኮይኑ ንመንፈሳዊ ጥሜቱ ብመንፈሳዊ ጽጋብ (ጾም) ክሒሱ ናብ ናይ ቀደም ክብሩ መለሶ። ስለዚ ናይ ካሕሳ ጾም ተባሂሉ።

6.   ዓቢይ ጾም፥ እቲ በዓል ቤት ዝኾነ ጎይታናን ኣምላክናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ባዕሉ ዝመሥረቶ ስለ ዝኾነ ዓቢይ ጾም ዝብል መጸውዒ ተዋሂብዎ።

7.    ጾመ ኣርብዓ፥ ጎይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ገዳመ ቆሮንጦስ ን40 መዓልትን 40 ለይትን እግሩ ካብ ዝዘርግሓሉ ከይዓጸፈ፣እኽለ ማይ ከይጠዓመ፣ድቃስ ከይደቀሰ፣ ዝጾሞ ጾም ስለ ዝኾነ ነተን መዓልታት ንምዝኻር ጾመ ኣርብዓ እንዳ ተባህለ ይጽዋዕ።

8.   ቀድሶተ ገዳም፥ ጎይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ሰብ ርሒቑ (ካብታ ዘፍቅራ ወላዲቱ ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ከይተረፈ) ካብ ከተማ ወጺኡ ኣብ በረኻ ኮይኑ ዝጾሞ እዩ። እዚ ድማ ነቶም ኣቐዲሞም ብብሕትውና ዝነብሩ ዝነበሩ ከም በዓል መጥምቀ መለኮት ዮሐንስ ብሕትውና፣ ናይ ነቢይ ኤልያስ ገዳማዊ ሕይወት ዝተጓዕዙሉ መገዲ ጽድቂ ከም ዝኾነ ዝመስከረሉ ንናይ ሓድሽ ኪዳን ገዳማዊ ሕይወትን ናይ ብሕትውና ናብራን ባሪኹን ቀዲሱን ዝጀመረሉ ስለ ዝኾነ ቀድሶተ ገዳም ዝብል መጸውዒ ተዋሂብዎ።

ንምንታይ 55 መዓልቲ ኮይኑ

ዓቢይ ጾም ንሓሙሳን ሓሙሽተን መዓልቲ ዝጸንሕ እዩ። እዚ ጾም ጎይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዝጾሞ ጾም እንተ ኮይኑ ንምንታይ ኣብ ልዕሊ እተን 40 መዓልታት ወሰኽ ተጌሩ?

ነዚ ሊቃውንቲ ብክልተ መገዲ መብራህርሂ ይገብሩሉ። ናብቲ መልሲ ቅድሚ ምእታውና ግን ኣቐዲምና ክንርድኦ ዘድልየና ነገር ኣሎ። ቅድስት ቤተክርስቲያን ንጸድቀሉ ንቕደሰሉ ተወሳኺ ናይ በረከት ግብራት ክትውስኸልና ትኽእል እያ። ሠናይ ነገር ድማ ሓደ እኳ ክቃወሞ ዘይክእል ናይ ሕይወት መገዲ እዩ። ስለዚ ኣብዚሕና ምጻምና ብዙሕ ፍረ ከም ዝርከበና ይገብረና፣ኣውሒድና ምጻምና ብመጠን ዝገበርናዩ ተለኪዑ ይወሃበና። ስለዚ ንምንታይ ተወሲኹ ዝብል ሕቶ ክንምልሶ ግቡእ እኳ እንተ ኾነ ናብ ጽድቂ ዝወስዱና ጎደናታት ምብዝሖም ግን ተቓውሞ ክንገብር ምኽንያት ክኾኑና ኣይግባእን። ሓደ ሰብ ዶሞዙ ኣብ ወርሒ 1000 ናቕፋ ክንሱ ተወሳኺ እንተ ተገብረሉ ዝቃወም የለን። ምኽንያቱ ጽቡቕ ነገር ስለዝኾነ።

ናይ ዓቢይ ጾም እቶም ሠለስተ ክፍልታት

1.     ሙሴኒ፥ ቀዳማይ ክፋል ሙሴኒ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ኮይኑ ከም ምሳሌ ጌሩ ዝወሰዶ ንሙሴ እዩ። ሙሴ ነተን ዓሠርተ ትእዛዛት ኦሪት ካብ እግዚአብሔር ኣብ ደብረ ሲና ቅድሚ ምቕባሉ ከም ዝጾመ፣ንሕናውን ብናቱ ምሳሌ ናይ ጎይታ ኣርብዓ መዓልቲ ንምጻም ከም ናይ ቅዱስ ያሬድ ኣጸዋውዓ “ሙሴኒ” ኢልና ንጸወም። ኣብ ዳሕረዋይ ዘመን ኣብ (610-641)ስለዝተወሰኾ ደኣ እምበር ናይ ዘወረደ መሠረቱ ሙሴኒ እዩ። እቲ ሰንበት ሙሴኒ እምበር ሕርቃል ዝዝክር ከም ዘይኮነ ናይ እቲ ዕለት ንባባትን ምስባክን ይገልጾ እዩ።

2.    ጾም ኢየሱስ፥ እዚ ጾም ጎይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዝጾሞ 40 መዓልታት ዝሓዘ እዩ። ካብ ካልኣይቲ ሰንበት ቅድስት ጽባሕ ዘላ ሰኑይ ክሳዕ ቅድሚ ሆሳዕና ዘላ ዓርቢ ዝጸንሕ እዩ።

3.    ሰሙነ ሕማማት፥ ካብ ዋዜማ ሆሳዕና ክሳብ ትንሣኤ ዋዜማ ዝጽወም እዩ። ናይ ጎይታ እተን 40 መዓልታት ዓርቢ ምስ ወድኣ ካብ ቀዳም ድሮ ሆሳዕና ክሳብ ቀዳም ስዑር ዘለዋ ሸሞንተ መዓልታት ሰሙነ ሕማማት ዝብል መጸውዒ ዝተዋህበን እየን።

ጎይታ ዝጾመ 40 መዓልታት ክኸውን ከሎ ኣብ መጀመርታ ሸውዓተ መዓልቲ ናይ መዳለዊ ጾም፣ኣብ መወዳእታ ዝርከቡ 8 ናይ ሕማማት መዓልታት ተደሚረን ንዓቢይ ጾም ናብ 55 መዓልታት ልዕል ከም ዝብል ጌርዎ ይርከብ። 

ናይ እቲ ጾም መጀመሪ ዘሎ ሰሙን ጾመ ሕርቃል ዝብል መጸውዒ ዝተዋህባን ናይ ዓቢይ ጾም መወዳእታ ዘላ ሰሙነ ሕማማትን ከም መወሰኽታ ከም ዝኣተዋ ውን ናይ ቤተክርስቲያን ታሪክ ይገልጽ። 

ሕርቃል

ሕርቃል ኣብ መበል 614 ዓ.ም ናይ ቢዛንታይን ንጉሥ ዝነበረ ካቶሊካዊ መራሒ እዩ። 
ንጉሥ ሕርቃል ኣብ መሪሕነት ኣብ ዝነበረሉ ዘመን ናይ ፋርስ ሠራዊት ንኢየሩሳሌም ወሪሮም ነቲ ኣብ ዘመን ንጉሥ  ቆስጦንጢኖስ ብሠናይ ድሌትን መንፈሳዊ ቅንኣትን ቅድስት እሌኒ ንዘመናት ካብ ተቐቢሩሉ ዝነበረ ናይ ጓሓፍ ስፍራ ንናይ ጎይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ መስቀል ኣድካሚ ብዝኾነ ኃይሊ ድሕሪ ሸውዓተ ወርሒ ዝወሰደ ናይ ኩዕታ ግዜ ተረኺቡ ብዓቢ ክብሪ ኣብቲ ዝተሰቕለሉ ስፍራ ከም ዝኸውን ጌራቶ ስለ ዝነበረት ነዚ ክቡር መስቀል መምለክያነ ጣዖት ዝኾኑ ፋርስ ንክርስቲያናት ከቖጥዑ ስለዝደለዩ  ናብታ ቅድስቲ ከተማ ኢየሩሳሌም ዘሚቶም መስቀለ ክርስቶስ ማሪኾም ናብ ዓዶም ከም ዝኸይድ ገበርዎ።

ኣብዚ ዘመን ዝነበሩ ክርስቲያናት ብኅብረት ኮይኖም ናብቲ ኣብቲ ዘመን ክርስቲያን ንጉሥ ዝነበረ ሕርቃል ኣውያቶም ከስምዑ ጀመሩ። ናቡኡ መልእክተኛታት ሰዲዶም “ንስኻ ክርስቲያን ኢኻ ኣብ ዘመንካ ናይ ጎይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ መስቀል ኣብ ኢድ ባዕዳውያን ክወድቕ ጽቡቕ ኣይኮነን። ከም ንጉሥ ቆስጦንጢኖስ ኩለልና፣ ስለዚ ተዋጊእካ ምለሶ በልዎ።” ንጉሥ ሕርቃል ቅዱሳት መጻሕፍቲ ሕግታትን ወሳኔታት ሕዋርያትን ይፈልጥ ስለ ዝነበረ  ከምዚ ኢሉ መለሰሎም “ቅዱሳን ሐዋርያት ሰብ ዝቐተለ ሙሉእ ዕድሚኡ ይጹም። ክብሉ ዝሓገግዎ ስለዝፈራሕኩ ሙሉእ ዕድመይ ዝጾሞ ጾምውን ከይከብደን ስለዝሰጋእኩ እምበር ነዚ ክገብር ሕጉስ እየ” ኢሉ መለሰሎም።

ኣብቲ ዘመን ዝነበሩ ቅዱሳን ክርስቲያናት ንኣበሃህልኡ ከምዚ ኢሎም መለስሉ “ናይ ሓደ ሰብ ዕድመ ሰብዓ እንተ በዝሐ ድማ ሰማንያ እዩ። ስለዚ ነዚ ንሕና ተማቒልና ክንጾሞ ኢና” በልዎ። ብተወሳኺውን ኣብ ዝኸዶ ኣምላኽ ዓወት ምእንቲ ክህቦ ኣብ መላእ ዓለም ዘለዉ ክርስቲያናት ናይ ሰሙን ጾም ክጾሙ ኣወጁ። ድሕሪ ናይ ሰሙን ጾም  ንጉሥ ሕርቃል  ናብ ፋርስ ዘሚቱ መስቀል ክርስቶስ ካብ ኢዶም መንዚዑ ናብ ኢየሩሳሌም ከም ዝምለስ ገበረ። መዘከርታ ምእንቲ ክኸውን ድማ ነዚ ናይ ሰሙን ጾም ኣብ ቀኖና የእቲዮም ከም ዝጽወም ገበርዎ። 

እዚ ጾም ናይ ዓቢይ ጾም ከም መጀመሪ ኮይኑ ከም ዝጽወም ዝተገብረሉ ምኽንያት እንታይ እዩ?

v ዕላሙኡ ንናይ ጎይታ መስቀል ንምምላስ ስለ ዝነበረ ምስ ናይ ጎይታ ጾም ክጽወም ዝተመርጸ ኮይኑ ስለ ዝተረኽበ
v ብኣጋንንቲ ዝተመሰሉ ሠራዊት ፋርስ ብኃይሊ ናይ ሓደ ሰሙን ጾም ተባሪኹ ዝኸደ ንጉሥ ጸላእቱ ዝሰዓረሉ ስለ ዝነበረ። ናይቲ ዓቢይ ናይ ውግእ ጾም ቅድሚ ምእታውና ንርእስና ብጾም ኣዳሊና ንምእታው ተባሂሉ ምስ ጾም ኣርብዓ ከም ዝጽወም ተጌሩ።
v እቲ ዝተጾመሉ ዘመን ምስ ናይ ጎይታ ጾም ዝቀራረብ ስለ ዝነበረ ናብቲ ዝቐረብ እንተ ተሓዊሱ መዘከርቱኡ ክሰማማዕ ይኽእል እዩ ካብ ምባል
v ንዘመናት ተሰዊሩ ዝነበረ መስቀለ ክርስቶስ ዝተረኽበሉ ወርሒ መጋቢት ኣብ ጾመ ኣርብዓ ስለ ዝኾነ፣ሕጂ ውን እንደገና ተማሪኹ ዝተመልሰሉ ምስቲ ጥንተ ታሪኹ እንተ ተጸንበረ ይምረጽ ካብ ምባል ምስ ጾመ ኣርብዓ ከም ዝጽወም ተጌሩ። 

ብዙሓት ሰባት ብግጉይ ዝኾነ መረዳእታ ንንጉሥ እትጽወም ጾም ኢሎም ይትርጉምዋ እዮም። እንተ ኾነ ግን ካብቲ ኣበሃህልኦም ንላዕሊ ምሥጢር ዝሓዘ ከም ዝኾነ ክንገልጸሎም ይፈቱ። ምኽንያቱ ዕላማ ናይቲ ጾም ዓወት ንዝተረኽበሉ ጾም ምጻም ናይ ቤተክርስቲያን ልማድ ስለ ዝኾነ፣ ከም ዝኾነ ናይቲ ታሪኽ ትርጉም ክርድእዎ ይግባእ። ርግጽ እዩ ሕርቃል በዓል ውዕለታ ስለ ዝኾነ ንዝኽሮ ኢና ግን ምእንትኡ ኢልና ኣይንጾሞን ኢና። ምእንቲ ንጉሥ ምጻም መንፈሳዊ ግቡእና እኳ እንተ ኾነ ንዘይኮነ ነገር ትርጉሙ ከም ዝስሕት ምግባር ግን ቅኑዕ ኣይኮነን።

ሰሙነ ሕማማት

ሰሙነ ሕማማት ኣብቲ ሰሙን ምስ በጻሕና ብዝርዝር ስለ ንርእዮ ሕጂ ብዙሕ ኣይክገልጽን እየ። እዚ ጾም እዚ ቅዱሳን ሐዋርያት ናይ ጎይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ምእንታና ክብል ዝተቐበሎ መከራ መስቀል እንዳ ዘከሩ ዝሓዘንዎን ዝጾምዎ ዘመን ንምዝኻር ዝጽወም እዩ። እንተ ኾነ ግን ኩሎም ምስ ጾመ ኣርብዓ ከም ኢድን ኣጻብዕትን ተዛሚዶም፣ተጣቢቖም ዝተተሓሓዙ ስለ ዝኾኑ ከም ዓቢይ ጾም ይቑጸሩ።

ናይ ዓቢይ ጾም ሰንበታት

ናይ ዓብይ ጾም ሸሞንቲአን ሰናብቲ ነናይ ገዛእ ርእሰን መጸውዒ ስም ከም ዝህልወን ጌሩ ድርሰት ዝደረሰለን ናይ ዜማ ሊቅ ተወላዲ ምድረ ኣግዓዚ ዝኾነ ቅዱስ ያሬድ እዩ። ናይተን ሰንበታት መጸውዒ ስም ዝጅምር ካብ ጽባሕ ሰንበት እዩ። ኣብ ዓቢይ ጾም ዘለዋ ሰናብቲ ብዘወረደ ይጅምራ። ስለዚ ጽባሕ ዘወረደ ኢልና ክንጅምር ኢና። ኣምላክ እንተ ፈቒድዎ ንኹለን ሰንበታት ኣብ ግዚኡ እንዳ ገለጽናየን ክንከይድ ክንፍትን ኢና። ኣምላከ ቅዱሳን ሠናይ ምጅማር ጾም ይግባረልና። 

