ሆሳዕና በ ኣርያም

ሆሳዕና በ ኣርያም

ሆሳዕና ዝብል ቃል ትርጉሙ፡ መድሓኒት ሕጂ ኣድሕን ሕጂ ኣቅንዕ ማለት እዮ። እዚ ድማ ጐይታና መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንሱ እቲ ቅኑዕን ንጉስን እቲ መድሓኒት ድማ ንሱ ምዃኑ ንኩሉ ድማ ዘቅንዕ ንሱ ሙዃኑ ንምግላጽ ዝተገብረ እዮ። ኣብዚ ዕለት እዚ ከምቲ ኣብ ወንጌል ማቴዎስ 21፡9 ‘’ እቶም ቀቀድሚኡ ዝኸዱ ደድሕሪኡ’ውን ዝስዕቡ ሕዝቢ ኸኣ ‘’ ሆሳዕና” ንወዲ ዳዊት፡ እቲ ብስም እግዚኣብሔር ዝመጽእ ብሩኽ እዮ; ሆሳዕና ኣብ ኣርያም’’ እናበሉ ይጭርሑ ነበሩ። እዚ ድማ፡እቲ ኣቀዲሙ ብነብይ ተነጊሩ ዝነበረ ቃል መታን ክፍጸም እዮ፡ንጓል ጽዬን እንሆ ንጉስኪ ጻድቅ ናይ ባሕርይ ኣምላክ ለዋህ ሓዳግ በቐል ኣብ ኣድግን ኣብ ገልገል ኣድግን ተወጢሑ ይመጽእ ኣሎ በልዋ ዝተባህለ ትንቢት መታን ክፍጽም እዮ፡ንጓል ጽዬን እንሆ ንጉስኪ ጻድቅ በልዋ ዝተባህለ ትንቢት መታን ክፍጸም እዮ። ጓል ጽዬን ማለቱ ንሕዝቢ ኢየሩሳሌም እዮ ከምኡ’ውን ንጓል ሕጊ ማለቱ እዮ ኢሳ 2፡3 ። ምኽንያቱ ኣደ ንውላዳ ቀጺዓ ከም ተዕቢ ሕጊ ድማ ንሰብ ትቀጽዕን ትመርሕን እያ። ጻድቅን ለዋህን ንጉስኪ ማለቱ ድማ ከምቲ ብነብይ ዘካርያስ ‘’ ኣነ ንሰረገላታት ውግእ ካብ እስራኤል ነፍራስ ውግእ ከኣ ካብ ኢየሩሳሊም ክጥፍእ እየ፡ቀስትታት ውግእ ኪጠፉእ እዩ፡ንጉስኩም ኣብ መንጐ ኣሕዛብ ሰላም ከም ዝከውን ኪገብር እዮ’’ ዘካ 9፡10 ጐይታ ኢየሱስ ካብቶም ኣብ እስራኤል ነጊሶም ዝነበሩ ምድራውያን ነገስታት ፍሉይ ዝኮነ ትሑትን ሰለማውን ንጉስ ምዃኑ ዝገልጽ እዮ። ብተወሳኪ ጐይታ ኢየሱስ ኣብ ኣድግን ገልገል ኣድግን ተወጢሑ ኣብ ማእከል ህዝቢ ዝተራእየ፡ እቲ ነብያት ኣቀዲሞም ዘርእይዎ ዝነበሩ ምሳሌ ምእንቲ ኪፍጸም እዮ።ነብያት ዘመነ መከራ እንተኾነ ጸሊም ተከዲኖም ኣብ ፈረስ ተወጢሖም፡ዘመነ ሰላም እንተኾነ ግና ጻዕዳ ተከዲኖም ኣብ ኣድጊ ተወጢሖም ኣብ ማእከል ሕዝቢ ክዞሩ ይረኣዮ ነበሩ። ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ድማ ዘመነ ሰላም ኪኾነልኩም እዮ፡ ኪብል ኣብ ኣድጊ ተወጢሑ ኣብ ማእከል ሕዝቢ ተራእየ። ከምኡ’ውን ኣብ ኣድጊ ዝተወጠሕ ሰብ፡ ካብ ሰብ በሪሩ ከምዘየምልጥ ጐይታ ድማ ኣብ ኣድጊ ምቅማጡ ብእምነት፡ብጸሎት፡ እንተደሊኹሙኒ ኽትረክቡኒ ኢኹም ማለቱ እዮ። ኢሳ 55፡6 ከሙኡ’ውን ጐይታ ኣብ ጻዕብ ኣድጊ ተወጢሑ ንኢየሩሳሌም ምእታው ከምቲ ኣብ ባህልና