ናይ ዓቢይ ጾም ሰናብቲ መጸውዒ ኣስማት 

1.     ዘወረደ
2.   ቅድስት
3.   ምኩራብ
4.   መጻጉዕ
5.   ደብረ ዘይቲ
6.   ገብርሄር
7.   ኒቆዲሞስ

8.   ሆሳዕና

መጻጉዕ

                                     መጻጉዕ፡

በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን፣፣

              እዛ ዕለት እዚኣ’ውን ከምተን ዝሓለፋ  ሰለሰተ ሰናብቲ ናታ ዝኾነ ስያሜ በቲ ናይ ቤተክርስቲያን ሊቅ ዝኾነ ቅዱስ ያሬድ  መጻጉዕ ብዝብል ስም ዝተሰምየት እያ። እዚኣ እታ ራብዐይቲ ሰንበት ኮይና በዛ ቅድስት ዕለት ጎይታናን ኣምላኽናን ኢየሱስ  ክርስቶስ ኣብ መዋዕለ ስብከቱ ስለ ዝገበሮ ብዙሕ ተኣምራት፡ ዘሕወዮም ድኑሳትን ሕሙማትን  ዝንገረሉ እዩ። እዚ እውን ኣብ ዮሓንስ ወንጌል ምዕራፍ ሓሙሽተ ተጻሒፉ ካብ ዝርከብ ናይቲ 38ዓመት ኣብ ዓራት ተደኒሱ ዘመኑ ምሉእ ብሕማም ዝሓለፈ ሰብ  ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ከም ዘሕወዮ ዝትርኽ እዩ። ኩሉ መዝሙራትን ስብከታትን ንባባትን ቤተክርስቲያን ከኣ ብሓደ ህርመት  ስለ እቲ ጎይታናን ኣምላኽናን መድሓኒናን  ኢየሱስ ክርስቶስ  ዝገበሮ ንሕሙማት ምሕዋይን ምፍዋስን  ክነግሩ ይቕንዩ።

እቲ ቃል ከምዚ ይብል ”ድሕሪ እዚ ድማ በዓል ኣይሁድ ኮነ (ቀዳም መዓልቲ እዩ)፡ኢየሱስ እውን  ናብ ኢዮሩሳሌም ደየበ። ኣብ ኢየሩሳሌም ኣብ ጥቓ ኣፍደገ ኣባጊዕ ከኣ መጠመቒ(ጱሩጳቄ)  መሕጸቢ ማይ ጸሎት ነበረ። ጱሩጳቄ  ማለት ናይ ፈውሲ፡ ናይ በዓል ‘ናይ መስዋእት ናይ ጉባኤ ቦታ ማለት እዩ። ቅልንብትራ  እትብሃል ከኣ ብእብራይስጢ ከኣ ቤተሳይዳ ትብሃል  እዚ ድማ ቤተመድሃኒት ማለት እዩ። እዚ  ቦታ እዚ ኣባጊዕ ዝሕንብሳሉ፡ ኣባጊዕ ዝሕጸባሉ  ቀላይ እዩ። ኣብዚ ድማ ሕሙማት ዝድቅስሉ ሓሙሽተ መደብ ነበሮ፡እዚ ከኣ፦

1. ሰሎሞን ብጥበቡ ስሒቡ  ዘእተዎ ማይ እዩ።

2. ነቢይ ኢሳይያስን  ንጉስ  ሕዝቅያስን  “ሓበ ኣውጽኡ ማየ ማእከለ ክልኤቱ ኣረፍት ” ከም ዝብል ኣብ ሻድሻይ  ቆመ  ብእሲ (ቁመት ሰብኣይ) ዘውጽእዎ ማይ እዩ ስንክሳር 6 መስከረም ንመልከት። እዚ ማይ ጸሎት እዚ ቀዳም ቀዳም ሓደ ሕሙም ዝሓውየሉ ዝነበረ ቦታ እዩ።

ኣብቲ  ሓሙሽተ መደብ ብዙሓት ሕሙማት ይድቅሱ ነበሩ። ዕዉራትን ሓንካሳትን፡ ኣካሎም ዝነቐጸ፡ ኣካሎም ዝለመሰ ሕሙማት ኣብኡ ይድቅሱ ነበሩ ናይቲ ማይ ምንዋጽ ይጽበዩ ነበሩ። ከመይ መልኣኽ እግዚኣብሔር ናብ’ቲ ማይ ጸሎት ኪወርድ ከሎ እቲ ማይ ይናወጽ ነበረ። እቲ  ድሕሪ  ምንዋጽ እቲ ማይ ኣቐዲሙ ወሪዱ ዝሕጸብ  ድማ ካብ ዘለዎ ኩሉ ሕማም ይሓዊ ነበረ።

ናብዚ ማይ እዚ መልኣኽ እግዚኣብሔር እንታይ ክገብር ይወርድ ነይሩ እንተተባህለ ፡ማያት ክቕድስ፡ መስዋእቲ ከዕርግ እዩ። እዚ ከኣ  ምሳሌ ዘለዎ እዩ። እቲ ማይ ናይ ጥምቀት፡ እቲ ሓሙሽተ መደብ፡ ናይ ሓሙሽተ ኣእማደ ምስጢር፡ ሓሙሽተ ዓይነት ሕማማት ዝነበሮም፡ ናይ ሓሙሽተ ምእመናን እዩ። ሓሙሽተ ጾታ ምእመናን ዝተባህሉ ድማ ኣዕሩግ፡ ወራዙት፡ ኣንስቲ፡ ካህናት፡ መነኮሳት እዮም።

ናይ ሓሙሽተ ጾታ ምእመናን ጠባይ ከኣ በዚ ዝስዕብ ይግለጽ ።

1.  ኣዕሩግ (ኣረግቶት) ጾሮም ፍቕሪ ገንዘብ እዩ፡ መን ኪረድኣና መን ኪጥውረና፡እናበሉ ገንዘብ ምእካብ ይፈትዉ እዮም፡ ነዚ ሓዲጉ ብናይ ወራዙት ስምዒት ብዝሙት እንተ ተቓወሞም ብጸጋ ጥምቀት ይስዕርዎ።

2. ናይ ወራዙት ጾር ዝሙት እዩ፡ ነዚ ሓዲጉ ብፍቕሪ ገንዘብ እንተ ተቛወሞም ብጥምቀት ብዝረኸብዎ ሓይሊ መንፈስ ይስዕርዎ።

3.ናይ ኣንስቲ ጾር ተርእዮ ምንዝርና እዩ፡ ነዚ ሓዲጉ ብኻልእ ስምዒት እንተ ተቛወመን   ብጥምቀት ብዝረኸብኦ ሓይሊ መንፈስ ይስዕርኦ።

4.ናይ ካህናት ጾር ትዕቢት እዩ። ኣእምሮና ረቂቕ ማዕርግና  ምጡቕ (ልዑል) ብምባል ይዕበዩ ፡ ነዚ ሓዲጉ ብኻልእ ስምዒት እንተተቛወሞም ብሓይሊ ጥምቀት ይስዕርዎ።

5.ናይ መኖኮሳት ጾር ስስዔ እዩ፣ ኣብ ዝደልይዎ ግዜ ስለ ዘይረኸብዎ ነዚ ሓዲጉ ብኣንሳሕስሖ ዘበከንቱ (ዙረት) እንተ  ተቓወምዎ ብሓይሊ  ጥምቀት ይስዕርዎ፣፣(ዮሓንስ ኣፈወርቅ ሻብዓይ ክፍሊ ተግሳጥ)

ኣብዚ ወንጌል እዚ ተገሊጹ ከም እንረኽቦ፣ ካብ ዝሓምም 38 ዓመት ዝገበረ ሰብኣይ  ነበረ ይብል እቲ ጽሑፍ (ዮሓ5፣5)፣፣ ጎይታናን ኣምላኽናን ኢየሱስ ክርስቶስ እዚ ሰብ እዚ ኣብ ዓራቱ ደቂሱ ምስ ረኣዮ፣ ነዊሕ ከም ዝሓመመ ፈሊጡ “ክትሓዊዶ ትደሊ ኢኻ፧” በሎ፣፣ እቲ ሕሙም ከኣ ጎይታይ እቲ ማይ ምስ ተናወጸ ናብቲ ቀላይ ዘውርደኒ ሰብ የብለይን ኣነ ክሳዕ ዝመጽእ ድማ  ካልእ ቀዲሙኒ ይወርድ”ኢሉ መለሰሉ፣፣ ኢየሱስ ከኣ ተንስእ እሞ ዓራትካ ኣልዒልካ ኪድ” በሎ። እቲ ሰብኣይ ድማ ብኡንብኡ ሓወየ፣ ዓራቱ ኣልዒሉ እውን ከደ፣፣

ጎይታናን ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ እቲ ን38 ዓመት ኣብ ዓራት ዝደቀሰ ሰብ ሓቲትዎ “እወ” ዝብል ምላሽ ከምዝህቦ ይፈልጥዶ ኣይኮነን እንተ በልና፣ ኣምላኽና ኢየሱስ ክርስቶስ ነዚ ዝገበረ ስለ ክልተ ነገር እዩ ኔይሩ እዚ ከኣ፥

1.     ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዝፈልጥ እኳ እንተኾነ ስርሑ ግን ብዘይ ምኽንያት ኣይሰርሕን እዩ፣፣

2.    ብኻልኣይ ከኣ ነቲ ሕሙም ብድልየቱ እምበር ብግደታ ከም ዘይ ኣሕወዮ ንምግላጽ እዩ። ስለዚ እዚ ነገር እዚ ከፍልጥ ነቲ ዝሓመመ ሰብ “ክትሓዊዶ ትደሊ ኢኻ፧”  ዝብል ሕቶ ኣቕረበሉ፣ በዚ ከኣ እቲ ዝሓመመ  ምርጭኡ ምሕዋይ ምዃኑ ብገዛእ ልሳኑ ምስ መስከረን  ምስተዛረበን  ኣምላኽና ኢየሱስ ክርስቶስ እውን  ብኣምላኻዊ ቃሉ “ተንስእ’ሞ ዓራትካ ኣልዒልካ ኪድ” በሎ፣፣ እታ ን38 ዓመተ ተሰኪማቶ፣ ጸይራቶ እምበር ተሰኪምዋ ኮነ ጸይርዋ ዘይፈልጥ ዓራት በቲ ግዜ ግን ኣምላኽ ንጭንቀቱ፣ ንድኻሙን ምድናሱን ርእዩ ምሕረት ገበረሉ፣ ካብ ዓራት ምድቃስ፣ ካብ ኢድ ሰብ ምጽባይ ተገላገለ።  ንኣምላኽና ንእግዚኣብሔር ክብሪ ይኹኖ!!! ኣሜን፣፣

ጎይታናን ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ “ክትሓዊዶ ተደሊ ኢኻ” ኢሉ ኣብ ዝሓተቶ ግዜ እዚ ሰብ እዚ  “ሰብ የብለይን፣ እቲ ማይ ምስ ተናወጸ ከኣ ካልእ ቀዲሙኒ ይወርድ” ምባሉ፣ እንሆ እዚ ሰብ እዚ ዘመድ ኣዝማድ ስለ ዘይነበርዎ፣ ሓይሉ ድኹም ክትንስእ ኮነ ክንቀሳቐስ ስለ ዘይክእል እሞ ከኣ ኣብቲ ክሓውየሉ ዝኽእል ግዜን ሰዓትን ስለ ዝሓልፎ፣ እቶም ብቕሩብ ብጉልበቶም ካብኡ ዝሕሹን፣ እቲ ማይ ምስ ተናወጸ ግዜ ቤተሰቦም ብሓይሊ ጉልበት ተሰኪሞም ናብቲ ማይ ዘእትውዎም ስለ ዝቕድምዎ ንሱ እውን ከይ ሓወየ ነዊሕ ግዜ ስለ ዝገበረ፣ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ብዝመጻሉ ግዜ ናብቲ ማይ መታን ከእትዎ እዩ፣”ሰብ የብለይን “ዝብል ቃል ዝመለሰ፣፣

እንተኾነ እቲ ልብን ኮላሊትን ዝምርምር ኣምላኽ ንሽግሩ፣ ንድኻሙ ተረዲኡ ካብኩሉ ሕማሙ ድኣ ነጻ ገበሮ፣፣ እዚ ዝኾነሉ ዕለት፣ ሰንበት ነበረ። እቶም ኩሉ ግዜ ብተንኮልን ክፍኣትን ዝተመልኡ ጸሓፍቲ ፈሪሳውያንን ሊቃውንቲ ኣይሁድን፣ እዚ ሰብ እዚ እታ ን38 ዓመት ጸይራቶ እትነብር ዝነበረት ዓራት ተሰኪሙ ክኸይድ ከሎ  ተጓነፍዎ፣፣ ንሳቶም ነዚ ምሕረት እዚ ብምርካቡ፣ማዕረሰቡ ኮይኑ ኣእጋሩ ተኺሉ  ክጎይን ክንቀሳቐስን ምስ ረኣይዎ ብልቦም ሕሱም ጓሂ ተሰምዖም፣ ክሕጎሱ’ውን ኣይተራእዩን፣ ኣብቲ ናቱ ሓጎስ ተኻፈልቲ ንምዃን ፍቓደኛታት ኣይነበሩን እኳ ድኣ  “ሎሚ ሰንበት ስለ ዝኾነ ዓራትካ  ኣልዒልካ ክትከይድ ኣይፍቀደልካን እዩ” በልዎ፣፣ ንሱ ግና “ኣቲ ዘሕወየኒ እዩ  ‘ዓራትካ ኣልዒላካ ኪድ’ ዝበለኒ” ኢሉ መለሰሎም። ንሳቶም ከኣ “እቲ ዓራትካ ኣልዒልካ ኪድ ዝበለካ ሰብኣይ መን እዩ፧” ኢሎም ሓተትዎ፣፣ ኣብቲ ቦታ ብዙሕ ሰብ ነበረ፣ ኢየሱስ ከኣ ድሕር ኢሉ ስለ ዝነበረ፣ እቲ ዝሓወየ ሰብኣይ መን ምዃኑ ኣይፈለጠን‘ዘሕወዮ ዘይምፍላጡ ስንፍና እዩ’ ብድሕሪ’ዚ  ኢየሱስ ነቲ ዝሓወየ ሰብኣይ ኣብ ቤት መቐደስ ረኸቦ እሞ  “እንሆ ሓዊኻ ኣለኻ ካብዚ ዝገድድ ከይረኽበካ፣ መሊስካ ሓጢኣት ኣይትግበር”በሎ ።

ካብዚ ዝገድድ እንታይ ኣሎ  እንተ በልና፣  እቲ ናይ ቅድም ደዌ  ስጋ እዩ፣ እዚ ናይ ሎሚ ግና ደዌ ነፍሲ እዩ። እዚ ሰብ እዚ በደል ምፍጻሙ ከኣ ኣይተረፎን። ብዕለተ ዓርቢ ጎይታናን ኣምላኽናን ኣብ መስቀለ ከሎ፣ ስሌና ጥራሕ ዕራቖቱ  ኣብ ዝነበረሉ ግዜ ብኢዱ ገይሩ ገጹ ከም ዝጸፍዖ እሞ ኢዱ ከም ዝነቐጸት ይንገር። ደዌ ዘንጽሕ፣ ደዌ ዘዕሴት፣ ደዌ ዘመቅሰፍት፣ ደዌ ዘሓጢኣት ኣሎ፣፣

1.     ደዌ ዘንጽሕ ዝበሃል ከም ናይ ጢሞቴዎስ ብንጽሕና  ብትሕርምቲ ዝመጽእ እዩ (1ጢሞ5፣23)።

2.    ደዌ ዘዕሴት  ከም ናይ ኢዮብ ወጋ ዘለዎ ሕማም እዩ (ኢዮብ2፣10)።

3.    ደዌ ዘመቅሰፍት ከም ናይ ሳኦልን ከም ናይ ሄሮድስን ዝመስል ሕማም እዩ (1ሳሙ18፣10,ግ.ሃዋ12፣23)።

4.    ደዌ ዘሓጢኣት ዝበሃል ከኣ ከምዚ ን38 ዓመታት  ተደኒሱ ዝነበረ ሰብኣይ እዩ፣፣

ብድሕሪ እዚ፣ እቲ ሰብኣይ ከኣ ከይዱ እቲ ዘሕወዮ ኢየሱስ  ከም ዝኾነ ንኣይሁድ  ነገሮም፣፣ እቶም ኣቐዲሞም ብምሕዋዩ ክሕጎሱ ዘይተረኽቡ  ግናኸ ብመዓልቲ  ሰንበት ዓራት ብምጻሩ ዝጓሃዩ ኣይሁድ፣ እቲ ዘሕወዮን ዓራትካ ኣልዒልካ ኪድ ዝበሎን፣ ንሱ ኢየሱስ ክርስቶስ ምዃኑ ፈለጡ እሞ ኣሳደድዎ ክቐትልዎ እውን ደለዩ።

ይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ከምዚ እናበለ መለሰሎም፣

1. “ኣቦይ ክሳዕ ሕጂ ይዓዪ ኣሎ(ስነፍጥረት ምምልላሱ እዩ) ኣነ  እውን  ይዓዪ ኣለኹ( ስነፍጥረት የመላልስ ኣለኹ)”

2.    “ኣቦይ ክሳዕ ሕጂ ይዓዪ ኣሎ” ማለት  ብመዓልቲ ሰንበት (ቀዳም ) በቲ ኣብ ላዕሊ ተጠቒሱ ዘሎ ማይ ጸሎት ምኽንያት ሓደ ሓደ  ሕሙም የሕዊ ኣሎ፣፣ ኣነ’ውን  ስርሔይ ይሰርሕ ኣለኹ፣፣ እዚ ማለት ብመዓልቲ ሰንበት ነታ ንዓሰርተው ሸሞንተ ዓመት ጎቢጣ ዝነበረት ሰበይትን  ነዚ 38 ዓመታት  መጻጉዕን ከምዘሕወየ ንምግላጽ እዩ(ሉቃስ13፡10-11)።

ስለዚ ሰንበት ብምስዓሩ ጥራሕ ዘይኮነስ ንኣምላኽ ድማ  ኣቦይ ብምባሉ  ንርእሱ ምስ ኣምላኽ ስለ ዘመዓራረየ ኣይሁድ ክቐትልዉ ይደልዩ ነበሩ ብድሕሪ’ዚ ጎይታናን መድሓኒናን  ኢየሱስ ክርስቶስ ከምዚ  እና በለ መለሰሎም ፣ብሓቂ ብሓቂ ይብለኩም ኣለኹ ወልድ ነቲ ኣቦ  ክገብሮ ብህልውና ዝረኣዮ እንተ ዘይኮይኑ ካብ ርእሱ ጥራሕ ሓንቲ ነገር እኳ ክገብር ኣይክእልን እዩ፣፣ ከመይ ነቲ  ኣብ(ኣቦ)ዝገብሮ  ዘበለ ኩሉ  ወልድ እውን ይገብሮ እዩ፣፣ ኣብ  ንውዱ የፍቅሩ እዩ እሞ ብህልውና ዝገብሮ  ኩሉ የርእዮ እዩ። ንስኻትኩም ምእንቲ ክትኣምኑ ክትንደቑ ካብ’ዚ ዝበልጽ ግብሪ ማለት ሕሙም  ካብ ምፍዋስ  ዝበልጽ ምዉት ምትንሳእ ከርእዮ እዩ። ኣቦ ንምዉታት ከም ዘተንስኦም  ሕያዋን እውን ከም ዝገብሮም፡ ወልድ’ውን ኣተንሲኡ ነቶም ዝደልዮም ሕያዋን  ይገብሮም እዩ፣፣ ኣቦ ንሓደ እኳ ኣይፈርድን እዩ  እንተኾነ ኩሉ ፍርዲ ንወልድ ሃቦ(ኣብ ፍርዲ ዘበለ ኩሉ ንወዱ ድኣ ሃቦ እምበር ንሱስ ንሓደ እኳ ተገሊጹ ኣይፈርድን እዩ)።  ኩሉ ሰብ ንኣብ ወላዲ ኢሉ ከም ዘኽብሮ፡ ንወልድ ኸኣ ተወላዲ ኢሉ ምእንቲ ከኽብሮ  እዩ፣፣ እቲ ንወልድ ተወላዲ ኢሉ ዘየኽብሮ ግና ነቲ ዝለኣኾ ኣብ እውን ወላዲ  ኢሉ ኣየኽብሮን እዩ። ብሓቂ ብሓቂ ይብለኩም ኣለኹ  እቲ ንቃለይ ዝሰምዕ በቲ ዝለኣኸኒ ኣብ  እውን ዝኣምን  ናይ ዘለኣለም ህወት ክረክብ እዩ፣፣ ንሱ ካብ ሞት ናብ ህይወት ድኣ ይሰጋገር እምበር ናብ ፍርዲ ናብ ገሃነም ኣይከይድን እዩ። እቶም ምዉታት ድምጺ ወዲ ኣምላኽ (ትምህርቲ ወንጌል ) ዝሰምዕሉ ግዜ ከም ዝመጽእ  ግዜኡ ድማ ሕጂ ከም ዝኾነ ብሓቂ ብሓቂ ይብለኩም ኣለኹ፣፣ ምዉታት ተባሂሎም ዘለዉ  ምዉታነ ሕልና እዮም። እቶም ትምህርቱ ሰሚዕም ዝተቐበልዎ ከኣ  ትንሳኤ ልቦና ክትንስኡ እዮም፣፣

ኣብዚ ዕለተ መጻጕዕ ጐይታ ንዝገበሮ ተኣምራትን ፈውስን ክንዝክር ከሎና ንሕሙማትን ድውያንን ናይ ምሕረትን ፈውስን ዓቢ መንፈሳዊ ጸጋ ክትዕድል ካብ ጐይታ ብሓደራ ዝተቐበለት “መዕረፊት ኣጋይሽ” ቤተ ክርስቲያን እያ። መምህራንን ካህናትን ድማ ብትምህርቶምን ብጸግኦምን ንዝወደቐ ከልዕሉ፤ ንዝተሰብረ ክጽግኑ፤ ንዝሓመመ ከሕውዩ ተጊሆም ሓደራ ጐይታ ክፍጽሙ ይግባእ። ምሕረትን ፈውስን ዘድልየና ምእመናን’ውን ካብ ዝኾነ ጽዩን ባዕድ ኣምልኾ ርሒቕና ትውክልትና ኣብ እግዚአብሔር ብምግባር ብእምነትን ብተስፋን ኣብ ቤተ ክርስቲያን እንተተመላለስና እግዚአብሔር ኣብ ግዚኡን ኣብ ሰዓቱን ባዕሉ ምሕረቱ ክሰደልና እዩ። ንዝተገብረልና ድማ ምስጋና ካብ ምቕራብ ክንቑጠብ ወይ ውን ድኅር ክንብል የብልናን።

      መዝሙር                        ንባባት                  ምስባክ

      ኣምላኩሰ ለኣዳም            ገላ5፡1-መፈ         መዝ41፡1-3

                                    ያዕ5፡14-መፈ

                                     ግ.ሓዋ 3፡1-12

                                    ዮሓ 5፡2-25  

     ናይ ምሕረት ኣምላክ ምሕረቱ ይሃበና ኣሜን!

              ስብሃት ለእግዚኣብሔር

              ወለወላዲቱ ድንግል

                ወለመስቀሉ ክቡር

                 ኣሜን!!!

Holy Orthodox Church Belifs

In The Name Of The Father,
The Son,
And The Holy Spirit!
“In accordance with Apostolic faith delivered to us by tradition from the Fathers, I have delivered the tradition, without inventing anything extraneous to it. What I have learned, that I inscribed, comfortably with the Holy Scriptures.” – St. Athanasios the Great

It will, I am convinced, be a great blessing to you to read: “What Is The Orthodox Church And What It Does Believe?” Through this article we begin to understand those spiritual things which are essential to us, and learn how to share with others the great spiritual beauty of our Holy Orthodox Christian Faith, and the wonderful teachings of our beloved Church. As we read, and understand, and pray, we begin to behold Our God Who is truly not only Holy, but Mighty, and Immortal. We will experience in so many ways that God is always present in our lives, and will be with us even until the end of the world.

It must be clearly understood that Holy Orthodoxy is a Christian Faith, following the teachings of Our Lord God and Savior Jesus Christ. The faithful within the Orthodox Church believe with love in their souls and hearts that we are part of the Mystical Body of Christ, His living Church, and we are in the company of innumerable saints, martyrs, prophets, apostles, holy fathers, ascetics, and choirs of holy angels – amazing thought! -and also the Most holy Theotokos and Ever Virgin Mary, who bore Christ Our Lord at His birth. While we still live on earth, whatever our status, whatever our occupation, we are citizens together with them of the Kingdom of God.

Our Holy Orthodox Church listens to and adheres to Holy Scripture (both of the Old and New Testament), which is at the heart of the living Church. As we study and adhere to the teachings of Scripture, a confident peace descends upon us and we know with a wonderful certainty that God is guiding, helping, and saving us. We, as Orthodox Christians, also turn with great devotion to the writings of the Holy Fathers of the Church, which help and guide us in fully understanding what we have listened to or had read from the Holy Scriptures. We do not seek to interpret the Holy Scriptures on our own, however, turning to our parish priest to guide us along the path of belief shown us by the Holy Fathers.

The faithful of the Holy Orthodox Church participates also in the very Body and Blood of Our Savior, a ceremony called Holy Communion and often referred to as the Holy Mysteries. We believe that when we all partake of these Holy Mysteries we partake of His divine nature, sharing in His victory over sin and setting foot on the spiritual path which leads to Christ-likeness.

The Holy Orthodox Church is not only here and now, with a long and inspiriting history to look back on. It is already in the next world, where dwell all the inhabitants of Heaven. This is not just a matter of looking ahead to something wonderful to come. The Church transcends time, and we share in the glories of the past and the future now, here on earth.

To paint another picture: The Church is often likened to an ark. We Orthodox Christians believe that we should always be spiritually aware, and through prayer, fasting, and witnessing, enable people of our generation to come to know who we are and what we believe when it comes to the teachings of the Holy Orthodox Faith. The “ship of salvation,” the ark which is the Church, is available for anyone who desires to confess the faith with us. We seek always to help and guide the loving, faithful Christians within the Holy Orthodox Church to be zealous to fulfill her commandments and ordinances, not least to draw in with love and humility those who are crying out for help and salvation. And in the Holy Orthodox Church we and they may obtain that eternal salvation through Christ Our Lord.

Within the Holy Orthodox Church our arms are outstretched with love for Christ Our Lord and for one another, which binds us all within the Holy Orthodox Faith that is precious and dear to every living soul, as well as those who have departed in the Lord. The Holy Orthodox Church is a living mystical Church.

Before I humbly present to you a brief account: “What Is The Orthodox Church And What It Believes?” I would like to share with you the Creed of the Orthodox Church, which well introduces our beliefs:

The Creed
(The Nicene Constantinopolitan Creed)
1. I believe in one God, the Father Almighty,
Maker of heaven and earth,
and of all things visible and invisible.
2. And in one Lord Jesus Christ,
the Only-Begotten Son of God,
begotten of the Father before all ages;
Light of Light, true God of true God,
begotten, not made,
of one essence with the Father
by Whom all things were made;
3. Who for us and for our salvation
came down from the heavens
and was incarnate by the Holy Spirit
and of the Virgin Mary and became man;
4. Crucified for us under Pontius Pilate,
He suffered and was buried,
5. Rising on the third day
according to the Scriptures:
6. And ascending into the Heavens,
He is seated at the right hand of the Father;
7. And coming again with glory
to judge the living and the dead,
His kingdom shall have no end;
8. And in the Holy Spirit, the Lord,
the Giver of Life, Who proceeds from the Father,
Who together with the Father and the Son
is worshipped and glorified,
Who spoke by the prophets;
9. In one, holy, catholic, and apostolic Church;
10. I accept one baptism for the remission of sins;
11. I look for the resurrection of the dead;
12. And the life of the age to come. Amen.
(Translated by: His Eminence, Metropolitan Isaiah, Presiding Hierarch of the Greek Orthodox Diocese of Denver).

What Is The Orthodox Church And What Does It Believe?

“Sometimes God sends me moments in which I am utterly at peace. In those moments I have constructed for myself a creed in which everything is clear and holy for me. Here it is: to believe that there is nothing more beautiful, more reasonable, more sympathetic, more reasonable, more courageous and more perfect than Christ: and not only is there nothing but I tell myself with jealous love that never could there be.” – Fyodor Dostoevsky

We believe as an Orthodox Church in the Creed (The Nicene Constantinopolitan Creed), which has been presented above. Close to two thousand years ago, Jesus Christ, the Son of God, came to earth and founded the Church through His apostles and disciples for the salvation of men. The teachings of the apostles and the Church spread far in the years which followed; many Churches were founded, but all were united in Faith, worship and partaking of the sacraments, also known as the Holy Mysteries of the Church.
To the group of Churches founded by the apostles themselves belong the five Patriarchates of Constantinople, Alexandria, Antioch, Jerusalem and Rome. The Church of Constantinople was founded by St. Andrew, the Church of Alexandria by St. Mark, the Church of Antioch by St. Paul, the Church of Jersusalem by St. Peter and St. James, and the Church of Rome by St. Peter and St. Paul. Those founded in later years through the missionary activity of the first Churches were the Churches of Sinai, Russia, Greece, Yugoslavia, Romania, Albania and many more.

All of these Churches are independent in their administration, yet they are in full communion with one another, with the exception of the Church of Rome, which separated in the year 1054. In Faith, doctrine, apostolic Tradition, sacraments, liturgies and services they are exactly alike. Regardless of the language of each, they exist in fellowship and together constitute and call themselves the Orthodox Church.

The Faith and doctrines of the Church can be found in the Holy Scriptures, the writings of the Church Fathers and the canons and decrees of the Seven Ecumenical Councils. We believe that the Lord Jesus Christ is truly God, the Savior, and the Son begotten of the same substance of the Father before all ages. He is also truly man, like us in all respects except sin. We believe that the Holy Spirit proceeds from the Father, this being confirmed by the Second Ecumenical Council in the words used in the Symbol of Faith: “And I believe in the Holy Spirit, the Lord, the Give of life, Who proceedeth from the Father…”

The Orthodox worship God in Trinity, and honor and venerate the saints and ask their intercession before God. Of the saints, the Mother of God holds a special place because of the supreme grace and call she received from God. According to the canons of the Seventh Ecumenical Council, we venerate the sacred icons and relics not in themselves but as representations of God and the saints.

We recognize seven sacraments and consider them to be holy: Baptism, Chrismation, Holy Eucharist (Holy Communion), Confession, Ordination, Marriage and Holy Unction. Holy Baptism and Holy Chrismation (Confirmation) are the means of entrance for the Christian into the Church. For without dying to the old man and putting on the new in Holy Baptism, we cannot receive the inheritance of the Kingdom which is Christ restored to us. With Holy Chrismation, we receive the gift of the Holy Spirit. As the Spirit of God in the form of a dove alighted on Christ, we receive Him in the Holy Chrism, becoming partakers of the fullness of Christ. In the sacrament of the Holy Eucharist, we partake of the true Body and precious Blood of Christ, in the form of bread and wine, for the remission of sins and for life eternal. As it is written: “Except ye eat of the flesh of the Son of Man and drink His Blood, he have not life in you.” In Holy Confession we receive forgiveness of the sins we commit after Holy Baptism if we truly repent of them. The foregoing three sacraments are essential for the life of all Christians.

In regards to Holy Ordination: by the laying-on of hands of a canonical bishop, divine grace descends upon him who is being ordained. This basic sacrament has provided uninterrupted succession to the Orthodox clergy from the holy apostles and the establishment of the Church on the day of Pentecost. Divine grace sanctifies the union of two people in Holy Matrimony as Christ blessed the wedding at Cana by His presence and performance of His first public miracle. Infirmities of the body and soul are healed through the sacrament of Holy Unction.

These, briefly, are some characteristics of the beliefs of the Holy Orthodox Church. The Church is one because our Lord Jesus Christ founded only one Church. It is holy through the sanctification of its Founder and Head, Jesus Christ, and the operation of the Holy Spirit. It is catholic in that it is universal, and knows no limitations of place or time. It is apostolic because it was founded by the holy apostles. This is the Holy Orthodox Church – the One, Holy Catholic and Apostolic Church, we all love and witness!