ዝብሃል ሕኒኡ ዘይፈዲ ወዲ ኣድጊ ከምዝብሃል እታ ዒሉ ኣዲኣ እናተቀጥቀጠት ስቅ ኢላ ደድሕሪ ኣዲኣ ድኣ ትከይድ እምበር ሕነ ኣዲኣ ኣይትፈድን እያ፡ ስለዚ ክርስቶስ ድማ ነታ ሕነ ፍደ ትብል ዝነበረት ሕጊ ብምቅያር ከምቲ ኣብ ወንጌሉ ዝበሎ ማቴ 5፡38-40 ‘’ዓይኒ ክንዲ ዓይኒ ስኒ ክንዲ ስኒ” ከምዝተባህለ ሰሚዕኩም ኣለኩም። ኣነ ግና እብለኩም ኣለኩ ንክፉእ ኣይትቃወምዎ። የማነይቲ መትልሕካ ንዝጸፍዓኻ ግና እታ ኻልኣይቲ’ውን መልሰሉ። ነቲ እጀ ጠባብካ ኸወስድ ኢሉ ዝኸሰካ ነጸላካ’ውን ሕደገሉ’’። ብዝብል ትእዛዝ ብምቅያር ነታ ሕነ ፍደ ትብል ዝነበረት ሕጊ ሕነ ኣይትፍደ ጸላኢኻ ኣፍቅር ብምባል ቀይርዋ እዮ። ኣብዚ መዓልቲ’ዚ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ናብ ኢየርሳሌም ክኣቱ ከሎ ኩሎም ሕዝቢ ህጻናት ከይተረፉ ብምሉኦም ሆሳዕና ንወዲ ዳዊት ብስም እግዚኣብሔር ዝመጽእ ብሩኽ ኢዮ እናበሉ ቆጽሊ ኣልዒሎም ክቅበልዎ ከለው ዝረኣዮ ሊቃነ ካህናትን መምህራን ሕግን ግና፡ ነቲ ዝገበሮ ተኣምራት ህጻናት ድማ ኣብ ቤተመቅድስ ዓው ኢሎም ሆሳዕና ንወዲ ዳዊት መድሃኒ በልዎ፡ ከብሎን ምስ ረኣዮ ሓረቁ እምበር ደስ ኣይበሎምን። እዞም ህጻናት ዝብልዎስ ትሰምዖ’ዶ ኣሎካ በለዎ ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ከኣ ፡እወ ካብ ኣፍ ቆልዑን ህጻናትን ምስጋና ኣዳሎካ ማለት ትቐትበልካ ዝብል’ዶ ኣየንበብኩምን ኢኹም በሎም። እዚ ድማ እቲ ብነብይ ዘማራይ ቅዱስ ዳዊት ኣብ መዝ 8፡2 ‘’ ብኣፍ ቆልዑን ሕጻናትን ምስጋና ኣዳሎካ፡ንተቃወምትካን ጸላእትኻን ንፈዳይ ሕነን ዓገትኻዬም’’ ዝብል ቃል መታን ክፍጸም እዮ። ሊቃነ ካህናትን መምህራን ሕጊን ክብረት ናይ ጐይታ ስለ ዘቅንኦም ነዞም ህዝቢ ስቅ ክብሉ ዘይትገንሖም ምስ በልዎ፡ ጐይታ ዝበሎ ቃል እንተድኣ ኔሩ ንሶም ስቅ እንተበሉስ እዞም ኣእማን ክዛረቡ እዮም በሎም። ብሓቂ ጐይታ ብኣና ብደቂ ሰባት ጥራይ ዘይኮነስ ብኩሉ ፍጥረት ከም ዝምስገን ከምዝውደስን ክንፈልጥ ይግብኣና እዩ። እግዚኣብሔር ኣምላኽና ግና ምስጋና ካባና ዘድልዮ ኮይኑ ኣይኮነን ፡ ብባህሪኡ ንባህሪኡ ምስጉን ስለዝኾነ ንሕና ነመስግኖን ንውድሶን ግን ንዓና ንጥቅምና እምበር ንሕና ስለ ዘይወደስናዮን ዘየመስገናዮን ምስጋና ዝጐድሎ ኣምላኽ ኣይኮነን እትምንታይ’ሲ ተስዓን ትሽዓተን ነገደ መላእክት፡ ዕስራን ኣርባዕተ ካህናተ ሰማይ ብዘይ ምቁራጽ ቅዱስ ቅዱስ ቅድስ እናበሉ ዘመስግንዎ ሓያል ኣምላኽ ሙኻኑ ክንፈልጥ ይግብኣና እዩ።