May the Lord Our God, guide us and watch over us all with His peace, and His love, as well as help us, save us, and keep us by His grace.

Let us love, confess, and live our Holy Orthodox Faith!

GLORY BE TO GOD FOR ALL THINGS!

When was the Orthodox Church Founded

When Was The Orthodox Church Founded

Icon of Holy Pentercost
17th century from the Dionysiou Monastery
Holy Mt. Athos.
“If salvation is by grace, someone will say, “Why is that we are all saved?” Because you did not will it. For grace, even though it be grace, saves (only) the willing, not those who are not willing, not those are not willing and turn away from it and constantly fight against it and oppose themselves to it.”St. John Chrysostom (+407)
Can you tell me when and was the Orthodox Church founded?
The Orthodox Church was founded on the Day of Holy Pentecost in Jerusalem in 33 AD, fifty days after the Holy Resurrection of Jesus Christ our true God. It has preserved the original teachings of Jesus Christ and His Apostles form that time until the present. The first major Bishops of the Church (known as Patriarchs) have remained Orthodox up to the present. They are the Patriarchs of Jerusalem, Antioch, Alexandria, and Constantinople. Later onwards other Patriarchs also began to develop within the Orthodox Church: Russia, Romania, Serbia, Bulgaria, and Albanian.

Was the Roman Catholic Church a part of the Orthodox Church?
Yes, the Roman Catholic Church was a part of the Orthodox Church, believing and teaching the same doctrines and Sacred Tradition, until 1054. It was the Roman Catholic Church that broke away from the Orthodox Church. In that year the Patriarch of Rome, or the bishop of Rome, also known as the Pope of Rome broke away from the original Church by making unacceptable claims of authority over the entire Christian Church. Since then, the Roman Catholic Church has added new teachings, which the ancient Christian Church above rejects. One of these is the Doctrine of the Infallibility of the Pope. Not only this doctrine but also other matters of the faith have developed within the Roman Catholic Church which has since has separated both these Churches.

Can you tell me what other matters separate the Roman Catholic Church and the Eastern Orthodox Church besides the issue of the Primacy of the Pope?
What separates the Roman Catholic Church and the Eastern Orthodox Church is not only the Primacy of the Pope also known as the Infallibility, but also the following innovations of the Roman Catholic Church: The Procession of the Holy Spirit. Purgatory and indulgences. The Immaculate Conception of the Virgin Mary. Assumption of the Virgin Mary. Invocation of the epiclesis. Unleavened Bread. Holy Communion. Divorce. Clergy’s Martal Status.

Can you tell me when did some of the other religions develop?

Martin Luther founded the Lutheran Church, in 1522.
King Henry VIII founded the Anglican Church of England, in 1534.
John Knox of Scotland founded the Presbyterian Church, in 1580.
The Congregational Church was founded by Robert Brown in Holland, in 1582.
John Smith in Amsterdam founded the Baptist Church, in 1606.
Michelis Jones in New York founded the Dutch Reformed Church, in 1628.
The Protestant Episcopal Church is an offshoot of the Church of England, and was founded by Samuel Seabury in the American Colonies in the 18th Century.
The Methodist Church, was founded by John & Charles Wesley in England in 1774.
The Unitarian Church was founded by Theophilus Lindley in London in 1774.
The Mormon Church (Latter Day Saints) was founded by Joseph Smith in 1829.
The Salvation Army was founded by William Booth in London in 1888.
Within the last 100 years or so, hundreds of other religions were started in the Protestant tradition: Church of the Nazarene, Pentecostal Church, Holiness Church, Assemblies of God, and many Bible and Evangelical and on-denominational Churches, as well as the Jehovah’s Witnesses.

All of the above Churches contain an element of the truth preserved by the “One Holy, Catholic, and Apostolic Church,” but only the Orthodox Church has preserved and perpetuated the entire Christian Faith of the Ancient Church, based on the Sacred Scriptures and Sacred Tradition and the First Seven Ecumenical Councils.

I would like to learn more about the teachings of the Eastern Orthodox Church.
To learn more about Eastern Orthodox Church it would be best to learn about the origin of the Church, and to learn about the Nicene-Constantinpolitan Creed which teaches much about the beliefs of the Orthodox Church, as well as about the teachings on the Doctrines of belief in Sacred Tradition, the Sacred Scriptures, and the teachings of the Holy Canons, and the teachings of the First Seven Ecumenical Councils, it would be best for you to study the Sacred Scriptures from the point of the view of the teachings of the Holy Fathers of the Church.

Another matter is to learn about the lives of the saints, and holy martyrs of the Orthodox Church which would only gives us more information has to how these same martyrs and saints of the Church experienced their faith so that we too would follow their examples. Then again learn as much as possible about the lives of the Holy Fathers and their teachings.

Above all we should begin to learn about prayer and how we can develop a better prayer rule in our lives and that is so that we would have union with our Lord God in prayer. The Orthodox Church is a Church of Liturgical prayer. Prayer is essential not only in the Church but also in the home, and at any other time.

Then again we should read Holy Scripture, but at the same time to learn what the Holy Fathers of the Church have written about Holy and Sacred Scripture.

Another matter is of course is to learn about teachings the Seven Sacraments of the Orthodox Church.

Then again to learn about fasting in the Orthodox Church since the faithful continue to fast on both Wednesday and Friday, as well as other fasting periods such as 40 days during the Nativity Fast, the Great Lenten which leads up to the celebration of the Glorious Resurrection of our Lord Jesus Christ and this is a period of 40 days of fasting, then we have the fast for the Dormition of the Mother of God, which last for 15 days, and finally the Apostles Fast which sometimes last for two weeks.

                             በስመኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን!!

            ጳጒሜን 3/፫ በዓሉ ለቅዱስ ሩፋኤል ሊቀ መላእክት

    ቅዱሳን መላእኽቲ ብቅዱስ እግዚኣብሔር ዝተፈጥሩ ንብዙሕ ዝዓይነቱ ኣገልግሎት ዝለኣኹ ፍጥረታት ኢዮም።ልቢ ኣምላኽ ቅዱስ ዳዊት ” መልኣኽ እግዚኣብሔር ኣብ ዙርያ እቶም ዝፈርህዎ ይሰፍር ካብ ድንገት ካኣ ያናግፎም”(መዝ፴፬፡፯/34፡7) ከም ዝበለ ኩሉ ግዜ እግዚኣብሔር ከም ዝፈቐደሎምን ስልጣን ከም ዝሃቦምን መጠን ንምሕጋዝና ንምድጋፍና ንምጽንናዕና ብትግሃት ዝዓዩ እዮም።ብኣንጻሩ እውን ነቶም ካብ ሕጊ ኣምላኽ ወጺኦም ንኣምላኽ ምእዛዝ ንዝኣብዩ ሰባት ዝቐጽዑ ሓያላን  ምዃኖም ምግንዛብ ይግብኣና።

ቅዱሳን መላእኽቲ ብተፈጥረኦም ረቀቕቲ መናፍስቲ ስለ ዝኾኑ ስጋን ዓጽምን የብሎምን። ሓንሳብ ምስ ተፈጥሩ ኣይውሰኹን ኣይጎድሉን፣ኣይዋሰቡን ፣ኣይፈርዩን፣ኣይሓሙን ፣ኣይሞቱን፣ኣይደኸሙን፣ኣይጠምዩን፣ኣይጸምኡን።እዚ’ውን መጽሓፍ ቅዱስ ብዘረድኣና መሰረት’ዩ።ሰዱቓውያን ንጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብዛዕባ እታ ሸውዓተ ኣሕዋት ዘእተወት፣ ኩሎም ምስ ሞቱ ከኣ ንሳ ኣብ መጭረሽታ ዝሞተት ሰበይቲ፣ ኣብ መጨረሽታ ኣብ ግዜ ትንሳኤ ምውታን ናይ መን ሰበይቲ ክትከውን ኢያ ኢሎም ኣብ ዘሓተትዎ ግዜ ከምዚ እናበለ መለሰሎም “ ኣብ ግዜ ትንሳኤ ኣብ ሰማያት ከም መላእኽቲ ኣምላኽ ኢዮም እምበር ፣ ኣይምርዓዉን” (ማቴ ፳፪፡፳፫-፴/22፣23-30) እዚ ከኣ ቅዱሳን መላእኽቲ ከም ሰብ ናይ መውስቦ ስርዓት ከምዘይብሎም ዘብርህ ኢዩ (ሉቃስ ፳፬፡፴፱/24፣39 ዕብ ፩፡፲፬/1፣14)።

ስለዚ ቅዱሳን መላእኽቲ ኩሉ ግዜ ብዘይ ድኻም ብዘይ ምስልካይ ንዝፈጠሮም ቅዱስ እግዚኣብሔር ዘመስግኑ ንዓና ንደቂ ኣዳም ኣብ ሂወትና ዓቢ ተራ ዘለዎምን ኢዮም።ብዛዕባ እቲ ዓቢ ድሕነት ናይ ኣምላኽና ናይ እግዚኣብሔር ዘበሰሩ(ሉቃ፩፡፳፮/1፡26) ሓጎስ ምድሓኑ ዝኣወጁ ብድሕነትና ባህ ኢልዎም ንቅዱስ እግዚኣብሔር ዘመስገኑ(ሉቃ፪፡፰-፲፭/2፡8-15)፡ነቲ መስፍን ሰላም ዝተባህለ ክርስቶስ ኣምላኽና ምኽንያት መሰደዲኡን ዝስደደሉ ቦታን ካብ ስደት ዝምለሰሉ ዘመንን ዝሓበሩ፡ኣብቲ ክቡርን ዓብን ዕለተ ትንሳኤ ብደስታን ብሓጎስን ክብሪ ኣምላኽ ዝገለጹን ተስፋ ትንሳኤ ዘበሰሩ(ማቴ ፳፰፡ ፩=፲ /28፡1-10 ) ኣብ መወዳእታ’ውን ክርስቶስ ኣምላኽና ካብ ማእከል ቅዱሳን ሓዋርያት ናብ ሰማይ ብኽብሪ ኣብ ዝዓረገሉ ግዜ ዳግማይ ምጽኣት ክርስቶስ ዝመስከሩን ንቅዱሳን ሓዋርያት ዘጸናንዑን —ቅዱሳን መላእኽቲ ኢዮም (ግ.ሃዋ፩፡፱-፲፩/1፡9-11)።

እዚ ስለ ዝኾነ ከኣ ቅድስት ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ እግዚኣብሔር ስለ ዝኽበሮም፡ንዓና ንደቂ ኣዳም ኣብ ብዙሕ ናይ ሂወትና መድረኻት ሓገዝትናን ረዳእትናን ስለ ዝኾኑን ብስሞም ቤተ ክርስቲያን ፡ማይ ጸሎት ትሃንጽ ኩሉ ግዜ ከኣ በዓላቶም እና ኣኽበረት ነዚ ጸጋን ቅድስናን ንዝዓደሎም ኣምላኽ ናይ ኣምልኾ ምስጋናን ስግደትን ንቅዱሳን መላእኽቲ ድማ ናይ ጸጋ ምስጋናን ስግደትን ተቕርብ።

ኣብ መንጎ እዞም ብቑጽሮም ብዙሓት ዝኾኑ ቅዱሳን መላእክት ሓደ እምበኣር ሊቀ መላእክት ቅዱስ ሩፍኤል ኢዩ።

ቅዱስ ሩፋኤል ካብ ሊቀነ መላእክት ብሳልሳይ ደረጃ ተሰሪዑ ይርከብ “አንሰ ስምየ ሩፋኤል ሣልሳይ እምሊቃነ መላእክት ወሚካኤል ሊቀ መላእክት ቀዳማይ ርእሰ ኩሎሙ መላእክት ወስሙ  መስተሣህል ፡ወገብርኤልኒ ካዕበ ውእቱ ሊቀ መላእክት ዳግማይ  ወትርጓሜ ስሙ ኣምላክ ወሰብእ፡ዘተፈነወ  ኃበ  እግዚእተ ኩሉ ፍጥረት ቅድስት ድንግል ማርያም ወላዲት ኣምላክ ከመ ይዜንዋ ልደቶ ለእግዚእነ ኢየሱስ ክርስቶስ ሎቱ ስብሐት እምኔሃ።” ከም ዝበለ ።(ስንክሳር ጳጒሜን ፫)

ኣብ ቅድስት ቤተ ክርስቲያና በዚ ዕለት እዚ ተስካረ በዓሉ ናይ ቅዱስ ሩፍኤል ዝኽበረሉ ስለ ብዙሕ ነገራት እዩ።ንሱ ከኣ“ኣነ ውእቱ ርሩፋኤል ዘሤመኒ እግዚኣብሔር ላዕለ ፳ወ፬(24) ሠራዊተ መላእክት ከመ ንሰብሖ ለእግዚኣብሔር ኣብ ወወልድ  መስተሣህል ወለመንፈስ ቅዱስ  ናዛዚ”ከምዝብል።(ስንክሳር ጳጒሜን ፫) ዝተሸመሉ ዕለት ፡ንጦቢት ካብ ዑረት ዓይኒ ንሳራ ፈዊሱ ናብ ወዱ ጦብያ ከም ትምርዖ ዝገበረሉ ክኸውን ከሎ ከምኡ ከኣ ቅዳሴ ቤቱ  ዝተፈጸመሉ ዕለት እዩ።

       ስሜቱ

ቅዱስ ሩፋኤል ሊቀመላእክት ናይ ቤተ ክርስቲያን ቅዱሳን መጻሕፍትን ድርሳናትን ከም ዝገልጽዎ በዚ ዕለት’ዚ ቅዱስ እግዚኣብሔር ኣብ ልዕሊ ብዙሓት ቅዱስን መላእክሓለቐ ገይሩ ዝሸሞ ዕለት እዩ።ከምቲ ኣብ ላዕሊ ተገሊጹ ዘሎ ብናይ ሊቃነ መላእክት ማዕርግ ንቅዱስ ሚካኤልን ገብርኤልን ተኸቲሉ ኣብ ሳልሳይ ደረጃ ይስራዕ።

ቅዳሴ ቤቱ

ናይ እስክንድርያ ሊቀ ጳጳሳት  ኣባ ቴዎፍሎስ ኣብ ዝነበርሉ ዘመን ብዙሕ ቤተ ክርስቲያን ሃነጹ።ካብተን ኣብ ዘመኖም ዝተሓንጻ ቤተ ክርስቲያን ሓንቲ ብስም ቅዱስ ሩፋኤል ሊቀ መላእክት ኣብ ልዕሊ ዓሳ ነባሪ ዝተሓንጸት ነበረት።በዚ ዕለት እዚ ከኣ ቅዳሴ ተገብረ።እንተኾነ እቲ ናይ ጥንቲ ገበል ማለት ዲያብሎስ ንክርስቲያን ካብ ምስዳድ ስለ ዘይ ዓርፍ ነታ ኣብ ልዕሊ ዓቢ ዓሳ ተሰሪሓ ዝነበረት ቤተ ክርስቲያን ኣናወጻ ካብ ብዝሒ ምንዋጽ ናይቲ ዓሳ ዝተላዕለ ካኣ እተ ቤተ ክርስቲያን ክትፈርስ ደለየት። እንተኾነ እታ ሓያል፡ሰማያዊ መልኣኽ ቅዱስ ሩፋኤል ብቕጽበት መጺኡ “ብቓል እግዚኣብሔር ኣብ ዘለኻዮ ቁም ካብኡ ከይትንቀሳቕስ” ኢሉ ብኲናት ገይሩ ወግኦ።ኣቲ ኣብቲ ዓሳ ሓዲሩ ዘናውጻ ዝጸንሐ ስይጣን ከኣ በቲ ሓያል መልኣኽ ቅዱስ ሩፋኤል ተገሲጹ ወጸ እታ ቤተ ክርስቲያን ከኣ ሃድኤት።ክብርን ምስጋናን ንኣምላኽና ንእግዚኣብሔር ይኹን።ኣሜን።

ኣብ ልዕሊ ጦቢትን ጦብያን ዝፈጸሞ ተረዳእነት

እንሆ ጦቢት ዝበሃል ካብ ንእስነቱ ጀሚሩ ብመገዲ እግዚኣብሔር ዝምራሕ ምጽዋትን ዕሽርን ዘፍቅር ንድኻታትን ንጽጉማትን ዝሕግዝ ሰብ ነበረ።ንሱ ኣብ ዘመን ንእስነቱ ብሰላምን ብቕድስናን  ኣብ ሃገሩ እና ነበረ ከሎ ሓደ ግዜ ብዘመን መንግስቲ ሻልማንኤሰር ተማሪኹ ናብ ኣሶር/ነነዌ ከደ።እነተኾነ ኣብ ዓዲ ስደት’ውን ንሱስ  ከምቲ ኣብ ሃገሩ ዝፍጽሞ ዝነበረ ስርዓት ኣምላኾ ካብ ምፍጻም ድሕር ኣይበለን።ኩሎም ዓሌቱን ወገናቱን ከምቲ ሰብ ነነዌ ዝነብርዎ ዝነበሩ ኣነባብራ፡ ዝበልዕዎ ዝነበሩ ብልዒ ክነብሩን ክበልዑን ከለዉ ንሱ ግና ሰለስተ መንእስያት ኣናንያ ፡ኣዛርያ፡ሚሳኤል ከምኡ ከኣ ብጥበቡ ፍሉጥ ዝነበረ ዳንኤል ዝገበርዎ ካብ መግቦም ምብላዕ ኣበየ።እግዚኣብሔር ድማ ኣብ ቅድሚ እቲ ንጉስ ሞጎስ ከም ዝረክብን ኣዝዩ ልዕል ከም ዝብልን ገበሮ።በዚ ከኣ እቲ ንጉስ ንኹሉ ዘድልዮ ዘበለ ንኽገዝኣሉን ክልኣኾን ኣብ ልዕሊ እዚ ኩሉ ሸሞ።

ከምዚ ኢሉ እና ነበረ  ሓደ ግዜ ኣብ መደቀሲኡ ደቂሱ ከሎ ውዑይ ሓርኢ ናይ ለዃዂቶ ኣብ ኣዒንቱ ኣተዎ ኣብ ብዙሕ ሕክምና ከይዱ ከኣ ክሓዊ ኣይከኣለን።በዚ ድማ ክልቲኤን ኣዒንቱ ብፍጹም ዓወራ ምርኣይ’ውን ሰኣነ።ብገዛእ ጉልበቱ ሰሪሑ ንስድራቤቱ ዝኣሊ ብምጽዋትን ብዕሽርን ንቤተ መቕደስ ዘገልግል ፡ንጥሙያትን ንሱኡናትን ዘብልዕን ዘስትን ዝነበረ ጦቢት ምውፋር ምእታው ሰኢኑ ኣብ ገዛ ኮፍ ኢሉ ምስ ዑረት ዓይኑን ምስቲ መሪር ቃንዛ ዓይንን ክቕመጥ ግዲ ኮኖ።ከምዚ ኢሉ ካኣ ንዓሰርተ ኣርባዕተ ዓመት ቀጸለ፡ ምስናይ እዚ ግና ናብ ልዕሊ እግዚኣብሔር ጸሎት ምብጻሕን ምልማንን ኣየቋረጸን።

ከምዚ ኢሉ እንከሎ ሳራ እትብሃል ጓል ራጉኤል ንሳ ሸውዓተ ሰብኣይ ተመርዕያ ነበረት። እንተኾነ ኣስሞድዮስ ዝበሃል እኩይ ግና  እቶም ዝተመርዓውዋ ሰብኡት ጌና ብስጋ ከይተራኸብዋ ከለዉ ይቐትሎም ነበረ።እዚ ከይ ኣክል ግና ንዘነበራ ሽግር ዝረኣየት ኣገልጋሊታ ኩሉ ግዜ ተባጭወላን ትጸርፋን ነበረት። እዚ ኩሉ  ሽግርን መከራን ዝወርዳ ዝነበረ ሳራ ግና ኩሉ ጸገማን ውርደታን ናብቲ ልዕል ኣምላኽ ብጸሎት ተብጽሕ ነበረት፡

ጦቢት ናብ ኣምላኽ ዝልምነሉ ዝነበረ ግዜን/ሰዓትን ሳራ ናብ ኣምላኽ ዝጸለየትሉ ግዜ ኣብ ሓደ ሰዓትን ግዜን ነበረ።

ጦቢት እንሆ ዓይኑ ብጥዕዩ ከሎ ጋባኤል ዝበሃል ሰብኣይ ገንዘብ ኣቐሚጡ ነበረ እሞ ሓደ እዋን ንወዱ ንጦብያ ጸዊዑ እንሆ ናብቲ ቦታ ከይዱ ነቲ ገንዘብ ከምጽኦ ሓበሮ።እንቶኾነ ጦቢት ገና ንእሽተይ ስለ ዝነበረ ምስኡ ዘከይዶ ሰብ ደልዩ ክወስድ ምስ ተመልሱ ካኣ ዓስቢ ድኻሙ ክህቦን ምዃን ሓበሮ ።ከም ቃል ኣቡኡ ካኣ ኣብ ደጌ ወጺኡ ምስኡ ዘካይዶ ሰብ ደለየ እንሆ ካኣ እቲ ሓያል መልኣኽ ቅዱስ ሩፋኤል መንእሰይ ሰብኣይ መሲሉ ተጓነፎ ።ተተሓሒዞም ከኣ ከዱ።ኣብ መንገዲ እና ኸዱ ኣብ ገምገም ፈለግ ጤርጌስ በጽሑ እሞ ኣብኡ ኣዕረፉ እንሆ ካኣ ሓደ ዓቢ ዓሳ ንጦብያ ክበልዖ ኢሉ መጸ።ነቲ ዓሳ ካኣ ሓዞ እንሆ መልኣከ እግዚኣብሔር ሩፋኤል ነቲ ዓሳ ኣብ ክልተ ከፊሉ ሓሞቱን ከብዱን ልቡን ወሲዱ ካኣ ነቲ ካልእ ጓሕፎ።ጦብያ ክሳዕ ጉዕዝኦም ዝውዳእ ነቲ ዓሳ እና በልዔ ከደ።

ጸኒሑ እቲ ቅዱስ መልኣኽ  ናብ ቤት ራጉኤል ክኸዱ ከም ዘለዎምን ንሳራ ክምርዓዋ ዝግብኦ ንሱ ምዃኑን ሓቢሩ ናብ ቤት ራጉኤል ኣተዉ።እንሆ መንነቶም ገሊጾም ካኣ ንሳራ ናብ ጦብያ ኣመርዓውዋ።እዚ ክኸውን ከሎ  እንሆ ከምቲ ዝሞቱ ሸውዓተ ሰብኡት ንሱ’ውን ከመውት እዩ ኢሎም ስድራቤታ ኣዝዮም ተሽቐሉ።እንተኾነ እቲ  ሓያል መልኣኽ ነቲ  ካብ ገምገም ፈለግ ዝሓዝዎ ዓሳ ክትዕጠኖ ከም ዘለዋ ሓበራ ጸሎት ገይሮም ካኣ ደቀሱ፡እቲ ንብዙሕ ግዜ ዘሽግራ ዝነበረ ጋኔን ብቕጽበት ወጺኡ ካብቲ ከባቢ ርሓቐ።በዚ ዝኾነ ኩላቶም ኣዝዩ ደስ በሎም።

ቅዱስ ሩፋኤል ናብቲ ኣቐዲሙ ዘበገሶም ጉዳይ ማለት ምምጻእ ገንዘብ ካብ ጋባኤል  ምስ ክልተ ገላዉ  ከደ።ኣብቲ ቤት ኣትዩ  ኩሉ እቲ ጦቢት ዝበሎምን ጦብያ ወዲ ጦቢት ከም ዝተመርዓወን ነጊሩ እቲ ዘሎ ገንዘብ ሒዙ ናብ ጦብያ ተመልሰ።እንሆ ካኣ ንሳራ  ጓል ራጉኤል ሰብይቱ ሒዙ ናብ ኣብኡ ጦቢት ተመልሰ፡እቲ ዝኾነ ነገር ዝሰምዔ ጦቢት ኣዝዩ ንኣምላኽ ኣመስገነ።በቲ ኣቐዲሞም ኣብ ገምገም ፈለግ ዝረኸብዎ ሓሞት ናይቲ ዓሳ ገይሩ ካኣ ኣዒንቱ ደረዘሉ እሞ  ካብ ዓይኑ ቅራፍ ዝመስል ወጸ ብኡብኡ ካኣ ኣዒንቱ ተኸፍተሉ ረኣየ ካኣ።

እዚ ኩሉ ምስ ተፈጸመ ኢዩ እምበር እቲ ሓያል መልኣኽ መንነቱ ክገልጸሎም ዝጀመረ።በለ ከኣ “ንእግዚኣብሔር ወድስዎ በቲ ዝግገበርልኩም ኩሉ ካኣ ኣመስግንዎ።ንእዝጊኣብሔር በቲ ዝገበረልኩም ኩሉ ሰናይ ኣብ ቅድሚ ኩሎም ፍጥረታት እና ኣመስገንኩምን ብመዝሙር እና ዘመርኩምን ሞሳ ምለስሉ። እወ ንምምስጋኑ ኣይትተሃከዩ።ንእግዚኣብሔር ኣምላኽ በቲ ዝገበረልኩም ኣብ ቅድሚ ኩሉ ሰብ ኣኽብርዎ ተግባራቱ’ውን ኣዘንትዉ። ንንጉስ ምስጢር ክትሕልወሉ ጽቡቕ ኢዩ።እግዚኣብሔር ዝገበሮ ግን ኣኩሎም መታን ከኽብርዎን ከመስግንዎን ኣብ ኩሉ ክእወጅን ብኹሉ ክፍለጥን ኢዩ ዝግባእ።ጽቡቕ ግበሩ እሞ ክፉእ ኣይክበጽሃኩምን ኢዩ።,,,,,,,,,,,,,,,,,,,,ከምቲ ኣቐዲመ ዝበልክኹም ንንጉስ  ምስጢሩ ክትሕልወሉ ጽቡቕ ኢዩ።እግዚኣብሔር ዝገብሮ ግና ንኹሉ ክንገር እዩ ዝግባእ።ሕጂ ካኣ ሓንቲ ከይሓባእኩ ነቲ ሓቂ ብምልኡ ክነግረኩም ኢየ።ጦቢት ንስኻን ሳራን ምስ ጸለኹም ንጸሎትኩም ናብቅድሚ ልዑል እግዚኣብሔር ዘቕረብክዎ ኣነ እየ ነይረ።ምዉታት ኣብ እትቐብረሉ ግዚ አ’ውን ኩሉ ግዜ ከምኡ ይገብር ነብርኩ።በታ ምሳሕ ከይበላዕካ ምዉት ክትቀብር ካብ መኣዲ ዝተንሳእካላ መዓልቲ ካኣ እግዚኣብሔር ክፍትነካ ለኣኸኒ ።ከምኡ’ውን ንዓኻ ከሕውየካ፡ንሳራ ሰበይቲ ወድኻ ድማ ካብ ዝነበራ ማእሰርቲ ክፈትሓ ለኣኸኒ ።ኣነ ካብቲ ጸሎት ቅዱሳን  ዘዕርጉን ኣብ ቅድሚ ግርማ እግዚኣብሔር ከገልግሉ ደው ዝብሉን ሸውዓተ ቅዱሳን መላእኽቲ ሓደ ዝኾንኩ ሩፋኤል መልኣኽ ኢየ።,,,,,,,,,ኣብ ምድሪ ክሳዕ ዘለኹም ንኣምላኽ ወድስዎ ከምኡ’ውን ኣመስግንዎ ።እንሆ ኣነ ናብቲ ዝለኣኸኒ ክዓርግ እየ።ነቲ ዝተገብረልኩም ኩሉ ኣብ መጽሓፍ ጸሓፍዎ”ኢልዎም ናብ ሰማይ ዓረገ።

እወ እዚ ሓያል መልኣኽ ቅዱስ ሩፋኤል ኣብ ልዕሊ ጦቢትን ሳራን ዝገበሮ ድንቂ ተኣምር ብዓይኒ ልቦና ነስተውዕሎ።ትማሊ ንቕዱሳን መላኽቱ እና ለኣኸ ንብዙሓት ኣቦታትናን ኣዴታትን ኣብ ህይወቶም ዓቢይን ዘድንቕን ስራሕ ዝሰርሐ ቅዱስ ኣምላኽና እግዚኣብሔር ሎሚ’ውን ብቕንዕና ልብን ብንጽህናን ከምቲ ንሱ ዝደልዮ እንተተጓዒዝና ንጦቢት ስጋዊ ዓይኑ ከፊቱ ብብርሃን ከም ዝርኢ ዝገበሮ ንዓና እውን ዓይነ ልቦናን ተኺፊቱ ናብቲ ብርሃናዊ ኣምላኽ ብብርሃን ተመላሊስና ንዕኡ ክነስምር፡ከምቲ ንሳራ ንዘመናት ዘሳቐያ ርኹስ መንፈስ ገሲጹ ዘውጽኣላ ሎሚ’ውን ሽሕ እኳ ናብ ዝተፈላለየ ርኽሰት ዝመርሑና ሰናይን ጽቡቕን ስራሕ ንኸይንሰርሕ ዓይነ ልቦናና ዓጽዮም ብዘይፍረ ጽድቂ ቀንፈዘው ከም እንብል ዝገብሩና ርኹሳት መናፍስቲ እንተሃለዉ እንተኾነ ልብናን ሕልናናን ናብ ጸሎትን ረድኤትን ቅዱሳን መላእክቲ እንተድኣ ኣቕኒዕናዮ ፡ንረድኤትናን ንሓገዝናን ወትሩ ድሉዋት ዝኾኑ ቅዱሳን መላእኽቲ ብእሳታዊ መስቀል ነቲ ዝጻብኣና ሰይጣን ክግስጹልናን ካብ ዙርያና ከርሕቑልናን ኢዮም።

                                    ሰላም ለሩፋኤል መስተፍሥሔ ኣልባብ ዘተበህልከ

                                     ከመ ይፈውስ ሕሙመ ወያጥዒ ቊስለ

                                    ከመ ኣስምዖ ፍጡነ ለጦቢት ቃለ

                                   ጽድቀ ዘይዴግኑ ይረክቡ ሣህለ

                                    ወእለ ይኤብሱ ያመጽኡ በነፍሶሙ ኅጒለ።

ብሰላም ናብዚ ቅዱስ ዕለት ዘብጽሓና ቅዱስ እግዚኣብሔር ክብርን ምስጋናን ይኹኖ።

ናይ እግዚኣብሔር ምሕረት; ናይ ቅድስት ድንግል ማርያም ኣማላድነት; ናይ ቅዱስ ሩፋኤል ጸሎትን በረኸትን; ምስ ኩላትና ህዝበ ክርስቲያን ይኹን ኣሜን።

    ወስብሃት ለእግዚኣብሔር  ልዑል

    ወለወላዲቱ ድንግል

    ወለመስቀሉ ክቡር
.      ኣሜን!

ልቢ ኣምላክ ዳዊት

በስመኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን!