ሓደ ካብቲ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ኢየሩስሳሌም በዚ መዓልቲ’ዚ ዝገበሮ ነገር እንተድኣ ኔሩ ፡ ኣብ ቤት መቅደስ ብምእታው ነቶም ኣብኡ ዝሸጡን ዝሻየጡን ዝነበሩ ከምዝተቃወሞም መጽሓፍ ቅዱስ ይነግረና። እዚ ድማ እቲ ‘’ቅንዓት ቤትካ በልዓኒ’’ ዝብል ጽሑፍ ንምፍጻም ድማ ስለታ ናይ ድሕነት ቤት ከምዚ ክብል ተቃወሞም። ኢየሱስ ናብ ቤተ መቅደስ ኣትዮ ኸኣ ነቶም ዝሸጡን ዝሻየጡን ዝነበሩ ‘’ ቤተይ ቤት ጸሎት ክትከውን እያ ዚብል ተጻሒፉ ኣሎ፡ ንስኻትኩም ግና በዓቲ ጐሓሉ ገብርኩምዋ’’ እናበለ ከውጽኦም ጀመረ። ሉቃ 19፡45-46። ጐይታ እዚ ዝበለሉ ምክንያት ዝተሰርቀን ዝተኸትረን ኣቡኡ ይሽየጥ ስለ ዝነበረ እዩ ከምዚ ዝበለ። ዝከበርኩም ሕዝበ ክርስትያን እስኪ ኩልና ኣብዛ ደቂቅ እዚኣ ንነብስና በዚ ቃል እዚ ንሕተታ፡ከምቲ ኣብ ወንጌል ተጻሒፉ ዘሎ ‘’ ኩሉ ዘተጽሕፈ ለተግሳጸ ዚኣነ’’ ኩሉ ዝተጻሕፈ ንዓና ንመምሃሪና ንተግሳጽና ከም ምኩኑ መጠን፡ እዚ ቃል እዚ ከነስተንትኖ ይግብኣና። ኣብዚ ግዜ’ዚ ከምቶም ጐይታ ካብ ቤተመቅደስ ዝሰጐም ክብሪ ቤትኣምላክ ዘይንፈልጥ ኮይና ከይንርከብ ክንጥንቀቅ ይግብኣና እዩ። ክንደይ ሰባት ኢና ክብርን ትርጉምን መቅድስ ኣምላክ ንፈልጥ፡ ኣብ ግዜ
ቅዳሴ ይኩን ኣብ ግዜ ኪዳን ቃል ኣምላክ ኣብ ዝንገረሉ ግዜ መምጺኢና ዘንጊዕና ካልእ ስራሕ እንሰርሕ ሰባት ክንዳይ ኢና። ኣብ ቤትኣምላክ መጺካ ክንዲ ኣብ ጸሎትን ምህለላን ምስ ፈጣሪካ ምዝራብን፡ ኣብ ዕላልን ሰሓቅን ካልእ ዘይድሊ ነገራትን ነሕልፎ ሰባት ክንደይ ኢና ኣብ ቤትኣምላክ መጺና ክንዲ በረኸትን ምርቃን፡ መርገምን ናይ ሓጢኣት ስንቅን ተሰኪምና ንከይድ ከምዘለና ከነስተውዕል ይግብኣና። ብርግጽ ኣብ ቤትኣምላክ መጺና ንዕኡ ክብሪ ዝህብ ሰራሕ’ዶ ንሰርሕ ኣሎና ዋላስ እንታይ ነፍሲወከፍና ንነብስና ክንሓታ ይግብኣና እዩ። ኣብዚ ቅዱስ ስፍራ እዚ ክንመጽእ ከለና ብፍርሃት ብጥንቃቀ ክንመጽእ ድኣ እምበር እዚ ቤት እዚ ከም ኩሉ ቤት ከምዘይኮነ ክንፈልጥ ይግብኣና፡ እዚ ቤት እዚ ስም እቲ ልዑል እግዚኣብሔር ኣምላኽ ጥራይ ዝጽውዓሉ ንዕኡ ክብሪ ዝህቡ ነገራት ጥራይ ዝስራሓሉ ኮታስ ኣብዚ ቤት እዚ ክብሪ ኣምላክ ጥራይ ዝንገረሉ ምዃኑ ኩልና ከነስተውዕል ይግብኣና። ማዕረ ክንደይ ብፍርሃትን ብራዓድን ኣብዚ ቦታ’ዚ ክንቀውም ከም ዝግብኣና ድማ ነዚ ቃል’ዚ ን መልከት ዘፍ 28፡16 ያዕቆብ ከኣ ኻብ ድቃሱ ተበራበረ እሞ፡’ ‘’ ኣነ ድኣ ኣይፈለጥኩን ነይረ እምበር ፡ ብሓቂ እግዚኣብሔር ኣብዛ ቦታ እዚኣ ኣሎ’’ በለ፡ ፈሪሑ ስለ ዝነበረ ኸኣ ‘’ እዛ ቦታ እዚኣ ክንደይ ተፍርህ እያ እዚኣ ቤት ኣምላክ እያ እምበር ካልእ ኣይኮነትን እዚኣ ኸኣ ደገ ሰማይ እያ’’ በለ።