፳፫/23 ታሕሳስ ዕረፍቱ ለዳዊት ንጉስ እስራኤል

    ዳዊት ማለት ሑሩይ ማለት እዩ። “ወኣልዐልኩ ሑሩይየ እምሕዝብየ” ከም ዝብል (መዝ 89፡19)። ኣንድም ልቢ ኣምላኽ ማለት እዩ “ረከብክዎ ለዳዊት ወልደ እሰይ ብእሴ ምእመነ ዘከመ ልብየ” ተባሂሉ ተነጊሩሉ እዩ (ግ.ሓ 13፡22)።  ትውልዱ ካብ ነገደ ይሁዳ እዩ። ኣቡኡ እሰይ ኣዲኡ ድማ ሁብሊ ይበሃሉ። ሁብሊ ኣዝያ ምልክዕልቲ ሰበይቲ ነበረት እሞ ኣብ ጎረቤቶም ዝነበረ ሓደ መንእሰይ መልክዓ ርእዩ ንዝሙት ይብህጋ ነበረ። እሰይ ድማ ናታ ፍቃድ’ውን ከምኡ ምዃኑ ፈሊጡ፡ ናብ ርሑቕ መንገዲ ክኸይድ እየ ኢሉ ስንቁ ሒዙ ወጸ፡ ዝኸደ መሲሉ ድማ ኣብቲ ከባቢ ውዒሉ ክመሲ ኸሎ ብልብሱ ተሸፋፊኑ ድምጹ ቀይሩ ነቲ ጎረቤት መሲሉ ኣትዩ ምስኣ ሓዲሩ ምድሪ ከይወግሐ ወጺኡ ከደ። ዳዊት ድማ በዚ ዕለት’ዚ ተጠንሰ። “እስመ ናሁ በኃጢኣት ተጸነኩ ወበዓመጻ ወለደትኒ እምየ” (መዝ 51:5) ዝበለ ድም ስለዚ እዩ። ተወሊዱ ምስ ደልደለ ኣባጊዕ ኣቡኡ እናጓሰየ ዓበየ። “ወእርኢ ኣባግዐ ኣቡየ” ከም ዝበለ። ንጉስ ሳኦል ካብ ፍቃድ ጎይታ ድሕር ምውጽኡ ጎይታ ድማ “ኢይጠፍዕ ምልክና ወምስፍና እም ኣባሉ ለይሁዳ” (ዘፍ 49፡10) ተባሂሉ ዝተነገረ ቃል ንምፍጻም ነቢይ ሳሙኤል  ዳዊት ቅብዐ መንግስት ከም ዝቐብኦ ገበረ (1  ሳሙ 16፡1-13)። ካብዚ ንደሓር ብረድኤት እግዚኣብሔር ነቲ ዘይግዙር ፍልስጤማዊ ጎልያድ ብሓንቲ ጸጸር ቀተሎ። ኣብ ውግእ ስዒሩ ክምለስ ከሎ ድማ እተን ኣንስቲ እስራኤል “ሳኦል ሽሕ ቀተለ ዳዊት ግና እልፊ ቐተለ” ኢለን እና ደረፋ ተቀበልኦም። ሳኦል ድማ በዚ ቅንኣት ሓደሮ። ኣቐዲሙ ምሒሉሉ ስለዝነበረ ግን ሜልኮል ጓሉ  ሰበይቲ ክትኮኖ ሃቦ።

      ሓደ መዓልቲ ክቐትልዎ ኢሎም ክመኽሩ ከለዉ ሜልኮል ሰሚዓ ኪድ ህደም በለቶ።  ሽዱሽተ ሚእቲ ሰራዊት ሒዙ ድማ ናብ ሓቅሊዚፋን ዝበሃል ቦታ ኣተወ። ሳኦል ድማ ሰለስተ ሽሕ ሰራዊት ኣኸቲሉ ሰዓቦ። ካብ ሰራዊቱ ተፈልዩ ድማ ደገ ክወጽእ ኣብቲ በዓል ዳዊት ዝነበርሉ በዓቲ ኣተወ። ጸልማት ስለዝነበረ ድማ ሰብ ምንባሩን ዘይምንባሩን ኣይፈለጠን። ኣቢሳ ድማ ንዳዊት ንጸላኢኻ ኣብ ኢድካ ኣሕሊፉ ሂቡካሎ’ሞ ክቐትሎ በሎ። ግደፍ ኦሪት “ኢታውርድ እዴከ ላዕለ መሲሑ ለእግዚኣብሔር” ኣይኮነትን ድያ ትብል በሎ። ንሱ ግን ከይዱ ጫፍ ክዳን ሳኦል ቆሪጹ ሓዘ። ሳኦል ካብቲ ብዓቲ ተንሲኡ ከደ። ድሕሪዚ ዳዊት ተንሲኡ ካብቲ በዓቲ ወጸ እሞ “ኦ ጎይታይ ንጉስ” ኢሉ ንሳኦል ጸውዖ “ስለምንታይ’ከ ዘረባ እቶም እንሆ ዳዊት ክቐትለካ እዩ ዝደሊ ዝብሉኻ ሰባት እትሰምዕ። እንሆ ሎሚ እግዚኣብሔር ኣብ በዓቲ ክቐትለካ ኣብ ኢደይ ኣሕሊፉ ሂቡኒ ነበረ፡ ነገር ግን ኣነ ከምኡ ኣይገበርኩን። ርአ እወ እቲ ጫፍ ክዳንካ ክቆርጽ ከለኹ ንኣኻ ብዘይ ምቕታለይ ክፍኣት ኮነ በደል ከም ዘይብለይ ፍለጥን ርአን” በሎ። ሳኦል ድማ “ዳዊት ወልድየ ቃልከ ማህዘኒ፥ ዳዊት ወደይ እዚ ቃልካ ድዩ ኢሉ ዓው ኢሉ በኸየ። ምስ ነገሰ ብድሕሪኡ ንደቁ ምእንቲ ክርህርሃሎምን ከየጽንቶምን ቃል ኣእትዩ ናብ ቤት መንግስቱ ተመልሰ። ዳዊት ግና በረኻ እናተዘዋወረ ጸንሐ።

   ዳዊት ኣብ ምድረ በዳ (ኣብ ሓቅለ- ፋራን) ከሎ ሓደ ናባል ዝበሃል ኣቢጋይል እትብሃል ሰበይቲ ዝነበረቶ በዓል ጸጋ ኣብ ቀርሜሎስ ነበረ እሞ፡ ዳዊት ድማ ዓሰርተ ኣጉባዝ ልኢኹ በጃኻ ኣብ ኢድካ ዝተረኽበ ንገላውኻን ንወድኻ ዳዊትን ሃቦም ኢሉ ለኣኸሉ። ንሱ ድማ ዳዊት መን እዩ ወዲ እሰይከ  መን አዩ ኪዱ ኣይህበኩምን እየ ኢሉ ጥራይ ኢዶም ሰጎጎም።  ዳዊት ነዚ ምስ ሰምዐ ተቆጢዑ ከጥፍኦ ተበገሰ። ስለዚ ኣቢጋይል ነዚ ስማዓ ቀልጢፍ ክልተ ሚእቲ እንጌራን ክልተ ሓርቢ ወይንን፡ ሓሙሽተ ብሱላት ኣባጊዕን ሓሙሽተ መስፈር ጥቡስ ሰዊትን ሚእቲ ጎጎ ዘቢብን ክልተ ሚእቲ ጎጎ በለስን፡ ወሲዳ ኣብ ኣእዱግ ኣጽዒና ተበገሰት። ዳዊት ድማ ኣብ መንገዲ ረኸባ እሞ ንሰብኣይኪ’ዶ ከተድሕንዮ መጺእኪ ኢሉ ነቲ ዘምጽኣቶ ኩሉ ተቐቢሉ ብሰላም ኣፋነዋ።

ናባል ብመስተ ተሓጊሱ ሰኺሩ ስለዝነበረ ስለዚ ክሳብ ንጽባሒቱ ገለ’ኳ ኣይተዛረበቶን። ንጽባሒቱ ናባል ስኽራኑ ምስወጸሉ “ትማሊ ዳዊት ክቐትለካ ኢሉ መጺኡ ነይሩ” ኢላ ነገረቶ። ዳዊት፧ ኢሉ ድማ ፈርሐ። ልቡ ጠለሞ ከም እምኒ’ውን ኮነ። ድሕሪ 10 መዓልቲ ከኣ መልኣኽ ቀዘፎ። ንኣቢጋይል ድማ ሓዘና ምስ ወድአት ዳዊት ሰበይቱ ገበራ (1 ሳሙ 25)።

ፍልስጥኤማውያን ድማ ንሳኦል ተዋግእዎ። ካብ ጸላእቱ ሓደ ድማ ቀስቱ ወርዊሩ ወግኦ ንሳኦል ድማ ከም ሓዊ ስለ ዘቃጸሎ ንሓደ ነቲ ኣጽኒዑ ዝስከሞ እዞም ዘይግዙራት መጾኦም ወጊኦም ከየላጉጽለይሲ ሰይፍኻ መሺትካ ብእኡ ቕተለኒ በሎ። እቲ ተሸካም ኣጽዋር ግና እምብዛ ፈሪሑ ባርያኻስ ምሳኻ ድኣ ይመውት እምበር ኣይቀትለካን ኢሉ ኣበዮ። ሳኦል ድማ ኣብ ልዕሊ ሴፉ ወዲቁ ሞተ። ካልኦት’ውን ንዕዑ ርእዮም ብገዛእ ሰይፎም ተወጊኦም ሞቱ። ዳዊት ናቱን ናይ ወዱ ዮናታንን ሞት ምስ ሰምዐ ሓዘነ። ግጥሚ ብምግጣም ድማ ኣልቀሰሉ።

ድሕሪ ሞት ሳኦል ዳዊት መንግስቲ ኣጽኒዑ ኣብ እምባ ጽዮን ተቐመጠ።ንታቦት ጽዮን ድማ ብዕልልታን ብዓቢይ ክብርን ናብ ከተማኡ ኣእተዋ። ጓል ሳኦል ሚልኮል ዳዊት ኣብ ቅድሚ ታቦት ኣምላኽ ክዝምር ርእያ ብልባ ንዓቀቶ። ዳዊት ንቤቱ ክርኢ ምስ ተመልሰ ሚልኮል ንዳዊት ክትቅበሎ ወጺኣ ንጉስ እስራኤል ሎሚ ክንደይ ከበርካ ከንቱ ብዝኾነ ሰብ ሰብነቱ ከም ዝቐልዕ፡ ኣብ ቅድሚ ኣግራድካን ሸማምንትኻን ተቐላዕካ ኢላ ኣባጫወትሉ። በዚ እናሓዘነላ ድማ መኻን ኮይና ሞተት። “ኢወልደት ሚልኮል እስከ ኣመ ሞተት” ከም ዝብል (2 ሳሙ 6፡23)።

ኣብቲ ዘመነቲ ዝነበረ ነቢይ፡ ነቢይ ናታን እዩ። ነቢይ ናታን ናብ ዳዊት ኣብ ዝኸደሉ እዋን ንዳዊት ሓዚኑ ርኣዮ። እንታይ ኮንካ ትሓዝን ኣለኻ፧ ድማ በሎ፡ “እንሆ ኣነ ኣብ ብጽሕዲ ዝተሰርሐ ቤት እነብር ኣለኹ ታቦት ኣምላኽ ግና ብዓለባ ኣብ ዝተሰርሐ ድንኳን ተቐሚጡ ከሎ ከመይ ዘይሓዝን፧” በሎ እግዚኣብሔር ድማ ብነቢይ ናታን ገይሩ ንዳዊት ከምዚ በሎ “ንኹሎም ጸላእትኻ ኣብ ቅድሜኻ ኣጽነትክዎም፡ ንስምካ ድማ ዓቢ ክገብሮ እየ” በሎ ዳዊትን ናታንን ድማ ሱባኤ ኣተዉ። ብድሕሪዚ ናይ ቤተ መቕደስ ነገር ንነቢይ ናታን ተገልጸሉ “ኣኮ ኣንተ ዘትነደቅ ሊተ ቤተ ኣላ ወልድከ ዘወጽኣ እምሓቄከ ውእቱ ይነደቅ ሊተ ቤት በስምየ” “መዓልትታትካ ምስ ኣኸለ ምስ ኣቦታትካ ምስ ተቐበርካ ብድሕረኻ ሓደ ካብ ደቅኻ ልዕል ከብሎ እየ ነታ መንግስቱ’ውን ከጽንዓ እየ። ንሱ ንስመይ ቤት ክሰርሕ እዩ። ኣነ ኸኣ ዝፋን መንግስቱ ንዘለኣለም ከጽንዓሉ እየ በሎ” በሎ (2 ሳሙ 7፡1-17)። ንዳዊት ግና ነገር ስጋዌ ተገሊጽሉ እሞ “ናሁ ስማዕናሁ ብኤፍራታ” በለ (መዝ 132፡6)።

እዮኣብን ኣቢሳን ታቦት ጽዮን ሒዞም ሰራዊት ኣኸቲሎም ናብ ራባ ከዱ። ዳዊት ግና ኣብ ከተማ ተሪፉ ነበረ። ሓደ መዓልቲ ድማ ዳዊት ካብ ምድቃሱ ተንሲኡ ናብ ናሕሲ ቤት ንጉስ ክመላለስ ከሎ ንበርሳቤህ ኣብ ወጻኢ ኣጸደ ወይኒ ሰውነታ ክትሕጸብ ከላ ረኣያ’ሞ ፍቅሪ ዝሙት ሓደሮ። ሰይቲ መን እያ ድማ በለ። ሰይቲ ኦርዮ ድማ በልዎ። ኦርዮ ናብ ውትህድርና ከይዱ ስለ ዝነበረ “ኢትሑር ብእሲተ ብእሲ”(ዘጸ 20፡14-17) ንዝብል ቃል ጥሒሱ ምስኣ ደቀሰ፡ ንሳ ድማ ጠነሰት። እዚ ጥንሲ ከካፍኣኒ እዩ ኢሉ ድማ ንኣርዮ ኣጸዊዑ ኣምጸኦ ብዛዕባቲ ውግእ ድሕሪ ምሕታቱ ናብ ቤትካ ኪድ በሎ። ንሱ ግና ምስ ኩሎም ገላዉ ጎይትኡ ኣብ ኣፍ ቤት ንጉስ ደቂሱ ሓደረ። ኣይመጸን ኢላ ድማ ለኣኸትሉ። ንሱ ድማ ዘስክር መስተ ኣስተዮ ናብ ቤትካ እቶ በሎ። ኦርዮ ግን “ደቂ እስራኤልን ደቂ ይሁዳን ኣብ ውግእ ኣለዉ፡ ታቦት ኪዳን ኣብኡ ከላ፡ ጎይታይ እዮኣብን ገላው ጎይታይን ድማ ኣብ ጻሕጻሕ መሮር ሰፊሮም ኣለዉ። ሕጂ’ዶ ኣነ ክበልዕን ክሰትን ምስ ሰበይተይ ክድቅስን እየ፧” ኢሉ ናብ ቤተይ ኣይቱን፡ ነዚ ነገር እዚ ኣይገብሮን” ኢሉ ኣበዮ። ንሱ ድማ “ቅድመ ኣብእዎ ለኣርዮ ወስተ ዐቢይ ቀትል ወበህየ ይሙት” ንኣርዮ ናብቲ ብርቱዕ ውግእ ኣብ ቀዳማይ ሰልፊ ኣእትውዎ ተወጊኡ ምእንቲ ክመውት ከኣ ሓዲግኩሞ ተመለሱ ዝብል ጽሑፍ ጽሒፉ ሓቲሙ ንእዮኣብ ሃቦ በሎ። ኦርዮ ድማ የዋህ ስለ ዝነበረ ናይ ሞቱ ደብዳቤ ሒዙ ብምኻድ ንእዮኣብ ሃቦ። እዮኣብ ድማ ከምቲ ዝተኣዘዞ ንኦርዮ ኣብ ቅድሚት ኣሰለፎ።

 እቲ ኲናት ምስ በርትዐ ተጸዋዊዖም ንድሕሪት ሃደሙ። ኦርዮ ድማ ምልስ ኢሉ “ምንተ ከንክሙ ኣእላፍ እስራኤል/ እንታይ ኮንኩም፧” ክብል ከሎ ጸላእቱ መጺኦም ወጊኦም ቐተልዎ። ጎይታ ድማ ነዚ ንነቢይ ናታን ገለጸሉ። ናታን ድማ ክሊ ለቢሱ ክቢ ጠምጢሙ ኲናት ሒዙ ከደ፡ ዳዊት ድማ ነቢይ እግዚኣብሔር ኣመጻጽኣኻ ድኣ ናይ ድሓን ድዩ፧ በሎ። ናታን ድማ “ዝነግረካ ኣሎኒ” በሎ። ተዛረብ ድማ በሎ። ሓደ ሚእቲ ኣባጊዕ ዝነበርኦ ሰብኣይ ነበረ ብዘይካ ሓንቲ በጊዕ ካልእ ዘይነበሮ ድማ ጎረቤት ነበሮ። ናብ ነዊሕ መንገዲ ክኸይድ ከሎ ድማ ብሓደራ ሂብዎ ከደ። እቲ ሃብታም ሰብ ግና ጋሻ ምስ መጾ ሚእቲ ኣባጊዑ ኣቐሚጡ ነታ ናይቲ ድኻ ሓንቲ በጊዕ ሓሪዱ ነቲ ጋሻ መግቢ ኣዳለወሉ። ንዕኡ ድማ ንሰብ ከይነግረለይ ኢሉ ቐተሎ። በዚ ድማ እግዚኣብሔር ሓዚኑ ኣሎ በሎ። ዳዊት ድማ ነዚ ዝገብር ሰብኣይ ኣብ ከተማይ እንድሕር ኣሎ ሞት ከም ዝግብኦ ብሕያው እግዚኣብሔር እምሕል ኣለኹ በለ። “ኦ ንጉስ ፈታሕከ በርእስከ ኣኮኑ ኣንተ ገባሪሁ ለዘኩሉ/ነዚ ኩሉ ዝገበርካ ንስኻ ኢኻኣብ ገዛእ ርእስኻ ድማ ፈረድካ፡ በዓል ጸጋ ዝተበሃልካ ንስኻ ኢኻ፡ እቲ ድኻ ዝተባህለ ድማ ኦርዮ እዩ። ሚእቲ ኣባጊዕ ዝተባህሉ ድማ ዓሰርተ ትእዛዛት እዮም ሓንቲ በጊዕ ዝተባህለት በርሳቤህ እያ። ጋሻ ዝተባህለ ፈቓደ ስጋ እዩ። ፈቓደ ስጋ ምስ ተለዓዓለካ ነቲ ዓሰርተ ትእዛዛት ኣቐሚጥካ ምስ ቤርሳቤህ ደቀስካ ንኦርዮ ኣቕቲልካ በዚ ድማ እግዚኣብሔር ሓዚኑ” ኣሎ በሎ። ክውዕል ክሓድር ከይበለ ሽዑ ንሽዑ ጉድጓድ ኩዒቱ ማቕ ለቢሱ ሱባኤ ኣተወ።

እግዚኣብሔር ድማ ካብ ቅድም ዝመረጾ ስለዝኾነ ንጾሎቱ ሰሚዑ። ነቢይ ናታን ድማ መጺኡ”ብነፍስኻ ምሒረካ ኣለኹ ኢሉካ፡ ንስጋኻ ግና  ሓጢኣት ብዘይፍዳ ስለዘይነጽህ ንሰለስተ ወርሒ ወድኻ መንግስትኻ ክወስዳ እዩ” በሎ። ንሱ ድማ “እዚ ከም ዝኸውን ብኸመይ ክፈልጥ እየ”በለ። እቲ ዝውለድ ህጻን ክመውት እዩ ብምባል መለሰሉ። ንዓኣ ግና ኣእትዋ ወዲ ክትወልደልካ እያ። ስሙ ድማ ሰሎሞን ክትብሎ ኢኻ በሎ። በዚ ከኣ ለይትን መዓልትን ብብዝሒ ሓዘን ይበክን ይነብዕን ነበረ። ብድሕርዚ እቲ ህጻን ተወለደ እሞ ሓመመ። ዳዊት ድማ ምእንቲ እቲ ቆልዓ ናብ ኣምላኽ “ንዓይ ብነፍሰይ ከም ዝመሓርካኒ ነዚ ህጻን’ውን ማሓሮ” ኢሉ ማቕ ለቢሱ ሓመድ ኣብ ርእሱ ነስኒሱ ክበኪ ጀመረ። እቲ ህጻን ግና ሞተ። እቲ ሕጻን ምስ ሞተ፡ ዳዊት ካብ ምድሪ ተንሲኡ ተሓጽበ፡ ልብሰ መንግስቱ’ውን ተኸደነ። ናብ ቤት እግዚኣብሔር ኣትዩ ኸኣ ሰገደ። ናብ ቤት መንግስቱ መጺኡ’ውን ዝብላዕ ኣዘዘ። ምስ ኣቕረበሉ ድማ በልዐ። ሽዑ እቶም ገላውኡ “እዚ ትገብሮ ዘለኻ ነገር እንታይ እዩ። እቲ ህጻን ብህይወቱ ከሎ ምእንትኡ ጾምካን በኸኻን እቲ ህጻን ምስ ሞተ ግና ተንሲእካ እንጌራ በላዕካ” በልዎ። “ይገብዕኑ ማይ ዳህረ ተክዕወ/ ማይ ምስ ፈሰሰ ኣይሕፈስን እዩ ደጊም’ዶ ክምልሶ ይከኣለኒ እዩ፧ ንሕና ኢና ናብኡ ንኸይድ እምበር ንሱ ናባና ኣይምለስን እዩ በሎም።

ጎይታ ዝተዛረቦ ዘረባ ከይተፈጸመ ስለ ዘይተርፍ ፍድኡ ክቕበል ሰይጣን ኣብ በኩሪ ወዱ ኣብ ኣምኖን ፍቅሪ ሓፍቱ ትእማር ከም ዝሓድር ገበረ። ኣሚናዳብ ዝበሃል ወዲ ሓወብኡ ንኣምኖን ሰብነቱ ዓቢሩ፡ ገጹ ተበላሽዩ ምስረኣዮ “ምንት ያደንግጸከ እንዘ ወልደ ንጉስ ኣንተ” ወዲ ንጉስ ክንስኻስ እንታይ ኮንካ ኢኻ ንገረኒ እስከ በሎ። ኣኮኑ ኣፍቀርኩ ለትእማር ኣህትየ። ፈሪሐ እየ እምበር ንትእማር ሓብተይ እየ ኣፍቂረ በሎ። ንሱ ድማ ሓሚመ ኢልካ ኣብ ዓራትካ ደቅስ፡ ኣቦኻ ክርእየካ ኢሉ ምስ መጸ ኸኣ በጃኻ ሓብተይ ትእማር እንጌራ ክትህበኒ ትምጻእ ነቲ ብልዒ ድማ ምእንቲ ክርእዮስ ኣብ ቅድሚ ዓይነይ ከተዳልዎ ባዕላ ኸኣ ከተብልዓኒ ኢልካ ንገሮ በሎ። ንሱ ድማ ክእዝዘልካ እዩ በሎ። ከምቲ ዘማኸሮ ድማ ሓሚመ ኣለኹ ኢሉ ደቀሰ። ዳዊት ድማ ክሓቶ ኢሉ መጸ ብላዕ በሎ። ኣምኖን ድማ ንንጉስ ብኢድ ሓብተይ ትእማር እንተ ዝኸውንሲ ክልተ ሰለስተ ዝኸውን ኩላሶ እኳ ምበላዕኩ ነይረ በሎ። ዳዊት ድማ ሓፍትኻ ድኣ ነዚ ዘይትኸውን ድያ ብምባል ኣጸዊዑ ከም እተዳልወሉ ነገራ። ንሳ ድማ ኣዳልያ ኣቕረበትሉ። ንሱ ድማ ሓፍተይ ንዓኺ ኢለ እየ እምበር መዓስ እኽሊ ዝቅርበለይ ስኢነ ኮይነ ኢሉ ሓዛ።ትእማር ድማ ኦ ኦሁየ ኢትግበሮ ለዝ” ኣይፋልካን ሓወይ ኣይተነውረኒ ከምዚ ዝበለ ኣብ እስራኤል ኣይግበርን እዩ እሞ ንዓይ ዝተናዓቅኩን፡ ዝተጻላእኩን ክትገብረኒ ኢኻ ንስኻ ድማ ካብቶም ሕማቓት ሓደ ክትቁጸር ኢኻ በለቶ። ብግዴታ ድማ ኣነወራ። “ወዓብየ ጽልዕ እንተ ጸልዓ ድህረ እምቀዳሚ ፍቅር ዘኣፍቀራ” ይብል ድሕሪ’ዚ ኣምኖን ኣዝዩ ጸልኣ እኳ ድኣ ካብቲ ዘፍቀራ ንላዕሊ ኣዝዩ ጸልኣ። ኪዲ ውጽለይ ድማ በላ። “ዛቲ ዳህሪታ ተኣኪ እምቀዳሚታ/ ንሳ ኸኣ ኣይፋልካን ንዓይ ብምስዳድካ ካብቲ ቅድም ዝገበርካኒ ክፉእ ኣዝዩ ክገድድ እዩ በለቶ። ንሱ ግና ክሰምዓ ኣይፈተወን። ነቲ ዘገልግሎ ግሊኡ ጸዊዑ ድማ በጃኻ ነዚኣ ካባይ ንግዳም ኣውጽኣለይ ነቲ ማዕጾ ኸኣ ዕጸዎ በሎ። ትእማር ድማ ነቲ ለቢሳቶ ዝነበርት ሕብራዊ ወለል ዝብል ክዳና ቀዲዳ ሓሙኽሽቲ ኣብ ርእሳ ነስነሰት ኢዳ ኣብ ርእሳ ጌራ እና ኣእወየት ክትከይድ ከላ ሓዋ ኣቤሴሎም ረኸባ። ንሱ ድማ ኣምኖን ምኻኑ ፈሊጡ ሕጂ ግና ሓፍተይ ንሱ ሓውኺ እዩ ስቕ በሊ ኢሉ ኣጸናኒዑ ዳዊት ኣብ ከተማ ኣብ ዝሰርሖ ቤት ስለ ዝነበረ ኣብኡ ከም እትቕመጥ ገበረ።

ድሕሪ ክልተ ዓመት ኣቤሴሎም ዓቢይ ድግስ ገይሩ ንዳዊት ጸውዖ። ዳዊት ግና ኣቐዲምካ እንተ ትነግረኒ ጽቡቕ ነይሩ በሎ። ሕጂ ግና ኣነ ክመጽእ ከለኹ መኳንንትን መሳፍንትን ወይዘራዝር ስለ ዝመጻ ምሳይ ክንበዝሓካ ኢና በሎ።እንተ’ደኣ ደይከውን ኮይኑስ እንበኣር በጃኻ ዓቢ ሓወይ ኣምኖን ይምጻኣኒ በሎ። ሽዑ ኣምኖን በሊዑ ምስ ጸገበን ምስ ሰኸረን ኣቤሴሎም ነቶም ኣገልገልቱ ኣዚዙ ኣቕተሎ፡ ንሱ ድማ ናብ ናይ ኣዲኡ ዓዲ ናብ ጌድሰር ሃደመ። ዳዊት ድማ ንወዱ ኣምኖን በኸየሉ። ድሕሪ ክልተ ዓመት ድማ ንኣምኖን እናረስዖ ንኣቤሴሎም ክናፍቆ ጀመረ። እዮኣብ ድማ ነዚ ፈሊጡ ሓንቲ ቴቁሄያዊት ሰበይቲ ልኢኹ ነቲ ዕርቁ ወዲኡ ኣተዓረቆም።

ኣቤሴሎም ምስ ኣቡኡ ድሕሪ ምትዕራቁ ሰረገላን ኣፍራስን ገበረ ቀቅድሚኡ ዝጎዩ ሓምሳ ዓጀብቲ ድማ ገበረ። ነፍሲ ወከፍ ባእሲ ዝገብር ወይ ዝፍረድ ነገር ዘለዎ ሰብ ናባይ እንተ ዝመጽእ ሓቂ ምፈረድኩሉ ነይረ። ኣብዚ ሃገር እሞ መን ፈራዲ ይገብረኒ ይብል ነበረ። ብድሕሪ’ዚ ንኹለን ነገዳት እስራኤል ሰባት ብምስጢር ልኢኹ ድማ የመልክት ምስ ሰማዕኩም ኣቤሴሎም ኣብ ኬብሮን ነገሱ በሉ በሎም። ምስ ኣቢሶሎም ድማ ክልተ ሚእቲ ዕዱማት ሰባት ካብ ኢየሩሳሌም ከዱ።

  ዳዊት ድማ ነዚ ሰሚዑ “ንዑ ንጉየይ እምኢየሩሳሌም/ ካብ ኢየሩሳሌም ንህደም” በሎም። ኢዮኣብን ኣቢሳን ግና ክንዋጋእ ኢና በሉ። ጎይታ ንንግስነትካ ወድኻ ክወስዳ እዩ፡ ክዋጋእ እየ ከይትበል ኢሉኒ እዩ እሞ ኣይከውንን እዩ ኢሉ ተራ ልብሲ ለቢሱ ተራ ጫማ ገይሩ ካብታ ከተማ ወጺኡ ሰለስተ ወርሒ ኣብ ጫካ እና ሓዘነ ተቐመጠ። ድሕሪ ሰለስተ ወርሒ ግና ኣቤሴሎም ኣብ ውግእ ሞተ። ዳዊት ናብ ቤት መንግስቱ ክምለስ ከሎ እቶም ዓሰርተ ዕቑባቱ ንጓሉ ኣርኪሶማ ጸንሕዎ፡ ክሳብ ፍጻሜ ዘመኑ ድማ ኣይረኸቦምን። ብድሕሪ እዚ ብዙሕ ግዜ  ጸኒሑ “እስመ እምፍሬ ከርስከ ኣነብር ዲበ መንበርከ” ዝበሎ ቃል ተፈጸመ። ሰለሙን ኣብ ዝፋን ኣብኡ ተቐመጠ። ዳዊት ድማ ኣብ ኣርባዓ ዓመት ንግስነቱ ሞተ (1 ነገ 2፡12-14)።

በረኸትን ጸጋን ናይቲ ከም ልበይ ዝተባህለ ቅዱስ ዳዊት ምስኩላይና ህዝበ ክርስቲያን ይኹን ኣሜን!

ስብሃት ለእግዚኣብሔር

ወለወላዲቱ ድንግል

ወለመስቀሉ ክቡር

   ኣሜን!