ስለዚ እምበኣር እዛ ቤት እዚኣ ማዕረ ክንደይ ክብሪ ከም ዝግብኣ ኣብዚ ቤት እዚ እንሰርሖን እንገብሮን ድማ ብጥንቃቀ ክንፍጽሞ ከምዝግብኣና ካብዚ ቃል እዚ ተረዲእና ኣለና። ኣብ ቤት ኣምላክ ኮይና ቅዳሴ እናተቀደስ ስም እግዚኣብሔር እናተጸወዐ ቅዱሳን መላእኽት ኣክናፎም ዘርጊሖም ኣብዚ ቤት እዚ ካብ ሃለዉ እቲ ንጹሕን ቅዱስን ንዓና ንድሕነት ዝተዋህበ ቅዱስ ስጋኡን ክብር ደሙን እናተፈተተ እንከሎ ንሕና ግና ኣብ ካልእ ዕላልን ሰሓቅን ጸወታን ሕሜትን፡ ሓሳባትና ካብዚ ወጻኢ እንተድኣ ሃልዩ ካብቶም ጐይታ ዝሰጐጐም ክብሪ ቤት ኣምላክ ዝዘንግዑን ዝነዓቁን ዝረስዑን ሰባት ዘፍሊ ድኣ እንታይ ክህልወና እዩ። ስለዚ ኣብ ቤትኣምላክ መጺና ክንድቲ ክንረኽቦ ዝግብኣና ጸጋን በረኸትን መርገምን መቅዘፍትን ሒዝና ንቤትና ንምለስ ከይንህሉ ክንጥንቀቅ ይግብኣና።
ዝከበርኩም ሕዝበ ክርስትያን ኣብዛ ዕለት ሆሳዕና ከምቶም ክብሪ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ፈሊጦም ሆሳዕና ኣብ ኣርያም ብስም እግዚኣብሔር ዝመጽእ ብሩክ እዮ እናበሉ፥ ብመዝሙር ንእግዚኣብሔር ዘመስገኑ ንሕና ድማ ብፍርሃትን ብራዕድን ኣብ ቤቱ ክንህሉ እሞ እቲ ዝግባእ ክብሪ እግዚኣብሔር ፈሊጥና ብሓድነት ፥ ብሓጐስ፥ብፍቅሪ፥ ብትሕትና ፥ ብልግሲ፥ ብተስፋ ስም እግዚኣብሔር ክንጽውዕ እሞ፡ እግዚኣብሔር ኣምላክና ድማ ከምቲ በቲ ዘይሕሰው ቃሉ ኣብ መጽሓፉ ዝበሎ 1 ነገ 9፡3 እግዚኣብሔር ድማ ከምዚ በሎ ‘’ እቲ ኣብ ቅድመይ ዝተማህለልካዮ ጸሎትካን ምህለላኻን ሰሚዓዬ ኣሎኹ ነዛ ዝሰራሕካያ ቤትመቅደስ ስመይ ክሳብ ዘልዓለም ኣብኣ ብምንባር ቀዲሰያ ኣሉኹ፡ ዓይነይን ልበይን ከኣ ንሓዋሩ ኣብኣ ኺንበራ እየን።’’ በዚ ቃል እዚ ጾምና ጸሎትና ዝማሬና ቅዳሴና ተቀቢሉ ንሓጢኣትና መደምሰሲ ንመንግስተ ሰማያት መውረሲ ከምዝገብረልና ምንም ጥርጥር የብልናንን። ክብርን ምስጋና ንእግዚኣብሔር ኣምላክና ይኩን ፡ ጸሎትን ኣማላድነትን ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ምስ ኩሎም ቅዱሳነ እግዚኣብሔር ምስ ኩልና ይኩን ኣሜን።

ሰሙነ ሕማማት

Leave a comment