 

ቀዳመይቲ ሰንበት ጾመ ኣርብዓ ዘወረደ
 
በስመኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን
ትግርኛ ስነ ጽሑፍ ክርስትያናዊ ጾም (1ይ ሰንበት ጾመ-ኣርብዓ – ዘወረደ)
ክርስትያናዊ ጾም (1ይ ሰንበት ጾመ-ኣርብዓ – ዘወረደ)
ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ዝንበብ ቅዱስ ጽሑፍ
ዲያቆን:- እብ 13፣ 7-17———-Heb 13: 7-17
ተሓጋጋዚ ዲያቆን:- ያእ 4፣6-ፍ———-Jam 4:6-end
ተሓጋጋዚ ካህን:- ግብ 25፣13-ፍ———-Acts 25: 13- end
ካህን:- ዮሃ 3: 10-25———-Joh 3: 10-25
መዝሙር ዳዊት፡-” ንእግዚኣብሄር ብፍርሃት ኣገልግልዎ፣ ብረዓድ ከኣ ተሐጐሱ።” (መዝ 2፡11)
Psalms:- “Serve the LORD with fear and rejoice with trembling.” Psalm 2.11
ቅዳሴ/Liturgy ፡- ባስልዮስ, St. Basil
ክርስትያናዊ ጾም
ጾም ማለት ንነፍስኻ ካብ ዝብላዕ፣ ዝስተን ክፉእ ነገራትን ገቲእካ፣ ምስ እግዚኣብሄር እትራኸበሉ ህሞት እዩ። ጾም ርእስኻ ኣዋሪድካ፣ ናይ ጸሎት፣ ናይ ሓዘን፣ ናይ ንስሓን ምንዛዝን እዋን ከምዝኾነ መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብል፣
1ይ. ኣነ ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ርእስና ከነዋርድ፣ ንዓናን ንህጻናትናን ንኹሉ ጥሪትናን ቅንዕቲ መገዲ ካብኡ ክንልምን ኢለ ኣብ ሩባ ኣሃዋ ጾም ኣወጅኩ (እዝራ 8.21)።
2ይ. ኮነ ድማ እዚ ዘረባ እዚ ምስ ሰማዕኩ፣ ሓያሎ መዓልቲ ሓዚነ እናበኸኹ ተቐመጥኩ። ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ሰማይ ድማ እጸውምን እጽልን ነበርኩ። በልኩ ኸኣ፣ ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ሰማይ፣ ዓቢይን መፍርህን ኣምላኽ፣ ነቶም ዚፈትዉኻን ትእዛዛትካ ድማ ንዝሕልዉን ኪዳንካን ምሕረትካን እትሕሉ፣ እቲ ንዓኻ ዝበደልናዮ ሓጢኣት ደቂ እስራኤል ዝእመኖ ዘለኹ፣ ኣነን ቤት ኣቦይንሲ በዲልና ኢና እሞ፣ እዚ ኣነ ባርያኻ ሕጂ ብዛዕባ ባሮትካ ደቂ እስራኤል ለይትን መዓልትን ኣብ ቅድሜኻ ዝጽልዮ ዘለኹ ጸሎት ክትሰምዕ፣ በጃኻ እዝንኻ ጽን ይበላ፣ ኣዒንትኻውን ይከፈታ። ንሕና ኣዚና ንዓኻ ዓጊብና፣ እቲ ንባርያኻ ሙሴ ዝኣዘዝካዮ ትእዛዛትን ሕጋጋትን ፍርድታትን ድማ ኣይሓሎናዮን (ነህ 1፣ 4-7)።
3ይ.ብማቕን ብሓሙኽሽትን እናጾምኩ ኸኣ ብልማኖን ብምህልላን ገጸይ ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ መለስኩ። ኣነ ድማ ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ ከምዚ ኢለ ለመንኩን ተናዘዝኩን፣ ዎ ጎይታይ፣ ኣታ ነቶም ዚፈትዉኻን ትእዛዛትካ ዚሕልዉንሲ ኪዳንን ምሕረትን እተጽንዓሎም ዓቢይን እትፍራህን ኣምላኽ፣ ንሕና ሓጢኣት ገበርና፣ ኣበስና፣ ረሲኣንን ዓለውትን ኮንና ካብ ትእዛዛትካን ካብ ፍርድኻን ኣግለስና (ዳን 9፣ 3-20) ይብል። ከምዚ ኣብ ላዕሊ ዘንበብናዮ፣ ብቓል እግዚኣብሄር መሰረት፣ ጾም ርእስኻ ኣሕሲእካ፣ ናይ ሓዘን፣ ናይ ጸሎት፣ ናይ ንስሓን ምንዛዝን እዋን ከምዝኾነ መጽሓፍ ቅዱስ ይነግረና። 
ዓይነት ዝጾሙ ሰባት

ጾም ዝጾሙ ሰባት ኣብ ክልተ ይኽፈሉ፣
1ይ. ጾም ክሳብ ዝፍጸም ካብ ዝኾነ ዝብላዕን ዝስተን ነገራት ዝሕረሙ
2ይ. ካብ ጥሉል መግቢ (ውጽኢት ናይ እንስሳ፣ ከም ስጋ ጠስሚ እንቃቁሖ ወዘተ) ካብ ዘስክር መስተ፣ ብምጿም ክሳብ ዝተወሰነ እዋን ብኣፍ-ጾሞም ጸኒሖም፣ ዝምገብሉ ሰዓት ምስ ኣኸለ፣ ናይ ጾም መግቢ ዝበልዑ እዮም። ነዚ ድማ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ዝኾነ ሰረት ኣለዎ (ዳንኤል 1. 8-11)።
ካብ ዝኾነ ዓይነት መግብን መስተን ዝጾሙ ሰባት
እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ፣ በዚ ቓላት እዚ ምሳኻን ምስ እስራኤልን ኪዳን ኣትየ እየ እሞ፣ እዚ ቓላት እዚ ንዓኻ ጸሓፎ፣ በሎ። እንጌራ ከይበልዔን ማይ ከይሰተየን፣ ኣብኡ ምስ እግዚኣብሄር ኣርብዓ መዓልትን ኣርብዓ ለይትን ገበረ። ድማ ናይቲ ኪዳን ቃላት እቲ ዓስርተ ቓላት፣ ኣብተን ጽላት ጸሓፎ (ዘጽ 34.27-28)።
1ይ.ሙሴ ካብ ዝኾነ እኽለ-ማይ ንኣርብዓ መዓልትን ኣርብዓ ለይትን ተሓሪሙ። እዚ ጾም እዚ ድማ ነተን ክልተ ጽላታት ካብ እግዚኣብሄር ንምቕባል ኢሉ ዝገበሮ ጾም እዩ።
2ይ.እስራኤላውያን ኣብ ፋርስ ባቢሎን ኣብ ስደት ኣብ ዝነበርሉ እዋን፣ ብጸላእቶም ተሃዲኖም ክቕተሉ ፍርዲ ምስ ተወሰነሎም፣ ፍቓድ እግዚኣብሄር ኮይኑ ካብቶም ስድተኛታት እስራኤላውያን ሓንቲ ኣስቴር እትበሃል ሰበይቲ ኩሎም እስራኤላውያን ተኣኪቦም ንሰለስተ መዓልትን ሰለስተ ለይትን ከይበልዑን ከይሰተዩን ስለ ዝጾሙ፣ እቲ ዝተዋህበ ናይ ሞት ኣዋጅ ናብ ምሕረት ተቐየረ (ኣስቴር 4.13-17)
3ይ.ነቢይ ዮናስ ንህዝቢ ነነዌ ካብ ክፉእ ግብሮም ክምለሱ ምስ ነገሮም፣ ንስብከቱ ሰሚዖም፣ ንሶምን እንስሳታቶምን ንሰለስተ መዓልትን ሰለስተ ለይትን ከይበልዑን ከይሰተዩን ስለ ዝጾሙ፣ እቲ ክወርድ ዝተሓስበ መዓት ናብ ምሕረት ተቐየረ (ዮናስ 3.1-10)።
4ይ. ንጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ናብዛ ዓለም ንኽመጽእ ዝደረኽኦ ክልተ ዓበይቲ ነጥብታት ኣለዋ። ንሳተን ድማ ቀዳማይ ህይወቱ በጃ ብምሕላፍ ከድሕነና ኢሉ ኪኸውን ኮሎ፣ እቲ ካልኣይ ድማ ንዓና ነቶም ሰዓብቱ ኩሉ ነገር ብግብሪ ክምህረናን ከርእየናን ኢሉ እዩ ብስጋ ዝተገልጸ። ብኣብነት ካብ ዝመሃረናን ዘርኣየናን ነገራት ሓደ ጾም እዩ። ጎይታና እየሱስ ክርስቶስ ስሌና ብዘይ እኽለ-ማይ ንኣርብዓ መዓልትን ኣርብዓ ለይትን ጾመ። ወንጌላውያን ማቴዎስን ሉቃስን ብዛዕባኡ ክምስክሩ ከለዉ ከምዚ ይብሉ፣”ሽዑ መንፈስ ንየሱስ፣ ብድያብሎስ ኪፍተን ናብ በረኻ ኣውጽኦ። ኣርብዓ መዓልትን ኣርብዓ ለይትን ምስ ጾመ፣ ድሕሪዚ ጠመየ። እቲ ፈታኒ ድማ መጺኡ፣ ወዲ ኣምላኽ እንተዄንካስ፣ እዚ ኣእማን እንጌራ ኪኸውን በል በሎ። ኢየሱስ ግና ሰብ ካብ ኣፍ ኣምላኽ ብዚወጽእ ኹሉ ቃል እምበር ብእንጌራ ጥራይ ኣይነብርን ጽሑፍ እዩ ኢሉ መለሰሉ (ማቴ 4.1-7፣ ሉቃ 4.1-14)።
ክሳብ ሕጂ ዝጠቐስናዮም ነገራት ዓቕሚ ንዘለዎምን ብዘይ ዝብላዕን ዝስተን ክጾሙ ንዝኽእሉ ሰባት ዘድሃበ ጽሑፍ እዩ። እንተኾነ ኣብዚ ዘለናዮ እዋን፣ ነዚ ዝተገልጸ ዓይነት ጾም ዝኽተሉ ሰባት ኣዝዮም ውሑዳት’ዮም። እንተለዉ’ውን ብውልቂ እምበር ብቤተ ክርስትያን ደረጃ ዝከኣል ኣይኮነን።
ናይ መነንቲ (ናይ ጾም) ምግቢ
ክሳብ ሕጂ ዝረኣናዮ ኣብነት ናይቶም ጾም ክሳብ ዚውዳእ ካብ ዝኾነ ዝብላዕን ዝስተን ተሓሪሞም ዘሕልፍዎ ሰባት ኢና ርኢና። እጂ ድማ ኣብነት ናይቶም ካብ ጥሉል መግቢን ዘስክር መስተን ተኸልኪሎም ናይ መነንቲ መግቢ (ናይ ጾም መግቢ) ጥራይ ብምብላዕ ዝጾሙ ሰባት ክንርኢ ኢና።
1ይ. በቲ ጊዜ እቲ ኣነ ዳንኤል ሰለስተ ሰሙን ምሉእ ሓዚነ ነበርኩ። እተን ሰለስተ ሰሙን ክሳብ ዚፍጸማ፣ ጥዑም መባልዕ ኣይበላዕኩን፣ ስጋን ወይንን ናብ ኣፈይ ኣየእተኹን፣ ዘይቲውን ኣይተለኼኹን(ዳን 10.2-3)። ኣብ መጽሓፍ ነህምያ 1፣4 ዘሎ፣ ጾም ማለት ናይ ሓዘን እዋን ምዃኑ ክምህረና ከሎ፣ ነቢይ ዳንኤል ኣብ 9.3 ድማ “ብማቕን ብሓሙኽሽትን እናጾምኩ ኸኣ ብልማኖን ብምህልላን ገጸይ ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ መለስኩ” ድሕሪ ምባሉ፣ ኣብ ዳንኤል ምዕራፍ 10.2 ድማ “ንሰለስተ ሰሙን ምሉእ ሓዚነ ነበርኩ” እናበለ ጾም ናይ ሓዘን እዋን ምዃኑ ይገልጽ። እዚ ድማ ናይቶም ኣብ እዋን ጾም ካብ ጥሉል መግቢን መስተን ዝኽልከሉ ሰባት መጽሓፍ ቅዱሳዊ ኣብነት እዩ።
2ይ. ከም ዚነውሕ ጽላሎት እኸይድ፣ ከም ኣንበጣውን እስጎጒ ኣለኹ። ኣብራኸይ ብጾም ራዕራዕ በለ፣ ስጋይ ከኣ ካብ ስብሑ ዓበረ (መዝ 109፣23-24፣ 69፣10)። ነዚ ቃል እዚ ዝተዛረቦን ብተግባር ዝተመኮሮን ነቢይ ዳዊት እዩ። ካብ ጥሉል መግቢ ብምሕሳሙ ኣብራኹ ከምዝደከመን ኣዝዩ ከም ዝሓስአን (ዓበረን) ይምስክር ኣሎ።
3ይ. ናይ ህይወትናን ኩሉ መንፈሳዊ ምልምማድናን መምሪሒ መጽሓፍ ቅዱስ እዩ። ስለዚ እቶም ካብ ዝኾነ ዓይነት መግቢን መስተን ተሓሪሞም ጾም-መመላእታ ዝጾሙ ይኹን፣ ናይቶም ካብ ጥሉል መግቢን ዘስክር መስተን ጥራይ ዝኽልከሉ ሰባት ኣጻውማ መጽሓፍ ቅዱሳዊ መሰረት ኣለዎ።
ሓቀኛ ጾም
“…ኣብ ሓምሳይን ሳብዓይን ወርሒ እትጾሙን እትበኽዩን ዝነበርኩምሲ ብሓቂዶ ንዓይ ኢኹም ዚጾምኩምለይ? (ዘካር 7፣5፣) ጾም ማለት ካብ ዝብላዕን ዝስተን ምኽልካል ጥራይ ኣይኮነን፣ ካብ ክፉእ ግብሪ፣ ካብ ምሕማይ፣ ካብ ክፉእ ሓሳብን ዘረባን ምኽልካል ማለት እዩ (ስንክ ታሕ 13 ፊሊክ 240)።
ኢሳይያስ 58፣3-12 ድማ ከምዚ ይብል “ስለምንታይ ድኣ ጾምና፣ ንስኻ ድማ ዘይርኤኻና፣ ስለምንታይከ ነፍስና ኣሕሳእና፣ ንስኻውን ግዱ ዘይገበርካ፣ እንሆ ብመዓልቲ ጾምኩምሲ ተግባርኩም ኢኹም እትገብሩ፣ ንግዙኣትኩም ድማ ትገፍዕዎም ኣለኹም። እንሆ ብባእስን ብምክርኻርን ብሕሱም ምውቃዕ ጉስጢትን ኢኹም እትጾሙ። ድምጽኹም ኣብ ላዕሊ ኸም ዚስማዕ ጌርኩም ሎሚ ኣይትጾሙን ኢኹም ዘሎኹም። እቲ ኣነ ዚፈትዎ ጾምን፣ እታ ሰብ ንነፍሱ ዜሕስኣላ መዓልትን ከምዚ ዚመሰለ ድዩ? ከም ሰልሰላ ርእስኻ ምድናንን ክሻን ሓሙኽሽትን መንጸፍካ ምግባርን፣ ነዚ ዲኻ ጾምን እግዚኣብሄር ዚቕበሎ መዓልትን እትብሎ ዘሎኻ? እቲ ኣነ ዚፈትዎ ጾምሲ፣ ነመኣስር እከይ ምፍታሕ፣ ንማእሰርቲ ኣርዑት ምዝላቕ፣ ንጥቑዓት ምውጻሕ ሓራ፣ ኣርዑት ዘበለ ኹሉውን ምስባርዶ ኣይኮነን? እንጌራኻ ንጥሙይ ክትመቅል፣ ነቶም እተሰዱ ድኻታት ናብ ቤትካ ኸተእቱ፣ ዕሩቕ እንተ ርኤኻ ክትከድኖ፣ ካብ ስጋኻውን ከይትሕባእዶ ኣይኮነን? ሽዑ ብርሃንካ ከም ወጋሕታ ኮይኑ ኺወጽእ፣ ምሕዋይካ ኸኣ ቀልጢፉ ኺበቁል፣ ጽድቅኻ ድማ ቀቅድሜኻ ኪኸይድ፣ ክብሪ እግዚኣብሄርውን ደጀንካ ኪኸውን እዩ። ሽዑ ኽትጽውዕ፣ እግዚኣብሄር ከኣ ኪመልሰልካ፣ ኬተእዊ ንሱ ድማ እኔኹ ኪብል እዩ። ነርዑት፣ ንምውጥዋጥ ኣጻብዕ፣ ንሕማቕ ዘረባ ኸኣ ካብ ማእከልካ እንተ ኣርሓቕካ፣ ካብ ናይ ነፍስኻ ንጥሙይ እንተ መቐልካ፣ ንጭንቕቲ ነፍሲ እንት ኣጽገብካ፣ ሽዑ ብርሃንካ ኣብ ጸልማት ኪወጽእ፣ ጸልማትካውን ከም ቀጥሪ ኪኸውን እዩ። እግዚኣብሄር ንኹሉ ጊዜ ኪመርሓካ፣ ኣብ ምድሪ ኣጻምእ ንነፍስኻ ኬጽግባ፣ ነዕጽምትኻ ድማ ኬበርትዖ እዩ። ንስኻ ኸኣ ከም ዚሰተየ ኣታኽልትን ከምቲ ማዩ ዘይነጽፍ ዓይኒ ማይን ኪትከውን ኢኻ። ደቅኻ ነቲ ቀደም ዚዓነወ ኺንድቁ እዮም፣ ንመሰረት ብዙሓት ወለዶ ከተቕውም ኢኻ። ነዳቕ ፍሩስን መሳፍሮ ዚኸውን መገዲ መዓረይን ተብሂልካ ኽትስመ ኢኻ።”
እግዚኣብሄር ንበረኸትን ንምሕረትን ዝኸውን ጾም ይግበረልና።